Monthly Archives: September, 2014

Radio halifax 2014 09 28 Yohannes Ferdinando Drar on mental health

Advertisements

Voice of Assenna: Assenna Public Meeting in Seattle, Sept 20, 2014

ምጉኑናጽ ጽምዳዊ መንነትን ሃገራዉነት፡ ከም ጻልጣ-ንዋት መሕኾሪ ፖሎቲካዊ ስልጣንን ምርግጋጽ-ዉልቓዊ ህቡቡነት እዩ።

ድሕረ ባይታ
ኣብ ታሪኽ ጸልሊም-ኣፍሪቃ ክልተ ዝተፈላለይ ባዕዳዉያን ወራራት ብኸፌል እኳ እንተተኻየዱ፡ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መበል ክሳብ ሳልሳይ ናይ ምዕራብ-ኤዉሮጳ መግዛታዊ ምምቅራሕ ኣብ 1885 ኣብ በርሊን ተሓንጺጹ ዝተኻየደ፡ ከም ዘመናዉያን ሃገራት ይፍለጣ ኣይነበራን ጥራይ ዘይኮነስ ሃገር እትብሃል’ዉን ኣይነበረትን። ሙቛም ሃገረ-መንግስትን ዘመናዊት ሃገር ምስ መግዛእቲ ምዕራባዉያን ኤዉሮጳ ዝመጸን ዝተጋህደ ኣምር ዉዳቤ እዩ። መሬትን ህዝቢ-ኤርትራ ቅድሚ- ዘመናዊት ሃገር ሙኻና፡ ቅድሚ1000 ዓመት ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ምድሪ ፑንት ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ እዩ። ምድረን ህዝቢ ፑንት ቀንዲ ኣፍደገ-ስግረ ባሕራዊ ጽኣት ካልኦት ህዝብታትን ስልጣኔታት ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ክኣ ነበረ። ኣብ ምድሪ ፑንት ኣብ ጥንታዊ ስልጣኔ እዚ ከባቢ እዚ ብንግስነት ንቡያን ይማሓደር ነበረ። ድሕሪ ምዉዳቕ ንግስነት ንቡያ ብንግስነት ኣክሱም ተተክኣ። ንግስነት ኣኽሱም ከም ኩሎም ኣብቲ እዋናት ዝነበሩ ንግስነታት ብንጉስ ዛግየ ናይ ኣገዉ፡ ኣብ ማዓሙቕ ጽልማት ኣትዩ ምስ ወደቀ፡ ንግስነት ቬጃ ንምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራን ምብራቓዊ ሱዳን ተቆጽጸረ፡ እዚ ምቕይያራት ብዝፈጠሮ ጽልዋታት፡ እዚ ሕጂ ኤርትራ ዝባሃል ዘሎ፡ እቲ ከበሳዊ ሸነኽ ዝነበረ ህዝቢ ብራእስታትን ባሕሪ ነጋሽት ዝመሓደር ዝነበረ ኰይኑ፣ ሓሓሊፉ እቲ ከበሳዊ ወገን ብናይ ሓበሻዊ መሳፍንቲ ይዉረር ነበረ፡ ብ1879 ራእሲ ኣሉላ ብዘጻወዶ ሓደገኛ ተንኮል ተታሊሎም ራእሲ ወለንክኤል ድሕሪ ምምራኾምን ፡ ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ሃጸይ ዮሓንስ ናይ ሓበሻ ምእታዎምን ፡ ንሓያሎ ዓመታት ራእሲ ኣሉላን ሰራዊቶምን ንሓማሴን ከምዘገበሩ’ዩ ዝፍለጥ፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ራእሲ ኣሉላ ፡ ዘይፍትሓውነት ከምዝነገሰን ሰራዊት ራእሲ ኣሉላ ድማ ብዙሕ ግፍዕታት ኣብ ከበሳን መታሕትን ከም ዝፈጸሙ ይዝንቶ እዩ ። ኣብ ጽሑፋትን ብኣፍን ከምዝዉካእ መግዛቲ ቱርኪ መግዛቲ ግብጺ ይብሃል እዩ። እዚ ኣባህላታት እዚ ምስ ኣምራዊ ትሕዝቶ መግዛቲ ቁኑዕ ትርጉም ዝሓዘ ኣይኮነን። እቲ ምንታይስ ግብጻዉያን ይኹኑ ቱርካዉያን ንገለ ክፋላት እዚ ሕጂ ኣካል ዘመናዊት ሃገር ኤርትራ ዘሎ ቀጥታዉን ብዉክልናዉን የገብርዎ ነይሮም እምበር፡ ብሙሉኡ ተቃጻጺሮም ምሕደራዊ ስርርዓት ሰሪቶምን ዘማሓድርዎ ስለዘይነበሩ፡ መግዛእቲ ክትብሎ ኣይክኣልን እዩ። መላእ ከበሳ ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ድማ ኤርትራ ፍጹም ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ሙቁጽጻርን መግዛእቲ መሳፍንቲ ሓበሻ ወዲቁ ኣይፈልጥን እዩ። ወረራት ቱርኪ ይኹን ግብጺ ንከበሳታት ኤርትራ ክቛጻጸሩ እዉን ፈቲኖም እዮም፡ ሙኻን ምስ ኣበዮም ኣብ ገለ-ክፋላት ምዕራባዉን ምብራቃዊ ቆላታት ተወሺቦም ከም ዝተሪፉ ኣፋዊ፡ ጹሑፋዊን ቅርሳዊ ታሪኻት የራጋግጸልና። እቲ ብወገን ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ዝነበረ፡ ካብ 1846-1885 ብግብጺ ተወሪሩ ጸኒሑ፡ ቀጺሉ ብዉሽጣዉያን ዜጋታት ብደግለላት፡ ሽማግሌታት፡ ነታባትን መሻይኽን ይመሓደር ነበረ። እቲ ብወገን ምብራቃዊ ቆላ ካብ 1557-1846 ብቱርኪ ድሕሪ ምዉራሩ ብዉክልና ናይባት-ቀይሕ ባሕሪ ክማሓደር ጸኒሑ፡ ቀጺሉ ብናይባትን ሱልጣናትን ይመሓደር ነበረ። እዘን ኩለን ከባቢታት ኤርትራ፡ ነናተን ውሽጣዊ ኣዝዩ ጸቢብ እንዳዊ-ምሕደራ ይንበረን ድኣ እንበር ምትእስሳራቶም ኣሕዋት ህዝቢ ሙኻኖም ዘረጋግጾ ታሪኻዊ ሓቂ ኣሎ። ብታሪኽ፣ ብደም፣ ብመዉስቦ ብቛንቛ ዝተሓናፈጹን (cross-ethnics and cross lingustic hybrid): ብሓባራዊ ሓርበኛዊ ክብርታት፣ ብናይ ሓባር ጸገማት፣ ብናይ ሓባር ቃልስታት…ወ.ዘ.ተ ንዘመናት ዝተኣሳሰሩ ኣህዛብ ሙኻኖም ታሪኽ የዉክኣልናን የራጋግጸልና እዩ።
ድሕሪ 1890 መንግስቲ ጣልያን ነዘን ናይ ባዕለን እንዳዊ-ምሕደራ ዝነበረን ዞባታትን ካልኦት ናኣሽቱ ዓድታትን ወሲኹ ብምሕባር፣ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሙእኩል ግን ከኣ ልሕሉሕ ዝዀነ ጥርኑፍ ሃገራዊ-ምሕደራ ብምእታው፡ ኤርትራ ብዝብል ሓድሽ ስያሜ ብምሃብ ኣሕቢሩ ገዝኤን። ኣቀዲሙ ኣብ መንጎ እዘን ዝተፈላለያ ቦታታት ጽዑቕ ወይ ከኣ ስጡም ሃገራዊ ሓድነት ይኹን ሃገራዊ ስምዒት ኣይነበረን። ግን ጉዱቡናን፡ መዉስቦን እንዳዊ-መቦቀል ዘንቀሎ ምትእስሳራት ስለዝነበሮም፡ ኣብ ሓዘንን ሓጎስን ዘራኽቦም ክዉንነታት ዝነበረ እዩ። ድሒሩ ምስ ምትእትታዉ ጥርኑፍ መግዛእትን ርእሰማልነታዊ ጽልዋታት ሓይልታት ማእቶትን ዝምድናታት ማእቶት፡ እቲ ኤርትራዊ ሃገራውነትን ኤርትራዊ መንነትን በብቑሩብ እናማዕበለን ዕምቆት ዘለዎ ሱር እናሰደደን ከምዝመጸ ሩጉጽ እዩ። ብቀሊሉ ዘይራኸብ ዝነበረ ኣህዝብ ብንግዲ፡ ብዕስክርናን ብኣብ መሳንዕ ተቆጺርካ ምስራሕ ብጻዕቂ ክራኸብን ክትኣሳሰርን ስለዝጀመረ፡ ሃገራዊ ምትእስሳሩ እንዳተረረን እንዳተወልዔን ከደ። ኣብ ማሕረስን ጉስነትን ተዋፊሩ ዝነበረ ኣህዛብ ካብ ዉሽጦም ናይ ሸቃላይን ማእከላይ ማሕበራዊ ቀጸላታት እዉን ክፍጠሩ ከምዝተኻለ ይፍለጥ። ምስ ምፍጣር ሓደስቲ ማሕበራዉያን ቀጸላታት እቲ ሕብረተሰብ ካብ መስፍናዊ ማሕበራዊ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ኣቛዉማ ን መስፍናዊ-ርእሰማላዊ ማሕበራዊ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ኣቛዉማ ብቁልጡፍ ክቅየር ኽኣለ።
ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም መንግስቲ ጣልያን፡ ብሓይልታት ኪዳን ካብ ኤርትራ ተሳዒሩ ምስ ወጸ፣ ኣብ ቦታ ጣልያን ብሞግዚትነት እንግሊዝ ተተክኤ። ኤርትራ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሞግዚታዊ ምሕደራ እንግሊዝ ኣተወት። እንግሊዝ ንረብሓታታ ክትብል፡ ንኤርትራ እንተተካኢሉ ኣብ ክልተ ወይ ከኣ ኣብ ሰለስተ ክመቓቕላ (partition plan) ሐደ ሰራም ዝዀነ መደብ ኣዉጺኣ ብንጥፈት ክትንቃሳቀስ ጀመረት።
ምዕራባዊ ቆላ ምስ ሱዳን ክጽምበር። እቲ ከበሳዊ ሸነኽ ገማግም ባሕሪ ሓዊስካ ምስ ትግራይ ክጽምበር። ኣብ ምዕባለ ከኣ እንግሊዝ እትቆጻጸሮ ናይ ትግራይ ረፓብሊክ ንምቛም ሐለነ። እምበኣርከስ ኣብዚ እዋን እዚ’ዩ፡ እቲ ናይ ትግራይ ትግርኝ ጽንሰ ሓሳብ (Cognition) ዝተጠንሰ። ስለዚ ጥንሰ ሓሳብ ትግራይ-ትግርኜ መቦቖሉ ናይ እንግሊዛዉያን ሓሳብ እዩ። ንደንካልያ ከአ ምስ ኢትዮጵያ ክጽንብራ መደበ።
