ኣሓትኩም ኣበይ ኣለዋ?

ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘሕብን ስራሓቱን ታሪኹን: ንኤርትራ ካብ ገዛእቲ ናጻ ኮይና ሉዕላዊት ሃገር ንክትከዉንን ምእንቲ ድሕነት ሃገሩ ዝሰርሖ ታሪኽ ፈጺምካ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን ። ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ መስርሕ እንተብጸላኢ እንብተዓርኪ፡ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ከምዝተኸፍሎ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ። ማዕረ እዚ ኣወንታዊ ታሪክ’ዚ፡ ኣብ ምርግጋጽ ሰብኣዊ-ሓርነትና ከምዘይተዓወትናሉ ዝክሓድ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ኣብ መስርሕ ናይ ሓደ ታሪኽ፡ ኩሉ ግዜ ብዘይ ገለ መንቅብ ዝፍጸም ኣሎ ኢልካ ዝግመት ወይ ዝድምደም ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ኣብ መስርሕ ታሪኽ ዝፍጸሙ ሰፍ ዘይብሉ ኣሉታዊ ገበናትን፡ በደላትን ጌጋታትን፡ ብዉልቐ እንተ ብዕስለ ደረጃ ሰባት ይፍጸሙ እዮም። ኣብ ዝኾኑ ሕብረተሰባት ዓለምና፡ ብጻልጥኡ ጥዑም ታሪኽ ንበይኑ ጥራይ የሎን።

ጎኒ ጎኑ እቲ ጽቡቕ ታሪኽ፡ ሕማቕን ኣዝዩ መሪር ቃንዛ ዘለዎ ታሪኽ እዉን: ከምዘጋጥም ሕሉፍ ታሪኽ ይምህረና እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ታሪኽ ሕማቁ ጽቡቑ ከም ታሪኽና ወሲድና፡ ነቲ ጽቡቕ ክንሕበነሉ፡ ነቲ ሕማቕ ድማ ክንመሃረሉን በቲ ታሪኽ ዝሕተት ሰብ ክሕተቱሉን፡ ክዝንቶን፣ ክጽሓፍን ከምዘለዎ ትሳማሙዑ ክትኮኑ ብዓልቲ ሙሉእ ተስፋ ኢየ። እዚ ክብል እንኮሎኹ፡ ነቲ ቀጺሉ ዝዝርዝሮ ታሪኽ ንምፍዃሱ ወይ ድማ በዚ መጎታዊ ሓቕታት ንምድዕዓስኩም ተባሂሉ ዘይኮነ፡ ንታሪኽ ከም ታሪኽ ንምትራኹን ምርድኡን ስለዝደለኹ ኢየ።

ይዝከረኒ ኣብ ከባቢ1979-80 ዝነበረ ጊዚያቱ ቀዉዒ’ዩ፡ ሓጸልጸላት ናይ ስትራተጂካዊ ምዝላቕን ጽበት ናይ ደጀንን ሕጽረት ናይ መትንታት-ጽርግያን ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣጋጢሙሉ ዝነበረ ጊዚያት፡ ካብ ክፍሊ-ታዕሊም ዓራግ ነቂልና ብቀጥታ ነቲ ብክልተ ተረተር ኣጻድፍ ጎቦታት ዝተኸወለ ሓሊበት ዝብሃል ቦታ ስንጢቕና፡ ኣብ ማይ-ጨላይ ዝብሃል ቦታ ዝዓቖረ ማይ ሰቲና፡ ንጎቦ- ዓንቦርቦብ ክንተግሮ ተታሓሓዝናዮ። ጎቦ ዓንበርቦም ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ጫፍ ኣስታት 2.7 ኪ.ሜ ዝግመት ብራኸ ዘለዎ ኣዝዩ ተሪር ዓቀብ’ዩ። ብኣታኽልትታት ኣዉሊዕን ታህሰስን ዝገረመ ኣሻኹ ጎቦ፡ ተጊርና ኣብቲ ላዕለዋይ ጫፍ ናይቲ ጎቦ ምስ በጻሕና፡ ኣዝዩ ባህታ ጠሊ ዝፈጥር ንፋሱ ፈሽፈሽ ዝብልን ኣማዕዲኻ ድማ ንበዓል ዓራግ፡ ግልዕ፡ ገረግር ኣስመራን ሓሊበት ብድምቐት ኣብ ትሕቴኻ ተሰጢሑ ይራኣየካ ኢዩ። ካብኡ ንክፍሊ ሕክምና ኣብ ዓንቦርቦር ዝነበረ ሩባ ከዋክን-ቀያሕ ንምኻድ፡ ብሩባ ሰርሰር ኣቢልና እቲ መገዲ ተታሓሓዝናዩ።

ድሕሪ ኣስታት ሓደ ስዓት ዝኸዉን ድማ ኣብኡ በጻሕና እሞ፡ እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ተጋደልቲ ኣባላት ክፍሊ ሕክምና ብቡሩህ ገጸም ተቀቢሎም መግብን ሻህን ቀሪቦም እንዳዓንጎሉና እንከለዉ፡ ሓደ ተጋዳላይ ካብኣቶም፡ እሞ ብጾት ድሕሪ ምብላዕኩም፡ ብኢዱ እንዳኣመልከተ ናብ ሓንቲ ኣብ ፊትና ተዶኪና ዝነበረት ድኳን-ቴንዳ፡ ናብቲ ምክትል መራሒ ጋንታ ወዲ-በላይ ኪዱ በለና። ብዝኾነ ምስ በላዕና ናብታ ዝተመራሕናያ ዱኳን-ቴንዳ ብምኻድ፡ ሒዝናዮ ዝመጻና መሰነይታ ሰታሪት-መልእኽቲ (ቦስጣ) ሃብናዮ። ነታ ደብዳቤ ተቀቢሉ ሓንሳብ ጽንሑ እሞ ተስፋይ ስዩም ምስ መጸ ክህበልኩም እየ በለና። ቆሞናዊ ትርኢት ወዲበላይ ቆማትን ግርጅዕ ዝበለ ዉዳኔ ኣካላት ዘለዎ፡ ህልይ ዝበለ ዝመስል የግዳስ ኣዝዩ ተንኮለኛ ተጋዳላይ’ዩ። ስለዚ ንብርሃነ በላይ ካብዛ መዓልቲ እዚ’ኣ ኣትሒዘ ከምዝፈለጥክዎ ይዝክረኒ።

ምስ ብርሃነ በላይ (ወዲ በላይ) ንሱ ከም ሓላፊ: ኣነ ድማ ከም ተራ ተጋዳሊት ኮይና ኣብ ሓደ ክፍሊ ሕክምና፡ የግዳስ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሰሪሕና ኢና። ወዲ በላይ ካብ ኩቱር ፍትወተ-ነፍስን ስስዔን ዝነቐለ፡ ጥቕምታቱ ስለዝፈልጥ፡ ምስቶም ኣዝዮም ኣብ ዝላዓለ ጽፍሒ እቲ ክፍሊ ዝነበሩ፡ ነባራት ተጋደልቲን ሓለፍቲን ፡ ብዓል የማነ ዳዊት፡ ሃይለ ምሕጹን፡ ብርሃነ ገብረእጊዝኣብሄር ሕስይስይ እንዳበለ፡ ኣብ ሓላፍነታት ብቀጻሊ ከምዝህሉ ይገብር ከም ዝነበረ ንምርድኡ ኣይጽግምን እዩ። ምኽንያቱ ልዕሊኡ በላሕቲ፡ ጻዕራማት፡ ዉፉያት… ኣብቲ ክፍሊ ዝነበሩ ከንሶም፡ ወዲ በላይ  ከማሕድሮም ክትዕዘብ እንኮሎኻ፡ ገለ ነገር ዘይፈለጥካዮ ሚስጢር ተኸዊልካ ከምዘሎ፡ ኣብ ግምታትካ ኣዝዩ ቅጅል ዝብለካንን ዘታሓሳስበካን ኢዩ።

ወዲበላይ ኣብ ዉድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ምስተሰለፈ፡ ከም ሰቡ ካብ ተራ ክሳብ ምክትል ኣመሓዳሪ ናይ ክፍሊ ሕክምና ኮይኑ ኣብ ዓንበርበር (ክዋክን-ቀይሕ)፣ ጻብራን፣ ዓራርብን ካልኦት ዝተፈላለዩ ቦታታን ናይ ሕክምና ዘገልግል ዝነበረ፡ ነባር ተጋዳላይ እዩ። ወዲ በላይ ኣመሓዳሪ ናይ ክፍሊ ሕክምና ጥራይ ዘይኮነ፡ ካድር፡ ብተወሳኺ ኣባል ናይታ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ብምስጢር ተወዲባ ትነጥፍ ዝነበረት ሰልፊ ኣባላ ዝነበረ ኢዩ።  ኣባል እዛ ሰልፊ እዚኣ ስለዝነበረ ድማ ኣባልነቱ ከም ከዉሊን ሓለፋን ኮይኑሉ፡ ገበናዊ ባህርያቱ ከዘዉትር ጥጡሕ ባይታ  ከም ዝፈጥረሉ ንምርድኡ ቡዙሕ ዘጸግም ኣይኮነን ።

ከም ነፍሲ ወከፍ ህያዉ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ማእከሉ፡ ዓመጽቲን ፍትሓዉያን፡ ገበነኛታትን ንጹሃትን፡ ሓቐኛታትን ሓሰዉቲን፡ ሰረቕቲን እሙናትን፡ ለዋሃትን ጨካናትን…ወ.ዘ.ተ ዝዓይነቶም ዝተፋላለዩ ባህርያት ዝዉንኑ ሰባት ዘለዎ፡ ኣብ ዉሽጢ ዉድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ እዉን እንተኾነ፡ ዝተፋላለዩ ዓይነት   ሰብኣዊ ባህርያት ዝዉኑኑ ተጋደልቲ ከምዝነበርዎ ሩጉጽ ኢዩ። ኣብ ሓደ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ንናጽነት፡ ንሓርነት፡ ንማሕበራዊ ፍትሒ… ዝቃለስ ዉድብ፡ ዉሑዳት ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝዓተሩን ዘይዓተሩን ዓመጽቲ፡ ሰብኣዉነቶም ዘጥፉ ገበነኛታት፡ ዘይፍትሓዉያን…ወ.ዘ.ተ ክርከብዎ መጎታዊ ግድነት ኢዩ። ተጋዳላይ ምስ ጸላኢ ክዳራገም እንኮሎ፡ እዞም ሙስሉያትን ኢሰብኣዉያን-ተጋደልቲ  ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣኒስትዮ፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ልዕሊ ተጋዳላይን ህዝብን ሰፍ ዘይብል ገበን ዝፍጽሙ ዝነበሩ እዮም።

ወዲ በላይ፡ ሓደ ካብቶም ዉሑዳት ሰብኣዉነቱ ዘጥፍኤ ዓመጽትን ሓንጎል ናይ ገበነኛታት ዝዉኑኑ  ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ወዲ በላይ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ንጹሃት፡ ጉብዝንኤን ባህርያዊ  ጽባቔን ኣብ ክንዲ ተዉህቦ፡ መከራ ዝዕድም ፡ክብረን ዘግህስ ዕዳ ዝኾነን ደቂኣንስትዮ ተጋደልቲ፡ ዝፈጸሞ ጾታዊ ዓመጽን ናይ ቅትለት ገበንን ቃንዛ ዘለዎ ታሪኽ  ዝፈጸመ፡  ኣሬሜን  ዝኾነ  ሰብ እዩ። ኣብ ዉድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ 1978 ጀሚሩ፡ ተጋደልቲ  ክምርዓዉ ተፈቂዱ ስለዝነበረ፡ በዚ መሰረት ወዲ በላይ ከም ሰቡ ኣብ ሜዳ ሓንቲ ብጸይቱ ዝተመርዓወ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓንቲ ጓል ከንሱ፡ ንዝባሃገን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ሓዳሩ ከባዕልገን ቅጭጭ ዘይብሎ ኡኩይ ሕንከት ዘይብሉ ጋኔን’ዩ።

ወዲበላይ ኣብ 1981 ኣብ ናቕፋ (ጻብራ)ክፍሊ ሕክምና፡ ኣመሓዳሪ ናይቲ ቦታ ኮይኑ ተመዲቡ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፡  ዝነበሮ ስልጣኑ ተጠቂሙ፡ ን ሓንቲ ለተብርሃን ዝተባህለት ተጋዳሊት ብጸቕጥን ኣዝዩ ረቂቕ-ሜላን ተጠቂሙ ብዘይ ሙሉእ ወለንተናዊ ድሌታ ይዕምጻ እሞ፡ ከም ዉጽኢት ናይ እቲ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝተኻየደ ዓመጽ፡ ድቂ ሒዛ ነብስ-ጾር ኮነት። ምስ ተጋዳሊት ለተብርሃን ንምልላይኩም ዝኣክል፡ ኣጋር ሓኪም ኮይና ኣብ ሕክምና ተመዲባ ሃገራዊ ጉቡኣ ትፍጽም ዝነበረት ተጋዳሊት ኮይና፡ ኣብ ከባቢ 1978 ዝተሰለፈት እያ። ብተውሳኺ እውን ተጋዳሊት ለተብርሃን ኣዝዩ ጥዑም ባህርያዊ ድምጺ እትዉንን ድምጻዊት ስነጥበባዊት ስለዝነበረት፡ ሓንቲ ካብቶም ባህሊ ናይ ክፍሊ ሕክምና ኮይና ትደርፍን ጽብቅቲ ከደረይቲ መልኽዔኛ መንእሰይ ከምዝነበረት ኩሉ እንትንኣ ሕጂ ትዝከረኒ ኢያ ።

ወዲ በላይ ተጋዳሊት ለተብርሃን ነብስ-ጾር ከም ዝኾነት ምስ ኣረጋገጸ፡ ካብ ዓማጺን ሓንጎል ናይ ገበኛታት ባህርያቱ ዝነቐለ፡ ከመ-ቅጽበት፡ ነዛ ንጽህቲ ተጋዳሊት ምስ ዕሸላ ክቀትላ ናይ መጨረስታ ወሳኔኡ ኮነ። እዚ ውሳኔ እዚ ኽኣ ኣብ ሓደ-ጊዚየ ሂወት ተጋዳሊት ለተብርሃንን ሂወት  ናይ’ቲ ኣብ ማህጸና ዘነበረ ዕሸል ክወስድ ወሲነ።  ብዝወሰኖ መሰረት እዚ ጨካን ኣረሜናዊ ተግባር ናይ ወዲ በላይ፡ ንኽልተ ትንፋስ ኸሕልፍ ፈጺሙ ድሕር ስለዘይበለ፡ ንመደባቱ ንምትግባር  ንነፍስ-ጾር ተጋዳሊት ለተብርሃን ካብቲ ናይ ጻብራ ሕክምና ኣርሒቁ ኣብ በረኻ ብምውሳድ፡ ኣብ 1981 መጀመርታ ብሰደፍ ብረት ገይሩ ርእሳ ሃሪሙ ምስ ኣዉደቃ፡ ቀጺሉ ብጥይት ናይ ካላሽን 9 ካሊፐር ኣብ ርእሳ ብሙትካስ ኣዳጊሙ ቀተላ።  ልክዕ’ዩ ኣደ እንተ ሞይታ እቲ ኣብ ማህጸና ዘሎ ዕሸል ውን ከመ-ቅጽበት ስለዝመዉት እዩ። እታ ንተጋዳሊት ለተብርሃን ምስ ዕሸላ ዝወሰደት ብረት ካላሽን ኽኣ፡ ኣብ ጎድና ኣጎዝጊዙ ራሕሪሕዋ ናብ ሕክምና ጻብራ ንቦትኡ ተመልሰ። ዉዲት ናይዚ ተንኮለኛን ገበነኛ ሰብ፡ ነታ ካላሽን ምስኣ ኣጎዝጊዙ ምሕዳጉ፡ ከምዚ ባዕለ ርእሰ-ቕትለት ዝፈጸመት ሙኻና፡ ንረኸብታ ከምስል ዝገበሮ ዉዲት’ዩ።

