Monthly Archives: September, 2015

እምባሮጦርያዊ ዕብለላ፡ ብኣይዶሎጂካዊ ዉዲትን ምጣኔ-ሃብታዊ ብሕትዉና፡

ኣብ ድሮን ድሕሪ ምዕዋት እንዱስቱሪያላዊ ሰዉራ ሽዉሃት እምባሮጦርያዊ ስርርዕ ዕብለላ እንዳተጋህደን መጸ። ኣብ 1860ታት ዝነበረ ዓለማዊ ኩነት፡ ምፍጣር ክልተ ኣይዶሎጂካዊ ደንበታትን ከም በዓል ዋዕላ በርሊን ንኣፍሪቓ ንጉልትታት መቛቂልካ ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ መግዛእትን ህዝብን-ሃገርን (Nation-state) ብምዕራባዉያን-ኤዉሮጳ ከም ዝምስረት ድሕሪ ምግባር፡ እዚ ዳይነሚክስ ዝፈጠሮ ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ጋህዲ ከምዝኸዉን ኮነ። ኣብ 1950ታት፡ 1960ታት፡ 1970ታትን 1980ታት ድማ ዳርጋ ኩለን ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ማሕበርነታዊ (ዴሳዊ) ኣይዶሎጂ ብምዕጣቕ፡ ንመግዛእቲ ብሰላማዊን ዕጥቃዉን ኣጋባብ ብምግጣም ገሊኣን ስማዊ ናጽነት ብምሃብ ኣብ ትሕቲ ሓድሽ መግዛእቲ ገዛእተን ተቆርና፡ ዝዉሓዳ ድማ ናጽነተን ኣኳ እንተራጋገጻ ብቀጥታዉን ዘይቐጥታዉን ማሕለኻታት ምዕራብ ኣብ ምስሓግ-ጻዕረ ሞት ይርከባ ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ክፍለዘመን ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ከምዘሎ ዓለምና ብክልተ ፖሎቲካዊ ኣይደሎጂካዊ እምነታት ተመቂላ ርእስማላዊነታዊን ማሕበራዊነታዊ ደንበ ተባሂሉ ኣብ ፍጹም ዉድድር ብምእታዉ ኣብ መን ዓብለለ ዝተኻየደ ዙሑል-ኪናት፡ እቲ ርእሰማላዊ ደንበ ተዓዊቱ ከምዝወጸ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ እዩ። ነዚ ዉድቀት ማሕበርነታዊ ደምበ ዝኾነ። እቲ ኣይደሎጂካዊ ፍልስፍና ብባዓል ካራል ማርክስን ፍረንድሪክ ኢንግሊዝ ክማሃዝ እንከሎ፡ ቀንዲ መወልቱን ኣታባባዕቱን ኣብ ኤዉሮጳን ዓለምን ዝነበሩ ኣይህዳዉያን እዮም። ኣይህዳዉያን ናብታ ናይማሕላ ዓደቦ ዝብልዋ ኣብ መሬት ፍልስጤም ኣብ ሓንጎሎምን ዝተቀርጸት ኢስራኤል ከካናዉኑ ንዓለም ንትኹላዊ ምትፍናን ከእትዉዋ ይድለ ስለዝነበረ፡ ናብዚ ዕላማ እዚ ንምብጻሕ ናይ ኣይሁዳዉያን እዚ ዓለማዊ ከዉላዊ-ዉዲት (The Jew World Order Conspiracy) የድሊ ስለዝነበረ ማርክስነት ክማሃዝ ዝተደልየ። ድሕሪ ምህዞ ማርክስነት ዕላማ ኣይሁዳዉያን ንምዕዋት፡ ኣቦ ዘመናዊ-ጽዮንኖት ዝኾነ ቢንጃሜን ዛይፍ ሄርዜል(ተዶር ሄርዜል) ንኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣይህዳዉያን ብጽዮናዊ ኣታሓሳስባ ከምዝጥርነፉን ቀስተ-ማኣዝን ኣይሁዳዊት ሃገር