አብቲ እዋን እቲ ንእንግሊዝ ወኪሉ ንኤርትራ ዘመሓድር ዝነበረ ስተፈን ሎንግሪግ፣ ሃገራውነት ትግራይ ( Tigray Nationalism ) ዝብል ኣብ ትግርኛ ተዛረብቲ ኤርትራውያን ንኽሰርጽ ኣበርቲዑ ሰርሓሉን ተንቀሳቐሰሉን፡ ይኹን’ምበር ኣይሰለጦን። ነዚ ሓሳብ’ዚ ቡዙሓት ኤርትራውያን ብፍላይ ከአ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ተቓውምኦም ኣስምዑ። እንግሊዝ ድሒሩ፡ ነቲ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ሓሳብ፣ ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትይጵያ ምጽምባር ዝብል እማመ ተቐበለ። እቶም ነጻነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ነቲ ናይ ፈደረሽን ሓሳብ ከይፈተዉ ካብ ምክፍፋል መታን ክድሕኑ ተቐበልዎ ይብሃል። እንተዘይቅበሉ ኸ እንታይ ክገብሩ ምስ ክኣሉ ዝብል ሕቶ ጎስየ፡ ብአተሐሳስባኦም ኤርትራ እንቋዕ ድአ በቲ ሰራም ናይ እንግሊዝ መቃቃሊ መደብ ኣይተኸፋፈለት ኣምበር፣ መጻኢ ዕድላስ ደሓን ብደቃ ይውሰን ዝብል ናይ ነዊሕ ብሩህ ተስፋን ዝጠመቱ ይመስሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰነ ምዕራባውያን ሃገራት፣ ፈደረሽን ናብ ምሉእ ውህደት ምስ ኢትዮጵያ ገጹ ንኸምርሕ ኣበርቲዖም ዝሰርሕሉ ለይትን መዓልቲ ዝጽዓርሉ ጉዳይ ከምዝነበረ የስማዓና፡ እቲ ምንታይስ እምባሮጦር ሃይለስላሴ ንፈደረሽን ኣፍሪሱ ኤርትራ ሓንቲ መበል 14 ክፍሊሃገር ኢትዮጵያ ሙኻና ኣብ 1962 ምስ ኣወጀ፡ ብሒም ዝበለ ሃገር፡ መንግስቲ፡ ባይቶ-ጸጥታን ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣይነበረን። ከም ውጽኢት ናቱ ከኣ ውዕል ፈደረሽን ፈሪሱ ኢትዮጵያ ብሓይላ ንኤርትራ ከም ሓንቲ ኣካላ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽጻራ ኣእተወታ። ውጽኢት ናይቲ ግህሰት’ቲ ከኣ ኣብ ወርሒ11/1958 ምፍጣር ሲቪክ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ ኣስዓበ። ቀጺሉ ድማ፡ እቲ ብስዉእ ሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ክሳድ- ኣዳል ብባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም ዝተጀመረ ብረታዊ ቃልሲ ንኽጅመር ዝደፋፍኤ ቀንዲ ሮቛሒ እዩ። ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣስላሙ – ክርስትያኑ፣ ወዲ ከበሳ ኮነ ቆላ ኩሉ ብሓባር ን30 ዓመት ተቓሊሱ ልዕሊ 65 ሽሕ መስዋእትን ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ስንኩላንን ማእለያ ዘይብሉ ንብረትን ከስኪሱ ብ1991 ሃገሩ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ አውጺኡ፡ ኤርትራዊ ሉዕላዉነት ከምዝራጋገጽ ገበረ። ንሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ሂወታን ንብረታን ከፊላ እያ። ኤርትራ ብሓባር ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሃገር ክትከውን እንከላ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ብጽሒት’ውን እያ። ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ኤርትራዊ መንነትን ብዓጽምን ደምን ዝተሃንጸ ኣዝዩ ልዕሊ ኹሉ ዝዓበየ ቁምነገር ስለዝኾነ፡ ኤርትራዊ ሃገርነትን ኤርትራዊ መንነት ልዕሊ ቀቢላ፡ ኣዉራጃ፡ ቆላ፡ ከበሳ…ወ.ዘ.ተ መንነት እዩ።
ከርሰ-ሙጉት፡-
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናይዚ ዘለናዮ ዓመት፡ ሓድሽ ዝመስል የግዳስ ብዝተፈላለየ መልክዕን ሕብሪን ኣብ ፖሎቲካዊ ሂወት ኤርትራዉያን ክንዕዓብ ዝጸንሔ ብስም “ተበግሶ ደቂ ቆላታት ኤርትራ” ዝስየም “ሲቪላዊ ጥርናፌ” ብመጋቢት 29, 2014,ቀዳማይ ዋዕልኡ ኣብ ከተማ ለንደን ብምክያድ፡ ንዋዕልኡ ብቛንቛ እንግሊዝን ዓረብን ኣብ ሚያዝያ 1, 2014 ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ኩሉ መርበባት ኢንቴርነት ምስተዘርግሔ፡ ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣካታዒ ኮይኑ ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። ብመንጹሩ ድማ ደቂ ቆላታት ኤርትራ ከንሶም ብትሪ ነቲ ከምኡ ዓይነት ተበግሶ ዝነጸግዎ ኣለዉ።
ኣብ ዝኾነ ጊዝያት ታሪኽ ብኣዉንታን ኣሉታን መደያት ዝነቅልን ዝፍጸምን እዩ። ገሊኡ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ካብ ኣሉታዊ ስምዒታት ነቂሉ ንኣዉንታዊ ዕላማታት መዓላታት ክዉዕል ይኽእል እዩ። ብመንጸሩ ድማ ገሊኡ ታሪኻዊ ፍጻሜታት እዉን ብኣዉንታ ነቂሉ ንኣሉታዊ ዕላማታት ክዉዕል ከምዝኽእል ዓለማዊ ታሪኻት እኹል ግንዛቤታት ኣፍልጦን ከምዝማሃረና ዘይክሓድ ሓቂ እዩ። ኣብ መስርሕ ታሪኻዊ ፍጻሜታት፡ መዕየሪታት ታሪኽ ጽምዲ ካብ ምኻኖም ዝነቀለ፡ ኣዝዮም ተመዝመዝትን ተኣፈፍትን እዮም። ኣብ ምጽብጻብ ታሪኽ እንተ-ተኣትዩ ግን መወከሲታት ታሪኽ ብስነ-ፍልጠታዊ ብልሓት ማለት ኣብ ኣፈ-ነጊራዊ፡ ጽሑፉን ቅርሳዊ መርትዕታት ተሞርኪሱ ይትንተንን ይግለጽን። ከምኡ ስለዝኾነ ታሪኽ ሓንሳብ ምስተሰነደ ደዉ ዝብል ነገር ኣይኮነን። ዝያዳ መርትዕታት ምስተረኽቦ ዝምዕብልን ዝምጠጥን ዝጻረን ጉዳይ እዩ። ኣብ ዓለምና ገለ ገለ ጦቕሞ-ፈሊጣዉያን ንታሪኽ ኣዘንቢዖም ክገልጹን፡ ንረብሓታቶም ብዝጥዕሞም ከቕርብዎ ድማ ዘዉትር ዝስማዕን ዝርኤን ጉዳይ እዩ።
ታሪኻዊ መንቀሊ-ተበግሶታት፡-
ታሪኽ መታን ካይዝንብዕ፡ ብሕጽር ዝበለ ብርጓይደር ስቲፌን ሎንግሪግ (Stephen Hemsley Longrigg) ኣምሓዳሪ ወኪል ዓባይ-ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ምስተመደበ፡ ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ከበሳን ቆላን፡ ኣስላምን ክርስትያን ዝብል ስምዒታት ብምዝራእ ንትኹላዊ ምትፍናን ብምእታዉ፡ መጻኢ ዕድል ኤርትራ፡ ምዕራባዊ ቆላታት ብዘይ ምብራቃዊ ቆላታት ምስ ሱዳን፡ ከበሳን ምብራቃዊ ቆላታት ምስ ኢትዮጵያ ንምምቃል ሰራም ንጥፈታት ከሳላስል ጀመረ። ብርጓይደር ስቲፌን ሎንግሪግ ኣብ 3 ነሓሴ 1944 ኣብ ጋዜጣ እዋን ሕታም 3/101፡ ብ ገለ ርእይቶ ንመጻኢ ኤርትራ ዝብል ዛዕባ፡ ብ ሓደ ኤርትራዊ ዝብል ብርዒ-ሽም፡ ኤርትራ ፍርቃ ምስ ሱዳን ፍርቃ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ምስትምቀል ዝሓሸ መፍትሒ ኤርትራ ምኻኑ፡ ብቛንቛ ትግርና ተጻሒፉ ከምዝዝርጋሕ ገበረ። ድሕሪ እዛ ሓጻር ሕጥበተ-ጽሑፍ ሓደገኛ ፖሎቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዋ ጽሑፍ ኣብ ጋዜጣ እዋን ምዝርጋሓ፡ ፖሎቲካ ኤርትራን ኤርትራዉያን ናይ ገዛእ-ርእሱ ፖሎቲካዊ ታሪኽን ዳይነሚክስ ሒዙ ንከይነቅል ባህርያዊ ዋሕዝታቱን ባህግታትን ብጸቅጢ ገዛእቲን ግዳማዊ ምትእትታዉ ተጋሪዱ፡ ኣብ ዕሸላዊ ንቅለታቱ ብሃይማኖት፡ ብኤትኒክ-ጉጂለ፡ ብኣዉራጃን ብቆላን ደጋን ዘካፋፍሎ ናይ ወጻኢ-ሓይልታት ምትእትታዉን ሽርሕታት ተጎልቢቡ፡ ኣብ መዋሳዋሲ ዘይብሉ ዕጹዉ-ህሞት ከምዝበጽሔ ዘጣራጥር ጉዳይ ኣይነበረን።