ብድሕርዚ ተጋዳሊት ለተብርሃን፡ ኣብቲ መዓልታዊ መደባት ሕክምና  ስርሓታ ከተካይድ ምስ ተደልየት ለተብርሃን እንተበልካ ለተብርሃን ትመስክር ኮይኑ ተሳእነት። ካብ ሕክምና ጻብራ ስለዝተሰወረት፡ ኩሉ ኣባል ሕክምና ናይ ጻብራ ዝነበረ ተጋዳላይ መታን ክናድያ፡ ንኩሉ ኩርንዓት እቲ ከባቢ ተበቲኑ ወፈረ። እቲ ገበነኛ ወዲ ባላይ ሕልንኡ ግዲ ወቂስዎ ኮይኑ፡ ንየማን ንጸጋም ካይበለ፡ ባዕሉ ኣብቲ ንሱ ዝቀተላ ቦታ መሪሑ ብምውሳድ ሬሳ ናይ’ዛ ንጽህቲ  ተጋዳሊት ለተብርሃን እነሄልኩም ተረኺቡ በሎም።  እቲ ዘሕዝን ክኣ ነፍስ-ጾር ተጋዳሊት ለተብርሃን፡ ከም ነፍሳ-ቅትለት ከምዝፈጸመት ተወሲዱ፡ ብርእሰ-ቅትለት መደምደታ ተዋሂብዎ፡ እቲ ናይ ገበን ፍጻሜ ምጽራያት ጉዳይ ተዓጽወ። ነዚ መደምደምታ’ዚ ሙኹኑይ ዝገበሮ፡  ምስታ ብረት ካላሽን ኣብ ጎና ኣጎዝጊዙ ዝገደፋ ስለ ዝተረኽበት ብሙኻና እዩ።

ዋላ እኳ እቲ ጉዳይ ናይ ተጋዳሊት ለተብርሃን ነፍሳ-ቅትለት ከምዝፈጸመት ይደምደም ድኣ እምበር፣ እቲ ኽደልያ ዝወፈረ ተጋዳላይ፡ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ነይረን ብትሪ፡ ማህረምቲ ኣብ ርእሳ ከምዝነበራን፡ ነዚ ማህረምቲ  ርእሲ’ዚ ባዕላ ክትፍጽሞ ከም ዘይትኽእል ሙኻና ኣራጋጊጹ ስለ ዝተገንዘቦ ብትሪ ክካታዓ ጀመራ፡፡ ብኣንጻር እቲ ዝተዋህበ ዉሳኔ፡ ብኢድ ሰብ ከም ዝተቀትለት እየን መደምደታ ዝሃባሉ። ድሮ ሻዱሻይ ወራር ስለዝነበረን ቡዙሓት ተጋደልቲ ካብ ክፍልታት ንሓይልታት ንቅድመ-ግንባር ዝኸትሉ ጊዚያት ስለዘጋጠመ፡ ወዲበላይ ነተን ብትሪ ብኢድ-ሰብ’ያ ተቀቲላ ዝብላ ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ ተጋደልቲ፡ ፈሊጠንኦ ከምዘለዋ ስለዝተገንዘበ፡ ምስቶም ካብ ክፍሊ ሕክምና ንቕድመ ግንባር ዝከቱ ዝነበሩ ኣባላት ከምዚከታ ገይርወን’ሲ፡ ክልተ ካብኣን ድማ ምእንቲ ሃገረን ምስ ጸላኢ ኣብ ምትሕንናቕ ተሰዊኤን ኢየን።  ስለዚ ወዲበላይ ኣብ ሓደ እዋን ሂወት ናይ ሰለስተ ተጋደልቲን ሓደ ዕሸልን ከምዝጠፍእ ገይሩ ማለት’ዩ። ከም’ዚ ብምግባር፡ ነቲ ጉዳይ ብትሪ ሒዘንኦ ዝነበራ ከቲተን ስለዝተሰዉኣ ፡  ኣብ ልዕሊ ወዲበላይ ሰሪቡ ዝነበረ ጥርጣሬን ዉጥረትን ኣብ ሓደ ጊዚየ ተፋኺሱሉ ማለት’ዩ።

ወዲ በላይ ፡ ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር ቅትለት ናይ ነፍስ-ጾር ተጋዳሊት ለተብርሃን ከም ዝፈጽሞ እኳ ዋላ ብላዕሎዎት ሓለፍቲ ዝጥርጠርን ዝግመትን እንተነበረ፣ ኣብ ክንዲ ቀጥታዊ ሕጋዊ ስጉምቲ ዝወስዱሉ፡ ኣባል ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ስለ ዝነበረ፡ ዝፈጸሞ ገበን ከዊሎምን ተኻላኺሎሙን ኢዮም። ካብ ጻብራ ናብ ዓራርብ ናይ ቦታ ምቅይያር ጥራይ ተገይሩሉ፡ ዳግም ምክትል ኣመሓዳሪ ናይ ማእከላይ ሕክምና ዓራርብ ኮይኑ  ከምዝምደብ ተገብረ። ስለምንታይ? ስለምንታይ?  ስለምንታይ?!

ኣመል ምስ መግነዝ ከምዝብሃል፡ ዳግም ወዲበላይ ኣብ ዓራርብ ሕክምና እንታይ ገበናዊ ታሪኽ ደገመ ?

ወዲ ድሙ ነይ ሓድግ ግብረ እሙ ከምዝብሃል፡ ወዲያቱ ከም ኣመሉ፡ ኣብ ጻብራ (ናቕፋ)ዝፈጸሞ ኣረሜናዊ ተግባር ኣብ ልዕሊ ተጋዳሊት ነብሰ-ጾር ለተብርሃን ከይተሰወጦ፡ ዳግማይ ተመሳሳሊ ገበን ክፍጽም፡ ዝኾነ ይኹን ጊዚየ ዘይወሰደሉ እዩ ። ወዲ በላይ ኣብ ዓራርብ ምስ ተመደበ፡ ከም ሓላፊ ፡ ስልጣኑ ተጠቂሙ እንደገና ንተጋዳሊት መኣዛ ከም መኻርን ኣታባባዕን ተመሲሉ ብምቕራብ መርወዪ ስምዒቱ ምስቐየራ፡ ማእዛ እዉን እንተኾነት፡ ድቂ ሒዛ ነፍስ-ጾር ኮነት። ተጋዳሊት መኣዛ ኣጋር ሓኪም ተማሂራ ኣብ ዓራርብ ሃገራዊ ጉቡኣ ትፍጽም ዝነበረት መልመል ቀያሕ ጽብቅቲ መንእሰይ እያ ። ወዲ በላይ ነፍስ-ጾር ምኻና ምስ ኣረጋገጸ ንተጋዳሊት ነፍስ-ጾር መኣዛ ውን ዕጫ ናይ ነፍስሄር ተጋዳሊት ለተብርሃን ከም ዘጋጥማ እዩ ወሲኑ።

ተጋዳሊት መኣዛ ኣብ ዓራርብ ሕክምና እንታይ ኣጋጠማ?

ወዲ ባላይ ንመኣዛ ንምቅታል ምስ ወሰነ፡ ኣብ ናይ ጨንፌር ላቫሮቶርይ ናይ ክፍሊ ሕክምና ዝነበረ ዱኳን-ተንዳ መኻዚኖ ወሲዱ ንምቅታላ ወሰነ። ኣብቲ ዱኳን-ተንዳ ወሲዱ ኽኣ ኣብ ከባቢ1983 ኣቢሉ፡ ኣፋ ብምዕባስ ብጭካኔ ዝመልኦ ኣገባብ ንነፍስ-ጾር ተጋዳሊት መኣዛ ቀተላ። እዚ ኣረሚናዊ ተግባር እዚ’ውን ነቲ ዕሽል ኣብ ማህጸና ዝነበረ ውን ለከሞ። ስለምታይ እዩ ነዚ ውሳኔ ዝገበረ? ኣብቲ መካዚኖ መሽምሻ ክትተርፍ እሞ ጥንስቲ ከምዝነበረት ከይትፍለጥ ብምባል እዩ። እዚ ሰነፍ ኣተሓሳስባ ግን ስጋና ድኣ እምበር ኣዕጽምትና ንሚልዮናት ዓመታት ኽጸንሕ ከምዝኽእል ብዘይምግንዛቡ ኢዩ። ናይቲ ዕሸል የዕጽምቲ ተሃኒጹ ስለ ዝነበረ ነቲ ገበን ናይ ወዲበላይ ክኽዉሎ ኣይኽኣለን።

ናይ ነፍስ-ጾር ተጋዳሊት መኣዛ ሬሳ ምስ መሽመሸ እዩ ተረኺቡ። ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣብ መኻዚኖ ኣገዳሲ ጉዳይ እንተዘሃልዩና ኣይንኣትዋን ብሙኻና ኢዩ። ጊዚየ ነዊሑ ብርግጽ ኣይዝክሮን የግዳስ ስውእ ገዲም ተጋዳላይ ኣማኑኤል ኣባል ጨንፈር ትርጉም  ወይ ድማ  ሰረቐ ኣባል ላቫራቶርይ ዝነበረ ሓደ ካብ ክልቲኦም’ዩ፡ ኣብቲ መኻዚኖ ንብረት ደልዩ ምስ ኣተወ፡ ኣዝዩ ሓያል ገንቢ ምስሸተቶ፡ እንታይ እዩ ዝሽትት ዘሎ ኢሉ እንተፈተሸ፡ ብነጸላ ዝተሽፈነ ሬሳ ናይ ሰብ ከም ዘሎ ርኣየ እሞ፡ ብቀጥታ ንሓለፍቱ ሓበረ። እቶም ዝምልከቶም ኣካላት፡ ናብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ብምኻድ ሬሳ ናይታ ሓንቲ ኣበር ዘይነብራ፡ ብስንኪ ነፍሰ-ጾር ምኻና ዝተቀትለት ተጋዳሊት መኣዛ ራኣይዎ።  ዶክተር ሚኪኤል ነባራይን ዶክተር ኣፍወርቂ ነቲ ሬሳ ምስመርመርዎ፡ መዋቲት ነፍሰ-ጾር ከምዝነበረት’ዉን ኣራጋገጹ።

እዚ ምስተራጋገጸ  ኣብ ምጽራያት እቲ ገበን ስለዝተኣትወ፡ ንናይ ቀረባ ሓለፍታ ዝነበሩ ምዉካስን ሓቤሬታታት ምእካብን’ዩ ተጀሚሩ። መራሕ መስርዓ ኣብታ እዋን ማእዛ ካብ ቦትኣ ዝተንቀሳቐሰትሉ ስለዘይነበረ፡ ንመራሒት ጋንትኣ ኣፍቂዳ ማእዛ ከም ተንቀሳቂቐሰት ሓበሮም። ንመራሒት ጋንትኣ ምስ ሓተትዋ፡ መራሒት ጋንትኣ፡ እወ “ማእዛ ናብ ወዲበላይ ይኸይድ ኣለኹ ብምባል፡ ፍቓድ ሓቲታ፡ ብዝሓተተቶ መሰረት ድማ ኣፍቂደላ፡ ስለዚ ናባኻ ናብ ወዲበላ እያ መጽያትካ ትብሎ”። ምኽንያቱ ወዲ በላይ ሓደ ካብቶም ነቲ ጉዳይ ዘጻርዩን ዝምርሙሩን ዝነበሩ ሓለፍቲ ስለዝነበረ ብሙኻኑ’ዩ።

ወዲባቱ ኣብ ክንዲ መርማሪ ገበን፡ ጥርጡር ናይቲ ገበን ሙኻኑ ምስኣተንባሃትሉ፡ ኣሉ ናባይ ገጻ ብፍጹም ኣይመጸትን ብምባል ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምክልኻል ባይታ ተሓዝኤ። ቀጺሎም ንመራሒት-ጋንትኣ ምስ መን ምቕርራብ ነይርዎ ኢሎም ምስሓተቱ፡ መራሒት ጋንትኣ “ንኣይ ከምዝገለጸትለይ ምስ ወዲበላይ ምቕርራብ ከምዝነበራን ቡዙሕ ከምዘታባብዓን ከምዝመኽራን ሓንቲ ምዓልቲ ገሊጻትለይ ነይራ ብምባል”፡ ንወዲ በላይ ቀንዲ ጥርጡር ናታ ሙኻኑ ብድፍረት ስለተዛረበት፡ ነዚ ሓይሊን ካብ ሙሉእ ርእሰ-ተኣማመንነት ዝፍልፍለ ዘረባ ዕሽሽ ኢሎም ክሓልፍዎ ብፍጹም ሓርበቶም።

ድሕር’ዚ ገበነኛዊ ምጽራያት፡ ኣባላት ግንባር ጥርጡሮም ወዲበላይ ስለዝነበረ፡ ናይቲ ዞባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሕብእቲ ሰልፊ፡ ነዚ ከቢድ ጸቕጢ ኣባላት ግንባር ዕሽሽ ኢሎም ክሓልፍዎ ስለዘይክእሉን፡ ቀጻሊ ገበናት ወዲበላይ ክሽፉኑ ትንፋሶም ስለዝወጹ ግዲ ኮይኑ! ብቅጽበት ወዲ በላይ ካብቲ ክፍሊ ተሰዊሩ’ዩ፡ ንክፍሊ ሓለዋ ሰዉራ ድዮም ወሲዶሞ? ወይስ ማንነት ቀይሮም ንኻልእ ክፍሊ ወይ ኣሃዱታት ሰዲዶሞ? ወይስ ቀቲሎሞ? ክሳብ’ዛ ዕለት እዚ’ኣ ዝፍለጥን ንወዲበላይ ኣብ ዓለም ሬኣዮ ወይ ረኺበዮ ዝብል ሰብ ዛጊት ኣይረኸብኩን።  እዚ ቅትለት ናይ ክልተ ንጹሃን ተጋደልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብኣጋጣሚ ስለዝተፈልጣ እምበር፡ እዚ ጃምላዊ ቐታሊ’ዚ፡ ንካልኦት እዉን ቀቲሉ ወይ ዘይቐተለን ከምዝኸዉን ዘጣራጥር ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ጻብራ ይኹን ኣብ ዓራርብ ዝተፈጸመ ኣሬሜናዊ ገበን፡ ዘንቅሎ ኣገዳሲ ሕቶ ኣሎ። ንሱ ድማ ስለምንታይ? ስለምንታይ? ስለምንታይ?….ወ.ዘ.ተ ዳግማይ ንወዲ በላይ ካልኣይ ሂወት ንጽህቲ ተጋዳሊት ንክልክም  ዕድል ተዋሂብዎ?  ዝብል ሕቶ’ዩ። እቲ መልሲ ሓጺርን ንጹሩን ኢዩ። ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ዉድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ምትእኽካብ ናይ ሓደገኛ ባህርያት ዘለዎም ሰባትን ሚሲጢራቶም ካይክሻሕ ንሚሲጢራቶም ዝፈልጥ ሰብ፡ ማዕረ ክንደይ ከም ዓስቢ ሚሲጢራቱ ከምዝካለኸሉሉን ከምዝሓብእሉን ዘነጽር’ዩ። ሚስጢር ናይታ ሕብእተ ሰልፊን ኣባላታን ክሕባእ፡ ሂወት ንጹሃን ተጋደልቲ ኣብ ሓደጋ ተሳጢሑ ከምዝነበረ የነጽረልና።

