Monthly Archives: August, 2018

“ዶብና ክሕንጸጽ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፖሎቲካዊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ ድዩ?”!

ኣብ መብዛሕትኡ ኣብ ዲያስፖራ ዝነጥፍ ናይ ኤርትራ ተቃዉሞ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሔ ኩነተ-ኲናት፡ ብሰላማዊ ኣጋባብ ንክፍታሕ ምርጫ ዘይብሉ ከም ቀንዲ ፖሎቲካዊ መርገጺና ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ። እዚ መርገጺ’ዚ ገሊኦም ንይምሰል፡ ገሊኦም ድማ ካብ ማሕበራዊ ስነ-ኣእሙራዊ  እምነትናን መትከላትና ዝነቀለ ዝብልዎ ዝነበሩ ስለዝኾነ፡ ሕጂ ነቲ ግርጭት ኩነተ-ኲናት ብሰላማዊ ኣጋባብ ንምፍትሑ መስርሕ- ኣፈፌት ሰላም ኣብ ዝተኸፍተሉ፡ ብፍላይ እቶም ብመትከል ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሔ ኩነተ-ኲናት፡ ብሰላማዊ ኣጋባብ ንክፍታሕ  ዝኣሙኑ ዝነበሩ፡ ዝጸንሖም መትከላዊ እምነት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምፍራኽ ዝቅይረሉ ወይ ዝፋኹሰሉ ምኽንያታት ክህሉ ዶ ምስተገብኤ? እቲ ጉዳይ ግን “ኣነ ዶ ካይሕዛ ነዊት፡ ንስኺ ዶ ካይትበልዒ ሸዊት፡ ሓቢርና መስከረም ንመዉት’ዩ” ዝመስል ዘሎ።

“ዶብና ክሕንጸጽ ወይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን ዘለዎም ምስሕሓብ ክፍታሕ፡ ከም ቅድመ ኩነት፡ ብህዝቢ ዝተወከለ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ ይብሃል ኣሎ”። ግርም! እዚ ኣባሃህላ’ዚ ንህልኽ ድዩ ወይስ ኣድማሳዊ ሓቕታት ዝሓዘለ’ዩ?

  1. ዶባት ኤርትራ ዶ፡ ንሕና ወይ ብኣና ዝተወከለ ስርዓት ዝተኸለለ ድዩ? ብገዛእቲ ኣብ መንጎ ጥልያን እንግሊዝ ፈረንሳን መነሊክን (ኢትዮጵያ) ብዝተበጽሔ ስምምዓት ዶ ኣይኮነን ተሓንጺጹ? እዞም ሓይልታት እዚኦም ንሕና ዝመረጽናዮም ድዮም ነይሮም?
  2. መላእ ዶባት ሃገራት ዓለም ብህዝቢ ብዝተመርጹን ብዝተወከሉን ስርዓታት ድዩ ተሓንጺጹ?
  3. ብሓፈሻ ዶባት ሃገራት ዓለም ብፍላይ ድማ ዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ኣብ 1960 ብወሳኔ ቁጽሪ 1514 ዝልለ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም/ባይቶ ጸጥታ፡ ጉዙኣት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ገዛእተን ናጻ ክወጻን መግዝእታዊ ዶባት ድማ ከምዝነበሮ ዶባት ሃገራት ንክኸዉን ወሰነ። ብኡ መሰረት ድማ መብዛሕትኣን ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነተንን ልዕላዉነተን (independence and sovereignty) ኣዋጃ። ቀጺሉ ዉድብ ኣፍሪቃዊ ሓድነት (OAU) ድሕሪ ኣብ 25 ግንቦት 1963 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምምስራቱ፡ ኣብ ቀዳማይ ኣኼቡኡ ኣብ ካይሮ ብ 1964 ነቲ ዉሳኔ ባይቶ ጸጥታ ንዶባት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ዝዎሰኖ ዉሳኔ ብምልኣት ኣጽዲቁዎ እዩ። እቲ መግዛእታዊ ዶባት ሃገራት፡ ብዘይ ዝኾነ ለዉጢ፡ ከምዝነበሮ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንከሎ፡ ክቕጽል ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ተኣዊጁ’ዩ። ቡኡ መሰረት ድማ ከም ናጻን ልዕላዉያን ሃገራት ተፈልጣ። እዚ ኣፍልጦ’ዚ ብዓለምለካዊ ሕጊ ኣዛራርባ፡ ኩለን ጉዙኣት ዝነበራ ሃገራት፡ ማዕረ እተን ገዛእተን ብታሪኽ ዝተፈጥራ ሃገራት ሉዑላዉያን ሙኻነን ስለዝተራጋገጸ፡ ምስሕሓብ ዶባት ክህሉ እንኮሎ በዚ መሰረት ጥራይ’ዩ ዝዳኔ።

