Monthly Archives: January, 2014

ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንእማመ ሰላም 3ተ ዲፕሎማት ኣመሪካ ምላሽ ይህብ

Advertisements

VOA.. ምላሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ን3ተ ዲፕሎማት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሰላም

Cultural Diplomacy in the Promotion of Democracy and Peacebuilding Ambassador Andebrhan Welde Giorgis

ናይ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ መንግስት ኣብ ስደት {government in exile [1]} ኣብ ዕለት 3/1/2014 ኣብ ኦታዋ (ካናዳ) ተኣዊጁ:

ካብ ተሞኩረይ ዘስተብሃልኩሉ ጉዳይ እንተሃልዩ፡ ኣብ ፖሎቲካ እንነጥፍ ኤርትራዉያን ዜጋታት መብዛሕትኡ ጊዝያት ኣብ ፍጻሜታትን ሳዕቤናት ስለነተኩር፡ ብጎኒ ዝመጸና ሓደገኛ ፖሎቲካዊ ንጥፈታት ኣይነተኩረሉን ኢና። ኣብ ዚ እዋናት እዚ ኣዝዮም ዓበይቲ ንጥፈታት ኣብ ፖሎቲካዊ ዳይነሚክስ ኤርትራ ይካየዱ እንዳሃለዉ፡ ኣቶኩረና ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ኣብ ክልተ ጉዳያት ተጸሚዱና ኣሎና። ንሳተን ድማ፡-
1.ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ፡
2.ተዘክሮ ፍጻሜ ፎርቶ/ኣስመራ ኣብ 21 ጥሪ 2013 ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተኻየደ እየን።

ብዛዕባ እዚ ክልተ ዛዕባታት ኣይንዛረበሉን ኣቶኩሮ ኣይንሃቦ ማለተይ ዘይኮነስ፡ ጎኒ ጎኑ ዝኸይድ ዘሎ ዓበይቲን ሓደገኛታት ስጉምታትን ዉሳኔታት እዉን ኣቶክሮ ክንገብረሉ ይግባኣና ማለተይ እዩ። ካብቶም ኣተክሮ ክግበረሎም ዝግብኦም ጉዳያት ንምጥቃስ ዝኣክል፡-
1.ገባቲ ስርዓት ኣስመራ ዳግመ-ስርርዕ መንግስታዊ ቅርጻ ኣስተርሕዩ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ ኣዋናት፡
2.ገባቲ ስርዓት ኣስመራ ወረቀት ዜጋዊ-መንነት ክቅይር ምቕርራባቱ ወዲኡ ኣብ ምንጣፍ ተዳልዩ እንዳሃለወ ከንሱ፡
3.ገባቲ ስርዓት ኣስመራ ብመገዲ መንግስቲ ሱዳን ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ምስ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ ተባሂሉ ኣብዝዝረበሉ ወቅቲ፡
4.ምብጋስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ) ንካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብዝሃለወሉ እዋናት።
5.ምእዋጅ መንግስቲ ኣብ ስደት ናይ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ…ወ.ዘ.ተ ካልኦት ዘይተጠቅሱን እንከለዉ፡ ማኣዝና ብምድራቱ እዩ።

ህዝቢ ዓፋር ኣብ ሰለስተ-ኩርንዓት ሃገራት ቀሪኒ ኣፍሪቃ ማለት:- ኣብ ኢትዮጵያ (ኣስታት 1,276,374): ኣብ ጁቡቲ (ኣስታት 277,000): ኣብ ኤርትራ(ኣስታት 480,000) ዝብዝሑ [3] ኣብ ሰለስተ ሃገራት ተኸፋፊሉ ዝነብር ህዝቢ እዩ:: እዚ ህዝቢ ‘ዚ: ከም ነፍስ-ወከፍ ኤትኒክ ጉጅለታት: ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበጽሖ ዕድላት ምምቕቓል በጺሕዎ እዩ:: እዚ ኤትኒክ-ጉጅለ’ዚ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ናይ ገዛእ ርእሱ ብሄርን ብሄራዊ መንግስትን ክድኩን ዝግብኦ ህዝቢ ‘ኳ እንተነበረ: ብመሰረት ኣመሰራርታ ሃገራት ኣፍሪቓን መንግስታተን: ከም ካልኦት ኣፍሪቃዉያን ኤትኒክ ጉጅለታት ተመቓቒሉ ተኾሊፉ ዝተረፈ ህዝቢ ኢዩ:: ነዚ ክዉንነት’ዚ ጋህዲ ዝገበረ መስርሕ: ሓያላት ናይ ኤዉሮጳ ሃገራት ንኣፍሪቃ መቓቒልካ ንምግዛእ: ካብ ሕዳር 1884 ክሳብ ጥሪ 1885 ኣብ በርሊን ብኣቦ መንበርነት ናይ ቢስ ማርክ ኣብ’ቲ እዋን መራሒ ሃገረ ጀርመን ዝነበረ: ንኣፍሪቃ ኣብ 54 ዶባዊ-ጉልቲ ብምምቕቓል ህዝቢ ኣፍሪቃ ብሓይሊ ኣብ መግዛእታዊ ስርዓታት ተመቓቒሉ: ብመልክዕ መንግስቲ ከምዝመሓደር ተገብረ:: ብኡ መሰረት ድማ: ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተፈላለያ ሃገራት ቆማ:: ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሃጸይ ምኒሊክ: ጅቡቲ ኣብ ትሕቲ ፈረንሳ: ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጥልያን: ሶማል ፍርቃ ኣብ ትሕቲ እንግሊዝ: ፍርቃ ድማ ኣብ ትሕቲ ጥልያን ከምዝመሓደራን ዝግዘኣን ኮና:: እዚ መስርሕ ዝፈጠሮ ምምቕቓልን ምጭፍላቓትን ኤትኒክ ጉጅለታት ድማ ጋህዲ ኮነ:: እዚ ከይኣክል: ኣብ ክንዲ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ: ዘይርትዓዉነትን ግዱድ ኣቃዉማ ሃገራትን ምምቕቓልን ምጭፍላቕ ኤትኒክ ጉጅለታት ከይተመዓራረየ: ኣብ 1960 ዉሳኔ 1514 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዓለም: ንመግዛእታዊ ዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ: ካብ ኤዉሮጳዊ መግዛእቲ ናጻ ወጽዩ: ልዑላዉነቱ ማዕረ እተን ብታሪኽ ዝተሰረታ ካልኦት ሃገራት ክኾናን ክሕሰባን ዝጸደቐን ዝተወሰነ ዉሳኔ: ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ ህሉው ዓለም-ለኻዊ ዉሳኔ ዉድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ (ግብጺ): ኣብ 1964 ደጊሙ ሪዒምሉን ብተማሳሰሊ ዉሳኔ ኣሕሊፍሉን እዩ::
ስለ’ዚ: ምፍራስ ዉሳኔታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ዉሳኔ ዉድብ ሕብረት ኣፍሪቃ: ማለት:- ምፍራስ ዓለም-ለኻዊን ክፍለዓለማውን ሕግታት ይጽብጸብ:: ብተወሳኺ ምፍራስ እዚ ክልተ ዉሳኔታት’ዚ: ምፍራስ ሃገረ-መንግስቲ (nation-state) ኣፍሪቃ: ከምዘስዕብ ፍሉጥ እዩ:: ድንዕታታትን ፍግራ ምፍራስ እዚ ዓለም-ለኻውን ክፍለዓለማዊ ዉሳኔ: ኣብ 2011 ደቡብ ሱዳን ካብ ሃገረ ሱዳን ምንጻል: ከም ፖሎቲካዊ ዉሳኔ ጋህዲ ኮይኑ እዩ:: እዚ ተርእዮ እዚ ንብዙሓት ከተባብዕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን:: እዚ ድማ ሓድግታት ኤዉሮጳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሓደገልና በሰላታት እዩ:: ናይ ምዕራብ ሃገራት ንህዝቢ ኣፍሪቓ ነንሓድ-ሕዱ ከዋድእዎ እንተወሲኖም: ንናይ1960 ዉሳኔ ብይን 1514 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብምስራዝ: ከሳልጥዎ ከምዝኽእሉ ኩሉ ሰብ ክግንዘብ ኣለዎ::

