Monthly Archives: October, 2013

Sunridge Gold CEO talk merits of “undervalued” Eritrea project at Subscriber Investment Summit

http://www.proactiveinvestors.com/companies/stocktube/509/sunridge-gold-ceo-talk-merits-of-undervalued-eritrea-project-at-subscriber-investment-summit-509.html

ዘደንጹ ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ! ከመይ ገይሩ እዩ ሓደ ዝተበደለ ህዝቢ ንበዳሊ ይቕሬታ ዝሓትት?

አዲስ አበባ ፣ ጥቅምት 15፣ 2006 (ኤፍ.ቢ.ሲ) በትግራይ ክልል የሚገኙ ኤርትራውያን ስደተኞች ባለፈው ወር በተለያዩ የስደተኛ ጣቢያዎች ለተፈጠረው ረብሻ የኢትዮዽያን መንግስትና ህዝብን ይቅርታ ጠየቁ። በትግራይ ክልል በሚገኙ አራት የስደተኛ መጠለያ ጣቢያዎች የሚገኙት እነዚህ 25, 000 የሚጠጉ ስደተኞች በጥቂት ስደተኞች አቀናባሪነት ተፈፅሞ የነበረው ሁከት እንደማይወክላቸው ገልፀዋል። ረብሻውን ያቀነባበሩትም ጥቂት የሻቢያ ተላላኪዎች ናቸው ብለዋል ስደተኞቹ። የሻዕቢያ እጅ እንዳለበት የተገመተውና ይህ ሁከትም ኢትዮጵያ ለስደተኞች የምትመች አገር አይደለችም የሚለውን ምስል ለመፍጠር ታስቦ እንደተፈፀመም ሰልፈኞቹ የገለፁት። ስደተኞቹ በአብዛኛው ከ19 እስከ 35 ባለው የዕድሜ ክልል ውስጥ የሚገኙ ሲሆኑ፥ የኢትዮጵያ መንግስትም በርከት ላሉ ኤርትራዊያን ስደተኞች በአሜሪካ ፣ ካናዳ እንዲሁም አውስትራሊያ መንግስት ድጋፍ የትምህርት እና የሙያ ስልጠና እንዲያገኙ ተደርጓል።

በታደሰ ብዙዓለም

ሰግለለት ጥፍኣት ዘንጻላልዎ ሃገርን ህዝቢ
ጣቓ ተረኺብለይ ሓደ ንሓደ ኣጻብዕቱ እንዳመልከተ፣ ነብሱ ዘተዓሻሹ ህዝቢ፣ ሓደገኛ ንገዛእ ርእሱን ንከባቢኡን እዩ። ዘደንጹ ጉዳይ እንተሃልዩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ማለት ካብ 5 ጥቕምቲ 2013 ጀሚሩ ኣብ ማዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ስደተኛታት ኤርትራዉያን፣ ዘጋጠሞም ወጽዓታትን በደላትን ብኣዕቓቢት ሃገር ሓደ ብሓደ ብምጥቓስ መሰለሞ ክሓቱ ኣንህዮም። እዚ ናህያ እዚ ሱኑድ ኣብ ዩቱብ ተመዝጊቡን ተዘርጊሑን ኣሎ። ድሕሪ እዚ ኩነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጎነጽ ተጠቂሙ ዝቅተል ምስቀተለ፣ ዝህረም ምስ ሃረመ ዝእሰር ምስ ኣሰረ ብታህዲድን ምጉብዕባዕን ጸቕጥቲ ስለዝፈጠረሎም፣ ብኣስገዳድ ተጋጊና ኔርና ኢሎም ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝወጹ ገይሩ ኣሎ። እቶም ትማሊ ንመሰሎም ዝተላዕሉ ስደተኛታት፣ እነሀዉልኩም በሉ ሰግለለት ራዕድን ምብርኻኽን ኣንጻላሊዎም ኣንጻር መሰሎም ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ እንከለዉ። http://nfthi.com/ge/%e1%8a%ab%e1%89%a5-%e1%88%98%e1%8b%93%e1%88%b0%e1%8a%a8%e1%88%ad-%e1%88%b5%e1%8b%b0%e1%89%b0%e1%8a%9b%e1%89%b3%e1%89%b5-%e1%8a%a4%e1%88%ad%e1%89%b5%e1%88%ab-%e1%8a%a3%e1%89%a5-%e1%8a%a2%e1%89%b5/5764

http://www.fanabc.com/index.php?option=com_content&view=article&id=5985%3A2013-10-28-05-00-34&catid=102%3Aslide

Eritrea: Voices Of The Victims On SaharaTV

Isayas Afworki interview in Addis Abeba 1993

ህጹጽ መልእኽቲ ካብ ኣብ መዓሰከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ እንርከብ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ህጹጽ መልእኽቲ ካብ ኣብ መዓሰከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ እንርከብ ኤርትራውያን ስደተኛታት
ከም ዝፍለጥ ኣብ መዓስከራት ተዓቂብና ንርከብ ኤርትራዊያን ስደተኛታት በቲ ኣብ ሞንጎናን ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸትታን ምልሻን ዝተፈጥረ ግርጭት፣ ኣብ ከቢድ ሽግር ኣቲና ከም ዝጸናሕና ብተደጋጋሚ ናባኹም ኣሕዋት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክነቃልሖ ፈቲና ጸንሕና ኢና፤፤ ብመሰረት መልእኸትና ነቲ ዝወረደና ኣደራዕ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብበዘለኩሞ መምስ ዝምልከቱዎ ኣካላት ብምርካብ ጻውዒት ክትገበሩልናን ንጽዉዕ ኣሎና። ኣብ ልዕሌና ዝግበር ዘሎ ናይ ማእሰረትን መጭአይቲን ንዓለምን ማሕበረስብ ዓለምን ክተስመዑልና ብተደጋጋሚ መልእኽትና ኔሩ፤፤ ይኹን እምበር ሕሉፍ ተግባራት ዘይሓለፍናታውያን ኣማሓደርቲ መዓሰከራትን ናይ ጸትታ ሓይልታትን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአ ብምኻዱ እንሆ ሎሚ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከም ዝበጽሐ ክንሕብረኩም ንፈቱ፤፤ እቲ ብሕቡእ-ሕቡእ ክቅጽል ዝጸንሐ ምፍርራሕን ሰባት ምእሳርን ትማሊ ብዝተጅመረ ወፍሪ ገዛ ገዛ እንዳኸድካ ብኣስገዳድ ክልተ ፎረም ብምድላወ ኣብ ሓዲአን ግድን ክተትፍርም ከም ዘሎካ እንዳገበሩ ይዞሩ ኣለዉ፤፤ እተን ዝዞራ ዘለዋ ፎርማት እታ ሓንቲ ተጋጊና ኢና፣ ብዝገበርናዮ ተሓተቲ ንመግሰቲ ይቅረታ ንሓትት ትብል። እታ ካልአይቲ ድማ ዝገበርና የብልናን እተብልን ኣብኣ ዝፈረመ ሰብ ዕጭኡ ዕጫ እቶም መእተዊኦም ዘይፍለጥ ዜጋታት ከም ዘኸውን ብምጥንቃቅን ብምፍርራህን ሰባት ናብ ዘይተደለየ ኣንፈትን ኣብ ከቢድ ራዕዲ ብምእታዉ ጅሆ ከም ዝተሓዙን ይገብሩ ኣለዉ፤፤ ከም ግብረ መልሲ ድማ ምሲዞም ገደድቲ ኣካላት ምትእስሳር ዘለዎም ሕልና- ኣልቦ ኤርትራዊያን ዝርከቡዎም ደላሎ ኣብ ሊብያ ብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተዳለወት መርከብ ስለ ዘላ፣ ካብ ኣብዚ ትሳቀዩ ተበገሱ እንዳበሉ ሰባት ይጉስጉስን፣ ብዙሓት ድማ ከም ኣማራጺ ናይ ዚ ሓደገኛ ወዲት ይኾኑ ከም ዘለዉ ደሮ ብኣማኢት ዝቁጸሩ መዓስከራቶም ራሕሪሖም እግሮም ናብ ዝመርሖም ይጠፍኡ ኣለዉ፤፤ ኣብ መወዳእታ ንላበዎ ምስዚ ኣብ ሮማ ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ሰለማዊ ብምትእስሳር ነዚ ሓድሽ ፍለሰት ኤርትራዊያን ዜጋታት ዘበጋግስ ዘሎ ሓደገኛ ክስተት ክተቃልዑልናን ድምጽና ከተስመዑልናን ንምሕጸን፤፤ እዛ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣሕዋት ክትቛደሳ ኣብ ምግባርን ተወሳኺ ሓበሬታ ብምምጻእ ድማ ብሰፊሑ ኣብ ምዝረጋሕን ምትሕብባርኩም ኣይትፈለየና ፤፤
ኣሕዋትኩም ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ፤፤

ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላት ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓት፣ ቦታን ጊዝየን ይፈሊ ድዩ?

ኣብ ዕለት 25/10/2013 ፈነዊ ድምጺ ኣሜሪካ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ስድራቤት እሱራት ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝኾነት Sheila B. Keetharuth ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ኣብ ቃለ-መጠይቆም ሰሚዔ፣ ጋዜጠኛ ድምጺ ኣሜርካ ንኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣመልኪታ ኣብ ዝሓተተትሉ እዋናት፣ ጉዳይ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡን ካልእን ኣልዒልና ኣይተዛረብናን ክብሉ ቁንቁል ዝኣፋ ብምምላስ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ብምቕራብ ሙኹኑይ ክገብርዎ ፈቲኖም። ካብቲ ዘቕረብዎ ምኽኒታት፣- http://www.voanews.com/mp3/voa/africa/tigr/tigr1900aFRI.mp3

1.ጠንቂ እቲ ኣብ ዉጥጢ ዘሎ ኩነታት ስለዝኾ፣ ኣብኡ ኣቶኪርና ኢና ዘቲና፣
2.ምስ ኢትዮጵያ ክንዛራረበሉ ንኽእል ኢናን ኣቀዲምና ክንዝተየሉ ኣሎና….ወ.ዘ.ተ ዝብል እዩ።

መሰል ክባሃል እንኮሎ ንዉልቀሰብ ዘማእከለ እዩ። ኣንካይ ዶ ኣስታት 60000 ዝግመቱ ኤርትራዉያን ስደተኛታት፣ ሓደ ስደተኛ ክብደል እንኮሎ እዉን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣልዒሎም ክዛረብሉን ኣገዳሲ ዛዕባን እዩ። ኣብዚ ሓደ ዘይተረድዎ ነገር ኣሎ ዝብል ግምት ኣሎኒ፣ ንሱ ድማ ሓደ ጠንቂ ናይ ገዛእ ርእሱ ሳዕቤን ይህልዎ፣ ዳግም ኣቲ ሳዕቤን ናይ ገዛእ ርእሱ ጠንቂ ፈጢሩ ሳዕቤናት ፣ ጠንቅን ሳዕቤኒን እንድተበዳደሉ ናይ ምቅጻል ዘይዉዳእ መስርሕ (The Cycle Of Never Ending Cause And Effect) ከምዘለዎ እዩ።
ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ሊብያን ዋላ እዉን ኣብ ዲሞክራስያዉያን ሃገራት ከም ብዓል ጥልያን ብጉሁድ ይብደሉን ብሰንኪ መሰላቶም ዘይምሕላዉ ግዳያት ዘይሕጋዉያን ኣጋዓዓዝቲ ደቂ ሰባት ምኻኖም እንዳተፈልጠ፣ ኣብ ክንዲ ንኩሉ ጉዳያት ኣብ ጠረጲዛ ዘተ ምፍርሽሑ፣ ነቲ ሓደ ሓቢእካ ነቲ ሓደ ምምጻእን፣ ቀንዲ ኣቶክሮ ኣብ ሓደ ኣግእዞ ጥራይ ምቱካር ነቲ ጉዳይ ምትሕልላኽ እዩ። እንተድኣ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ከም ንዋት መቀየሪ ስርዓትን መተግበሪ ማዕቀብን ጥራይ ንጥቀመሉ ኬና፣ ብመሰረቱ ካብ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸ ኣጋባብ ኣታሓሕዛን ግምታትን እዩ። ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ መዓልታዊ ኣዉያቶም እንዳቃሉሑ ከንሶም ተጎስዩ፣ ኣብቲ ዝተረኽበ ወርቓዊ ዕድል ዘተ ዘይወርድ እንተ ኮይኑ ወይ ኣነ ዘይተረዳክዎ ነገር ኣሎ፣ ወይ ድማ ኮነ ተባሂሉ ዝተገብረ ነገር እዩ። እዚ ኣጋባብ ኣሳራርሓ ድማ ንኤርትራዉያን ኣብ ዘብጻሓና ጉዳይ የብሉን። ማሕበረሰብ ዓለምን ህዝብናን ድማ ይዕዘበና ከምዘሎ ክፍለጥ ኣለዎ። ጉዳይ ሰኣዊ መሰላት ጽምዲ-መዔየሪ ዝሕዝ እንተኾይኑ ስዉር ጉዳያት ዘለዎ ምስ ዝኸዉን ጥራይ እዩ። ብስሩ ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላት ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓት፣ ቦታ፣ ጊዝየ፣ ብዝሒ ሰብ፣ ፖሎቲካዊ ጸግዒ፣ጠንቂን ሳዕቤኒን …ወ.ዘ.ተ ኣይፈላልን እዩ።