ሓቂ’ዩ ብህዝቢ ዝተወከለ ስርዓት ድሌታትን ረብሓታትን ህዝቢ ዘቀድምን ነባሪ ሰላም ከራጋግጽ ከምዝኽእል ዘሳሓሕብ ርእይቶ ኣይኮነን። የግዳስ ኤርትራዉያን ባዕልና ነቲ “ብህዝቢ ዘይተመርጸ” ስርዓት ንብሎ ክንቕይሮ ስለዘይክኣልና ግን ህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ናይ ኣይሰላይ ኣይኪናት ክኸዉን ኣለዎ ማለት ድዩ?

ንሕና ክንገብሮ ዝክኣል ጉዳያት ኣሎ። ንሱ ድማ፡-

  1. ዝኾነ ግርጭታት ምስ ጎሮባብትናን ኣብ ዉሽጠናን ዘሎን ዝህሉ ብሰላማዊ ኣጋባብ ንክፍታት ብመትከል ምእማንን፡ ብመትከል ንክትግበር ምቅላስን እዩ።
  2. ብህዝቢ ዘይተመርጸ ስርዓት ንብሎ ሃገራዊን ህዝባዊን ረብሓታትና ንሓደጋ ክየሳጥሕ ምሕላዉን፡ ከምኡ ዓይነት ዝንባሌታት ከም ተርእዮ ኣብ ዝጋሃደሉ ብትሪ ምቕዋም ከዲሊ’ዩ።
  3. ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ኣይዉክለናን ንብሎ ስርዓት ክንቅይር ሓድነት ኣብ ዕላማ ዝተሞርኮሰ ጥምረት ብምፍጣር ነብስናን ህዝብናን ወዲብና ክንቃለስ ኣሎና።

ኣድማሳዊ ፖሎቲካዊ ተቀባልነት ዘይብሉ ማሕበረሰብ ዓለም እዉን ንኽትግበር  ዘፍቕድ ኣይመስለኒን እዩ። ስለዚ ኩቡራት ኤውርትራዉያን ኣሓተይን ኣሕዋተይን፡ እዚ ሕጂ ተጋሂዱ ዘሎ ተርእዮ ክመጽእ ሙኻኑ እኮ፡ ዘይግመት ጉዳይ ኣይነበረን። የግዳስ ቁምነገር ካይንገብር ስለዝሓንገድና ታሪኽ ይድገም ኣሎ። ሕጂ ኸ እንታይ ክንገብር ኢና? ካብዝሓለፈ ተሞክሮና ገምጊምና ንሕጽረታትናን ጉድለታትና ገምጊምና ንቃለስ ዶ ዋላ ንህልኽ ክንቃየቕ ጥራይ ክነብር ኢና? ዳግመ ግምገማ ከድልየና’ዩ።

ስርዓተ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝዘርኦ’ዩ ዝዓጽድ ዘሎ። ዘይዘራእካዮ ምህርቲ ኣይሕፈስን’ዩ።  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብፍላይ ኣንጻር ወያኔ ብሓፈሻ ኣንጻር ኢህወደግ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘይዓጠቕዎ ዕጥቂ ብምዕጣቕ። ዘይተመገብዎ መግቢን መስተን  ብምቕራብን፡ ዘይለበስዎ ልብሲ ብምልባስ፡ ምስ ኩሎም ተቃወምቲ ኢትዮጵያዉያን ክሳብ ናጽነትን ልዕላዉነትን ኤርትራ ዘይኣሙኑ  ሓይልታት እዉን እንተኾነ ምስኣቶም ብምሕባር ክቃለሶም ጸኒሑ’ዩ። ዓስቢ ኣሳላልፍኡን ኣበርክትኡን ድማ ሕጂ ምህርቱ ይሓፍስ ኣሎ።