ምንቅስቓስ ዓፋር: ከም ሓድሽ ነገር ድሕሪ ኤርትራ ከም ናጻን ሉዑላዊት ሃገር ምዃና ዝነቐለ ኣይኮነን:: ኤርትራ: ናጻን ልዕላዊት ሃገር ንምግባር ኣብ ንቃለሰሉ ዝነበርና እዋናት ዝነቐለ እዩ:: ኣብ 1975 ብሱልጣን ዓሊ-ሚራሕ ዝምራሕ: ናይ ዓፋር ሓርነታዊ ግንባር (A.L.F.) ነይሩ እዩ:: ስርዓት ደርግ ምስ’ቲ ናይ ራስ-ገዝ መደባቱ ኣብ ኤርትራ ግምት ብምእታዉ: ራስ-ገዝ ምምሕዳር ዓሰብን ከባቢኡን ከምዝድኮን ገይሩ እዩ:: ድሕሪ ዉድቀት ደርግ: ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ምንጋፋ: ኣብ 1991 ናይ ዓፋር ሰዉራዊ ዲሞክራስያዊ ሓድነታዊ ማሕበር (A.R.D.U.U.) ቀጺሉ:: ሱሉጣን ዓሊ-ሚራሕ ካብ ስደት ሱዑድ-ዓረብ ብምምላስ: ኣብ መጋቢት 1993: ናይ ዓፋር ሰዉራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር (A.R.D.U.F.) ዝተባህለ ውድብ ብምምስራት ክነጥፍ ከምዝጀመረ: ታሪኽን ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ:: ብዘይካ እዚ: ኣቐዲመ ዝዳህሰስክወን ምንቅስቓሳት ድሒረን ‘ውን: ዓፋር ሰዉራዊ ሓይልታት (A.R.F.): ምንቅስቓስ ዓፋር (A.F.A.R. UGUGUMO [4]) A.U.D.F.: ከምኡ ‘ዉን ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዲሞክራስያዊ ዉድብ (R.S.A.D.O.) ዝበሃሉ ጸኒሖም እዮም:: ካልእ ‘ዉን ገና ዘይፈለጥክወን ምንቅስቓሳት ክህልዋ ይኽእላ ይኾና እየን:: እቲ ኮይኑ እዚ ግን: ናይ ዓፋር ምንቅስቃሳት ኣብ ሓሙሽተ መሰረታዊ ነግሒ-ኣተሓሳስባን ስትራተጂን ዝተኸፋፈላ ኢየን:-
1.ኤርትራዊ ዓፋር ምዃኑ ተቐቢሉ: ኣብ ትሕቲ ሃገረ ኤርትራ: ወይ:- ክሳብ ምንጻል ዝኣመተ ናይ ገዛእ ርእሱ ናጻ ዉሽጣዊ ምሕደራ ዝሓትት ዘሎ እዩ::
2.ጁቡታዊ ዓፋር ምዃኑ ተቐቢሉ: ኣብ ትሕቲ ሃገረ ጅቡቲ: ወይ:- ክሳብ ምንጻል ዝኣመተ ናይ ገዛእ ርእሱ ናጻ ዉሽጣዊ ምሕደራ ዝሓትት ዘሎ እዩ::
3.ኢትዮጵያዊ ዓፋር ምዃኑ ተቐቢሉ: ኣብ ትሕቲ ሃገረ ኢትዮጵያ: ወይ:- ክሳብ ምንጻል ዝኣመተ ናይ ገዛእ ርእሱ ናጻ ዉሽጣዊ ምሕደራ ዝሓትት ዘሎ እዩ::
4.ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጁቡትን ዝርከቡ ዓፋር ጠርኒፍካ: ሓደ ናይ ህዝቢ ዓፋር ሃገር: ብሄርን ብሄራዊ መንግስቲ ዓፋር ንምፍጣር ዝጽዕድን ዝነጥፍን ዘሎ ሓይሊ እዩ::
5.ግርጭትን ዞናዊ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፈጠሮ መሳርሒ: ናይ ኢደ-ዙር (ኢደ-በይዛ) ኹናት ገለ ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጥቀማሉ ሓይሊ: ዘካተተ እዩ::

እዚ ምፍልላያትን ክዉንነት ዘገንዝበና ቁም-ነገር እንተሃልዩ: ህዝቢ ዓፋር ኣብ ሰለስቲኡ ሃገራት ዘሎ: ኣብ ነንሓድ-ሕዱ ዘለዎ ፍልልይን ሓድነትን ማዕረ ክንደይ ዝተራሓሓቐን ዝተቐራረበን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ: ብዝያዳ ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ ዓፋር: ኣብ ገዛእ-ርእሱ ዘለዎ ፍልልይ ማዕረ ክንደይ ዕምቆትን ምትሕልላኻትን ከም ዘለዎ እዩ:: ነዚ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ከሕምሶ እንተሃቂኑ ድማ: ብሓፈሻ ንሰለስተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ንስትራተጂካዊ መመሓላለፊ መራክብ ዓለምለኸ፡ ዓለምለኻዊን ሃገራዊ ናይ ጸጥታ ስትራተጂ ስለዝትንክፍ: ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ወይ ሃገራት ዓለም ብስቕታ ዝዕዘብዎ ኣይመስለንን::