ንምክንዋን ተናጣጠፈ። ጎኒ-ጎኒ እዚ ንጥፈታት እዚ ንኣይሁዳዉያን እዚ ዓለማዊ ከዉላዊ-ዉዲት ንምዕዋቱ፡ ኣብ ሩስያ ይኹን ምብራቕ ኤዉሮጳ ኣይህዳዉያን ቀንዲ መራሕቲ ማርክሳዊ ኣይዶሎጂ ኮይኖም ብምስራሕ ንሰልፊ ቦልሸፊክ ሩስያ ክፈጥሩን ንሰዉራ ጥቕምቲ 1917 ከዕዉቱ በቕዑ። ኣይህዳዉያን ኣብ ትሕቲ ስታሊን ቀንዲ ፈጠርቲ ነዉጽን ቅንጸላን ብሙኻን ኣስታት 40ሚልዮን ሩሳዉያን ከም ዝሃልቁ ገበሩ። ኣብ ትሕቲ ስታሊን ትምራሕ ዝነበረት ሩስያ ንዓበይቲ ገዳማትን ኣብያተ-ክሪስትያናት ከተዕኑ እንኮላ ናይ ኣይሁዳዉያን ሴኒጓልን (መጸለይ-ቦታ) ዋላ ሓንቲ ገዛ ትኹን እዉን ዝፈረሰት ኣይነበረትን። ብተወሳኺ ጸረ-ሴማዊ (ጸረ-ኣይህዳዊ) ኣታሓሳስባን ንጥፈታትን ብሕጊ ዘቅጽዕ ሙኻኑ ስለዝተኣወጀ፡ ኣብ ማሕበርነታዊት ሩስያ ዝላዓለ ሓይሊ፡ ጸጥታዊ-ክንክንን ዉሕስነትን ዝነበሮ ሩስያዊ-ኣይሁድ ክኸዉን በቕዔ። እቲ ን3000 ዓመታት መመላእታ ካብ ግብጺ ጊዝያተ ፎርዖን ጀሚሩ እንዳተሳደደ ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ብትን ዝበሉ ህዝቢ ኣይህድ፡ ብመደብ ተዶር ሄርዜል ኣብ ኡጋንዳ፡ ቀጺሉ ኣብ መሬት ፍልስጤም ከም ሃገር ክጣየስ ቅልስ ተኻይድሉ ኣብ 1948 ዘመናዊት ሃገር እስራኤል ብመሰረት መጽሓፍ ቁዱስ ዝሕብሮ ኣብ ዉሽጥ መሬት ፍልስጤም ተፈጥረት።
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣይህዳዉያን ፈሊጣን፡ ሰብ ገንዘብን ኣብቲ ዝነብሩሉ ሃገራት ሰበ-ስልጣን ድማ፡ ብሙሉእ ዓቕሞም እስራኤል ሓያል ሃገርን ህዝቢ ኣይህድ ሓያል ህዝቢ ኮይኑ ንክወጽእ ገበርዎ። ኣብ’ዚ እዋናት’ዚ ኣብ ዓለምና ዝዓበየት ጽልዋን ኣብዝደለየቶ ወቅቲ ድላያ ስጉምትታት ክትወስድ ትኽእል ሃገር እንተሃሊያ እስራኤልን ህዝቢ ኣይሁዱን እዮም። ዓለማዊ ሓድሽ ትእዛዝ ኣብ ወትሃደራዊ፡ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዊ ዝበልሔ ጥርዚ ርእሰ-ኪናት እስራኤል ንኽትከዉን ዘቃናጁን ዝገብር እዩ። ህዝቢ ኣይሁድ ኣብ ኣሜርካ ዝነብር 2% ብዝሒ ናይህዝቢ ኣሜሪካ ዘለዎ ከንሱ፡ ብዘለዎ ኩሉእንተናዊ ጸጋታትን ወሳኒ-ተራ ስለዝዉንን፡ ዋላ እዉን ነታ ሓያል ሃገር ዓለምና ዝኾነት ኣሜሪካ ኣብ ፖሎቲካዊ ዉሳኔታታን ፖሊሲታታት ወሳኔ ናይ ምጽላዉ ጊደ ዘለዎም እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ምርግጋጽ ናይ እስራኤልን ኣሜሪካ ሃገራዊ ናይ ጸጥታ ስትራተጂ ዝተጸምደን ኣብ ዋጋን-ዕዳጋን ዘይእቱ እዩ። እዚ ማለት ድማ ቀዳምነት ረብሓታት ኣሜሪካን እስራኤል ቀዳማይ ኮይኑ፡ ረብሓታት ኣህዛብን ሃገራትን ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ-ኣፍሪቓ፡ ነቲ ቀዳማይ ረብሓ ዘሳስንን ንኡኡ ዘገልግልን ጥራይ ክኸዉን ስለዘለዎ፡ ናይ እስራኤልን ኣሜሪካ ሃገራዊ ናይ ጸጥታ ስትራተጂ ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመታት ዘይቃያየር ሓደ ከንሱ፡ ነቲ ስትራተጂ ዘገልግል ስልትታት ግን እንዳተቃያየረ ዝኸይድ እዩ።
