Monthly Archives: July, 2012

Hello world!

Hello world!. Our movement name is Eritrean Civic Democratic Movement . we are civic minded  grassroots movement and this is our blog where we will post the experiences that we come through and the ideas that cross our minds. Sharing experience and information is the bloodline and engine of modern life. Eritreancdm NEWSROOM — As concerned and committed Eritreans, we will inform the world starting today and through this website on what is taking place in one of the most secretive countries in the world : our beloved Eritrea. Facts, and not opinions. Reality, and not fantasies.In our posts, on a regular basis, we will bring to our readers exclusive News, Breaking News, Photos and Videos from inside the country, while remaining anonymous for obvious security reasons until our identity can at last be revealed. Eritreancdm intends to be Eritrea’s first real-time news agency, opening a breach in a sealed-off and thus forgotten nation.

 

     1. Our Ideological and Political Philosophy

We believe that:

 

  1. We struggled for independence to restore our freedoms, dignities, and rights because we are convinced that we are born free and equal. Hence, no Eritrean should be denied any of the rights and freedoms enshrined in the ratified Eritrean constitution, and the rights and freedoms stipulated in both the United Nation’s Universal Declaration of Human Rights and the African Union’s African Charter on Human and Peoples’ Rights.
  2. Our political ideology believe and movement is civic nationalism, to build modern civic state and civic nation.
  3. We hold firmly to the belief that every opposition force, be it  a group or an individual has contributed to bring the current system to an end.
  4. A serious engagement in the politics of peace building and reconciliation is the only route to national unity.
  5. Except for handful people the Eritrean population i.e. the civilian population, the army, the members of P.F.D.J, the Diaspora and the students are all victims of the current regime.
  6. Our motto is ‘peaceful coexistence’  
  7. We should work with  the international community to resolve the current border dispute with Ethiopia in accordance to the binding verdict of the international court of arbitration and restore good relationship with Ethiopia.
  8. All Eritreans who left the country should return and leave normal lives irrespective of political inclination, religion, gender or ethnicity.
  9. The Eritrean diversity within unity is our strength.
  10. Our highest political notes is to save the weak citizens and empowered him with subjective consciousness.

ጋዜጣዊ መግለጺ

ድሕረ-ህሉዉ ፖሎቲካዊ ምዕራፍ ኤርትራ

ካብ ዝሓልፈ ሳምንት 20 ሚያዝያ 2012 ጀሚሩ፣ መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሰያስ ንሓንሳብ ከምዝዓረፈ ንሓንሳብ ከቢድ ሕማም ከምዝሓመመ፣ ኣብ ዝተፋላለዩ መራኸቢ-ቡዙሓን ክጽሓፍን ክዝረብን ቀንዩ፣ ክሳብ ብጋህዲ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ቀሪቡ ኣሎኹ ኣይሞትኩን ዝብል ወይ ድማ ከምነብስ-ወከፍ ሰብ ምስ ሞተ ስርዓት ቀብሪ ዝግበረሉ፣ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ትሒምታ ክቕጽል ምኻኑ ዘጣራጥር ጉዳይ ኣይኮነን። ብሂወቱ እንተድኣ ሃልዩ፣ ብወገን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክዉሰድ ዝግብኦ ስጉምቲ ነይሩ እዩ፣ ንሱ ድማ ንኣቶ ኢሰያስ ብኣካል ኣብ መራኸቢ-ብዙሓን ምምጻእ ይግባእ ነይሩ፣ የግዳስ ህ.ግ.ደ.ፍ ስንጊንጢር ብልሓት ኣገባብ ኣካይዳ ስለዘለዎም ብዓሊ ዓብዱ “መዓልቲን ለይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሸነኻት ኤርትራ ልምዓት ን 16 ስዓታት ክርኢ ሓዲሩ ዝብል ሓቤሬታ ኣብ ድምጺ-ኣመሪካ ተዋሂቡ”  ኣሎ። እዚ ኣባሃህላ’ዚ ድማ ነቲ ጥርጠራታትን ወረታትን ብናህሪ ንሰማይ ኣዕሪግዎ ኣሎ።

ፕረሲደንት ኢሰያስ ሕጂ ኣይኮነን ሞይቱ፣ ነቲ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሚሒሉ-ጢሒሉ መብጽዓ ዝኣተወሉ ምስ ከድዔ፣ ብሂወቱ እንኮሎ ዝሞተ’ዩ ነይሩ።  ኢሰያስ ሞተ ኣይሞተ  ደይ ከቢድ ዕዳ ናይ ሃገርን ህዝቢን ኤርትራ ዝነበረ።  ብዘይ  ኢሰያስ  ሃገር ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ክነብር ወይ ሓደ ሃገር ክኸዉን ኣይክእልን’ዩ ተባሂሉ ብኣገልገልቱ ዝዉሃብ ዝነበረ መናፍሕን ናይ ኣእሙሮ መርዝን ሕጂ ተተርቢዑ እዩ።

እቲ ብኢሰያስ ዝተገብረ በደላት ምድጋም፣ ንኹሉ’ቲ ኣቀዲምና ዝኸፈልናዮ ከቢድ ዋጋን መስዋእትን ከንቱን ብላሽን ምግባር ኮይኑ፣ ንነብስናን ደቅናን ንስቅያትን ኩናትን ምፍራድ’ዩ። ብዓቢኡ ግን ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ኤርትራዊ መንነትን ኣብ ክቢድ ሓደጋ ምውዳቕ እዩ። መብዛሕትኦም ሰበ-ስልጣን ህ.ግ.ደ.ፍ ብዘይትግበር ቀጻሊ መብጽዓታት ኣቶ ኢሰያስ፣ ከም ኣደንዛዚ መድሃኒት መጥባሕቲ ክግበር እንኮሎ ዝዉሃብ፣ እንዳተዋህቡ ዝዓንዘሩን ዝደንዘዙን ስለዝኾኑ፣ በቲ ንዓታቶም ዘዓንዘሮምን ዘደንዘዞምን ናይ መብጽዓ ሜላታት ዳግም ንህዝቢ ኤርትራ ክዕንዙሩዎን ከደንዝዝዎ እንተፈቲኖም ብፍጹም ኣብ ታሪኽ ይቕሬታ ዘይባሃሎ ጉዳይ ክኸዉን እዩ።

እቲ ኮይኑ እዚ፣ ሞት ዘይተርፍ ትዕድልቲ ወዲ-ሰብ እያ። ትማሊ፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ኢሰያስ ክመዉት ምኻኑ ዘጣራጥር ኩነታት ኣይኮነን። ከምቲ ወኪላት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝብልዎ ዘለዉ፣  ኢሰያስ ብሂወቱ እንኮሎ፣ ሞይቱ ዝባሃል እንተሃሊዩ፣ ህዝቢ ባህግታቱ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ይገልጽ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ባህግታት እዚ ድማ ናቱ ዳይነሚክስ ኣለዎ። ሞት ከጋጥም እንኮሎ ከም ንቡር ዝኾነ ወዲሰብ ይስንብድን ይሓዝንን እዩ። ኣብዚ ሓቂ ይኹን ሓሶት ዝዉረ ዘሎ “ሞት ፕረሲደንት ኢሰያስ” ግን ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ይኹን ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ኣብ ክንዲ ስንባደ፣ ዓቢ ኣካላዉን ሕልናዊ ሩፍታ እዩ ዝሃሞም ዘሎ። እዚ ድማ  ህዝቢ ማዕረ ክንደይ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጸሊእዎ ከምዝነበረን ዘሎን ዝገልጽ ጭቡጥ ተንካፊ-ህዋሳዊ መግለጺ ስምዒት እዩ።

ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ፣ ልክዕ ከምዚ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት፣ ንመራሒ Bolivarian Republic of Venezuela, ዝኾነ ፕረሲደንት Hugo Chavez ኣብ ኩባ ናይ ካንሰር ሕክምና ይገብር ስለዘሎ፣ ሞይቱ ተባሂሉ ተወሪሉ። ብቅጽበት ድማ ፕረሲደንት Hugo Chavez ብቀዳምነት ንወላዲቱ ቀጺሉ ድማ ንህዝቡን ንመላእ ዓለምን ብሂወቱ ከምዘሎ ብድምጹ ኣብ መራኸቢ-ቡዙሓን ወጽዩ ብሂወቱ ከምዘሎ  ኣራጋጊጹእዩ። ስለዚ እቲ ቁኑዕ ኣጋባብ ኣታሓሕዛ ናይ ሞትን ህላዌን ጉዳይ ከምዚ ናይ ፕረሲደንት Hugo Chavez ክኸዉን ዝግባእ ነይሩ። ኣብ ኤርትራ እዚ ካብዘይተገብረ ኣቶ ኢሰያስ ብሂወቱ ይሃሉ ኣይሃሉ ከም ሙዉት ክዉሰድ ዘሎ ነገር እዩ። ነዚ ኣዋሳስዳ እዚ ቀዳሞት ተሓተቲ ድማ ብቀንዱ ኢሰያስ ቀጺሎም ኣሎ ዝብሉ ዘለዉ ጭፍሩኡ እዮም። እቲምንታይስ ንህዝቢ ጉሉጽን ሓቐኛ ሓቤሬታ ኣብ ጊዚኡ ምሃብ ስለ ዝሓንገዱ፣ ኩሉ ዝፍጠር ናይ ሓቤሬታ ነዉጽታት ምንጩ ባዕላቶም ስለዝኾኑ’ዩ። ብኸምዚ ኣቃልቦ ክረኽቡን ማዕረ ክንደይ ሞት ኣቶ ኢሰያስ ንህዝቢ የጨንቆን ኣየጨንቖን ንምፍላጥ እንተኾይኑ እቲ ዕላማ ድማ እቲ ህዝባዊ ዕዳጋ ሕራይ ሕራይ ገይሩ መሊሲሎም ኣሎ።

ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ንኣቶ ኢሰያስ ብስነ-ኣእሙራዊ ቅኒቱን ባህግታቱን ቀቲልዎ ስለዘሎ፣ ዋላ ብሂወቱ እንተሎ፣ ድሕሪ ሕጂ ከም ሓደ ሙዉት ሰብ ኣብ ኣእምሮ ዜጋታት ከምዝፍለጥ ዉህብ ክዉሰድ ኣለዎ። ስለዚ ብሕጊ ሕብረተሰብ ድሕሪ ሕጂ ድሕረ-ሞት ኣቶ ኢሰያስ ክንሓስብ ጉዱዳት ኢና።

እቲ ጉዳይ ልዕሊ ሞት ኣቶ ኢሰያስ፣ ብዛዕባ ህልዋትን መጻኢ ኤርትራዉያንን ኤርትራዊ ሃገራዉነትን እዩ። ሃገር ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራ፣ በቲ ኣቀዲሙ ተታሒዙ ዝስራሓሉ ዝነበረ ፖሊሲታት መራሒ ህግደፍ  ኢሰያስ ክትቅጽል ከምዘይትኽእል ታሪኽን ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ምስክር እዩ። ኣቶ ኢሰያስ “ሞይቱ” ንሱ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ፖሎቲካ ን ፖሊሲታቱ ክቅጽል እንተኾይኑ፣ ናይ ጸይቂ ጸይቂ፣ ናይ ፍሽለት ፍሽለት ክኸዉን ምዃኑ ብቀዳምነት ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ብመንጸሩ ዋላ ኣቶ ኢሰያስ ይሙት ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ግንባር ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከምዘሎ ዘጣራጥር ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ግንባር እዚ ኣብ ዉሽጥ እዚ ክልተ ወሎዶታታት ዝተኸተሎ ፖሎቲካዊ ፖሊሲታት ንህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ኣብ ቃራና-መገዲ ኣሳጢሕዎን ከም ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዝወደቐን ስለዝኾነ፣ ሱር-ነቀላዊ ለዉጢ ንክግበር ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣቱ ጉዳይ ሙኻኑ ኩሎም ኣባላት ስርዓት ህግደፍ ኤርትራ ክፈልጡ ኣለዎም።  እቲ እንኮ ሓደራ ኩሎም ጀጋኑ ስውኣትና – ኤርትራን ብመስዋእቲ ዝተረጋገጸ ነጻነታን ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዋንነት ምዃኑ ብምእማን፣ ልዑላውነት ህዝቢ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክቕበሉን ክትግብሩን እዚ ተኸሲቱ ዘሎ መድረኽ ዳግም ይጽወዖም ኣሎ።

እቲ ምርጫታቶም ይኣክል ንምልኪ እወ ንፍትሕን ሓርነትን እንተኾይኑ፣ ሓርነታዊ መብጽዓታቶም ከሕዱሱን ክትግብሩን እንተወሲኖም! እዚ ዝስዕብ ክትግበር ኣለዎ፣-

ሓፈሻዊ መርሓ-ገበይ፣-

  1. መቑሕ ምልካዊ ፖለቲካዊ ጭኮና ካብ ዝባን ህዝቢ ኤረትራን ሃገረ ኤርትራን ምእላይን፣ ኩሎም ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ብዘይ ውዓል ሕደር ክፍትሑ፣
  2. ኩሎም ናይ ምልክን ጭቆናን መሓውራት ብምልጋስ፣ ኣብ ሃዋሁ ነጻነትን፣ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሃገራዊ ሓላፍነትን፣ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ትካላቱን ጸጥታን ድሕነትን ክረጋገጽ፣
  3. ተባዕ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ዋና ሃገሩን ነጻነቱን ምዃኑ ዘረጋግጽ፣ ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ሰፊሕ ናይ ሰላምን ዘተን መኣዲ ምኽፋትን ኣብ ዝካየድ ናይ ለውጢ መስርሕ ምሉእ ተሳትፎ ኩሎም ውልቂ ዜጋታትን፣ ሲቪል/ሲቪክ ትካላትን፣  ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳትን ውድባትን ክረጋገጽ፣
  4. ኩሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ዜጋታት ብምልካዊ ስርዓት ዝተጻዕነ ጉሁድን ስዉርን ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ማሕበራዊ ማዕቀባት ክልዓል፣
  5. ኣብ ትሕቲ ኢሰያስ ትምራሕ ዝነበረት ኤርትራ መልክዓ፣ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ስለዝተደወነት፣ ደገፌታ፣ ተቀባልነትን ምምጽዳቅ ማሕበረሰብ ዓለም ንምርካብ፣ ብፍላይ ኣብ ዉሽጥ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃን ዓለምን ብሓባር ብሰላም ንምንባር ዳግም ዝተሓደሰት ኤርትራ ንምርግጋጽ፣ ተበግሶን ፍጹም ድሌታትን ሓድሽ ፖሎቲካዊ መስመር ከምዘሎ ቀጠልያ መብራህቲ ክዉላዕ ኣለዎ።

ፖለቲካዊ መስርሕ ምስግጋር፦

  1. መሳጋገሪ ወይ ጊዝያዊ መንግስት ዝባሃል ጉዳይ ፈጺሙ ክሕሰብን ክትግበርን ኣይግባእን፣ ምኽንያቱ ኣብ 1993 ጊዝያዊ መንግስት ተባሂሉ ዝተመስረተ ን18 ዓመታት ቀጺሉ እዩ። እዚ ኤርትራዊ ተሞክሮዚ ግዝያዊ ወይ መሰጋገሪ መንግስቲ ዳግም ከይግበር ቀይሕ-መብራህቲ ወሊዑልና ኣሎ። ስለዚ፣ ብመሰረት ሰፊሕን ነጻን ናይ ሰላምን ፍትሕን ዘተ ዝዳሎ ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ብምክያድ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ቻርተርን ናይ ምስግጋር መርሓ-ገበይ ምውሳን።  ዝካየድ ሃገራዊ ዋዕላ፣ ነቲ ብዕምቆት ክተሓዝ ዝግበኦ መስርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ብዕቱብ የበግስ፣ ንኹሎም በዳህቲ ሃገራውን ህዝባውን ሕቶታት፣ ምሉእን ብቑዕን ፍታሓት ንምርካብ ብምሉእ ኣቓልቦ ምስራሕ።
  2. ብመሰረት ሃገራዊ ቻርተርን ናይ ምስግጋር መርሐ-ገበይ፣ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ቅዋማዊ ሃገራዊ ባይቶ ምቛም።
  3. እቲ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተወከለ ቅዋማዊ ሃገራዊ ባይቶ፣ ቀዳማይን ቀንዲ ዕማሙ ፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ  ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ምቛም ይኸውን። ብምሉእ መጽናዕቲ ንህዝቢ ብምውካስ ይነድፍን፣ ብውሳኔ ህዝቢ የጽድቕን።
  4. ድሕሪ ቅዋም ምእዋጁ፣ ዝተማልአ ሓርነትን ሓላፍነትን ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ምርግጋጽን፣ ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋምን፣ ካብኡ ዝምንጩ ሕግታትን፣ናይ ኣብዝሓ ሰልፍታት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምምስራት።

መዛዛሚ፣ እቲ ተኽእሎታትን ምናልባትነታት ቡዙሕ እዩ። ንህ.ግ.ደ.ፍ ጸጊንካ ዳግም ንክልተ-ወለዶ ዝግመት ንህዝቢ ኤርትራ ድፋጭኡ ኣልሒስካ ንምብትታኑ ድዩ፣ ወይስ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ-ወለዶታት ዝተፈጸመ ግፍዕታትን ዘይንቡር ኣገባብ ናብ ንቡር ንምምላስ እዩ? ዝብል ሕቶ ብጉቡእ ክምለስ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ። እቲ መዕቀኒታት ንሓደ ፕረሲደንት ብካልእ ፕረሲደንት ምቕያር ወይ ድማ ንዝወደቀ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ምጽጋን ዘይኮነ፣ እቲ ዝሓለፈ ፕረሲደንት ወይ ስርዓት ዝተኸሎ ዓምጣሪ ፖሎቲካዊ፣ ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዊ ስርርዓትን ፖሊሲታትን ብሓድሽ ሱር-ነቀላዊ ለዉጢ ምቕያር እዩ። ብመንጸር እዚ ሕቶ’ዚ ኣባላት ስርዓተ ህ.ግ.ደ.ፍ ግዜ ንምሽማት ዉሽጣዊ ዉዳቤኦምን መራሒኦም ንምትካእ፣ “ሞት ወይ ሕማም ኣቶ ኢሰያስ” ሓቢኦም ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ብምትላል ዉሽጣዊ ዉዳቤታቶም የካይዱ እንተድኣ ሃሊዮም፣ ሓቀኛታትን ጉሉጻት ክኾኑ ምጽባይ ንኮንቱ ስለዝኾነ፣ እቲ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ እስትንፋስ ብዘይህብ ዓቀኑን ዓይነቱን ብናህሪ ክቕጽል እዩ።

ብመንጸር እዚ ኤርትራዉያን ግዳይ ናይ ዝኾነን ዘይኮነን ወሬታት ከይንኸዉን ምጥንቃቕ ከድሊ እዩ። ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ሓርጎጽጎጻት ብትዕግስቲ፣ ልቦናን ትብዓትን ክንመምዮ፣ ንጹር ዝኾነ ሃገራዊን ዲሞክራስያዊን ራእይ ክንዉንን ይግባእ። ኣብ ከምዚ ናይ ዕግርግር እዋናት ቡዙሓት ተዶጊሎም ዝነበሩ እከያት ከም ኮኾብ-ሲሜን ኮይኖም ከብለጭሉጭ ምኻኖም ቡሩህ እዩ።  መራሒ-ስርዓት መይቱ ማለት፣ ፖሎቲካዊ ስርዓት መይቱ ማለት ኣይኮነን። ናብ እቲ ህዝብና ዝተቓለሰሉን ዝቃለሰሉ ዘሎን፣ ብዘይ ኢደ በይዛነት ናይ ፍሉያት፣ ብናይ ገዛእ ርእሱ ዓቕምን ድሌትን ዝቐውም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምብጻሕ፣ ኣካላቱን ትሳተፍቱን ንምዃን ሃናጽን  ሓቛፍን ምዕዶታትን ጻዊዒትን ካብ ኩሉ ኤርትራዊ/ት ክዉሕዝን ንመሰረታዊ ዲሞክራስያዊ ለዉጢ ብሓባር ክሰርሕን ንጽውዕ።

እቶም ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎኹም ሓርበኛታት ተቓለስቲን  ተባዓት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ብምባል፣ ነብስኹም ጸቂጥኩም፣ ንኹሉ ኣደራዕ ምልካዊ ጭቆና ተጻዊርኩም፣ ሃገርን ህዝብን ክትሕብሕቡን ክትዕቅቡን ዝጸናሕኩም፣ ኣብ ጎድኒ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትውግኑን፣ ነቲ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝኽሰት ዘሎ ምዕባለታት ንረብሓ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ንኽቕየር ታሪኻዊ ሓላፍነት ክትወስዱ ንጽውዕ።

ዲሞክራሲ ሰላምን ቅሳነት ንህዝቢ ኤርትራ!

ሰላምን ርግኣትን ንመላእ ዞናናን ዓለምን!

ክብሪ ዝኽሪን ንሰማእታትና !

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣

25.04.2012

 

Copyright 2012  Eritrean Civic Democratic Movement. All rights reserved. This material may be published, broadcast, or redistributed with proper citation of  the Eritrean Civic Democratic Movement, eritreancdm@gmail.com

ጋዜጣዊ መግለጺ

ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ከፊሉ ዘረጋገጾ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገሩ ዳግም ንሓደጋ ዘሳጥሕ ኩነታት ይቕልቀል ኣሎ።  ብሰንኪ ውሽጣዊ ብድሆታትን ግዳማዊ መጥቃዕትታትን፣  ነቲ ብመስዋእቲ ደቁ ዝረኸቦ ነጻነት ናብ ሰላምን ራህዋን ብምቕያር፣ ብፍትሓዊ ቅዋማዊ ዲሞክራያዊ ስርዓት ክመሓደር ዝነበሮ ባህግታት ኮሊፎም ኣብ ጸልማት ምልካዊ መግዛእቲን ቀጻሊ ናይ ውግእ ቅልውላውን ቆሪኖም የህልኽዎ ኣለዉ።

እቲ ዝለዓለ ምንጪ ናይ ውሽጣዊ ጸገማት፣ ዓምጣሪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ብቐጻሊ ዘውርዶም ሽግራት ጸብጺብካ ዘይውዳእ ምዃኑ ርዱእ እዩ።  ነቶም ሽግራት ካብ ሱሮም ንምውጋድ፣ ምልካዊ ስርዓትን ጥሩፍ ምልካዊ ኣተሓሳስብኡን ካብ ሱሩ ብምእላይ ብቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካእ ናይዚ መድረኽዚ ዝለዓለን ቀዳማይን ዕማም ናይ ኩሎም ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓርበኛዊ ሃገራዊ ሓይልታት ምዃኑ ብድምቀት ክነስምረሉ ንደሊ።

ቅድሚ 10 ዓመት ከም ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዝተዋህቦ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምትግባሩ ፍቃደኛ ስለዘይኰነት፡ ንባድመ ከባቢኡን ዘጠቓለለ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ኢትዮጵያ ኣሎ። ብሰንኪ’ዚ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ኵነታት’ዚን ናይ ውልቀ ምልካዊ መራሒ ህልኸኛ ተግባራትን፣ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ብመንገዲ ተቓወምቲ ቀጻሊ ንኡስ ወተሃደራዊ ምትህርራማት ን10 ዓመታት መመላእታ ክካየድ ጸኒሑ እዩ። እቲ ክካየድ ዝጸንሔ ዉግኣት ብክልቲኡ ወገናት፣ እዉጅ ስለዘይነበረ ብኣይውግእ-ኣይሰላም ኩነታት ክግለጽ ጸኒሑ።  አብዚ እዋን እዚ ከኣ ንዞናናን ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓፈሻ፣ ንኣህዛብ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጲያን ከኣ ብፍላይ ናብ ሓደጋ ዝነቁት ቅሉዕ ናይ ኲናት ምትኹታዃትን መጥቃዕትታትን ተጀሚሩ እነሆ።

ብ15 መጋቢት 2012 ሰራዊት ኢትዮጽያ ኣብ  ዉሽጢ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ናብ ደንካልያ ብምእታዉ ንሰለስተ ዝተፈላለዩ ከባቢታት (ራምዲ፣ ጌላሓቤንን ጊምቢ) ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ስርዓት ኤትዮጲያ ባዕሎም ገሊጾሞ ኣለዉ ።  ቀጺሉ ብዕለት 16 ን 17 መጋቢት 2012 ብማእከላይ (ከባቢ ጾሮና)ን ብደቡባዊ-ምዕራብ (ከባቢ ባድመ) ዓዲ ተኽላይን፣ ሸሸቢትን ዝተባህለ ኤርትራዊ ዓድታትን ከባቢኡን ጎቢጦም ሒዞሞ ምህላዎም፣ ብዝተፈላለዩ ናይ ዜና ማዕከናት ተሓቢሩ ኣሎ።  ዕላውያን ውሃብቲ ቃል መንግስቲ ኢትዮጲያ፣ ቀጻሊ ተመሳሳሊ መጥቃዕትታት ክካይድ  ከምዝኾነ  ገሊጾም ኣለው።

ኣህጉራዊ ሕጊ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፦

  1. ዓንቀጽ 2፣ ቁጽሪ ክልተን(2) ቁጽሪ ሰለስተን(3)፣ ኩለን ሃገራት ንዘለወን ክርክራት ብሰላማዊ ኣጋባብ ክፈትሖኦ ከምዘለወን ፣
  2. ዓንቀጽ 2 ቁጽሪ ኣርባዕተ(4) ከኣ፣ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለምለኻዊ ዝምድናታት ንናይ ካልኦት ሃገራት መሬታዊ ልዑላውነት፣ ፖሎቲካዊ ነጻነት ብዝጻባእ ዓይነት ሓይሊ ካብ ምጥቃም፣ ወይ ክኣ ሓይሊ ክንጥቀም ኢና ኢለን ካብ ምፍርራሕ ክቑጠባ ኣለወን ይብል።

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ካብ’ዚ ኣህጉራዊ ሕግን ድንጋጌን ብምንቃል፣ –

እዚ ሓደገኛ ናይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት እዚ፦

  1. ብሰራዊት ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ልዑላዊ መሬትን ህዝቢን ኤርትራ ዝተኻየደ ብምዃኑ፣
  2. ንዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ልዑላዊት ሃገር ኤርትራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምዃኑ፣
  3. ነቲ ብዓለምለኻዊ ውሕስነትን ሽምግልናን ዝተበጽሐ ኣጠቓላሊ ውዑልን ስምምዕ ሰላምን ኤርትራ ኢትዮጲያን፣ ከም ውጺኢቱ ብዝቖመ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ሕጋዊ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጲያን ዝግህስን ብምዃኑ፣
  4. ዳግም ውግእ ንኽውላዕን፣ ንዞናናን ንኣህዛብ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ናብ ከቢድ ዕንወትን ህልቀትን ዝቱኽቱኽ፣ ሓደገይና መጥቃዕቲ ብምዃኑ፣

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ መትከላት ሰናይ ጉርብትናን ሰላምን ቅሳነትን ናይ መላእ ዞናናን ክልቲኦም ኣሓዋት ህዝብታትን ምርኩስ ብምግባር፣ ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ዘካየዶ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ብትሪ ይኹንን።

ስርዓት ኢትዮጲያ፣ ክብደትን ሓደገኛነትን ናይ እዚ ወሲዱዎ ዘሎ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ተገንዚቡ፦

  1. ንጀሚሩዎ ዘሎ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብህጹጽ ደው ከብሎ፣
  2. ኣህጉራዊ ሕግታትን፣ ቻርተራትን፣ ዝፈረመሉ ውዑላትን ከኽብርን፣ ንዘጋጥሙ ሽግራት ብሕጋዊ መንገዲ ንምፍታሕ ቅሩብ ክኸውንን፣
  3. ነቲ ተኣፋፊ ኩነታት ኣብ ክንዲ ናብ ዓቢ ሓደጋ፣ ናብ ምርግጋእን ሰላምን ንኽጉዓዝ ሓላፍነት ክስከም ብጥብቂ ነተሓሳስብ።

እዚ ዓለምና እኹል ኣቓልቦ ዘይገበረሉ፣ ኣብ ልዕሊ ልዑላዉነት መሬት ኤርትራ ዝተፈጸመ  ወተሃደራዊ መጥቃዕቲዚ፣ ንናይ ኽልቲአን ሃገራት ኣህዛብ ኣዕናዊ ሳዕቤን ከኸትልን፡ ናብ ዝዓበየ ህልቀታዊ ውግእ ክወስደ ዝኽእል ሓደገኛ  ወተሃደራዉን ጂኦ-ፖሎቲካዊ ምዕባሌ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝኾነ  ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዝያዳ ወጥሪ ክውስኸሉን ከጋድዶን ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ህልኽን ውግኣትን ክቕይሮ ይኽእል እዩ።

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብሓፈሻ፡ ንባይቶ ጽጥታ ሕቡራት ሃገራት ፣ ሕብረት ኤዉሮጳ፣ ሓድነት ኣፍሪቃን ዓረብ-ሊግ ድማ ብፍላይ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጠሓሰ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፣ ብኣግኡ ደዉ ከብልዎን፣ ነጻ ዓለምለኻዊ ኣጻራይ ሽማግለ ልኢኾም ብምጽራይ፣ ኣድላይ ስጉምቲ ክወስዱን ብጥብቂ ነማሕጽን።  ብተውሳኺ፣ ነቲ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ብይን ዶባት ኤርትራ ኢትዮጲያን፣ ስርዓት ኢትዮጲያ ብምልኣት ተቐቢሉ ክትግብሮ ኣድማዒን ተግባራውን ተጽዕኖ ክገብሩ ንጽውዕ።

ጸዋርን ተባዕን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራን ሓርበይናታት ደቁን፣ ነዚ ወሪዱ ዘሎ መጥቃዕትታትን ምትኹታዃትን ብዕቱብ ንምክልኻልን፣ ነቲ ዓቢ ጠንቂ ናይ ውሽጣውን ግዳማውን ሽግራት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝኾነ ዓምጣሪ ምልካዊ ስርዓት ንምውጋድን፣ ብጽንዓትን ትብዓትን ዓቕምታቱ ኣዋሃሂዱ ክቃለስ፣ ንኹሎም ብድሆታት ከከም ኣመጻጽእኦም ክገጥሞምን፣ ኣብ ፍትሓውን ሕጋውን ሃገራዊ ዕላማታቱ ተመርኲሱ ክዕወት ምዃኑ ዘለና እምነት እናኣረጋገጽና፦

  1. ኩሎም ህዝባዊን ማሕበራውን ፖለቲካዊን ሓርበኛዊ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራን መላእ ህዝቢ ኤርትራን፣ ተፈጢሩ ንዘሎ ሓደጋታት ንኽበንን ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ክሰርሑ፣
  2. ከም ልዑላዊ ህዝብን ሃገርን፣ ዓለምለኻዊ ሕጊን፣ ዓለምለኻዊ መድረኻትን፣ ከም ኩሎም ልዑላውያን ኣህዛብን ሃገራትን ማዕረ ዝብጻሓና ስለዝኾነ፣ ምስ ፈተውቲ ሰላምን ተጣበቕቲ ዓለምለኻዊ ሕግታትን ብምውህሃድ፣ ንልዑላዊት ሃገርናን ህዝብናን ጽላል ዓለምለኻዊ ሕጊ ከረጋግጹ ንጽውዕ።

ዲሞክራሲ ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ!

ሰላምን ርግኣትን ንመላእ ዞናናን ዓለምን!

ክብሪ ዝኽሪን ንሰማእታትና !

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣

ፈጻሚ ቦርድ

20.03.2012

 

Copyright 2012  Eritrean Civic Democratic Movement. All rights reserved. This material may be published, broadcast, or redistributed with proper citation of  the Eritrean Civic Democratic Movement, eritreancdm@gmail.com

ECDM Manifesto

መእተዊ፣-

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ንጭቡጥ ታሪኻዊ ምዕባለ ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ክብርታቱን ከም መሰረትን ዓንዲ ማእከልን ናይ ቃልሱ ይወስዶም።ቀንዲ እምነ-ኩርናዕ ፖለቲካዊ እምነቱ ሲቪክ ሃገርነት’ዩ። እዚ እምነትን’ዚ ካብ ዉህሉል ማሕበራዊ ክብርታትን ጸጋታትን ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን  ዝመንጨወ እዩ። ናይ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ጥንታዊ ውርሻታትን፣ ዘመናዊ መለለይኣን፣ ናይ ሰፊሕ ህዝባ ጅግንነታዊ ተጋድሎን ናይ ሲቪካዊ መንነታ መሰረት እዩ። ብተሳትፎ መላእ ህዝባ – ሲቪክ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ብምህናጽ፣ ኤርትራዊ/ት ዜጋ ኣብ ሲቪክ ዘመናዊት ሃገሮም ዘይተሸርመመ መሰላቶምን ሓርነታቶምን ንምጉንጻፍ ይቃለስ።

ኣብ ሓድነት መሬትን ህዝብን፣ ነጻነት ሃገረ ኤርትራን ልዑልውነት ኤርትራዊ/ት ዜጋን፣ ነጻ ፖለቲካዊ ሃገራዊ ውሳኔታቱን ምሉእ ዓቕምታቱን ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ብምርግጋጽ፣ ተዓቂቦም ዘለው ማሕበራውን ሃገራውን ክብርታቱ ከይፈርሱን ከይግሃሱን ምክልኻል ካብ ቀንዲ ዕላማታቱ ኮይኑ፣ ኩሎም ዝተጋህሱ መሰላት ኤርትራዊ/ት ዜጋ ብሕጋውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ከረጋግጽን ናብ ንቡር ክመልስን፣ ነቶም ዝተረጋግጹ ደጊሙ ከውሕስ ዘይነጻጸል ድርብ ምዕራፍ ቃልሱ ስለዝኾነ ኣብ ባይታ ክትግብሮ ብመትከል ይቃለስ። ኣብ መትከላት ዲሞክራሲ ኣሚኑ፣ ብግሉጽነትን ተሓታትነትን ብትካላዊ ኣሰራርሓ ምትእምማን ንምፍጣርን ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ሓድነት ኤርትራዊ/ት ዜጋ ንምርግጋጽ ይቃለስ።

ጥንታዊ ሲቪክ ውርሻታት ህዝቢ ኤርትራ፣ ምድረ-ባሕሪ ምድረ-ኣግኣዝያን፣ ቅድሚ ኤርትራ ብዝብል ስም ምጽዋዓን  ከም ዘመናዊት ሃገር ብሓይልታት ባዕዳዉያን ምኽታያን፣ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝማሓደረሉ ዝነበረ ሕግታት፣ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ኢድ ዘይነበሮን ብህዝቢ ዝተደብተረን ነበረ። እቶም ነቲ ሕጊ ዝትግብሩ ሽማግሌታትን ኣካየድትን ከኣ፣ ብህዝቦም ቆጽሊ ዝወደቖም፣ ብሽም ኣሕዋት ዝፍለጡ መራሕቲ ነበሩ።

መብዛሕትኡ ሕግታት እንዳባ ኣብ ከበሳታትን ሰንሒትን ካልእ ቦታታትን ቀንዲ ሕመረት ቀላሲኡ ሃይማኖት፣ ቀቢላ፣ ባህሊን ቛንቛን ዘይኮነስ፣ ዋንነት መሬት እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋናት እቲ፣ ዜጋ ወይ ወደባት ዓዲ ክባሃል እንተኮይኑ ጤሳን ዝሕረስ መሬትን ዘለዎ ስለዝኾነ፣ ዜግነቱ ምስ ትሕዞ መሬት ዝተኣሳሰረ’ዩ ዝነበረ። ስለዝኾነ፣ ኤርትራዊ ስርዓተ-ሕግን ስርዓተ ምምሕዳርን ናይ ኩሎም ዜጋታት/ደቀባት ዋንነትን መለለይን ደኣምበር ናይ ሓደ ፍሉይ ስልጣን ዝጭበጠ ልዑል ወይ ንጉስ ትእዛዝ ወይ ንብረት ኣይነበረን።  ንኩሎም ሕግታት እንዳባ ዋንነት ዝጽዕድ ወይ ዋና ኮይኑ ዝቐርብ ራእሲ፣ ደግለል፣  ነታባይ፣ ሱልጣን ኣይነበረን።

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መበል 1212 ዓ.ም.ፈ. ኣትሒዙ፣ ኣብ ብራና ዝተጻሕፈ ድቡቱር ሕጊ ከምዝነበረ ታሪኽ ዝምስኩሮ ሓቕታት እዩ። እዚ ሓቕታት’’ዚ ዝተፈላለየ ሃይማኖት፣ ዝተፈላለየ ባህሊ፣ ዝተፈላለየ ቓንቛ ዝተፈላለየ ኤትኒካዊ ክፍልታት ዝነበሮ  ህዝቢ፣ ብለባማትን ወራዙትን ነዊሕ ግዜ ኣብ ጾምን ጽምዋን ተመኺሩሉ፣ ብመላእ ዜጋታት/ደቀባት ይርሓሰና ተባሂሉ ዝጸደቐን ህዝቢ ዝተሰማማዓሉን –  ድቡቱር ሕጊ ተማእዚዙ ይኸይድ ከምዝነበረ እዩ ዝምስክር። ሕግታት ክልኤ መንሳዕ፣ ሕጊ ለጎጭዋ፣ ሕጊ ኣድከመ ምልጋእ፣ ሕጊ ሸውዓተ ዓንሰባ፣ ሕጊ ኣድግና ተገለባ ንሕጊ ሚዔ-ማሓዛ ዝተክኤ፣ ሕጊ ስሓርትን ላምዛን ወቐርትን ፣ ሕጊ ሃብተሱሉስ ገብረክርስቶስ ናይ ደቂ ተሽም ፣ ስርዓት ካርነሽም፣ ዋዕላ ት ዓንሰባ ዘማት ታሕታይ፣ሕጊ ዓጽሚ ሓርማዝ (እንገንኣ)፣ ሕጊ ሲጋላ…ወ.ዘ.ተ ካብቶም ዝነበሩ ሰፋሕቲ ስርዓተ-ሕግታት እዮም። ንመረዳእታ ሕጊ ክልኤ መንሳዕ ይኹን ሕጊ ኣድግና ተገለባ ዝፍለጥ፣ ንደቀባት ትግረ ሳሆን ትግርይናን፣ ንኣመንት ክርስትናን እስልምናን ንዝተፈላለዩ ኤትኒክ ጉጂለታትን ጠሚሩ ብሰላም ዘማሓድር ስርዓተ ምምሕዳር ምንባሩ ታሪኽ ምስክር’ዩ። ብትካላዊ ስርዓት ሕጊ ክትመሓደር ምኽኣልን፣ ነቲ ትማሓደረሉ ሕጊ ብተሳትፎ ህዝቢ ምጽዳቖምን ምድብታሮምን ቀንዲ መለለይ ሕላገት ናይ ሲቪካዊ መንነት’ዩ። ታሪኻዊ ውርሻታት ህዝቢ ኤርትራ ክብርታቱን ምቕባልን፣ ምዕቃብን፣ ምምዕባልን ሓደ ካብ መሰረታዊ ዕላማታትን ዓንዲ ማእከልን ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ እዩ።

ንኤርትራ ከም ዘመናዊት ሃገር ዝገልጹ ኣድማሳዊ ዝኾኑ ሕጋዊ ታሪኻዊን ማሕበረ ምጣኔሃብታዊ መለክዒታት ኣለው። ብ1890 ኤርትራ ከም ግዝኣት ጥልያን ተወሲዳ፣ ናይ መሬታን ባሕራን ክሊ ኣየራን ፍሉጥ ዶባት ነይሩዋን ኣለዋን። ሃገረ ኤርትራ ብ1902 ብ1906 ብዓለም ደረጃ ሕጋውነታ ዝልበሰት፣ ብመግዛእቲ ጥልያን ዝተደኮነት ዘመናዊት ሃገር እያ። መግዛእቲ ጥልያን ተሰዒሩ ብምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ተተከአ፣ ካብ 1941 ክሳብ 1952 ኣብ ዝጸናሓሉ እዋን፣ ናይ መጀመርያ መሰል ሰልፍታትን ፕረስን ስለዘፍቀደ፣ ኣብ ኤርትራ ዘመናዊ ሲቪክ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ተኣታትዩ። ይኹን እምበር እንግሊዝ ትኹን ኣመሪካ ንዝነበሮም ረብሓ ብምቕዳም ብናይ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ፣ ኣብ ክንዲ ምሉእ ነጻነት፣ ኣብ ትሕቲ ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጲያ ብፈደረሽን ክትቁረን ኣገደድዋ። ምስ ኩሉ ጸገማቱን ዘይፍትሓውነቱን፣ እዋን ፈደረሽን ሲቪክ ሃገራዊ መንነትን ተመኩሮን ዝሰስነሉ እዋን እዩ ኔሩ። ብስርዓተ ሕጊ ዝሰርሕ ስርዓትን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ፓርላማን ከኣ ነይርዋ።ይኹን እምበር፣ ወላ እታ ዝተሸርመመት ንእሽቶ መሰላ፣ ዳግም ተዘሚታ ኤርትራ ዳግም ናብ ምሉእ መግዛእቲ ኢትዮጲያ ክትርገጽ ተገዲዳ።

ኤርትራን ህዝባን ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሃገራት ካብ 1890 ክሳብ 1991 ነጻነታ እተረጋግጽ ን101 ዓመታት ታሪኽ መግዛእቲ ዘለዋ ሃገር፣ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጋዊ መሰል ናጽነታ ዝተኣገደት ዘመናዊት ሃገር እያ። ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ንዝተጠቕሱ ሃገራዊ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን ሓቅታት ከም ሓደ ክፋል ዘመናዊ መለለይታት ኤርትራ ይውሰዶም።

ኣብ ኣርበዓታትን (1940) ሓምሳታትን (1950) ዝተኻየደ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፣ ናይ ሰላሳ ዓመት ብረታዊ ተጋድሎ ዝተፈጸመ ጅግንነት፣ ዝተራእየ ጽንዓት፣ ዝተሰግረ መሪር ኩነታት ተጻዊርካ፣ በዲህካ ዕላማኻ ንምዕዋት ዝተኾስኮሱ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነትን ከም መሰረት ነጻነትና ልዑላውነትናን ሕጋዊ መነነትና ምኻኖም ኤርትራዊ ዘረጋግጾ ዓወት ታሪኻዊ ምስክርነት ዘድልዮ ኣይኮነን። እዞም ታሪኻዊን ሕጋውን ዓወታት፣ ብተሳትፎ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋግጹ እዮም። ተሳትፎን ጅግንነታዊ መስዋእትን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፣ ተሳትፎ ናይ ኩለን ሃይማኖታት፣ ተሳትፎ ናይ ኩለን ኤትኒክ-ጉጂለታት፣ ተሳትፎ ናይ ኩለን ኣውራጃታት፣ ብጥሙር ሓድነት ንሓባራዊ ዕላማ ስለዝተቓለስና ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ተዓዊታና።ብቓልሲ ዝተኾስኮሱ ባህርያት፣ ዝተሃንጹን ዝተመስክሩን ባህሊ ጽንዓትን ተወፋይነትን ብጻይነትን ምክብባርን፣ ዝተራእየ ሓያል ሃገራዊ ሞራልን ሃገራዊ ንቕሓትን ሃገራዊ መንነትን ፈጢሩ። ከም ውጺኢቱ ከኣ ሲቪክ ሃገረ ኤርትራ ጋህዲ ክትከውንን ሃገራዊ ነጻነታን ልዑላውነታ ክትጎናጸፍን በቒዓ።

ጅግንነታዊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጾ ዓወታት ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፣ ብሰንኪ መሪሕነት ናይ ክልቲኡ ዓበይቲ ውድባት ግጉይ ፖሊሲታት፣ ብዙሕ ክሳራታት ከም ዝወረደ ክኽወል ዘይኽእል ጉዳይ እዩ። ኣብ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ፣ ግሉጸነት ዝጎደሎ፣ ዲሞክራስያዊ ብቕዓት ምምሕዳር ዘይወነነ፣ ንዝኽሰቱ ፍልልያት ብምጽውዋርን ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፣ ብጎነጽን ዓመጽን ናይ ምፍታሕ ኣገባብ ስለዝተጠቕሙ፣ ከቢድ ግህሰት ሂወትን ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ተራእዩ፣ ኣማኢት ንጹሃት ሃገራውያንን ዲሞክራስያውያንን ጠፊኦም። እቲ ዘሕዝን እቶም ተባዓት ዓቢ ብቕዓት ዝነበሮም ሃገራውያንን ዲሞክራስያውያንን ምቕታሎም ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ታሪኾም ኣብ ክንዲ ስውኣት፣ ብሃገራዊ ክድዓት ምምዝጋቡ እዩ። መስዋእትን ክቡር ዋጋን ዝኸፈሉ ግን ከኣ ኣብ መዝገብ ክድዓት ዝተመዝገቡ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ፣  ታሪኾምን ክብሮምን ናብ ሕጋዊ ቦትኡ ክምለስ ይግባእ። ንኹሉ ዝተፈጸመ ገበናትን ጉድለታትን ብሕጋውን ፍትሓውን ኣገባብ፣ ግቡእ ፍትሒ ክረክብን፣ ኣብ ሓቂን ፍትሕን ዝተመርኮሰ ሃገራዊ ዕርቂ ክግበርን ዓቢ ሲቪክ ዕማም እዩ። ጅግንነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንዘጓነፉ ዓበይቲ ጉድለታት ተጻዊሩ፣ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ከረጋግጽ ምብቅዑ፣ መርኣያን ምስክርን ድልዱል ሲቪክ ሃገርነቱ እዩ።

ሃገርነት ፖሎቲካዊ ስነ-ሓሳብ’ዩ። ከም ሰነ-ሓሳብ፣ ሰባት ምስ ሃገር ዘለዎም ጥቡቕ ዝምድናን ምትእስሳርን ከመልክት እንከሎ፣ ንሃገራዊ  መንነቶምን መለለይኦምን ክኣ ይውስን። መንነት ግን ስነ ሓሳብ ወይ ፍልስፍና ኣይኮነን፣ እንታይድኣ ንሓደ ዉሱን ህዝቢ ዝጠምር ማሕበራውን ስነኣእሙራውን  ህያው ናይ መንነት ፍሕሶ እዩ። ሃገርነት ቀንዲ ምንጪ ሓባራዊ መንነት ካብ ኮነ፣ ንኩሎም ደቂ ሃገር እምነቶም መበቆሎም ዓሌቶም ብዘየገድስ ብማዕረ ክሓቕፎምን ከጽልለሎም ይግባእ። ካብ እቶም ዝተፈላልዩ መልክዓት ሃገርነት ንመላእ ደቂ ሃገር ብማዕረ ከጽልልን ክሓቁፍን ዝኽእል ሃገርነት ኣየናይ እዩ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ንዓይነታት ሃገርነት ምምርማር የድሊ።

ብዙሓት ዓይነታት ሃገርነት እኳ እንተሃለዉ፣ ኣብ ኤርትራዊ ፖሎቲካዊ ባይታ ምርኩስ ብምግባርን፣ ንፖለቲካዊ ኣምራዊ ሸነኻቱ፣ ንተግባራዊ ጎንታቱ፣ ንህልውን መጻእን መኣዝኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ ሕቶ ሃገርነት ንምዳህስስ ነዞም ዝስዕቡ፣ 1. ሲቪክ ሃገርነት(Civic nationalism)፣ 2. ኤትኒካዊ ሃገርነት(Ethnic nationalism)፣ 3.ሃይሞኖታዊ ሃገርነት(Religious nationalism)፣ 4.ሕሉፍ (ደውላዊ) ሃገርነት (Ultra nationalism) ምንጽጻርን ትሕዝቶኦም ምምርማርን ኣገዳሲ እዩ።

  1. ሲቪክ ሃገርነት፣ መሰረታዊ መለለዪ ሲቪክ ሃገርነት በዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ረቛሒታት ይፍለጥ፣- 1. ፖለቲካዊ ቅቡልነት (legitmacy) ናይ ደውላ ካብ ንጡፍ ተሰትፎ መላእ ዜጋታት ናይ እታ ሃገር ይምንጩ። 2. ሲቪክ ሃገር – ኤትኒካዊ ሃይማኖታዊ ወይ ዓሌታዊ መብቆሎም ብዘየገድስ ንኩሎም ዜጋታት ሃገር የጠቓልል። 3. ሲቪክ ሃገር – ብሓርበይናዊ ክብርታት ዝተጠምረ ማሕበረ-ሰብ ናይ ማዕረ ዜጋታት እዩ። 4. ሲቪክ ሃገር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘለዎ ሃገር ኮይኑ ንኩሎም ዜጋታቱ ልዑላውነት የልብስ። 5. ሲቪክ ሃገር ናይ ሕግን ፖለቲካዊ ተሳትፎን መስርሕ ምሕጋግን መሳርዕ-ስራሕ ብምፍጣር፣ ኣብ ሃገር ንዘጋጥሙ ፍልልይትን ጸገማትን ንምፍታሕ ዘኽእል መሓውራት ኣለዎ። 6.  ሲቪክ ሃገር ንዉልቃዊ ዜጋ መሰል መሰረታዊ ሓርነት’ዩ፣ ንብነጻ ዝፍጠር ጉጅለታትን ኣካላትን መሰል ናይ ምስስይ ሕቶ እዩ።
  1. ኤትኒካዊ ሃገርነት፣ መሰረታዊ መለለይ ኤትኒካዊ ሃገርነት በዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ረቛሒታት ይፍለጥ፣- 1.ፖለቲካዊ ቅቡልነት (legitmacy) ደውላ ካብ ናይ ኤትኒካዊ ጉጅለ መበቆል ወይ ድማ ዕማም ምዕቃብ እቲ ጉጅለ ይምንጩ። 2. ኤትኒክ ሃገር ብዘለዋ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ባህሊ ወይ ልምዲ ትልለ። 3. ህዝቢ ኤትኒካዊ ሃገር ብሓባራዊ ፖለቲካዊ መሰላት ዘይኮነስ፣ ብዘለዎም ኤትኒካዊ መለለዪ ይተኣሳሰሩ። 4. ኤትኒክ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህዝባ ግዱድ ሓድነት ብምጽዓን ብኤትኒካዊ ዓብላልነት ትግዛእ። 5.  ሓንቲ ኤትኒካዊ ጉጅለ ኣንጻር ካልእ ኤትኒካዊ ጉጅለ ብውሽጣ ክትሓብር እካ እንተኽኣለት፣ ኣብ ውሽጣ ንዝርከብ ፍልልያት ናይ ጾታን ማሕበራዊ ደርብን መፍትሒ ዝኸውን መሳርሒ የብላን።
  1. ሃይማኖታዊ ሃገርነት፣ መሰረታዊ መለለይ ሃይማኖታዊ ሃገርነት በዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ርቛሒታት ይፍለጥ፣- 1. ፖለቲካዊ ቅቡልነት (legitmacy) ደውላ ካብ ሃይማኖታዊ ሕግታታን ቅጥዕታትን ይውለድ። 2. ሃይማኖታዊ ሃገር ብሃይማኖታዊ መለለይታታ ትፍለጥ። 3. ህዝቢ ሃይማኖታዊ ሃገር ኣብ ክንዲ ብሓባራዊ ፖለቲካዊ መሰላቶም፣ ብሃማኖታዊ እምነቶም ይተኣሳሰሩ። 4. ሃይማኖታዊ ሃገር ግዱድ ሃይማኖታዊ ሓድነት ኣብ ልዕሊ ህዝባ ብምጽዓን ብሃይማኖታዊ ዕብለላ ትግዛእ፣ 5. ኣብ ልዕሊ ጾታን ካልእ ማሕበራዊን ምጣኔ-ሃብታዉን ሂወት ንዝርከብ ጸገማት ኣብ ክንዲ ብፍትሓዊ ስርዓተ-ሕጊ ምፍታሕ፣ ናይ ገዛኢ ሃይማኖት መለኮታዊ ትእዛዛትን ሕግታትን ተተግብር።
  1. ሕሉፍ ሃገርነት ወይ ደውላዊ ሃገርነት፣ መሰረታዊ መለለዪ ሕሉፍ ሃገርነት ብዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ይፍለጥ፦ 1. ኣብ መብዛሕቲኡ፣ፖለቲካዊ ቅቡልነት (legitmacy) ደውላ ብሰውራዊ ቅቡልነት ይብገስ። 2. ሕሉፍ ሃገርነት ወይ ደውላዊ ሃገርነት፣ ሃገር ናይ እቶም ነታ ደውላ ዝሕለቑን ዘሐይሉን ጥራሕ ትኸውን። 3. ህላዌ ህዝባ ከኣ ነታ ደውላዊት ሃገር ንምግልጋል ይኸውን። 4. “ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጢ ደውላ” “ካብ ደውላ ወጻኢ ምንም ኣካል ኣይህሉን”። 5. “ንደውላ ዝቃወም ዝብሃል ብምንም ተኣምር ኣይፍቀድን” ብዝብሉ መለለይታት ይፍለጥ። 6. ንሕብረተሰብኣዊ ርኽክብ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ብመልክዕ  ጽምዳዊ ምትፍናናዊ ኣረኣእያ ይሰርዖ።

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ንናይ ሃገረ ኤርትራ ጥንታዊ ውርሻታትን፣ ዘመናዊ መለለይታትን፣ ጅግንነታዊ ተጋድሎን ምርኩስ ብምግባር ናይ ሃገረ ኤርትራ መሰረታዊ መለለይታት እዞም ዝስዕቡ ምኻኖም ይኣምን፣-

ቀዳማይ፣ ብናይ መላእ ህዝባ፣ ብዘይ ኤትኒካዊን ዓሌታዊን ሃይማኖታውን ኣፈላላይ፣ ብሓባራዊ መስዋእቲን ኣበርክቶን ኣብ መሪርን ነዊሕን ተጋድሎ ዝተኸፍለ መስዋእቲ  ዝተወልደት፣ ንእናተባራረየ ዝመጸ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምስዓር ህልውናኣ ጋህዲ ዝገበረት፣ ልዑላውነታን ነጻነታን ዘረጋገጸት ሲቪክ ሃገር እያ።

ካልኣይ፣ ብሓባራዊ ሓርበይናዊ ሃገራዊ ክብርታት ዝተኣሳሰረት ሲቪክ ሃገር እያ።

ሳልሳይ፣ ንዘበናት ኣብ ትሕቲ ስርዓተ-ሕጊን ስልጡን ባህልን ዝተናበረ ህዝቢ ዘለዋ ሲቪክ ሃገር እያ።

ራብዓይ፣ዝተፈላለዩ ኤትኒካዊን ሃይማኖታዊን ክፍልታተ ሕብረተሰብ ንዘመናት ኣብ ሓደ ቁሸት ብምክብባር ዝቕመጡላ ሲቪክ ሃገር እያ።

ሓሙሻይ፣ ኣብ ሓደ ጎሎጎል ሓሪሶም ኣብ ሓደ ሩብ ጥሪቶም ማይ ዘስትዩላን ብሰላምን ፍቕርን ምክብባርን ዝነብሩላ ሲቪክ ሃገር እያ።

ሻዱሻይ፣ ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ፍትሒን ሰላምን ምክብባርን ዝኣምንን ዝነብርን ህዝቢ ዘለዋ ሲቪክ ሃገር እያ።

ይኹን እምበር፣ ብሰንኪ ፍጹም-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን፣ ብሰንኪ ናይ ስልጣንን ውድባዊ ረብሓን ኣብ ቀቢለ-ሃይማኖታዊ ፖለቲካ ናይ ምምቕቓል ዝስህሩ ጉጅለታትን፣ ክብርቲ ሲቪክ ሃገረ-ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ትርከብ። ብተወሳኺ፣ ኣብ ኣዝዩ ተአፋፊ ጂኦግራፍያዊ ከባቢ ብምህላዋን፣ ካብ እዋን ናይ እዋን እናኸረረ ዝኸይድ ናይ ዞናና ዘይምዕሩይን ተባራዒ ኩነታትን ተደራቢ ስግኣታት ፈጢሩ አሎ። ንኣብ ልዕሊ ክብርቲ ሲቪክ ሃገር ኤርትራ ተንጠልጢሉ ዝርከብ ውሽጣዊን ግዳማውን ሓደጋታትን ስግኣታትን ንምውጋድ፣ እቶም ንሲቪክ ሃገር ኣብ ምድሓንን ግዲኦም ከበርክቱ ዝግበኦም ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓይልታት ብኣድማዒ መንገዲ ክውደቡን፣ ንክብርቲ ሲቪክ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ንቡር መንገዳ ብምእታው፣ ኣብ ጎደና ሰላምን ቅሳነትን፣ ራህዋን ምዕባለን ንኽትምርሽ ንጡፍ ግዲኦም ክጻወቱ ትጽውዕ ኣላ። ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ናይ ሰፊሕ ሲቪክ ዘመናዊ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓይልታት ኤርትራ ተባዕ ተበግሶ እዩ።

ምዕራፍ ሓደ

 

ዓንቀጽ 1 ስም፣-  ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ “الحركة المدنية الديمقراطية الارترية “፣ “Eritrean Civic Democratic Movement” ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ዓንቀጽ 2 ኣርማ፣ ሚዛን፣ ካርታ ኤርትራ፣ ቆጽሊ ኣውሊዕን ጮራ ጽሓይን’ዩ፦

2.1 ሚዛን፣ ማሕበራዊ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዉን ባህላዊን ፍትሒን የመልክት።

2.2 ካርታ ኤርትራ፣ሃገረ ኤርትራ ምድራ፣ ባሕራ፣ ጠፈራ ልኡላዉነት የመልክት።

2.3 ቆጽሊ ኣውሊዕ፣ ልምዓት፣ ሃገራዊ ነጻነታዊ ባህግና የመልክት።

2.4 ጮራ ጽሓይ ድማ ንግንዛቤታት ህዝቢ (awareness) ናይ ጽባሕ ቡሩህ ተስፋ የመልክት።

ዓንቀጽ 3. ስነሓሳባዊ ፖሎቲካዊ ፍልስፍናን ፖሎቲካዊ ራእይናን፣-

 

3.1. ኣብ ትሕቲ ብጹእ ሓራ ፖለቲካዊ መስመር፣ ሰላምን ብሓባር ምንባር፣ ነጻነትን  ሰብኣዊ ሓርነት፣ ደሞክራስን ፍትሕን፣ ማዕርነትን ሓድነት፣ ተጻዉርነትን ጉሉጽነት፣ ማዕረ ዕድላትን ተሳተፍነት፣ ስኒትን ዕርቅን ካብቶም ቡዙሓት ቀንዲ መትከላት ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኢዮም። ካብዚ መሰረታዊን ጹኑዕን መትከላት ብምንቃል፣-ናይ ብዙሓት ጠለብ ኣብ ግምት ዘእቱ ደሞክራሲ፣ ደሞክራስያዊትን ቅዋማዊት ሲቪክ ዘመናዊት ሃገር፣ ምርግጋጽ ግዝኣተ ሕጊን ጥዑይ ምሕደራ፣ ኣብ ኤርትራ ብናጻ ተሳትፎን ዕግበትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝረግእ ሕብረተሰብ፣ ሃገር፣ መንግስትን ዜጋን ዝራጋገጸሉ ባይታታት ምምድማድ’ዩ። ህዝባዊ ልዑላዊ ፖሎቲካዊ ስልጣን፣ ብሕጊ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝላዓለ ወናኒ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብግብሪ ምኻኑ። መሰሉ ንኣምን። ኣብ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዉን ማሕበራዉን ምሕደራን ዉሳኔታት ሂወቱን፣ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ንጡፍ ተራ ከምዝህልዎ ምቅላስን ምስሳይን’ዩ።

3.2. ሃገራዊ ስኒትን ሰላም ክራጋገጽ፣ ንሕሉፍ ብሓርጎጽጎጻት ዝሓለፍናዮ መድረኻት መዛዘሚ ክግበረሉ፣ ንመጻኢ ንኩላትና ኤርትራዉያን ብሓባር ዘርባሓና ብሰላም ከንብረና ዝኽእል ሃገራዊ ዋዕላን ዋላን ከም ቀንዲ ሕዋም ተሓድሶ ከምዘድልየና ንኣምን። ሃገራዊ ስኒት መሰረት ናይ ሰላም ስለዝኾነ። ካብ ፖሎቲካዊ ፍጹምነት ርሒቅና፣ ኣብ እንካን-ሃባን ዝተመርኮሰ፣ ሓድ-ሕድ ምስ ኩሎም ዜጋታት ኢሂን-ሚሂን ብምባል፣ ንሓድ-ሕድ ምቅብባልን፣ ንሓድ-ሕድ ምክብባርን፣ ምጽዉዋርን መሰል ኤርትራዊ ዜጋ፣ መሰል ሲቪክ ሕብረተ-ሰብ፣ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰልን ዝተነጸረ ግቡእን መሰል ዜጋ ተደንጊጉ ዝትግበረሉ፣ ብዘይ ገለ ኣፈላላይ ኣድልዎን ሓለፈታትን፣ ኤርትራዊ ብኤርትራዉነቱ ኩሩዕ ዜጋ ኮይኑ ዝነብረሉ ክዉንነት ንምርግጋጽ ንቃለስ።

3.3. ኣብ ምጣኔ-ሃብታዊ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት፣ ማሕበራዉን ባህላዉን ዘየቋርጽ ዋሕዚ ቀጻልነት ዕብየት ዘለዎ፣ ምዕሩይ ኣገልግሎትን ማዕረ ብጽሒት ዝሰርዕ ኣታዓዳድላ ብሓደ ሚዛን ዝጥምት ዝያዳ ድማ ንኣዝዮም ህሱያትን ቡዱላት ቆላሕታ ዝልግስ ማሕበራዊ፣ ምጣኔ-ሃብታዊ፣ ፍትሒ፣ ሰላምን ምዕባለን ዝረጋገጸሉ ኩዉንነት ንምፍጣርን ንምስሳይን ንቃለስ።  ብመሰረቱ ፖሎቲካዊ ፍልስፍና ሲቪክ ሃገርነት፣ ምርግጋጽ ናይ ዜጋ ሓርነት ስለዝኾነ፣ ሰብኣዊ ሓርነት ክራጋገጽ ምጣኔ-ሃብታዊ ሓርነት ክራጋገጽ ስለዝግብኦ፣ ነዚ ንምርግጋጽ ዕዳጋ ዝዉስኖ ስርዓተ ምሕደራ ምጣኔ-ሃብቲ ክራጋገጽ ስለዝግብኦ ኣብ ኤርትራ ናጻ-ዕዳጋ ምጣኔ-ሃብታዊ ስርዓት ክራጋገጽ ንቃለስ።

3.4. ከም’ቲ ኣብ መትከላት ራኢናን ዕላማታትናን ዝገለጽናዮ። ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ብጹእን ካብ ጽግዕተኛነት ሓራ ዝኾነ ፖሎቲካዊ መስመር ስለ ዝኽተል፣ ዝምድናታትናን ምትእስስራትናን፣ ምስ ሃገራትን ኣህዛብ ዓለም ዝህልወና ዝምድና፣ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ ኢዩ። ብፍላይ ድማ፣ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ጅቡትን የመንን ዝህልወና ዝምድና፣ ንናይ ሓባር ዕብየትናን፣ ሓባራዊ ናይ ጸጥታ ምትካል-ዋልታና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፣ ምስ ኩለን ሃገራት ካብ ሻርነት ነጻ ዝኾነ፣ ፖለቲካዉን ምጣኔ-ሃብታዉን ስርርዓተን፣ ወይ ዓይነት መንግስታተን ብዘየገድስ፣ ካብ’ዚ ዘይዕጸፍ መትከላት ዲፕሎማስያዊ ሜላታትና ብምንቃል፣ ምስ ጎረባብትና ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ረብሓታትን ምትሕግጋዛትን ዝሙርኮስ፣ ውሑስን ቀጻልነት ዘለዎ፣ ንሰላምን ቅሳነትን ዝመርሕ ዝምድናታት ፍሉይነት ሂብና ንክንሰርሓሉን፣ ልዑላውነትና ሕድ-ሕድ  ኣኽቢርና፣ ኣብ ናይ ሓድ-ሕድ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ከይተኣታተና፣ ንቐጻሊ ሰላምን ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌን ብሓባር ክንስርሕ ንቃለስ።

 

ዓንቀጽ.4. መሰረታዊ መትከላት ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ፖለቲካዊ     ናጽነትን ደሞክራስያዊ መሰላት ዜጋታትን ፣- 

ሲቪክ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ፤ ሰብኣዊ መሰል ምኽባር፣ ዘይሕከኽ ውልቃዊ መሰልን ሓርነት ወዲ-ሰብ፣ ብሕጊ ተፈጥሮ ደቂ-ሰባት ዝተዓደለ መሰረታዊ ህያብ ድኣ`ምበር፣ ብድሌት ደቂሰባት ዝዕደልን ዝገሃስን መሰል ከምዘይኮነ ብመትከል ንኣምን።

ኣብ ጽላል ሃገራዊ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን፣ መበቆልካ ሕብርኻ፣ ዓሌትካ፣ ባህልኻ ቛንቋኻ ናይ ፖለቲካ ስነሓሳብካ ወይ ዝኾነ ዝጥርንፈካ እምነት ፍልልያቱ ብዘየገድስ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ሕጊ ብማዕረ መሰላት ዘኽብር ዘውሕስ ሕጊ ክህሉ፣ ብምክብባር ማሕበራዊ ዝምድናታት ደቂሰባት ካብ ዉልቀ ዜጋ ጀሚሩ፣ ናይ እኩብ/ሓባራዊ/ መሰላቶም ክኸብር፣ ሓደ ካብቲ ዘይንጸል ዘይሕከኽ መትከል ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ንኣምን።

እዞም ውልቃውን ሓባራዊ ማሕበራዊ መሰላትን፣ ብመንግስቲ፣ ወይ ብናይ ፖለቲካ መራሕቲ ፍሉይ-ረብሓ ጉጅለ ደቂ-ሰባት ፈቲኻዮ ዝዕደል፣ ወይ ስለዘይደለኻዮ ዝገሃስ መሰል ኣይኮነን። ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን ይኸብር፣ ብህዝብን ሲቪክ ትካላት ክወሓስ ድማ ሕጋውን ደሞክራስያውን ምዃኑ ብመትከል ኣሚና ከነረጋግጾ ንቃለስ። ካብዘን ክልተ ኣድማሳዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ብምብጋስ፣-

4.1. ዝኾነ ዜጋ፣ ምስ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዘይጻረር፣ ውልቃዊ ናጽነቱ ሓልዩ ኣብ ዝመረጾ ቦታ ክነብር፣ ካብ ሃገሩ ናብ ዝደለዮ ክኣቱ ክወጽእ፣ ከም ድሌቱ ብዘይፍርሒ ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ክኸብር ይግብኦ።

4.2. ዝኾነ ዜጋ፣ ምስ ቅዋም ስርዓተ-ሕግን ዘይጻረር፣ ኣብ ሃገር ዘሎ ኩሉ ዓይነት መሰላት ብዘይኣድልዎ ብማዕረ ክረክብ ይግብኦ። ካብ ሃብትን ጸጋን ሃገር፣ ጻማ ረሃጹ ማዕረ መሰል ተጠቃምነት ክህልዎ ዘይሕከኽ መሰሉ ክኸብር ከምዝግብኦ ብመትከል ኣሚና ንቃለስ።

4.3. ዝኾነ ዜጋ ዕድሚኡ 18 ዝበጽሔ፣ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዘፍቅዶ ፣ ኩሉ ናይ ዓቕሚ ኣዳም ዝህቦ ሕጋዊ መሰላቱ ክረጋግጽ ይግብኦ። ክመርጽን ክምረጽን ዘለዎ መሰላት ክኸብር ይግብኦ።

4.4. ዝኾነ ዜጋ፣ ምስ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዝጻረር ዘይሕጋዊ ተግባር ክሳብ ዘይፈጸመ፣ ብዘይፍርሕን ስግኣት ክንቅሳቐስ መሰሉን ውልቃዊ ናጽነቱ ክኸብር ይግብኦ።

4.5. ዝኾነ ዜጋ፣ ምስ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዝጻረር ዘይሕጋዊ ተግባር እንተፈጺሙ፣ ብሕጋዊ መርትዖ ሕጋዊ ቤት- ፍርዲ ገበነኛ ኢሉ ገበናዊ መቕጻዕቲ ክሳብ ዘይወሰነ፣ ዝኮነ ዜጋ ናጻን ንጹህን እዩ።

4.6. ዝኾነ ዜጋ፣ ቅድሚ ውሳኔ ቤትፍርዲ ዘይሕጋዊ ተግባር ፈጺሙ ተባሂሉ እንተተጠርጢሩ፣ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበንን መርትዖኡን ንምርግግጽ፣ ወይ መርትዖን መሰኻኽርን ከይጠፍኡን ንገበን ምክልኻል፣ ወይ ዝተጨበጠ መርትዖ ንምእካብ የድሊ`ዩ ዝብል እምነት ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ምስዝህሉ፣ ዝተጠርጠረ ሰብ፣ ወይ ሰባት፣ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ማእሰርቲ ኣትዩ መርመራ ክግበረሉ ይግብኦ ዝብል ናይ ፖሊስ፣ኣክባር ሕጊ፣ ወይ ጸጥታ፣ ዝምልከቶም ኣካላት እምነትን ናይ ስራሕ ሓላፍነቶም ግዴታ ክፍጽሙ ምስዝደልዩ፣ ንቤት-ፍርዲ ብሕጊ ይሓቱ።

4.7. ቤትፍርዲ ንጥርጡር ክእሰር ክምርመር ኣድላዪ ኮይኑ እንተረኪብዎ፣ ንዝተጠርጠረ ሰብ ክእሰር ትእዛዝ ይህብ፣ ብዋራንት ሰነድ መእሰሪ ፍቓድ ቤትፍርዲ ይእሰር። ናይ ምእሳር ፍቓድ ዋራንት ናይ ቤትፍርዲ ሕጋዊ ኣገባብ ብቤት ፍርዲ ከይተዋህበ፣ ፖሊስ፣ ወይ ጸጥታን፣ወይ ዝኾነ በዓል ስልታን ክኣስሩ፣ መሰልን ውልቃዊ ናጽነትን ዜጋታት ክግህሱ፣ ብመሰረቱ ሕጋዊ ስልጣን ስለዘይብሎምን፣ መሰል ጥርጡር ብሕጊ ክኽበር ይግብኦ።

4.8. ዝኾነ ዜጋ ብኣፍልጦን ሕጋዊ ትእዛዝ ቤት- ፍርዲ ዋላ እንተተኣስረ፣ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዘፍቅዶ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ክኸብር ይግብኦ። ናይ ጠበቓ መሰል፣ ምስ ስድራቤቱ ናይ ምርካብ መሰል፣ ናይ ሕክምና ክንክን መሰል፣ ኣብ መነባብሮ መኣዛ ዘለዎ መግቢ ክረክብ መሰሉ ይኸብር። ብኣንጻሩ ምፍርራሕ ማህረምቲ፣ወይ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ፖሊስን ጸጥታን ብሕጊ ኣይፍቀድን።

4.9. ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስና፣ ኩሉ ናይ ምውሳን መሰልን ስልጣንን ናይ ህዝቢ`ዩ ዝብል መሰረታዊ  ዘይቅየር መትከል እምነቱ ደጊሙ እናረጋገጸ፣ ኣብ ዘካይዶ ሲቪክ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ንመትከላዊ እምነቱ ዘረጋግጽ፣ ዘሓይል፣ ዘውሕስ ኢሉ ዝኣምኖ፣ ዝምርሓሉ ኣገባብ ቃልስን ፖሊሲታቱን የነጽር። ህዝቢ ደሞክራስያውን ሕጋውን መሰላቱ ንምርግጋጽ፣ ንዘረጋግጾ መሰል ንምውሕስ፣ ብሓባር ብሰላም ናይ ምንባር ዋሕስና ናብ መጻኢ ወሎዶታት ጽቡቕ ውርሻ ንምስግጋር፣ ድልዱል መሰረት መታን ከንጽፍ፣ ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ከምዘድሊ ብመትከል ንኣምን።

4.10. ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ግብራውነቱ ንምርግጋጽ፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውዳቤ ክህልዎ ይግባእ። ህዝቢ በብሞይኡ፣ በብማሕበራዊ ጉጅልኡ፣ ናጻ ህዝባዊ ትካላት ብደሞክራስያዊ ኣትሓሳስባ ዓምቢቡ፣ ናብ ደሞክራስያዊ ትካላት ምህናጽ እንተተሰጋጊሩ፣ ልዕልና ሕጊ ይነግስ፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ይኸብር፣ ይውሓስ ዝብል መትከል ንኣምን።

4.11. ናጻ ደሞክራስያውያን ማሕበራት፣ ወይ ህዝባዊ ትካላት ማለት ድማ፣ ከም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማሕበር ሰራሕተኛታት፣ ማሕበር መንእሰያት፣ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ማሕበር ስንኩላን፣ ማሕበር ሓርበኛታት፣ ማሕበር ኩሉ ዓይነት ሞያ፣ ከም ኣብነት፣ ማሕበር ጋዜጠኛታት፣ ማሕበር ሓካይም፣ ማሕበር ናይ ሕጊ ኪኢላታት/ ጠበቓታት/ ማሕበር መማህራን፣ ማሕበር ነጋዶ፣ ማሕበር መጓዓዝያ፣ ማሕበር ስነ-ቑጠባ፣ ማሕበር ስነ-ጥበባውያን፣ ማሕበር ድሕነት/ኣንጻር/ ብከላን ልምዓትን፣ ማሕበር ተጣበቕቲ ህጻናት፣ ማሕበር ረድኤትን ምትሕግጋዝን፣ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካልትን፣….ወዘተ ከም ናጻ ማሕበራት ምስዝቖማ፣ ደሞክራስያዊ መሰረትን በርጌሳዊ ፈልስታት የንጽፋ፣ ልዕልና ሕጊ የንግሳ የውሕሳ፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ ምኽባር ምውሓስ ንጡፍ ተራ ይጻወታ ዝብል መትከል ንኣምን።

4.12.  ህዝብን ሃገርን ብሰላም ክነብር፣ ጎደና ልምዓት ክጎዓዝ፣ ምስ ጎረባብቱ ዓለምና ተከባቢሩ፣ ኣብ ማዕረ ምክብባር መሰል ልኡላውነት ዝተሰረተ፣ ኣብ ኩሉ ዓውድታት፣ ንሓባራዊ ረብሓ ህዝቢ ዘገልግል፣ ውዕላት ክግበር ብሽርክነት ዘመናዊ ናይ ሳይንስን ተክኖሎጂን ትካላት መጽናዕትን ምርምርን ንምህናጽ፣ ህዝብን ሃገርን ድልዱል መሰረት ክረጋግጽ ይከኣል ዝብል መትከል ንኣምን።

4.13. ኣብ ቅዋምን ሕጊ ሰልፍታትን ዝተሞርኮሰ፤ ሕጋውያን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ክህልዋ፤ መንግስቲ ብብዝሒ ሰልፍታት ክቖውም፤ ሕጋውን ደሞክራሲያውን እዩ ዝብል መትከል ንኣምን።

4.14. ኩለን ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ዝተጠቕሳ ናጻ ደሞክራስያውያን ህዝባዊ ትካልት፣ ንዝጎደለ መሰል ደጊመን ንምርግጋጽ፣ ወይ ክህብትም ክዛይድ ዝግብኦ ምዕባሌታት ንምርግጋጽ…ወዘተ፣ ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያድ፣ ናይ ጽሑፍ ፊርማታት ዘለዎ ጥርዓናት (petitions) ምግባር፣ ዘይሕከኽ መሰል ክረጋገጽ ሕጋውን ደሞክራስያውን እዩ ዝብል መትከል ንኣምን።

4.15. ምስ ቅዋምን ሕግታት ስልፍን ዘይጻረር፤ ዝኾነት ሰልፊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ጎስጋስን ክትገብር ናጽነታ ሕሉው ይኸውን። ኣብ ግዜ ምርጫ ዘድሊ ባጀት መሳለጥያ መራኸቢታት…ወዘተ ንምርካብ፤ ናይ ኩለን ሰልፍታት ማዕረ  መሰል ብዘይኣድልዎ፤ ማዕርነታዊ ኣገባብ ዘረጋግጽ መሰል ክኸብር ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን።

4.16. ዝኾነ ዜጋ፣ ምስ ቅዋምን ሕጊ ሰልፍታትን ዘይጻረር፤ ኣብ ዝመረጾ ሰልፊ ኣባል ክኸውን መሰሉ ዝተሓለወ ክኸውን ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን።

4.17. ዝኾነ ዜጋ፣ ምስ ቅዋምን ሕጊ መራኸቢ-ቡዙሓ (Press) ዘይጻረር፣ መሰል ናጻ ፕረስ ክኸብር ይግብኦ። ናጻ ሓሳባት ናይ ምግላጽ ምጽሓፍ መሰል፣ ናይ ምንቃፍ ምቅዋም መሰል፣ ብሕታውያን ጋዜጣ ናይ ምዝርጋሕ መሰል ክኸብር ክረጋገጽን ክወሓስን ከምዝግብኦ ብመትከል ንቃለስ።

 

ዓንቀጽ.5. ምጣኔ-ሃብታዊ ፍትሒ፣መሰላትን ተጣቃምነት ዜጋታት፣

5.1.   ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌ ሃገርና ንምርግግጽ፣ ኣብ ቅዋም ዝተሞርኮሰ፣ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ብሕጋዊ ኣካል ዝተወሰነ ምጣኔ-ሃብታዊ ፖሊሲ ክህሉ ሕጋዊ ይኸውን ዝብል መትከል ንኣምን። ምጣኔ-ሃብቲ ሃገረ ኤርትራ፣ ግላዊን ህዝባውን ጽላታታት ዘፍቅድ፣ ንግላዊ ጻዕርን ዋንነትን ሃብትን ዘተባብዕን ክኸውን፣ ኤርትራውያን ኣብ ዝመረጽዎ ዓውደ ስራሕ ክነጥፉን፣ ናይ ጻማ ርሃጾምን ተጠቀምቲ ክኾኑን ብመትከል ንኣምን።

5.2.   ምጣኔ-ሃብታዊ ውጥንን ማክሮ ፖሊሲ፣ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ምጣኔ-ሃብታዊ ልሞዓት ፕሮጀክት፣ ብሞያውያን ስነምጣኔ-ሃብታዊ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ክኸውን ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን።

5.3.     ብክኢላታት ምጣኔ-ሃብቲ ብመጽናዕቲ ዝተነድፈ ምጣኔ-ሃብታዊ ልምዓት ፕሮጀክት፣ ሃገራዊ ባይቶ ከጽድቖ ይግባእ። ንኣፈጻጽምኡ ዝምልከት፣ ፍሉይ ናይ ምቁጽጻር መካኒዝም ዘረጋግጽ ተሓታነት ክህልዎ ይግባእ ዝብል መትከል ንኣምን።

5.4.     ምጣኔ-ሃብታዊ ናይ ልምዓት ፖሮጀክት፣ ብውጥን ስርዓተ ባጀት ክስነ ይግብኦ። ስርዓተ ባጀት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሚኒስትሪታት ይኹኑ ካልኦት መንግስታውን ሲቪላውን ትካላት ዘድሊ ባጀት ድማ ብክኢላታት ተነዲፉ፣ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ጸዲቑ ግብራውነት ክህልዎ ይግባእ ዝብል መትከል ንኣምን።

5.5.     ኩሉ ኣታውን ወጻኢን ባጀት ሃገር፣ ካብ መንግስታዊ ኣካላት ናይ ፖለቲካዊ ጽልዋን ጸቕጥን ናጻ ዝኾኑ፣ ኣብ ስርሖም ውዲትን ጣልቓ ምትእትታው ሰበ ስልጣናት ዘይግበረሎም፣ ብሕጋዊ ኣገባብ ዋሕስና ስርሖምን ሂወቶም ዘረጋግጽ፣ ግሉጽ ኣሰራርሓ ናይ ሕሳብ ተቖጻጸርቲ ኪላታት ብናጻ ክቆጻጸሩ መሰሎም ክኸብር ይግብኦ።

5.6.     ኩሉ ሃብቲ ሃገር ኣብ መሬት፣ ትሕቲ መሬትን ባሕሪን ዘሎ ጸጋን ሃብትን፣ ብናይ ክኢላታት ምኽሪን መጽናዕትን፣ ሃብቲ ሃገር ከይበላሾ፣ ከይብከል ምክልኻል ዋሕስነቱ ምርግጋጽ ህዝብን መንግስቲ ሓላፍነት ክስከም፣ ህዝቢ ድማ  ኣፍልጦ ሃልይዎ ናይ ምክልኻል ግዴታ ክወስድ፣ እኹል ግሉጽ ሓበሬታን ኣስተምህሮን ክወሃቦ፣ ናይ ምፍላጥ መሰሉ ክኸብር ከምዝግብኦ ብመትከል ንኣምን።

5.7.     መንግስቲ ናይ ሚኒስትሪታቱን ኣካላቱን ዓመታዊ፣ወይ ዝያዳ ዓመታት ዝተሰልዔ ባጀት፣ ኣታዊ ወጻኢ፣ ኣገልግሎቱን ወጽኢታቱን፣ መክሰቡን ክሳርኡን፣ ወይ ዝተገብረ ወጽኢቱን ምዕባሌታቱን ንህዝቢ ከፍልጥ፣ ብንጹር ኣሃዛዊ-ጸብጻብ ግሉጽ ሓበሬታ ክህልዎን ክዝርግሕን፣ ብግሉጽነት ከሰርሕ ህዝቢ ናይ ምፍላጥ መሰሉ ክኸብር ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን።

5.8.     ዝኾነ ዜጋ፣ ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዝህቦ መሰል፣ ካብ ሃብቲ ሃገሩ ብዘይዝኾነ ኣድልዎ ብማዕረ መሰል ተጠቃምነት ክህልዎ ቀዋሚ መሰሉ ምኻኑ ንኣምን።

5.9.     ህዝቢ ኤርትራ፣ ምስ ማሕረስን መጓሰን፣ ምስ መሬት ዝተዛመደ ማሕበረ-ምጣኔ-ሃብታዊ  መነብብሮ ስለዘለዎ፣ ዋንነት መሬት ምስ ጭቡጥ ናብራ ህዝቢ ዝተዛመደ ሕጋዊ ኣገባብ መሰል ዋንነት፣ መሰል ተጠቃምነትን ከረጋግጽ ይግብኦ። ምኽንያቱ ሕቶ መሬት ምስ ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌ ነዊሕ ዝጠመተ፣ ንመጻኢ ወሎዶታት ኣብ ግምት ዘእቱ ክኸውን ከምዝግብኦ ብመትከል ንኣምን።

5.10.   ዋንነትን መጽናዕትን መሬት፣ ብክኢላታት ዝምራሕ፣ ለባማትን ዓበይቲ ዓድን ዝርከቡዎ፣ ካብ ኩሉ ከባቢታት ኤትኒክ-ጉጂለታት ብግቡእ ብማዕረ ዘሳትፍ ፍሉይ ኣካል ክምዘዘ ይግብኦ። ዝቖውም ኮሚሽን ትሕዞ መሬት ኣብ ክዉንነት መነባብሮ ህዝቢ ዝሙርኮስ ዝተጨበጠ መጽናዕቲ ከካይድ የድልዮ።

5.11.   መጽናዕቲ ኮሚሽን ንሕቶ መሬት ብዕትበት ጠሚቱ፣ ብናይ ሓጺር መደብ ዝርአ ጉዳይ ስለዘይኮነ፣ ናይ ነዊሕን ሓጺርን ውሳኔታቱ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ምስ ጸደቐ፣ ቅድሚ ትግባሬኡ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ብረፈረንዱም ክጸድቕ ይግብኦ። ብዝተጨበጠ ሓዲሽ ምዕባሌ ምስዘጋጥም፣ ኣብ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን መሬት፣ ብሓዲሽ ምዕባሌ ዝቕይድ ሕጊ ዳግማይ ብኣዋጅ ክመሓየሽ ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን።

ዓንቀጽ.6. ኢንዱስትሪ፣ ንግዲን ሕርሻን

 

6.1.     ኣብ ኢንዱስትሪ ብውጥን ኪኢላታት ብመጽናዕቲ ክካየድ፣ንልምዓት ሃገር ዘሰጉም፣ ስራሕ ዝፈጥር ሰደድ ዘዕቢ፣ ማሕበራዊ ናብራ ዜጋታት ዘመሓይሽ ዘውሕስ ውጥን ምጣኔ-ሃብታዊ ልምዓታዊ ኣገባብ ኣብ መጽናዕቲ ሞያውያን ክሙርኮስ ንኣምን።

6.2.     ንግዲ፣ ዓለምና ኣብ ቑሸት ተቐይራ ስለዘላ፣ ምጣኔ-ሃብታዊ ውድድርን ብሕትውናን ስለዝዓብለላ፣ ምጣኔ-ሃብታዊ ልምዓት ብሽርክነት ስለዝኸይድ፣ ብሞያውያን ዝተጸንዐ ናይ ንግዲ ኣገባብ ብሕጊ ክውሰን ይግብኦ። ኣብዚ ብንጹር ክጥቀስ ዝግብኦ ብሕታዊ ዋንነት ንግዲ መሰል ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕረ ክኸብር ይግብኦ። መንግስቲ ንዜጋታቱ ኣብ ንግዲ ፍርያምነቱ ክዓቢ፣ ከማዕብል፣ ሓበሬታን ኣፍልጦን ከስፍሕ፣ ናይ ንግዲ ኣታውን ወጻኢን ኣህጉራዊ ግዴታ ባንክን ካልእ ዘድሊ ረቛሕታት ክሕግዝ ግዴታ ከምዘለዎ ንኣምን። ብመንግስቲ ዝውነኑ ንግዳዊ ወይ ትካላት ምንጪ ኣታውታት ብሕጊ ንጹር ክኸውን ይግብኦ።

6.3.     ሕርሻ፣ እዚ ዓውድ`ዚ ንዝሰፍሐ ክፋል ህዝብና ስለዝውክል፣ ህዝብና ኣብ ሕርሻን መጓሰን ምስ መሬት ዝተኣሳሰር ማሕበራዊ ናብራ ምህላው ከም ርዱእ ተወሲዱ፣  ምስ ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌ ሃገርና፣ ምስ ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣና ዝሰማማዕ፣ ብሳይንስን ተክኖሎጅን ዝተሰነየ፣ ዘመናዊ ሕርሻ ምምዕባል ኣማራጺ ዘይብሉ ግድነታዊ መስርሕ ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባለ ስለዝኾነ፣ ፍርያት ኢንዱስትሪ ንምዕባይ፣ኣድለይቲ ጥረ ነገራት ኣብ ሃገር ንምፍራይ፣ ሕርሻ ሃገርና ምስ ዘመናዊ ኢንዱስትሪን ንግድን ከምዝተኣሳሰር ፍሉይ ቆላሕታ ተዋሂብዎ ግዜ፣ ጻዕርን ፍሉይ ባጀትን ከምዘድልዮ ብመትከል ንኣምን።

6.3.1. ሕርሻ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ፖሮጀክት ስለዝኾነ፣ ሓረስቶት ሃገርና፣ ዘመናዊ ሕርሻ ንምምዕባል፣ ናይ መንግስትን ሞያውያንን ኩሉ ዓይነት ሓገዝ የድልዮም።  ሞያዊ ምኽሪ፣ ተክኒካውን ገንዘባውን ሓገዝ ምሃብ፣ ኣገባብ ዘመናዊ ሕርሻ ትምህርትን ስልጠና ምሃብ፣ ናይ ድኹዕን ጸረ-ባልዕን መድሃኒት ምጥቃም፣ ዓይነት ዘርእን ናይ መሬት መርመራ ምክያድ፣ ምግራብ ምክልካል ፍግረ መሬት፣ ኣጠቓቕማ ማይ፣ ናይ ማሺነሪ ሓገዝ የድልዮም ዝብል መትከል ንኣምን።

6.3.2. ናጻ ማሕበር ሓረስቶት ቆይሙ፣ ንልምዓታዊ ሓገዝ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምርካብ፣ ኣብ ባይታ ዝትግበር ዘመናዊ ፖሮጀክት ምቕራብ የድሊ። ኩሉ ድማ ናይ ሞያውያን መጽናዕቲ ከም ቀዳማይ መደብ ተሰሪዑ ክስርሓሉ ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን።

ዓንቀጽ.7. ማሕበራዊ መሰላት ዜጋታት፣-

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መፋርቕ 1950ታት ጀሚሩ ምስ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ፣ ምስ ናይ 1998-2000 ዝተኻየደ ውግኣት ተደሚሩ፣ ብኢትዮጵያ ዝተፈጸመ በደልን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኣብ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣዊ ህዝብና ዝፈጠሮ ምዝንባልን ጉድኣትን፣ ንህዝብና ኣብ ማሕበራዊ ሂወቱ ንድሕሪት ከምዝመለሶ ምስክርነት ዘየድልዮ ናይ ታሪኽ ሓቀኛ ፍጻሜ ምኻኑ ብመትከል ንኣምን።

ንምሕዋዩ ድማ ግዜን ጻዕርን ሓገዝን ከምዘድሊ፣ ናይ መንግስትን ናይ ኩሉ ዜጋ ጾርን ሓላፍነትን ኢዩ ኢልና ንኣምን። ሲቪክ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ንኩቡር ዋጋ ማሕበራዊ ምዝንባል ህዝቢ ኤርትራ ከም ክቡር ዋጋ ናጽነቱ፣ ክቡር ዋጋ ሕጋዊ ልኡላውነቱ፣ ከም ክቡር ዋጋ ሕጋዊ ኤርትራዊ መንነቱ፣ ከም ክቡር ዋጋ ታሪኻዊ ዓወቱ ምዃኑ ስለንኣምን፣ ንማሕበራዊ ምዝንባል ህዝቢ ዋጋታቱን፣ ጻዕርን ጻማን ታሪኻዊ ዓወቱ ነሞግስ፣ ነኽብር። ንምሕዋዩ ዝካየድ መደባት ከነረጋግጽ ከነውሕስ ብመትከል ንኣምንን ንቃለስን።

7.1.     ስድራቤት ስውኣት፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሪር ቃልሱ፣ በጃ ህዝብን ሃገርን ዝወደቑ ደቁን ኣሕዋቱን ኣለዎ። ስውኣትና ዋጋ ናጽነትና፣ ዋጋ ልኡላውነትና፣ ዋጋ ሕጋዊ ኤርትራዊ መንነትና ስለዝኾኑ፣ ዋላ`ኳ መብጽዓን ሕድሪን ስውኣትና ተጠሊሙ እንተሎ፣ ኣብ ልዕሊ ስውኣትና ልዑል ክብሪ ኣለና። ብዙሓት ስድራ-ቤት ስዉኣት ምንባይ ከምዘድልዮም ናይ ሕልናን ሞራላውን ጉዳይ፣ ወይ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት  ጥራይ ዘይኮነ፣ ማሕበራውን ሃገራውን ግዴታን ኩሉ ዜጋ ኢልና ንኣምን።

7.2.     ስድራቤት ስውኣት ምንባይ ኣብ መጽናዕቲ ዝሙርኮስ ቀጥታዊ ሓገዝ ኣብ ኢድ ስድራቤት ዝበጽሕ፣ ወይ ፍሉይ ናይ እቶት ምንጪ ዘረጋግጽ ትካል ምህላው፣ ወይ ካልእ ብዙሓት ኣምራጺታት ኣለዉ ብመደብ ምትግባር ማለት እዩ። ዝስርሓሉ ዘሎ ፖሊሲ ከም ሓሳብ ቅዱስ`ኳ እንተኾነ ኣገባቡ ዘይንጹር፣ ተጠቓምነቱ ውሑስ ዘይኮነ ፖሊሲ፣ ብዝማዕበለ ኣገባብ ምምሕያሽ ከምዘድልዮ ንኣምን።

7.3.     ስንኩላን፣ በጃ ህዝብን ሃገርን ክብሉ፣ ዕድመ ንእስነቶም ዘይጸገቡ ስንኩላት ኣሕዋትና ኣለዉ፣ እዚኦም`ውን ልክዕ ዋጋ ናጽነትና፣ ዋጋ ሕጋዊ ልኡላውነትን፣ ዋጋ ሕጋዊ ኤርትራዊ መንነትና ስለዝኾኑ፣ ኣብ ልዕሊ ስንኩላትና ልዑል ክብሪ ኣለና። ሞራላውን ኣእምሮኣውን ኩነታቶም ንምሕብሓብ፣ ኣፍረይቲ ዜጋታት ምዝኾኑ ናይ ምግባር፣ ጾርን ዕዳን መንግስትን ህዝብን እዩ። ኣካልቶም ዋላ እንተሰንከለ፣ ኣእምሮኣዊ ኩነታቶም ስለዘይሰንከለ፣ ብጀካ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ጾርን ሓላፍነትን ምስካም፣ ብተወሳኺ ዝተፍላለየ ፕሮጀክት ኣማዕቢልካ፣ ኣህጉራዊ ሓገዛት ረኺብካ ሓደ ካብ ዝዓበየ መደብ ንምትግባር ተስታፍነትን ሓልፍነት ኩሉ ዜጋ ኢዩ ኢልና ንኣምን።

7.4.     ሓርበኛታት፣ ህዝቢ ኤርትራ ብሐርበይናዊ ቃልሱ ብኩብር ዋጋታቱ፣ ናጽነት፣ ሕጋዊ ሉኡላውነት፣ ሃገራዊ ኤርትራዊ መነንት ስለዘረጋጸ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ሓርበኛዊ ባህርያቱን ልዑል ኣኽብሮት ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ሓርበኛዊ ህዝቢ እዩ። እንተኾነ እቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ካብ ማሙቕ ገዝኦም ዝወጹ፣ ኣብ በረኻ ንዓመታት ንሕሰምን ከቢድ ውግእን ናይ ሂወት መሪር ኩነታት በዲሆም ዝሰገሩ፣ ዕድመ ንእስነቶም ዝወፈዩ፣ ከም ሰቦም ናይ ምምሃር፣ ምስራሕ፣ ምሕራስ፣ ምንጋድ ወዘተ መሰል ዘይረኸቡ፣ ጌና`ውን  ሕጂ ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋዊ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣለዉ። ግቡእ ማሕበራዊ ክብሪ ከይረኸቡ ከርተት ዝብሉ ዘለዉ፣ ”ተጋደልትን መንእሰያት ኣገልግሎትን”፣ ንክብሪ ህዝብን ሃገርን ዘርኣይዎ ተወፉይነትን ጽንዓትን፣ ዝተሰከሙዎ ሃገራውን ታሪኻውን ሓላፍነት፣ ንሓርበኛዊ ተግባራቶም ነምስግን ነኽብር። ማሕበራዊ ክብሪ ተዋሂብዎም፣ ካብ ሰራዊት ወጺኦም ናብ ንቡር ሰላማዊ ሲቪላዊ ሂወት ተመሊሶም፣ ማሕበራዊ ናብራ ከስተማቕሩ ክጣየሱ፣ ጻማን መሰል ጡረታን… ወዘተ ንምርካብ፣ ሕጋዊ መሰሎም ንምኽባር፣ ጾር ህዝብን መንግስትን ምኻኑ ንኣምንን ነኽብርን፣ ንምውሓሱ ድማ ብመትከል ንቃለስ።

ዓንቀጽ.8. ማሕበራዊ መሰል ኣገልግሎት ህዝብን ግዴታ መንግስትን

ዝኾነ ዜጋ፣ ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን፣ ብዘይኣፈላልይ፣ማዕረ መሰል ኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረክብ ኣለዎ ዝብል መትከል ንምርግግጽ ንቃለስ።

8.1.     መሰል ክንክን ጥዕናን ስሓን፣ ጥዕና ዜጋታት ምርግጋጽ ዕድመ ይውስኽ፣ ኣፍራይነቱ ይዓቢ፣ ኣብ ሞንጎ ዝውለዱ ቆልዑት ብፍቕሪ ወለዲ ከይዘኽተሙ ክዓብዩ፣ ዓቕሚ ኣዳም ክበጽሑ ይሕግዝ ዝብል መትከል ንኣምን።

8.1.1. ዝኾነ ዜጋ፣ ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዘመናዊ ናይ ጥዕና ክንክን ማዕረ መሰል ክረጋጽ ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን።

8.1.2. ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ፣ ቀዘፍትን ተላጋብትን ሕማማት ንምክልካል፣ ዘድሊ ኣስተምህሮ ምሃብን፣ ዘድሊ ሞያዊ ምክሪን ተክኒካዊ ሓገዝን ምርካብ፣ ማዕረ መስላት ክረጋግጽ ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን።

8.1.3. ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ፣ ሰብ ሞያ ሕክምና ምዕባይ ሓደ ካብ ቀዳምነታት ሕብረተሰብ ምህናጽ ስለዝኮነ፣ ብመጽናዕትን ኣህጉራዊ ሽርክነትን ክስርሃሉ ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን።

8.1.4. ምስ ዓለማዊ ምዕባሌ ፖሮጀክት፣ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጥዕና ውድብ፣ ምስ ውልቀ ሃገራትን ናይ ሳይንስ ምርምር ዘካይዳ ትካልትን ብሽርክነት ምስራሕ፣ ቅኑዕ ዓዳሚ ዝኾነ ፖሊሲ ምሕንጻጽ የድሊ። ዝትግበር ፖሮጀክት መደባት ምድላው ናጽነትን ተሳታፍነት ሞያውያን ኤርትራውያን ወሳኒ ተራ ምኻኑ ብመትከል ንኣምን።

8.1.5. ኣብ ግዜ ሕርሲን ጥንስን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገጠራት ዝርኣዩ ጸገማት ንምቅላል፣ ብዝሒ ሞት ደቂ ኣንስትዮ ንምውሓድ፣ በብደረጃ ንምውጋድ፣ ሓደ ካብ ድሕነት ኣፍራዪ ማህጸን ምዕቃብ ስለዝኾነ፣ ዋላካ ጻዕርታት ተካይድዎ ለውጥታት እንተለዎ፣ ዝያዳ ክምዕብልን ክሰፍሕን ፍሉይ ኣተኩሮ ከምዘድልዮ ንኣምን።

ዓንቀጽ.9. መሰል ትምህርቲ ዜጋታት፣-

ትምህርቲ ኣብ ሞዕባለ ህዝብን ሃገርን ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ። ስለዚ፣ -ዝኾነ ዜጋ፣ ብቅዋምን ስርዓተ- ሕግን፣ ካብ 1ይ ክፍሊ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ  ክቕጽል፣ ሞያዊ ብቕዓቱ ክብ ንምባል ማዕረ መሰል ክህልዎ ይግባእ ዝብል መትከል ንኣመን።

9.1. ዝኾነ ዜጋ ናይ 12 ክፍሊ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ፣ ኣብ ምዱብ ቤት-ትምህርቱ ክውድእ መሰሉ ክኸብር ከምዝግብኦ ብመትከል ንኣምን። ኣብ ሳዋ ኣብ ወትሃደራዊ ቦታ መደብ ናይ 12 ክፍሊ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ  ምክያድ ብመሰረቱ ዘይሕጋዊ ተግባር`ዩ ኢልና ብመትከል ንኣምን።

9.2. ናይ ሓደ ሃገር ዝለዓለ ጸጋ ወይ ሃብቱ ሰብኣዊ ዓቕሙ`ዩ። ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዝለዓለ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ምምዕባልን ምስፋሕን፣ ዜጋታት ነብሶም ብሞያዊ ብቕዓት ሃኒጾም፣ ናብርኦም ዘምሓይሽሉ፣ ተመሊሶም ሃገሮም ኣብ ምምዕባል ዝለዓለ ተራ ዝጻወትሉ፣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብምልኣኽ ምያዊ ብቕዓት ዝሰፍሓሉ፣ ኣብ መጽናዕቲ ዝሙርኮስ፣ ሓገዛት ዝርከበሉ ኣገባብ ምርካብ ንኣፍራይነቱ ንምሕያል ከምዘድሊ መትከል ንኣምን።

9.3. ሃገርና ምስ ኩሉ ዘጋጠማ ዕንወት፣ ዜጋታታ ዝለዓለ ናይ ሳይንስን ተክኖሎጅን ትምህርቲ ክረኽቡ፣ ዜጋታት ብሞያዊ ብቕዓት ክስልጥኑ፣ ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ዝተሰረተ ፖሊሲ ትምህርቲ ምምሕያሽ የድሊ። ምስ ዓለምና ዘዛምድ፣ ነዚ ዕድላት ንምርካብ ባይታ ዘስፍሕ ዝምድናታት ምምስራት፣ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዲፕሎማሲያው ፖሊሲ ምምሕያሽ ከምዘድሊ ብመትከል ንኣምን።

9.4. ምጥፋእ መሃይምነት፣ ኣብ ገጠር ዝነብር ዝበዝሕ ህዝብና፣ ብሰንኪ ታሪኽ መግዛእታዊ ኩነታት ማሕበረ-ምጣኔ-ሃብቲ  ኣቃውማ ሃገርና፣ ናይ ትምህርቲ መሰል ወይ ዕድል ዘይረከበሉ ጭቡጥ ምኽንያታት ስለዝነበረ፣ ሰብኣዊ ዓቕሚ ህዝብና መሃይምነት ከጥፍእ፣ ናብ ጎደና ምዕባሌ ፍልጠት ክሰጋገር ዝጠፍኦ ዕድል፣ ፍሉይ ቆላሕታ ተዋሂብዎ መሃይምነት ከጥፍእ ከምዝግባኦ ብመትከል ንኣምን።

ዓንቀጽ.10. ግዴታ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሕጋዊ ኣገባቡን።-

ዝኾነ ዜጋ መሰላት ጥራይ ዘይኮነ፣ ጉቡኣት ክፍጽሞ ዘለዎ እዉን ከምዘሎ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግብኦ’ዩ። መሰላትን ጉቡኣትን ኢድን ጓንትን ዝኾኑ ፈጺሞም ዘይፋላለዩ ተግባርን ኣምራትን እዮም። ኣንካይ ዶ ኣብ ኤርትራ ኣብተን ኣዝየን ዝማዕበላ ሃገራት ዓለምና ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓደ ማሓዉር ግቡኣት ዜጋታት ኮይኑ ክሰርሕ ዝጽንሓን፣ ኣብ ምህናጽ ሃገርን ምህናጽ ምጣኔሃብቲ ዕዙዝ ግደ ዝተጻወተ መስርሕ እዩ። ብስንኪ ኣሉታ ተመክሮ ኣጣቃቅማ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፍጹም-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክዉገድ ኣለዎ ናብ ዝብል መደምደምታ ዘብጽሕ ጭቡጥ ምኽኒታትን መርትዖታትን ስለዘየለ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብቶም ቡዙሓት ሓደ ጉቡኡ ዜጋታት ኮይኑ ክሰርሕ ንቃለስ።

ዝኾነ ዜጋ፣ ብቕዋምን ስርዓተ ሕግን ዝእዝዞ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ምፍጻም ጉቡእ ኣለዎ። ብሕጊ ዝተነጸረ ገደብ ግዜ ኣገልግልቱ ምስወድኤ፣ ናብ ንቡር ሲቪላውን ማሕበራውን ሂወቱ ክመርሕ መሰሉ ክረጋግጽ ይግብኦ።

10.1. ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ብዘይ ብቑዕን ዘይሕጋውን ምክንያት፣ዘይተወሰነ  ገደብ ግዜ ኣገልግሎት ምክያድ፣ ካብ ትምህርቲ ፣ ስራሕ፣ ማሕረስ ንግዲ…ወዘተ፣ ምስ ውልቓዊ ናጽነት ዝጻረር ማሕበራዊ ምዝንባል ዜጋታት ከም ጂሆ ሒዝካ፣ ኣብ ትሕቲ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ምጽማድ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ ኢልና ንኣምን።

10.2. ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ዘይክፈሎ ሕሱር ጉልበት ዜጋታት ኣብ ከቢድ ማእቶት ምጽማድ፣ ምህላኽ ዘይሕጋዊ ተግባር`ዩ ኢልና ብመትከል ንኣምን።

10.3. ዝኾነ ዜጋ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብገስ፣ ምስ ጭቡጥ ኩነታት ስድራ-ቤታትና ብዝሒ ስዉኣት፣ ሓልፋይ ወይ ኣላዪ  ዘይብሉ ማሕበራዊ ናብራ፣ንጹጉማት ንስድራ-ቤት ናብ ተወሳኺ ሕሱም ናብራ ስለዘምርሕ፣ ጾር መንግስትን ሃገርን ስለዝኮነ፣ ብመጽናዕቲ ብእዉጅ ሕጊ መምዘንታት ክፍጸም ከምዝግባእ ንኣምን።

10.4. ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ንህዝብን ንሃገርን ረብሓታት ወጽዩ፣ ዉልቀ ሰብ መዝታት ንዉልቃዊ ረብሓታቶም ካየዉዕልዎ፣ ዝካላኸል ሕግታት ንክህሉ ንቃለስ።

ዓንቀጽ.11. መሰል ጥሮታን ማሕበራዊ ውሕስነት ዜጋታትን፣-

 

11.1.   ዝኮነ ዜጋ፣ ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዝእዝዞ፣ ናይ ጡረታ መሰሉ ዝተኸብረ ክኸውን ይግብኦ።

11.2.   ደሞዝ ጡረታ፣ ምስ ኩውንነት መነባብሮን ምስዘይከይድ፣ ኣብ መጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ፣ ብእዉጅ ሕጊ ምምሕያሽ ደሞዝ ክግበር፣ ብጡረተኛ ሰብ ዝጥወሩ ስድራቤት ዝዕንገሉሉ ፖሊሲ ክህሉ ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን።

11.3.   ጡረተኛታት፣ ብዕድመ ዝዓበዩ ዜጋታት፣ ኣብ ዕብየቶም ኣካላውን ኣእምሮኣውን ብቕዓቶም ዝጎደሎም ኣላዪ ምስዘይህልዎም፣ ከም ዜጋታት ብእዉጅ ሕጊ ናይ ምእላይ ክንክን ክግበረሎም መሰሎም ክኸብር ከምዝግብኦ ብመትከል ንኣምን።

11.4.   ዝኾነ ዜጋ፣ ደቂ ስዉኣት፣ ዘኽታማት፣ ኣላይ ዘይብሎም ብቕዓት ዘይብሎም ዜጋታት፣ ኩሉ ዓይነት መሰላቶም ዘክብር ትካል ክህሉ ይግብኦ። ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን ኣብ መጽናዕቲ ዝተሞርኮሰ ክንክን ክግበረሎም፣ ሓላፍነት ህዝብን ሃገር ከምዝኮነ ብመትከል ንኣምን።

11.5.   ዝኾነ ዜጋ፣ ብቅዋን ስርዓተ ሕግን፣ ኣብ መጽናዕቲ ዝሙርኮስ፣ ማዕረ መሰል ትሕተ ቅርጺ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረክብ ከምዝግብኦ ንኣምን። ምዕሩይን ዝተመጣጠን መሰል ተጣቃምነት ኩሉ ዜጋታት፣ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝረጋግጸሉ፣ ንዘመናዊ  ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌ ዝርግሔ ዝሃንጽ ኣገልግሎት ትሕተ ቅርጺ ክህሉ ብመትከል ንኣምን።

11.6.   ዝኾነ ዜጋ፣ ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን፣ ዝስተ ጽሩይ ማይ፣ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ስሉጥ ናይ መጋዓዝያ ኣገልግሎት፣ መንበሪ ኣባይቲ…ወዘተ ኣብ መነብርኡ ኣገድስቲ ዝኾኑ መሰላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ ማዕረ መሰል ኣለዎ ዝብል መትከል ንኣምን።

11.7.   ማሕበራዊ ውሕስነት ዜጋታት ምርግግጽ ማለት ኩሉ መዳያቱ ስለዝኮነ፣ ናይ መንግስትን ህዝብን ሓባራዊ ግዴታ እዩ። ንምህናጹ ግዜ ጻዕሪ የድሊ። ሞያዊ ብቕዓትን መጽናዕታዊ ኣካላት የድልዮ። መንግስታውን ሲቪክ ትካላትን ደሞክራስያዊ ብቕዓት ምምሕዳር ምህናጽ ከምዘድልዮ ብመትከል ንኣምን

11.8.   ኣብ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዝተሞርኮሰ፣ ናይ ሞያውያን መጽናዕትን ውጥንን ናይ ምጣኔ-ሃብታዊ ልምዓት፣ ምምሕያሽ ናብራን ፕሮጀክትስ፣ ንማሕበራዊ ውሕስና ከረጋግጽ፣ ባይቶ ዘትዩ ብሓባራዊ ውሳኔ ዘጽድቖ፣ ምዕቡልን ዘመናውን ውጥናትን ሕጋዊ መስርሑን ክረጋገጽ ከምዝግብኦ ብመትከል ንኣምን።

11.8.1  ማሕበራዊ ውሕስነት ምርግጋጽ ማለት፣ ቀዳማይ መሰረታዊ ምኽንያት፣ ሰላምን ቅሳነት ምርግጋጽ እዩ። ሰላም ብቅዋም ስርዓተ ሕጊ ይረጋገጽ። ብቕዓት ደሞክራስያዊ ምምሕዳር መንግስትን ታሕተዎት ኣካላቱን የድልዮ። ግሉጽነት፣ ቁጽጽርን ሕጋዊ ተሓታትነት ድማ ከም ቀንዲ መለለይን መሰረትን ማሕበራዊ ውሕስነት ምዃኖም ብመትከል ንኣምን።

11.8.2.  ማሕበራዊ ዋሕስና ህዝቢ ንምርግጋጽ፣ ናጻ ሲቪክ ኣትሓሳስባ ዝውንና ደሞክራስያውያን ዝኾና ህዝባዊ ትካላት ብምህናጽ ጥራይ ይረጋግጽ። ኣፍልጦ ህዝቢ ንምስፋሕ ተሳታፍነቱ ንምሕያል፣ ሓበሬታ ምስናቕ ስልጠና ዜጋታት ወሳኒ`ዩ። ገበናትን ዘይሕጋዊ ተግባራት ከይዓቢ ምቁጽጻር የድሊ። ፈላላዪ ምምሕዳር ጉቦ ከይምዕብል፣ መሰላት ናይ ናይ ገለ ዜጋታት ከይገሃስ፣ ናይ ገለ መሰላት ከይዕብልል ምክትታል የድልዮ ። ናይ ስራሕ ናብራን መሰል ውሕስነትን ከይገሃስ ብሕጊ ምኽባር የድሊ።

11.8.3.  ሕብረተሰብ ተኸባቢሩ ዝነብረሉ ሕጋውን ደሞክራያውን መሰላት ምርግጋጽ የድሊ። ናይ መግቢ ሕክምና ትምህርቲ ማዕርነታዊ መሰል ምርግግጽ የድሊ። ዝተጠቕሱን ዘይተጠቕሱን ዓበይቲ ሕጋዊ፣ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ምስዝኸብሩ ማሕበራዊ ውሕስነት ይረጋግጽ። ዝተጠቕሱ መሰላትን ሕጋዊ ኣገባቡን ምስዝጎድሉ ምስዝገሃሱ ድማ ፣ ሰላም ህዝቢ ይዝረግ፣ ማሕበራዊ ውሕስነት ኣይረጋገጽን ዝብል መትከል ንኣምን።

11.8.4.  ሲቪክ ደሞክራስያዊ ዝኾና ህዝባዊ ትካላት ምስዝህነጻ፣ ሰላምን ማሕበራዊ ውሕስነትን ኣብ ምርግጋጽ፣ ኣብ ምቁጽጻር፣ ኣብ ምውሓስ ዝዓበየ ተራ ዝጻወታ ህዝባዊ ትካላት እየን ዝብል መትከላዊ እምነት ንምኹስኳስ ንምህናጽ ብቕኑዕ ሕልና ብመትከል ንምርግጋጹ ናህሪ ጻዕርና ከምእነሓይሎ ነረጋግጽ።

ዓንቀጽ.12. መሰላት ባህሊ፣ ልምዲ፣ ቋንቋ፣ እምነትን ክብርታቱን፣ –

 

12.1.   ባህሊ፣ ልምድን ቋንቋን፣ ዝኾነ ዜጋ ምስ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዘይጻረር፣ ባህሉን ልምዱን ኣብ ማሕበራዊ ሂወቱ ከዘውትር፣ ቋንቋ ኣደ ክጥቀም፣ ብቋንቁኡ ክዛረብ፣ ክጽሕፍ፣ ዘይገሃስ መሰሉ ክኸብር ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን። ዕላዊ ወይ ናይ ስራሕ ቋንቋ ኤርትራ ብሃገራዊ ቅዋም ህዝቢ ኤርትራ ወይ ብህዝቢ ኤርትራ ተመሪጹ ብዝተወከለ ሃገራዊ ባይቶ ክዉሰን ኣለዎ ዝብል መትከላዊ እምንቶ ኣሎና።

12.2.   ዝኾነ ዜጋ፣ ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን መሰል ሃይማኖታዊ እምነቱን ክብሪታቱን ከዘውትር፣ ክዕቅብ፣ ከማዕብል ዘይገሃስ መሰሉ ክኸበር ይግብኦ ዝብል መትከል ንኣምን

12.3.   ዝኾነ ዜጋ ናይ ካልእ ሃይማኖታዊ እምነት መሰል ከኽብር ግዴታ ኣለዎ። ከከም እምነቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕረ መሰላት ይቕየድ። ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ዘለዎ ዝምድናታት፣ ኣብ ሕጊ ዝሙርኮስ፣ ሓድነቱ ኣብ ምክብባር ዝተሰረተ ማሕበራዊ ሂወት ክህልዎ ከምዝግባእ ብመትከል ንኣምን።

12.4.   ዝኾነ ዜጋ  ናይ ካልእ ሃይማኖታዊ እምነት ከኽብር ግዴታ ይስከም፣ ክግህስ ግና መሰል የብሉን። ኣብ ቅድሚ ሕጊ፣ ወይ ኣብ ቅድሚ ምምሕዳራዊ ትካላት፣ ወይ ኣብ ዝኾነ ማሕበራዊ ሂወት ናይ ህዝቢ፣ ሃይማኖት ከም ውልቃዊ እምነት ኣብ ክንዲ ዝኸብር፣ ኣብ ህዝቢ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ፍልልይ ክጥቅመሉ ሰላም ህዝቢ ክዘርግ ዘይሕጋዊ ተግባር`ዩ ኢልና ንኣምን።

12.5.   ናይ ሃይማኖቱ መሰል ልዕሊ ካልእ ሃይማኖታዊ መሰል ሰሪዑ ጸብለልነቱ ከተግብር፣ ናይ ካልእ ሃይማኖታዊ መሰል ከቆናጽብ፣ ክረግጽ፣ ክግህስ፣ ዘይሕጋዊ ተግባር`ዩ።  ምኽንያቱ ሓድነት ህዝቢ ይዘርግ። ሰላም ህዝብን ሃገርን ይዘርግ። ማሕበራዊ ውሕስነት ሃገር የፍርስ። መሰል ሃይማኖት ምግሃስ ዘይሕጋዊ ተግባር ክፍጸም ከምዘይግብኦ ብመትከል ንኣምን።

ዓንቀጽ.13. ንቅዋም ዝምእዘዝን ዘገልግልን ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል፣ ፖሊስን ሃገራዊ ድሕነት ንክህሉ ንቃለስ;-

ናይ ሃገራዊ ምክልኻልን ጸጥታን ሰረተ-እምነትና፣ ኣብ ህዝቢ ዝተሰረተ ክኸዉን ኣለዎ፣ እቲ ምንታይሲ፣ እቲ እንደልዮን እንሕልኖን ጸጥታ ልኡላዉነት መሬት ጥራይ ዘይኮነ፣ ብዓቢኡ ጸጥታ ዉልቀ-ዜጋ ብፍላይ፣ ብሓፈሻ ኸኣ ጸጥታ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፣ ህዝቢ ኣብ ምክልኻል ልኡላዉነት መሬቱን፣ ክሊ ባሕሩን ኣየሩን፣ ዉሽጣዊ ጸጥትኡን ምሉእ ተሳተፍነትን፣ ዝለዓለ ሓላፍነትን ክህልዎ ይግባእ። ስለ’ዚ እቲ ዝህነጽ ኣባል ሰራዊትን ኣባል ሃገራዊ ድሕነትን፣ ምስ ህዝቢ እንዳተኣሳሰረን እንዳተሓባባረ ዝሰርሕ ሃገራዊ ሰራዊትን ናይ ጸጥታን ፖሊስ ትካላት ክንምስርት ንቃለስ።

ውትህድርና ሓደ ካብ ናይ ጸጥታ ስራሓት ሞያ ስለ ዝዀነ፣ ንተሳተፍነቱ ዝምልከት፣ ብናጻ ድልየትን ርድየትን፣ ምርጫን ዜጋታት ዝዉሰን ምኻኑ ኣብ ግምት ብምእታዉ፣ ዝተነጸረ ናይ ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስን፣ ሃገራዊ ድሕነትን ዘነጽር ትልሚ-ሜላ ክህሉ ይግባእ። ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ ቅዋማዊ ግዝኣተ ሕጊ  ኤርትራ ተቐይዱ ዝዓዪ፣ ፍሉይ ፖሎቲካዊ  ሻራ ጸግዕን ዘይብሉ፣ ኣብ ሓፈሻዊ ፖሎቲካዊ ምርጫታት ናይ ሃገር፣ ናይ ምድማጽ መሰሉ ዝተዋሕሰ ኮይኑ፣ ፍሉይ ኣባልነት ፖለቲካዊ ጉጅለ ኮይኑ ክዉደብን ክሰርሕን ብሕጊ ዝተሓረመ ንክኸዉንን ንረብሓታት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘገልግልን ዘውሕስን፣ ንልኡላውነት ሃገርን ቅዋምን ብህዝቢ ብደሞክራስያዊ ሓፈሻዊ ሕርያ ንዝተመርጸ መንግስቲ ዝከላኸል፣ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻልን ፖሊስን ሃገራዊ ድሕነት ክኸውን ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ  ንቃለስን።

ዓንቀጽ.14. ዕቃበ ከባቢ፣-

 

ባህርያዉን ምኡዝ ከባቢ ንምዕቃብ፤ ዘመናዊ ስነ-ኪነትን ስነፍልጠትን ምጥቃም።  ቀጻሊ ኣስተምህሮታት ንሕብረተ-ሰብ ብምሃብን ምቍጽጻር፣ እዚ ብደረጃ ጸቢብ-ሃገር ከይተወሰነ፣ ብዓለም-ለኸ ደረጃ`ውን፣ ዓቕምና ዘፍቅዶ ኣስተዋጽኦ ምርግጋጽ። ዕቃበ-ከባቢ ንህልዊ ወለዶ ጥራይ ዘይኰነ፣ ንቀጻሊ ወለዶታት ዘማዕደወ መደባት ንክኸውን፣ ከባቢና ክብክሉ ዝኽእሉ ስነ-ቀመማውን ስነ-ሂወታዉን፣ ኑክሌራዊ መደበራትን ትካላትን፣ ኣብ ሃገርና ንኸይምስርሑን ከይድኮኑን ብትሪ ምኽልኻሎምን። ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽእ ስነ-ቅመማውን ስነ-ሂወታዊን ኒክሌራዊ ጐሓፋት፣ ኣብ ማያት-ባሕርናን መሬትናን ንኸይጓሓፉ ብሕጊ ምእጋድ።  ባህርያዉን ምኡዝን ዝኾነ ከባቢና፣ ካብ ሰብ-ሰርሖ ብከላታት ንምዕቃብ፣ ዓይነትን ዓቐንን ዘይሓለወ፣ ባህርያዉን ሰብ ሰርሖ ጥረ-ነገራት ዘባኽን፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ዘይተደልየ ዓቐን ጕሓፍ ዝፈጥር ባህልን ወልፍታትን  ንምንካይን፣ ካብ ነዳዲን ዘይትን ዝፍኖ ናይ ኣየር ብከላ ትሑት ንኽኸውን፣ ኩሉ ዝከኣል ጻዕርታት ምግባር።  ራህያታትን፣  ናይ ህዋ-ክሊ ኣየርን፣ ፈለጋትን ወሓይዛትን፣ ዒላታትን ሓጽብታትን፣ ቀላያትን ባሕርን፣ ብጥንቓቐን ጽሬትን ጽፈትን ምሓዝን ምዕቃብን። ሸኻታትን ናይ በረኻ ባህርያዊ ኣግራብን፣ እንስሳ ዘ-ቤትን ዘ-ገዳምን፣  ብሰብ ይኹን ብባህርን ባርዕ ንኸይበርሱ እኹልን ሓያል ናይ ምድላው መስርሕ ዝተተኽሎ ናይ ምክልኻል ተግባር ምጽናዕን ምክያድን ንክህሉ፣ ሲቪካዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ይቃለስ።

ዓንቀጽ.15. ብዓለምለኻዊ ሕግታትን ውዕላትን ምቕያድ፣ –

 

15.1.   ብኹሎም ዓለምለኻዊ ቻርተራትን ውዕላትን ምቕያድን ምኽባርን ዝብል መትከልን ሕጋዊ ኣገባብን ንምውሓስ ብመትከል ንኣምን። ናይ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበር ዓረብ ቻርተራትን ውዕላትን የጠቓልል።

15.2.   ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መትከላት ይኹን ኣድማሳዊ ድንጋጌታት ሰብኣዊ መሰላት ንቕየድ ነኽብር።

15.3.   ብዓለምለኻዊ ሕግታት፣ ውዕላትን ስምምዓትን መሰረት፣ ክፍጸሙ፣ ወይ ክረጋገጹ ዝግብኦም፣ ሕጋዊ መስርሓትን ኣገባባትን ናይ ምፍጻምን ምውሓስን ዝግድዱ፣ ዲፕሎማስያዊውን ሕጋውን ግዴታን ክንስከም፣ ግዴታና ንምፍጻም ብሕግታት ምቕያድን ምኽባርን ከምዘድሊ ብመትከል ንኣምን።

15.4.   ኣፍልጦናን ኣፍልጦ ሕብረተሰብና ንምስፋሕ፣ ኩሉ ኣድላዪን ዝከኣልን ኣገባብ ንምፍጻም፣ ብጽቡቕ ድሌትን ቅኑዕ መንፈስን ጻዕርታትና ከነሓይል ንቃለስ።

 

ምዕራፍ ክልተ፣-

 ዓንቀጽ.16. ፖሊሲታት ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ።-

ሲቪካዊ ደሞክራስያዊ መንቕስቓስ፣ እስትራተጂካዊ ዕላማታቱ ንምዕዋት፣ ሰለስተ መድረኻት ናይ ቃልሲን ኣገባቡን ክሰግር ከምዝግብኦም ብመትከል ንኣምን።

16.1.   ቀዳማይ መድረኽ ቃልስና፣ ኣንጻር ዘይደሞክራስያዊ፣ ዘይሕጋውን ስርዓት ኤርትራ፣ ኩሉ ዓቕምና ኣወሃሂድና፣ ብግሉጽነት ዝካየድ ሲቪክ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ንምዕዋት ኣብ ኣብ ባይታ ምርግጋጽ`ዩ።

16.2.   ካልኣይ መድረኽ ቃልስና፣ ድሕሪ ውድቀት ዘይሕጋውን ዘደሞክራስያውን ስርዓት ኤርትራ ዝትከል፣ መሰጋገሪ መንግስትን ሕጋዊ ኣገባቡን ምርግጋጽን ምውሓስን ዝካየድ ሲቪክ ደሞክራስያዊ ቃልሲ`ዩ።

16.3.   ሳልሳይ መድረኽ ቃልሲ፣ ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን፣ ኣብ ሕጊ ምርጫ ዝተሞርኮሰ ዝካየድ ህዝባዊ ደሞክርስያዊ ምርጫ፣ ብዓለምለኻዊ ተዓዘብቲ ናጻ፣ ፍትሓውን ሕጋውን ምርጫ ከምዝተኻየደ ተመስኪርሉ ዝቐውም፣ ሕጋውን ደሞክራስያውን መንግስቲ ምህናጽን ምውሓሱ የጠቓልል።

ዓንቀጽ.17. ኣንጻር ዘይሕጋዊን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ቀዳማይ መድረኽ ቃልሲ

ፍጹም-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ዘይሕጋዊን ዘይደሞክራስያዊን ፍጹም-ምልካዊ ስርዓት’ዩ ኢልና ንኣምን። ፍጹም-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ዘይሕጋዊን ዘይደሞክራስያዊን ካብ ዘብሎ መርትዖታት፣-

17.1.1. ሲቪክ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስና፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኩሉ ዓይነት ውልቃውን ሓባራውን መሰላት ህዝብን ሃገርን ግሂሱ፣ ናብ ዕንወት ስለዘምርሐ ኣብ ወለዶታት ሃጓፍ ስለዝፈጠረ፣ ዘይሕጋዊ፣ ዘይደሞክራስያዊ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነ፣ ፍጹም-ምልካዊ ስርዓት ከምዝሃነጸ ብመትከል ንኣምን።

17.1.2. መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝፈጸሞ ዓበይቲ ዘይሕጋዊ ዕንወት ሃገር ሓደ፣ ኣብ 24 ግንቦት 1993 ግዝያዊ መንግስቲ ዕድሚኡ ን-4 ዓመታት ኢሉ ኣዊጁ።  ከም መብጽዕኡ ስልጣኑ ተሓታትነቱ ኣብ 1997 ንህዝቢ ስለዘየረከበ፣ ዘይሕጋዊ ስርዓት ከምዝመስረተ ብመትከል ነረጋግጽ።

17.1.3. ስርዓት ኤርትራ፣ ብተሳታፍነት ዝበዝሐ ህዝቢ ዝተነድፈ ቕዋም ኤርትራ፣ ብ23 ግንቦት 1997 ኣብ ዝተኻየደ ቅዋማዊ ባይቶ ንቅዋም ኣጽዲቑ ሕጋውነት ኣልቢስዎ። ብቅዋማዊ ባይቶ ሕጋውነት ዝለበሰ ቅዋም ዘይምእዋጁ ዘይሕጋዊ ተግባር ምዃኑ ብመትከል ነረጋግጽ።