እዚ ካይኣክል ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ሰራም መደባት ብርጓይደር ስቲፌን ሎንግሪግ ብግብሪ ኣብ ባይታ ንምትግባርን እያድ-ሓዊ ንምስንዳዉ ተባሂሉ፡ ሸፋቱ ብሙቁጻር ይሰርሓሉ ከምዝነበረ ይሕመ። ኣብ ዕለት 28 ነሓሴ 1946 ዒደል-ፈጥር መዓልቲ እዩ ዝነበረ፡ ገለ ቡዝሖም ብንጹር ዘይተፈልጠ ሱዳናዊ መቦቆል ዘለዎም ወትሃደራት እንግሊዝ ክዛናግዑ ኢሎም ንኣባሻዉል-ኣስመራ ይኸዱ እሞ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ መንጎ ንሳቶሙን ነበርቲ ኣስመራ ዝኾኑ ዜጋታት እምባጋሮ ይፍጸም። ኣብቲ እምባጋሮ ሓደ ወትሃደር እንግሊዝ ሱዳናዊ ይመዉት፡ ካልኦት ድማ ይህረሙ እሞ፡ እቶም ዝተሃርሙ ሱዳናዉያን ወትሃደራት እንግሊዝ ንወትሃደራዊ መዓስከራቶም ብምኻድን ንኻልኦት ወትሃደራት ኣብቲ ማዓስከር ዝነበሩ ሒነ ክፈድዩ ኣላዒሎም ኣስታት 70 ዝቁጸሩ ወትሃደራት ሙሉእ ዕጥቆም ዓጢቆም ንኣባሻዉል ብምምላስ ዝረኸብዎ ክርስትያን ብፍላይ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ገዛዉተን ወጢጦም ኣንዳዉጹ ረሸንዎም። እዚ ናይ ሒነ ምፍዳይን ቅንጸላን ተግባራት ንሓደ ስዓት መመላእታ ተኻይዱ፡ ኣብዚ ፍጻሜ’ዚ 46 ሰባት ሞይቶም ኣስታት 70 ሰባት ዝቁጸሩ ድማ ቆሲሎም። እዚ ተረኽቦ እዚ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራዉያን ኣስላምን ክርስትያንን ዝተፈጥረ እምባጋሮ ከምዘይነበረ ፍሉጥ እዩ። መንግስቲ እንግሊዝ ነዚ ፍጻሜ እዚ ግቡእ መዕልቦ እዉን ኣይገበረሉን፡ እቲ ምንታይስ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክልሕኽ ይደልዮ ስለዝነበረ እዩ።
ኣብቲ እዋንቲ፡ እቶም ነቲ ሓደገኛኔት እቲ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝተገንዘቡ፡ ፖሎቲከኛታት ብላታ ዑመር ቃዲ፡ ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያምን ኣቶ ገብረመስቀል ወልዱ፡ ሃገራዊ ፖሎቲካ ኤርትራ ካብ ኢድ ምቁጽጻር መሳፍንት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ሸማምንቲ ሓራ ክወጽእ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ንሓባራዊ ኣኼባ ንዘተ ክካየድ ክዉድቡ ጀመሩ። ብመሰረት እቲ ዝነጥፍሉን ዝወደብዎን፡ መጀመርታ ነቲ ዛዕባ ዝሓሰብዎ ኣኼባ ንምስራዕ ተባሂሉ ብ16 ሕዳር 1946 ቀጺሉ ድማ ብ24 ሕዳር 1946 ኣብ ቤት-ገርግሽ ከምተኻየደ ይፍለጥ። ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም፡ ጆርዳን ገብረመድህንን ትሬቫስኪስ ንኣኼባታት ቤት-ገርግሽ ኣመልኪቶም ዕላማታት እቲ ዝተኻየደ እኬባታት እንክገልጹ እንከለዉ “ድሕሪ ናይ ዓባይ-ብሪጣንያ ሞግዚታዊ ምሕደራ፡ ሙሉእ ናጽነት ኤርትራ ዝዕቆበሉ፡ ማእከላይ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝዓለመ” ምንባሩ ይትርኹ።
ኣብ ኣኼባ ቤት-ገርግሽ ኣብ መንጎ ደለይቲ ሙሉእ ናጽነትን፡ ኣብ መንጎ ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ ዝብሉ ዝነበሩ መራሕቲ ማለት ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያምን ኣቶ ተድላ ባይርኡ ተፋጠጥ ኮነ። ብሰንኪ እዚ ምፍጣጥ እዚን ቀጺሉ ኣብ ታሕቲ ዝግለጽ ምኽንያታት፡ ብዘይ ገለ ኣድማዒ ስምምዕ ዋዕላ ቤት-ገርግሽ ክምተፈንጥሔ ይግለጽ። ስለዚ ኣብዚ ክንርድኦ ዝግባእ ነገር እንተሃልዩ፡ ዋዕላ ቤት-ገርግሽ ምስ ዝነበሮ ከቢድ ዕላማን ኩሉ ሕጽረታቱ፡ ምትፍናናቱ…ወ.ዘ.ተ ዘፍረዮ ነገር እንተነይሩ ዘይተደነ ኣሉታታት እዩ። እቲ ስዒቡ ዝተራእየ ኣሉታ ኣብ መንጎ ኣቶ ወልድኣብን ኣቶ ተድላን ብመንገዲ ጋዜጣ ምዉንጃላትን ምኽሳሳትን ነይሩ። ኣብዚ ዋዕላ ቤት-ገርግሽ ካብ ምእመናን እስልምና፡ ደግያት ሓሰን ዓሊ፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ኣቶ ብርሃኑ ኣሕመዲን፡ ካቫሌሪ ዑመር ስፋፍን……ወ.ዘ.ተ ከምተሳተፉ ይፍለጥ።
ድሒሮም ሸኽ ኢብራሂም ሱሉጣን ንተዘክሮታቶም ንዋዕላ ቤት-ገርግሽ ኣመልኪቶም ክትርኹ እንከለዉ ከምዚ ዝስዕብ ቢሎም የዘንትዉ፡-
“ንዋዕላ ቤት-ገርግሽ ደንጊዮም ከም ዝመጹን ኣብቲ ምርቛቕ ዛዕባ’ዉን ከምዘይነበሩ ይገልጹ። ስለምንታይ ደንግዮም መጽዮም ስለምንታይ ኣብቲ ምርቛቕ ዛዕባ ከምዘይተሳተፉ ኣይገልጹን። ቀጺሎም ነቲ ኣብ መንጎ ኣቶ ወልድኣብን ኣቶ ተድላ ዝተኻየደ ቋይቂን ምንህሃርን ብሓሳባት ምፍልላይን፡ ብማዕዶ ትዕዝብቲ ከም ዝተኻታተልዎ ይገልጹ። ስለምንታይ ትም ኢሎም ከምተዓዘብዎ ኣይገልጹን። ቀጺሎም ኣብቲ ኣኼባ ከምዝነበሩ ዘመልክት ተዘክሮታቶም ክገልጹ እንከለዉ፡ ደኺምና ስለዝነበርና፡ ጥሜት እዉን ኣርኪብና ስለዝነበረ፡ ካብቲ መሬት ኮፍ ኢልናዮ ዝነበርና ብድድ ኢለ ክኸይድ ምስጀመርኩ፡ ብላታ ደምሳስን ደግያት ሓጎስን ኣርኪቦም ብምሓዝ ንሕና ሕማቕ ጌርና፡ ንኣስላም ኣሕዋትና እንታይ ርእይቶኹም ኣይበልንዮምን፡ ሕጂ ኢብራሂም ተዛረብ በሉኒ፡ ብወገነይ እዉን ሕጂ ዝዛረቦ የብለይን ድሕሪ ምባል፡ ንሕና ሕጂ ካብ መገሻ-መንገዲ ዝመጸና ኢና፡ ንእስላም እዉን ኣይንዉክልን ኢና በልክዎም። ቀጺለ ብሙሉኦም እስላም ኣይመጹን ዘለዉ። ከንቲባታት ናይ ቤት-ኣስገደ፡ ዓድ-ሹም ቢለን፡ መንሳዕ፡ ማርያ፡ ደግለላት ቢን-ዓምር፡ዓድ ሹም ናይ ናራን ኩናማን፡ ዓድ ናይብ ባጽዕን ሰምሃርን፡ ዓድ ሹም ናይ ሳሆ ዓሳዉርታን መነፈረን፡ ሸማሙንቲ ደንከልያን ጀበርትን ኣይመጹን ዘለዉ። ንሕና ንገዛእ ርእስና እምበር ንኻልኦት ኣይንዉክልን ኢና በልክዎም። ስለዚ ነዚ ሕጂ ተካይድዎ ዘለኹም ጉባኤ ዓጺኹም፡ ንኹሎም ዝተረፉ ዘሳትፍን ዘጣናቕቕ ሓድሽ ቆጸራ ይገበር በልክዎም ይብሉ”።
ቀጺሎም ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ኣብቲ ኣኼባ ቤት-ገርግሽ ዝገጠሞም ክትርኹ እንከለዉ ከምዚ ይብሉ።-“ሓደ ጎቦዝ ተሲኡ፡እቶም ዓበይቲ ሱቕ ኢሎም እንከለዉ “ወይ ወዲ ሱልጣን ፈሰርያ የትሕዘና ኣሎ፡ ክንደይ እስላም፡ ክንደይ ጓሳ ከብቲ፡ ክንደይ ጓሳ ገመል፡ ክንደይ በደው…ንሕና ነዚ ከነምጽእ፡ኣብዚ ንሕና እንገብሮ እስላም በፍንጫኹም ትቅበልዎ፡ ንሕና ዝበልናዮ ንዓና ይኽተል” ምስ በለ ይብሉ፡ ብወገነይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣነ ዓቕምኹም የብለይን ብጸርፊ ካይምልሰልኩም፡ ንሕና ኣብዚ ኣኼባ እዚ ካብ 10-20 ንቁጸር ብዝሒ ኢና ንኸዉን፡ ንሱኹም ድማ ኣሽሓት፡ ስለዚ ረቢ ምሳኹም ይኹን፡ ንሱኹም ግበሩን ፈጹሙን፡ ንኣስላም ድማ መንቖርቖር ጌርኩም ብኣፍንጭኦም ቅድሕሎም፡ ድሓን ይሃብኩም፡ ጻዕዳ” ኢለ ተበገስኩ ቢሎም የዘንትዉ”።
ነዚ ብሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ብሓደ ሓደ ጎቦዝ ተባሂሉ ዝባሃል ፈላላይ ብሃይማኖትን ብሓይሊ ብድዔ-ቃላት ተባሂሉ ዝተባህለ፡ ብዘይካ ተዘክሮ ናይ ሸኽ ኢብራሂም ሱሉጣን እንበር፡ካልእ መደገፊ ወይ መራጋገጺ ብሰነድ ወይ ብኣፈ-ታሪኽ ካብቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝነበሩ ሰባት ከም ብዓል ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ክሳብ ዝሞቱ፡ እዚ ተባሂሉ ኢሎም ተዛሪቦሙሉ ኣይፈልጡን። ብመንጸሩ ኣብቲ ጊዝያት እቲ ኣባል መሪሕነት ሕብረት ዝነበሩ ደግያት ገብረዮዉሃንስ ተስፋማርያም ከምዚ ይብሉ፡- “እዚ ዘረባ እዚ ተዘሪቡ እንተኾይኑ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢብዝነበሩ ገለ መንእሰያት እንበር፡ ብመራሕቲ ሕብረት ክኸዉን ወይ ክዝረብ ኮቶ ከምዘይኽእል ብትሪ ይዛረቡ። ንዘረብኦም ንሙርጋድን ብመርትዖ ንምርግጋጽ ኢሎም ድማ፡ ኣብቲ ጊዚያት ማሕበር ሕብረት ናይ ምእመናን እስላም ኣባልነት ይድለ ስለዝነበረን ድሮ እዉን መእምና እስላም ዝኾኑ ኣባላት ሕብረት ከም ብዓል ከንቲባይ ዑስማን ህዳድ፡ ሸኽ ሱሌማን ዓለዲን፡ ሳልሕ ኬኪያ ባሻን ፌተዉራሪ ዓሊ በኺት….ወ.ዘ.ተ ካልኦትን ስለዝነበሩና ከምኡ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና እምበር። በዚ ምኽንያታት እቲ ንሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ተባሂሉ ዝባሃል ዘሎ ዘለፋን ሓይሊ-ቃላትን ንኣታሓሳስባ መራሕቲ ሕብረት ዝዉክል ኣይነበረን ይብሉ”።
ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዘረብኦም ብምቅጻል “ብዝኾነ ከምዚ ምስ ኣጋጠመ፡ ነቲ ዋዕላ ቤት-ገርግሽ ረጊጾሞ ብቀጥታ ንቤት-ጽሕፈቶም (ናይ ኣስመራ ቤት ምኽሪ ነጋዶ) ብምኻድ፡ ኣብ ሰደቓ ቤት-ጽሕፈቶም ኮፍ ኢሎም ብኢሲም-ኣላህ ኣል ራሕማን ኣልሪሒም ብምባል፡ ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ኣልራቢጣ ኣል ኢስላሚያ ኪነድፉ ከምዝጀመሩን፡ ንድፎም ምስ ወድኡ ድማ ምስ ሓጂ ሱለይማን ሙኹታር፡ ሸኽ ዓብዱልቓድር ከቢሬ፡ ከምተቃደስዎ ( ከምዘርኣይዎም) ይገልጹ። ሰለስቲኦም ኮይኖም ብሓባር ድማ ነቲ ንድፊ ሒዞም ናብ ሙፍቲ ኤርትራ ዝነበሩ፡ ሙፍቲ ኢብራሂም ሙኹታር ደጊያት ሓሰን ዓሊን ብሓባር ሓሙሽቲኦም ኮይኖም ከምዝዘተይሉን ኣብ ትሕዝትኡ ከምተሳማሙዑን ይገልጹ”።
ብ6 መጋቢት 1947 ደጊያት ሓሰን ዓሊ ብዛዕባ ኣል ራቢጣ ኣልኢስላሚያ ኣመልኪቶም ዝጻሓፍዎ ዓንቀጽ፡ ኣብ ዋዕላ ቤት-ገርግሽ ንመራሕቲ ኣስላም ዘጓነፎም ብድዓዊ ጸርፊ፡ ንበይኑ ቀጥታዊ መበገሲ ናይትሪ ዝሳዓበ ተግባራት ሸኽ ኢብራሂም ሱሉጣን ነይሩ ምባል ዝክኣል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ እቲ ምጥርናፋትን ሓሳባትን ብካልኦት መንእሰያት እስላም ከባቢ ምጽዋዕን ኣስመራን ቅድሚ ዋዕላ ቤት-ጌርግሽ፡ ኣብ 1944 ዝጀመረ ፈኸም ዝብል ዝነበረን፡ ብደግያት ሓሰን ዓሊ፡ ዓብዱልቓድር ከቢረን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ሞራላዊ ፋይናንሳዊ ደገፌታታት ይግበረሉ ከምዝነበረ ይትሩኹ። ኣብ መጨረሽትኡ እዉን ነቲ ንድፊ ፕሮግራም መጀመርታን ከም መቀጸልታን ዝተዛተይሉ ንሳቶምን ካልኦትን ብሙኻኖም እዮም።
ሙቛም ኣልራቢጣ ኣል ኢስላሚያ ከምዚ ኢሉ ዝዓንበበን ዝተተኽለን እኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ወቕቲ እቲ ሃይማኖታዊ ስም እንበር፡ሃይሞኖታዊ ትሕዝቶን ፖሎቲካዊ ንጥፈት ዝነበሮ ፖሎቲካዊ ማሕበር ብዘይምንባሩ፡ ኣካታዒን ኣዛራብን ከምዝነበረ ይትረኽ። ምስቲ ኣቀዲሙ ብርጓይደር ስቲፌን ሎንግሪግ ምምሕዳር ዓባይ-ቢሪጣንያ ዘዋደዶ ፖሎቲካዊ ዉጥንን ተንኮላትን ምስቲ ዝነበሮ ፖሎቲካዊ መደባት ኣብ 3 ነሓሴ 1944 ፡ንኤርትራ ናብ ክልተ ሃገራት ናይ ምምቃል መደባት ዝተጣዓዓመሉ ስለ ዝመሰሎን ንከምኡ መዓላታት መታን ክጥቀመሉ፡ ኣብ ምምስራቱ ኣታባባዒ ግደ ከምዝነበሮ ይሕመ። ብዝኾነ ማሕበር ኣል ራቢጣ ኣልኢስላሚያ ፖሎቲካዊ ፕሮራሙን ንጥፈታቱን ሓድነት ኤርትራ፡ ዝዕቅብን ንናጽነት ኤርተራ ዝጣበቕ ስለዝነበረ፡ ቀጺሉ እዉን ኣባል ናይቲ ንቡዙሓት ማሕበራት ኤርትራ ደለይቲ ሙሉእ ናጽነት ዝሓቖፈ ብ1950 ዝቖመ ቀጽሪ ናጽነት ኤርትራ ከምዝኾነ ይትረኽ። ኣልራቢጣ ኣል ኢስላሚያ ክሳብ ኤርትራ ብዉሳኔ ሕቡራት ሃገራት ብፈደረሽን ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ትቁረን ድማ ኣዝዩ ልዑል ቃልስታት ከምዘካየደ ታሪኽ ብመርትዖ የራጋግጾ እዩ።
ታሪኽ ንምዝንባዕ ተባሂሉ፡ ኣል ራቢጣ ኣል ኢስላሚያ ( ንደቂ ቆላታት ኤርትራ ዝዉክል)ጥራይ ንናጽነት ከምዝተቃለሰን፡ ኣንድነት ( ንደቂ-ከበሳ ዝዉክል)ድማ ምስ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ከምዝተቃለሰ ብምምሳል ጥራይ ብድምቀት ይትረኸሉ ። ነዚ ዓሎቕ እዚ ሚዛናዊ ታሪኻዊ ሓቕታት ንምስናዩ፡ እቲ ቀጽሪ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ ዝባሃል 1. ንራቢጣ ኣል ኢስላሚያ፡ 2. ኤርትራ ንኤርትራዉያን፡ 3. ማሕበር ሓዳስ ኤርትራ፡ 4. ማሕበር ጀጋኑ ወትሃደራት፡ 5. ማሕበር ኢታልዮ-ኤርትራዮ፡ 6. ማሕበር ሕዝበል ወጠንን፡ 7. ማሕበር ናጽነት ኤርትራ ዝጠመረ ሓባራዊ ጽላል እዩ ዝነበረ። ብሙሉኣቶም እዞም 7 ማሕበራት ንናጽነትን ሓንቲ ኤርትራ ደዉ ዝበሉን ዝተቃለሱን ሙኻኖም ታሪኽ የራጋግጸልና እዩ።
1. ማሕበር ራቢጣ ኣልኢስላሚያ፡ ዋና ጽሓፌኣ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን።
2. ማሕበር ኤርትራ ንኤርትራዉያን፡ ዋና ጽሓፌኣ ኣቶ ኣስመሮም ወልደገይርጉስ።
3. ማሓበር ሓዳስ ኤርትራ፡ ዋና ጽሓፌኣ ኣቶ ገረንኬል በራኺ።
4. ማሕበር ጀጋኑ ወትሃደራት፡ ዋና ጽሓፌኣ ሸኽ ዓሊ ኢብራሂም።
5. ማሕበር ኢታልዮ-ኤርትሪዮ፡ ዋና ጽሓፌኣ ስኞረ ሚካኤለ ፓለራ።
6. ማሕበር ሕዝበል ወጠን፡ዋና ጽሓፌኣ ሸኽ ኣሕመድ ዓብድልቓድር በሺር።
7. ማሕበር ናጽነት ኤርትራ፡ ዋና ጽሓፌኣ ኣቶ ትስፋጽዮን ደረስ ነበሩ። ኣብ ምቅላስን ምጥርናፍን ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ዓበይቲ መራሕቲ ቀጽሪ-ናጽነት ኤርትራ፡ ሉሉይ ግደ ዝነበሮም፡ 1. ሸኽ ኢብራሂም ሱሉጣን፡ 2. ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም፡ 3. ሸኽ ዓብድልቃድር ከቢረን (ጽሓፊ ሊበራላዊ ማሕበር ኤርትራ)፡ ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።
ብመንጽር እዚኣቶም ነቲ መደብ እንግሊዝ ንምዕዋት ማሕበር ተቅሲም (ምክፍፋል) ወይ ምዕራባዊ ቆላ ምስ ሱዳን ክንጽንበር ኣሎና ዝብሉ ዝነበሩ፡ ብሸኽ ሙሳ ዓሊ ረዳይ ዝምራሕ ብዉዲት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሓብለ፡ ኣብ ቆላታት ኤርትራ ይነጥፍ ከምዝነበረ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂታት እዩ። ብመንጸር ኣንድነትን ምፍልላይ (ተቅሲም)፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን (ብሮ-ኢታልያ) ክትቅጽል ኣለዋ ቢሎም ዝጽዕዱ ከምዝነበረ ድማ ሸለል ኢልካ ከምዝሕለፍ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
እዚ ሓቕታት እዚ ዘርእየና ቁምነገር እንተሃሊዩ ክልተ መሰረታዉያን ከርሰ-ትሕዝቶታት እየን፡-
1.ክልተ ዓበይቲ ማሕበራት፡ ማሕበር ኣንድነትን ማሕበር ራቢጣ ኣልኢስላምያ ከምዝነበራን ኣብ ከበሳታት ይኹን ቆላታት ኤርትራ ንዕላማታት ኣንድነትን ራቢጣን ዝጻረሩ ሓይልታት ወይ ጉጂለታት እዉን ከምዝነበራ።
2. ማሕበር ኣንድነትን ንመላእ ህዝቢ ከበሳ፡ ማሕበር ራቢጣ ኣልኢስላምያ ንመላእ ቆላታት ኤርትራ ይዉክል ከምዘይነበረ እዩ።
ብሰንኪ ምትእትታዉ ዓባይ ብሪጣንያን ረብሓታት ኣሜርካን ኢትዮጵያን መታን ክራጋገጽ፡ ኤርትራዉያን ኣብ ነንሕድሕዶም ክታሃላለኹን ክፋላለዩን ን10 ዓመታት ምስሓለፉ፡ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ብፈደራላዊ ብይን ምስ ኢትዮጵያ ክትጽመድ ወሲኑ። ነዚ ዉሳኔ እዚ ሰባት ብዝተፈላለየ ይገልጽዎ። ንሱ ድማ፡-
