Category Archives: Articles

ፍርሕን ፍቕሪን

ኣቃልቦና ዘድልዮ ድቐተ-ሓሳብ፡ ማካቬሊ ከምዚ በለ፡- ኣብ ሓደ እዋን ክትፍራሕን ክትፍቐርን እንተዘይተኻኢሉ፡ ኣብ ክንዲ ብተናጸል ክትፍቐርን ፡ ክትፍራሕ ይምረጽ ይብል “Better to be feared than loved, if you cannot be both.”።  ንኣባሃህልኡ ቁቡል ዝገብሮ ምኽንያታት የቕርበሉ እኳ እንተኾነ፡ ፍቕሪ ዶ ፍርሒ ይብርትዕ ንዝብል ሕቶ ገሊኦም ፍቕሪ ይብሉ፡ ገሊኦም ፍርሒ ይብሉ: ኣነ እዉን ምስቶም ፍርሒ ይብርትዕ ዝቡሉ ሰባት እየ። ፍርሒ ብግዳማዊ ሓይሊ ዝፍጠር ቀታሊ ሰብኣዊ መንፈስ ኒሕን ሕልናንን ስለዝኾነ፡ ብቀሊሉ ካብ ዉሽጣዊ መንፈስካን ህዋሳዊ ስምዒታትካን  ከተወግዶ ዘይትኽእል ብስግኣታት ዝተመልኤ ተንካፊን ሓላኺ ተርእዮ’ዩ። እቲ ምንታይስ  ነቲ ፍርሒ ኣብ ዉሽጢ ስነኣእሙራዊ ቅኒትካን ህዋሳትካን ዝፈጠረ ሓይሊ፡ እንተዘይፈሪሕካዮ(እንተዘይተማእዚዝካዮን ዘይተመለኽካሉን) ከም ሳዕቤኑ ሓያል ቃንዛን ዕንወትን ዘለዎ ስጉምትታት ኣብ ልዕሌኻን ስድራቤትካን ብምዉሳድ ዳርካ ስለዘርእየካ እዩ።

ከም ሉሉያት ግዳያት ናይዚ ክዉንነት፡ ገለ ሙሱልያትን ነቲ ኩዉንነት ብግቡእ ክርድእዎ ዘይክእሉ፡  ‘’ፍርሕና ቅንጢጥና ወይ ድማ ካብ ፍርሒ ናጻ ወጺና” ቢሎም ብምጽዓድ ፡ ፍርሒ ከምዘይብሎም መሲሎም ክርኣዩ ተባሂሉ፡ ሰብ ኣንጻር መላእ ሕብረተሰብ ክናጣጠፉን ክዛረቡን ይርኣዩን ይስሙዑን እዮም።  እቲ ዝወረዶም ቛንዛ፡ ገበን፡ ብትከት፡ ዓቕሊ-ጽበት፡ ጥፍሽና …ወ.ዘ.ተ ኣብ ልዕሊኦም ስነኣኣሙራዊ፡ ኣካላዊን መንፈሳዊን ኩነት ኩነታቶም ናይ ኣእሙሮን ማሕበራዊ ምዝንባላት ስለዝፈጥረሎም ድማ ኣንጻር እቲ ግዳይ ዝገበሮም ፖሎቲካዊ ስርርዕ ጥራይ ዘይኮነ ኣንጻር መላእ ሕብረተሰብ ይልዓሉ። ናብ ሓዉሲ ጽላሌ፡ ብትከትን ተነጽሎታትን ስለዝዓዝሮም፡ ካብዚ ንምዉጻእን ኣቃልቦ-ሰብ ንምርካብን ዉሕስነቶም ንምርግጋጽ ተባሂሉ ናብታ ቅድመ-ስሩት ዝምድናታት ማለት ዓሌት፡ ሃይማኖት፡ ኣዉራጃ …ወ.ዘ.ተ ስግሩ እዉን ሃገርን ህዝቢን ኣብ ሓደ ጊዚየ ከፍሩሱን ክሸጡን ክልዉጡን ናይ ምድላይ ድንዕታቶም ካብ ዓዉ ኢሎም ምዝራብ ኣይቁጠቡን። ስለዚ ናይ ከምዚኦም ዓይነት ጽላሌን ዝሓዞም ዜጋታትን ናይቲ ቀንዲ ፍርሒ ዝፈጠረ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ተዳማሚሩ ነቲ ሕብረተሰብ ናብ ዓሚቕ-ፍርሕ ይድቕድቆ። ጠመቱኡን ጽምዶታቱን ኣብ ክንዲ ናብቲ ቀንዲ ፍርሒ ዝፈጠረ ሓይሊ ዝኸዉን፡ ናብቶም ቡቱኻት ይኸዉን እሞ ምርጫታቱ ጌጋ ይኸዉን።