ሕቶ ህዝቢ ዓፋር: ቁኑዕ ድዩ ኣይቁኑዑን ዘተሓታትት ጉዳይ ኣይኮነን:: ሓደ ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ልዑላዊት ሃገሩ: ናይ ገዛእ-ርእሱ ምምሕዳር ክሓትት ዘይሕከኽ መሰሉ እኳ እንተኾነ: ክሳብ ምንጻልን: መንግስቲ ኣብ ስደት ክእዉጅ ግን: ንዝግብኦ መሰላት ኣታሓታቲ ዝገብሮ እዩ:: ሕቶ ዓፋር፡ ሕቶ ሲቪክ መሰላት ዓፋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕቶ ኩሉ ኤርትራዊ እዩ፡ ብመንጽሩ ድማ ሕቶ ኩሉ ኤርትራዊ ሲቪክ መሰላት ሕቶ ዓፋር ሙኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ንመላእ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንኤርትራ ዘቆማ ኤትኒክ-ጉጂለታት ዓፊኑ ሒዙ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ስለዘሎ፡ ኤርትራዉያን ቀዳምነታትና ነዚ ገባቲ ስርዓት ኣሊኻ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ዝተራጋገጸላ ኤርትራ ብምፍጣር፡ ብፍላይ ሲቪክ መሰል ዉልቀ-ዜጋ፡ ቀጺሉ ብናጻ ወይ ብቅድመ-ሱሩት ዝምድናታት ዝተሃንጻ እኩባት ኮሚኒታት ሲቪክ መሰላቶም ከምዝራጋገጽ ምግባር እዩ። ስለዚ ሰረገላ ቅድሚ ፈረስ ኣይእሰርን እዩ። ብኤርትራዊ ሃገራዉነት፡ ኤርትራዊ መንነት፡ ኤርትራዊ ሓድነት መሬት ን ኤርትራዊ ሉዕላዉነት ዝርዕም ሰብ ቀዳምነታቱ ከነጽር ይግባእ። ጸገመይን ቃንዛይ፡ ኣነ ጥራይ እየ ዝፈልጦ፡ ናይ ካልእ ኣይግድሸንን ዝባሃል እንተኾይኑ፡ ብዛዕባኻ ዝግድሾ ሰብ እዉን ኣይክህሉን እዩ። እዚ ድማ ተታሓሒዝካ ዉድቀት ከስዕብ እዩ። ሕቶ ባህሊ፡ ሕቶ ኤትኒክ-ጉጂለ፡ ሕቶ መሬት፡ ሕቶ ዲሞክራስያዊ መሰላት፡ ሕቶ ዉሑዳን…ወ.ዘ.ተ ሕቶታት ሲቪክ-መሰላት ስለዝኾኑ፡ እዞም ሕቶታት እዚኣቶም ድማ ኣብ ምርግጋጽ ጊዝኣተ-ሕጊ ብሙሉኣቶም ዝምለሱ ስለዝኾኑ፡ ኣብ ጭቡጥ መፍቲሒታት ከነቶክር ሃገራዊን ሞራላዊ ሓላፍነታት ኣሎና። ኣይፋለይን ህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራን ሕጂ ተዳኺሙ ስለዘሎ፡ ኣብዚ ሙችኡ ጊዝየ ሓድሽ ቅያ ክሰርሕ ዝባሃል እንተኾይኑ….ኣይግድን ክባሃል ኣለዎ።

ዓለም-ለኻዊ ድንጋጌ ሰብኣዊ-መሰላት ብክልስ-ሓሳብን ተግባርን (universal human rights in theory and practice): ብግቡእ ምርዳእ ከድሊ እዩ [5]:: ጎኒ ጎኑ መሰለላቱ ድማ: ኣብ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነትን ሓላፍነታት ከምዘለዎ ምግንዛብ ከድሊ እዩ:: ነዚ ኣባሃህላ’ዚ ተዛማዲ ሓቕታት ዘራጋግጾ: ኣብ ዓለም-ለኻዊ ድንጋጌ ሰብኣዊ-መሰላት: ኣብ 10 ታሕሳስ 1948 ብሓፈሻዊ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝጸደቐን ዝተኣወጀን ድንጋጌ 217 A-111 ምውካስ ይክኣል [6]:: ን3 መሰረታዉያን ዓንቀጻት ናይቲ ዝጸደቐ ድንጋጌት ንምዉካስ:-
1.ኣብ ዓንቀጽ 22 ከም’ዚ ይብል።- ዝኾነ ይኹን ሰብ: ኣባል ሕብረተ-ሰብ ከም ምዃኑ መጠን: መሰል ማሕበራዊ ዉሕስነት ኣለዎ:: ከምኡ ‘ዉን: ብሃገራዊ ጻዕርን ብዓለም-ለኻዊ ምትሕብባርን ምስ ዉደባን ሃብትን ኣድለይቲ ዝኾኑ ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዊን ባህላዉን መሰላቱ ከረጋገጽ መሰል ኣለዎ::
2.ኣብ ዓንቀጽ 29 ከም’ዚ ይብል።- 1. ዝኾነ ይኹን ሰብ: ነቲ ብሕታዊ መረጋገጺ: ናጻን ዝተማልኤ ምዕባሌ ሰብኣዊ- መንነቱ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ: ዝፍጽሞም ግቡኣት ኣለዉዎ:: 2. ዝኾነ ይኹን ሰብ: ኣብ ኣጠቓቕማ መሰላቱን ናጽነቱ ንመሰላትን ናጽነት ካልኦት ንምቕባልን ንምኽባርን ኣብ ሓደ ደሞክራስያዊ ሕብረተ-ሰብ ዘድልዮ ስነ-ምግባር: ጸጥታን ድሕነት ንምምላእ ተባሂሉ: ብሕጊ ዝተወሰነሉ ማዕቀባት ጥራሕ ተገዛኢ ይኸዉን:: 3. እዞም መሰላትን ናጽነታትን እዚኣቶም: ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣንጻር ዕላማታትን መምሪሒታትን ማሕበር ሕቡራት ዓለም ክትግበሩ ኣይክእሉን::
3.ኣብ ዓንቀጽ 30 ከም’ዚ ይብል።- ካብ ዉሽጢ እዚ ድንጋጌ እዚ: ዝኾነ ይኹን መንግስትን ጉጅለን ዉልቀ-ሰብን ኣብ’ዚ ድንጋጌ እዚ ካብ ዝሰፈሩ መሰላትን ናጽነታትን ንገሊኦም ንምጥሓስ ኣብ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ክሳተፍ: ወይ:- ዝኾነ ይኹን ተግባር ንክፍጽም መሰል ከም ዘለዎ ዝሕብር ተገይሩ ዝትርጎም ዉሳኔ የለን::
ኮይኑ ግን: ምስ ክዉንነት ናይ ዝነብሩሉ ሃገርን ሃገራዊ ናይ ጸጥታ ስትራተጂ :ግርጭታት ናይ’ቲ ዞናን ዝትከሉ ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓታት…ወ.,ዘ.ተ ተዛሚዱ ዝርኤ ጉዳይ እዩ:: ንመረዳእታ:- ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኤትኒክ-ፈደራል ዝተመስረተ ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣሎ:: ኢትዮጵያዉያን-ዓፋር: ናይ ገዛእ-ርእሶም ክልልን ምሕደራን ኣለዎም [2]:: በቲ ተረኺቡ ዘሎ ናይ-ገዛ ርእሱ ምሕደራ: ዕጉብ ድዩ? ካብ’ቲ ተረኺቡ ዘሎ ዕድላት ንላዕሊ ዘንቃዕረረ ጥሙሓት ከ: እንታይ ኣለዎ? ከምኡ እንተኾይኑ: ስለምንታይ ምንቅስቓስ ኣሎ?…ወ.ዘ.ተ ብዙሓት ክጽኑዑን ክንጸሩ ዝግቡኦም ነጥብታት ከም ዘለዉ: ክዝንጋዕ ኣይግባእን እዩ::