1ይ፡ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ብፈደራላዊ ብይን ምስ ኢትዮጵያ ክትጽመድ ምዉሳኑ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ራቢጣን ኣንድነትን ዝነበረ ዝተፈላለየ ጠለባት (ማለት ሓድነት ምስ ኢትዮጵያን ናጽነት ብዘይ ኢትዮጵያ) ንምትዕራቕ ከም ማእከላይ ፍታሕ ዝተወስደ እዩ ይብሉ።
2ይ፡ ኣሜርካ ረብሓታታ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቓ ብመገዲ እምባሮጦራዊት ኢትዮጵያ ኣቢላ ከተራጋግጽ ትደሊ ስለዚነበረት፡ ብመንጸር እዚ ኩለን ኣብ ትሕቲ-መግዛቲ ኤዉሮጳ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቓ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ዝነበራ ኤርትራ፡ ሊብያን ሶማልን ናጽነተን ክዉሃበን ጉቡእን ዉሳኔ ባይቶ-ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ስለዝነበረ፡ ብቀጥታ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምሕዋሳ ኣብቲ እዋን እቲ ዓለምለኻዊ ሕጋዊ-ባይታታ ስለዘይነበረ፡ ንኤርትራ ብፈደራል ምስ ኢትዮጵያ ጸሚድካ፡ ቀስ ኢልካ ነቲ ፈደራላዊ ዉሳኔ ኣሕቂካ፡ ንኤርትራ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ከምትኸዉን ንምግባር ዝዓለመ እዩ ይብሉ።
3ይ፡ ኮምሽን ብባይቶ-ጸጥታ ተመዚዙ ብኤዲዋርድ ኣይዞን ማቴንሶን ዝምራሕ ንኤርትራ ኣትዩ፡ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ መርሚሩ ምስ ወድኤ ብዘቕረቦ ጸብጻብ ዝተወሰነ እዩ ይብሉ።
4ይ፡ ኤርትራ ፍርቃ ምስ ሱዳን ፍርቃ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ካይትምቀል፡ ጠለባት ማሕበር ኣንድነት ፍጹም ምጽንባር ምስ ኢትዮጵያ ጋህዲ ካይከዉን ዝገበረ ራቢጣ ኣል ኢስላሚያ እዩ ይብሉ…ወ.ዘ.ተ። ብወገነይ ምስ ርእይቶ ቅድመተከተል-2 ይሳማማዕ እየ።
እቲ ናይ ፈደራል ብይን ባይቶ-ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘብጽሔ፡ ካብ 1942-1950 ዝተካየደ ቃልሲ ናይ ኤርትራዉያንን ናይ ግዳም ሓይልታት ምትእትታዉን ቃልስታት ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ተበጺሑ ዝነበረ ፈደራላዊ ብይን መንፈሱ ዘንጸባርቕ መዛዘሚ ቃልስዊ መድረኽ ስለዝተደሊየ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ሕብረት ምስ ኢትዮጵያን ናጽነት ኤርትራ ዝብሉ ዝነበሩ ናይ ፖሎቲካ ጨለታት (ፖሎቲከኛታት) ብዝነቀለ-ሓሳባትን ዘተታትን፡ ሓደ ናይ ሰላም ሃገራዊ ዋዕላ ክሳላሰል ወሰኑ። ነዚ ዉሳኔ እዚ ክዉስኑ እንከለዉ፡ ዝሓለፈ ኣዉንታን ኣሉታን ተሞክሮታቶም ገምጊሞም፡ ንተባኢሶም ተራጋጊጾም ዝሓልፉ ዝነበሩ ዓሪቖም፡ ንዝተበደሉ ይቕሬታ ሓቲቶም ንመጻእ ብሓድሽ መንፈስን ብሓድነትን ዝሙሩሹሉ ክዉንነትን ህሞትን ንምፍጣር ስለዝወሰኑ እዮም። ብመሰረት ስምሙዖም ድማ ኣብ 31 ታሕሳስ 1950 ኣብ ሲናማ ኢምፔሮ ኣስታት 4000 ህዝቢን ሰብ መዝታት ኢትዮጵያ፡ ኢጣልያ፡ ኣሜሪካን መራሕቲ ሃይማኖትን መራሕቲ ህዝቢ ዝተሳተፍዎ ተሳላሰለ።
ኣብቲ ዋዕላ ዕርቂን ሰላምን መደረ ካብዘቕረቡ፡-
1.ራእሲ ተሰማ ኣስሞሮም ተጣባቂ ንናጽነት ኤርትራ።
2.ራእሲ ኪዳነማርያም ተጣባቂ ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ።
3.ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ተጣባቂ ንናጽነት ኤርትራ ኮይኖም ዋና ጽሓፊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኤርትራ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሩ።
ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ኣብ ዋዕላ ዕርቂን ሰላምን ዝሃብዎ መደረ፡-
“እቶም ብዛዕባ ፖሎቲካዊ ዕድል ኤርትራ፡ ብዝተፈላለየ ሓሳብ ተፋላልዮም ዝጸንሑ ኣሕዋት፡ ሎሚ ኣብ ሓደ ኮይኖም፡ ጥንታዊ ሕዉነቶም ተመሊስዎምሲ ናሻዕ ክትሓቛቀፉ ብምርኣየይ ከመይ ዝበለ ሓጎስ ንልብና ይመልኦ ኣሎ። የግዳስ ብሰንኪ ንሓድሕድና ዘይምቅብባልን ዘይምስምማዕ ንዓሰርተ ዓመታት በብወገና ብተናጸል ዘስቆርቆርናዮን ዝሓዘናዮ ሓዘንስ፡ ሎሚ ኣብ ሓንቲ ቤት ብምእካብና ጥራይ ከም ሰርቢ-ግመ ኣብ ቅድሚ ጽሓይ መኺኹን በኒኑን ዝስወር፡ ንሱ ክኣ ከምኡ በኒኑ ድሮ ተሰዊሩ እዩ እናበልና እንተ ንዛዘረብ፡ ከምዚ ዝበለ ቃልና ሓቐኛን ንጽሕን ኮይኑ ክርከብ ኣይምተኻእለን። ግናኸ በቲ ሓደ ወገን እንተተዓዘብናዮ ድማ፡ እዚ ነይሎሚ ዋዕላና ወይ ጉባኤና፡ ኤርትራዉያን ኩሎም ብሰላምን ብሓቕነትን ክነብሩሉ ዘለዎም፡ ናይ ኩላቶም ቤትን ሓዳርን ዚምስረተሉ ጉባኤ ከም ዝኾነ ክንእመኖ ዚግብኣናን ዚካኣለናን እዩ። ብይን ሕቡራት ሃገራት ድሌታት ኩሉ ሸነኻት ከምዘየማልኤ ፍሉጥ እዩ። ይኹን እንበር ብወገና ነቲ ብይን ብቕንዕናን ሓቕን ክነፈጽሞ ከም ዝመደብና ከነፍልጥ ንደሊ። ከምዚ ዝበለ ቅንዕናን ሓቕን ኣብቶም ካልኦት ዕድል ኤርትራ ዘገድሶም ወገናት’ውን ኪርከብ ዘድልን ዝግባእን እዩ። ማሕበርና ምስቲ ክመጽእ ዝባሃል ዘሎ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራትን ምምሕዳር ዓባይ-ብሪጣንያ እኹል ምትሕብባር ክንገብር ሙኻና ነፍልጥ። ንሕና ቀጽሪ ሰልፊ ናጽነት ኤርትራ እንባሃል ወገን፡ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተበየነ ብይን ንምዕዋት፡ ስም ማሕበርና ንዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኤርትራ ዝብል ቀይርናዮ ኣሎና። ምስ ሓድሽ ጊዝየ ሓድሽ ሽምን ሓድሽ ስጉምትታት ከምዚሶጎምና ብተግባርና ከነርኢ ጀሚርና ኣሎና። እዚ ስጉምቲታት ናይቲ ብሓርነት ዚግለጽ ድምጺ ወይ ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ መግለጺ ከም ዝኸዉን ዝተራጋገጸ እዩ። ሰልፍና ከምቲ ብሕቡራት ሃገራት ተመዲቡ ዘሎ፡ ንኤርትራ ብፈደራል መንገዲ ምስ ኢትዮጵያ ንምስምማዕ፡ ብቀዋሚ-መርገጺን ሓቕን ኪቃለስ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ፈደራል ምስምማዕ፡ እተን ካልኦት ማሕበራት ድማ፡ ከምዚ ንሕና ዝበለ ቀዋሚ-መርገጽን ሓቕን ክህልወንን ከርእያን ሃረርታናን እምነትናን ንገልጽ”።
ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብቲ ዋዕላ ተሳተፍትን ኣዳመጽትን ዝነበሩ፡ ንመደረ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ኣብቲ መዓልቲ፡ ናይ ቀላዓለምን ተስፋ-ሙቑራጽን መደረን ትሕዝቶን ከምዘይነበረ ይትርኹ።