መርዕድ ዘርኡ

26/10/2013

Sheila B. Keetharuth, Situation of Human Rights in Eritrea – Press Conference

http://webtv.un.org/media/watch/sheila-b.-keetharuth-situation-of-human-rights-in-eritrea-%E2%80%93-press-conference/2766600052001

ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ብ ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም

ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ብ ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ሓደ ዘሰክፍ ድምጺ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ሰሚዐ። ኣዝየ ድማ ሓዚነ። ከም ስደተኛ ጽቡቕን ሕማቕን ጉዕዞ ስደት ስለ ዝረኣኹ ድማ ድምጾም ኣብ ሰራውር ደመይ ክሰርጽ ኣይደንጎየን። እዚ ጽሑፍ’ዚ ድማ ኣብ ግዝይኡ ክቐርብ’ኳ እንተነበሮ፣ ስነ-ስርዓት ቀብርን መዕጸውን ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝጠፍኡ ዜጋታትና ከይተገብረ፣ ካልእ ጉዳይ ምልዓል ጽቡቕ ስለዘይኮነ፣ ምስ ባህልና’ውን ስለ ዘይከይድ ቁሩብ ደንጉዩ ይቐርብ ኣሎ። ነቲ ዘለኒ ትሕዝቶ ድማ ኣብ ክልተ ከፊለ ከቕርቦ ኢየ። ብመጀመርያ ግን ብዛዕባ ስደት ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ።
ስደት ንመዋእል ክኸይድ ዝጸንሐ ማሕበራዊ ጸገም ኢዩ። ብፍላይ ኣብቲ ዓቢ ህዝባዊ ህልቂት ዘስዓበ 2ይ ኲናት ዓለም ብዙሕ ምዝንባል ደቂ-ሰባት ኢዩ ተራእዩ። በዚ ድማ ኣብ ምዝዛም ናይቲ ኲናት ጉዳይ ስደተኛታትን ዝተመዛበሉ ሰባትን ኣብ ኣጀንዳ ሃገራት ዓለም ላዕለዋይ ቦታ ሒዙ ተቐልቂሉ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ ምእንቲ ድሕነት ናይቶም መረበቶምን ሃገሮምን ዝተመዛበሉ ሰባት ብናይ 1951 ውዕል (The 1951 Refugee convention) ዝፍለጥ፣ ኣብ 1967 ተመሓይሹ ዝመጽ ሓደ ሰነድ ከቲሙ። በብግዜኡ ድማ ሓደስቲ ዓንቀጻት እናተወሰኽዎን እናተመሓየሸን ይቕጽል ኣሎ።
ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ውዕል፣ ሰብ ብዓሌቱ፣ ብብሀሩ፣ ሃይማኖቱ፣ ኣባል ናይ ገለ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምዃኑን ብዝህልዎ ፍሉይ ፖለቲካዊ ኣጠማምታን፣ ካብ መበቆል ሃገሩ ሃዲሙ፣ ኣህጉራዊ ዶብ ሰጊሩ፣ ዑቕባ ናይ ካልኦት ሃገራት ንዝሓትት ሰብ ዝወሃብ መሰል ኢዩ። ሎሚ ካብተን 192 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እተን 144 ክታመን ኣንቢረናሉ ኣለዋ። እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ፣ ቅድሚ ገለ ዓመታት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝብል መጸውዒ ዝነበሮ ሕብረት ኣፍሪቃ‘ውን፣ ምስ ፍሉይ ኩነታት ናይታ ክፍሊ-ዓለም ብምዝማድ፣ ንገለ ቃላትን ሓረጋትን ወሲኹ ወይ ኣመሓይሹ ኣብ 1969 ብወግዒ ተቐቢሉዎን ኣጽዲቑዎን ኢዩ። ጎረቤትና ኢትዮጵያ’ውን ልክዕ ኣብቲ ዓመት’ቲ፣ ብ10 ሕዳር 1969 ነቲ ውዕል ብወግዒ ፈሪማትሉ ኢያ።
ገለ ካብቲ ፈረምቲ ሃገራት ከተግብርዎ ዝሕተቱ ነጥብታት ድማ፦
ብመሰረት ዓንቀጽ 35 ምስ ኮሚሽን ትካል ስደተኛታትን (UNHCR) ካልኦት ጨናፍር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ክተሓባበራ፣ እቲ ኮሚሽን ኣብ መንጎ’ቶም ስደተኛታት ተረኺቡ ዳህሳስን ትዕዝብትን ከካይድን፣ እቶም ስደተኛታት ድማ በቲ ዝወጸ ውዕል መሰረት ይእለዩ ምህላዎም ከረጋግጻ ከፍቅዳ
ዓንቀጽ 36 ድማ፣ካብ መትከላት ናይቲ ኮሚሽን ከይወጻ፣ ምስ ፍሉይ ኩነታት ናይ ሃገረን ኣዛሚደን፣ ንኣተገባብርኡ ዝምልከት ውሽጣዊ ሕግታት ከውጽኣ፣ ነቲ ዘውጽአኦ ሕግታት ድማ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከፍልጣ
እቲ ስደተኛ ንመሰሉ እትጣበቕ ሃገር ስለ ዘይብሉ (ካብ መበቆል ዓዱ ስለዝወጸ) ኣብ መንጎ’ታ እተዕቁብ ሃገርን መበቆል ሃገር ናይቲ ስደተኛን ዝህሉ ስምምዓትን ካልእን ነቲ ስደተኛ ከም ዘይምልከቶ … ይገልጽ
ሕጊ ዕቕበኛታት (Refugee Law) እምበኣር ናብቲ ሓፈሻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ፣ ግን ከኣ ካብኡ ኣዝዩ ዝነጸረ፣ ድሕነትን ውሕስነትን ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ሰባት ንምሕላው ዝወጸ ኣህጉራዊ ሕጊ ኢዩ። ብኣገላልጻ ናይዚ ኣህጉራዊ ሕጊ እዚ ድማ ዑቕበኛ (Refugee) ዝበሃል፣ ካብቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ሃገር ዝወጸ፣ ብሰንኪ ዘለዎ ናይ ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ብሀር፣ ፍልይ ዝበለ ፖሊቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ኣባል ናይ ገለ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምዃኑ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ክነብር ዘይከኣለ፣ ወይ ድማ ኣቐዲሙ ወጺኡ ዝነበረ’ሞ ብምኽንያት ፍርሒ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ክነብር ዘይከኣለ ወይ ዘይደለየ ሰብ ኢዩ።
ገለ ካብ ቀንዲ መትከላቱ ድማ፦
ዓንቀጽ 4፦ ማዕረ ዜጋታት ናይታ ሃገር ትሕቲ ዕድመ ቖልዑ ምሉእ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክረኽቡ
ዓንቀድ 22፦ እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ክሳብ ዲፕሎማን ዲግርን ዝበጽሕ ምዃኑ
ዓንቀጽ 14፦ ኩሉ ፖለቲካዊ ፍርሒ ዘለዎ ሰብ፣ ኣብተን ዘዕቁብኦ ሃገራት፣ ምሉእ ብምሉእ መሰሉ ተሓልዩ፣ ካብ ስቓይን ፍርሕን ነጻ ኮይኑ ክነብር። ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ብሓገዝ እተን ኣዕቆብቲ ሃገራትን ብተዓዛብነት ው.ሕ ሃገራትን፣ እቲ ዑቕባ ዝሓትት ሰብ፣ ውሕስነት ኣብ ዘለዎ ቦታን፣ ውሑስ ብዝኾነ መንገድን ክነብር ይጽውዕ።
ዓንቀጽ 17፦ እቶም ስደተኛታት ልክዕ ከም ዜጋታት ናይታ ሃገር ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ክዋፈሩን ኣታዊታቶም ከኻዕብቱን
ዓንቀጽ 18፦ ብውልቆም ኣብ ናይ ንግዲ ዓለምን ሸቐጥን ከዋፈሩ ፍቓድ ክወሃቦም
ዓንቀጽ 26፦ ንንግዲ፣ ንስራሕ ይኹን ንኻልእ ጉዳዮም ኣብ ውሽጢ’ታ ሃገር ብነጻ ክንቀሳቐሱ ፍቑድ ክኸውን
ዓንቀጽ 27፦ ወረቐት መንነት ክወሃቡ፣
ዓንቀጽ 28 – ካብን ናብን ሃገራት ዝገሽሉ ወረቓቕቲ (Travel document) ክሕዙ ከፍቅዳ፣
ዓንቀጽ 29፦ ልዕሊ ዜጋታት ናይታ ሃገር ግብርን ቀረጽን ከይስለዓሎም
ዓንቀጽ 30፦ንብረቶም ካብን ናብን ሃገራት ከሰጋግሩ ከፍቅዳ፣
ዓንቀጻት 31ን 33ን ሰባት ካብ ናይ ሞት ፍርሒ፣ ጭካነ፣ ውርደትን ሰብኣውነት ዝጎደሎ መግረፍትን ድሒኖም ብነጻ ክነብሩ ይጽውዕ። ከይትሳቐ ምፍራሕን ዘይውሑስ ሓለዋን ንባዕሎም ኣብ ዓንቀጻት ናይቲ ውዕል እትዋት ኢዮም።
ዓንቀጽ 34፦ ዜግነት ክወሃቦም ከፍቅዳን፣ ነቲ ዜግነት ናይ ምሃብ ስራሕ ከቀላጥፈኦን
ቀንዲ ሕመረትን ዕላማን ናይ ዑቕባ እምበኣር፣ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ሰባት ካብ ስቓይን ራዕድን ንምድሓን ኢዩ።
ብዘይካ‘ዚ እቶም ስደተኛታት ኩሉ’ቲ ንቤት ፍርዲ ዝምልከት ወጻኢታት ብነጻ ክሳለጠሎምን ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ትሕጃ ከትሕዙ ከይሕተቱን ይጽውዕ። ኮሚሽን ስደተኛታት ው. ሕ. ሃገራት ድማ ኩሉ ዝግበኦም መሰላት ይረኽቡ ምህላዎም ክዕዘብን፣ ኣብ ኣተገባብራን ትርጓሜን ናይቲ ዓንቀጻት ይተሓጋገዝን።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ
ካብዚ ሓፈሻዊ ኣህጉራዊ ውዕላት ተበጊሰ፣ ናብቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰማዕኩዎ ድምጺ ክምለስ። ድሕሪ’ቲ ዓለም ምሉእ ዘሰምበደ ትራጀዲ ደሴት ላምፐዱዛ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ዘሰክፍ ድምጺ ሰሚዕና። ነቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ማለት ብድምጺ ኣመሪካ (voa) ረድዮ ኤረና፣ ሬድዮ ወጋሕታ፣ መስከረም ኔት ክዝርጋሕ ዝቐነየ ድምጾም’ውን ብጽሞና ተኸታቲለዮ። ነቲ ብተንቀሳቓሲ ፊልም (video) ተቐሪጹ ዝተዘርገሐ፣ ቆልዓ ሰበይቲ ዝበዝሕዎ ከባቢ ሓደ ሽሕ ዝግምገም ህዝቢ ዝተኣከቦ፣ ድምጾም ዘስምዑሉ ሰላማዊ ሰልፊ’ውን ደጋጊመ ርእየዮ። ኣብቲ ሰልፊ ሓደ ነብሱ ጽምእ ዝበለ መንእሰይ መጉልሒ ድምጺ (microphone) ሒዙ፣ ‘ድምጺ ናይ ኩልና ኢዩ’ ንዝበሎ ኣብ ቅድሚ’ቲ እኩብ ህዝቢ ክጭርሕን እቲ ህዝቢ’ውን ደድሕሪኡ ክደግም ተዓዚብና። እተን ብመልክዕ ጭርሖ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዘቕረቡወን ጥርዓናት እዘን ዝስዕባ ነይረን፦
ስቕታ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኣክል!
ሕቶና ሕቶ ስደተኛታት ኢዩ!
ድሕነትን ሓለዋን ይገበረልና!
ኣብዚ ዘለናዮ መዓስከር ዝግበር ምንቅስቓስ ሕጋውን ወግዓውን ይኹን!
መሰል ዝኾነ ስደተኛ ይከበር!
UNHCR ስማዊ’ምበር ዝግባእ ኣገልግሎት የብሉን!
ዘይሕጋዊ ምጭዋይ ደው ይበል!
ወታደራዊ ትካል ከማሓድረና የብሉን!
ላዕለዎት ሓለፍቲ UNHCRን ኣራን ኣብ መንጎና ተረኺቦም ጉዳይና ፍታሕ ይግበርሉ!
ኢትዮጵያዊ ዝሃረሞ ስደተኛ ብUNHCR ተቐባልነት የብሉን – እዚ ድማ ድርብ ወጽዓ ኢዩ!
ሕጊ UNHCR ንህዝቢ ይነበብ!
መሰል ደቂ- ኣንስትዮ ይከበር!
መሰል ሕጻናት ይከበር!
ኣራ (ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን) ሕጋዊ ሓለዋ ክገብረልና ኣለዎ!
ጉዳይና ብማስመድያ ይሰማዕ!
ተስፋ ዘይብሉ ጉዕዞ ክሳብ መዓስ!
ጥፍኣት ኤርትራውያን ክሳብ መዓስ!
ኣብዚ መዓስከር ካርድ ሒዞም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ይውጽኡ!
… ክብሉ ድምጾም ኣስሚዕም።