ወዲ በላይ ከምቲ ኣቀዲሙ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ፡ ኣባል ናይታ ተሓቢኣ ኣብ ሜዳ ክንደይ ንጹሃት ተጋደልቲ ዘጽነተት ሰልፊ እዩ ነይሩ። ከምኡ ውን ምክትል ኣመሓዳሪ ናይ ሕክምና ኣብ ዓራርብ ነይሩ። ሕክምና ዓራርብ እቲ ዝለዓለ ኣገልግሎት ናይ ሕክምና ዝወሃበሉ ዝነበረ ናይ ህዝባዊ ግንባር ማእከላይ ሕክምና እዩ። ወዲ በላይ በቲ ዝፈጸሞ ቀዳማይ ገበን ኣብ ክንዲ ስጉምቲ ዝውሰደሉን ብሕጊ ዝሕተትን፡ ኣምሳያ (ዓስቢ) ናይ ዝፈጸሞ ኣሰካሕካሒ ገበን፡ ናብ ዝለዓለ ናይ ሓላፍነት ጽፍሒ ተሰጋጊሩ ኢዩ። ነዚ ዝተዋህቦ ዕደል ተጠቂሙ ኽኣ ናጻ ስለዝተገድፈን ዝተወስደ ስጉምቲ እውን ስለዘይነበረ፡ ዳግማይ ንካልኣይ ግዜ ንሃገራዊ ናጽነትን ፍትሒ ንምንጋስን ማዕርነተን ንምርግጋጽ ኢለን ዝተሰለፋ፡ ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክዕምጽን ክቐትልን  ጥጡሕ ዕድል ዝተዋህቦ ኢዩ።

ካብዚ እንታይ ክንርዳእ ይክኣል?

ኣብ ሓደ ፍትሓዊ ቃልሲ ዘካይድ ግንባር፣ ሓደ ሕቡእ ሰልፊ ፈጢርካ ኣባል ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ምዃን፡ ክሳብ ክንደይ ሓለፋታት ክትረክብ ከም እትኽእልን ዝነበርካ ዘነጽር ኢዩ። ነቲ ዕድል ተጠቒሞም ክኣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ደቂኣንስትዮ፡  ዝወረደ ጾታዊ ዓመጽን፣ ቅትለትን እዚ ናይ ወዲ በላይ ታሪኽ ዝመስክሮ ጭቡጥ መረጋገጺ እዩ። እዘን ንጹሃት ተጋደልቲ ደቂ እንስትዮ ናጽነት፡ ሓርነት፡ ፍትሒ ንምንጋስን ማዕርነተን ንምምርግጋጽን ኢለን፡  ነታ መተክእታ ዘይብላ ሂወተን ከውፊያ ንሜዳ ዝተሰለፋ። ኣምሳያ ናይ እዚ ግን ብዘይፍትሓውያን ገዳይም ተጋደልቲ ዶ መራሕቲ ኢና ብሃልቲ፡ ብኣረሜናዊን ጭካነን ዝመልኦ ዓይነት ኣቛታትላ ካብዛ ዓለም ብሞት ሓሊፈን ከምዘለዋ ቡሩህ እዩ።  ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የሎን ክብሃል ይክኣል ኢዩ።

ተጋደልቲ ደቂ-ኣኒስትዮ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘሕለፍኦ ቡድሆታት ብቅንዕናን ትብዓትን እንተዝገልጽኦ፡ ምናልባሽ መሬትን ሰማይን ምስተጣበቐ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ፡ ብሓፈሻ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ፈጺመ ኣይጣራጠረን እየ፡ ኣብ ልዕሊ ቡዙሓት ንጹሃት ተጋደልቲ ደቂ-ኣኒስትዮ ጸወታዊ ዓመጽ ብዝተፈላለየ ኣጋባባት፡ ዉዲታትን ጸቕጥታትን ኣጋጢሙወን ሙኻኑን፡ ክሳብ ሕጂ ብኡ ይሳቐያ ምህላወን ኣራጋጊጸ ኣብ ዉሽጢ መንፈሰይን ቀልበይን ዝስምዓንን ዝፍለጠኒ ኢዩ።

ከም ጾታዊ ዓመጽ ጌሩ ንመንፈስካ ዘባድንን ዝፈግርን ተግባር ከም ዘየለ ሊቃዉንቲ ናይ ስነ-ኣእሙሮን ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ጾታዊ ዓመጽ፡ ካብ ተራ ጸወታዊ ስጋዊ ርክብ ሙኻኑ ሓሊፉ ንኩለእንትናዊ መንነትካ ማለተይ፡ ን (ስምዒታዊ፡ መንፈሳዊ፡ ኣካላዊን ስነኣእሙራዊ) ብሕትዉና ሰብ ስለዝሳባብሮን ዝወሮን እዩ። ነቲ ብተፈጥሮ ንሰብ ዝተዓደሎ ሕልናዊ-ናጻነትን ተዉህቦም ስለ ዝምንዝዖ፡ ማህሰይቱ ብቀሊሉ ክግመት ዘይክኣል፡ ኣዚዩ ከቢድ ኢዩ።

ኣብ ሰብ (ግዳይ) ምስ ወረደ፡ ብዝግባእ እንተዘይተኣልዩ ከኣ፡ ንብዙሕ ዓመታት ምስቲ ሰብ ዝነብር ጉድኣት ዝሓድግ ብሙኻኑ ኢዩ። ነቲ ሰብ (ግዳይ)ኣብ ሕዛእቲ ናይ ዕንዝራነት፡ ቅዛነት፡ ጭንቀት፡ ገበንኛነት፡ እንጽርጽሮት፡ ሕሰምን ቅሬታን  ሓዚኡ የንብሮም። ኣብ መጨረሽታኡ ክኣ ክሳብ፡ ናብ ነፍሰ-ንዕቐትን ነፍሰ-ምጥፋእ ዝደፍእን ዝመርሕ ኢዩ።

ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ እዚ ንኣስታት 36 ዓመታት ኣብ ዉሽጢ-ኣእሙሮይ ዝሓማምስነ ዝነበረ፡ ናይ ገበን ተረኽቦ፡ ብምኽንያት መጋቢት 8 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቒመ፡ ብከምዚ ምረት ሓሊፈን ብጭካኔ ዝተቐትላ ንጹሃት ተጋደልቲ ታሪኸን ዝነግረለን ስለዘየብለን፡ ሎሚ ኣነ ኣሓትኩም ኣበይ ኣላዋ? ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ታሪኸን ይነግረለን ኣለኹ። ሓላፍነተይ ንክዋጻእ ሓይሊን ዕድመን ትብዓት ዝሃበኒ ኣምላኽ እንዳ ኣመስገንኩ፡ ይፈልጥ እየ ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣኬባታት ትካትዕሉን ትካታተልዎን ዝነበርኩም፡ ሕጂ ኣብ ደገ ትነብሩን/ትነብራን ዘለኹም፡ ዝእረም፡ ዝጎዶሎ ወይ ክምላእ ዝግብኦ እንተሃልዩ፡ እቶም ኣብቲ ክፍሊን ኣብቲ ፍጻሜን ኣብቲ ከባቢ ዝነበርኩም፡ ሕጂ ብሂወትኩም ዘለኹም ነዚ ታሪኽ’ዚ ናይ መጨረሽታ መልክዑ ከተትሕዝዎ ብትሕትና ይዕድመኩም ኣለኹ።

 

ኣግኣዚት ዓንዱ

መጋቢት 8, 2019

 

 

 

 

 

 

መሰል ተራኺት (ደራሲት) ሕሉዉ’ዩ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ከንብባ ይኽእል እዩ። ካልእ ምንጭታት መራኸቢ ቡዙሓንን ማሕበራዊ መራኸቢታት ካልእን ተጠቂሙ ክዝርግሓ፡ ከካፋፍላ፡ ክቱርጉማ፡ ከባዝሓን ክሓትማን ብዘይ ኣፍልጦን ፍቃድ ደራሲት ብፍጹም ኩልኩል እዩ። ደራሲት ብመገዲ ዘርጋሕቲ ክትሕተት ይክኣል’ዩ።

Advertisements

ስብራ-ዜና፡

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ብምኽንያት መስዋእቲ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር (03/03/2018) ሽማግሌ ምምሕዳር ቤትምህርቲ ኣልዲያ ኣልኢስላምያ ኣኽርያ ዝነበሩ፡ ዕግርግር ፈጢርኩም ተባሂሎም፡  ብክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት (ጸጥታ) ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ-ኣባይቶ፡ ንሓደ ዓመት መመላእታ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ቆልዑ መብዛሕትኦም ዕድሜኦም ኣብ መንጎ 7-14 ዓመት ዝርከቡ፡ ሎሚ መዓልቲ ዕለት 6 መጋቢት 2019 ኣስታት 65 ዝቑጸሩ ተፈቲሖም ከምዘለዉ ተፈሊጡ  ኣሎ። እቶም ዝተረፉ  ኣሽሓት ናይ ሕልናን ፖሎቲካ እሱራት፡ ብዘይዉዓል ሕደር ክፍትሑ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ይሓትት ኣሎ።

ህዝባዊ ባይቶታት፡ ንሃገራዊን ዓለማዊ መጋባእያ ዘብቕዓ ይቑማ፡

ካብ ህዝቢ ዘመንጨዋ፣ ቀንዲ ፈልሲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ዝኾና፣ ህዝባዊ ባይቶታት ኣብ ግዳም ብጋህዲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ብሙስጡር ይቑማ!

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ካብ ዕለት 01/08/2011 ዓ.ም.ፍ ሕጋዊ ሰውነት ለቢስና ምንቅስቓስና ካብ ዝጀመርናሉ እዋን፣ ጽምዶ ቃልስና ኣብ ክንዲ ኣብ ሓጺር ዕላማታት፡ ምቕያር ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ጥራይ ዘመልከተ ዘይኮነ፡ ስግሩ ኣንቃዕሪሩ ዘናጻጸረ እዩ። ሰዉራ ኤርትራ ካብ 1961-1991 ዝተካየደ ንሃገራዊ ናጽነት ሕቶ ሃገራዉነት፡ ሕቶ ዋንነት ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ሕቶ ርትዓዊ ተሳታፍነት ህዝቢ፡ ሕቶ ሲቪካዊ መሰላት…ወ.ዘ.ተ ካይመለሰን ካየካናወነን ስለዝተዓወተ፡ ብቕጽበት ንሃገራዉነትን ሓርበኝነት፡ ነተን ኣብ ሓራ ቦታታት ቆይመን ዝነበራ ህዝባዊ ባይቶታት፡ ነቶም ዝነጥፉ ዝነበሩ ሓፋሽ ዉድባት ማሕበራት መንእሰያት፡ ደቂኣንስትዮ፡ ሞያዉያን…ወ.ዘ.ተ ብምዉቓዕን ብምድስካልን ብዘይ ገለ ጸገም ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ክተክል ኣየጸገሞምን። ብሕጂ እዉን እዚ ተሞክሮ እዚ ክድገም ዘጸግም ነገር የሎን። እዚ ተሞክሮ እዚ ካይድገም ካብ ሕጂ ኣትሒዝና ድንክል ክንገብረሉን ዝተፈልየ ኣጋባብ ክንጥቀም ንግደድ ኢና። ሕብረተሰብ ኤርትራ ከም ሓደ ህያዉ ሕብረተሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዉደባ ክህልዎ ኣለዎ።

ብሓፈሻ ፖሎቲካዊ ዉድባት፣ ሰልፍታትን ምንቅስቓሳት፣ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ንገዛእ ርእሶም ሓራ ዘይወጹ ጥቁዓት ናይ ታሪኽን ጉዕዞ ምኻኖም ስለንፈልጥ፣ ንጉዕዞ ታሪኽ ንምቅያር፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለን ዝተፈላለዩ ናይ ነዊሕ ፖለቲካዊ ተመክሮ ዘለዎ ህዝቢ ሙኻኑ ስለዝተገንዘብና እዩ። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 1945-1950 ስልፍታት ምንቅስቓሳት ብዘማ እዘንዎን ጽቕጥታት ሓያላት ሃገራት ኣሜርካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ዘይደልዮ ፈደረሽን ተቆሪኑ። መሊሹ ን30 ዓመታት መመላእታ ረጽማዊ ሰዉራ ኣካይዱ ልዕላዉነት ሃገሩ ምስ ኣራጋገጸ። ልዕላዉነት ህዝቢ ዝተመንዝዔን ዳር ትርኢቱ ዝርኢ ዘሎ ህዝቢ እዩ። ካብ ሕሉፍ ተሞክርኡ ብምንቃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሐደ ምንቅስቓስ፡ ሰልፊ ወይ ውድብ ስዒብካን፣ ብእኡ ተመሪሕካን ተማእዚእንካን ዝግበር ቃልሲ ንረብሕኡ ከምዘይውዕል፡ በዚ ሕጂ ዝርከበሉ ዘሎ ኣሰቓቂን ሓደገኛ  ሃለዋት አዓርዩ ዝተገንዘበ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ኣማዕድዩ ይዕዘቦ ኣሎ። ከምኡ ስለዝኾነ  ድማ፡ እቲ እንኮ ህዝቢ ልዕላዉነቱ ከራጋግጸሉ ዝኽእል ሕዋም (formula) ህዝቢ ንጉዳዩ ኣብ ክንዲ ብተወከልቲን ተመወልቲ፡ ባዕሉ ጉዳዩ ሒዙ ክፈትሖ ምስ ዝነቕል ጥራይ እዩ፡ ዝብል እምንቶ ኣሎና። መስርሕ  ግዝኣተ-ሕጊን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፣ ሐቀኛ ኣብ ድሌት፡ ትጽቢታት ረብሓን መላእ ዜጋታት ዝተሞርኮሰ፣ ብተግባር ሓያልን ጠርናፍን ቀጻልነትን ከአ ዘለዎ ህዝባዊ ማዕበልን ውደባን የድሊ ኣሎ። ንህዝቢ ዘዕግብ ንረብሐታቱ ከአ ዝከላኸል ቁኑዕ ንጹር ውደባን ናይ መስመር ቃልሲ፣ ንተራኡን  ብግልጺ ኣነጺሩ ዘሳትፍን ን ናይ ፖሎቲኡካዊ ዋንነት ሕቶ ብተግባር ከይመለሽካ ልዕላዉነት ህዝቢ ክራጋገጽ ስለዘይኽእልን፡ ልዕላዉነት ህዝቢ ድማ ካብ ፍሉይ ረብሓ ጉጂለታት ከም ገጸ-በረኸት ዝህብዎ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ብቅልጽሙ መንዚዑ ዝወስዶ ስለዝኾነ እዩ። ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ብሙስጡር፡  ኣብ ደገ ብጉሁድ ይወደብ ንብል ዘሎና።ቀንዲ ፈልሲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ዝኾና፣ ህዝባዊ ባይቶታት ክቖማ ቀጻሊ ክንጉስጉሰሉን ክንቃለሰሉ ጸኒሕና ኢና። እዚ ቃልሲ’ዚ ንሃልክታት ተባሂሉ ዘይኮነስ፣ እቲ ቀንዲ መፍትሒ ጸገምና ብሙኻኑ  ስለንኣምን እዩ።