ኣብ ፖሎቲካዊ ንጥፈታት ኤርትራ: እዚ መንግስቲ ኣብ ስደት ዝብል ጣቛ ፖሎቲካ: ዳርጋ ካብ 1975 ዓ.ም. ዝዝረበሉ ዝነበረ ምዃኑ ኣቐዲመ ከዘኻኽር ይደሊ:: ቅድሚ ምስ ሕሉፉን ህልዉን ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታታት ኤርትራ ምዝማደይ: ፖሎቲካዊ ትሕዝትኡ ኣብ ከመይ ኩነታት መንግስቲ ኣብ ስደት ክትግበርን ክእወጅን ይኽእል: ምስ ዓለም-ለኻዊ ተቐባሉነቱ ብምዝማድ ክገልጾ ክፍትን እየ::
መንግስቲ ኣብ ስደት [7] ዝብል ከም ፖሎቲካዊ ኣምርን ትግባሬን: ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዘያት: ብጻዕቂ ዝተዘዉተረ እኳ እንተኾነ: ከም ፖሎቲካዊ ኣምር ሓደ ፖሎቲካዊ ጉጅለ ንጉጅሉኡ ከም ሓደ ሕጋዊ ወኪል: ህዝባዊ ስልጣን ሃገሩ ኣብ ስደት ኮይኑ ዝጽዕደሉ እዩ:; ሕሉፍ ታሪኽ ከምዝምህረና: መንግስት ኣብ ስደት መብዛሕትኡ ግዝያት: ኣብ ወቕቲ ኩናትን ወራርን ጎበጣን ዝተራእየን ዝተዘዉተረ ጽዕዶ ምዃኑ እዩ::

መንግስቲ ኣብ ስደት: መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ታሪኽ ዓለምና: ብነገስታት: ወይ መሳፍንቲ {monarchs or feudalist} ዝተዘዉተረ እኳ እንተኾነ: ብኻልኦት ‘ዉን ዝጻዓድ እዩ:: መሳፍንቲ: ወይ ነገስታት ጸኒሓዊ ሕጋዉነት ዉናኔ ፖሎቲካዊ ስልጣን {traditional legitimacy} ኣሎና ስለ ዝብሉ: ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ብዉሽጣዉያን ዜጋታቶም: ወይ ድማ:- ብናይ ግዳም ጎቦጣ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ክምንዛዕ እንኮሎ: ወይ ድማ:- ሓደ ብሕጋዊ ህዝባዊ ምርጫ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ፖሎቲካዊ ጉጅለ: ብወትሃደራዊ ዕልዋ: ወይ:- ናይ ግዳም ጎበጣ ዝተረከቦ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክምንዛዕ እንከሎ: ወይ ድማ:- ንሓንቲ ልዕላዊት ሃገር: ካልእ ናይ ግዳም ሃገር ብጎቦጣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ከተእትዋ እንከላ: ዜጋታታ ኣንጻር ጎቦጣን መግዛእትን ልዕላዉነት ሃገሮም ሓራ ንምግባር ኣብ ዝነጣጠፍሉ እዋናት: መንግስቲ ኣብ ስደት ተባሂሉ ከም ዝእወጅን ከም ዝነጣጠፍን ታሪኽ ብጽኑዕ የዉክኣልና እዩ::
እቲ መንግስቲ ኣብ ስደት ኢሉ ዝእዉጅ ፖሎቲካዊ ጉጅለ: ሓንቲ መዓልቲ እንተኾይንሉ: ናብ መቦቆላዊ ዓዱ ተመሊሱ: ነቲ ነይሩኒ: ወይ:- ክህልወኒ ኣለዎ ዝብሎ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክመርሕ እየ ኣብ ዝብል ግምታት: ዝነብርን ዝነጣጠፍን እዩ::

ኣብ መላእ ዓለም: ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣስታት 11 ፖሎቲካዉያን ጉጅለታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት: መንግስቲ ኣብ ስደት ዝኣወጃ ኣለዋ:: ኩነታታተን ዝተፈላለየ ዝገብረን እኳ እንተኾነ: ኩለን ሓንቲ መዓልቲ እንተኾይንለን: ናብ መቦቆላዊ ሃገረን ተመሊሰን: ነቲ ነይሩና: ወይ:- ክህልወና ኣለዎ ዝብልኦ ፖሎቲካዊ ስልጣን: ክንመርሕ ኢና ኣብ ዝብል ግምታት ዝነብራን ዝነጣጠፋን እየን:: ዓለም-ለኻዊ ሕጊ:- ንግብራዊ ስጉምቲ ኣዋጅን ንጥፈታትን መንግስቲ ኣብ ስደት ክቕበሎ: እቲ መንግስቲ ኣብ ስደት ዝእዉጅ ፖሎቲካዊ ጉጅለ: ከማልኦ ዝግብኦ ረቛሒታት እኳ እንተሃለወ: ነዚ ረቛሒታት ኣማሊኡ እዉን: ተመሊሱ ንሃገሩ እቲ ዝጠልቦ ዝነበረ ዋንነት ፖሎቲካዊ ስልጣን ከም ሕጋዊ ዉሕስነት ዝህቦ: ወይ ዝቕበሎ የሎን:: ስለ’ዚ: ዳግም ንመበቖላዊ ሃገሩ ብምእታዉ: ብሕጋዊ ምርጫታት ፖሎቲካዊ ስልጣን ክዓትር ኣለዎ ማለት እዩ::

እዚ ኣቐዲመ ዝዳህሰስክዎ ሓቅታት ካብ ኮነ: እቲ ሓቕታት ትርጉምን ተግባርን ናይ መንግስቲ ኣብ ስደት: እንታዋይ ፖሎቲካዊ ጉጅለ እዩ ሕጂ:- ኣብ ኢትዮጵያ: ጅቡቲ: ወይ ኤርትራ መንግስቲ ኣብ ስደት ኢሉ ዝእዉጅ? እንታይ ሕጋዉነት ኣለዎ? መን እዩ ኸ ተዋጋያይ? ነጻሊ ሃገር? ወይ: ተካኢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ገይርዎ? እንታይ እዮም እቶም ጭቡጣት ዳይናሚክስ ንመንግስቲ ኣብ ስደት ክእዉጁ ዝደረኹ?….ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ሕቶታት ክምለሱ ኣለዎም:: ስለ’ዚ: ኣብ ሰለስቲኡ ልዑላዉያን ሃገራት ዝርከብ ህዝቢ ዓፋር: ኣካል ናይ’ቲ ዝነብረሉ ልዑላዊ ህዝብን ሃገር ስለዝኾነ: ኣብ ናይ ሃገሮም ክዉንነት ክምርኮሱ ኣለዎም:: ብዓለም-ለኻዊ ሕግን: መዐቐኒታትን ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡቲ ወይ ኤርትራ ድማ ዝኾነ ይኹን ኤትኒክ ጉጅለ: መንግስቲ ኣብ ስደት ክእዉጅ ሕጋዊ ኣይኮነን:: ብቐሊሉ መንግስቲ ስለ ዝኣወጅካ: መንግስቲ ይኽወንን: ዓለም-ለኻዊ ተቐባልነት ዝርከብ ነይሩ እንተዝኸዉን: ርሑቕ ከይከድና: ሶማሊ-ላንድ ሪፓብሊክ ኢሎም ኣዊጆም:: ክሳብ ሕጂ ከም ልዑላዊት ሃገር ኣባል ማሕበረሰብ ዓለም ዝኾነት ሃገር ዝተቐበሎም ዓለም የሎን:; ካብ’ዚ ጭቡጥ ክዉንነት እዚ ብምንቃል: እቲ መንግስቲ ኣብ ስደት ዝበሃል ሓሳብን ዘረባታትን ንጥፈታትን ጽዉጽዋይ ምዃኑ ክገልጽ ይደሊ::

