መንግስት ኣብ ስደት {government in exile}:

ኣብ ፖሎቲካዊ ንጥፈታት ኤርትራ፡ እዚ መንግስት ኣብ ስደት ዝብል ጣቓ ፖሎቲካ ዳርጋ ካብ 1975 ዓ.ም.ፍ ዝዝረበሉ ዝነበረ ምኻኑ ኣቀዲመ ከዛኻኽር ይደሊ። ቅድሚ ምስ ሕሉፉን ህልዉን ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታታት ኤርትራ ምዝማደይ፡ ፖሎቲካዊ ትሕዝትኡ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ክትግበርን ክእወጅን ይኽእል ምስ ዓለምለኻዊ ተቀባሉነቱ ብምዝማድ ክገልጹ ክፍትን እየ።
መንግስት ኣብ ስደት ዝብል ከም ፖሎቲካዊ ኣምርን ትግባሬን ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዝያት ብጻዕቂ ዝተዘዉተረ እኳ እንተኾነ፡ ከም ፖሎቲካዊ ኣምር ሓደ ፖሎቲካዊ ጉጅለ፡ ንጉጅሉኡ ከም ሓደ ሕጋዊ ወኪል ህዝባዊ ስልጣን ሃገሩ፡ ኣብ ስደት ኮይኑ ዝጽዕደሉ እዩ። ሕሉፍ ታሪኽ ከምዝምህረና፡ መንግስት ኣብ ስደት መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ወቕት ኩናት ወራርን ጎበጣን ዝተራእየን ዝተዘዉተረን ምኻኑ እዩ።
መንግስት ኣብ ስደት፡ መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ ብነገስታት ወይ መሳፍንት {monarchs or feudalist} ዝተዘዉተረ እኳ እንተኾነ፡ ብካልኦት እዉን ዝጻዓድ እዩ። መሳፍንት ወይ ነገስታት ጸኒሓዊ (ትዉፊታዊ)ሕጋዉነት ዉናኔ ፖሎቲካዊ ስልጣን {traditional legitimacy} ኣሎና ስለዝብሉ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ብዉሽጣዉያን ዜጋታቶም ወይ ድማ ብናይ ግዳም ጎቦጣ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ክምንዛዕ እንኮሎ፡ ወይ ድማ ሓደ ብሕጋዊ ህዝባዊ ምርጫ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ፖሎቲካዊ ጉጂለ፡ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ወይ ናይ ግዳም ጎበጣ ዝተረከቦ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክምንዛዕ እንኮሎ፡ ወይ ድማ ንሓንቲ ልዕላዊት ሃገር ካልእ ናይ ግዳም ሃገር ብጎቦጣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ከተእትዋ እንኮላ፡ ዜጋታታ ኣንጻር ጎቦጣን መግዛትን ልዕላዉነት ሃገሮምን ሓራ ንምግባር ኣብ ዝናጣጠፍሉ እዋናት፡ መንግስት ኣብ ስደት ተባሂሉ ከምዝእዋጅን ከምዝናጣጠፍን ታሪኽ ብጽኑዕ የዉክኣልና።
እቲ መንግስት ኣብ ስደት ኢሉ ዝእዉጅ ፖሎቲካዊ ጉጅለ፡ ሓንቲ ምዓልቲ እንተኮይንሉ፡ ናብ መቦቆላዊ ዓዱ ተመሊሱ፡ ነቲ ነይሩኒ ወይ ክህልወነ ኣለዎ ዝብሎ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ክመርሕ እየ ኣብ ዝብል ግምታት ዝነብርን ዝናጣጠፍን እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣስታት 11 ፖሎቲካዉያን ጉጅለታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስት ኣብ ስደት ዝኣወጃ ኣለዋ። ኩነታታተን ዝተፈላለየ ዝገብረን እኳ እንተኾነ፡ ኩለን ሓንቲ ምዓልቲ እንተኮይንለን፡ ናብ መቦቆላዊ ሃገረን ተመሊሰን፡ ነቲ ነይሩና ወይ ክህልወነ ኣለዎ ዝብልኦ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ክመርሕ እየ ኣብ ዝብል ግምታት ዝነብራን ዝናጣጠፍን እየን። ዓለምለኻዊ ሕጊ ንግብራዊ ስጉምቲ ኣዋጅን ንጥፈታትን መንግስት ኣብ ስደት ክቕበሎ፡ እቲ መንግስት ኣብ ስደት ዝእዉጅ ፖሎቲካዊ ጉጅለ ከማልኦ ዝግብኦ ሮቛሒታት እኳ እንተሃለወ፡ ነዚ ሮቛሒታት ኣማሊኡ እዉን ተመሊሱ ንሃገሩ፡ እቲ ዝጠልቦ ዝነበረ ዋንነት ፖሎቲካዊ ስልጣን ከም ሕጋዊ ዉሕስነት ዝህቦ ወይ ዝቕበሎ የሎን። ስለዚ ዳግም ንመቦቖላዊ ሃገሩ ብምእታዉ ብሕጋዊ ምርጫታት ፖሎቲካዊ ስልጣን ክዓትር ኣለዎ ማለት እዩ።
እዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ካብ ኮነ እቲ ሓቕታት ትርጉምን ተግባርን ናይ መንግስት ኣብ ስደት፡ እንታዋይ ፖሎቲካዊ ጉጅለ እዩ ሕጅ ኣብ ኤርትራ መንግስት ኣብ ስደት ኢሉ ዝእዉጅ? እንታይ ሕጋዉነት ኣለዎ? መን እዩ ኸ ተዋጋያይን ተካኢን ፖሎቲካዊ ስልጣን ገይርዎ? ኤርትራ ኸ ኣብ ትሕቲ ግዳማዊ መግዛቲ ድያ ትርከብ? እንታይ እዮም እቶም ጭቡጣት ዳይነሚክስ ንመንግስት ኣብ ስደት ከኣዉጁ ዝደራርኹ?….ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ሕቶታት ክምለሱ ኣለዎም።
እቲ ሓቂ ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታን ክዉንነትን ኤርትራ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡–
1. ኤርትራ ሓንቲ ናጻ ልዕላዊት ሃገር እያ።
2. ናጻን ልዕላዊትን ሃገር ኮይና፡ ሓደ ሃገራዊ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዘለዋ እያ።
3. ብኹረት ዘቤታዊ ልዕላዉነት ቅዋምን ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና እያ።
ካብዚ ጭቡጥ ክዉንነት እዚ ብምንቃል እቲ መንግስት ኣብ ስደት ክንምስርት ኣሎና ዝባሃል ሓሳብን ዘረባታትን ንጥፈታትን ጽዉጽዋይ ምኻኑ ክገልጽ ይደሊ።
ድሕሪ ዙሑል ኩናት ዓለም ምዉድኡ፡ ቡዙሓት ዘይንቡራት ፖሎቲካዊ ስጉምትታትን ምዕብልናታትን ኣብ ዓለምና ክምተራእዩ ዝክሓድ ሓቂ ኣይኮነን። የግዳስ ኩሉም ካብ ዉሽጣዊ ኩዉንነትን ማሕበራዊ ጸጋታት ናይተን ዝተፈላለያ ሃገራት ስለዘይነቀሉ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ክፍትሑ ዘለዎም ተወሰኽቲ ሽግራት ኮይኖም ኣለዉ። ድሕሪ 2000 ዓ.ም.ፍ ጥራይ መንግስት ኣፍጋኒስታን ኣብ ጀርመን ተሰሪሑ ንዉሽጥ ኣፍጋኒስታን ኣትዩ፡ መንግስት ዒራቕ ኣብ ኣመሪካ ተሰሪሑ ንዒራቕ ኣትዩ፡ መንግስት ሶማል ኣብ ኬንያ ተሰሪሑ ንሶማል ኣትዩ…ወ.ዘ.ተ ከም ሳዕቤኑ ግን ዛጊት ተዛማዲ ቅሳነት ኣይተረኽበን። ርእሱ ዝኻኣለ ሃገራዊ መንግስት እዉን ዛጊት ኣይተራጋገጸን። ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሰራዊት ናቶ፡ ኣብ ዒራቕ ብሰራዊት ኣመሪካን ኣዉስትራልያን ካልኦት ሃገራትን፡ ኣብ ሶማል ድማ ብሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ ዝሕሎን ዝምራሕን ዘሎ።
ስለዚ ኤርትራዉያን ካብዚ ኣብ ከባቢናን ዓለምናን እንርእዮ ዘሎና ሓደገኛ ተሞክሮታታት ክንጥንቀቕ ኣሎና። ልዕሊ ኹሉ ግን መንግስት ኣብ ስደት ምቓምን ምእዋጅን፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ዘሎና ሽግራት፡ ንገዛ ነብሱ ክፍታሕ ዘለዎ ሽግር ምኻኑ ክንፈልጥ ኣሎና። ንሓንሳብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንሓንሳብ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ንሓንሳብ ልፍንት ወይ ስሙር ግንባር፡ ንሓንሳብ ቀጽርታት፡ ንሓንሳብ ምሕዝነት፡ ንሓንሳብ ኪዳን፡ ንሓንሳብ መንግስት ኣብ ስደት….ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ፖሎቲካዊ ሕዋማትን {formulas} ጣቛታትን፡ በብእዋኑ እኳ ገሊኦም እንተተግበሩ ገሊኦም ድማ ንክትግበሩ ዝዝረበሎም እንተኾነ፡ ንኩሉ ጥዕም ግድፍ ዘዋጽእ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ከዕዉተና ዝኽእል ፖሎቲካዊ ሕዋም ን ብልሓት ንዋት ቃልሲ ክንዓልብ ኣሎና።

ወድሓንኩም!
መርእድ ዘርኡ
08/01/2016
m.zerut@gmail.com

Leave a comment

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.