ድሕሪ እዚ ኩነታት እምቦራጦርያዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ነቲ ዉዕል ፈደረሽንን ፈደራላዊ መንግስት ኤርትራ ብእብረ ክጥሕሶን ከዳኽሞ ምስ ጀመረ ዋላ መራሒ ኣንድነትን መራሒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ መምህር ተድላ ባይሩ እዉን እንተኾኑ ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ብምእታዉ፡ ካብቲ መጻወድያ ንምፍንጻግ ጻዕርታት ከምዘካየዱ ዝትረኽ እዩ። እቲ ኮይኑ እዚ፡ ስራሕተኛታት ኤርትራ ነቶም ዝነበሩ ናይ ፖሎቲካ ጨላታት ብሙጉሳይ ተቃዉምኦም ከርእዩ በቕዑ። ኣብ መጨረስት ወርሒ 11/1958 ድማ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ብምምስራት ንግህሰት ኢትዮጵያ ብምቅዋም፡ ሲቪክ መሰላት ዜጋታትን ዘራጋግጽ ናይ ዜጋታት (ሲቪክ) ዉዳቤ ኣታኣታተዉ። እዚ ናይ ዜጋታት (ሲቪክ) ወይ ናይ ዜጋታት-ሃገርነት ዉዳቤ ኣብ ሓጺር እዋናት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብስዉር ወዲቡ ክንቃሳቀስ ምስ ጀመረ፡ ብመንጽሩ ጽልዋ ኣብ ሃይሞኖታዉን ኤትኒካዊ ሃገርነት ዝተሞርኮሰ ምንቅስቓስ እዉን ክንዓዓብ ከምዝጀመረ ዝክሓድ ታሪኽ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ሓደ እዋናት ክልተ ዝትፈላለየ ፖሎቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ንሓደ ዕላማ ንምዕዋት ዝቓለሱ ዉዳቤታት ተፈጢሮም ማለት እዩ። እዚ ኮይኑ እቲ ሰዉራ ኤርትራ ንሓሙሽተ ዓመታት (1964-1969) መመላእታ በት ሓደ ወገን ዓቢ ጂግንነት ዘርኣየሉ ህላዊኡ ዘራጋገጸሉ እዩ፡ በቲ ካልእ ወገን ኣብ ዉሽጣዊ ቅልዉላዋት ተሸሚሙ ነንሕድሕዱ ዝተራጸመሉ እዩ። ኩሉ ዝተራእየ ፖሎቲካዊ ክስተታት ድማ ሱሩ ካብ ዓባይ-ብሪጣንያ ኣብ ዉሽጥና ካብ 1945 ዓ.ም.ፈ ጀሚራ ዝጸመደቶ ፖሎቲካዊን ሕብረተሰብኣዊን ዉዲታት ነቂሉ ድሕሪኡ ኣምባሮጦርያዊ ሃይለስላሴን ደርጊ እንዳኮስኮሱ ንምፍልላይና ዝተጠቅሙሉ ከፋላሊሜላታት ከም ተሪካን መንነትካን ወሲድካ ክትቅጽሎ ፋይዳ ዘለዎ ጉዳይ ኣይኮነን። ኾይኑ ግን ሓድሽ ነገር ኣይኮነን።
ደርጊ እዉን እንተኾነ ካብ 1983 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ነቲ ኣብ ራሳይ ዕልዋ ገይሩ ከም ተ.ሓ.ኤ (ዓባይ ጀብሃ) ዝንቃሳቀስ ዝነበረ ወትሃደራዊ ናይ ደባይ ኣሃዱታት (ሓርበል-ዕሳባት) ኣንጻር ህ.ግ.ሓ.ኤ ክቃለሱ ዝወሰነ ብሚስጢር ብምርኻብ፡ ኣብ ከባቢ ሓጋዝ ብረት የዕጥቅ ከምዝነበረን፡ መቀጸልታ እዚ ኣዕናዊ ሜላ ድማ ብድሕሪ’ዚ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣለመ ካልእ ዘመተ ሰዓበ። እቲ ውጥን ካብ አዲስ አበባ ናብ ኣስመራ መጸ። ብሰፊሕ ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተታት ጀመረ። ቴለቪዥን ኢትዮጵያ ቀጻሊ ናይቲ መደብ ቃለ-መጠይቓት ኣቃለሐት። ብራዲዮ አዲስ ኣበባን ኣስመራን ብዙሕ ሓተታ ተሰምዐ። እቲ ሽርሒ “ቆላማ” ብዝብል መፍለጢ ተላለየ። ንህዝቢ ኤርትራ ብቆላን ከበሳን፡ በኣስላማይን ክስታናይን፡ ከፋፊልካ ንምብታን ዝተወጢኑ እዮም። ሰፊሕ ምድላዋትን ወፍርታትን ድማ ተኻይድሉ። ነቲ መደብ ኣብ ኤርትራ ክመርሖ ዝተመዘዘ ግራዝማች ዕጀል ዓብደልራሕማን እዩ። ነዚ ኹሉ ክድዓትን መፈንጠርያን፡ ህዝቢ ኤርትራ ስዒሩ ግምጃ ሃገራዊ ናጽነትን ልዕላዉነቱ ኣራጋጊጹ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዓቕምታቱ፡ ንያቱ ተሸምቂቁ ኣብ ምብትታን ኣሎ ተባሂሉ ደረጃ ሙቆቱ ላዕሊ ኣብ ዝዓረገሉ እዋናት፡ ሕጂ ኢና ንረኽቦ ተባሂሉ ዝባጋገስ ዘሎ ዝማህመነን ዝተሳዕረን ፖሎቲካዊ ጥሙሓት ሙኻኑ ክፍለጥ ዘለዎ እዩ።
ናብ ዘንቀለኒ ከርሰ ነገር ክኣቱ፡ እስከ ብመሰረታዊ ዝኾነ ሕቶታት ክፍልሞ፡-
1.ኤርትራ ብኣቃማምጣ መሬት ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ ቆላን ከበሳን ጥራይ ድያ ትምቀል? ማእከላይ ከ የብላን ማለት ድዩ?
2.ብግምታትኩም ቆላታት ኤርትራ ሰንሒት፡ ሰምሃር፡ ደንካልያ: ባርካ፡ ጋሽ-ሰቲትን ሳሕልን ዝብል ዕግበታት እንተሃሊኩም መሬት ቆላታት ሰራየ ፡ ከበሳታት ሳሕል ኸ? ኣበይ ክስራዕ እዩ?
3.ብቆላታት ተሰምዩ ነቲ እስላማዊ ወገናት ንምንዕዓብ እንተኾይኑ ትልምኹም፡ ነቶም ኣብ ከበሳ ዝርስቶም ደቂ ጀበርት፡ ደቂ ሳሆ ነቶም ኣብ ሰንሒትን ጋሽ-ሰቲት ዝርስቶም ኣመንት ክርስትያን ኸ ብኸመይ ከተሳስዩዎም ኢኹም?
4.ብኣቃማምጣ መሬት ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ዝጽፈ ሃገራዉነት ወይ ፖሎቲካ ከ ኣሎ ድዩ?
5.ምንቅስቓስኩም መቀጸልታ ሓድግታት መግዛእቲ እዩ ቢሉ ሰብ ሚዛናት እንተዝገብረልኩም፡ ብኸመይ ምስ መከትክሞ?
6.ኣሬ እቲ ቆላታት ካብቲ ህዝቢ ከበሳ ዝዓበየ ፍልልያት ኣለዎ። ኣዝዩ ቡዙሓዊ ምኻኑ ኸ ፈሊጥኩም ዶ ኣለኾም?
7.ህዝቢ ናራ፡ ህዝቢ ኩናማ፡ ህዝቢ ቢሌን፡ ህዝቢ ቬጃ፡ ዝተፈላለዩ ኣህዛብ ትግረይት ቛንቛ ተዛረብቲ፡…ወ.ዘተ እንታይ እዩ ሓደ ዝገብሮም?
እቲ ሕቶታት እልፊ ክዉሕዝ ዝኽእል እዩ፡ የግዳስ ተፋሊጥና ስለዘሎና ኣብ’ዚ ከሕጽሮ መሪጸ ኣሎኹ። ኣብ ስነፍልጠታዊ ኣታዓቃቅና መፈላለይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከም ወትሩ ንጥቀመሉ ቛንቛ እዩ። ንኣህዛብ ኤርትራ ድማ ብዝዛረብዎ ቛንቛ ብሔራት ኢልና ከም ቁቡል ንፈላልዮም። ሓቀኛ ድዩ እቲ ኣታዓቃቕና፡ ዛዕባና ስለዘይኮነ ንሎሚ ጎስየዮ ክሓልፍ እየ።
ንመረዳእታ ኣብ ሳሕል ንዓድሸኽ፡ ዓድጻዉራ፡ዓድተክልየስ፡ ቤትማዕላ፡ ኣልመዳ፡ ዓድተማርያም፡ ቤትኣስገደ፡ ኣስፈዳ፡ ዓድማዓልም፡ ዓድሽማግሌ…ወ.ዘ.ተ እንተሪኢና ዘቃራርቦም ዝፈላልዮም ኣለዎም። እቲ ካልእ ወገናት ማለት ሰንሒት ባርካ፡ ጋሽ-ሰቲት፡ ሰምሃርን ደንካልያ እዉን ከምኡ እዩ። ስለዚ ንዝዓበየ ናይ ኩላትካ ሓይሊን ጥቕምን ንምርግጋጽ ተባሂሉ ኣህዝብ ብዘይካ እቲ ዘለዎም ኤትኒካዊ መንነት ኣብ ሓደ ዓቢ ሃገራዊ መንነት ዘጽሉሉ። ብኤትኒክ ብሃይማኖት ጽዕዶታትካን ሕልምታትካ ከምዘይራጋገጽ ኣብ ዝፈለጥካሉ እዋናት ብቆላን ከበሳን ምባል ንድየት ጥራይ እዩ።
መዛዘሚ-ዛዕባይ
ኣቀዲሙ ቡዙሕ ንድሕሪት ዝጎትት ኣጉል ፈተናታትን ተሞክሮታት ተራእዩ እንድዩ፡ ኩሉ ኣጉል ተሞክሮኣት ድማ ካብ 3 መሰረታዉያን ተረኽቦታት ዝነቕል እዩ፡-
1.ካብ ቂሚን ቅርሕንትን ሒነ ምፍዳይ ጥሙሓት ዝደረኾ ምንዕዓባት እዩ።
2.ካብ ሓድግታት ባዕዳዉያን ገዛእቲ ዝተወርሰን፡ ነቲ ዉዲታዊ መጻወድያታት ገዛእቲ፡ ከም ሓቂ ወሲድካ ንትኹላዊ ምትፍናን ንሕብረተሰብ ኣእቲኻ ዉልቓዊ ወይ ካብ ጉጂላዊ ኣታሓሳስባታት (Groupthink) ነቂሉ ጉጂላዊ ረብሓታት ንምርግጋጽ ዝናዓዓብ እዩ።
3.ኣብ ክንዲ ካብ መሰረታዊ ጠንቂ (root-couse) ጸገምና ነቂልካ ሽግራትና ምልላዩን ንኡ ክትፈትሕ ምህቃን፡ ካብ ሳዕቤን ነቂልካ ምህዉታት ዝንዓዓብ እዩ።
ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ኣሎ ዝብሃል ብኤትኒክ-ጉጂለ፡ ብሞሎኮታዊ-እምነት፡ ብቀቢላ፡ ብኣዉራጃ፡ ብዓዲ፡ ብቆላ-ከበሳ…ወ.ዘ.ተ ብኩሉ ተፈቲኑ ፈሺሉ እዩ። ኩሉ ከምዚፈሸለ እንዳፈለጥካ ከተዘዉትሮ ምህቓን ካብ ጭንቀት፡ ካብ ጥፍሽና፡ ካብ ኣጉል-ኣታሓሳስባ ዝነቅል ጥራይ እዩ። ኣብ ኤርትራ ኩሉ ዝላዓል ሕቶታት ሕቶ ዲሞክራሲ ሕቶ ናይ ዜጋታት መሰል (ሲቪክ) እዩ። ሕቶ ሲቪካዊ መሰል ድማ ሕቶ ግዝኣተ ሕጊ እዩ። ስለዚ ናይ ዜጋታት መሰል ክሕሎን ሕቶ ሲቪክ መሰላት ክምለሱ፡ ኣብ ኤርትራ ሕቶ ግዝኣተ ሕጊ ክራጋገጽ ኣለዎ። ዜጋታት ድማ ብጥምረት ሕቶ ግዝኣተ-ሕጊ ንምርግጋጽ ክቃለሱ ኣለዎም ማለት እዩ። ካሮሳ ቅድሚ ፈረስ ምእሳር ከብቕዕ ዘለዎ ነገር እዩ። ኣብ ኤርትራ ሕቶ ጊዝኣተ-ሕጊ ተመሊሱ ዝተጭቆነ ኤትኒክ-ጉጂለ፡ ሃይማኖት፡ ቆላ-ከበሳ….ወ.ዘ.ተ ምስ ዝርከብ፡ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ዘፍቕዶ ዜጋ ንመሰሉ ተወዲቡ ክቃለስ ዝኽልኽሎ ነገር ኣይክህሉን ሙኻኑ ዘታሓታትት ጉዳይ ኣይኮነን። ልዕሊ ኹሉ ንኡስ መንነታት ኤርትራዊ ሃገራዉነት፡ ልዕላዉነት ህዝቢን ልዕላዉነት ግዝኣተ-ሕጊ ሙኻኑ ክንግንዘቦ ዝግብኣና ጉዳይ እዩ።
ወድሓንኩም!
መርእድ ዘርኡ
m.zerut@gmail.com
25/09/2014