ነዚ ጽዉጽዋይ ዝፈጥሮ ዘሎ ሓይሊ: መን ምዃኑ ብቐሊሉ ክግመት ዝክኣል እኳ እንተኾነ: ወደን ከይሓምያ: ሰይቲ ወደን ይሓምያ መታን ከይኮነና: ንኣሕዋተይ ኤርትራዉያን ዓፋር ይሓሚ ኣሎኹ:: ዝኾነ ጸገማትን ጉዳይን ይሃልዎም: ምስ ህዝቦም: ህዝቢ ኤርትራ ብምትሕብባር ጥራይ እዮም ክፈትሕዎ ዝግብኦም:: ነዚ ሕጂ ኣብ ካናዳ ተኣዊጁ ዘሎ: ናይ ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ መንግስቲ ኣብ ስደት ንምክንዋን: ናይ ሕጊ ፕሮፎሴር ዝኾነ ካናዳዊ Joseph Eliot Magnet [8] : ከም ሕጋዊ ኣማኻርን ኣከናዋንን ብምዃን: ን3 ዓመታት መመላእታ ይሰርሕ ኣሎ:: ነዚ ናይ ሕግን ቅዋምን ኪኢላ፡ ኣብዚ ዕማም ክነጥፍ ገንዘብ ይኽፈሎ ዲዩ? መን ይኸፍሎ? ክንደይ ይኽፈሎ? ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ:: ፕሮፎሰር ጆሴፍ ማግነት: ከም ሕጋዊ ወኪሎም ኮይኑ ኣብ ዓለም-ለኸ ተቐባልነት ክረኽቡ ድማ ይጽዕት ኣሎ::
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዘተሓታትት ጉዳይ ኣይኮነን: ሓደ ጨፍላቂ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍን ብመንጽሩ ድማ ጭፍሉቛት 99% ዝኾና ዜጋታት ኣሎና:: ኩሉ ኤትኒክ ጉጅለታትና: ኩሉ እምነታትናን ኩሎም ዜጋታትና ድማ ንሓደጋ ተሳጢሖም ከምለዘዉ ፍሉጥ እዩ:: ስለ’ዚ ሓደ ገባቲ ስርዓት ስለ ዘሎ: ዝኾነ ኤትኒክ ጉጅለ: መሰሉ ንምዉሓስን ንምርግጋጽ መንግስቲ ኣብ ስደት ክእዉጅ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን:: ከምኡ እንተኾይኑ: ልዕሊ 12 መንግስትታት ኣብ ስደት ክእወጅ ማለት እዩ:: ኣሽንካይዶ ናይ ኤትኒክ-ዓፋር ምንቅስቃስ ብዉልቁ: ንብዙሓት ምንቅስቓሳት ዝጠርነፈ ባይቶ ኣዋሳ እዉን እንተኾነ: መንግስቲ ኣብ ስደት ኣዊጁ ነይሩ እንተዝኸዉን: ሕጋዉነት ዘልብሶ ሓቕታት ፈጺሙ ኣይክህሉን እዩ::

ድሕሪ ዝሑል ኩናት ዓለም ምዉድኡ: ቡዙሓት ዘይንቡራት ፖሎቲካዊ ስጉምትታትን ምዕብልናታትን ኣብ ዓለምና ከምእተራእዩ ዝከሓድ ሓቂ ኣይኮነን:: የግዳስ ኩሉም ካብ ዉሽጣዊ ኩዉንነትን ማሕበራዊ ጸጋታት ናይተን ዝተፈላለያ ሃገራት ስለዘይነቐሉ: ኣብ ክንዲ ፍታሕ ክፍትሑ ዘለዎም: ተወሰኽቲ ሽግራት ኮይኖም ኣለዉ። ድሕሪ 2000 ዓ.ም. ጥራይ: መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ኣብ ጀርመን ተሰሪሑ: ንዉሽጢ ኣፍጋኒስታን ኣትዩ:: መንግስቲ ዒራቕ ኣብ ኣመሪካ ተሰሪሑ: ንዒራቕ ኣትዩ:: መንግስቲ ሶማል ኣብ ኬንያ ተሰሪሑ: ንሶማል ኣትዩ…ወ.ዘ.ተ: ከም ሳዕቤኑ ግን: ዛጊት ተዛማዲ ቅሳነት ኣይተረኽበን:: ርእሱ ዝኸኣለ ሃገራዊ መንግስቲ እዉን ዛጊት ኣይተረጋገጸን ዘሎ:: ኣብ ኣፍጋኒስታን: ብሰራዊት ናቶ: ኣብ ዒራቕ ብሰራዊት ኣመሪካን ኣዉስትራልያን ካልኦት ሃገራትን ክሕሎ ድሕሪ ምጽንሑ ሕጂ ብገዛእ-ርእሱ ደው ክብል ይህቕን ኣሎ፡ ዛጊት ምርግጋእ የሎን: ኣብ ሶማል ድማ: ብሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ…ወ.ዘ.ተ ዝሕሎን ዝምራሕን ዘሎ እዩ::

ስለ’ዚ ኤርትራዉያን: ካብ’ዚ ኣብ ከባቢናን ዓለምናን እንርእዮ ዘሎና ሓደገኛ ተሞክሮታት ክንጥንቀቕ ኣሎና:; ልዕሊ ኹሉ ግን: መንግስቲ ኣብ ስደት ምቛምን ምእዋጅን: ኣብ ክንዲ መፍትሒ ዘሎና ሽግራት: ንገዛ ነብሱ ክፍታሕ ዘለዎ ሽግር ምዃኑ ክንፈልጥ ኣሎና:: ብወገነይ ክብሎ ዝደሊ ቁም-ነገር እንተሃልዩ: ናይ ኩላትና ኤርትራዉያን ጸገማት: ብምትሕብባር ናይ ኩላትና ዝፍታሕ እንበር: በብጉጅለ ኮይንካ ዝፍታሕ ነገር የሎን። በዚ ኣጋጣሚ ንኣሕዋተይ ዓፋር ብትሪ ይጽዉዕ ኣሎኩ፡ ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶም ኤርትራዉያን ሓቢሮም ክቃለሱ ብምጽዋዕ መልእኽተይ ይዛዝም ኣለኹ።

መወከሲታት፡-

[1] http://aigaforum.com/articles/EASE-Press-Release-010414.pdf

[2] http://www.ethiopia.gov.et/stateafar

[3] http://orvillejenkins.com/profiles/afar.html

[4] http://abbaymedia.com/2009/05/23/afar-movement-press-release/

[5]http://books.google.nl/books/about/Universal_Human_Rights_in_Theory_and_Pra.html?id=6O7SZp9djJQC&redir_esc=y