ድምጺ ኣመሪካ ኣብቲ ብሰኑይ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝዘርግሓቶ ዜና’ውን፣ እቶም ሰልፈኛታት ናብቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ (voa) ደዊሎም እናኣዘራረብዎ ከለዉ፣ ናይ ተኹሲ ድምጽን ኣውያት ቆልዓ-ሰበይትን ተኸታቲሉ ይስማዕ። ናይ ተኹሲ ድምጽን ኣውያትን ዝሰምዐ ህዝቢ ክብተንን ክሕባእን ከም ዝኾነ ርዱእ ይመስለኒ።
ኣብ ካልኣይ ክፋል ድማ ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሪሽን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ብተለፎን ዝገበርዎ ብማስ-ሚድያ ዝተዘርግሐ ጽማቑ ቃለ-መጠይቕን፣ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ርእይቶን ክገልጽ ኢየ።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ጽሑፈይ፣ ጽማቝ ሕግታት ኮሚሽን ስደተኛታት ው. ሕ. ሃገራትን ()፣ ኣብቲ ኣኼባ ብመልክዕ ጭርሖ ዝቐረበ’ሞ፣ ኣብ ተንቀሳቓሲ ፊልም () ዝተቐርጸ፣ ጥርዓናትን ኣቕሪብ ነይረ። እቲ ትሕዝቶ ሓደን ተኣሳሲሩ ክኸይድ ዘለዎን ስለ ዝኾነን፣ ኣንባባይ ዝተኣሳሰረ ሓበሬታ ክህልዎን ድማ ኢየ ኣከታቲለ ዘቕርቦ ዘለኹ።
ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሪሽን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ብተለፎን ዝገበርዎ ብማስ-ሚድያ ዝተዘርግሐ ቃለ-መጠይቕ ጽማቑ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦
“ኣብዚ መደበር ካብ 6 – 12 ዓመት ዝተቐመጡ ስደተኛታት ኣለዉ። ሓደ ሰብ ጉዳዩ (process) ምስ ጀመረ ን4 – 5 ዓመት ይጽበ። መሪሩና፣ ግዜ ነዊሑና። ንደገ ናይ ምኻድ ዕድል ረኺቦም፣ ኩሉ ነገር ፈጺሞም (process ወዲኦም) እናተጸበዩ ከለዉ፣ ‘ጉዳይኩም ተዓጽዩ ኢዩ’ ተባሂሎም፣ ተስፋ ቆሪጾምን ኣንጸርጺሮምን ‘ሃጽ’ ኢሎም ንሊብያን ባሕሪ መዲተራንያንን ከይዶም ኣብቲ ባሕሪ ዝጠፍኡ ኣለዉ። ተስፋ ቆሪጾም ንሱዳን ገጾም እናኸዱ፣ ኣብ ከባቢ ተከዘን ሑመራን ከባቢ 20 ዝኾኑ ሰባት ብውሕጅ ተወሲዶም። ጉዳይና ኩሉ ሓደ ክንሱ፣ ቅቡልን ዘይቅቡልን ተባሂሉ ይፈላለ። ሕቶና ናብ ካልእ ሃገር ክንከይድ፣ ወይ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ፋሕ ኢልና ክንጣየስ (integrate ክንከውን) ኢዩ።”
“ሰብ ዘጎዓዕዙ ደላሎ ኢትዮጵያውያን ባዕሎም ኢዮም፣ ዝተሓባበርዎም ኤርትራውያን’ውን ኣለዉዎም።”
“እቶም ወታደራት ብዘይ መጠንቀቕታ ኢዮም ተኹሲ ከፊቶም። ማልሻ፣ ፖሊስን ፈደራል ዝበሃሉ ወታደራትን ኣኽቢቦሙና ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ተሃሪሞሙና፣ ዝሞቱ’ውን ኣለዉ። ሓደ ሰብ ብጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ። እቲ ዝሞተ ወዲ 14/15 ዓመት ናይ ማ/ደረጃ ተማሃራይ ኢዩ። ሽጉጥን ብረትን ክምንጥል ዝኽእል ኣይኮነን። ወዲ 8 ዓመት ቆልዓ’ውን ዓንዲ-ሕቖኡ ተሃሪሙ ኣሎ። ኣብ ዓዲ ሓርሽ 3 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብጥይት ተሃሪሞም። ብጥይት ዝተሃርሙ ግቡእ ሕክምና ኣይተገብረሎምን።”
“ኣብ ሽግር ኣለና። ዓለም ይስምዓና። ሰልፊ ኣለዓዒልኩም ዝተባህሉ ሰባት ተተኣሪዮም ይውሰዱ ኣለዉ። ‘ተዛሪቦም የስምዑ ኢዮም’ ሓቂ ክገልጹ ይኽእሉ ኢዮም’ ንዝበልዎም ሰባት ኣሲሮም ወሲዶሞም ኣለዉ። ነቶም ኮሚተታት ዝነበሩ’ውን ንኹሎም ወሲዶሞም ኢዮም። ሰብ ካብ ገዛ እናኣውጻእካ ምእሳር ጥራይ ኮይኑ። ነቶም እሱራት ናብ ማይ ጸብሪ ወሲዶሞም፣ ሕጂ መግቢ ክኣትዎም ኣይክእልን ዘሎ። መግቢ ከነብጽሓሎም እንተበልና ኣውቶቡስ ምስፋር ከሊኦሙና። ሕጊ ስኢንና መጺእና ሕጂ ድማ ብዘይ ሕጊ ንህረም ኣለና።”