ሓደ ሕብረተሰብ ምስ 5 ህዋሳቱ እንከሎ ፡ እንዳሰምዔ ዝጸመመ እንዳርኣየ ዝዓወረ ንኽከዉን ዘገድዶ ድንቁርና ዘይኮነ፡ ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ፍርሒ ምስ ዝሽመም ጥራይ’ዩ። ንብፍርሒ ዝተዓዝረን ዝተማረኸን ሕብረተሰብ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከብ ንከተረድኦን ከተእሙኖን እዉን  ኣዝዩ ኣጻጋሚ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድን ዝፍጸምን ቃንዛን ገበንን ብሓደ ዘይኮነ ብእብረ ዝካየድ ሰለዝኾነ፡ እቲ ቃንዛ ብሓደን ኣብ ሓደ ጊዚየን ስለዘይስምዖ፡ ንምርድኡን ምምሕዳሩን የጸግም እሞ ጉጉይ ምርጫታት ይወሲድ። እዚ ጸገም’ዚ ድማ ብሓደ ንከይርዳእ፡ ንከይስምዖን ብሓደ ንከይልዓልን ይገብሮ። እቲ ኩቱር ፍርሒ እንዳሰምዔ ዝጸመመ እንዳርኣየ ዝዓወረ ንኽከዉንን ገለ ሰብኣዊ ህዋሳቱ ንከጥፍእ የገድዶ እዩ።

ንመረዳእታ ሓደ 2 ህዋሳቱ ማለት ናይ ምስማዕን ምርኣይን ህዋሳት ዘጥፍኤ ሰብ፡ ሓጋዚ ቴክነሎጂካዊ ንዋት ወይ ድማ ናይ ዓይነ ስዉራን ፌደላት ንምንባብን ምጽሓፍን ዘይተማህረ (Braille) ምስ ዝኸዉን ኣቡኡ ወይ ኣዲኡ ከምዝሞቶ ከመይ ጌርካ ከተርድኦ ትኽእል? ካብተን 5 ህዋሳቱ ዝዉንነን ዝተረፍኦ ናይምድህሳስ፡ ናይ ምስትምቛርን ናይ ምሽታትን ጥራይ እየን በዚኤን 3 ህዋሳት ከመይ ጌርካ ከተርድኦ ትኽእል? ፈጺምካ ስለዘይክኣል ፍታሕ ከተናዲ ኣሎካ። እቲ እንኮ ፍታሕ ድማ እቲ ዝሞተ ኣቡኡ እንተኾይኑ፡ ነዲኡ ከተምጻ ኣለካ ዳህሲሱ ኣዲኡ ከምዘላ መታን ክፈልጥ። ድሕሪኡ ኣቐንዛዊ ተረኽቦ ከምዘጋጠመ ንከተረድኦ ከተቀንዝዎ ስለዘሎካ፡ ብሓዊ ክትክሶ ኣለካ ማለት’ዩ። ብሓዊ ምስተኮስካዮ ገለ ቃንዛ ዝፈጥር ጉዳይ ኣጋጢሙ ከምዘሎን ኣቡኡ ምስ ኣዲኡ ካብዘይመጸ፡ ኣቡኡ ገለ ኮይኑ ከምዘሎ ግንዛቤታት ከሕድር’ዩ።