[6] http://www.un.org/en/documents/udhr/

[7] http://en.wikipedia.org/wiki/Government_in_exile

[8] http://www.youtube.com/watch?v=OLaWbtwsrDY

[9] https://www.youtube.com/watch?v=YxBx69hot1I

ወድሓንኩም!!!
መርዕድ ዘርኡ
24/01/2014
m.zerut@gmail.com

Prof. Joseph Magnet, Legal counsel for the Afar People & Constitutional


መስፍን ሓጐስ ንእሱራት ጒጅለ 15 ብዝምልከት ኣብ ኣኼባ ኣህጉራዊ ማሕበር ባይቶታት መዲሩን: ጠለባት ኣቕሪቡን

መስፍን ሓጐስ ንእሱራት ጒጅለ 15 ብዝምልከት ኣብ ኣኼባ ኣህጉራዊ ማሕበር ባይቶታት መዲሩን: ጠለባት ኣቕሪቡን
Last Updated on Saturday, 18 January 2014 05:52
ቤት/ጽ ዜና ሰዲህኤ
18 January 2014
ሓው መስፍን ሓጐስ: ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ: ብዕለት 16 ጥሪ 2014: ኣብ ከተማ ጅኔብ ኣብ እተጸውዐ ኣኼባ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ኣህጉራዊ ሕብረት ፓርላማታት/ኣሕፓ (Inter-Parliamentary Union, IPU)
ተረኺቡ ብጒዳይ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ጂ-15ን እሱራት ኣባላት ባይቶ ነበርን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። እቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ባይቶታት ዓለም: ነቶም 11 እሱራት ኣባላት ባይቶ ኤርትራ-ነበር ኮነ. ብሓፈሻ ንኹሉ ኣብ ዘጸግም ሃለዋት ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ዝግሕዝ ስጒምትታት ክወስድን በተን180 ዝኾና ባይቶታት ኣባላት ተሪር ጠለባት ኣቕሪቡ።
ወዲ ቺለ ዝኾነ ፕረዚደንት ኮሜተ ሰብኣዊ መሰላት ኣሕፓ/IPU: ሚስተር ፓብሎ ለተሊየር: ኣብ ኣኼባ ምርካብ ናይ መስፍን ሓጐስ ኣገዳሲ ተረኽቦ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ: ኣብ መግለጺ ንዝጽበይዎ ነጥብታት ጠቒሱ ንሓው መስፍን ኣብ መድረኽ ዓዲምዎ።
ሓው መስፍን ነቲ እተገብረሉ ዕድመ ኣመስጊኑ: ሕብረት ባይቶታት ዓለም ን11 እሱራት ባይቶ ኤርትራ ብዝምልከት ቀጻሊ ተገዳስነት ብምግባሮም ኣመስጊኑ: ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ብምጥቃስ ኣብ ዝርዝር መግለጺ ኣትዩ።
ጉጅለ 15 ብ2001 ናብ ፕረዚደንት ሃገር ጠለባቶም ከቕርቡ ምኽንያት ካብ ዝኾኑ ገለ ረቛሒታት ክጠቅስ እንከሎ:-
• ኣብ ህዝባዊ ግንባርን መንግስትን ኤርትራን ንነዊሕ ግዜ ከም ልሙድ ኣገባብ ኮይኑ ዝጸንሐ ናይ መደባት ኣብ ግዜኦም ዘይምትግባር፡ ብፍላይ ኣብ ምግባእ ጉባኤታት፡ ኣኼባታትን ኣብ ግንባር፡ ከምኡ’ውን ምስረታ ቅዋማዊ ስርዓትን ናብኡ ዘብጽሕ መስርሓትን፡ ኣሉታዊ ሳዕቤናቶም ኣዝዩ ጎሊሑ ስለተራእየን ምጽዋሩ ስለ ዝኸበደን፤
•ብፍላይ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት፡ ጠንቁ ብንጹር ስለ ዘይተፈልጠ፡ መስርሕ ኣከያይድኡን ኣመራርሕኡን ኣዕጋቢ ስለ ዘይነበረ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ፡ ውጽኢቱ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣሉታዊ ስለ ዝነበረ፤
•ሕቶ ሓባራዊ መርሕነትን ውሳነን ብውልቃዊ መርሕነትን ውሳነን ስለ ተተክአን ርኡይን ንምጽዋሩ ዘይክኣልን ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለ ዘኸተለን፡ . . . . ወዘተ።

ምንቅስቓስ ጒጅለ 15: ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ምልዋጥ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝጠለበ ኣካል ኢዩ ነይሩ።
1.11 ኣባላት ጒጅለ 15 ስለምንታይ ተኣሲሮም?
•ብመሰረት ቀዲሙ፡ ኣብ መስከረም 2000 ዓም፡ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ተመደበሉ ግዜ ስለ ዘይተተግበረን፡ ክትግበር ጠለብ ስለ ዘቕረቡ። ኣብ ተጠቒሱ ዘሎ ኣኼባ ብሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝሓለፉ ውሳነታትን ዘይተተግበሩን፡-

* ሕጊ ምቛም ፖለቲካዊ ሰልፊታትን፡ ሃገራዊ ምርጫን ዝነድፋ ኮሚቲታት፡ ዝነደፍኦ ሕጊታት ብሃገራዊ ባይቶ ጸዲቑ ክእወጅ፡።

* ጉባኤ ግንባር ኣብ መጀመርታ 2001 ኪጋባእ።

* ኣብ ዝተፈላለ ዓውደ ስርሓት ክነጥፋ ኣብ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ዝቖማ ኮሚቲታት ስርሐን ክጅምራ።

* ጉባኤ ግንባር ንምስንዳእ ኣብ 1997 ቆይማ ሓውሲ ስራሕ ዘይጀመረት ዝነበረት ኮሚቲ ናይ ምስንዳእ ስርሓታ ክትጅምር …. ወዘተ፡ ዝብል መተሓሳሰቢ ናብ ፕረዚደንት ስለ ዝለኣኹ።
•ናይ መጀመርታ ዝተላእከ መተሓሳሰቢ ብፕረሲደንት ምስ ተነጽገ፡ ብትሕዝቶ ፍልልይ ዘይነበሮ፡ ተደጋጋሚ መተሓሳሰቢታት ተላኢኹሉ። ንብሙሉኡ ከኣ ኣሉታዊ መልሲ ሂቡዎ።
•ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወርሒ ናይ ደብዳቤታት ምምልላስ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት 2001፡ ዳርጋ ኩሎም ጉጅለ 15፡ ምስ ብሕታውያን ጋዜጣታት ብምርኻብ ናብ ፕረዚደንት ናይ ዘቕረቡዎ መተሓሳሰቢ መብርሂታት ክህቡ ጀሚሮም።
•ምስቲ ዝህቡዎ ዝነበሩ መብሪሂታት ድማ፡ እቲ ናብ ፕረዚደንት ዝልእኩዎ ዝነበሩ ደብዳቤታትን ንሱ ዝህቦም ዝነበረ መልሲታትን ብመገዲ’ተን ብሕታውያን ጋዜጣታት ናብ ህዝቢ ዘርጊሐሞ።
•ብወገን ቤት ጽሕፈት ህግደፍ፡ ኣንጻር ጉጅለ 15 ዝቐንዐ ናይ ምፍርራሕን ምክፋእን ዘመተ፡ ገለ ናይ ደገፍቶም ኣኼባታት ብምግባር፡ ገለ ድማ በቲ ወግዓዊ ናይ መንግስቲ ጋዜጣታት፡ ዘመተ (campaign) ጀሚሩ። ብወገን ጉጅለ 15 ድማ መልሲታት እናተውህበ ክሳብ ዕለተ ማእሰርቲ (መስከረም 18) ቀጺሉ።
•ቀንዲ ብፕረዚደንትን ደገፍቱን ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ጸለመን ምፍርራሕን ዘመተ፡ ጉጅለ 15 ናይ ደገ ሓይሊታት ዕሱባት ምዃኖም፣ ምስ ወያነን ሲኣይኤን ርክብ ኣለዎም (ብናቶም ኣጀንዳ ኢዮም ዝኸዱ)፣ ኩናት ወያነ ዘሰንበዶም ተንበርከኽቲ ኢዮም፣ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወያነ ከሎ፡ ጉባኤ ግንባር፣ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፣ ሃገራዊ ምርጫን፣ ኪግበር ኣይከኣልን ኢዩ፤ ንህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ልዑላውነት’ምበር ዲሞክራሲ ቀዳምነት ኣይኮነን፣ . . . ወዘተ፡ ዝብሉ ነይሮም።
•ናይ ምፍርራሕን ጸለመን ዘመተታት ምስ ኣጠናቐቑን፡ ናይ መስከረም ኣብ ኒውዮርክን ዋሽንግተንን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ስለ ዝነበረ ንዕኡ ብምምዝማዝን፡ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ተወሲዱ።
•ኢሳያስ፡ ንዝወሰዶ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ሕጋውነት ዝለበሰ ንምምሳል፡ ኣብ ለካቲት 2002 ንሃገራዊ ባይቶ ብምእካብ፡ ንዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ብባይቶ ጸዲቑ ብስም ባይቶ ከኣ ከም ዝግለጽ ጌሩ።
•ሃገራዊ ባይቶ፡ ብኢሳያስ ንዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ሕጋዊ ንምምሳል ብለካቲት 2002 ካብ ዝእከብ ክሳብ ሕጂ ኣይተኣከበን (12 ዓመት ኮይኑ)።
•ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ 17 ኣብ ቤት ማእሰርቲ፤ 7 ኣብ ደገ፤ 6 ድማ ዝመቱ ኣለዉ። ኣዚኦም ካብቶም ናይ ህግደፍ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝኾኑ 75 ጥራይ ኢዮም። ካብ ባይቶታት ኣውራጃታት ናብ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝኣተዉ፡ ክንደይ ኣብ ተመሳሳሊ ኲነታት ከም ዘለዉ ንግዚኡ ሓው መስፍን ክሕብር ኣይከኣለን።
•ንምጥቕላል፡-