“‘ሰለስተ ምርጫ ሂብናኩም ኣለና’ ይብሉና ኣለዉ፣- ወይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይቕረታ ሕተቱ፣ ወይ ናብ ሱዳን ክንሰደኩም ኢና፣ ወይ ድማ ናብ ሃገርኩም ክንመልሰኩም ኢና’ እናበሉ የፈራርሑና ኣለዉ። ንጠርዓሉ ቦታ የብልናን።”
“ንድሕነተይ፣ ኣብ ሽቓቕ ተሓቢአ ኢየ’ ዝዛረብ ዘለኹ። ሕጂ’ውን ይመጹኒ ኣለዉ! ይመጹኒ ኣለዉ! ደሓር ክድውለልካ … ።
ደቀ-ንስትዮ ሕጻናት ቆልዑ ደርብየናልና ተሓቢአን ይሓድራ። ሕጻናት ገዲፈናልና ይሃድማ ኣለዋ። ጅሆ ኢና ተታሒዝና ዘለና።”
“እዚ ዘለናዮ ከባቢ ወረዳ ጸለምቲ ኢዩ ዝበሃል። ነቲ ህዝቢ ብጌጋ ኢዮም ኣረዲኦሞም። ትማሊ መባልዕትናን መሳትይትናን ዝነበሩ፣ ሎሚ በባትር ይሃርሙና ኣለዉ። ‘ኣንጻር ልምዓትና ኢዮም፣ ነቲ መለስ ዝጀመሮ ልምዓት ክዕንቅፉ ኢዮም ደልዮም’ ኢሎሞም። እዚ ከኣ ‘ብስምና ኢትዮጵያውያን ይኸዱ ኣለዉ’ ስለዝበልና ኢዩ። ህዝቢ’ዚ ከባቢ ተደናጊሩ ኣሎ። ምስ ህዝቢ (ዓበይቲ ዓዲ) ኣራኽቡና’ ኢልናዮም፣ ‘ኣይነራኽበኩምን’ ኢሎሙና።”
“ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኢኹም ዘለኹም፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይቕረታ ሕተቱ’ ንበሃል ኣለና። ንሕና ፖለቲካዊ ሕቶ ኣየልዓልናን። ምስ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ጽልኢ የብልናን።ኣብዚ መዓስከር ዘሎ ብልሽውና ይተዓረ ኢና ዝበልና። ኣብ መደበር ማይ-ዓይኒ ከባቢ 4000 ሰባት ኣለና፣ መዛግብቲ ናይቲ መዓስከር ግን ከባቢ 20,000 ከም ዘለና ኢዩ ዘርኢ።”
“ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝወደቐ ካሪክለም ስለ ዝመሃሩ፣ ተወዳደርቲ ኮይኖም ነጥቢ ከምጽኡ ኣይክእሉን።”
“ትካላት ው.ሕ. ሃገራት (UNHCR, SAVE THE CHILDREN) ካብዚ ቦታ ተሰጒጎም ኢዮም። ንዕኦምን ንኣራን (ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን) ዝምልከት ሕቶታት ፈለሊኹም ኣቅርብዎ’ ኢሎሙና፣ ፈላሊና ኣቕሪብናዮ … ክብሉ መረረኦም ኣስሚዖም።”
ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት፣ መሮን እስቲፋኖ’ውን፣ ልዕሊ 150 ሰባት ተኣሲሮም ዝብል ሓበሬታ ከም ዘለዋን ካብኣቶም ናይ 47 ሰባት ስም ዝርዝር ከም ዝረኸበትን፣ 4 ሰባት ካብኦም ከም ዝተፈትሑን ትገልጽ። “እቶም ቃለ-መጠይቕ እነግብሮም ሰባት ስለ ዝፈርሑ፣ ‘ስምና ኣይትሕተቱና’ ኢዮም ዝብሉ” ድማ ትብል።

ድምጺ ኣመሪካ እውን ነቲ ኩነታት እናተኸታተለት ንሰማዕቲ ከተቕርቦ ቀንያ።
ካብ ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ኩነታት ትከታተል ዝነበረት ምንያ ኣፎርቂ ኢያ። ምንያ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ (voa) ግርማይ ገብሩን፣ ነቶም ኣብቲ መዓስከር ዘለዉ ስደተኛታትን ብተለፎን እናረኸበት ከተዘራርቦም ቀንያ። ንሳ ወኪል ኮሚሽን ስደተኛታት ው. ሕ. ሃገራት (UNHCR) ሓደ ሰብ ተሃሪሙ ከም ዝሞተ፣ ከም ዘረጋገጸላ ገሊጻ። ኣብ ሽረ ዝርከብ ወኪል ናይቲ ኮሚሽን ድማ “እቲ ኩነታት ስለዘይረግአ ንድሕነትኩም፣ ናብቲ ቦታ ክትኣትዉ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ከምዝተባህሉ፣ ኣባላት ጸጥታ ክትረክብ ፈቲና፣ ግን ከም ዘይተዓወተት ኢያ ትገልጽ። ኣባላት ኮምሽን ስደተኛታት (UNHCR) እውን ‘ኣብ ዘይተረጋግአ ቦታ ኣቲና ክንርእዮም ኣይከኣልና’ ከም ዝበልዋ ትገልጽ።
ክሱት ገብረእዝግኣብሀር ዝተባህለ ኣፈኛ ናይቲ ኣህጉራዊ ኮምሽን እውን “6 ስደተኛታት ተጎዲኦም ኣለዉ። ኣብ ዓዲ ሓርሽ ሓደ ሰብ ሞይቱ። ክልተ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኣራ ዝተባህለ ትካል’ውን ተጎዲኦም ከም ዘልዉ፣ ኣብቲ ብሰሉስ ዕለት 8 ጥቅምቲ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ይገልጽ። ኣብቲ ቦታ ኣቲኹም ከተተሃዳድእዎ ፈቲንኮም’ዶ? ንዝብለ ሕቶ “ኣብ ማእከል ረብሻ ክንኣቱ ኣይከኣልናን” ይብል። ኣቶ ክሱት ንሕቶ’ቶም ስደተኛታት ኣብ ክልተ ከፊሉ የቕርቦ። ብኣገላልጽኡ
1. ‘ሓለፍትና ይቀየሩልና’ ኢዮም ዝብሉ። እቶም ሓለፍቲ ባዕሎም መሪጾም ዘደየቡዎም ስለዝኾኑ ድማ ንምውራዶም ጸገም ከምዘይብሉ ይገልጽ።
2. ‘ዳግመ- ምጥያስ ይገበረልና (integrate ንኹን)’ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። እዚ ድማ እተን ሃገራት ዝህብኦ ጠለብ እምበር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ዝገብሮ ኣይኮነን … ይብል።
ንሓቅነት መግለጺ ናይ ኣቶ ክሱት ምስቲ ክብ ኢለ ዘርዚረዮ ዘለኹ፣ እቶም ስደተኛታት ዘቅረብዎ ጠለባት ኣነጻጺርካ ክረአ ስለዝከኣል ንኣንባባይ እገድፎ።
ኣቶ ክሱት ኣብቲ ብረቡዕ ዕለት 9 ጥቅምቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ “ንሕና ዘለና ሪፖርት ውሑዳት ኣሸበርቲኢዮም” ዝብል ኢዩ፣ ካብኡ ዝሓልፍ ዝርዝር የብልናን” ይብል። ኣቲኹም ከተጻርይዎ ፈቲንኮም’ዶ? ንዝብል ሕቶ ድማ ‘በዚ ዘሎ ረብሻ ሰራሕተኛታት UNHCR ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም ኣለዉ’ ይብል። ኣቶ ክሱት ቀጺሉ “ዘዕቆቦም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ፣ UNHCR ኣይኮነን። ብፍላይ ንኤርትራውያን ፍሉይ ጠመተ ከም ዝግበረሎም ኢና ንፈልጥ” ክብል ይምልስ። እቲ ‘ውሑዳትንኣሸበርትን’ ዝብል ቃል ኣቶ ክሱት ግን፣ ምስቲ ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ፊልም (video) ዝረአ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝበዝሕዎ፣ ኣብ ቃልዕ ድምጹ ዘስምዕ ዝነበረ ህዝቢ ዝጠዓዓም ኣይኮነን።
ኣብቲ ብሓሙስ ዕለት 10 ጥቅምቲ ዝገበሮ ቃለ- መጠይቕ እውን፣ እቶም ስደተኛታት ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዝኾነ ሽግር የብልናን። ሽግርና ምስ ሓለፍቲ ናይዚ መዓስከር’ዩ’ ኢዮም ዝብሉ” ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ “ንሳቶም’ውን ተወከልቲ ኣራን ሰራሕተኛታት መንግስትን ምዃኖም ይገልጽ። ብዛዕባ’ቲ ‘ብስምና ኢትዮጵያውያን ንወጻኢ ይኸድሉ ኣለዉ’ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ፣ possibility (ተኽእሎ) የለን፣ impossible (ፍጹም) ዕጹው ኢዩ” ይብል። እቲ ስራሕ ብፎቶን ኣሰር ኣጻብዕትን (finger print) ዝተሰነየ ዳታ ቤዝ (data base) ከም ዝተሓዝን እቲ ኣሰር ኣጻብዕቲ ድማ biometric ምዃኑን ክገልጽ ጸኒሑ፣ ኣብቲ መወዳእታ “ሓደ ክልተ ሰብ ክሰሉኽ ኣይክእልን፣ ፍጹም ቀዳድ የለን’ ኣይብልን፣ ግን ጸቢብ ኢዩ” ይብል። ኣቶ ክሱት ኣብቲ ብረቡዕ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፣ ኣብ ዓመት ካብ 200 ክሳብ 300 ሰባት ንደገ ንሰድድ ኢና” ኢሉ ነይሩ። እሞ ቀዳድ ክህሉ ከምዝኽእል ካብ ኣመነ፣ ካብቶም ንወጻኢ ይኸዱ’ኢዮም ዝተባህሉ ሰባት ክንደይ ዝኣኽሉ ኢዮም በቲ ቀዳድ ሓሊፎም’ ምጽራይ ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓኒ። ኩሉ ነገር (process) ወዲኡ ሎሚ ጽባሕ ክኸይድ ክጽበ ጸኒሑ፣ ‘ጉዳይካ (case) ተዓጽዩ ኢዩ’ ክበሃል ግን ዓገብ።
ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ሓያሎ ‘ካብ ኣዲስ ኣበባ ብቐጥታ ኢና መጺእና’ ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ንረክብ ኢና። እሞ ስም ናይቶም በቲ መዓስከር ኣቢሎም ናብ ሱዳንን ሊብያን ዝሓለፉ፣ ንብዝሒ ኣስማት ናይቲ መዓስከር ናብ 20,000 ኣደይቦሞ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓዙ ደኾን ይኾኑ? ወይስ ናይቶም ክጽበዩ ጸኒሖም ‘ጉዳይኩም ዕጹው ኢዩ’ ዝተባህሉ’ሞ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ?