እቲ ዓሚቕ ፍርሒ ናብ ሓያል ትብዓት ንክቕየር፡ ነቲ ፍርሒ ዝፈጠረ ግዳማዊ ሓይሊ ግፍዕታቱ  ኣብልዕሊ እቲ ኣብ ፍርሒ ዝተሸመ ሕብረተሰብ፡  ካብዝነበሮ ንላዕሊ ከበርትዖ መታን መመሊሽካ ከተሰይጥኖ ይግባእ። ምስ ሰይጠነ መመሊሱ ነቲ ሕብረተሰብ ዳሩ ከምዝርኢ ክገብሮ ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን።  ከምሳዕቤኑ እቲ ሕብረተሰብ እንዳጨከነን ካብቲ ጭቛኒኡ እንዳተነጸለ ክመጽእ እዩ። ንመረዳእታ ንሓንቲ ድሙ ኣብ ዕጹዉ ጸቢብ ቦታ ዓጺኻ  ከም ትሓርቕ ግበራ፡ ዓቕላ ዝጸበባን ዝሓረቐት ድሙ ንነብሪ ክትቕየር ሙኻና ዝተፈተነ ተርእዮ እዩ። ስለዚ እቶም ፈጠርቲ ፍርሒ ጭቆንኦም ኣብ ልዕሊ እቲ ፍርሒ ዝፈጠሩሉ ሕብረተሰብ እንዳኸረረ ክኸይድ እንኮሎ ሕብረተሰብ ንነብሪ እንዳተቀየረ ከምዝኸይድ ዘጣራጥር ኣይኮነን።

ብኸምዚ ክዉንነት ዝሓለፈ ሕብረተሰብ ብቀጥታን ሃንደበትን ናብ ንቡር ቦቱኡን ዲሞክራሲ ከተሳጋግሮ እዉን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ህሞት ዘሎን ዘጋጥምን እዩ። ከመይ ገይሩ ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል ስለዝኾነ፡ ንመረዳእታ ዓሚትካዮ ዝጸናሕካ ዓይንኻ፡ ቓሕ ምስ ተብሎ፡ ጻዕቂ ጭራ ብርሃን ንዓይንና ስለዝደግሖ ሕዉዝዉዝ ከምዝብል ይገብሮ እሞ ናይ ምርኣይ ተኽእሎታትና ኣብ ጽልግልግ ይኣቱ እዩ። ብተወሳኺ ከም ልክዕ ብልጓም ተቀይዱ ዝኸይድ ፈረስ፡ ሉጓሙ ፈኒኻ ምስ ሓደካዮ ፈረስ ናብ ገደሉ ወይ ድማ ናብ ዘይትሓስበ መኣዝን ዝጋልብ፡ ሕብረተሰብ እዉን ከምኡ ንክኸዉን ዝተዋደደ እኩብ ሰብን እኩብ ድሪኺትን ዝዉንን ስለዝኾነ በቡቁሩብ ናብ ንቡር መኣዝኑ ከተማእዝኖ ከምዘለካ ዝግመት ጉዳይ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ነዚ ክዉንነት እዚ ብግቡእ ዝርዳእ ሓያልን እሙን መራሒ ከድሊ እዩ።

መርእድ ዘርኡ

26/03/2017

ኤርትራ ኣብ ግርጭት ኣታሓሕዝኡን ኣፋታትሕኡን!