ERITREAN MAN PLEADS GUILTY TO ALIEN SMUGGLING.

WASHINGTON — The following information was released by the U.S. Department of Justice:

Samuel Abrahaley Fessahazion, 23, an Eritrean national, has pleaded guilty to helping smuggle illegal aliens to the United States for private financial gain, announced Assistant Attorney General Lanny A. Breuer of the Criminal Division, U.S. Attorney Jose Angel Moreno of the Southern District of Texas and U.S. Immigration and Customs Enforcement (ICE) Assistant Secretary John Morton.

Fessahazion, aka “Sami,” aka “Sammy,” aka “Alex” and aka “Alex Williams” pleaded guilty yesterday in Houston before U.S. District Court Judge Nancy A. Atlas to one count of conspiracy, and two counts of encouraging and inducing aliens to come to, enter or reside in the United States in violation of law for the purpose of private financial gain.

“By bringing this smuggler to justice, we have broken a chain that runs from Africa to South and Central America, directly into the United States,” said Assistant Attorney General Lanny A. …

L’inferno eritreo continua a Genova: «Così ci mettono in pericolo»

Genova – L’inferno eritreo non finisce quando si sbarca sulle coste italiane. Ma arriva fino a Genova, alla Questura della nostra città. Qui inizia la seconda odissea per tanti eritrei che si scontrano con una burocrazia ottusa, direttive che equivalgono a sentenze di morte.

Agli eritrei, titolari di permesso per protezione sussidiaria, non si sta concedendo il rinnovo del titolo di viaggio. Per ottenerlo, aggiungono i funzionari interpellati, «bisogna chiederlo presso le rappresentanze diplomatiche e consolari». Peccato che da quel Paese, quegli eritrei siano fuggiti per scampare a persecuzioni, per evitare di finire, dimenticati, in carcere come oppositori del regime.

Racconta Kiros Menghistie, referente della comunità eritrea genovese: «Da una parte siamo accettati come rifugiati, dall’altra parte però ci viene “consigliato”, in pratica ordinato, di ritirare il passaporto in Eritrea o presso la nostra Ambasciata. Ma questo significa metterci nelle mani dei nostri oppressori, di una dittatura feroce contro cui abbiamo più volte manifestato pubblicamente. Se qualcuno porta il passaporto poi si pensa che lo possono avere tutti, ma non è così. Se c’è chi può entrare e uscire dal paese evidentemente sono filogovernativi. Quanto alla Questura di Genova, ci dicono – spiega ancora Menghistie – che loro possono rinnovare il permesso di soggiorno ma non il titolo di viaggio. Ma questo significa impedire i ricongiungimenti familiari, perché senza quel titolo di viaggio siamo condannati alla separazione». Separati da mogli e figli.