* ብዙሕ ሰብ፡ ንዕላማ 15 በብዝመስሎ ይገልጾ ኢዩ። ጉጅለ 15 ከም ንዝተረስዐ ዕማም ንምዝኽኻርን ንምእራምን’ምበር፡ ንፕረዚደንት ንምቅዋም፡ ወይ ናይ ፖለቲካን ምሕደራን ጽገና ንምግባር ኢሉ ኣይተበገሰን።

* ከም ኣሰራርሓ ፕረዚደንት ይኹን ናይቲ ግንባር ዝቃወም ኮይኑ ክዛረብ/ክገልጽ ዝጀመረ፡ ድሕሪ ኣሉታዊ መልሲታት ፕረዚደንትን፡ ናይ ምፍርራሕን ጸለመን ዘመተን ጥራይ ኢዩ።

* ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ ንምትእትታው ድሌት’ኳ እንተ ነበረና፡ በሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን ኣገባብ፡ ኣውራ ድማ ምስ ምስረታ ቅዋማዊ ስርዓት ብምትእስሳር ጥራይ ንርእዮ ኔርና።

2. ህሉው ኩነታት እሱራት ጉጅለ 15፡
•ክብ ኢሉ ተጠቒሱ ከም ዘሎ፡ ምእሳር ኣባላት ጉጅለ 15፡ ፍጻመ መስከረም 18 ብምምዝማዝ ተኻይዱ።
•መብዛሕትኦም ኣባላት ንጕሆ ዕለት 18 መስከረም፡ ገሊኦም ካብ ድቃሶም ብምትንሳእ፡ ገሊኦም ድማ ምውስዋስ ኣካላት ክገብሩ ካብ ገገዝኦም እናወጹ ከለዉ ኣብ ኣፍ ደገታቶም ተተቐቢሎም ኣሲረሞም። ንስድርኦም ክፋነዉ፡ ወይ ክዳውንቶም ክቕይሩ’ውን ዕድል ኣይተዋህቦምን።
•ነቲ ናይ ምእሳር ተልእኮ ክዓምም ዝተመዘዘ ሓይሊ፡ እቲ ፍሉይ ናይ ፕረዚደንት ሓለዋ ኣሃዱ ኢዩ።
•ኣስቴር ፍስሓጼን፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኣ ስለ ዘይነበረት፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ፡ ኣብ ከረን ከይዶም ኢዮም ኣሲሮማ።
•ገለ ካብ ስድራቤታት ጉጅለ 15፡ ኣቦታቶም ክእሰሩ ከለዉ ስለ ዝበኸዩን ዝወጨጩን፡ በባትር ዝተሀርሙን ምስ ወደቑ ብእግሪ ወተሃደራት ዝተረግጹን ነይሮም።
•መጀመርታ ኣብ እምባትካላ ዝተባህለ ቦታ (ከባቢ 30-5 ኪሜ ካብ ኣስመራ) ኢዮም ተኣሲሮም ነይሮም። ካብ እምባትካላ ናብቲ ቀጺሎም ዝገዓዙሉ ቦታ (ዒላ ዒሮ) መዓስ ከም ዝኸዱ ብልክዕ ኣይፈለጥኩዎን።
•ዒላ ዒሮ ካብ ኣስመራ ንሰሜን ናይ 70-75 ኪሜ ኣቢሉ ናይ መሬት ርሕቀት ኣለዎ። ካብ 600 ሜተር ዘይበዝሕ ብራኸ (altitude above sea level) ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ዘለዎ፡ ጸቢብ ስንጭሮን ብርቱዕ ሃሩር ዘለዎን ኢዩ። ኣብ 70ታትን መጀመርታ 90ታትን ንብርክት ዝበለ ግዜ ተቐሚጠሉ ዝነበርኩ ቦታ ስለ ዝኾነ ናይ ግዜ ሃሩር ይኹን ሓጋይ ኣየሩ ብዙሕ ኣስተማቒረዮ ኢየ።
•ንኩነታት ኣተሓሕዛኦም ዝምልከት፡ ንምግላጹ ዘኽእል ፍልጠት ዘለዎ ሰብ፡ ዋላ ካብቶም ምስ ኢሳያስ ዘለዉ፡ የለን። ሓደ ዶክተር፡ ሕጂ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ክፍሊ ሕክምና ሓላፊ ዘሎ፡ ሃይለ ምሕጹን ዝተባህለ ጥራይ ኢዩ ዝፈልጥ ይብሉዎ። እቶም ካልኦት፡ ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ይኹኑ ኣብ ካልእ መዓልታዊ ናይ እሱራት ጉዳይ ዝሰርሑ፡ ንርእሶም ዳርጋ እሱራት’ዮም። መታን ምስጢር ኩነታት እሱራት ንካልእ ከይገልጹ፡ ካብቲ ቦታ ከይንቀሳቐሱ ክልኩላት ኢዮም። ኣብ ከባቢቲ ተኣሲሮሙሉ ዘለዉ ቦታ ተወሳኺ ሓለዋታት ዘካይዳ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት’ውን ኣለዋ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ኣብቲ ከባቢ ክበጽሕ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ።
•ንህላወኦም ዝምልከት፡ ብርግጽ ብሂወት ኣለዉ ድዮም፡ ዝፍለጥ የለን። 1-2 ካብቶም ሓለዋ ዝገብሩሎም ዝነበሩ (ድሓር ግን ዝሃደሙ) ከም ዝኾኑ ንርእሶም ኣላልዮም፡ እከለ መይቱ፡ እከለ ሓሚሙ፡ ዝብሉ ነይሮም። ሓቂ ወይ ሓሶት ክብሃል ኣሸጋሪ’ዩ። ምስ ካብ ግዜ ቃልሲ ኣትሒዙ ዝተዋህለለን ብቑዕ ክንክን ዘይተገብረሉን ሕማማቶም፡ ናይ መግቢ (መኣዛታት) (nutrition) ሕጽረት፡ ኩነታት ኣየር፡ ከምኡ’ውን ዕድሚኦም፡ ኣብ ግምት ኣትዩ ክርአ ከሎ፡ ብሂወት ናይ ምህላዎም ተኽእሎ ጸቢብዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ።