ርእይቶ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ግርጭት ኣታሓሕዝኡን ኣፋታትሕኡን ፣-

መእተዊ፣- ብዕምቆት ኣብቲ ክልስሓሳባዉን ግብራዊ ጋህድታት ካይኣተኩ ብቅርጡዉ ኣጋባብ ንምግላጹ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ሰባት ወይ ኣግእዞታት ዝካየድ ምትፍናንን ምጽራርን እዩ። ግርጭት ኣብ ሂወት ደቂሰባትን ነገራት ሞጎታዊ ህላዌ ዘራጋገጸ ባህርያዉን ማሕበራዊ ክዉንነት እዩ። ነዚ ክዉንነት’ዚ ብመገዲ ድቀተ-ሓሳብ፣ ተንካፊ ስምዒትን ተግባራዊ ባህርያት ደቂ-ሰባት ወይ ነገራት ይፍጠር ከምዞሎ ክንዕዞቦ ይክኣል። ዝኾነ ነገር ን ወዲሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱን፣ ካብ ገዛእ-ርእሱ ወጻኢ ብክልተ ተጻረርቲ ዝጋራጨዉ ባህርያት ዝቆመ እዩ። ግርጭት ኣዉንታን ኣሉታን ገጽታታት (negative & positive aspects of conflict) ዘጣመረ እዩ። ምግርጫዋት ናይ ኣዉንታን ኣሉታ ገጽታ ግርጭታት ምዕባሊ ይፈጥር። እዚ ፈቲና ጸሊኢና ባህርያዊን ማሕበራዊ ሕጊ እዩ። ኩሎም ባህርያዊን ማሕበራዊ ሕጊታት ድማ ካብ ኣትሓሳስባን ምቁጽጻራትን ወዲ ሰብ ወጻኢ እዮም። ወዲ ሰብ ምስ ጥቕምታቱ ብምዝማድ ከማሓድሮም እንበር ካብ ቀጻሊ መስርሓቶም ደዉ ከብሎም እዉን ተኽእሎ የሎን።
ኣብ መስርሕ ዉሽጣዊ ምፍሕፋሕን ምትፍናን ግርጭታት ኣዉንታ ባእታ ግርጭት ንኣሉታ ክዕብልሎ እንኮሎ፣ ኣዉንታ ዝዓብለሎ ዉጽኢት ምዕብልና ይህልዎ፣ ኣሉታ ባእታ ግርጭት ንኣዉንታ ባእታ ግርጭት ምስ ዝዕብልሎ ድማ ኣሉታ ዉጽኢት ይህልዎ። ክልቲኦም ኣሉታን ኣዉንታ ባእታታት ግርጭት ዝተወደነን ዝተማጣጠነን ሓይሊ ኣብቲ ዘካይድዎ ግጥም ምስ ዝህሉዎም መብዛሕትኡ ጊዝያት ኣዉንታዊ ምዕብልና ይህልዎ ስሕት ኢሉ ድማ ብኣሉታ ዉጽኢት ይዛዘም። ግርጭት ኣብ ዉሽጢ ገዛእርእስኻን ምስ ካልኦት ሓይልታት ካባኻ ወጻኢ ዝካየድ ካብኮነ፣ ንተርእዮታት ግርጭታት ብኸምዚ ዝስዕብ ክንገልጾም ይክኣል፣-
1. ሰብ ኣንጻር ሰብ(Man against man)
2. ሰብ ኣንጻር ሕብረተሰብ(Man against society)
3. ሰብ ኣንጻር ባህሪ(Man against nature)
4. ሰብ ኣንጻር ገዛእ-ርእሱ(Man against self)
5. ረብሓን ማሕበራዊ ክብርታት(Interest& social value Conflict)
6. ተባዕታይ ኣንጻር ኣኒስተይቲ ዝካየዱ ቀጻልነት ዘለዎም ምፍሕፍሓትን ግርጭታትን (Gender Conflict)እዮም።