ሕብረት ሶቬት መስርሕ ምጣኔ ሃብታዊ ዳግመ-ስርራዓዊ ምትዕርራይ(Perestroika)፡ ዜጋታት ሩስያ ደረት ናይ ሓሳባቶሙን ስሚዒታቶምን ናይ ምግላጽ ሓርነት ምኽፋትን ብልሽዉናታት ምጣኔ-ሃብትን ዘይንቡር ኣጣቃቅማ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምቁጽጻር (Glasnost) ኣብ 1980ታት ኣታታትዮም ማሕበርነታዊ ፖሎቲካዊ ስርርዓቶም ንሓዉሲ ሊበራል ክቕይሩ ኣብ ዝዋደድሉ ዝነበሩሉ ወቕቲ፡ ተዋዲዱን ሰፊሕ ናይ ምጣኔ-ሃብታዊ ዓለምለኻዊ ትካላት ምትእስሳራት ተመስሪቱ ዝጸንሔ፡ ሓድሽ ዓለማዊ እዚ ዓዉለማ ከም ቀንዲ ገዛኢ ኮይኑ ንኪወጽእን፡ ነዚ መሃንዱሱን መራሒቱን ድማ ኣሜሪካ ኮይና ወጸት። ኩሉ ብከቢድ ሚስጢራዊነት ክስራሓሉ ዝጸንሔ፡ ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ኣሜሪካ ዝጥቀሙሉን ዝነበሩ ኣገልግሎት ኢንቴርነት ድማ ንመላእ ዓለም ኣገልግሎት ከምዝዉዕል ን ንዓለምና ብመራኸቢታት ንንኡሽቶ ቁሸት ከምዝቕይራ ተገብረ። ካብ 1987 ጀሚሩ ድማ ዓዉላማ ቅንዲን ዝላዓለን ዓለማዊ እዚ ኮነ።
ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ስነሓሳብ ህዝብን ሃገር ኣብ ሓደጋን ቅልዉላዉን ይርከብ ኣሎ። ኣብ ግምታትናን ብግብሪን ንህላዌ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣብ ዓንዲ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ክጽፈን ክዓቢ ከምዝኽእል ክንርኢ ዝጸናሕና፣ ድሕሪ ዓለማዊ ዝሑል ኩናት ምብቕዑ፣ ዓለምለካዊ ዓዉላማዊ ምሕደራ (world order) ምስተቀየረ ግን ሕቶ ሃገራዉነት፣ ሃገራዊ መንነትን፣ ልዕላዉነትን ሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ተሳጢሑ ኣሎ።
ዓዉላማዊ ምሕደራ ንማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ሓንቲ ሃገር ኣብ ክንዲ ከም ሕብረተሰብ ወይ ህዝቢ ዝወስዶም፣ ከም ሓደ ኣህላኺ (consumer) ስለዝቆጽሮም ንሕቶ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገር ንሓደጋ ኣቓሊዑ፣ ንኣህዛብ ንትኹላዊ ምትፍናን (ploarization) ይድቕድቆም። እቶም ብሓደ ሃገራዊ መንነት ዝጽዕዱ ዝነበሩ ህዝብታት ድማ ናብ ዝደቀቀ መንነት ተመሊሶም ክጽዕዱ ይድርኾም።