3. ካብ ኣህጉራዊ ፓርላማዊ ሕብረት እንጽበዮ፡
•ናይዚ ሕብረት ኣባላት ናይ ዝኾና ፓርላማታት፡ ንነናይ ሃገራተን መንግስታት፡ ኩነታት እሱራት ጉጅለ 15 ይኹን ካልኦት ኤርትራውያን እሱራት ንምፍላጥን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ውሳነ ክወሃቦምን ዝተወሃሃደን ቀጻሊን ጽቕጢ ኪግበር፡ እዚ ሕብረት’ዚ ውሳነ ክሕልፍን ንኣባላቱ መምርሒ ክህብን።
•ንምኽባር ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ዝጣበቓን ዝንቀሳቐሳን ኣህጉራውያን ትካላት፡ ናብ ኤርትራ ብምእታው ኩነታት እሱራት ክፈልጣን ሰብኣዊ ክብረቶም ተሓልዩ ክትሓዙን ጻዕሪ ክገብራ መተሓሳሰቢ ምሃብ።
•ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃልሲ ምእንቲ ዲሞክራሲ ስለ ዝኾነ፡ ኣህጉራዊ ሕብረት ፓርላማ ድማ ሕቶ ዲሞክራሲ ካብ መሰረታዊ ንምርግጋጹ ዝሰርሓሉ ምዃኑ ኣብ መትከላቱ ገሊጹዎ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ኣብ ስደት ንርከብ ኣባላት ጉጅለ 15፡ ምቕጻል ጠለባት ናይቲ ጉጅለ ንምርግጋጽ፡ ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባት ኰንና ክንሰርሕ ካብ ንጅምር እነሆ ልዕሊ 12 ዓመት ጌርና ኣሎና። ዕላማ ጉጅለ 15 በቲ ስርዓት ተጠምዚዙ ኮይኑ) ስለ ዝግለጽ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ዕላማታት ጉጅለ 15 ንምግላጽን፡ ህዝቢ ንዲሞክራሲያዊ መሰላቱ ክቃለስ ብቐጻሊ ክንሰርሓሉ ዘኽእለና ናይ ሚዲያ መሳርሒታት ይጎድለና (ከም ናይ ጽሑፋት፡ ራድዮን፡ ተለቪዥን ዝኣመሰሉ)፡። ስለዚ፡ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ምትሕግጋዝ ኪግበረልና።
•ብሰንኪ ዘይእሩምን ዘራጊን ዝኾነ፡ ዞባዊን ኣህጉራዊን ዝምድናታቱ፡ ካብ ኣህጉርዊያን ትካላት ይኹን ውልቀ ሃገራት ንመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ናይ ንዋት ደገፍ ደው ከም ዝበለ ንሰምዕ። ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ድማ መነባብርኡ ብትሕቲ ማእከላይ ገምጋም (below average) ብዝኾነ ኢዩ ዘሕልፎ ዘሎ (ብፍላይ ኣብ መሰረታዊ ናይ መግቢ ቀረብ፡ ስእነት ብቑዕ ትምህርቲ ንህጻናት፡ ሕክምናዊ ክንክን፡ ጽላል– shelter: ዝኣመሰሉ)። ስለዚ፡ እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዛት ነዞም ሽጉራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ምሕጋዝ ክውዕል መደባት (projects) ምውጻእን ንካልኦት ምዝኽኻርን፡ ብወገን ኣሕፓ ክሰርሓሉ ነተሓሳስብ።
•ዞባውያን ምስሕሓባት ናይ ዘይምርግጋእን ስእነት ጸጥታን ጠንቂ ምዃኖም፡ ስእነት ጸጥታን ምርግጋእን ብወገኑ ጠንቂ ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን ግህሰት ምዃኑ፡ ኣሕፓ ኣሚኑሉን ንዕኡ ንምፍታሕ ከም ዝነጥፍን ጠቒሱ’ሎ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምስሕሓብ፡ ብመሰረት ብይን ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ዝሓለፈ ውሳነ ክልቲኦም ወገናት ተቐቢለሞ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዘይቅበሎ ኩነት ኣተኣሳሲሩ፡ ኣብ ባይታ ክሕንጸጽ ኣይተቐበሎን። መንግስቲ ኢሳያስ ድማ ናይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ዘይምውጻእ ከም ምስምስ ወሲዱ፡ ቅድሚ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራሲን ሰሪዑ፡ ቅድም ሃገራዊ ልዑላውነት ይብላሎ’ሞ፡ ኣሕፓ ነቲ ብይን ከተግብሮ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ክሰርሓሉ።
•ጉዳይ እሱራት ጉጅለ 15ን ካልኦት ኤርራውያንን መታን ከይርሳዕ፡ ኣሕፓ ነዚ ዝሕግዝ ኣጋጣሚታት ክውድብ። ንሕና እዞም 4 ኣብ ደገ ዘሎና ኣባላት ጉጅለ 15’ውን ኣብዚ ጉዳይ ዝከኣለና ክንገብር ኢና። ብዛዕባዚ ምስቶም ካልኦት ብጾተይ ክዘራረብ እኽእልየ።
•ንሕቶ ግህሰት ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ድማ ብፍላይ፡ ንምቅልሑ ቀጻሊ ኣጋጣሚታት ምፍጣር እቲ ጉዳይ ከይርሳዕ ወይ ሸለል ከይብሃል ስለ ዝሕግዝ፡ ኣሕፓ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ኣብ ምፍጣርን ምውዳብን ብቐጻሊ ክሰርሓሉ ነተሓሳስብ። እዞም ኣብ ደገ ንርከብ ኣባላት ጉጅለ 15 ዝነበርና ከኣ፡ ኩሉ ዘድሊን ንኽእሎን ኣበርክቶ ምግባር ከም ግቡእና፡ ከምኡውን ፖለቲካዊን ሕልናውን ግዴታና ስለ ንርእዮ፡ ኣብዚ ሜዳ’ዚ ምትሕብባር ከም ዕማም ንወስዶ።
ኣብቲ ኣኼባ ብዘይካ ኣባላት ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ኣህጉራዊ ሕብረት ፓርላማታት: ዋና ጸሓፊ ኣሕፓ ዝኾነ ሚስተር ኣንደርስ ጆንሶን ምስ መሳርሕቱን: ናይ ሰዲህኤ ናይ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ: ሓው ወልደሱስ ዓማርን ተረኺቦም ነይሮም።
http://www.harnnet.org/index.php/articles-corner/tigrinia-articles/5910-mesfinhagosipa15-2

ዓረና-ትግራይ ከመይ ይሓስቡ ብእዝንኹም ኣዳምጽዎ!

http://www.sbs.com.au/yourlanguage/tigrinya/highlight/page/id/311348/t/Interview-with-Chairman-of-Arena-Tigray–Part-1/

Time to Bring Eritrea in from the Cold (But It’s Harder than It Sounds) – By David Shinn

http://africanarguments.org/2014/01/13/time-to-bring-eritrea-in-from-the-cold-but-its-harder-than-it-sounds-by-david-shinn/

Rebecca Garang speaks out on South Sudan unrest

Naz of Voice of Eritrea speaks to Merid Zeru: National Reconciliation