ነዚ መሰረተእምነት መወከሲ ዝኾነ፣ እዘን ዝስዕባ ሓሙሽተ ቀንዲ ሮቓሒታት እየን

  1. ኩሉ ጊዝየ ዝኾነ ይኹን ህዝቢ፣ ብረብሓታቱ፣ ሞይኡ፣ ከባቢ ዝነብረሉ ቦታ፣…ወ.ዘ.ተ ዘይተወደበ ህዝቢ፣ ብዉሑዳት ዝተወደቡ ፖሎቲካዊ ጉጂለ፣ ንክግዛእን ንክጭቆኒን ዝተዋደደ ሕብረተሰብ ስለዝኸዉን፣ መታን መላገጺ ናይ ዉሑዳት ናይ ፍሉይ ረብሓ ጊጂለታት ካይከዉን፣ ብሓደ ድምጺ ክብድሆም ክዉደብ ስለዝግባእ እዩ።
  2. ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ሲቪላዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ንምህናጽ፣ ቀንዲ ኣዕኑድ ህዝባዊ ትካላትን ህዝባዊ ማሕበራት ስለዝኾና፣ ህዝባዊ ትካላትን ህዝባዊ ማሕበራት ብዘይ ዉዓል ሕደር ክጥጥዓ ስለዝግባ እዩ።
  3. ምልካዊ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓትን፣ ናይ ኤትኒክ፣ቀቢላ፣እንዳን ሃይማኖት ምንቅስቓሳት ጉጂለታት፡ ኣብ ድሕረትን ምብትታ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ይጽፈያ፣ ይዓብያን ዝነጥፋን ብምኻነን፣ ሂወተን ክዘርኣ ድማ ነቲ ሕብረተሰብ መመሊሾም ንትኹላዊ ምትፍናን ስለዘእትዉዎ፣ ነዚ ምትፍናን ንምግታእን ካብ ዝዓበየ ናይ ታሪኽ ሓደጋ ንምድሓን ህዝቢ ክዉደብ ስለዝግባእ እዩ።
  4. ዋንነት ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ርትዓዊ ተሳታፍነት ህዝቢ፡ ናይ ህዝቢ ናይ ተጻይ-ቁጽጽር (counter-control)… ካብ ሕጂ ክዉሰን ስለዘለዎ እዩ።
  5. ጽምዶ ቃልሲ ማሕበራዊ ሰውራ ኤርትራ ኪኖ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ማለት፡ ምክንዋን  መሳጋገሪ-መንግስትን ሃገራዊ ዕርቂ፡ ምክንዋን ቅዋምን ቅዋምነትን፡ ምክንዋን ጊዝኣተ-ሕጊን ዲሞክረሳዉነትን፡ ምርግጋጽ ልዕላዉነት ህዝቢን ምህናጽ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ (ብስለላም ብሓባር ምንባርን ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ) ካብ ኮነ፡ ነዚ መሰረት ዝኸዉን ዱልዱል መንጸፍ ስለዝድለ እዩ።

እስትራተጂካዊ ዕላማታት ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት፡ ናይ ቀረባን ርሑቁ ዘጣመረ እዩ፡

  1. ቀንዲ ዕላማ ህዝባዊ ባይቶታት፡ ጽምዶታቱ ኣዝዩ ኣርሒቁ ካብ ዘለናዮ ኩነታት ንላዕሊ ዝጠመተ እኳ ኣንተኾነ፡ ነዚ ዘለናሉ ኩነታት ( Status quo) ብቀጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ ንምቅያር፣ ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ብኣዝዩ ንጡፍን ዝተወደበ ናይ ህዝቢ ሓይሊ፣ ህዝባዊ ደገፍ ብምሕራምን ብምንጻል፣ ካብ ዓቲርዎ ዘሎ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምምንዛዕ ዘናጻጸረ እዩ።
  2. ተሳትፎ ህዝቢ፣ ሓድነት ህዝቢ፣ ዋንነት ፖሎቲካዊ ስልጣን፣  ህዝባዊ ዉሳኔ…ወ.ዘ.ተ ምርግጋጽ እዩ። እቲምንታይስ እዚ እንተተራጋጊጹ ብሓባር ብሰላም ንምንባርን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝተዋደደ እዩ።
  3. ኣብ ድያስፖራ ይኹን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ፣ ኣዝየን ንቁሓት ሓላፍነታተን፣ መሰላተንን ጥቅምታተን ዝፈልጣ ድልድላት ማሕበረ-ኮማት ብምህናጽ፣ ንማሕበራዊ ስነኣእሙራዊ ኣቋዉማ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ናብ ሓደ ዱልዱል ማኣዝን ንምምእዛን ዝዓለመ እዩ።
  4. ህዝቢ ግዳይ ገባቲ ስርዓትን ፍሉይ ናይ ሰብ ረብሓ ዉድባት ካይከዉን፡ ብዝተወደበ ህዝባዊ ትካል ነብሰ ምክልኻል ምግባር ዝዓለመ እዩ።
  5. ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብጥርኑፍ ድምጺን ብጥርኑፍ ሰብን ካብታ ዝንኣሰት ቦታ ክሳብ ብደረጃ ዓለም ንምግጣሙ ዝዓለመ እዩ።
  6. ወሳኒ ጊደ ህዝቢ ኣብ ምቅያር ስርዓትን ምቅያር ሕብረተሰቡን ጊደኡ ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ።
  7. ሓርነት ሕብረተሰብ ምስ ፖሎቲካዊ ሓርነት ዉልቀ-ዜጋ ዝተታሓሐዘ ስለ ዝኾነ። ወሳኒ ጊደ ዉልቀ ዜጋን ሓርነት ዉልቀ-ዜጋ ዘራጋገጸ ናይዚኦም ምትእስሳር ድማ ሓርነት ሕብረተሰብ ሩጉጽ ስለዝገብሮ እዩ። ኩሉ ንጽዕዶን ንብህጎን ሲቪክ መሰልን ዲሞክራስያዊ መሰላት ንዉልቀ ዜጋ ዘማእከለ ስለዝኾነ ወይ ድማ ዉልቀ-ዜጋ ሓራ እንተዘይኮይኑ፡ ሕብረተሰብ ሓራ ክኸዉን ስለዘይክእል ነዚ ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ።
  8. ሓደነት ሃገርን ህዝቢን ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ።
  9. ዝላዓለ መግለጽን መራጋገጽን ናይ ዘመናዊ ሃገርን ዘመናዊ ፖሎቲካዊ መንነት ምርግጋጽ ናይ ኩሉ ዜጋ ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ናይ ሓባር ሕጊ ስለዝኾነ። ንጊዝኣተ ሕጊ ዘራጋግጽ ቀንዲ-ህዝባዊ ፈለግ (maine-stream)ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።
  10. ንጥዕና ዘለዎ ህዝባዊ ዘተ፡ ህዝባዊ ዉደባ፡ ቡሩህ ናይ ሓባር መጻኢን ሃገራዊ ዕርቂ ዘጣዓዕም ዝዓለመ እዩ።

 

ህዝባዊ ባይቶታት ብኸመይ ክካነዋና ይኽእላ፣

መእተዊ፣

ቅድሚ ኣብ ዝርዝራት ኣጋባብ ኣካናዉና ህዝባዊ ባይቶታት ምብራህና፣ ኣቀዲሙ ዝጸንሓ ዉደባታት ከምዘሎ ክንፈልጥ ኣሎና። እዚ ዝጸንሓ ዉደባታት ብመልክዕ ፖሎቲካዊ ሰልፍታት፣ ዉድባት፣ ግንባራት፣ ምንቅስቓሳት፣ ሲቪልን ሲቪክ ማሕበራት ምኻኑ እዉን ኩሉ ዝግንዘቦ እዩ። እዚ ኣቀዲሙ ዝጸንሔ ዉደባታት ኣንካይ ዶ ንዝገጥመና ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕስ፣ ንገዛእ ርእሱ ዘስሩሮ ዓቕምታት ከጥሪ ስለዘይክኣለ፣ ንገዛእ ርእሱ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም ወይ ተወሳኺ ጸገም ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ዓቕምታቱ ኣዝዩ ድሩት ስለዝኾነ፣ ብዘይቀላዓለም  መታን ክሰርር  ተባሂሉ ንፖሎቲካዊ ዉሳኔታቱን ዕላማታቱን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘሳጥሔ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ዝበዝሔ ህዝቢ ክስዕቦን ክድጉፎ ኣይተራእየን። ዓሳ ኣብ ባሕሪ ይነብር፣ ቃልሲ ድማ ኣብ ከስዒ ህዝቢ ዝነብር ማሕበራዊ መስርሕ እዩ። ህዝቢ ካብ ከስዑ እንተተፊእዎ ሂወት ስለዘይብሉ፣ ብዘይ ሂወት ክነብር ዝዉስን እንተሃሊዩ፣ መሰሉ ስለዝኾነ ክቅጽል ይኽእል እዩ። ኣነስ ሒዘዮ ዝጸናሕኩ መስመር ጉጉይ ስለዝኾነ ምስ ህዝበይ ይሕሸኒ ዝብል እንተሃልዩ፣ እቲ ኣፍደገ ህዝቢ ርሒብ እዩ።

ብወገኖም መታን ክትስዕብዎም ከምዚ ዝስዕብ “ሓቂ ዝመስል”፣ የግዳስ ንሰብ ተጣራጢሩ ቆራጽ ዉሳኔ ካይወስድ ዝገብሮ እንሳዕ ዝንገር ኣባሃላታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ፣-

  1. ሃገርናን ህዝብና ኣብ ሓደጋ ተሳጢሑ ስለዝርከብ፣ ዘላቡን ፍሕትሕት ዘብል ጊዝየ ስለዘየሎ፣ መታን ሃገርናን ህዝብናን ክድሕን፣ ኣብ ክንዲ ሓድሽ ዉደባ  ምጥያስ፣ ኣብ ዘለ ዉደባታት ኣቲና ክንቃለስ ኣሎና፣ ክብሉኹም እዮም። (ክትበልዓ ዝደለኻ ኣባ ጉንባሕ ዛግራ በላ እዩ)።
  2. እቲ ዘድሊ ዘሎ፣ ሓድሽ ዉደባ ህዝቢ ዘይኮስነ፣ እተን ተመስሪተን ዘለዋ ዉድባት ተመያይጠንን እንካን ሃባን ኢለን ኣብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ጽላል እንተጠርኒፈን፣ ህዝቢ ክስዕበን ስለዝኽእል፣ ኣብ ክንዲ ካብ ታሕቲ ካብ ህዝቢ ዝነቐለ ዉደባ፣ ካብ ላዕሊ ካብ መሪሒነታት ዉድባት (ጽላል) ንታሕቲ ንህዝቢዝወርድ ዉደባ ዝዕዉት ክብሉኹም እዩም። ( ሓይሊ ህዝቢ ነገራዊ ሓይሊ ምኻኑ ዘይምእማን ዘንቅሎ ዓሎቕ እዩ)።
  3. ተሰማዕነት ዘለዎ፣ ህቡቡነት ዘለዎ፣ ትምህርቲ ዘለዎ፣ ገንዘብ ዘለዎ፣ መራሒ ሃይማኖት፣ መራሒ ቀቢላ …ወ.ዘ.ተ ዓይነታት ሰባት መርፍእን ፈትሊ ኮይኖም እንተተላፊኖም፣ ብዘለዎም ማሕበራዊን ፖሎቲካዊ ክብደታት ንህዝቢ ከስምዑ ስለዝኽእሉ፣ ምጥርናፍ ናይ እዚኣቶም ኣገዳሲ ክብሉኹም እዮም። (ኣባታዊ ኣታሓሳስባ ኣእምሮ ዝፈጠሮ ኣካላዊን መንፈሳዊ ጊላነት እዩ)።
  4. ህዝቢ ስዓቢ እንበር ወሳኒ ከምዘይኮነ ዘስምዕ ንዕቐታት፣ ባጫታት፣ ወስታታት…ወ.ዘ.ተ ክስንዝሩልኩም እዮም። (ጭንቀትን ጥፍሽና ዝፈጠሮ ቦዶሽ ኣንነት እዩ)።
  5. ብእንዳ፣ ብቀቢላ፣ ብኤትኒክ፣ ብሃይማኖት፣ ብዓዲን ኣዉራጃ ክዉድብኹም፣ ከላዕሉኹም፣ ምስ ካልኦት ኣሕዋትኩሙን ኣሓትኩሙ ንትኹላዊ ምትፍናን መታን ከእትዉኹም፣ ኣጻብዕቶም ናብ ፍሉያት ኣካላት ሕብረተሰብና እንዳኣመልከቱ ክጉስጉሱኹም እዮም። (ፈላሊኻ ጊዛእ እዩ)።

ታሪኻዊን ዉድዓዊ መርትዖ ዘለዎ መልሲ ነዚ ሓሙሽተ ነጥብታት፣ ሎሚ ክራማት ዘርኢ ክርዳድ እንተዘሪእካ፣ ቀዉዒ ስርናይ ክትሓፍስ ኣይትኽእልን ኢኻ።  ሰዉራ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን መላእ ህዝቢ ተሳቲፉዎን ስዒብዎ፣ ንሰራዊት ገዛኢት እምባሮጠራዊት ኢትዮጵያ፣ ካብ መላእ ኤርትራ ሓግሒጉ ልዕላዉነት ኤርትራ ኣራጋጊጹ፣ ኣብ ምርግጋጽ ልዕላዉነት ህዝቢ ግን ፈሺሉ። እቲ ምንታይስ ህዝቢ ስዓቢ እንበር ወሳኒ ኣይነበረን። ኣብቲ እዋንቲ ዝነበራ ህዝባዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ባይቶታትን ናጻን ሓራ ዘይኮና፣ ብመምርሒ ዉድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝቆማን ዝፍንታሓን ምንባረን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ቅድሚ 20 ዓመት ዝሓለፎ ተሞክሮ ሕጂ ክደግም እንተኾይኑ፣ ንገዛእ ርእሱ ሓደገኛ ህዝቢን እቲ ፍጻሜ ድማ፣ ዝላዓለ ገበን ናይ 21 ክፍሊዘመን ኣብ ታሪኽ ወዲ-ሰብ ክቑጸር እዩ።

ህዝቢ ክንብል እንኮሎና እንታይ ማለትና እዩ?

ህዝቢ ዝብሃል፣ ብፍኑው ኣጋባብ ብኣሃዛዊ ቁጽሪ ዝጽብጸብ እኩብ ሰብ ጥራይ ማለት ኣይኮነን። ህዝቢ ልዑልን ንጥፉ ህልዉና ዘራጋገጸ ህያዉ ዝጠምሮ ናይ መንነት ፍሕሶ ዘለዎ ሕብረተሰብ ማለት እዩ። በዚ ዝስዕብ ሮቛሒታት ድማ ይልለ፣-

  1. ልዑላዉነቱ ህዝቢ፣ ብጂኦግራፊካዊ ክሊ ቦቱኡ፣ ፖሎቲካዊ ስልጣኑን ሲቪክ ሓርነቱ ይግለጽ።
  2. ንጡፉነት ህዝቢ፣ ብዘለዎ ተሳትፍኡ ኣብ ፖሎቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን ሂወቱ ዓይነት ተሳተፉነቱ ይግለጽ።
  3. ህያዉነት ህዝቢ፣ ብትካላዊ ገጻቱ፣ ብዲሞግራፊካዊ ጎድንታቱ፣ ብማሕበራዊ ቀጸላታቱ፣ ብምክፍፋል-ዕዮን ሞያታቱን፣ ብኤትኒክ-ጉጂለታቱን ሞሎኮታዊ እምነታቱን ይግለጽ።

ናይዞም ኣቀዲሞም ዝተገልጹ ሮቛሒታትን ድሌታቱ፣ ተሞክሮታቱ፣ ረብሓታቱ፣ ታሪኹን ተሞክሩኡን እኩብ ድምር ህዝቢ የብሎ። ህዝቢ ዝባሃል ከምዚ ካብ ኮነ፣ ህዝቢ ኣብ ዝካየድ ማሕበራዊ ሰዉራ ብከመይ ይሳተፍ ዝብል ሕቶ እዩ ክልዓል ዝኽእል። ዝውቱራት ክልተ ዓይነታት ተሳትፎ ኣለዋ፣-

  1. ንህዝቢ ድኹም ጎድኑታቱ መዝሚዝካን ሓይሊ ተጠቂምካ፣ ብምትላል፣ ብሙግቡዕባዕ፣ ብምግዳድ፣ ብዓመጽ ብምግፋፍን ምጭዋይን…ወ.ዘ.ተ ዝካየድ ተሳትፎ እዩ። እዚ ዓይነት ተሳትፎ፡ ብፍጹም ክንጸግ ዘለዎ ብልሓት ተሳትፎ እዩ።
  2. ንህዝቢ ብምርዓምን ምንጻግ፣ ብጥቕሙን መላእ ዕግበቱን፣ ብናጻ-ድሌቱን ዉሳኔታቱን፣ ብንቑሕ ኣፍሉጥኡ፡ ሓላፍነቱን መሰሉ…ወ.ዘ.ተ ዝካየድ ተሳትፎ እዩ። እዚ ዓይነት ተሳትፎ ክርዓምን ክዝዉተር ንቃለሰሉ እዩ።

ስለዚ ተሳትፎ ህዝቢ ብመሰረት ስሩዕ ህላዊኡን፡ ሐቀኛ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ክኸዉን ከምዘለዎ ስለ ንኣምን ናብቲ ቀንዲ ዛዕባና ክንኣቱ ኢና። ብትዕዝብትና እዞም ኣብዚ እዋን’ዚ አብ  ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅ ዝተኻየዱ ንገበቲን ሓዉሲ ገበትን ስርዓታት ዝቐየሩ ህዝባዊ ናዕቢታት’ውን እንተኾኑ፣ብተረባሕነት ናይቶም ተወዲቦም ዝጸንሑ ውሑዳን ሐይልታት ክድምደም ድአ’ምበር፣ ብተረባሕነት ናይ’ቲ አብ ጐደናታት ተሰሊፉ ንለውጢ ዘረጋገጸ ሰፊሕ ሐፋሽ ህዝቢ ክዛዘም አይረአናን። እዚ ዝኾነሉ ቀንድን መሰረታውን ምኽንያት ከአ፣ እቲ ሰፊሕ ህዝቢ ሕድሕዱ ተላዚቡን ተዛትዩን ብምርኻብ ንረብሐታቱ  ሐቢሩ ዝሕለወሉ ጥርኑፍ ህዝባዊ ውደባታት ከካናዉን ስለዘይከአለ ኢዩ።  ኣብ ታሪኽናን ተሞክሮናን ዉደባ በዘልማድ ንፖለቲካዊ ውድባት ወይ ሰልፊታት ጥራሕ ዝተሐዝኤ  ኣራዳድኣን ቱርጉም’ዩ ክውሰድ ጸኒሑን ዘሎን። ይኹን’ምበር ናይ ስልጣን ተሻረኽቲ ዘይኮኑ፡ ዝተፈላለዩ ህዝባውያን ናይ ሞያ ማሕበራት፣ ናይ ስቪክ ትካላት፣ ነጻ ዝኾነ ሻርነት ዘይብሎም ናይ ጋዜጠኛታት ሚድያ ትካላት፣ ናይ ሰብአዊ መሰልን ግብረ ሰናይን ነጻ ማሕበራት… ወዘተ እዚኦም’ውን እንተኾኑ ተምሳልን አብነትን ናይ ህዝባዊ ውደባ ምዃኖም ክዝንጋዕ አይግባእን እዩ።

አብ መጻኢ ንህዝቢ ዋሕስ ዝኾኖ፣ እዚ ህዝባዊ ትካላት’ዚ ስለዝኾነ፣ ካብ ጽልዋ ፖለቲካዊ አጀንዳታትን ናይ ስልጣን ተቖራቖስቲ ሰልፊታት ወይ ውድባትን ሐራ ብምዃን፣ ሻራ ዘይብሉ ውዱብ ህዝባዊ ትካላት ካብ ሕጂ ኣትሒዙ ክስረትን ክማዕብለን ይግባእ። ውድባት ኮነ ሰልፊታት ናይ ህዝቢ ዋሕስን መሰረት ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ሲቪላዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ክኾኑ አይኽእላን እየን። እቲምንታይስ እቲ ዝተመስረታሉ ቀንዲ ዕላማታት ናብ ስልጣን መሕኮሪ ጥራይ እዩ። ንቅሎ-ኣታሓሳስባተን ከመይ ጌሬን ስልጣን ይጭብጣን፡ ከመይ ገይረን ንሳተን ዝሓስቦኦን ዝደልይኦን ምሕደራ ወይ ዓይነት ስርዓት ንህዝቢ ብሓይሊ፡ ምትላል ኣመንጊካ ብምዉሓጥ ትምእዝዝ ስለዝኾነ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ንረብሐታቱን ጠቕሚታቱን ዝከላኸለሉ ንቑሕ ዝኾነ ህዝባዊ ነብሰ ውደባ ክገብር ታሪኽን ጊዜን ይጽዉዕ ከምዘሎ ክንጸር ይግባእ።

ህዝባዊ ዉደባታት ንህዝባዊ ባይቶታት ንሙቓም ነዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ኣብ ግምታት ዘእተወ ክኸዉን ኣለዎ፡

  1. ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት፡ ብደረጃ ከባቢ፡ ጎዶቦታት ከባቢ፡ ሃገር፡ ክፍሊ ዓለምን መላእ ዓለም ክዉደባን ከድህያ መታን ብቕዓት ትካላዊ ጥርናፌ፡ ንጹር ዳይነሚክስ  ስልትን ስትራተጂን፡ ተወፋይነት፡ ጉሉጹነት፡ ተሓታትነት፡ ቡዙሑነትን ርትዓዉነት ዝምእዝኖ፡ ንጹራት ዛዕባታት ዘለወን ክኾና ኣለወን። ዘልዕልኦ ዛዕባታት ኣብ ዝሓለፈን ዘሎ ኩዉንነት ወይ ተረኽቦታት ጥራይ ዝተሞርኮሰ ዘይኮነ፡ ካብ ዝሓለፈን ዘሎን ነቂለን ንመጻኢ መስመራዊ (linear) ዝኾነ ናይ ጊዜ-ቅየሳ ጉዕዞ ብምእማን ዝኣንፈተ ክኸዉን ይግባእ። ህዝባዊ ዉደባታት ን ህዝባዊ ባይቶታት ካብ ድርኺት መዓልታዊ ተረኽቦታት፡ ታሪኽን ብጻልጥኡ ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምዉራድ ዘናዓዓበን ጥራይ እንተኾይነን፡ ጹኑዕ ዕላማታት ስለዘይዉንናን ጹኑዕ መሰረት ስለዘይብለን፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ክብተናን መሳሪሒ ዉድባት ወይ ስርዓት ክኾና ኣዝዩ ቀሊል እዩ። መታን ብቀሊሉ ካይባታተና መሳርሒ ናይ ካልኦት ሓይልታት ካይኮና። ብንኹለን ዝምልከት  ኣዝዩ ጭቡጥ፡ ኣሳሳይ፡ ኣሳታፊ፡ ሓቓፊ…ወ.ዘ.ተ ልዕሊ ኽሉ ድማ ንመጻኢ ኣርሒቁ ዝጠመተ ንጹር ስትራተጂን ስልቲን ዝዉንና እንተኾይነን፡ ንጥፈታተን፡ ዉደባታተንን ጉዕዝኣን ብዘይ ገለ መሰናኽላት ኣድማዒ፡ ቀጻሊን ናህሪ ዘለዎ ክኸዉን እዩ።
  2. ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት፡ ዉደባን ዉድብን ብመሰረቱ ንዕላማን ራእይ ዝስከም ስልታዊ ማሓዉር እንበር ዕላማ ኣይኮነን። ህዝባዊ ባይቶታት ኣብ ከባቢኣን ክነቕላ እንኮሎዋ። ንጹር ናይ ንቕሎ ዕላማን ራእይን ክህልወን ኣለዎ። እንዳዓኸኻ ኣብ ዝኸዳሉ እዋናት እቲ ኣብ ዉሽጠን ዝፍጠር ናይ ሰብኣዊ ርኽኽብ ዳይነሚክስ ንዕላማታተንን ራእየን እንዳስሓሎን እንዳጸረቦን ክኸይድ እዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ኣብ መስርሕ ቡቁዓት መራሕቲ እንዳተፈጥሩን እንዳተለለዩን ክኸዱ ሙኻኖም ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።
  3. ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት፡ ብናጽነቶም ዝኣወጁ፡ ምትእስሳር ናይ ናጻ ዜጋታትን ኣብታ ዝነብሩላ ከባቢ ከም ቀንዲ-ሕመረት ሕብረተሰብ ኮይኑ ዝነጥፍ ማሕበረሰብ ስለ ዝኽነ፡ መሳርሒ ናይ ዘሎ ስርዓት ወይ ድማ ናይ ዘለዋ ተቃወምቲ ስርዓት መታን ካይከዉን፡ ጽኑዕ ሕጊ መካላኸሊ ድርዒ ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ። ካብ ታኼላ ሙኡዙዙነት ንማሕበረሰቡ ከናግፍ ክጽዕት ኣለዎ። እቲ ምንታይስ ምድልዳልን ምዕባይ ህዝባዊ ባይቶታት ምስ ሓርነቱን ናጽነቱን ዝራጋገጽ ብሙኻኑ እዩ።
  4. ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት፡ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ምስተወደበ፡ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢኡ ዘካይዶ ንጥፈታት፡ ናብ ጎዶቦታቱ፡ ስግረ-ጎደቦታቱ፡ ወረድታተን፡ ክፍሊ-ሃገረን፡ ሃገር፡ ክፍላ-ዓለምን ዓለም። ምስ ካልኦት ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት ቅጽበታዊ ምትእስሳርን ቀለቤት-ርኽክብ (Solidarity & Network) ክፈጥራ ኣለወን። ነቲ ብደረጃ ሃገርን ክፍሊዓለማት ዝፍጠር፡ ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት ንኣድማዒ ብልሒ ርእሰ-ኪናት ወይ ድማ ናይ ህዝቢ ጸቕጢ ሓይሊ መታን ክበቕዕ ብደረጃ ዓለም ናብ ጠርናፊ ዋዕላ ክኣቱ ኣለዎ። ኣብ ዋዕላ ኣትዩ ናይ ሓባር ድልዱል ዋላ (Platforum) ምስፈጠረ ሓደ ድልዱል ህዝባዊ ትካል ክኸዉን እዩ። እዚ ድልዱል ህዝባዊ ትካል እዚ፡- ሀ. ብዓለምለኻዊ ደረጅ ተሰማዕነትን ቁቡልነት ክህልዎ እዩ። ለ. ንሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ህዝቢ ስለዝንጽሎ ናይ ፖሎቲካዊ ተግባር ኡጉሚ ብሙኻን ከንበርኽኾ ዘኽእል እዩ። ሐ. ተሳተፍነት ህዝቢን ልዕላዉነት ህዝቢ ከራጋግጽ እዩ። መ. ዉድብ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ መላገጺናይ ፍሉይ ሰብ ረብሓ ጉጂለታት ኣይክኸዉንን  እዩ። ረ. ነቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገርና ዛጊት ቦኺሩ ዘሎ ናይ ህዝቢ ተቃዉሞ ትካል ዘናዓዕብ መትረባት ክኸዉን እዩ። ሰ. ልዕሊ ኹሉ ሓደነት ህዝቢ፡ሃገርን ሃገራዊ መንነት ከራጋግጽ እዩ። ሸ. ንምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነት፡ ንምህናጽ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ፡ ንብሓባር ብሰላም ምንባርን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጓጽ መሰረት ክኸዉን እዩ።
  5. ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት፡ መታን ክድልድላ  ዝምድናታተ ምስ ናይ ተቓወምቲ ዉድባት ከነጽራ ኣለወን። ፈቲና ጸሊእና ንፖሎቲካዊ ስልጣን ጨቢጠን፡ንፖሎቲካዊ ስልጣን ከምንዋት ተጠቂመን ሓሳበትን ባህግታተንን ከተግብራ ዝጽዕራ ፖሎቲካዊ ዉድባት፡ ሰልፍታት፡ ምንቅስቓሳት…ወ.ዘ.ተ ክህልዋ እየን። ብመሰረቱ ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት ንከይህልዋ ዝግበር ጥርናፌ እዉን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ንህዝቢ ተሳታፍነቱን ዉሕስነት ልዕላዉነቱ ዘራጋግጽ እዩ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ተጻረርቲ ነንሕድሕደን ተመላላእቲ፡ ኣብ ክንዲ ሓደ ጥብቆ ናይቲ ካልእ ዝኸዉን፡ ናይ ሓደ ናጽነትን ሓርነትን ዘራጋገጸ ሽርክነታዊ ዝምድናታት ንክህሉ፡ ኣብ ክንዲ ህዝባዊ ናይ ተቃዉሞ ትካል ዝቦኩር፡ ከምዝህሉ ንምግባር ስለዝኾነ። ብንጹር ዝምድናታተን ክንጸር ኣለዎ።
  6. ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት፡ እቲ ስርዓት ወይ ድማ ካልኦት ሓይልታት ዝጥቀሙሉ ከፋፋሊ ምሕቢኢ ባዓትታት ከወግድ፡ ንመላእ ህዝቢ ከባቢኡ ብዘይ ገለ ምፍልላይ ከሳትፍን ኣብ ቀጻሊ ናይ ምርድዳእ ጽምዶታት ክጽመድ ይግባእ።
  7. ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት፡ ካብ ቀይዱ ሒዙና ዘሎ ታሪኽ፡ ሙኡዙዙነት፡ ኣባታዊ ኣታሓሳስባን ንሕና ዝብል ጽዕዶ ፈንጺጉ ጽምዶ እስትራተጂ ዉዳቤኡ፡ እታ ዝንኣሰት ከባቢን ናጻ ዉልቀ ዜጋ ኣነ ዝብል ክኸዉን ኣለዎ።
  8. ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት፡ ጽምዶ ስትራተጂኣን ዝናኣሰት ከባቢ (Local) ንዉልቀዜጋ (individual citizen) ዘማእከለ ስለዝኾነ፡ ቅርጻ ምትእስሳርን ቀለቤት-ርኽክብ ካብ ዝዉሓደ ፍቕዲ-ሰብ ናብ ዝበዝሔ እንዳተጠላላፈ ይኸይድ።

 

ገሊኤን ማሕበረ-ኮማት ብዝሒ ወይ ዋሕዲ ሰብ ዘለወን ክኾና ከምዝኽእላ ዘጣራጥር ኣይኮነን። እተን ዋሕዲ ዘለወን ብሓባር ተጥርኒፈን ክዉደባ ይኽእላ፡ እተን ብዝሒ ሰብ ዘለወን ድማ ኣብ ዉሽጢ ማሕበረ-ኮመን ናጻ ዝኾና ክፍሊታት (chapters) ሓይሊ-ዕማማት (task force) ማሕበር ሰራሕተኛ፡ ማሕበር መንእሰያት፡ ማሕበር ደቂ-እንስትዮ፡ ማሕበር ሞያዉያን…ወ.ዘ.ተ ከቁማ ይኽእላ። እዚ ዝቆመ ማሕበረ-ኮማትን ናጻ ማሕበራት ካብታ ዝንኣሰት ቦታ ነቂሉ ብደረጃ ሃገርን ዓለም ከምዝዉደብ ከምዝታኣሳሰር ይግበር።

ብኸመይ ህዝባዊ ዉደባታት ንህዝባዊ ባይቶታት መስርሕ ይካናወን?  

  1. ኣብ ነብሲ ወከፍ ዝንኣሰት ቦታ፡ ዓዲ ወይ ከተማ ዝነብርሉ፡ ንነብሶም ወኪሎም ዝቀርቡ ናጻ ዉልቀሰባት ምትእስሳር (solidarity) ይፈጥሩ፣ እዚ ምትእስሳራት እዚ ኣብ ዝነብሩሉ ዘለዉ ኣካባቢ ጥቕምታቶም ንምርግጋጽ፡ ዝገጥሞም ቡዱሆታት ንምፍታሕ፡ ኩነታት ማሕበረ-ኮሞምን ሃገሮም ኣመልኪቶም ድሕሪ ምዝታይ፡ ዘተኣሳስሮምን ክፈላልዮም ዝኽእል ነገራት ድሕሪ ምልላይ፡ ኣብ እንካን ሃባን መስርሕ ኣትዮም። ማእከላይ ንኩሎም ብማዕረ ዕግበት ኣብ ክፈጥረሎም ዝኽእል ቀንዲ ቀላሲን ጠርናፊ ሓሳብ ከምዝሳማሙዑ ድሕሪ ምግባር፡ ንዝተሳማሙዕሉ ቀንዲን ቀላሲን ሓሳብ ማሓዉር ዝኸዉን ሕጊን ሕጋጋት፡ ቅርጻን ነቲ ቅርጻን ሓሳብን ዝመርሕ ኣካል ስለዘድሊ፡ ብቀጥታ ብዲሞክራስያዊ ኣጋባብ ወይ ድማ ብምትዕግጋብ መራሕቶም ይመርጹ። እዛ ዝተመርጸት ናይ ህዝቢ ሽማግሌ ፈላጺትን ቆራጺት መዝነት ዘለዋ ዘይኮነስ፡ ናይ ምዉህሃድ መዝነት ጥራይ ዘለዋ ክትኸዉን ይግባእ። መላእ ዝቆመ ማሕበረ-ኮም (Community) ዝተሳማማዓሉ ኡግሚ-ተግባር ተተግብርን እተዋሃህድ ከምትኸዉን ምኽታያ ወሳኒ እዩ።
  2. ኣብቲ ዝቀዉም ድልዱል ናይ ከባቢ ማሕበረ-ኮም፡ ነቲ ማሕበረ-ኮም ንምጽላዉ፡ ንምምቃልን ንምድኻም ዝነቕሉ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ጉጂለታት ማለት ፖሎቲካዊ ዉድባት፡ሰልፍታትን ምንቅስቓሳት ምስ ዘጋጥሙ፡ ኣብ ክንዲ ንትኹላዊ ምትፍናን ምእታዉ፡ ብመሰረት ነጥበ ስምምዕ ሕጊን ሕጋጋትካን መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ጽላል ኣቲ ማሕበረ-ኮም ከዕቕሉ ሓቓፊ ምኻንን ምስሳዮም ከድሊ እዩ፡ ኣይፋልናን ንስኻትኹም ናትና ሱሩዓት ወይ ሓፋሽ ዉድባት ክትኾኑ ኣለኩም ዝብሉ እንተኾይኖም ግን ብዘይ ገለ ተጉላባነት ኣብ ጽምዶ ክእቶ ኣለዎ። ዝካየድ ምርድዳኣት መፍትሒ እንተዘየምጽዩ ድማ ንጊዝየ ክሕደግ ኣለዎ።
  3. ኣብ ነብሲ ወከፍ ዝንኣሰት ቦታ፡ ዓዲ ወይ ከተማ ድልዱላት ማሕበረ-ኮማዊ ህዝባዊ ባይቶታት ምስ ቆማ፡ እተን ዝቆማ ምስ ጎዶቦታተንን ስግረጎዶባታተን መስኖ ርኽኽባት ቅልጢፈን ብምፍጣር፡ ብደረጃ ወረዳ ክፍሊ-ሃገርን ሃገር ንሕጋዊ ህዝባዊ መጋብአያ (Convention)ብምክያድ፡ ንኩሉ ኣብ መላእ ሃገር ዝጥርንፍ ዓማሚ ባይቶ የቑማ። እቲ ብደረጃ ሃገር ዝቆመ ባይቶ ምስቶም ኣብ ዝነብረሉ ክፍሊ ዓለም ዝነብሩ፡ነበርቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብደረጃ ሃገራት ዝቆማ ህዝባዊ ባይቶታት ዳግም ንብደረጃ ክፍለ ዓለም ንሕጋዊ ህዝባዊ መጋብአያ ብምእታዉ ብደረጃ ክፍለ-ዓለም ተወዲቡ፡ ምስ ካልኦትሕጋዊ ህዝባዊ መጋብአያ ክፍለ-ዓለማት ንሕጋዊ ህዝባዊ መጋብአያ ብምእታዉ ብደረጃ ዓለም ሓደ ዱልዱል ናይ ህዝቢ ወይ መሰረታት ጥርናፌ ክፍጠር ይክኣል እዩ።
  4. ብደረጃ ዓለም ሓደ ዱልዱል ናይ ህዝቢ ወይ መሰረታት ጥርናፌ ሕጋዊ ህዝባዊ መጋብኣያ ምስፈጠረ፡ ነቲ ካብታ ዝታሓተት ካብ ነፍስወከፍ ቦታ ወይ ስፍራ ሒዝዋ ዝመጸ ዕላማ ብምንጽጻር ንኹሉ ዘዕግብን ኩሉ ክቃለሰሉ ዝረዲ፡ ህዝባዊን ሃገራዊ ንማሕበራዊ፡ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊ፡ ባህላዉን ዲፕሎማስያዊ ጠርናፊ ቻርተር፡ መርሓ ገበይ (road-map)፡ ዉሽጣዊ-ቅዋም፡ ዕማምን መዝነት ዕማምን፡ ኣድማዕ ስልትን ስትራተጂ፡ ሓይሊ-ዕማማት…ወ.ዘ.ተ ካብ ትማሊ ነቂሉ ንሎሚ፡ ካብ ሎሚ ነቂሉ ንጽባሕን ቀጻሊ መጻኢን ዝጠመተን ዘጋናዘበ መደባት ክኸዉን ከምዘለዎ ብምክንዋን ንፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ብድሆታት ህዝቢን ሃገር ኤርትራ ንምፍታሕ ይጽመድ።
  5. ክተግብሮ ዝግብኦ ቀንዲ ዕታር-መትከላት እዘን ዝስዕባ እየን፡-

ቀዳማይ፡ ንጎነጻዊ ቃልሲ ዝደፋፍኡ ሮቓሒታት ኣብ ባይታ እኳ እንተሃለዉ፡ በዚኦም ተዳፋፊካ ኣብ ጎነጽ ካይትኣቱ ምጥንቃቕ እዩ፡

ካልኣይ፡ ድማ ዕማም ፖሎቲካዊ ዉድባትን ሰልፍታት ማለት ፖሎቲካዊ ስልጣን ክትዕትዕት ዘይምድንዳንን ዘይምሕሳብ እዩ። እቲ ምንታይስ ንህዝቢ ልዕሊ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዓቲሩ ዘሎ ሓያል ዝገብሮ። እዚ ክልተባህርያት ክዉንን ስለዘይመርጽን ዝተወደበ እንተኾይኑን ጥራይ ብሙኻኑ እዩ።

ሳልሳይ፡ ኣብ ታሪኽና ከም መካፋፋሊ ንሕብረተሰብ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ስርዓት ዘሎ ይኹን ኣብ ተቃዉሞ ዝጥቀመሎም ዝጸንሑ ሻዕብያ ጀብሃ፡ ዋርሳይ ይክኣሎ፡ ኣስላማይ ክሪስቲያናይ፡ ወዲ ጓል፡ ከበሳውያን ቆላዉያን፡ ሰኒሒታዊ ሳሕላዊ፡ ብሌናይ ትግርኛ፡ ተጋዳላይ ኣገልግሎት፡ ደጋፊ ስርዓት ተቃዋማይ…ወ.ዘ.ተ ዝብል ከፋፋሊን ጸቢብን ሕልናን ጽዕዶን ከወግድ ኣለዎ።

መዛዘሚማእዶ ዛዕባና፡

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡ ብረብሕኡ፡ ብሞዩኡ፡ ብማሕበራዊ ቀጸላታቱ፡ ብጾትኡን ብብርኪ-ዕድሜኡ…ወ.ዘ.ተ ዘይተወደበ ህዝቢ፡ ንኪጭቆን ዝተዋደደ ሕብረትሰብ ምኻኑ ንግምግም። ሓራ ክወጽን  ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ክሃንጽ ድማ ክዉደብ ከምዘለዎ ንኣምን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ህዝባዊ ዉደባ ካይፈጠረ ክዕወት ኣይኽእልን’ዩ ካብ ዝብል መሰረታዊ ናይ እምንቶ አመለኻኽታ ብምንቓል፡ ህዝቢ ንዝተወደበ ኣካል ጥራሕ ክስዕብን፣ ብእኡ ተመሪሑን ተማእዚዙን ክኸይድ ኣይግባእን ዝብል ተሪር እምነት ስልዘሎና፣ ህዝቢ ባዕሉ ተወዲቡ ሕድሕዱ ተዛትዩን ተላዚቡን ዋና ጉዳዩን ጉዳይ ናይ መጻኢ ቡሩህ ሂወቱን ክዉስን ከምዘለዎ ንቃለስን ነስተምህርን።

ምንቅስቓስ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡  አብ ዝተበገሰሉ እዋን እቲ ኣብ ፖሎቲካ ኤርትራ፡ሒዝናዮ ክንመጽእ ዝጸናሕና አገባብ አወዳድባን፣ ናይ ውድባት/ሰልፊታት ናይ ስልጣን ውድድር መልክዕ ዝሐዘ ጉዕዞን፣ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ስዓቢን ተኸታሊን ናይ ሓደ ሰልፊ/ውድብ ክትገብሮ ዝዓለመ ኣገባብ አቀላልሳን፣ ፈጺሙ ዘየዓውትን አረጊትን ስልታዊ ኣጋባብ ውደባ ኢዩ ብምባል፡ ብሓድሽ ቅደ-ሓሳብ (paradigm shift) ዉደባን ክቅየር ኣለዎ ዝብል መደምደምታ ምስ በጻሕና፡ ቁኑዕ ሓሳብ ምስ ታሪኽናን ዘመናዉነት ኤርትራ ዝኸይድ ሲቪክ ሃገረዉነትን፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ዝጸዉር ዳይነምኒክ ናይ ህዝቢ ዉደባ ክኸዉን ከምዘለዎ ዓጊብና። እቲ ምንታይስ ኣብ ጹቡቕ ፍቓድ ናይ ፍሉያት ሰብ ረብሓ ወይ ድማ ፖሎቲካዊ ዉድባትን ሰልፍታት ምዉዳቕ ጊዚኡ ዝሓለፎን ልዕላዉነት ህዝቢ ሙሉኡ ብሙልኡ ዘየራጋግጽ ብሙኻኑ እዩ። ብዓቢኡ ኣብ ጊዝየ ዓዉላማ (Globalization) ዝተወደቡ ናይ ፍሉይ ሰብ ረብሓ ጉጂለታት፡ ቀዳምነት ረብሓ ህዝቢ፡ዉሳኔ ህዝቢ፡ባህግታት ህዝቢ…ወ.ዘ.ተ ክሰርዑ እዮም ዝብል እምነታት ብፍጹም የብልናን።

ስነሓሳብ ሲቪክ ሃገራዉነትን ዳይነሚክስ ህዝባዊ ዉደባን ህዝባዊ ባይቶታት፡ ካብቲ ቀንዲ ንሃገርናን ህዝብና፡ ካብ ሒዝዎ ዘሎ ጉጉይ ማኣዝን ናብ ቁኑዕ ማኣዝን ዘማእዝን፡ ካብ ተሳጢሒዎ ዘሎ ሓደገኛ ቃራና መገዲ ዘድሕን፡ ተሳትፎን ወሳንነት ህዝቢ ዘራጋግጽ፡ ሃገራዉነትናን ሃገራዊ መንነትና ዝዉስን፡ ብሓባር ብሰላም ክነብር ዘጣዓዕም። ኣንፈት ማሕበራዊ ፍትሒ ዘራጋግጽ፡ ቀንዲ መሰረት ሲቪላዊ ሕብረተሰብ፡ መንግስቲ(government) ን ደዉላን (state) ዝኸዉን፡ ንጽዕዶን ጠቕምን መላእ ህዝብና ንጥርኑፍ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊ፡ ማሕበራዊን ባህላዊን ኣንፈት ዝገርሕ ህሞት ዝፈጥር መትረብ ብሙኻኑ እዩ።

ህዝቢ ይምሃር ይንቃሕ፡ ይስራሕ ይወደብን ይቃለስ!

ህዝባዊ ባይቶታት፡ ንሃገራዉን ዓለማዊ መጋባእያ ዘብቕዓ ይቑማ!

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

14/02/2012

 

 

 

ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2019 ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን!

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ: ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ: ኣባላቱን ተማጻደቕቱን ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2019 ይግበረልና ንብል ኣሎና። ሓድሽ ዓመት 2019፣ ዓመተ ራህዋ፣ ቅሳነትን ምዕባለን ክትኮነልና፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘሕልፎ ዘሎ መስገደል ዝመልኦ ህይወት ወጺኡ፣ ህድኣትን ርግኣትን ዘለዎ ህይወት ክመርሕ፣ ዝተበታተና ስድራቤታት ዝተሓቛቖፋሉ፣ ዓመት ክኾነልና ንምነ። እዛ እንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት 2019፣ ዓመተ ደሞክራሲን ምዕባለን፣ ዓመተ ለውጥን ብልጽግናን፣ መንእሰይ ኤርትራ ዘይከምዝሓለፉ ዓመታት፣ ኣብ ዓውዲ ፍልጠት፣ ምህዞን ትምህርትን ዝዋፈረሉ ዓመት፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዳግማይ ባህሉን ክብረቱን ዘዐምብበሉ ዓመተ ሽሻይ ክኾነልና ንምነ።

ኣብ ታሪኽ ወዲሰብ ንሰዉራ ፈረንሳ ኣብ ግንቦት 1789 ዝነቐለ ሰብኣዊን ዓለምለኻዊን ማሕበራዊ ሰዉራ ዘብሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብደም፡ ትዉልዲን ትዉፌትን ዝተሞርኮሰ ዋንነት መሬት፡ ስልጣንን ዜግነትን ካብ ሱሩ ነቂሉ ብሙምንቃስ፡ ወዲሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ሙኻኑ ብምርግጋጻ፡ ሕጊ ብዘፍቕዶ መሰረት ዋንነት መሬት፡ ስልጣንን ዜግነትን ክህሉ ብምእዋጁን ብተግባር ብምርግጋጹን’ዩ።

ኣብ ኤርትራና ድማ፡ ነዚ ዝዛመድን ዘንጻባርቕን ማሕበራዊ ሰዉራ፡  ከነካይድ ዝድርኻና ሓቕታት ኣብ ባይታ ህልዉ’ዩ። ኣብ ኤርትራ መጀመርታ ካብ ኣብ ደም፡ ዓለት፡ ቀቢላ፡ ጾታ፡ ጉጂላዊ፡ ኤትኒክ-ጉጂለ…ወ.ዘ.ተ ዝተሞርከሰ ሃገራዊ ዜግነት ሓራ ክትወጽእ ኣለዋ።

ካልኣይ ካብ ሙቑጽጻር ኣርካናት ሰዉራ ሻዕብያን ጀብሃን እዉን እንተኾነ ናጻ ክትወጽእን፡ ኤርትራ ናይ ዝተጋደለን ዝደገፈን  ጥራይ ዘይኮነት፡ ናይ መላእ ዜጋታት ሙኻና ብኑጹር ምርግጋጽ’ዩ።

ሳልሳይ ሕጊ ልዕልና ሃሊዎ፡ ኩሉ ጉዳያትና ብሕጊ ክዉሰንን ኩሎም ዜጋታት ኣብ ቕድሚ ሕጊ ማዕረ ክርኣዩን ክዳነዩ’ዩ። ከምኡ ስለ ንኣምን፡ ቀንዲ ዕላማ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡ ዝላዓለ መግለጺን መራጋገጽን ናይ፡-

  1. ናይ ዜግነት ሃገራዉነት (civic nationalism) ስነ-ሓሳብ እንስዕብ ኢና።
  2. ዘመናዊ ፖሎቲካዊ ዜግነት እንኣምን ኢና።
  3. ናይ ዜግነት(civic) ፖሎቲካዊ ስርዓትን ሃገርን ንክህሉ እንቃለስ ኢና።
  4. ፖሎቲካዊ ሓርነት ዉልቀ-ሰብ ዝላዓለ ህርመት-ኣግእዞና እዩ።
  5. ፖሎቲካዊ ስልጣን ብተሳትፎን ምርጫን መላእ ህዝቢ ዝራጋገጽ ቁቡልነት ስልጣን ክራጋገጽ እንሓስብን ኢና።
  6. ሃገርን ህዝብን ካብዝላዓለ ክሳብ ዝተሓተ ብብቕዓትን ማለት ቡቁዕ ሰብ ንዝበቕዖ ቦታን ዉክልናን ክምራሕ እንመርጾ ኢና።
  7. ጊዝኣተ-ሕጊ ክራጋገጽ እንቃለስ ኢና።

በዚ ኣጋጣሚ ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2019፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስናዮ ሓሳብ ዝተመገበ ሓንጎልን፡ እቲ ማእዛ ናይ’ዚ ሓሳባት ዝሳራሰሮ ልቢ  ሰብ (ዜጋ) እንተሃልዩ፡ ሓቢሩ ምሳና ክቃለስ ብትሕትና ንጽዉዕ ኣሎና።

ዓወትን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ መላእ ዓለምናን!

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

http://snitna.com/ECDM%20Dialogue%20papers%20for%20our%20common%20strategy%20and%20future.pdf

eritreancdm@gmail.com

30/12/2018

Problemen van Eritrese vluchtelingen: angst, alcohol, frustratie, geweld

ሽግርና ንምፍታሕ ህዝባዊ ቆጸራ ንግበር!

ህዝባዊ መጽዋዕታ ንኤርትራውያን አብ ሆላንድ።

ሰላም ንኹላትኩም ኤርትራዉያን ነበርቲ ሆላንድ፡ ሕጂ ንመበል 5 ጊዜኡ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ዑቕባ ሓቲቶም፡ሕትኦም ቁቡል ኮይኑ ንክነብሩ ዝተፈቕደሎም ኣመልኪቱ ዝተኻየደ መጽናዕታት ኣሎ። እዚ መጽናዕትታት’ዚ ጸገማት ከምዘሎ ስለዘመልክት፡ ንጸገማትና ንምፍታሕን ነዛ ናይ መጨረስታ መጽናዕቲ ፖሎቲካዊ ጸግዕታትናን እምነታትናን ብዘየገድስ ብሓባር ኮፍ ብምባልን ከም መወከሲ ብምዉሳድ እንተንዛተየላ ከመይ ይመስለኩም? እቲ ዝሕልኖ ዘለኹ ዘተ ኣብ ፈይስቡክ ዘይኮነ ኣብ ማእከላይ ቦታ ናይ ሃገር ሆላንድ ዕለት ጊዚየ ኣዳራሽ ወሲና ክንራኸብ እሞ ፡ ድሕሪኡ እቲ ኣኼባ ብዝወሶና ዉሳኔ መሰረት ዘሎ ጸገማትና እነወግደሉ ክዉንነት ንምድህሳስን ንምፍጣርን ጥራይ ዝዓለመ’ዩ።

https://www.nrc.nl/nieuws/2018/11/15/eritrese-problemen-angst-alcohol-frustratie-geweld-a2755414

ዑደት ጋዜጠኛ ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ:ባጽዕ: ዓሰብ: ቡሬ:መቐለን ዓዲ ግራትን

Press Statement/Sanctions on Eritrea Lifted

The Security Council today (14 Nov) unanimously adopted a resolution lifting the arms embargoes, travel bans, asset freezes and targeted sanctions on Eritrea, while reaffirming the arms embargo on Somalia.

https://www.un.org/press/en/2009/sc9833.doc.htm?fbclid=IwAR0tFEKafIpnHjHr2epXbb4nBQDRn3WVDeoNks0uV_oScHKg_61Mk6-6MqQ

http://www.shabait.com/news/local-news/27415-press-statement?fbclid=IwAR23fjw2m7jtdwNi-zad3w48CvdfLMkMf-zCAatxBEzqUCo4Wdo3baNK5eg

 

ጻውዒት ንኹሉ ኤሪትራዊ ዜጋ: ኣብ ኩሉ ክርንዓት ዓለም ዘሎኻ!

ኣብ’ዛ ዘመናዊት ዓለምና፡ ብቕጽበት ንመሰል ወዲ ሰብ ከም ሕመረት ናይ ኩሉ ዝግበር ለውጢ ሰሪዓ ኣብ እንዳተቀየረት ትሕንበበሉ ዘላ እዋን፡ ከምዝምሰል  ዘመነ’ያ ግርምቢጥ ማይ ንዓቀብ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ንመዋእል  ንህላውነት ንምርግጋጽ፡ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ከም ዘይኸፈልናን እኹል ተሞክሮ ከምዘይብልናን። ብስንኪ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓትን ሓደገኛ ሜላታቱ፡ ሎሚ ኣብቲ ምብልጻጋ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነት፡ ምርግጋጽ ሰብኣዊ ሓርነት፡ ምዱካን ቁዋምን ቅዋምነት…ወ.ዘ.ተ  ዓቢ ተራ ከነበርክተሉ ዝግበኣና ወቕቲ፡ ኣብ ቀጻሊ ስደትን ምብትታንን፡ ኣብ ነንሓድሕድና ንቱኹል ብምትፍናን ፡ ኣብ ቃ`ራና-መገዲ ተሳጢሕና ኣንፈትና ኣብ ዘጥፍእናሉ እዋናት። ኣብ ክንዲ ኣብ ሃናጺ ጽምዶታት ንገዛእ-ርእስና ንጸምዳ፡ ኣብ ኣሽካዕላል፡ ኣላጋጭ፡ ኣብ ስሓቦ-ጋቱቶ፡…ወ.ዘ.ተ ተጸሚድና ከምዞሎና ዘይንዝንግዖ ሓቂ’ዩ። ውጽኢት ናይዚ ድማ ዘቤታዊ ዕዮናን ግርጭታትናን ቡጉቡእን ዉርጹጹን ኣጋባብ ስለ ዘየመሓደርናዮ፡ ብቑጽሪ’ን ዝተጋነንና እኳ እንተዘይኮና፡  ኣብ ፈቀዶ ኩርናዕ እዛ ዓለምና ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ፋሕ ብምባል ልብና ብሑዙኑ ንነብር ኣሎና።

ሕጂ ንምጽብጻብ መን ኣብ ቁኑዕ ጎደና ጸኒሑ፡ መን እዩ’ኸ ኣብ መገዲ ጥፍኣት እዛ ሃገር ክሰርሕ ጸነሑ ዘይኮነስ፡ ሎሚ ኩሉ ጸበብቲ-ዛዕባታት ተስንድዩ ወይ ተወጊኑ፡ ንማሕበራዊ  ጸጋታት ሕብረተሰብና ከም ቀንዲ-ቀላሲ ነጥቢ ብምዉሳድ፡ ንኹሉ ፈላላዪ፡ ነፋግ፡ ዓማጺ፡ ጸቢብ ….ወ.ዘ.ተ ዛዕባታት ይኣክል ብምባል፡ ናብ ጎደና ፍትሒ ከነማእዝን ሃገርን ህዝቢን ትጽውዓና ኣላ። ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን፡ ካብ ዝኸፍአ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍኤ ኩናታት፡ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ሃገራዊን ህዝባዊን ጉቡእና (ሓላፍነትና) ከነበርክት ግድነታዊ’ዩ። ሓደ ሕብረተ-ሰብ ንኸዕወትን ከም ሃገርን ሕብረተሰብን ክሰርር ዝድለ እንተኾይኑ፡ ተጠርኒፉ ክውደብ ናይ ግድን እዩ። ናይ ቕድሚ ሕጂ ዝተገብረ ቃልስታትና ምስ ኣዝዩ ገዚፍ ጉድለታቱን ሕጽረታቱን፡ መሬታዊ ናጽነትን ንሉኡላውነት ሃገር ህያው መርኣያ ናይ ዑዉት ናይ ህዝባዊ ውደባና እዩ። ስለዚ ሎሚ ግዚኡ ኣኺሉ፡ ከም ሓደ ነጥቦ መቀይሮ ኣብዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ብሙሙርኳስ ከም ዜጋታት ብዘየገድስ ናይ ዝሓለፈ ዝተኸተልናዮም መገድታት፥ ተሪፉ ዘሎ ግዜና ቡጉቡእ ብምጥቃም ካብ ዝጸናሕናዮ ቀራና መገዲ ናብ ቁኑዕ መስመር ብምሓዝ ሃገራዊ ን ህዝባዊ  ልኡላዉነትን ሓርነትን ንምዕዋት ሓበርና ክንሰርሕ ንኹሉ ዜጋ ንጽዋዕ ኣሎና።

ስለዚ እምበኣር ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤሪትራ (E.C.D.M)  ነዚ ኣብ ዞናና ዝንዓዓብ ዘሎ ኣዝዩ ቁልጡፍ ዝመስል የግዳስ ዘገምታዊ ለዉጢ ከም ሓደ  ዳይነሚክስ ወሲድና ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣኣብ ዝርከቦ ቦታ (local)  በቲ ዝጥዕሞ ኣገባብ ንሃገራዊ ረብሓ ብስኒት ፋቅሪን ምክብባርን ዝመልኦ ኣገባብ ንፍልልያትቱ ከም ጸጋታቱ ብምርዓም ምስ የሕዋቱ ተወዲቡ ክቃለስ ንጽውዕ። ሰቪክ ደሞክራስያዊ ምንቅስቅስ ኤሪትራ ንናይ ህዝቢ ዝግበር ውዳበታት ብምሕያል ኣብ ናይ ዜጋታት ሃገርነት፡ ፖሎቲካዊ ዜግነትን መሰል ዉልቀ ዜጋ ንምሕላው ዝቃለስ ናይ ዜጋታት (civic) ምንቅስቓስ እዩ። ንዝግበሩ ናይ መሰረታት ዉዳበታትን ምንቅስቓሳትን ከኣ እጃሙ ብምብርካት ንምሕያሎም ዝጽዕት እዩ። ስለዚ ኩላትና ኤርትራውያን ዜጋታት ንዝነበሩ ናይ ስሚዐታት ዉዳበታት ኣይፋል ብምባል: ብሱጡም ንሃገራዊ ሉኡላውነት ሰብኣዊ ሓርነትንዳግም ከነውሕስ ፡ ከየባተኸ ንኽሰርሕ ኤርትራና ትጽውዓና ኣላ’ሞ እጃምና ከነበርክት ሎሚ ንበገስ።

https://eritreancdm.wordpress.com/about/

http://snitna.com/ECDM%20Dialogue%20papers%20for%20our%20common%20strategy%20and%20future.pdf

ዓወት ንህዝቢ ኤሪትራ!

ቤትጽሕፈት ዳይሬክተር

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤሪትራ

በርገን(ኖርወይ)

07-10-2018

 

Full text of the Ethio-Eritrea agreement signed in Jeddah

Agreement on Peace, Friendship and Comprehensive Cooperation between the Federal Democratic Republic of Ethiopia and the State of Eritrea

The Federal Democratic Republic of Ethiopia and the State of Eritrea, hereinafter referred to as the Two Parties;

Considering the close bonds of geography, history, culture and religion between the two countries and their peoples;

Respecting each other’s independence, sovereignty and territorial integrity;

Desiring to achieve lasting peace and cement their historical ties to achieve their lofty objectives;

Determined to establish comprehensive cooperation on the basis of complementarity and synergy;

Determined further to contribute actively to regional and global peace and security;

Reaffirming the Joint Declaration on Peace and Friendship that they signed on July 9, 2018 in Asmara;

Reiterating their commitment to the principles and purposes of the Charter of the United Nations;

The Two Parties agree as follows;-

Article One

The state of war between the two countries has ended and a new era of peace, friendship and comprehensive cooperation has started.

Article Two

The two countries will promote comprehensive cooperation in the political, security, defense, economic, trade, investment, cultural and social fields on the basis of complementarity and synergy.

Article Three

The two countries will develop Joint Investment Projects, including the establishment of Joint Special Economic Zones.

Article Four

The two countries will implement the Eritrea-Ethiopia Boundary Commission decision.

Article Five

The two countries will promote regional and global peace, security and cooperation.

Article Six

The two countries will combat terrorism as well as trafficking in people, arms and drugs in accordance with international covenants and conventions.