ኣብ ዓዉላማዊ ምሕደራ ፣ ስነ-ኪነታዊ ሰዉራ ንመራኸቢታትን ሓቤሬታ ንዓለምና ንኑእሽቶ ቁሸት እኳ እንተቀየራ፣ ብመንጸር እዚ ኣዉንታዊ ምዕብልና ድማ፣ ደቂ ሰባት ብሳጹን ናይ ኢንተርኔት መራኸቢታት (internet modems) ተጨዉዮም፣ ኣካላዊ ማሕበራዊ ርክክብ እንዳማእደደ ስለዝኸይድ ማሕበራዊን ኣካላዊ ተነጽሎታት ፈጢሩ ኣሎ። ኩሉ ሕብረተሰብኣዊን ፖሎቲካዊ ሽግራት ንምፍትሑ፣ ሕቶ እንካን ሃባን ስለዝኾነ፣ ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ብኣካል ተራኺቦም ሽግራቶም ብእንካን ሃባን ዝፈትሑ ድማ፣ ሽዉሃት ድሌታቶም ንምዕጋብን ኣትሓሳስባታት ደቂ ሰባት ንምሙቛሑን ንምቁጽጻሩ ናይ ብማዕዶ ብጽሕፍ ኪናት ዘካይድሉ ኮይኑ ኣሎ። ዉጽኢት ናይ ከምዚ ንጥፈታት ድማ ንሕብረተሰብ ነንሕድሕዱ ከምዝናጻጸል ገይርዎ ኣሎ።
እዚ ሕብረተሰብኣዊ ምንጽጻል ፣ ነቶም ስግረዶባት ምጣኔ- ሃብታዊ ወፍሪታት ኣካይዶም ሕሱር ጉልበት፣ ሰፊሕ- ዕዳጋን ጥረ-ነገራት ንምምዝማዝ ዝነጥፉ ኣዝዮም ሃብታማት ዉልቀሰባት፣ ሃገራትን ዓለምለኻዊ ኩባንያታት (multinational corporation (MNC) ዕዱን ባይታ ፈጢሩ፣ እቲ ሃብታም ዝነበረ ኣዝዩ ሃብታም፣ እቲ ድኻ ዝነበረ ኣዝዩ ድኻ፣ እቲ ሓደ ሕብረተሰብ ዝነበረ ንቡዙሓዊ፣ እቲ ሓደ መነት ዝነበረ ንቡዙሕ ንኡሳን መንነት፣ እቲ ሓደ ሃገር ህዝቢ ዝነበረ ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ…ወ.,ዘ.ተ ብምድቃቕ የዳቕቆምን ንሕቶ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ድማ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣእትዩ የህዉትቶ። ሓደ ተቃላሳይ ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ፣ ሓደ ዓሳ ኣብ ዉሽጥ ባሕሪ፣ ሓንቲ እስትንፋስ ኣብ ዉሽጥ ብደም ዓጽሚ ጭዋዳታት ጅማታት ዝተሃንጸ ፍጡር እዮም ዝነብሩ፣ ሓቐኛ ዲሞክራሲ ድማ ኣብ ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ጥራይ እያ ክትምስረት፣ ክትዕንብብን ክትዓብ እትኽእል።
ዓዉላማዊ መስርሕ ንስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ብክልተ ሽነኽ የጻብበሉ ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ሽነኽ ካብ ንኣምር ህዝብን ሃገርን ሰጊርካ ዝግበር ምትእኽኻብ ዝመጽእ ጸቕጢ እዩ። ንመረዳእታ ምጥርናፍ ኤዉሮጳዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ማሕበረሰብ (EEC)፡ ከምኡ እዉን ዞባ ነጻ ንግዲ ሴሜን-ኣመሪካ (NAFTA) ካልኦት ዘይሮቛሕኩዎም ዓለምለኻዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ምትእስሳራትን ኩባንያታትን፡ ነዚ ከተንብሆ ዝጸናሕኩ ፍጻሜ ዘገልጹ ጋህድታት እዮም። ናይዚ ክጥሕምሶ ዝጸናሕኩ ምትእኽኻባት’ዚ ድርኺት ብቐንዱ ምጣኔ-ሃብታዊ ኾይኑ፡ ጎኑ ንጎኑ ድማ ስግረ-ዶባዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ንጥፈታትን ምስፍሕፍሓትን ፍጹም ዕዳጋታት ዓለም ንሙቁጽጻር እዩ። እቲ ካልኣይ ሸነኹ ድማ ከም ባዓል ማሊ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ሱዳን፡ ሶማል፡ ኮንጎ፡ ሶቪየት-ሕብረት፡ ዩጉዝላቪያ፡ ቺኮዝላቫኪያ፡…ወ.ዘ.ተ ብቛንቓ፡ ብኤትኒክ-ጉጂለ፡ ብሃይማኖት…ወ.ዘ.ተ ዝተባታተናን ናብ ምብትታን ዘምርሓ ዘለዋ ጸቕጢ ዓዉላማ ዝፈጠሮ ክዉንነታት እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ እናኣንቖልቖለ ዝኸይድ ዘሎ ተዛማድነትን ኣድማዕነታት ስነ-ሓሳብ ህዝብን ሃገርን ከም መለለይ ሓባራዊ መንነት፡ ጠንቂ ስግረ-ዶባዊ ምትእኽኻብ ጠንቂ ምብትታን ህዝብን ሃገርን እንክኸዉን በቕዔ።
ዓዉላማዊ ምሕደራ ንሃገራትን ህዝብታት ዓለም ብምጣኔ-ሃብታዊ ምግባትን ስግረዶባዊ ምትእስሳራትን ጥራይ ኣይኮነን ዘጻባበለን፡ ነዚ ምጣኔ-ሃብታዊ ገባቲ ስትራተጂ ንምዕዋትን ንምሕላዉን ንጡፍ ዝኾነ ወትሃደራዊ ዓለምለኻዊ ሓለዋን ምንጥጣፋትን ኣለዎ። ንዓለምና ብጭፍራ ናይ ኪናት መራክብ ሴሜናዊ ወትሃደራዊ እዚ፡ ደቡባዊ ወትሃደራዊ እዚ፡ ኣፍሪቃ ወትሃደራዊ እዚ፡ መጓዓዝያዊ ወትሃደራዊ እዚ፡ ፍሉይ ስርሒታት ወትሃደራዊ እዚ፡ ማእከላይ ወትሃደራዊ እዚ፡ ኤዉሮጳ ወትሃደራዊ እዚ፡ ስትራተጂካዊ ወትሃደራዊ እዚን ናይ ፓስፊክ (ሰላማዊ-ዉቕያኖስ)ወትሃደራዊ እዚ ተባሂሊ ብምምቅቓል ንዓለም ብሱጡም ኣኽቢብዋ ይርከብ። ዝኾነ ይኹን ንምጣኔ-ሃብታዊ ስትራተጂታቶም ዝጻባእ ክዉንነት እንተተረኺቡ፡ ኣካላዊ ወትሃደራዊ ምትእትታዉ ብምግባር ቅርስም ቅርስም የብሉዎ።
ምስ እዚ ምጣኔ-ሃብታዊ፡ ፖሎቲካዊን ወትሃደራዊን ስትራተጂታት ተሳንዩ ዝኸይድ ድማ ብዘይካ እቲ ንቡር ሃገራዊን ዓለምለኻዊ ጂኦግራፊካዊ ምክፍፋል፡ ንዓለም ንምምሕዳራን ንምዝምዛን መታን ክጥዕም ተባሂሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ዓለም ምሕደራ ጂኦግራፊካዊ መልሕቃት (anchor countries) ምክፍፋላት ኣለዎም። ነተን ከም ናይ መልሕቅ ሃገራት ዝገልጽወን ቻይነ፡ ህንዲ፡ ኢንዶ-ነዝያ፡ ፓኪስታን፡ ታይላንድ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ኢራን፡ ናይጀርያ፡ ሱዕድ-ዓረብ፡ ብራዚል፡ ኣርጀንቲና፡ ደቡብ-ኣፍሪቓ፡ ሚክሲኮ፡ ቱርኪን ራሻ እየን። መዕየሪታቶም ቀንዲ ተራ ናይተን ሃገራት ኣብ ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌ ኣብ ዝርከባሉ ዞናታት ብዝጻወትኦ ግደ እኳ እንተኾነ፡ ገሊኤን ሃገራት ኣብ ተራጻሚ ግርጭት ምስ እምቦሮጣርያዊ ዓለም ዝርከባ እየን፡ ገሊኤን ድማ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ኣገልግሎት እምቦሮጣርያዊ ዓለም ዝርከባ እየን። እቲ ኮይኑ እዚ ግን ብመሰረት ሓድሽ ዓለማዊ ምሕደራ ዓዉለማ ኩለን ብቀጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ ንረብሓ እምቦሮጣርያዊ ዓለምና ዘገልግላ ከምዝኾና ዝተሰርሓን ዝተዋደዳ እየን።
እዚ ግንዛቤታትን ኩዉንነት’ዚ ዓቕልኻ ኣጽቢቡ ኣብ ዓለም ሓንቲ ክትገብር ከምዘይትኽእል ዘምስልን ዘስምዕን እኳ እንተኾነ፡ ኣንጻር እዚ ግበታ ዝተላዕሉ ዓለምለኻዊ ሓይልታት ብሪክስ (BRICS) ዝፍለጡ ዓለምለኻዊ ዉደባ ብሃገራት ብራዜል፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ዶቡብ-ኣፍሪቓ ዝጠመረ ዉደባ ኣሎ። ነዚ ዉደባ’ዚ ዞቖማ ሃገራት ኣላላት ጉጄለ 20 (G-20) ኾይነን ነቲ ዘይተወደነ ዓለምለኻዊ ምጣኔ-ሃብታዊን ፖሎቲካዊ ሚዛን ዕብለላ ንምምዕርራይን ንሙቑጽጻሩ ዝነቀላ እኳ እንተኾና ዛጌት ብቁጡዕን ብንጹር ኣብ ፍጹም ጽምዶ ዝኣተዋ ኣይኮናን። እንተኾነ እቲ እምባሮጦርያዊ ዕብለላ፡ ብኣይዶሎጂካዊ ዉዲትን ምጣኔ-ሃብታዊ ብሕትዉና ናብ ዝላዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋናት እዚ ዓለምለኻዊ ዉደባ’ዚ ኣድማዕነት ከምዝህልዎ ዘጣራጥር ኣይኮነን።
ዓለምና ከምዚ ስለዝኾነት ምንባር ደዉ ከተብል ኣይክኣልን እዩ። እንታይድ ነቲ ኩዉንነት ኣለሊኻ ከመይ ጌርካ ኣብኡ ትነብርን ተረባሒ ትኸዉንን እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ዓለማዊ ወጥርን ዕብለላ ቡዙሕ ነገር ክግበር ተኽእሎታት ከምዘሎ ምፍላጥ ከድሊ እዩ። ወሳኒ ግደ ሰብን ትኽተሎ ሜላታት እዩ። ግደ ሰብ ማሕበራዊ ጸጋታት ስለዝኾነ፡ እዚ ዓይነት ጸጋታት መሰረት ምጣኔ-ሃብታዊን ፖሎቲካዊ ጸጋታት ስለዝኾነ ንትኽተሎ ሜላታት እዉን ብኣዉንታ ስለዝጸልዎ ገስጋሲ ማሕበራዊ ፍልስፍናታ ብምንዕዓብ ንውሽጥኻን ከባቢኻን ቀይርካ ንዓለም ኣብ ትጸልወሉ ክዉንነት እዉን ክብጻሕ ይክኣል እዩ። ሩሑቕ ካይ ከድና ኤርትራዉያን ኣንጻር መግዛእቲ ሰዉራ ኣልዒልና ክንቃለስ እንኮሎና እቶም እምባራጦራዉያን ዓብለልቲ ንሰዉራ ኤርትራ ተቀቢሎሞ ኣይፈልጡን ከምኡ እዉን ኤርትራ ልዕላዊት ሃገር ክትከዉን እያ ዝብል እምነት ኣይነበሮሙን። ሰዉራ ኤርትራ ግን ኣገዲዱ ተማጻደቕቱ ከምዝኾኑ ገይርዎም እዩ። ሎሚኡ ድማ ከምትማሊ ማለት እዩ።

መርእድ ዘርኡ
08/09/2015
m.zerut@gmail.com

Advertisements