ቀዳማይ ክፍታሕ ዘለዎ ግርጭት ሰብ ኣንጻር ባህሪ ዘካይዶ ቅልስ እዩ። ባህርያዊ ግርጭት ንጥሜት፣ ድርቀት፣ ሕማም፣ ሞት፣ ምዕልቅላቕ ዝናብ፣ ድኽነት፣ድንቁሩና…ወዘ.ተ ዘጣቃልል ኮይኑ፣ ንገሊኦም ብመሰረቱ ብጻዕርታት ወዲ ሰብ ክዉገዱ ዝኽእሉ እዮም፣ ገሊኦም ድማ ከም ባህርያዊ ዘይተርፍ ትዕድልቲ ተወሲዶም፣ ምስኦም ክትነብር ምርጫታት ዘይህቡኻ እዮም።
ካልኣይ፣ ሰብ ኣንጻር ሰብ ግርጭት፣ ወዲ ሰብ ጥቅምታቱ ንምርግጋጽን ካብ ሽዉሃት ምግባትን ነቲ ካብ ኣታሓሳስብኡን ድሌቱን ወጻኢ ዝኾነ ነገራት ንሙቑጽጻር ተባሂሉ፣ ዘካይዶ ቅልስ ዝኹስኩሶ ግርጭት እዩ። ኪናት፣ ቅትለት፣ ምብካል ቀላያትን ባሕርታትን፣ ምቅያር ጠባያት ኣየር ህዋ፣ ምፍሕፋሕ ማሕበራዊ ቀጸላታት ሕብረተሰብ፣ ዉድድር-ብቕዓት (Competence)ምዝራቕ ሓተላታት ኒክሌርን ሬድዮ ኣክቲቭ፣ ምጽናት እንስሳ ዘገዳም፣ ምጽናት ዓሌት ወዲሰብ…ወ.ዘ.ተ
ሓፈሻዊ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስክዎ ካብ ኮነ ግርጭታት፣ ንወዲ ሰብ ቀዳሞት ጸላእቱ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዓይነት ግርጭታትሰብ ኣንጻር ባህሪ ተዘርዚሮም ዘለዉ ከንሶም፣ ወዲሰብ ነቶም መሰረታዉያን ባህርያዊ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝቃለሰሉ እዋናት፣ ሰብ ኣንጻር ሰብ ግርጭታት ንህላዊኡ ስለዝፋታተንዎ፣ ነቲ ቀዳማይ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገማት ንጊዚኡ ኣወንዚፉ ነቶም ንህላዊኡ ዝፋታተኑ ዘለዉ ሰብ ኣንጻር ሰብ ግርጭታት ክፈትሕ ይዉስን። እዚ ዳይነሚክ እዚ ዘገንዝበና ጉዳይ እንተሃልዩ፣ ወትሩ ግርጭታት ምስ ሂወትና መናብርትና ምኻኖምን፣ ከከም ኣድላይነቶም ድማ ብቅድመተከተል (sequence) ሰሪዕና ክምንፈትሖምን ከምንቃለስም እዩ።
ኣታሓሕዛን ኣፋታትሓ ግርጭታት፣-
ብዘይካ እቶም ሰብ ኣንጻር ባህሪ ግርጭት፣ ሰብ ኣንጻር ሰብ ግርጭት ምስ ዝኸዉን፣ ብቀዳምነት መንዕብ-ስነኣእሙራዊ ቅኒት (Psychodynamics) ሃንደስቲ እቲ ግርጭት፣ ነቲ ግርጭት ከላዕልዎ እንከለዉ፣ ኣፍሉጣዊ-ድርኺት (conscious motivation) ድዩ ዘለዎም ወይስ ኣፍልጦ-ኣልቦ ድሪኺት (unconscious motivation) ምኻኑ ብንጹር ምፍላጥን ምልላይን ከድሊ እዩ። ንቅሓት ድሪኺታቶም ብግቡእ እንተፈሊጥካ ነቲ ዝተጋህደ ግርጭት ብኣጋባብ ንምትሓዙን ንምፍትሑ ኣጸጋሚ ኣይከዉንን እዩ። ብመሰረቱ ግርጭታት ተጻረርትን ተማላላእት ስለዝኾኑ ድማ፣ ኣብ ኣጋባብ ኣታሓሕዝኦምን ኣፋታትሖም ከምዝፋላለ ክንግንዘብ ይግብኣና።