እቶም ኣብ ናይ ትምህርቲ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ቆልዑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ‘ግዝይኡ ሓሊፉ ኢዩ’ ኢሉ ብዝጎሓፎ ካሪክሉም ከም ዝመሃሩ ምግባር፣ ኣይቅኑዕን ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስ ሕግታት ኢትዮጵያን፣ ምስቲ ኣህጉራዊ ውዕላትን ዝሰማማዕ ኣይኮነን።
ኩልና ከም እንፈልጦ፣ እዞም ሰባት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዮም ዑቕባ ክህቦም ሓቲቶም። ኣብ ውሽጢ ግዝኣቱ መደበራት ሰሪሑ ዑቕባ ዝሃቦም ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ። ኣብ መሬቱ ንዝመጽዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብ ግብጺ፣ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን፣ ኣብ መሬቱ ኣትዮም ክነብሩ ኣፍቂዱ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብረሎም ጸኒሑን ኣሎን። ንገለ መንእሰያት’ውን ምስ ዩነስኮ (UNESCO) ብምትሕብባር ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክመሃሩ ኣፍቂዱ። በዚ ተግባራት’ዚ ዘይተሓጎሰ ሰብ እንተነይሩ ውሑድ ኢዩ። ስለዚ ብፖሊሲ ደረጃ ኣህጉራውን ሃገራውን ሓላፍነቱ ተሰኪሙ። ብፍላይ ከኣ ምስቲ ክህልዎ ዝኽእል ናይ ዓቕሚ ውሱንነት።
ዑቕባ ምሃብን ጽቡቕ ፖሊሲ ምሕንጻጽን ጥራይ ንበይኑ ግን እኹል ኣይኮነን። ነቶም ዑቕባ ዝሃብካዮም ሰባት ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተዉ መሰሎም ተሓልዩሎም ከይፈርሑ ከም ዝነብሩ ምግባር’ውን ካልእ ብድሆ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ደቂ-ኣንስትዮን። ስለዚ እቲ ‘ሰባት ይጭወዩ ኣለዉ’ ዝብልን፣ ‘ደቀ-ንስትዮ ሕጻናት ቆልዑ ገዲፈን ተሓቢአን ይሓድራ ኣለዋ’ ዝብልን ግን፣ ብዝኾነ መልክዑ ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክከላኸል እኹል ዓቕሚ ኣለዎ።
ከምቲ ኣብቲ ብተለፎን ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ ዝበልዎ፣ ሕጊ ስኢኖም ናብ መሬቱ ዝመጹ ኤርትራውያን፣ ብጥይት ክቖስሉ፣ ዋላ’ውን ጥይት ክትኮሰሎም ቅኑዕ ኣይኮነን። ዋላ’ቲ ‘ንጠርዓሉ ቦታ የብልናን፣ ብኢትዮጵያዊ እንተ-ተሃሪምካ፣ ብዝተሃረምካዮ ኢኻ ትኸይድ’ ዝብል መረረኦም ግቡእ ቆላሕታ የድልዮ ኢዩ። ከም ስደተኛታት መጠን ኣብቲ መደበራት ክሳብ ዘለዉ፣ ዝእለዩሉ ሕግን ዝዳነይሉ ቦታን ብግቡእ ክፈልጡ ግቡእ ኢዩ። ሕጊ UNHCR ይኹን ምስኡ ተዛሚዱ ዝወጸ፣ ዝእለይሉ ሕጊ ኢትዮጵያ ክፈልጡ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ንዝኾነ ስደተኛ ዝግበኦ መሰል ኢዩ።
እቲ ንብልሽውናን ኣስማት ምድንጋርን ዝምልከት፣ መንግስቲ ከጉድሎን ክቆጻጸሮን እምበር ከጥፍኦ ከም ዘይክእል ርዱእ ይመስለኒ። ሓደ ሕቶ ምስተላዕለ፣ ከጻርዮን ዝግባእ መዕለቢ ክገብረሉን ግን ግቡእ ኢዩ። እቶም ነቲ ጉዳይ ክቆጻጸሩ ዝተመዘዙ ሓለፍቲ፣ ኣካል ናይቲ ሽግር እንተኾይኖም ግን፣ እቲ ሽግር ስለዝተሓላለኽን፣ ነቶም ተበዲልና ዝብሉ ኣፎም ንምዕባስ ካልእ ሽርሕታት ስለ ዝመሃዘሎምን፣ እቶም ግዳያት ናብ ዝበኣሰ ግዳይ ተቐይሮም፣ ኣጸቢቖም ከይብደሉ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ጥንቓቐ ክገብርን፣ ኣተገባብራ ፖሊሲኡ ዳግማይ ክምርምርን ዘለዎ ይመስለኒ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ መደበራት ዘይርጉእ ኩነታት ክፈጥር ድሌት የብሉን ኣይብልን። ካብ ድሌት ሓሊፉ፣ ዶብ ሰጊሩ ዝናኸስ ኣስናን ከም ዘይብሉ ግን ልዕሊ ዝኾነ ወገን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ውልቀ-ሰባትን ሰለይትን ከስሉኽ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፣ ነቲ ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ፊልም (video) ዝረኣናዮ፣ ኣብቲ ሰልፊ ዝነበረ፣ ባዕሉ ‘ፎእ’ ኢሉዎ ዝሃደመ፣ ኣሽሓት ህዝቢ ከለዓዕል ግን ዓቕሚ የብሉን። ስለዚ ንሕቶ ናይቶም ሰልፈኛታት ‘ስደትን ሽግርን ዘስዓቦ ጸገም’ዩ’ ካብ ምባል ሓሊፍካ፣ ምስ ፖለቲካን ሽርሕታት ህግደፍን ምትእስሳሩ ግቡእ ኣይመስለንን።
ንነባሪ ናይቲ ከባቢ ‘ኣንጻር ልምዓትና ኢዮም፣ ሻዕብያ ዝለኣኾም ኢዮም’ ኢልካ ምጉስጓስን ግን፣ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ምስቲ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ፖሊሲታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፈጺሙ ዝጠዓዓም ኣይኮነን።
ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣትዮም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ክነግርዎ፣ ሕጋዊ መሰል የብሎምን። ንሳቶም ንኣተገባብራ ናይቲ መንግስቲ ባዕሉ ዘውጽኦ ሕግታት ኢዮም ዝቆጻጸሩ። ጉድለታት እንተርእዮም ድማ ተመሊሶም ምስቲ ነቲ ሕግታት ዘወጽአ መንግስቲ ኢዮም ዝመኻከሩ። ዝጎደለ እንተሎ’ውን ብዓቕሞም ይተሓጋገዙ። ብኸምኡ ድማ ኢዩ እቲ ስራሕ ዝጸፍፍ። ሽግር ምስ ተፈጥረ ናብቲ ቦታ ከይኣትዉ ምኽልካሎም ግን ዝያዳ ምጥርጣር ዝፈጥር ኢዩ። ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ወገን ድማ ነቲ ዑቕባ ዝሃበ መንግስቲ (መንግስቲ ኢትዮጵያ) ዝጠቅም ኢዩ። ዝተጻረየን ጋድማውን ሓበሬታ ዝህብዎ ንሳቶም ስለዝኾኑ።