Sì, perché a questo si aggiunge un’altra questione. Senza passaporto c’è chi non può ricongiungersi con i parenti emigrati nel nord Europa. Come Amanuel, che vuole sposarsi ma non riesce ad avere il suo certificato di stato civile. Senza passaporto non può andare a trovare sua moglie in Svizzera. «Se non ci fosse una loro rappresentanza sul territorio italiano – spiegano dalla Questura – , allora spetterebbe a noi rilasciare il passaporto. Siccome però esiste, noi non siamo tenuti a farlo».

Per trovare una soluzione la Questura di Genova si è rivolta al ministero degli Interni per accertare se l’Ambasciata dell’Eritrea rilascia o meno il passaporto ai suoi cittadini. Qualora così non fosse, le Questure di tutta Italia rilascerebbero questo documento. Ma il problema è proprio questo.

«Quando la Commissione delle Nazioni Unite preposta ai rifugiati accoglie la domanda come richiedente asilo o per motivi umanitari – insiste il rappresentante della comunità eritrea a Genova – ti viene dato un passaporto la prima volta e poi può essere rinnovato. La competenza è della Questura, non si capisce perché si rifiuta di rinnovare quel documento. È un diritto acquisito».

© Riproduzione riservata

http://www.ilsecoloxix.it/p/genova/2014/09/18/ARQ4uNzB-pericolo_eritreo_continua.shtml

On Eritrea: Cross-Talk Without Dialogue

http://zeroanthropology.net/2014/09/20/on-eritrea-cross-talk-without-dialogue/

ጋዜጣዊ መግለጺ መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ

ጋዜጣዊ መግለጺ መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ

 

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ፡ መበል ዓሰርተው-ሓደ ስሩዕ ጉባኤኡ፡ ካብ 12-14 መስከረም 2014፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሃገረ ጀርመን፡ ኣቓኒዑ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ጽላል ሾሞንተ በርጌሳዊ ማሕበራት ዝኾነ፡ ፖለቲካዊ ጸግዒ ሒዙ ዘይዉግን፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፍትሕን ንምንጋስን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ንምኽባርን፡ እጃሙ ንኸወፊ፡ ኣብ 2002 ዝቖመ ፡ ናጻ መርበብ ከኣ ኢዩ።

መርበብ፡ ኣብዚ ጉባኤኡ፡ ሕሉፍ ተሞክሮታቱ ገምጊሙ፡ ሓያልን ድኹምን ጎድንታቱ ድሕሪ ምምዛን፡ ንመጻኢ ብዝሓየለ ኣገባብ ስርሓቱ ንምክያድ ወሲኑ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝምድናታቱ፡ ምስ ካልኦት መሓዙት ሲቪካዊ ማሕበራትን ሃገራውያን ዉድባትን፡ ሰፊሕን ክፉትን ዝኾነ ሓባራዊ ስርሓት ንምስላጥ፡ ኣሚሙ። ካብ ተልእኾኡ ብምብጋስ፡ መርበብ፡ ኣብ ንሃገራዊ ረብሓ ዘገልግል ዲሞክራሲያዊ ቓልሲ፡ ብዕቱብነት ንኽዓይይ ብምትላም፡ መደባት ስራሕ ዓመተ-2015 ሓንጺጹ።

መርበብ፡ ንመሰል ብሄራት ብማዕረ ይጥምት፡። ኣብ ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ይኣምንን የኽብርን። ቕዋማዊ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ፡ ኣበርክቶ ንምግባር ድልዉነቱ፡ ደጊሙ የረጋግጽ። ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ዉድባት፡ ሰፊሕ ፍልልያት ኣብ ዝኽሰተሉ ፡ ነቶም ፍልልያት ንምጽባብ ኣብ ምትሕግጋዝ፡ ከም ኣድላይነቱ እውን ናብ ዕርቒ ንምብጻሕ ፡ ናይ ምቕልጣፍ (catalyst) ሓላፍነት ንኽስከም ይጽዕት። ብጊሓቱ፡ መርበብና ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ፡ ዕላማ ኾነ ጥሙሕ ኣይነበሮን፡ ሕጂ እውን የብሉን።

እቲ መርበብ፡ ተራ በርጌሳዊ ማሕበር ንምጽዋት ኢሉ ብምሕላን፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ፡ መንበር ሒዙ ዘሰላሰሎ ንጥፈታት፡

ህርፋን ፖለቲካዊ ስልጣን ከም ዝነበሮን፡ ንዕኡ ንምርካብ ከኣ ፡ ኣብ ዉድድር ከም ዝኣተወ ገይሩ ዝወሰደ፡ ግጉይ ርድኢት ፖለቲካዊ ኣሃዱታት ምንባሩ ተገንዚቡ። በዚ ድማ፡ መርበብ ንሕሉፍ ተሞክሮኡ ኣብ ባይቶ፡ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ይጥምቶ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ክጥቀስ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ መትከልን እምንቶን መርበብ፡ መርበብ ኣብ ጸወታ ሰልፋዊ ፖለቲካ (game of party-politics) ኣይኮነን ዝርከብ። የግዳስ፡ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ፖለቲካ (national politics)፡ እሞ ድማ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ህላውነታ፡ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ዝተወደበ ኣሃዱ ይኹን ዘይተወደበ ዉልቐ-ሰብ፡ ከም ዜጋን ከም ሰብ-እጃም (Stakeholders)ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብዓቕሙ ክሳተፍን ከበርክትን ይግባእ።

ነዚ ዝተጠቕሰ ምኽኑይነት ንምብራህ፡ መርበብና ኣብቲ ዋዕላ ንኽዋሳእ ዝቐሰቦ፡ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ሕማቕ ናብ ዝገደደ የንቆልቁል ብምንባሩን ብምጽንሑን፡ ነቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ከኣ፡ ኩላቶም ደለይቲ ፍትሕን ስርዓተ-ሕጊን፡ ብዘላቶም ዓቕሚ ብሓባር ኮይኖም ክዋስኡ፡ ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ ኢዩ ኢልና ስለ ዝኣመንናን ሕጂ’ውን ስለ እንኣምንን ኢዩ። ምስዚ ብዝዛመድ፡ ብዝከኣል መጠን ንኩላቶም ኣብ ግዳም ዘለዉ ዲሞክራሲያዊ ሃገራውያን ሓይልታት ብዘሳትፍ መልክዑ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽኻየድ ካብ ከባቢ 2004 ኣትሒዝና፡ ክንደፍኣሉን ክንቓለሰሉን ዝጸናሕና ጉዳይ እዩ። ነዚ ድማ፡ ከም ኣገባብ መጨበጢ ፖለቲካዊ ስልጣን ጌርና ጠሚትናዮ ኣይንፈልጥን። ኣይኮነን’ውን።

ኣብ 2010 ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ክንሳተፍ ዝወሰንናሉ፡ እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ መድረኽን ሃዉህውን ዝጠለቦ ፡ ብምንባሩ እዉን ኢዩ። እምበኣርከስ፡ መርበብ ሕጂውን ካብቲ ቓልሲ ከይተጎናደበ፡ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ብቐጥታዊ ሱታፌ፡ ንኸበርክቶ ኣሚትዎ ዝነበረ ዕማም ንኸሰላስል፡ እቲ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ስለ ዘይሓገዞ፡ ኣገባብ ኣቐላልስኡ ኣብ ምምዕርራይ ይርከብ። ክንዲ ዝኾነ፡ መርበብና ፡ ነቲ ክብ ክብል ዝተነጸረ ዕላምኡ ንምጭባጥ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ክንዲ ከምቲ ዝሓለፈ፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ኣብ ካልእ ነታ ሃገር ክጸልዉ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ትካላትን መድረኻትን፡ ወንበር ሒዙ ብቐጥታ ዝነጥፍ፡ ኣብኡ ቐዋሚ ቦታ ተዓዛቢ (Observer status) ረኺቡ ፡ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ከሰጋግርን ከወጥሕን ዝኽእል መናብርን ቦታታትን ከይሓዘ ፡ ናይ ዓራቒ፡ ኣቐራራብን ሃናጽን መዝነት ንምስካም ኢዩ ወሲኑ።

ንምጥቕላል፡ መርበብና፡ ነዚ ተሃዋስን ዘተሓሳስብን ኩነታት ህዝብና ፡ ብግቡእ ድሕሪ ምግምጋምን ምምይያጥን ፡ ምስ

ኩላተን ሃገራዊያን ዲሞክራሲያዊያን ሓይልታት፡ ኢድን ጓንትን ብምዃን ፡ ብሓባር ጸሚድና ክንገጥሞ ፡ መጸዋዕታና

ነመሓላልፍ።

 

ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ፡-

1) ኤርትራውያን ንፍትሕን ንዲሞክራሲን – በነሉክስ

2) ኤርትራዊ ማሕበር ተጣባቒ ንሰብኣዊ መሰላት – ጀርመን

3) ኤርትራዊ ማሕበር ንሰላም – ጀርመን

4) ኤርትራዊያን ንሰላምን ዲሞክራስን – ስዊዘርላንድ

5) ምንቕስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን – ኖርወይ

6) መቓልሕ ኤርትራ – ጀርመን

7) ህዝባዊ ምንቕስቃስ ንዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ – ሽወደን

8) ማሕበር ስኒት ሰላም – ጀርመን

 

ዓወት ንዉጹዕ ህዝብና!!

መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ

15 መስከረም 2014 ፍራንክፈርት – ጀርመን__

Radio halifax 2014 09 14 issues of democracy in eritrea

Naz Yemane from Radio Voice of Eritrea Halifax presents guest, Mr Merid Zeru; topic is generally about issues of Democracy in future Eritrea: