Monthly Archives: May, 2016

“ሓጺር መልእኽቲ ንመራኸቢ ቡዙሓን ኤርትራ፡ ሓሶት ሓጺር እዩ ኣእጋሩ!”

 

 

ዓለም ብሰንኪ ምዕዋት ናይ ሓቤሬታ-ሰዉራ፡ ን ንእሽቶ ቁሽት ኣብ ዝተቀየረትሉ እዋናት፡ ኤርትራዉያን ነዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ንዋት፡ ከመይ ንጥቀመሉ ከምዘሎና ሓፈሻዊ ዳህሳስ ከድሊዮና እዩ። እቲ ምንታይስ፡ ጥቕምታቱን ጉድኣታቱ ዝተጠቀምናሉ ማዓላታትን ዉጽኢታቱ እንዳገምገምና ዘይንኸይድ እንተኼና ንዕንወት ዝተዓዝረ መገዲታት ክንወስድ ስለንኽእል እዩ። ሓቤሬታ ምህላዉ ፍርቂ ናይቲ ክትዓሞ ትሓስብ ጉዕዞ ምስላጥ እዩ። ሓቤሬታ ዝተዓጥቀን ዝሰነቀ ሕብረተሰብ ፈጺሙ ኣብ ደርበስበስ ዘይኣቱ ሕቡሩን ፈላጥ ሕብረተሰብ እዩ። ሓቤሬታ ኣብ ኣርባዕተ መሰረታዊ ገጽታ ዝምርኮሱ እዮም። ንሳተን ድማ፡-

  1. ኣብ ሓቂ፡
  2. ኣብ ሓሶት፡
  3. ኣብ ምናልባትነትን
  4. ኣብ ተኽእሎታት ተሞርኪሱ ዝቃላሕ እዩ። ሃሰስ ኢልካ ነቲ ዘድልየካን ሓቕን ክትወስድ ድማ ናትካ ናይ ምምማይ ብቕዓትን ተሞክሮ ዝሓትት እዩ። ኩሉ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ዝቃላሕን ዝዝርጋሕ ሓቂ ማለት ኣይኮነን።

መራኸቢ- ቡዙሓን (Mass Media) ዝተፋላለየ መልክዓትን ዓይነታትን ዋላታት መራኸቢታት እኳ እንተሃለዎ፡ ዕላማታቱ ግን ከመይ ጌርካ ናብ ኣእዛን ወይ ኣዒንት ነባሮ (mass audience) መልእኽታትካን ሓቤሬታትካን ተብጽሕ እዩ።ብፍላይ ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ድማ ማሕበረሰብ ዓለምለኸ ከምዝፈልጦ ኣብ ኤርትራ ክልተ ዝተፈላለየ ገጽታታትን ዕላማታት ዘለወን መራኸቢ ቡዙሓን ከምዘለዋ እዩ። ንሳተን ድማ፡-

ቀዳማይ ብዘሎ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እንተ ብቐጥታ ብተዛዋዋሪ ዝዉነናን ንዑኡ ከምናይ ፕሮፖጋንዳ መሽን ዘገልግላ ክኾና እንኮለዋ፡

ካልኣይ ድማ ብናይ ተጻይ ፖሎቲካዊ ጉጂለታትን ዉልቀሰባትን ዝዉነና ኣንጻር እቲ ገባቲ ስርዓት ዝቐንዓን ኣንጻሩ ንጡፍ ፕሮፖጋንዳ ዘካይዳ እየን።

ካብዚ ኣሳላልፋኣን፡ ኣዋዳድብኣን፡ ኣታሃላልዋኣን ፡ ዕላማታተን ንጥፈታተን…ወ.ዘ.ተ ዝነቐለ፡ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ይኹን ኣብ ግዳም ናጻ ዝኾነ መራኸቢ ቡዙሓን ኣሎ ንክትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ወነንት ፈነወ ሬድዮታት፡ ቴለቪዝናት፡ መጽሔታት፡ ወፕሳይታት…ወ.ዘ.ተ ንሕና ካብ ኩሉ ናጻ ዝኾና፡ ንህዝቢ ሓቤሬታታት ንምዕንጋሉን፡ ንቕሓትን ሓቤሬታዊ ዓቕሚ ህዝብና ንምሕያሉ ዝተላዓልና ኢና ቢሎም ክጽዕዱ መዓልታዊ ዝስማዕ ጽዕዶ እዩ። ነዚ ንሳተን ዝጽዕድኦ ጽዕዶ ንምርግጋጽ ንምድህሳሶም ኣብ ትፍትነሉ እዋናት ግን ብዘይ ገለ መሳናኽላት ብድሕሪኦም ዘለዉ ደፋእት ሓይልታትን ዕላማታተንን ንምልላዮም ቡዙሕ ዘእግም ኣይኮነን። ገሊኤን ንኣፍሮ ዓረባዉነት፡ ንጽንፈነት-ሓበሻዉነት፡ ንሃይማኖታዉነት፡ ንብሔራዉነት፡ ንጸቢብ ዉድባዉነት፡ ንዉልቀ ተፈላጥነትን ረብሓ፡ ንዕምሪ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኤርትራ ንምንዋሕ፡ ንህዝባዊ ሃልክን መሳርሒ ናይ ግዳም ሓይልታት ኮይነን ዝሰርሑ ምኻነን ንምልላየን ዘእግም ኣይኮናን።

መብዛሕትኣን መራኸቢ ቡዙሓን ዝጥቀማሉ ቋንቋታት፡ ዝዝርጋሕን ዝንበብን ጽሑፋት፡ ዘካይድኦ ጎስጋሳት፡ ዘዉርይኦ ወረታት፡ ዘሕልፍኦ መልእኽትታት፡…ወ.ዘ.ተ ክትሰምዕን ክትነብብን እንኮሎኻ፡ ካልእ ኣነ ዘይፈልጣ ኤርትራ ኣላ ድያ ዘብልን፡ ነቲ ከም ዉሑስ እንወስዶ ሃገር ኤርትራ ዝባሃል ነገር ከምዘየሎ ዝእምትን ዝፋታተንን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ምስቲ ከም መተካእታ እዚ ህሉዉ ስርዓት እንሓስቦን እንምናዮን ቃልስታትን ዕላማታትን ዝኸይድ ኣይኮነን። ሃስዉ ኢልካ ሓንቲ ዘመናዊ ሲቪካዊ ሃገራዉነት ኣታሓሳስባን ዕላማን ዝወነነት መራኸቢ ቡዙሓን ክትድህስስ ድማ ኣጸጋሚ እንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ።  ልዕሊ ኹሉ ግን ዓለም ብመራኸቢ ቡዙሓንን ምንጭታት ሓቤሬታን ንሓንቲ ንእሽቶ ቁሸት ኣብተቐየረትሉ እዋናት፡ ከዳናግር እየ ኢሉ ዝሓስብ ዉልቐሰብ ወይ ጉጂለ ናይ መራኸቢ ቡዙሓን እንተድኣ ሃልዩ ዓሻ ምኻኑ እዉን ዘይምፍላጡ ንጥበብ ዕሽነቱ መሊሹ ዘንዕቆ እዩ።

ዜጋታት ንማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን (Social media) ኮምፒቴር ተጠቂሞም ንፌስ-ቡክ፡ ፓልቶክ፡ ዩ-ቲዩብ…ወ.ዘ.ተ ይግልገሉ እዮም የግዳስ ዛጊት ብብቕዓትን ንኣዉንታ መዓላ ይጥቀሙሉ ኣለዉ ክትብል ቡዙሕ ኣየድፍርን። ብመንጽሩ ንኣሉታ መዓላታት ይጥቀሙሉ ኣለዉ ዝብል ግምታት ኣሎኒ።

ካብ ድሮ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት 2009 ጀሚሩ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ኤርትራ ዘይተማጣጠነ ዉድቀትን ትንሳኤን፡ ምርሕራሕን ምዉሻብን፡ ምዕልባጥን ምምናይ (forging) ወሬታትን፡ ምዉድዳርን ምጽራያትን፡…ወ.ዘ.ተ ተራእዩ እዩ። ኩሉ ግን ዘፍረዮ ሃናጺ ቅንጣብ ነገር የሎን። ዝዓበሶ ነገር እንተሃልዩ፡ ንሕልምታይ ኣዕሪጉ፡ ንዱሁላት ኣፍሪሑ፡ ንሓስዉቲ ናይ ሓሶቶም ጽምኣት ኣርዉዩ፡ ንኩዉንን ዘይክዉንን ወረ ዝፈትዋ ኣእዛን ወዲ ሰብ ንካብ ካልኢት ናይ ጊዝየ ዓቀን ዘይትልዕል  ኣሖጊሱ፡…ወ.ዘ.ተ። ሎሚ ኣብ ሎሚ መዓልት ደዉ ትብል ኣይኮነትን። ንጽባሕ ክትቕየር ስለዝኾነት፡ ቀጺላ ድሕሪ-ጽባሕ እንታይ ክባሃልን ክኸዉንን እዩ፡ ጊዝየ ዝምልሶ ሕቶ እዩ።

ብወገነይ ይምስክር ኣሎኹ፡ መራኸቢ ቡዙሓን ኤርትራ ካብ ናይ ጋዜጠኛነት፡ ብሎገር፡ ዌፕማስተር፡ ዌፕሳይት…ወ.ዘ.ተ ስነምግባራዊ-ሕጊ (code of ethics) ወጻኢ ክሰርሓ። እቶም ናይ ጋዘጠኛነት ኪኢላታት ክእሎቶምን ሞዮኦምን ብ ኣዝዮም ድኹማትን ፈጠርት ኣቓናበርት ወረ ትዓብሊሉን ተሰሪዱን ክዕሉቑን ክጽዕዱን፡ ብብርዕን ብወረቐትን መዓልታዊ ሰባት ክቐትሉን ከተሱኡን፡ ክኣስሩን ክፈትሑን፡ ካብ ስልጣን ከዉሩዱን ከደይቡን፡ ከሕሙሙን ከጥዕዩን…ወ.ዘ.ተ ዝዉዕሉን ዝሓድሩን፡ ካብ ዘለዎም ትጽቢታት ዝነቐለ ዘየሎ ነገር ከቛናጅዉ፡ ካብ ኣቀዲሙ ዝተጻሕፈን ዝተወርየን ኣስማትን ሕጥበ-ጽሑፋትን እንዳመንጠሩን እንዳለቆሙን ወረታት ክፍብሩኹን ዳግም-ክምስርሑ (recycling)፡ ንዝጽሕፍዎ ናይ ወሬን ዑሎቓ ድርሳናቶም ሓቂ ምኻኑ ንምርግጋጽ ካብ ኣቀዲሙ ኣብ ዌፕሳይታት ዝተዘርግሔ ሰነዳት ብምልቃብ እነሄልኩም መርትዖኣዊ ሰነድ ቢሎም ክጽዕዱ፡…ወ.ዘ.ተ ክንደይ ኢልካ እሞ ክጽብጸብ እዩ። ዝገርም ነገር እንተሃልዩ ነዚ ኽሉ ክገብሩ ማዕረ ክንደይ ግዝየን ተበግሶን ከምዘለዎ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ከምዘይኮነ እዩ።

ብኣንጻር እዚ ድማ “”ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ከምዝባሃል”” ኣብ ክንዲ ልሳን ህዝቢ ምኻን፡ ከም ሓለይት ጸጥታን ልዕላዉነት ሃገርን ኤርትራ ተመሲሎም ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዑ ዝመስሉ ሎኽመኛታት እንተብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ልሳንን መሳርሕን ናይ ዘሎ ምልካዊ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኾኑ እዮም።

ሓደ ሓደ ግዝያት እቲ ዝጻሓፍን ዝዝርጋሕን ወሬታት ምስ ዉሽጣዊ ሕልምታቶምን ትጽቢታቶምን ዝትኣሳሰረ ብምኻኑ ንሓንሳብ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንሓንሳብ ፖሎቲካዊ ምንቕስቓስ፡ ንሓንሳብ ከም ሕቡእን ምስጡርን ሕብረተሰብኣዊ ፖሎቲካዊ ምንቕስቓስ…ወ.ዘ.ተ ምኻኖም ዝእምእት ሒቕታታት ኣሎ። ብስነፍልጠት ሓደ ኣግእዞ ወይ ነገር ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ክልተ ቦታ ክህሉ ስለዘይክእል ጥበራታት ምኻኑ ንምግንዛቡ ቡዙሕ ዘእግም ኣይኮነን።

መራኸቢ ብዙሓን፡ (Mass media) ከም ዓቢ ናይ ለውጥን ቊጽጽር ትካል መጠን፡ ንመስላትን ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ምቕላሕ፡ ንዘይሕጋዊ ግህሰታት ዜጋታት ምቅላዕ፡ ንሽርሕን ጉርሕን ሓድነት ህዝቢ ዘይደልዩን ዝጻቡኡን ኣካላት ምቅላዕ፡ ንኣወንታዊ ተበግሶታን ምእንቲ ምዕዋት ማሕበራዊ ፍትሕን ግዝኣተ ሕጊን ሓድነት ሃገርን ህዝብን መስርሑን ምቕላሕን ምቁጽጻርን፡  ንሓቤሬታዊ ትሕዞን ንቕሓትን ህዝቢ ንምሕያልን ምኹስካስን ክሰርሕ እዩ ዝግብኦ። ሓይሊ መራኸቢ ቡዙሓን  ካብ ህዝቢ ምድንጋርን ጸለመን ወረታት ምፍብራኽን ጸግዒ መንግስት ወይ ተቃዋሚ  ምውፋር ነጻ ክኸውን ኣለዎ። ዜጋታት ናይ መራኸቢ ቡዙሓን ግዳያት ከይኮኑ ክጥንቀቅ ኣለዎ። ኣልዕል ኣቢሉ ንዜጋታት ከም ገበኛታት ካይ ፈርድ ክጥንቀቕ ኣለዎ። ካብ ጠቀነን ምክፋትን ክርሕቕ ኣለዎ። መራኸቢ ቡዙሓን ህዝቢ መሰሉ ንክረክብ ዝጽዕት ካብ ጸጊዕነት ነጻ ዝኾነ እንተዘይኮይኑ መሳርሒ ናይ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት እዩ።።

መራኸቢ ቡዙሓን ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንልሳን ህዝቢ ሎጊሙ ንብሕቱ ዝዕንድረሉ ኣእምሮ ዜጋ ዘዕንዝሮሉ ንዋት ኮይኑ፡ ብኣንጻር እዚ ድማ ብዲስፕሊንን ስነምግባራዊ ሕግታት ዘይተቀየደ ናይ ተጻይን ላንጋላንጋ መራኸቢ ቡዙሓን ምስ ዝኸዉን ኩሉ ንኣእምሮ ኤርትራዊ ዜጋ ንክቓጻጸር (manipulating) ዝህቕን ሰይጣናዊ ንዋት እዩ። ንክልቲኡ ወገናት መራኸቢ ቡዙሓን ድማ ሓሶትን ምንድናጋራትን ሓጺር እዩ ኣእጋሩ ብምባል ሓጺር ኣማቲ መልእኽተይ ይዛዝም።

 

 

መርእድ ዘርኡ

m.zerut@gmail.com

18/02/2009

 

 

 

 

 

Advertisements

ምዝንባዕ ስልቲን ስትራተጂ ንማሕበራዊ ሰዉራ ንሓደጋ ዘሳጥሕ’ዩ፣

ግዳይ ናይ ሕልምታቱ ዝኾነ ህዝቢ፡ ጽምዲ ቃልሲ ዝጽበዮ እዩ።  እዚ ሕጂ ከነካይዶ ዝግብኣና ማሕበራዊ ሰዉራ፡ ኣገዳስነቱ ካብቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣንጻር ባዕዲ ዘካየድናዮኢ ቃልሲ ካብኡ ዝተረረን ዝኸበደን’ዩ። ንሕብረተሰብ ኤርትራ ጉዳይ ምርግጋጽ ሰላም፡ ራህዋ፡ ጽጋብ፡ ርዉየት፡ ስሓ፡ ጥዕና፡ ማዕረ ዕድላት፡ ምርግጋጽ ሰብኣዊን ዲሞክራስያዉን መሰላት፡ ሙሉእ ተሳትፎ ኣብ ምዉሳን ጉዕዞ ሃገሩን ምምሕያሽ ነገራዊ መንፍሳዊ ባህላዉን ድሌታቱን ጠለባቱን ብዝተሓተ ደረጃ ዝራጋገጸሉ ህሞት እንተዘይፈጢርና፡ ኤርትራ ወትሩ ኣብ መስቀላዊ ጎደና ሓደጋታት ዝተሳጥሔት ሃገርን ህዝብን ክትከዉን እያ።

ከም ህዝብን ሃገርን  ዝተነጸረን ነቕ ዘይብል ሓባራዊ ፖሎቲካዉን ሕብረተሰብኣዊ ራእይን ሕልሚ ፡ ነዚ ሓባራዊ ህዝባዊ  ራእይን ሕልሚ ክጸሮ ወይ ክስከሞ ዝኽእልክ ኣዕኑድ-ቅርጻ እንተዘይብልና፡ ነቲ ብሕልናናን ኣካልናን ንሓስቦ ዘሎና ስትራተጂካዊ ዕላማ ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና። ነቕ ዘይብል ሓባራዊ ፖሎቲካዉን ሕብረተሰብኣዉን ራእይን ሕልሚናን፡  ኣብ ወሳኒ ግደ ሰብ  ማእከል ቦታ ዘትሓዘ ስትራተጂካዊ ጽምዶ እንተዘይኮይኑ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ነገራዉን መንፈሳዉን ድሌታቱ ከማልእ ኣይክእልን እዩ። ካብ ጭቆና፡ ኣድልዎ፡ ግዳይነት፡ ስእነትን ድንቁርናን ሓራ ክኸዉን ኣይክእልን እዩ። እዚ ስትራተጂ እዚ ሰብኣዊ ዓቕምታትና ብዘይ ገለ ገደብን መሰናኽላትን ዘምዕብለሉ፡ ኣብ ልዕልና ሰብ ዝተመስረተ ቬርገሳዊ ሕብረተሰብን ሃገራ ንምህናጽ  ዓቢ ድርኺት ክፈጥረልና እዩ።

ከምዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ንምህናጽ ድማ፡ ብዘይ ዝተነጸረን ነቕ ዘይብል ሓባራዊ ፖሎቲካዉን ሕብረተሰብኣዊ ራእይን ሕልሚ  ክዕወት ኣይክኣልን እዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ዝተነጸረን ነቕ ዘይብል ሓባራዊ ፖሎቲካዉን ሕብረተሰብኣዊ ራእይን ሕልሚ ሃሊካ ብዘይ ምዕሩይን ንጥፉን  ሱታፌ ህዝቢ ንክዕወት ክሕሰብ ዘይክኣል እዩ። ምኽንያቱ ተሳተፍነትን ምዕሩይነት እቶም ቀንዲ እምነ መሰረት ናይ ምዕብልናን ዓወትን እዮም። ኣብ ሱታፌ ህዝቢን ህዝቢ ዝተስረተ ዳይነሚክ ቅርጻ እንተዘይሃሊዩ ዝተነጸረን ነቕ ዘይብል ሓባራዊ ፖሎቲካዉን ሕብረተሰብኣዉን ራእይን ሕልሚ  ሃሊካ እዉን ስጋ ዘልብሶ ስለዘይብሉ ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ቅድሚ ኣብ ዝርዝራት ምእታው ፖሎትካዊ ኣምራዊ ትሕዝቶ ስትራተጂን ስልቲ ብቅልል ዝበለ ኣጋላልጻ ምግሩሑ ስለዘድሊ ከምዚ ዝስዕብ ከርሰ ቁምነገር ዘለዎ እዩ፣-

ምትካል-ዋልታ (Strategy)፣ ኣቀዲሙ ክንጸር ዘለዎ ቡዙሓት ናይ ዝተፈላለየ ጽላታት ማለት ወትሃደራዊ፣ ጸጥታዊ፣ ምጣኔ-ሃብታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስነ-ትምህርታዊ፣ ስነ-ጥዕናዊ…ወ.ዘ.ተ ዓይነት ስትራተጂታት ከምዘለዉ እዩ። ብሓፈሻ ድማ ስትራተጂ ክባሃል እንኮሎ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ፣ ኣብ መጻኢ ዝተፈልየ ቅርጻን ትሕዝቶ ንክህልዎ ፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ-ጽልግልግ ዝርከብ ዕላማታት ንምዕዋትን ጋህዲ ንክኾኑ ትሕንጽጾ ዝላዓለ ጽፍሒ ዉጥን እዩ።  ስትራተጂታት ናይ ነዊሕን ሓጺር ጊዝየ ተባሂሎም ክዕየርን ክምደብ ዝክኣል እዉን እዩ።

ሜላ ( tactic) ስልቲ ክባሃል እንኮሎ፡ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዕማም፣ ንዝወጠንካዮም ስትራተጂታት ንምዕዋት፣ ኣብ መስርሕ ጉዕዞኻ ንዝተወሰነ ዕማም ዝተወሰነ ኣምራዊ-ተግባር ምትእትታዉ እዩ፣ ስልትታት ኩሉ ጊዝየ ኣብ ተግባር ምስቲ መዓልታዊ ዝገጥሙኻ ብዶሆታትን ዘለዉኻ ጸጋታት፣ ብኣታቶም ስለዝዉሰኑ ኣዝዮም ተዓጻጸፍትን ተላዋወጥትን (pragmatics) እዮም። ስልትን ስትራተጂን ሞጎታዊ ምትእስሳራት ስለዝህልዎም፣ ጉጉይ ስልቲ እንተሃሊካ ንስትራተጂኻ ብኣሉታ ይጸልዎ፣ ጉጉይ ስትራተጂ እንተሃሊካ ድማ ንስልትኻ ብኣሉታ ስለዝጸልዎ፣ ስልትን ስትራተጂ ዝተጣዓዓሙ ወይ ዝቃደዉ ክኾኑ ኣለዎም። ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝተሞርኮሰን ብዕታር መትከላት ፖሎቲካዊ ነግሒ-እምነትካ ዝተቛነዩ ክኾኑ ይግብኦም።

ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ጽልግልግ መድረኽ’ዚ፡ ቡዙሓት ተርእዮታትን ዝተጋህዱሉን፡ ዜጋታት ንዝገጥሞም ዘሎ ብድሆታት ምጥማሮሙን ምምሕድዳሮም ኣብዝሳኣኑሉ ወቕቲ፡ ኣንፌት ናይቲ ጽምዶ ንምስሓት ዘይትኣምነሉን ብልክዕ ዘይተረዳእካዮ ሓሳባት ካልኦት ምንቅስቓሳት ብኸፌል ወይ ብሙሉኡ እንዳወሰድካ ምዝንቡዑን ምግዕዛዩን ብቀጻሊ ዝራእየሉ ዘሎ መድረኽ እዩ። እቲ ዝኸፍኤ መልክዓቱ ድማ ነቲ ሓሳባት ሰሪቆም ኣብ ግቡኡ መዓላ እንተዘዉዕልዎ እዉን ሰናይ እኳ እዩ ነይሩ፡ እቲ ምንታይስ ሓስብ ዝፍጠር ደቂ ሰባት በብመውገዶም ኣብ መዓልታዊ መናባብርኦምን ንክጥቀሙሉ ዝምስራሕ ስለዝኾነ እዩ።  ብመንጽሩ ግን ኩሉእንትንኦም ምግዕዛይ ጥራይ ስለዝኾነ ስርሖም ብመትከል ክግጠሙ ኣድላዪ ዝኾነሉ ክዉንነት እዩ።  ሓደ ገበን ምስተፈጸመ፡ ፖሊስ ነቲ ቀንዲ ድርኺት (motive) ነቲ ገበን ንክፍጸም ዝደረኸ እዩ ዝፍትሽ። እዚ ካይተፈልጠ ንፍርዲ ምምርሑ እዉን ስለዘጸግሞ ነቲ ድርኺት ብኸፌል ወይ መላእ ክፈልጦ ይጽዕርን ይግደድ’ዩ። ስለዚ ንምንታይ እዮም ንሓደ ቁኑዕ ሓሳብ ከጋዕዝዩ ዝጽዕሩ ዝብል ሕቶ ኣልዒልካ ድርኺታቶም ክትፍትሽ ኣብ ትህቅነሉ እዋን ብዘይካ ስነ-ኣእሙራዊ ሕማማቶም ንምርካእ ተባሂሉ ዝፍጸም እንበር፡ ዋላ ሓንቲ ካልእ ረብሓታት ንምርካብ ዘካይድዎ ከምዘይኮነ መደምደምታ ትበጽሕ። ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ንመጀመርታ ጊዝየ ኣብ ዕለት 01/08/2011 ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝብል ህዝባዊ ዉደባ፡ ምስ መላእ ዳይነሚካዊ ቅርጹ፡ መግለጺኡን ዝርዝራቱ ነቲ ቅርጻ ዝሳማማዕ ናይ ዜጋታት ሃገራዉነት ስነሓሳብ (civic nationalism ideology) ብምጽማድ ዝኣወጀን ንህዝቢ ጽሑፋቱ ብዝርዝር ዝዘርግሔ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ እዩ። እዚ ማላት ቅድሚኡ ብተናጸል ወስታታት ወይ ሓሳብ ኣይነበረን ንማለት ዘይኮነስ፡ ብሙሉእ ትሕዝትኡ ኣማሊኡ ዝዘርግሔ ንማለት ዝዓለመ እዩ። ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ዝሓንጸጾምን ዝዘርኦሙን ፈልስታት ኣታሓሳስባ ካልኦት ጉጅለታት ከንህይሉን ኣብ ሓንጎሎም ሰሪጹ ክነጥፍሉ እንተጀሚሮም ከም ዓቢ ዓወት ኢና ንወስዶ። ብሱሩ እዉን መጽናዕትታትናን ዕላማናን ንህዝቢ ምዝርግሓና፡ ህዝቢ በብዝጥዕሞ ክነጥፈሉ እንበር፡ ንምብሓቱ ኣይነበረን። እቲ ኮይኑ እዚ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንጥፉን ንጡፋት ኣባላትን ቻፕተራት ዘለዎ ምንቅስቓስ ሙኻኑ እዉን ክዝንጋዕ የብሉን።

ነቲ ሓሳብ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ንሙቁዳሱ እዉን ኣስታት 150 ዝገጻቱ መጽናዕታት፡ ማነፌስቶ፡ ዳይነሚካዊ ቅርጻ ዘነጽር ዝሓዘ ኣብ ኢንቴርነት ዘርጊሕና፡ ኣብ ፈነወ ሬድዮ ኣብ ፓልቶክ መግለጺ ሂብናን ካብ ህዝቢ ዝመጸና ሕቶታት ብንጹር መሊስና ኢና። ድሕሪ እዚ ዓቕምና ብዝፈቀዶ መጀመርታ እታ ኣዋሃሃዲት ኮሜቴ ኣብ ዘላቶ ሃገርን ክፍለዓለምን ኮይና  ኣብ ጽምዶ ስትራተጂ ሓደ ናጽነቱ ዝኣወጀ ዉልቀ ዜጋን ዝንኣሳት ስፍራ ኮይና ነቲ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ክፍልምዎን ብኡ ኣቢሉ ንመላእ ህዝቢ ንክላባዕ ተኽእሎታት ከምዘሎ ብምንጻር ስራሓቱ ጀሚሩ። ነዚ ብግቡእ ዝተረድኡ ጉራቔናት ሓይልታት ነቲ ሓስብ ብከፊሉ ማለት ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዉደባ ብምባል ክነጥፉሉን ክወዳደብሉን እኳ እንተጀመሩ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘረባ ሓሊፉ ዝተገብረ ኣድማዒ ነገራት የሎን። ንኣብዚ ኣዋናት’ዚ ነቲ መሓዉር ህዝቢ ወሲዶም ነቲ ርእሲ ዝኾነ ስነሓሳብ ብምንጻግ ዘዘንብዑ ድቀተሓሳብን ተግባራትን ይጉሃሃሩ ኣለዉ። እዚ ማለት ሓደ ሰብ ርእሱ እንተተቆሪጹ ማሓዉራቱ ክንቃሳቀስ ኣይክእልን እዩ። ከምኡ እዉን ካብታሕቲ ንላዕሊ (bottom-up) ዉደባ ህዝቢ ዝመርሖ ስነሓሳብ ርእስን ኣዒንቲን እንተዘይብሉ ብጻልጣ ንበይኑ ብስም ኣንጻር ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣይክሰርሕን እዩ። እቲ ምንታይስ ዝበለጸ ዕላማታት፡ መትከላትን ስነ-ሓሳብን ርእስን ዓይኒን ናይቲ ኣብ ህዝቢ ዝስረት ዳይነሚክ ህዝባዊ ቅርጻ ስለዝኾነ እዩ። ገለ ሰባት ነት ለኒን ኣብ ድሮ ሰዉራ ጥቅምቲ 1917 ዝበሎ “ ዉደባ ጥራይ ሃበኒ እንበር ነቲ ሰዉራስ ባዕለይ ኣለኽዎ” ዝበሎ ጥቅሲ ብጌጋ ስለዝተረድእዎ፡ ዉደባ እንተፈጢርና እቲ ማሕበራዊ ሰዉራ ክባራዕ ይኽእል እዩ፡ ካብ ዝብል ሕልናታት እዮም ዝነቕሉ። ሌኒን መራሒ ጥራይ ኣይኮነን ነይሩ፡ ሓሳባይን ተግባራይን እዩ ዝነበረ፡ ስለዚ እኹል ፖሎቲካዊ ራእይን ስትራተጂን ስለዝነበሮ እዩ ከምኡ ቢሉ ዝተዛረበ። ብዓቢኡ ግን ንሰዉራ ጥቅምቲ 1917 ክዕወት ዝገበርዎ፡ ብቀሊሉ ኣብቲ እዋን እቲ ክድህሰሱ ዘይክእሉ ዝነበሩ ዓለምለኻዊ ናይ ጽዮይነት (International Zionist) ምንቅስቕስ ብምንባሩ ካብ ዘይምፍላጦም ዝነቕል ክኸዉን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምታት ኣሎኒ።

ንዳይነሚክ ኣብ ህዝቢ ዝተሰረተ ማሓዉራዊ ቅርጻ  ወይ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኣዋዳድባ ህዝቢ ከም ዕላማ ወሲዶም ይዛረብሉን ይጋሳጎሱሉን ኣለዉ። ኣብዚ እዩ እቲ ፍጹም ምዝንባዕ ፖሎቲካዊ ኣምርን ተግባር ዝርኤ ዘሎ። እቲምንታይስ ህዝባዊ ይኹን ፖሎቲካዊ ቅርጸ-ዉደባ ስትራተጂ ኣይኮነን፣ ቅርጸ-ዉደባ ብመሰረቱ ስልቲ እዩ። ኣብ ዓለምና ቡዙሓት ዓይነት ቅርጸ-ዉደባታት ኣለዉ። ዝኾነ ህዝባዊ፣ ወትሃደራዊ፣ ዉድባዊ፣ ሰልፋዊ ፣መንግስታዊ…ወ.ዘ.ተ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝተፈልየ ራእይ፣ ስትራተጂ፣ ስልቲ፣ ቅርጻን መስርሕን ኣለዎም። ዳይነሚክ ቅርጻ-ዉደባ ንሓፈሻዊ ራእይ፣ ስትራተጂን መትከላትካን ኣብ ግብሪ ንምዉዓል፣ ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ቅርጻ-ዉደባ ስለዘድሊ ዝህነጽ መሓዉር እንበር ዕላማ ኣይኮነን ። እዚማሓዉር’ዚ ብፍጹም  ትኣምር ንበይኑ ብዘይ ንዕኡ ዝሳማማዕ ስነሓሳብ እስትንፋስ ክኸዉን ኣይክእልን እዩ። እስትንፋስ መትከላትካን ዕላማታትካን እዮም።

ቅርጻ-ዉደባ ምስ ኩነታትን ብድሆታት ብቀሊሉ ክቓያየር ዝክኣል እዩ፣ ራእይን ስትራተጂ ግን ናይ ነዊሕን ሓጺር ተባሂሎም ዝዕቀኑ እንበር፣ ብቀሊሉ ዝቓያየሩ ኣይኮነን። ንቅርጻ-ዉደባ ቅድሚ ዕላማ፣ ራእይን ስትራተጂ ምንጻርካ ዝስራሕ ኣይኮነን። እቲ ምንታይስ ማሓዉር ስለዝኾነ እዩ። ካብ ዕላማታት ነጺልካ ንቅርጻ-ዉደባ ከም ስትራተጂ ወሲድካ ክትጓሳጎሰሉ ምስትህቕን፣ ምዝንባዕ ስልትን ስትራተጂ ይግሃድ። ከምዚ ዓይነት ምዝንባዓት ድማ ኮነ ተባሂሉ ወይ ድማ ብዘይፍላጥ ነቲ ጉዕዞን ዕላማ ሲቪክን ናይ መሰረታት-ቃልሲ ኣታሓሳስባ ምዝንባዕን ምግዕዛይ እዩ። ኣብ መንጎ  ዓበይቲ ናይ 19 ክፍሊዘመን ፍላስፋታት ዝኾኑ ማርክስን ሄግል ዝነበረ ፍልልያት “ ነገር ዶ ይቕድም ወይስ ሓሳብ” ዝብል እዩ። በዛ ሓረግ እዚኣ ሚልዮናት መጽሓፍቲ ተጻሒፉን ንሓደ ዘመን ዝኣክል እዋን ንዓለምና ኣብ ክልተ ደንበታት ማቓቂልዋ እዩ። ስትራተጂን ስልቲን ኣማሕዲካ ምርኣይን ምሕሳብን እዉን ልክዕ ከምኡ ክኸዉን እዩ። እቲ ናይ መሰረታት ቅርጻ ንፖሎቲካዊ ዉድባት ክጥቀማሉ ወስታ እንተኾይኑ ድማ ኣይሰርሕን እዩ።

እስከ መታን ኩሉ ሰብ ብቀሊሉ ክርድኦ ብመልክዕ ሩዱኡ ሕቶታት ከነጽሮ፣

  1. ደቂ ሰባት ኣብ ሓሳብ ምስተሳማሙዑ ድዮም ቅርጻ ዘዉጹ፣ ወይስ ቅርጻ ኣዉጺኦም ድሕሪኡ ኣብ ሓሳብ ክሳማምዑ ዝፍትኑ?
  2. ገዛ ክትሃንጽ መጀመርታ ፕላን ዲኻ ተዉጽእ፣ ወይስ ገዛ ምስ ሰራሕካ ፕላን ተዉጽእ?
  3. መጀመርታ መሪሕነት ዉድብ ዲኻ ትመርጽ፣ ወይ ፖሎቲካዊ መደብ-ዕዮ ዉድብ ኢኻ ተዉጽእ?
  4. እቲ ስትራተጂካዊ ጽምዶ ኣብ ናጽነቱ ዝኣወጀ ዉልቀ-ዜጋን ዝንኣሰት ቦታ ዘማእከለ ካብ ኮነ፡ ስለምንታይ ብላዕሊ ተዋዳዲቡ ዝነጥፍ ኣሳሳዪ ሽማግሌ ኣድለየ?
  5. ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ብደረጃ ዝነብረላ ንኡሽቶ ቦታ ክነጥፍን ብደረጃ ዓለም ዝሓስብ ንምፍጣር ይድለ እንተሃልዩ መጀመርታ ኣዋሃሃዲት ሽማግሌ ድያ ክትወጽእ ዘለዋ ወይስ እታ ኣብ ዝንኣሰት ቦታ ክትፍጠር ትጽቢት ዝግበረላ ድቀ-ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ክትፍጠር ዘለዋ እያ?
  6. እቶም ትማሊ ንተበግሶታት ባይቶ ኣዋሳ ብሕልናን ብኣካል ዝድግፉ ዝነበሩ፡ ሕጂ ከመይ ገይሮም 360 ዲግሪ ተጠምዚዞም ፡ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ዝብሉ ዘለዉ? ካብቲ ዝጽንሕዎ ፖሎቲካዊ መስመር ተፋቲሖም ድዮም ወይስ እንታይ…ወ.ዘ.ተ ብዝኾነ ኩሉ ነገር ናይ ገዛእ ርእሱ ቅድመ-ተከተል ሒዙ ዝምዕብልን ዝካየድን እዩ። ብዕቱብ ክምለሱ ዘለዎ ሕቶታት ከምዘሎ ግን ክዝንጋዕ የብሉን።

ኣብ ፖሎቲካ ኤርትራ ንዜጋታት ኣብ ሓሸዉየ ሓሳብን ትግበራን ዘእትዎም ዘሎ ከምዚ ዓይነት ምዝንባዓትን ምግዕዛያትን እዩ። ኣብዚ ክንማሃረሉ ዝግባና ነገር እንተሃልዩ መጀመርታ፡ ብተናጸል ስልቲ ሒዙ ዝመጸና ዉልቀ-ሰብ ወይ ጉጂለ፣ ስትራተጂኻ እንታይ እዩ ኢልና ክንሓቶ ዝግባና እዩ። ከምኡ እዉን ብተናጸል ስትራተጂኡ ሒዙ ንዝመጸና ፣ስልትኻ እንታይ እዩ ንገረና ኢልካ ምሕታት ከድሊ እዩ። ስልቲን ስትራተጂ ፍልልያት የብሉን ዝብል እንተኾይኑ ድማ ኣጽኒዕካ ምጻእ ኤርትራ መመርመሪ (laboratory) ናይ ፖሎቲካዊ ሕልኽላኻትካ ኣይኮነትን ምባሉ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ተጋግዩ እንኮሎ እንዳተፈልጠ ከንሱ፡ ኣብ ክንዲ ጌጋታቱ ብግልጺ ትነግሮ፡ ከምዚ ደጊፍካዮ ዘሎኻ ዘምስል ርእይቶታት ተስምዖን መሊሽካ ሰፍ ዘይብል ጌጋታት ንክፍጽም ተታባብዖ፡ ብድሕሪኡ ኬድካ ድማ ኣንጻሩ ስሬኻ ዓጢቃ ትነጥፍን ንኣዴኻ ማይ ዉረደላ ብምባል ብዘይ ግሉጽ ምኽንያትን መግለጺን ራሕሪሕካዮ ምኻድ እዩ።

ብዝሰፍሔ መልክዓቱ ክርድኣና ዝግብኦ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ ሓደ ህዝቢ ንፖሎቲካዊ ዕላማታት ጥራይ ኣይኮነን ዝዉደብ፣ እንታይ ድኣ ንማሕበራዊ ጥቅምታቱ እዉን ከምዝዉደብ ክርድኣና ይግብኦ።  ሓደ ሕብረተሰብ ናይ ጸቕጢ ኡግሚ (potential of Pressure) ዝኸዉን ድማ ንዝተነጸረ ስትራተጂ፣ ብተማዓዳዊነት ብማሕበራዊ ጥቅምታቱን ፖሎቲካዊ ጥቅምታቱ ክዉደብ እንኮሎ እዩ። እቲ ምንታይስ ኩሎም ቃልስታት ናይ ጥቅሚ ሕቶታት ንምፍታሕ ዝሳላሰሉ ማሕበራዊ ፍሕፋሔ ብምኻኖም እዩ።

ብመንጸር እዚ ንሕና ኤርትራዉያን ኣብ ግምታትና መላእ ህዝቢ ኣንጻር ሓደ ጭቛኒን ገባትን ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብ ፖሎቲካዊ ዉደባን ቃልስን ክኣቱ ኣለዎ ኢልና ስለንሓስብ፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖሎቲካዊ ዉደባ ክኣቱ ቀጻሊ ንጽዉዕን ንደሊ፣ እዚ እዉን ጌጋን ዘይፍታሕ ሕልሚ እዩ። ሓደ ሕብረተሰብ ደራፋይ ብክራሩ፣ ጽሓፋይ ብቡርዑ፣ ሓኪም፣ መምህር፣ ነዳቃይ፣ ጸራባይ ፣ቀብኣይ፣ማሃንድስ ብሞይኡ…ወ.ዘ.ተ ብተዋፊሮምሉ ዝነጥፉሉ ዘለዉ ማሕበራዊ ምክፍፋል-ዕዮ፣ ኣብ ምቅያር ሕብረተሰብን ማሕበራዊ ሰዉራ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዓቢ ግደ ዝጻወት እዩ።

ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰባት ዓለምና ኣብ ፖሎቲካዊ ጽምዶ ተወዲቦም ዝንቃሳቀሱ ኣዝዮም ዉሑዳትን ኣድማዕትን (effective minority) ዝላዓለ ብልሒ ጫፍ ንቕሓት እቲ ሕብረተሰብ ዝዉንኑ እዮም። ነዞም ባእታታት እዚኣቶም እስትንፋስ ዝህቦም ድማ፣ እቲ ብሞዩኡን ብጥቅምታቱን ዝዉደብን ዝነጥፍ ህዝቢ እዩ። ነዚ ዓይነት ንጥፈታት ኢና ድማ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ እንብሎ። ስትራተጂን ስልትን ናይ መሰረታት ምንቅስቓ ብግቡእ ዘየጋናዘበ፣ ነቲ ማእከል ስሕበት (center gravity) ወይ ሕመረት ናይቲ ጽምዶ ስሒቱ ስለዘሎ፣ ነቲ ቃልሲ ኣብ ሓሸዉየ (havoc) የእትዎን የጋዕዝዮ ኣለዉ። ኣብ ፖሎቲካ ኤርትራ ኩሎም ሙሩጻት ፖሎቲካዊ ቃላት ገበቲ ይኹን ኣዛመዉቲ ሓይልታት ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ስለዝጥቀሙሎም ዳርጋ ኣጋዕዝዮሞ እዮም። ነዚ ምግዕዛያት መታን ክንዉግንን ከነነጽርን ብግብራዊ ንጥፈታቶም ክንመዝኖም ድማ ይግብኣና።

ሓደ ዲዕ ዝበለ ጸቢብ ካብ ስምዒታት እንዳ ዘይተናገፈ ዲሞክራሲ፣ ሲቪክ፣ ማሕበርነት፣ ዕልማናዊ፣ ዓዉላማ እንተበለ፣ ሓደ ጭቛኒ ገባቲ ፖሎቲካዊ ጉጂለ ማሕበራዊ ፍትሒ እንተበለ፣ ሓደ ሂወት ዘይብሉ ዉዳቕ ሰብ መላእ ሕብረተሰብ እንተዋረደ፡ ሓደ ግዕዛይ ክርዳድ ሕብረተሰብ ታሪኽ እንተኣካማሻመሸ፡ ሓደ ኤትኒካዊ ብሃገራዊነትን ሃገራዊ መንነት እንተጽዓደ፣ ሓደ ወይጦ ኤርትራዊ መንነት ዝባሃል የሎን እንበር፣ሓበሻዊ መንነት እዩ እንተበለ፣ ሓደ ሃይመኖታዊ ከም ሓላይ ብመንጽሩ ዘሎ ሃይማኖት ኮይኑ ክመስል እንተፈተነ፣….ወ.ዘ.ተ ኩሉ ንምዝንባዕ ጽምዶታትናን ዕላማናን እንበር ካልእ ፋይዳ ዝርከቦ ኣይኮነን። እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ድማ ምዝንባዕ ስልቲን ስትራተጂን ክጋሃድ እንኮሎ እዩ። ዝተነጸረ ስልትን ስትራተጂን እንተዘይሃልዩ ኣብ ዝብጻሕ ቁም-ነገር ኣይህሉን እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ኣብ ጊዝየ ዓዉላማ እቲ እንኮ መፍትሒ ንጸገማትና ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ እዩ ብምባል፡ ንክትግበር ቡዙሕ ጎስጎሳት ተኻይዱ እዩ።  የግዳስ እቲ ዜጋ ንናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ዉደባ ንክፍጠር ጊዝየ ክበልዕ ይኽእል እዩ ፡ “ኩነታት ሃገርናን ህዝብና እስትንፋስ ዝህብ ስለዘይኮነ፡ ዝቀልጠፈን ዝጸንሔን ከም መንቀሊ ወሲድና ንቅድሚት ንኺድ፡ ካብ ዝብል የዋህ ግምታት” ንጻዊዕት ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ብኣዉንታ ኣይመለሰሉን። ብመንጽሩ ነቲ ባይቶ ኣብ ኣዋሳ (ኢትዮጵያ)  ዝሳላሰል ዝነበረ ባህርያቱን ናይ መጻኢ ኣንፈቱን ቀንዲ ደረኽቲ ሓይልታቱ  ብግቡእ ካብዘይምርዳእ ዝነቀለ ዝመስል፡ መላእ ፖሎቲካዊ ዉድባት፡ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳትን ኣገደስቲ ዉልቀ-ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ስለዝኾነ፡ ብቀሊሉ ክዕዉተና ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ግምታት፡ ነዚ ናይ ኣዋሳ ባይቶ ብምስዓብ፡ ነቲ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ብምንጻግ ምስ መንደቕ ተጋጭዮም ምስተረፉ፡ እቲ ብዝተኸተልዎ መገዲታት ዝፍታሕ ዝመስሎም ዝነበረ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኣንካይ ዶ ክፍታሕስ ንገዛእ ርእሱ እቲ ባይቶ ኣዋሳ ኣብ ደዉታ ኣትዩ መሽሙሹ ረማዕ ምስበለ፡ እቶም ትማሊ ብሕልናን ብኣካልን ኣባላት ባይቶ ኣዋሳ ዝነበሩ ሕጂ ድማ ኣዋሃሃድቲ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ኮይኖም መጽዮሙና ኣለዉ። ስለዚ ዝሓለፍካዮ ተሞክሮታት ካይገምገምካ መዓልቲ መጸ ግልብጥብጥ ጣቛ ዘለዎ ዝመስል ጉዳይ ኣይኮነን።  ንሳቶም  ንኣዋሳ ክነግዱ ክኸዱ እንከለዉ ንሕና እዚ ትኸድዎ ዘለኹም መገዲ ቁኑዕ ኣይኮነን ብምባል፡ ነዚ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ከም መፍትሕን መተካእታን ኣብ ምጥያስ ተጸሚድና ከምዝነበርና ንሕና ንፈልጥ ንሶም ድማ ይፈልጡ እዮም። ሕጂ ከምዚ ሓደ ነገር ዘይነበረን ዘይተገብረን ኣምሲልካ ነቲ ቁኑዕ ሓሳባትን ዕላማታትን ምትሩማሱን ንቀንዲ ጽምዶታት ምዝንቡዑን  ብመትከል ንጹግ እዩ። ኣረ ከመይ ገይሮም እዮም እቶም ክሳብ ሕጂ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ (top-down) ዝንግሪራዊ ዉደባን ምሕደራ  ዝኣምኑ ዝነበሩ፡ ሕጂ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ (bottom-up) ዘንቃዕርር ዉደባን ምሕደራ ዝኣመኑ?

ኣብ መዛዘሚ ርእይቶይ፡ ናይ ብሓቂ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ክካየድ ይድለ እንተሃልዩ፡ ሰረገላ ኣብ ቅድሚ ፈረስ ምእሳር ኣየድሊን እዩ። ብዛዕብኡ ኣቀዲሙ ቡዙሕ ተባሂሉን ተጻሒፉን ስለዘሎ፡ ነቲ ዝተባህለን ዝተጻሕፈን ከም መወከሲታት ተወሲዱ፡ ህዝቢ ካብ  ሓርነቱ ዝኣወጀ ዉልቀ ዜጋን ዝንኣሰት ቦታን (free individual citizen and local) ጀሚሩ፡ ድቀ-ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ይፍጠር። እዘን ኣብ ዝንኣሰት ቦታ ዝተፈጥራ ድቅታት ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ኣብ ዝነብራሉ ብደረጃ ዓዲ፡ ከተማ፡ ወረዳ፡ ኣዉራጃን ሃገርን መጋባእያታት ብምጥርናፍ፡ ብደረጃ ዓለምለኻዊ ምስ ጎዶቦታት ሃገራት ዘዋሳስበን ናይ ህዝቢ መጋብእያን መሪሕነትን ስለዝፈጥራ፡ ብዝፈጠርኦምን ዝመዘዝኦም ናይ ህዝቢ ባይቶ ተወኪለን ምስ ጎደቦታት ሃገራት፡ ክፍለዓለማትን ዓለምን ዝጥርንፍ ኣዋሃሃዲ ሽማግሌን ሓይሊ ዕማማት ብምፍጣር ናይ ለዉጢን ጸቕጢ ኡግሚ ዝኾነሉ ብቀሊሉ ክዉንነት ክፍጠር ይክኣል እዩ። ካብ ተሞክሮይ ገለ ዜጋታት ጊዝየ ካይ ወስድ ዝሰግኡ ኣለዉ። እቲ ስግኣት ኣብ ልዓቱ ዘሎ ኣይኮነን። ብዘይ ዉዓል ሕደር ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ቦታታት ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ብምጽዋዕ መጋባእያታት ንፍጠር እሞ ከመይ ኢሉ ከምዝላባዕ  ክዉንነት ከርእየና እዩ።

https://eritreancdm.wordpress.com/2014/08/21/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8D%A1-%E1%8A%95%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%98-2/

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

8/5/2016