ኣብ ዉሽጢ እዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ስርዓተ ህ.ግ.ደ.ፍ ብኩቱር ዓለምለኻዊ ተነጽሎ፡ ማዕቀብን ኣግእዞ-ሰብኣዊ መሰላት ጸምሉዩ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ተሰሪሑሉ ዝነበረ ወቕቲ ንሕና ተቃዉሞ ኣብ ዲያስፖራ እንነጥፍ፡ ኣብ ከመይ ናይ ሓሸዉየ ጽምዶታት ከምዝነበርና ረሲዕኩሞ ዲኹም? ስለዚ ዓወታት ክንሓፍስ ይድለ እንተሃልዩ ተኮዲጭካ ብመልሓስካ ሃለዉሎው ክትብል ናይ ዝዉዓልካን ዝሓደርካን ስለዘይኮነ። ብዕትበት ኣብ ዑቱብ ጽምዶታት ክንቃለስ በዚ ኣጋጣሚ ይጽዉዕ ኣለኹ።

ልዕሊ ኩሉ ብሓፈሻ ኣሜሪካ፡ ሱዑድ-ዓረብያን ኢማራት ኣልዓረብ ረብሓታቶም እዮም ዘቀድሙ፡ ከምኡ እዉን  ብፍላይ ድማ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ መራሒ ናይ ሃገር ኢትዮጵያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኮይኑ፡ ረብሓታት ሃገር ኢትዮጵያን ንምርግጋጽ’ዩ ዝጥዓዓሞ ኣብ ኤርትራ እንተሃልዩ፡ ዋላ ምስ ሰይጣን ስምምዕ ክገብር ድሉዉ ክኸዉን ከምዝኽእል ዶ ኣይትግሙቱን ኢኹም? ስለምንታይን እንታይ ስለዘለኩም ንዓኹም ክሰምዓኩም ኣለዎ ኢልኩም ትግምቱ? ንኢልና በልና ላኪን ማኪን እንተኾይኑ ኣምላኽ ይሓግዝ!

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

03/08/2018

  1. http://www.snitna.com/articles/%E1%89%85%E1%88%89%E1%8B%95-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-25July2018.pdf
  2. http://www.snitna.com/articles/%D8%B1%D8%B3%D8%A7%D9%84%D8%A9%20%D9%85%D9%81%D8%AA%D9%88%D8%AD%D8%A9.pdf
  3. http://www.snitna.com/articles/Open-letter-to-PM-of-Ethiopia-25July2018.pdf

 

ወዲ ድሙ ነይሓድግ ግብረ እሙ!

ኣብ ፖሎቲካ ባህሊ ኤርትራ ጓል-መገዲ እቲ ቀንዲ ፖሎቲካ ስለዝኾነ፡ ኣቀዲመ ነቲ ክምሃዝ ዝክኣል ጓል-መገዲ ክሰብሮ ኣፍቁዱለይ? ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መትከል ካብ ማሕበራዊ ስነ-ኣእሙረይ ዝነቀለ እምነትን መርገጽን’ዩ ጸኒሕኒ። ስለዚ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ብሰላማዊ መገዲ ምፍትሑ ኣብኡ ዝኾነ ዋጋ-ዕዳጋ ዘይብለሉ ጉዳይ ሙኻኑ ኣቀዲመ የነጽሮ ኣለኹ።

ኩላህና ክንግምቶ ከም እንኽእል፡ ኣብ ሕምርቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ልዕለይን ልዕሊ ካልኦት ንሕና ኢና “ሃገራዉያን” ዝብሉ ሃገራዉያን ከምዘለዉ ዘካትዕ ኣይኮነን። ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ሃገሮም ኣብ ሓደጋ ካይትወድቆም ካብ ዝብል ጉሩሁን ፍቅሪ-ሃገር ዝደረኾ ሓቦን ንሒን፡ ዉልቃዊ መሰላቶም፡ ሕቶ ጊዝኣተ ሕጊ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ ….ወ.ዘ.ተ ካልኣዊ ብምስራዕ፡ ንዝዓበየ ዕላማ ንምዕዋት፡ ማለት “ናጽነትን ሉዑላዉነትን” ኤርትራ መታን ክዉሓስ ካብ ምባል ዝነቅል ድንግል-ሓልዮት፡ ብሓያል ትዕግስትን ምጽማም መዓንጥኦም ሸጥ ኣቢሎም ክምክቱ ጸኒሖም እዮም፡፡ ኩሉ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብኣቶም ዝጠልቦ ዝነበረ ፋይናንሳዊ ነገራዊን ካብ ኣፎሙን ኣፍ ደቆምን መንጢሎም እንዳመጠዉ ክሳልይዎን ብዘይ ቅድመ-ኩነታት ሞራላዊን ፖሎቲካዊን ደገፍ ክድግፍዎ ከምዝጸንሑ፡ ንሶም ይፈልጡ ንሕና እዉን ንፈልጦ ጉዳይ’ዩ።

ን16 ዓመታት መመላእታ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሉዑላዊ መሬትና ካይወጸ ብፍጹም ኣብ ዘተ ኣይንኣቱን ኢና። ካብ መሬትና እንተወጽዩ ግን ንግሆ ዝወጸ፡ ድሕሪ ቀትሪ ንክንዛተ ድልዎት ኢና” ብምባል ይናጣጠፉ ከምዝነበረ ኩላህና ንፈልጦ ጉዳይ ኮይኑ፡ ካብዚ ዝነቐለ እዉን ስዓብቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ቀጻሊ ይዳጋግምዎ ከምዝነበሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣንካይ ዶ ንሶም ሓደ ሓደ ተቃወምቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ደገ ዝነብሩ እዉን እንተኾኑ፡ነዚ ሓርግ እዚ ከም መጽረዪ ልሳኖም ኣግኣዚ-ኣቦጊዳ ብምዉሳድ ብቀጻልነት ይዳጋገም ከምዝነበረ ኩሉ ዝፍለልጦ’ዩ።

ጥልመትን መራሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍን ሰብን ጽላሎቱን ስለዝኾኑን፡ ከምቲ ወዲ ድሙ ነይሓድግ ግብረ እሙ ዝብሃል፡ ነቲ ን16 ዓመታት መመላእታ ዝዝረበሉ ዝነበረ ፖሊሲን መትከልን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ራሕሪሑ ኣብ ዘተን ስምምዕን ክኣቱ ዝተዓዘቡ ኣባላቱ ደንጽዎም ኣፎም ከምዝዕበሱ ኮይኖም ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ እዉን ብወግዒ ዝተዋህቦም መግለጺን ምምኽኻርን ኣብ ዉሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ደገ የሎን። ምዝንባዕን ምድንጋርን ከም ኣመል ስለዝተወስደ ናይ ኣጉል-ብድዔ ዘረባ “”ሕጂ ንሕና ኢና ንቀርኒ-ኣፍሪቃ ክንመርሓ ” ክብሉ ጀሚሮም ኣለዎ። ን3,200,000 ዝግምገም ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ከማሕዱሩ ዘይክኣሉስ፡ ንቀርኒ-ኣፍሪቃ ክመርሑ?

እዚ ሕልሚ እዚ ነቲ ቀንዲ ሕቶ ዶብን ሕቶ ሉዕላዉነት ካይልዓል ዝመጽእ ዘሎ መሀዉተቲ ዘረባ ስለዝኾነ፡ ኣቱም ኣብ ዉሽጢ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘለኹም ሙዑታት ሃገራዉያንን ዲሞክራስያዉያን ባእታታ፡ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ይኣክል! ይኣክል ይኣክል ማለት’ዩ ብምባል ክትብድህዎ ትጽቢት ይግበረልኩም ኣሎ።

ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮና ክንማሃር ኣሎና። ኣብ ንሃገራዊ ናጽነትን ሰብኣዊ ሓርነትን ንምርግጋጽ ዝሳላሰልናዮ 30 ዓመታት ዕጥቃዊ ሰላማዊን ፖሎቲካዊ ቃልሲ፡ ተጋዳላይ “ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” እንዳበለ፡ እቲ ዝዓበየ ዕላማ መታን ክዕወት እቲ መሳለጢ ንዋት ሰዉራና ኣብ ሓደጋ መታን ካይወድቕ ተባሂሉ፡ ነታ ኣንጭዋ ቀጠልያ ናይ ሕለፍ ፍቃድ ስለዝሃባ’ዩ ኣብ ዚ ኩሉ ዝሓለፍናዮን ዘሎናዮን መከራ ከምንሳጣሕ ኬና ዘሎና። ሕጂ ድማ ከም ቅድሚ ትማሊን ትማሊን ዝሓለፍናዮ ተሞክሮ ንደግም እንቴኼና ሃየንታ ክህሉዎ ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን።

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

02/08/2018