17.1.4. ስርዓት ኤርትራ፣ ብዘይቅዋምን ስርዓተ ሕግን፣ ንህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምርጫ ኣጊዱ፣ ልዕሊ 13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ምህላዉ ስለነረጋግጽ፣ ዘይሕጋዊ ስርዓት ምኻኑ ብመትከል ንኣምን።

17.1.5. ስርዓት ኤርትራ፣ ሕጋዊ መሰል ህዝቢን ቅዋሙን ረጊጹ፣ ውልቃዊን ሓባራዊ መሰል ዜጋታት ግሂሱ፣ ናጽነት ፖለቲካዊ ሓርነት ህዝቢ ገፊፉ፣ ምጣኔ-ሃብታዊን ኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ መሰላት ኣፍሪሱ፣ ከም ጾታዊ መሰል፣ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣…ወዘተ ኩሉ መሰላት ስለዝገሃሰ፣ ዘይሕጋዊ ፍጹም-ምልካዊ ስርዓት ምኻኑ ብመትከል ንኣምን።

17.1.6. ስርዓት ኤርትራ፣ ንህዝቢ ናጻ ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ኣጊዱ፣ ብወትሃደራዊ ዲሲፕሊን ብጸቢብ ቁጽጽር ይመርሕ ኣሎ። ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ድላዮም ዝገብርሉ፣ ህዝቢ ብፍርሒ ተጸቒጡን ተሸቅሪሩን ኣሜን ኢሉ ክምራሕ፣ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጸቕጢ የዘውትር። ኣትሓሕዛ ዜጋታት ብሓፈሻ፣ ንመንእሰያትን እሱራትን ብፍላይ፣ ብዘይ ፍርዲ፣ ፍትሕን ሰብኣዊ ሕልና ዝጎደሎ ጨካን ባህርያት ኣተሓሕዛ ዜጋታት ከምዘለዎ ብመትከል ነረጋግጽ።

17.1.7. ብቅዋማዊ ኣመራራሓ ሃገራዊ ባይቶ፣ መሰል ምዱብን ህጹጽን ስርዓተ ኣኼባታት ክረጋገጽ ክኸብርን ይግብኦ።ንሃገራውን ዓለምለኻዊ ጉዳያት ዘትዩ ውሳኔታት ከሕልፍ፣ ፖሊሲታት ክሕንጽጽ፣ ንትግባሬኡ ክቆጻጸር፣ ተሓታትነቱ ከረጋግጽ፣  ሕጋዊ ኣገባብ ምምሕዳር`ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ንኩሉ ሕጋዊ ኣገባብ ስለዝጠሓሶ፣ ዘይሕጋዊ ኣመራርሓ ከምዘለዎ ብመትከል ንኣምን።

17.1.8. ህዝቢ ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዘይኮነ፣ ብድሌትን ዊንታን ፕረሲደንትን ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍን ይምራሕን ኣሎ። ምኽንያቱ መሰልን ሕጋዊ ስልጣንን ናጻ ፍርዳዊ ኣካል ስለዝተጋህሰ፣ ውልቃውን ሓባራውን መሰል ከይገሃስ፣ ዝከላከል ሕግን ዘውሕስ ትካላት ፍትሕን የለን። ውልቃዊ ናጽነት ዜጋ ተገፊፉ፣ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን፣ ሕጋውን ደሞክራስያውን  መሰላቱ ተጋሂሱ፣ ብፍርሕን ጸቕጥን ተማእዚዙ ይሳቐ ከምዘሎ ነረጋግጽ። ፍትሒ ዝጎደሎ ዘይሕጋዊ ምልካዊ ስርዓት ከምዝተመስረተ ብመትከል ንኣምን።

17.1.9. ስርዓት ኤርትራ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ካብ ዝተጠቐመሎም ዘይሕጋዊ ተግባር፣ ምስ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ዝጻረር፣ስልጣን ፖሊስ፣ ጸጥታ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ስርሒት ዞባታት፣ ፍሉይ-ቤት ፍርዲ፣ ሓለፍቲ ምምሕዳር ዞባታት፣ ዘይሕጋዊ ስልጣናት ሂቡ ኣሎ። እዚ ድማ ዘይሕጋዊ ተግባር ጥራይ ዘይኮነ፣ ሓደ ካብ መለለዩ ባህርያት ፍጹም-ምልካዊ ምምሕዳር ምኻኑ ብመትከል ነረጋግጽ።

17.1.10. ኣብ ሃገራዊ ባይቶን ካቢነ ሚኒስተራትን ክዝተየሉ፣ ሓባራዊ ውሳኔ ክወሃበሉ ሓደ ካብ ቀንዲ ክረጋግጽ ዝግብኦ መሰል ሕጋዊ ቀይዲ ተጣሒሱ። ብኣንጻሩ ብውልቃዊ ውሳኔ፣ ወይ ብናይ ብዉሑዳት ጉጅለ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝውሰድ ውሳኔ፣ ቀይድን ተሓታትነትን ስለዘይብሉ፣ ዘይሕጋዊ ተግባር ከምዝተጋህደ፣ ህዝብን ሃገርን ከምዘዕነወ ነርጋግጽን ብመትከል ንኣምን።

17.1.11. ኣብ ልዕሊ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ብሓፈሻ፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፣ ሚኒስተራት፣ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣናት፣ ሲቪል ዝኾኑ ዜጋታት፣ ጋዜጠኛታት…ወዘተ፣ ካብ ቅዋማዊ ሕጊ ወጻኢ፣ ብዘይኣፍልጦ ውሳኔን ባይቶ፣ ብዘይትእዛዝ ቤትፍርዲ ክእሰሩ ፈጺሙ ዘይሕጋዊ ምልካዊ ተግባር`ዩ ኢልና ብመትከል ንኣምን።

17.1.12.ዝኾነ ዜጋ ብሓፈሻ፣ እንተላይ ናይ ፖለቲካ እሱራት ፣ ብዘየኣፍልጦን ትእዛዝን ቤት-ፍርዲ ክእሰሩ፣ ምግሃስ መሰል ሰብን ምግሃስ ስልጣን ናጻ ፍርዳዊ ኣካልን ስለዝኾነ፣ ዘይሕጋዊ ተግባር ምኻኑ ብመትከል ንኣምን።

17.1.13.ዝኾነ ዜጋ፣ ብዘይ ኣፍልጦን ትእዛዝን ቤት- ፍርዲ ዝተኣስረ ይኹን፣ ዋላ ብትእዛዝን ኣፍልጦን ቤት-ፍርዲ ዝተኣስረ፣ ኣብ ቅድሚ ሕጋዊ ቤት-ፍርዲ ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ቀሪቡ፣ ጉዳዩ ንምክልኻል ናይ ጠበቓ መሰሉ ክኸብር ይግብኦ። ስርዓት ኤርትራ ነዞም መሰላት ግሂሱ ከምዘሎ ስለነረጋግጽ፣ ዘይሕጋውን ዘይደምክራስያውን ምኻኑ ብመትከል ንኣምን።

17.1.14.ዝኾነ ዜጋ፣ ብዘይ ሕጋዊ ውሳኔ ቤት- ፍርዲ፣ ኣብ ማእሰርቲ ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ ክእሰር ኣይግብኦን። ኣብ ማእሰርቲ ምስ ስድራቤቶም ናይ ምርኻብ መሰል፣ ናይ ሕክምናን መነባብሮን መሰል ክገሃስ ኣይግብኦን። ስርዓት ኤርትራ፣ ብውልቓዊ፣ ወይ ብናይ ውሑዳት ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ፣ ንኩሉ ሰብኣውን ሕጋውን መሰል እሱራት ምግሃስ፣ ጨካን ባህርያት ፍጹም-ምልኪ ዘረጋግጽ ዘይሕጋውን ዘይደሞክራስያውን ተግባር ምኻኑ ብመትከል ንኣምን።

17.1.15. ብዓለምለኻዊ ሕግታትን ውዕላትን ምቕያድ፣ ንዓለምለኻዊ ውዕላትን ስምማዓት ምኽባር፣ ብኣድማሳዊ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰል ምቕያድ፣ ውዕል ጀነቫን ካልኦትን ምኽባር ቀንዲ ግዴታ`ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ዝተጠቕሱ ዓለምለኻዊ ሕግታትን ዉዕላትን ብምጥሓሱ፣ ዘይሕጋው ተግባር ጥራይ ዘይኮነ፣ ብዓለምለኻዊ ውሳኔ ማዕቐብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተወስደ ብመትከል ንኣምን።

17.1.16. ፍጹም-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብባዕሉ ዘጽደቆም ሕግታት ዘይቅየድ ስርዓት’ዩ። ንመረዳእታ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብነጋሪት ጋዜጣ ን18 ኣዋርሕ ቢሉ ኣዊጁ ከብቅዕ፣ ንዜጋታት ብሓይሊ ንነዊሕ ዓመታት ብዘይ ገለ-ዓስቢ ከምዘገልግሉ ይገብር ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ግን ብመዓልታዊ ኣዋጃትን ትእዛዛትን ዘማሓድር ስርዓት ብምኻኑ ዘይሕጋዊ ስርዓት ከምዘብሎ ብመትከል ንኣምን።

17.1.17. ፍጹም-ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንማሕበራዉ-ሞቦቆል ን መባእታዊት ባእታ ሃገር ዝኾነት ስድራቤት ይበታትን ስለዘሎ፣ ከም ኣዝዩ ሓደገኛ ፖሎቲካዊ ስርዓት ብመትከል ንርእዮ። ስለዚ፦

ሲቪክ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ካብ ዓንቀጽ 17.1.1 ክሳብ 17.1.17  ተጠቒሶም ዘለዉ 17 ነጥብታት ምርኩስ ብምግባር፣ መንግስቲ ኤርትራ ንቅዋማዊ ሕጋዊ መሰላት ከምዝጠሓሶም፣ ከምዝገሃሶም ስለንኣምን፣ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕጋዊ ፍጹም-ምልካዊ ስርዓት ምኻኑ መትከላዊ እምነትና፣ ብእዉጅ መንገዲ ብንጹር ነረጋግጽ።

 

17.2. ሲቪክ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ኣንጻር

ዘይሕጋዊ ስርዓት ኤርትራ ዘካይዶ ቃልሲ፣ ምስ ጭቡጥ ኩነታት ሃገርናን

ዓለምለኻዊ ጉዳያትን ዝሰማማዕ መትከላትን ፖሊሲታትን ፣ ብሲቪክ

ኣትሓሳባን ኣመርራሓን፣ ክምርሓሉ ዝግብኦም ብግሉጽነት ኣስፊሩ፣ ኣብ

ኩሉ መዳያት ብተዓጻጸፍነት ከተግብሮ ብመትከል ይቃለስ።

17.3. ፖሎቲካዊ ራእዩ ንምርግጋጽ፣ ኣብ ጥምረትን ሓድነትን ህዝቡ ይኣምን።

ልዕልና ሕጊ ንምንጋስ፣ ዝዓነወት ሃገር ኣብ ኩሉ መዳያት ንምህናጽ፣

ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን፣ ብማዕርነታዊ መሰልን ሓባራዊ ተሳታፍነት ኩሉ

ዜጋ ከነረጋግጽ ብመትከል ንቃለስ።

17.4.   ብሲቪክ ኣትሓሳስባ፣ ሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓ ንምርግጋጽ፣ ብቅዋምን ስርዓተ ሕግን ህዝቢ ዝረጋግጽ፣ ብሲቪክ ደሞክራስያውያን ትካልት ህዝቢ ዝወሓስ፣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣብ ኩሉ መዳያት፣ ውልቃውን ሓባራውን ማዕረ መሰል ምርግጋጽን ምውሓስን ብመትከል ንቃለስ። ማዕረ መሰል ጾታ፣ ማዕረ መሰል ሃይማኖት፣ ማዕረ መሰል ብሄር፣ማዕረ መሰል ኣውራጃ፣…ወዘተ ኣብ ንምርግጋጽ ብመትከል ንቃለስ።

17.5.   ንጸቢብን ከፋፍልን ኣትሓሳስባ ብመትከል ንቃወም። ምኽንያቱ ንሃገራዊ ሓድነት ህዝቢ ስለዝዘርግ። ንሕጋውን ደሞከራስያውን ናይ ምክብባር ኣትሓሳስባ ስለዝጻረር። ንሃገራዊ ሓድነት ስለዝዘርግ። ማሕበራዊ ውሕስነት ህዝቢ ስለዘይዘይረጋግጽ። ሰላምን ቅሳነትን ህዝቢ ስለዝዘርግ…ወዘተ ዝብሉ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ስለ ነረጋግጽ ብጸቢብ ከፋፋሊ ኣትሓሳባን ፖለቲካዊ ውዲትን ንቃወም ብመትከል ንቃለስ።

17.6.    ሲቪክ ምንቅስቓስና፣ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምልካዊ መንግስቲ ዘካይዶ ቃልሲ ብጥሙር ሓድነት ህዝቢ ምቃላስ ከምዘዓውት ንኣምን። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኤርትራ ድማ፣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕረ መሰል ዝረጋግጽ፣ ውልቃዊ መስል ዜጋ ይኹን ሓባራዊ መሰል ህዝብን ክብሪታቱን፣ ከም ጾታዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ኤትኒካዊ፣ ከባብያዉን፣ …ወዘተ ማዕረ መሰል ዜጋን ዜጋታት ንምርግጋጽ ንምውሓስ  ብመትከል ንቃለስ።

17.7.   ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ለውጢ ከምዝመጽእ፣ ግድነትን ዘይተርፍን ሕጊ ምዕባሌ ሕብረተ-ሰብን እዩ ኢልና ኣብ ለውጢ ንኣምን። ከም ሕመረት ደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ፣ አብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ይኸውን ኢልና ብመትከል ንኣምን።

17.8.   ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ዝበዝሐ`ዩ። ንሱ  ብቀዳማይ ደረጃ ብቐጥታ ዝተበደለ፣ ተሰካሚ ሽግርን ግዳይን ናይ ኩሉ መሰላቱን ክብሪታቱን ከምዝኾነ፣ ኣብ ባይታ ዝረጋግጽ ዘሎ ሓቅታት ንቕበል ንኣምን።

17.9.   ህዝቢ ሰብኣዊ ክብሪታቱ፤ ደሞክራስያውን ሕጋውን መሰላቱ ስለዝተረግጸ፣ ካብ ኩሉ ሽግር ክናገፍ፣ መሰሉ ከኽብር ከረጋግጽ፣ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ህዝባዊ ማዕበል ቃልሲ ከመስክር፣ ባህርያውን ሕጊ ምዕባሌ ማሕበራዊ ለውጢ ከምዝኸውን ነረጋግጽ። ህዝብና ታሪኽና ንናጽነት ልኡላውነት ከምዘረጋገጸ ንታሪካዊ ሓቂ ብመትከል ንኣምን።

17.10.  ህዝቢ ኣንጻር ፍጹም-ምልካውያን ዝካየድ ህዝባዊ ማዕበል ንደሞክራስያዊ ቃልሲን ዓወታቱን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተመስኪሩ ኣሎ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ልሒሙ ዝርኤ ዘሎ ህዝባዊ ለውጢ ዝተጨበጠ ሓቅታት ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ህዝባዊ ለውጢ ደጊሙ ከረጋግጾ ዝዓግቶ ሓይሊ፣ ዝዓግቶ ፖለቲካውን ሕጋውን ምኽንያትን የለን ዝብል መትከል ንኣምን።

17.11. ህዝባዊ ምልዕዓል ክግበር፣ ሰራዊት ኣብ ጎኒ ህዝቢ ክስለፉ   ዝውስኑ ሓቅታት ኣለዉ ኢልና ንኣምን። ምኽንያቱ ዓብላሊ ቁጽሪ ሰራዊት፣ በቲ ጸጥታን ዘይምትእምማንን ምልካዊ ስርዓት ዝተበደለን ዝተሃስየን`ዩ። ኣብ ማሕበራዊ ኩነታቶም ናጽነቶም ዝተገፉ፣ ንቡር ደሞዝን ማሕበራዊ ናብራን ዘይብሎም፣ ኩሉ መሰላቶም ዝተጋህሱ፣ ብተሪር ወትሃደራዊ ዲሲፕሊን ዝተታሕዙ፣ ደለይቲ ለውጢ ከምዝኾኑ ብመትከል ንኣምን።

17.12. ኣንጻር ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ቃልሲ ሰራዊት ኣብ ጎኒ ህዝቦም ከምዝስለፉ ዝገድዱ ተወሰኽቲ ሓቅታት ምኽንያትን ኣለዉ። ዓብላሊ ቁጽሪ ሰራዊት ከም ህዝቦም ዝተወጽዑ እዮም። ካብ ሽግር ምንጋፍ ረብሕኦም ምስ ረብሓ ህዝቢ ስለዘይፈላለ ሓደ እዩ። ሽግር ሰራዊት ምስ ሽግር ህዝቢ ብሓባር ስለዝፍታሕ፣ ንሓባራዊ ለውጢ ብሓባር ክቓለሱ ዘገድዱ ሓቅታት ዝያዳ ቅቡል ይኸውን ዝብል ዕግበት ከም መትከል ንኣምን። ሰራዊት ኣብ ጎኒ ህዝቡ ክስለፍ፣ ኩሉ ዜጋ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ርክባቱ ኣስፊሑ ጻውዒቱ ከስምዕ ኣፍራይነቱ ዓቢ ምዃኑ መትከላዊ እምነትና ከነተግብር ጻዕርና ክሕይል ከምዝግብኦ ነረጋግጽ።

17.13. አብ ወጻኢ ንርከብ ኤርትራውያን፣ ኣብ ናጻን ደሞክራስያውያን ሃገራት ስለንነብር፣ ንዝረኸብናዮ ጸጋ ተጠቒምና፣ ሲቪካዊ ኣትሓሳስባ ምስፋሕ፣ ናብ ዘመናዊ ሲቪካዊ ሃገርነት ኣብ ምርግጋጽ ዓቢ እጃም ዘለወን ሲቭካዊ ዝኾና ትካላት ምህናጽ ከምዘድሊ ብመትከል ኣሚና ንቃለስ ኣለና።

17.14. ብዓይነቱን ትሕዝቶኡን ሲቪክ ትካላት ምህናጽ፣ ሓደ ካብ መለለይኡ፣ ግሉጽነትን ብቕዓት ደሞክራስያዊ ኣትሓሳስባን ኣመራርሓን ምውናንን ምርግጋጽ`ዩ። እዚ ብግዴኡ እምነት ኮስኲሱ፣ ተሳታፍነት ኣዕሲሉ፣ ሓድነት ጠሚሩ ዘዓውት ኣገባብ`ዩ። ንግብራዊ ኣተራጓጉሙኡ፣ ተሓታትነትን ናይ ቁጽጽር መካኒስም ዘጠቓልል ኣገባብ ቃልሲ ንምርግጋጽ፣ ኣወንታዊ ምዕባሌ ምጭባጥን ዝብል ዘመናዊ ሲቪክ ኣትሓሳስባ ብመትከል ንቃለስ።

17.15. እዚ ምዕባሌ`ዚ ብግዲኡ ተመሊሱ፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝዕድም፣ ብሱል ውድዓዊ ኩነታት ተደሚሩ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዝህብ ዘበራርብር፣ ሓድሕዳዊ ምጽልላውን ምትእስሳርን ስለዝፈጥር፣ ናብ ህዝባዊ ምልዕዓል ከምርሕ ግድነትን ሕጊ ማሕበራዊ ለውጢ ስለዝኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ዘይፍጸመሉ ዝኾነ ምኽንያት የለን። ዝተፈላለየ ገምጋም ክወሃብ ድማ ነዚ ሓቂ`ዚ ዝቕይር ኣይኮነን ዝብል ሕቅታት ኣሚና፣ ንምትግባሩ ብዓቕምና ብመትከል ንቃለስ።

17.16. ስለዚ፣ ሲቪክ ደሞከራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ነዞም ዝተጠቐሱ ኣገባብ ቃልስን ካልእ ረቛሒታትን ደሚሩ፣ ንዘይሕጋዊ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፤ ብሕጋውን ደሞክራስያውን መንግስቲ ምቕያር፣ ንግሉጽነቱ ውሕልነትን ትብዓትን ወሲኹ፣ ምስ ደለይቲ  ፍትሒ፣  ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ኣካላት ህዝቡን ሕብረተሰቡን ሓቢሩ ብመትከል ይቃለስ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

                ክብርን ሞጎስን ንሰዉኣትና!

01/08/2011

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Copyright 2011  Eritrean Civic Democratic Movement. All rights reserved. This material may be published, broadcast, or redistributed with proper citation of  the Eritrean Civic Democratic Movement, eritreancdm@gmail.com

 

Press Release

Eritrean Civic Democratic Movement is hereby declared and established to carry on civic and democratic political activities in the Eritrean struggle for democratic change along with all justice and freedom loving Eritrean civil society and political entities and the broad Eritrean people.  We are honored and humbled to declare our movement – Eritrean Civic Democratic Movement – as a legal entity for justice, freedom, democracy and human rights.