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፣ ስለምንታይ ሽግር ተፈጢሩ ኣይኮነን። ኣፈታትሕኡ ግን ንሽግር ናይቶም ተሸጊሮም ሃገሮም ገዲፎም ‘ኣዕቁቡና’ ዝበሉ ስደተኛታት፣ መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ክኸውን ንጽበ። ተመሊስካ ተሓተቲ ምግባሮምን ኣብ ውሽጦም ሰራዊት ኣእቲኻ ከም ዝፈርሑን ከም ዝርዕዱን ምግባር ግን፣ ነቶም ተሸጊሮም ዑቕባ ዝሓተቱ ዝያዳ ከም ዝሽገሩ ምግባር ኢዩ። ዝፈጥሮ ኣካላውን ኣእምሮኣውን በሰላን ስምብራትን ድማ ብዙሕ ኢዩ።
ተጨኒቁ፣ ‘መሰል ጎዲሉኒ ኢዩ’ሞ ዑቕባ ሃበኒ’ ንዝበለካ ወገን፣ ድንጋጸን ርህራሀን ዝዓሰሎ ኣተሓሕዛ ክትገብረሉ፣ ልዕሊ ሕግን ኣህጉራዊ ስምምዓትን ዝኸይድ ሰብኣውነት ኢዩ። በባትርን ጠያይትን ክትምልሰሉ ግን ምስ ባህልን ስነ-ምግባርን ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝሰማማዕ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢየ ዘለኒ ስኽፍታ ብጽሑፍ ክገልጽ ዝተበገስኩ። ነቲ እቶም ስደተኛታት ዘቕረብዎ ጥርዓናት ድማ ብርግኣት፣ ልዙብን ብሕጋውን መንገዲ ሕቶታቶም ክምለሰሎም ድማ ተስፋ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኢዩ።

ታደሰ ኪዳነ

Lampedusa tragedy survivors protest

መዛኻኸሪ

መዛኻኸሪ፣- ነቲ ዘሎ እዋናዊ ጽምዶ ግዳያት ላምፓዱሳ ኣብ መሬት ዓዲ ኣቡኦም ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ኣለዎም ዝብል ጽዕዶ ንምቅያርን ንምፉኻስ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ይኹን ብኣዛመዉቲ ሓይልታት ተቓወምቲ ኢና ብሃልቲ፣ ሓድሽ ነቲ ቀንዲ ጽምዶ ዘዛናብል ሓቂ ይኹን ዝተፈብረኸ ወሬታት ክብተን ይክኣል እዩ ንመረዳእታ፣- ብዝሕ ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ዜጋታት ካብ ማዓስከር ሳዋ ተጨዉዮም ንሱዳን ተወሲዶም ኣለዉ፣ ፕረሲደንት ድሃይ የብሉን፣ ፍላን ወዲ ፍላን ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ራሕሪሕዎ…ወ.ዘ.ተ መዓልታዊ ዝተፈላለየ ፍጻሜታት ክርከብን ክህሉ መስርሕ እዩ። ንቡር መስርሕ ድማ ካብ ቀንዲ ጽምዶናን ጽዕዶናን ኣንፈት ኣቶክሮና ክልዉጦ ኣይግባእን እዩ። ኩሉ ጊዝየ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነተትና ብጹኑዕ ሒዝና ክንቃለሰሉ ከምዝግባእ ከዛኻኽር ይደሊ።
ወድሓንኩም!
መርዕድ ዘርኡ
21/10/2013

ክሳብ ግዳያት ላምፓዱሳ ብክብረት ኣብ መሬት ዓዲ ኣቡኦም ሓመድ ኣዳም ዝለብሱ ህዝባዊ ጸቕጢታት ክቅጽል ኣለዎ!