Article Seven

The two countries will establish a High-Level Joint Committee, as well as Sub-committees as required, to guide and oversee the implementation of this Agreement.
This Agreement is made at Jeddah, Kingdom of Saudi Arabia on this day of September 16, 2018 in two original copies in Amharic, Tigrinya, Arabic and English languages; in case of discrepancy in interpretation, the English version shall prevail.

 

For                                                                                                                     For

The Federal Democratic Republic of Ethiopia                                          The State of Eritrea

Abiy Ahmed Ali                                                                                          Isaias Afwerki
Prime Minister                                                                                                      President

 

ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን  ኵለንትናዊ ምትሕግጋዝን፡ ኣብ  መንጎ ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት  ኢትዮጵያን ሃገረኤርትራን

ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራትን ህዝብታተንን ጥቡቕ ናይ ጂኦግራፍ፡ ታሪኽ፡  ባህልን ሃይማኖትን፡ ምትእስሳር ከምዘሎ መሰረት ብምግባር፣  ናይ ሓድሕዶም ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ብምኽባር፣ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽን ታሪኻዊ ምትእስሳሮም ንምድራዕን ካብ ዘለዎም  ሃረርታ ብምብጋስ፣ ኣብ  ተመላላእነትን  ውህደትን  ዝተመርኰሰ  ኵለንትናዊ  ምትሕብባር  ንምህናጽ ቆሪጾም ብምብጋስ፣ ንዞባዊን ዓለማዊን ሰላምን ጸጥታን ንጡፍ ኣበርክቶ ንምግባር ብምሕላን፣ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ንዝፈረሙዎ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን  ምሕዝነትን ዳግም ብምርግጋጽ፣ ንመትከላትን ዕላማታትን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም ተኣማንነት  ዳግም ብምርግጋጽ፣  ክልተኦም ወገናት በዚ ዝስዕብ ተሰማሚዖም ኣለዉ:-

ዓንቀጽ ሓደ;-

ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝጸንሐ ኵነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ፡ ሓድሽ  መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ኵለንትናዊ ምትሕብባርን ተራሕዩ ኣሎ።

ዓንቀጽ ክልተ:-

ክልተአን ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ምክልኻላዊ፡ ቍጠባዊ፡ ንግዳዊ፡ ወፍራዊ፡ ባህላዊን ማሕበራዊን ዓውድታት ኣብ ተመላላእነትን ውህደትን  ዝተመርኰሰ ኵለንትናዊ ምትሕብባር ከማዕብላ እየን።

ዓንቀጽ ሰለስተ:-

ክልተአን ሃገራት ሓባራዊ ፕሮጀክትታት ወፍሪ፡ እንተላይ ሓባራዊ ፍሉይ  ቍጠባዊ ዞናታት ከማዕብላ እየን።

ዓንቀጽ ኣርባዕተ:-

ክልተአን ሃገራት ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከተግብራኦ  እየን።

ዓንቀጽ ሓሙሽተ:-

ክልተአን  ሃገራት  ዞባዊን  ኣህጉራዊን  ሰላምን  ጸጥታን  ምትሕብባርን  ንምውሓስ ክጽዕታ እየን።

ዓንቀጽ ሽዱሽተ:-

ክልተአን ሃገራት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ስምምዓትን፣ ግብረ-ሽበራ  ከምኡ’ውን ንግዲ ደቂ-ሰብን ኣጽዋርን ዕጸ-ፋርስን ክምክታ እየን።

ዓንቀጽ ሸውዓተ:-

ክልተአን ሃገራት ንትግባረ እዚ ስምምዕ ዝኣልን ዝከታተልን ላዕለዋይ  ሓባራዊ ኮሚተ፡ ከከም ኣድላዪነቱ ድማ ንኡሳን ኮሚተታት ከቝማ እየን።

እዚ ስምምዕ’ዚ ብ16 መስከረም 2018 ኣብ ጅዳ – ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብኽልተ መበቆላዊ ቅዳሓት፣ ብቛንቋታት ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ፡ ዓረብን  እንግሊዝን ተፈሪሙ። ኣብ ትርጕም ዝኾነ ፍልልይ ምስ ዝህሉ፡ እቲ ናይ  እንግሊዝ ረታዒ ይኸውን።

16 መስከረም 2018 ዓ.ም. ጅዳ – ስዑዲ ዓረ

 

ንፈደራላዊት ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ                  ንሃገረ ኤርትራ

ቀዳማይ ሚኒስተር / ኣቢየ ኣሕመድ ዓሊ                       ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ

 

 

1-https://addisstandard.com/full-text-of-the-ethio-eritrea-agreement-signed-in-jeddah/

2-http://www.shabait.com/news/local-news/27076-agreement-on-peace-friendship-and-comprehensive-cooperation-between-the-federal-democratic-republic-of-ethiopia-and-the-state-of-eritrea-

3-http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_198092018.pdf

 

 

 

 

 

 

 

 

 

“ዶብና ክሕንጸጽ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፖሎቲካዊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ ድዩ?”!

ኣብ መብዛሕትኡ ኣብ ዲያስፖራ ዝነጥፍ ናይ ኤርትራ ተቃዉሞ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሔ ኩነተ-ኲናት፡ ብሰላማዊ ኣጋባብ ንክፍታሕ ምርጫ ዘይብሉ ከም ቀንዲ ፖሎቲካዊ መርገጺና ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ። እዚ መርገጺ’ዚ ገሊኦም ንይምሰል፡ ገሊኦም ድማ ካብ ማሕበራዊ ስነ-ኣእሙራዊ  እምነትናን መትከላትና ዝነቀለ ዝብልዎ ዝነበሩ ስለዝኾነ፡ ሕጂ ነቲ ግርጭት ኩነተ-ኲናት ብሰላማዊ ኣጋባብ ንምፍትሑ መስርሕ- ኣፈፌት ሰላም ኣብ ዝተኸፍተሉ፡ ብፍላይ እቶም ብመትከል ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሔ ኩነተ-ኲናት፡ ብሰላማዊ ኣጋባብ ንክፍታሕ  ዝኣሙኑ ዝነበሩ፡ ዝጸንሖም መትከላዊ እምነት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምፍራኽ ዝቅይረሉ ወይ ዝፋኹሰሉ ምኽንያታት ክህሉ ዶ ምስተገብኤ? እቲ ጉዳይ ግን “ኣነ ዶ ካይሕዛ ነዊት፡ ንስኺ ዶ ካይትበልዒ ሸዊት፡ ሓቢርና መስከረም ንመዉት’ዩ” ዝመስል ዘሎ።

“ዶብና ክሕንጸጽ ወይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን ዘለዎም ምስሕሓብ ክፍታሕ፡ ከም ቅድመ ኩነት፡ ብህዝቢ ዝተወከለ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ ይብሃል ኣሎ”። ግርም! እዚ ኣባሃህላ’ዚ ንህልኽ ድዩ ወይስ ኣድማሳዊ ሓቕታት ዝሓዘለ’ዩ?

  1. ዶባት ኤርትራ ዶ፡ ንሕና ወይ ብኣና ዝተወከለ ስርዓት ዝተኸለለ ድዩ? ብገዛእቲ ኣብ መንጎ ጥልያን እንግሊዝ ፈረንሳን መነሊክን (ኢትዮጵያ) ብዝተበጽሔ ስምምዓት ዶ ኣይኮነን ተሓንጺጹ? እዞም ሓይልታት እዚኦም ንሕና ዝመረጽናዮም ድዮም ነይሮም?
  2. መላእ ዶባት ሃገራት ዓለም ብህዝቢ ብዝተመርጹን ብዝተወከሉን ስርዓታት ድዩ ተሓንጺጹ?
  3. ብሓፈሻ ዶባት ሃገራት ዓለም ብፍላይ ድማ ዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ኣብ 1960 ብወሳኔ ቁጽሪ 1514 ዝልለ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም/ባይቶ ጸጥታ፡ ጉዙኣት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ገዛእተን ናጻ ክወጻን መግዝእታዊ ዶባት ድማ ከምዝነበሮ ዶባት ሃገራት ንክኸዉን ወሰነ። ብኡ መሰረት ድማ መብዛሕትኣን ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነተንን ልዕላዉነተን (independence and sovereignty) ኣዋጃ። ቀጺሉ ዉድብ ኣፍሪቃዊ ሓድነት (OAU) ድሕሪ ኣብ 25 ግንቦት 1963 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምምስራቱ፡ ኣብ ቀዳማይ ኣኼቡኡ ኣብ ካይሮ ብ 1964 ነቲ ዉሳኔ ባይቶ ጸጥታ ንዶባት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ዝዎሰኖ ዉሳኔ ብምልኣት ኣጽዲቁዎ እዩ። እቲ መግዛእታዊ ዶባት ሃገራት፡ ብዘይ ዝኾነ ለዉጢ፡ ከምዝነበሮ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንከሎ፡ ክቕጽል ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ተኣዊጁ’ዩ። ቡኡ መሰረት ድማ ከም ናጻን ልዕላዉያን ሃገራት ተፈልጣ። እዚ ኣፍልጦ’ዚ ብዓለምለካዊ ሕጊ ኣዛራርባ፡ ኩለን ጉዙኣት ዝነበራ ሃገራት፡ ማዕረ እተን ገዛእተን ብታሪኽ ዝተፈጥራ ሃገራት ሉዑላዉያን ሙኻነን ስለዝተራጋገጸ፡ ምስሕሓብ ዶባት ክህሉ እንኮሎ በዚ መሰረት ጥራይ’ዩ ዝዳኔ።

ሓቂ’ዩ ብህዝቢ ዝተወከለ ስርዓት ድሌታትን ረብሓታትን ህዝቢ ዘቀድምን ነባሪ ሰላም ከራጋግጽ ከምዝኽእል ዘሳሓሕብ ርእይቶ ኣይኮነን። የግዳስ ኤርትራዉያን ባዕልና ነቲ “ብህዝቢ ዘይተመርጸ” ስርዓት ንብሎ ክንቕይሮ ስለዘይክኣልና ግን ህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ናይ ኣይሰላይ ኣይኪናት ክኸዉን ኣለዎ ማለት ድዩ?

ንሕና ክንገብሮ ዝክኣል ጉዳያት ኣሎ። ንሱ ድማ፡-

  1. ዝኾነ ግርጭታት ምስ ጎሮባብትናን ኣብ ዉሽጠናን ዘሎን ዝህሉ ብሰላማዊ ኣጋባብ ንክፍታት ብመትከል ምእማንን፡ ብመትከል ንክትግበር ምቅላስን እዩ።
  2. ብህዝቢ ዘይተመርጸ ስርዓት ንብሎ ሃገራዊን ህዝባዊን ረብሓታትና ንሓደጋ ክየሳጥሕ ምሕላዉን፡ ከምኡ ዓይነት ዝንባሌታት ከም ተርእዮ ኣብ ዝጋሃደሉ ብትሪ ምቕዋም ከዲሊ’ዩ።
  3. ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ኣይዉክለናን ንብሎ ስርዓት ክንቅይር ሓድነት ኣብ ዕላማ ዝተሞርኮሰ ጥምረት ብምፍጣር ነብስናን ህዝብናን ወዲብና ክንቃለስ ኣሎና።

ኣድማሳዊ ፖሎቲካዊ ተቀባልነት ዘይብሉ ማሕበረሰብ ዓለም እዉን ንኽትግበር  ዘፍቕድ ኣይመስለኒን እዩ። ስለዚ ኩቡራት ኤውርትራዉያን ኣሓተይን ኣሕዋተይን፡ እዚ ሕጂ ተጋሂዱ ዘሎ ተርእዮ ክመጽእ ሙኻኑ እኮ፡ ዘይግመት ጉዳይ ኣይነበረን። የግዳስ ቁምነገር ካይንገብር ስለዝሓንገድና ታሪኽ ይድገም ኣሎ። ሕጂ ኸ እንታይ ክንገብር ኢና? ካብዝሓለፈ ተሞክሮና ገምጊምና ንሕጽረታትናን ጉድለታትና ገምጊምና ንቃለስ ዶ ዋላ ንህልኽ ክንቃየቕ ጥራይ ክነብር ኢና? ዳግመ ግምገማ ከድልየና’ዩ።

ስርዓተ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝዘርኦ’ዩ ዝዓጽድ ዘሎ። ዘይዘራእካዮ ምህርቲ ኣይሕፈስን’ዩ።  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብፍላይ ኣንጻር ወያኔ ብሓፈሻ ኣንጻር ኢህወደግ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘይዓጠቕዎ ዕጥቂ ብምዕጣቕ። ዘይተመገብዎ መግቢን መስተን  ብምቕራብን፡ ዘይለበስዎ ልብሲ ብምልባስ፡ ምስ ኩሎም ተቃወምቲ ኢትዮጵያዉያን ክሳብ ናጽነትን ልዕላዉነትን ኤርትራ ዘይኣሙኑ  ሓይልታት እዉን እንተኾነ ምስኣቶም ብምሕባር ክቃለሶም ጸኒሑ’ዩ። ዓስቢ ኣሳላልፍኡን ኣበርክትኡን ድማ ሕጂ ምህርቱ ይሓፍስ ኣሎ።

ኣብ ዉሽጢ እዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ስርዓተ ህ.ግ.ደ.ፍ ብኩቱር ዓለምለኻዊ ተነጽሎ፡ ማዕቀብን ኣግእዞ-ሰብኣዊ መሰላት ጸምሉዩ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ተሰሪሑሉ ዝነበረ ወቕቲ ንሕና ተቃዉሞ ኣብ ዲያስፖራ እንነጥፍ፡ ኣብ ከመይ ናይ ሓሸዉየ ጽምዶታት ከምዝነበርና ረሲዕኩሞ ዲኹም? ስለዚ ዓወታት ክንሓፍስ ይድለ እንተሃልዩ ተኮዲጭካ ብመልሓስካ ሃለዉሎው ክትብል ናይ ዝዉዓልካን ዝሓደርካን ስለዘይኮነ። ብዕትበት ኣብ ዑቱብ ጽምዶታት ክንቃለስ በዚ ኣጋጣሚ ይጽዉዕ ኣለኹ።

ልዕሊ ኩሉ ብሓፈሻ ኣሜሪካ፡ ሱዑድ-ዓረብያን ኢማራት ኣልዓረብ ረብሓታቶም እዮም ዘቀድሙ፡ ከምኡ እዉን  ብፍላይ ድማ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ መራሒ ናይ ሃገር ኢትዮጵያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኮይኑ፡ ረብሓታት ሃገር ኢትዮጵያን ንምርግጋጽ’ዩ ዝጥዓዓሞ ኣብ ኤርትራ እንተሃልዩ፡ ዋላ ምስ ሰይጣን ስምምዕ ክገብር ድሉዉ ክኸዉን ከምዝኽእል ዶ ኣይትግሙቱን ኢኹም? ስለምንታይን እንታይ ስለዘለኩም ንዓኹም ክሰምዓኩም ኣለዎ ኢልኩም ትግምቱ? ንኢልና በልና ላኪን ማኪን እንተኾይኑ ኣምላኽ ይሓግዝ!

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

03/08/2018

  1. http://www.snitna.com/articles/%E1%89%85%E1%88%89%E1%8B%95-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-25July2018.pdf
  2. http://www.snitna.com/articles/%D8%B1%D8%B3%D8%A7%D9%84%D8%A9%20%D9%85%D9%81%D8%AA%D9%88%D8%AD%D8%A9.pdf
  3. http://www.snitna.com/articles/Open-letter-to-PM-of-Ethiopia-25July2018.pdf