The infinite atrocities, suffering, and oppression imposed on our beloved Eritrean people by the illegal and totalitarian regime of Eritrea is creating havoc and incalculable damages to the wellbeing of our people and our beloved nation Eritrea.  Eritreans from all walks of life are tirelessly struggling to remove and to replace the totalitarian regime. We believe that the only way to put end to the insurmountable suffering and oppression is to unite our voices and our efforts to remove the illegal totalitarian regime.  ECDM and its members fully understand their moral and national obligation to strive and work along with all active political and civil organizations and the broad Eritrean people.

The task of removing the totalitarian regime and the task of building a democratic system that abide by national constitution and that respect the international law should be carried simultaneously. The establishment of a political system that respect human and democratic rights of its citizens; the creation of a system of governance that accepts in peaceful transition of power through popular and democratic election; and the ushering of a system that guarantee its people’s rights in becoming the source of power and legitimacy should not be postponed until after the removal of the totalitarian regime. In fact, the establishment of civic democratic institutions and solid national structures should be the main tool to remove the totalitarian regime. We at ECDM believe that both tasks are intertwined and should be carried at the same time and we are dedicated to carry these noble tasks with full conviction.

ECDM and its members acknowledge and respect the opposition struggle of the Eritrean people and its existing civil and political organizations. ECDM would like to confirm that the movement is ready to cooperate with all groups and organizations that strive for the achievement of united, peaceful and democratic Eritrea.  ECDM is a positive addition to the ongoing struggle with a clear modern and civic vision. ECDM is committed to work hand in hand with all civic minded modern political and civil society organizations to build and restore Eritrea – our beloved civic nation.

This is our pledge and our deep rooted conviction that we managed to achieve after embarking on a long and deep discussion with our members. ECDM members entered into a continuous deliberation of studying national, regional and international issues and the environments surrounding our nation.  After serious study and discussion that was based on openness and respectful exchange of ideas and experiences of different Eritrean political organizations at different fields of work from the long and bitter armed struggle to the period after independence and the current challenges that has faced Eritrea, ECDM members reached at a common understanding and managed to reach at a shared vision of civic and modern ideals culminated in the establishment of Eritrean Civic Democratic Movement.

ECDM’s core vision is based on our Eritrean people’s sovereignty and the individual Eritrean unrestricted rights and freedoms as a citizen with full civic responsibilities. The Eritrean people should be the owner and the decision maker of all its rights and freedoms. The people should be the owner of the constitution; the owner and decision maker of its governance; the owner and decision maker of the nation’s resources. We at ECDM believe that rights are not gifts that can be bestowed by rulers or powers to be. Civic and democratic rights are inalienable natural part of each and every individual Eritrean. ECDM and its members firmly believe by the natural dignity of all individual Eritreans and the inseparable indivisible sovereignty of the people. We are committed to working with all civic minded and civic oriented groups, intellectuals, organizations to achieve the civic power of our people and our civic nation Eritrea.

Dear Respected Eritrean People!

1. Our nation and our people paid immeasurable sacrifices and untold suffering to achieve their dignity and to live in freedom. The precious lives of our heroes and heroine martyrs that were sacrificed, the suffering and untold pain, maiming and loss of limbs, legs, vision and other vital parts of their body of our heroes and heroine wounded veterans; the immeasurable physical and psychological hardships and wounds sustained; the immeasurable loss in property, livelihood, villages and towns with their entire belonging; the immeasurable loss of displacements within and outside of our country added up to the achievement of our national independence and national sovereignty.  Our national independence ensured and restored our legal identity and re-established our historical, social and national values.  However, the illegal and totalitarian regime has squandered a lot of our resources and subjected our nation and its entire people to a totalitarian regime that rule by fiat and by the whims of a small group of cohorts of the dictator; and exposed our beloved nation and people to a grave danger.

2. The entire Eritrean people in general and the Eritrean youth in particular are the cornerstone of the Eritrean promise. After achieving our independence and our sovereignty, the Eritrean youth were supposed to live normal lives, go to school and enlighten themselves with modern science and technology and earn a living and work on different fields of their choice; marry and carry on their obligation of sustaining the heroic tradition of their forefathers and fathers and mothers.  However, after paying dear sacrifice to achieve national independence and to protect the sovereignty of Eritrea after independence, the Eritrean youth are subjected to harsh slave labor with no pay in the so called “Warsay-Ykaalo”, project of the ruling regime. The youth are held hostage against their will and subjected to jail and killing by firing and are forced to flee their beloved nation to save themselves and find a breathing space. The forced trek to unknown is the next phase of bitter challenges that face our youth. They have to encounter tremendous hardship to cross barren desert plains and cross rough high seas with unfit small boats with meager or insufficient food and water that caused hunger, exhaustion and illness.  Moreover, they are subjected to unimaginable suffering of kidnapping, rape and the inhumane harvesting of human organs from their bodies at the hand of nameless and faceless traffickers.  The main source of Eritrea’s promise, the bearer of our nation’s future – our youth – are subjected to horrendous crimes. The dispersion and disintegration of our youth has serious consequences for the future of Eritrea.

3. The deteriorating international relations of our beloved nation Eritrea are a great cause of concern:  The Eritrean totalitarian regime is creating enemies left and right; far and near. As a result, the image of our nation is being tarnished by the illegal and dictatorial regime. Restoring Eritrea’s image and removing the tarnished image should not be left to the dying regime that does not have an interest in fostering good relations.

4. The Eritrean opposition and its continuous division and disintegration do not help in advancing the civic and democratic objectives of our people and our nation. Instead of mutual respect and tolerance, various groups are dividing and disintegrating themselves; instead of democratic dialogue, various groups are embarking on blackmailing and accusations that has created mistrust, apathy and decline of support and participation in the democratic struggle.

Taking the above points in consideration the Eritrean Civic Democratic Movement calls for the following:

  1. All justice and freedom loving Eritreans should unite our voices and efforts against the illegal and totalitarian regime by shelving our secondary differences.  The nation and its entire people should come before our party or organizational interests.  We need to build the foundation of our civic nation and its civic democratic institutions that belong to all citizens of Eritrea irrespective of their religion, region or ethnicity before we can embark on competition to sell our unique party or organizational goals. The creation of a civic and democratic level playing field for all Eritrean citizens should be given priority. All rank and file members of political organizations, civil society and intellectuals in general and the leadership in particular need to grasp the real challenge and double their efforts under a national unified objective of our civic nation Eritrea.
  2. To build our civic nation and to enshrine civic and democratic rights of freedom to the Eritrean people, we need to focus on nation building on the principle of civic nationalism. Eritrean civic democratic institutions should flourish and thrive and unite their efforts with civic and democratic institutions of our region and the world. Civic relationships based on mutual respect of national sovereignty and human dignity for the benefit of peace, prosperity and freedom for all should be the driving principle.
  3. The Eritrean youth and Eritrean men and women are the main bearers of our civic nation Eritrea. Youth and women should be given an opportunity to be key players in establishing a powerful civic consciousness and civic capacity to break the walls of division within our society and create a united citizenry with full rights of freedom and responsibilities to sustain our civic nation Eritrea. We call on the Eritrean people in general and Eritrean youth and women in particular to rise to their responsibilities and take the banner of civic and democratic ideals and action to the desired destination – Civic Democratic Eritrea.

Victory to the Eritrean People

Glory to our Martyrs

Eritrean Civic Democratic Movement

August 01, 2011

 

Copyright 2011  Eritrean Civic Democratic Movement. All rights reserved. This material may be published, broadcast, or redistributed with proper citation of  the Eritrean Civic Democratic Movement, eritreancdm@gmail.com

ጋዜጣዊ መግለጺ

ሲቪክ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ኤርትራ፣ ሲ. ደ. ም. ኤ Eritrean Civic Democratic Movement (ECDM) ዝብል መጸውዒ ሒዝና ሕጋዊ ሰውነት ከምዝለበስና ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራን ደላይ ፍትሒ ዓለምን ከነፍልጥ ክንእውጅ ኮለና ሓበን ይስማዓና።

ዘይሕጋዊ፣ ዘይደሞክስራያዊ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፣ ሃገርናን ክብሪታቱን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ገበንን ጸብጺብካ ከምዘይውዳእ ካብ ማንም ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ዝተኸወለ ኣይኮነን። እቲ ሓደን ኣማራጺ ዘይብሉ ፍታሕ ንምርካብ፣ ኣንጻር ውድቐት ዘይሕጋዊ ስርዓት ብናይ ሓባር ድምጺን ናይ ኣትሓሳስባ ሓድነት ምቕላስ ከም ቀዳማይ ዕማም ወሲድና፣ ሞራላዊ፣ ሃገራውን ታሪኻውን ሓላፍነት ተሰኪምና ምቕላስ ከምዝግብኣና ብመትከል ንኣምን። ንምርግጋጹ ድማ ዓቕምና ዝፈቕዶ ጻዕሪ ነበርክት።

ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ዘሎ ዕማም ቃልሲ፣ ብሃገራዊ ቕዋምን ኣህጉራዊ ሕግን ዝቕየድ፣ ልዕልና ሕጊ ዘንግስ ፍትሒ ዘውሕስ ፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዘኽብር፣ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምርጫ ዝሰጋገር ስልጣን ዘረጋግጽ፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣመራርሓ ዘውሕስ ሕጋዊ መንግስቲ ንምህናጽ ዘይንጸል ክፋል ቓልሲ ይጽናሓለይ ዝበሃል ዘይኮነ፣ ማዕረ ማዕረ ክህነጽ ክረጋገጽ ከምዝግብኦ ብመትከል ኣሚና ኣብ ባይታ ብተግባር ብምፍጻም እጃምና ከምነብርክት ነረጋግጽ።

ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ቓልሲ ነኽብሮ ነመስግኖ ኢና። ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ህዝብና ሓቢርና ንምቕላስ ሕጋዊ ሰውነት  Legal Personality ለቢስና ኣለና። ብዝተወደበ ኣገባብ ቓልሲ ኣካል ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና እጃምና ከነበርክት ድሉውነትና ዘረጋግጽ ኣዋጅ ምቕላሕና ሓበን ይስማዓና። ብዘመናዊ ሲቪክ ኣትሓሳስባ ንዘመናዊት ሲቪክ ሃገር ኤርትራ ንምህናጽ፣ ምስ ኩሉም ደላይ ፍትሒ ኤርትራውያን፣ ደለይቲ ፍትሒ ዞባና ዓለምና ሓቢርና ከምንቓለስ ብመትከል ነረጋግጽ።

ሲቪክ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ቕድሚ ምእዋጁ፣ ንውሽጣውን ኣህጉራውን ኩነታት ሃገርናን ዓለምናን ብኩውንነት ገምጊምና፣ ኣብ ነዊሕ መጽናዕታዊ መስርሕ፣ ኣብ መትከል ግሉጽነት ዝተሰረተ፣ ሓድሕዳዊ እምነት ንምፍጣር፣ ናይ ኣትሓሳስባ  ሓድነት ኮስኩስና ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምትዕግጋብ ዝተሃንጸ፣ ግዜን ጻዕርን ዝሓተተ ዘመናዊ ሲቪካዊ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ዘንጸባርቕ ክንእውጅ በቒዕና።

በዚ ዝተቕሱ መስርሕ ድማ፣ ምስ ኩነታት ሃገርናን ዓለምን ዝሰማማዕ፣ ንጹር ራእይ ወኒና፣ መትከላዊ እምነታት ኣወሃሂድና፣ ናይ ቐረባን ርሑቕን ስትራተጂካዊ ዕላማታት ነዲፍና፣ መምስ በበይኑ መድረኽን ሓደስቲ ምዕባሌታት ዝስማማዕ ተዓጻጻፊ ፖሊሲ ክንክተል ከምዝግባኣና ተዓጋጊብና እንሆ ኣብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ህዝብናን ዓለምናን ኮይና ክንቓለስ ሕጋዊ ሰውነት ከምዝለበስና ከነበስር ሃገራዊ ክብሪ ይስማዓና።

ዝለዓለ ራእይን ሲቪክ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ህዝቢ ወናኒ ኩሉ መሰላቱን ክብሪታቱን ክኸውን ዘለዎ ጽኑዕ መትከላዊ እምነቱ ይገልጽ። ህዝቢ ወናኒ ወሳኒ ቕዋሙ ክኸውን፣ ወናኒ ወሳኒ ምምሕዳሩ፣ ወናኒ ወሳኒ ሃገራዊ ሃብቱን ተጠቃምነቱን ፣ ወናኒ ኩሉ ዓይነት መሰላቱን ክብሪታቱን  ክኸውን፣ መሰሉ ብደቒሰባት ዝዕድል ህያብ ዘይኮነ፣ ዘይገሃስ ዘይሕከኽ መሰሉ ክኸብር ክረጋገጽ ክወሓስ ከምዝግብኦ ብመትከል ንኣምን። ኣብ ባይታ ንምርግጋጹ ድማ ብሲቪካዊ ኣትሓሳስባ ተበጊስና ኣለና።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!!

  1. ዕላማ ክቡር ዋጋ ጅግንነትና፣ ክቡር ዋጋ ስዉኣትና፣ ኩቡር ዋጋ ስንኩላትና፣ ክቡር ዋጋ ዝዓነወ ዝበረሰ ሃብቲ ሃገርና፣ ክቡር ዋጋ ስደትና፣ ኩቡር ዋጋ ማሕበራዊ ምዝንባልና፣ ኩቡር ዋጋ ስነ-ኣኣምሮኣዊ ጉድኣትና ተደሚሩ፣ ናጽነትና ልኡላውነትና ሕጋዊ መንነትና ዘረጋግጹ ማሕበራዊ፣ ሃገራውን ታሪኻውን ክብሪታት ዘጠቓለለ ዓወታት ኣመዝጊብና። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኩሉ ክብሪታት ህዝብና፣ ሃገርናን ታሪኽናን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ምህላዉ ብምግንዛብ።
  2. ህዝብና ብሓፈሻ፣ መንእሰይ ብፍላይ ከም ተሰካሚ ሕድሪ፣ኣብ ግዚኡ ብመሃዚ ተዓጻጻፊ ባህርያቱ፣ ብንጡፍ ጉልበቱ፣ ተማሂሩ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ፣ ነጊዱ ሓሪሱ ነብሱ ኪኢሉ፣ ብሞያዊ ብቕዓቱ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምህናጽ ኣፍራይነቱ ዓቢ ምኻኑ ፍሉጥ`ዩ።
  3. መንእሰይ ኤርትራ ሃገራውን ታሪኻውን ሕድሪ ተሰኪሙ፣ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ምውሓስ ተሰዊኡ ሰንኪሉ ኩሉ ካብ መንእሰይ ዝሕተት ዋጋ ከፊሉ`ዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ጉግይ ፖሊሲ ብጸቢብ ወትሃደራዊ ዲሲፕሊን ተቐይዱ፣ጻማ ራሃጾም ዘይክፈሉሉ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝብል ከም ጂሆ ብምሓዝ፣ ብማእሰርቲ ብምርሻን ማሕበራዊ ናብርኡ ተዘናቢሉ`ዩ። ንዳሕረዎት ወሎዶ ጥጡሕ ባይታ መሰረት ከንጽፉ ዕድል ኣይተዋህቦምን። ስለዚ መሰሎም ንምኽባር ማሕበራዊ ሂወቶም ንምምራሕ ብዘይድሌቶም ናብ ስደት ከምርሑ ተገዲዶም። ኣብ ጉዕዞ ስደት ምድረበዳ ባሕሪ፣ ኣደዳ ሕማም ሞት፣ ተጨዊኻ ኣካላትካ ከም ስጋ እንስሳ ክጥባሕ፣ ይግባይ ዘይብሉ ፍርዲ ተፈሪዶም። ዝዓበየ ጸጋ ሃብቲ ሃገር ሰብ`ዩ ብፍላይ መንእሰያትን ደቒ ኣንስትዮን። እዚ ኣፍራዪ ማሕበራዊ ጉጅለ ህዝቢ ምብራስ ኣብ ዳሕረዋይ ወሎዶ ዝፈጥሮ ሃጋፍ ዝገድፎ ስምብራት ከቢድ ምኻኑ ብምእማን።
  4. ኣብ ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ተፈጢሩ ዘሎ ሃጋፍ፣ ንምስልን      ክብረትን ህዝብዝን ሃገርና ዝቕይር፣ ምስ ጎረባብትና ዓለምና ዘይሳኒ ጉግይ ፖሊሲ፣ ብማሕበረሰብ ዓለምና ብምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ ተኸሲስና ዝውሰዱ ዘለዉ ሕጋዊ ኣገባብ፣ ዘሰክፍ ደርጃ በጺሕና ምህላውና ብምግምጋም።
  5. ኣብ ሞንጎ ተቓውሞ ደምበ ዘሎ ፖሊቲካዊ ፍልልያት፣ኣብ ክንዲ  ምክብባር ምንፍፋግ፣ ኣብ ክንዲ ምጽውዋር ምፍንጫል፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ዘተን ደሞክራስያዊ ፍታሕ ምርካብ ሓድሕዳዊ ምውንጃል ምኽሳቱ፣ ንሓድሕዳዊ እምነት ስለዘይኩስኩስ፣ ንሃገራዊ ወኒ ቓልሲ ስለዘይዕድም፣ ተሳተፍነት ስለዘየረጋግጽ፣ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝካየድ ቓልሲ ጠርናፊ ከምዘይኮነ ዘይከሓድ ጭቡጥ ኩነታትና ብምግምጋም።

ሲቪክ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ኤርትራ ዘቕርቦ ጻውዒትን ዘምሓላልፎ ለበዋን!!

1. ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻ፣ ንዘለና ፖሊቲካዊ ፍልልይ ከም ካልኣይ ጉዳይ ጠሚትና፣ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ድምጽና ቕልጽምና ኣስሚርና ምቕላስ ከምዝግባኣና ንኣምን።፣ ንፍልልያትና ብሰላማውን  ደሞክራስያውን ኣገባብ ቕኑዕ ፍታሕ ንምርካብ፣ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብሓፈሻ፣ ናይ መሪሕነትን መሰረታትን ፖሊቲካዊ ውድባት፣ በርገሳዊ ማሕበራት፣ ምሁራት፣ ናይ ሞያ ማሕበራት ተራና ተሳታፍነትና፣ ካብ ዘበርከትናዮ ንላዕሊ ናህሪ ወሲኽና ከነዕዝዞ ንጽውዕ።

2. ሲቪክ ሃገርነት ንምህናጽ፣ ህዝባዊ ፈልስታት ዝኾና፣ በብማሕበራዊ ጉጅለ በብሞያን ብሲቪክ ኣትሓሳስባ ዝህነጻ ደሞክራስያዊ ትካላት ኤርትራውያን ክዓብያ፣ ምስ ተመሳሳሊ ራእይ ዘለወን ሲቪክ ደሞክራስያዊ ትካላት ጎረባብትና፣ ዞባናን ዓለምናን ዝምድናታት ክምስረት ብመትከል ንኣምን። ዝምድናታትና ኣብ ምክብባር ማዕረ መሰል ልኡላውነት ዝተሰረተ፣ ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓ፣ ሰላምን ቕሳነትን ዞባና ዓለምና ንምውሓስ፣ ኣህጉራዊ ዝምድናታትና ሲቪክ ትካላት ዞባና ዓለምና ዝምድናታት ክምስረት፣ ኣህጉራዊ ሓላፍነት ክንስከም ከምዝግባና ብመትከል ኣሚና፣

3. ናይ ሲቪክ ሃገረ ኤርትራ መንእሰይ ከም ተሰካምን ኣስጋጋርን ሕድሪ፣ ደቕ-ኣንስትዮ ከም ፍርቒ ኣካል ሕብረተሰብና ጥራይ ዘይኮና መንእሰይ`ውን ፍረ ማህጸንን ስለዝኾነ፣ ደቒኣንስትዮ መንእሰያትን ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብን ኣብ ዝካየድ ሃገራውን ደሞክራስያውን ማሕበራዊ ቓልሲ ዝለዓለ ተራ ዝጻወቱ ሲቪክ ማሕበራዊ ጉጅለታትህዝቢ እዮም። ደቒ ኣንስትዮ መንእሰትያን ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ ንናጽነት፣ ድሕሪኡ ልኡላውነት ኣብ ምውሓስ፣ ዘርኣይዎ ተሳታፍነትን፣ ዘመስከሩዎ ጅግንነትን ተወፋይነትን፣ ከም ሃገራውን ታሪኻውን ክብሪታት ነመስግኖ ነኽብሮ።

ተራ መንእሰይን ደቒ ኣንስትዮ ኣብ ምህናጽ ሲቪክ ሃገረ ኤርትራ፣ ናይ ኩሎም ዜጋታት መሰላት ብማዕረ ንምክባር፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ዝተማልኤ ሓርነት ንምርግጋጽ፣ ብሲቪካዊ ንቕሓት ብቕዓትን፣ ንዝያዳ ሰፊሕ ውዳቤን ተዓጻጻፊ ኣበርክቶን፣ ኣብ ጎኒ ኩሎም ደሞክራስያውያን ሓይልታት ተሰሊፎም ካብ ዘበርከትዎ ንላዕሊ ተሳታፍነቶም ከዛይዱ ንጽውዕ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ክብርን ሞጎስን ንሰዉኣትና!

01/08/2011

 

Copyright 2011  Eritrean Civic Democratic Movement. All rights reserved. This material may be published, broadcast, or redistributed with proper citation of  the Eritrean Civic Democratic Movement, eritreancdm@gmail.com