1. ከም ብዓልMao Tsetung ናይ ቻይና መራሕቲ ዝነበሩ፣ ንቀዳማይ ግርጭት ብሓይሊ ብረት ከምዝፍታሕ እዮም ዝእምቱ። ኣብዚ ናይ ማዎ ፍልስፍና ምስ ማሕበራዊ ቀጸላታትን ናይ ግዳም ጸላትን ተኣሳሲሩ ብቅድመተከተል ዝትንተን ኣጋባብ ኣታሓሕዛን ኣፋታትሓ ግርጭት ንቀጻሊ ኣብ ጎነጻዊን ፖሎቲካዊን ቃልሲ ዝጸምደካ ይኸዉን።
2. ፍላስፋታትን ፖሎቲከኛታት ምዕራብ ዓለም ከም OMNI GENE SHARP ድማ ብሰላማዊ ኣጋባብ ከምዝፍታሕ ይእምቱ። ብፍጹም ንቀጻሊ ዓንኬል-ጎነጽ ክገትኡ ድማ የታባብዑ።
3. ሓንፈጽ ኣፋታትሓን ኣታሓሕዛ ግርጭት (mixed handling of contradiction) እዚ ድማ ደቂ ሰባት ምስ ዝገጥሞም ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታዉ ኣብ ሓደ ጊዝየ ክልተ መልክዓት ቃልሲ የካይዱ፣ ንሱ ድማ ሰላማዊን ጎነጻዉን ቃልሲ እዩ። መብዛሕትኡ ጊዝየ እቲ ዝገጥሞም ዓይነት ግርጭት ኣዝዩ ቁጡዕን ኣድማይን ምስ ዝኸዉን ንነብሶም ክካላኸሉ ስለዝግደዱ ብረት የልዕሉ እሞ፣ እንተብፍላጥ ብዘይፍላጥ ኣብ ዲዕ ዝበለ ጎነጻዊ ቃልሲ ይኣትዉ እዮም።
ሰለስቲኦም ኣጋባብ ኣታሓሕዛን ኣፋታትሓን ግርጭት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብክልስሓሳብን ግብሪን ከምዝሰርሑ እዉን ተገንዚብና እኳ እንትኾና፣ ዉጽኢታቱ ግን፣ ከምዝፋላለ እዉን ተማሂርና። ወትሩ ብጉራዴ ዝነግስ ብጉራዴ ከም ዝእለን ብሰላም ዝነግስ ድማ ብሰላም ከምዝእለ ተማሂርና። ዋላእዉን ሉዕላዉነት ጥሒሱ ክልሕቀካ ዝደሊ ገዛኢ ብሰላማዊ ኣጋባብ ቃልሲ ተጠቂምካ ክትኣልዮ ከምትኽእል ካብ ኣህዛብን ሃገርን ህንዲ ተማሂርና። ስለዚ እቲ ሰላማዊ ኣጋባብ ቓልሲ ፈጺሙ ኣማራጺ ዘይብሉ፣ ንምግታእ ቀጻሊ ምድማይ፣ ሰብኣዊን ነገራዊን ዕንወት፣ ሕንፍሽፍሻት ዝጠቕምን ልዕሉ ኽሉ ድማ ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምስግጋር ፖሎቲካዊ ስልጣን መስርሕ ዘካናወነ፣ ምምዕባል ሲቪላዊ ሕብረተሰብን ዘራጋግጽን ብሓባር ብሰላም ዘንብርን ማሕበራዊ ፍትሒ ዘራጋግጽ ምኻኑ ፈሊጥና ኣሎና።
መንቀሊ ግርጭት ቡዙሓት ሰራዉር ዘለዎ እዩ። ኣብ ዉሽጢ ሕብረተሰብን ጎዶቦታቱን ዝላዓሉ ግርጭታት እቲ መሰረታዊ መንቀሊታት ካብ ሰብኣዊ-ባህርያዊ ንቅሓት (human instincts) ካብ ዉድድር፣ ካብ ምንዳይ ጸጋታትን ሓይሊን ስልጣንን ዝነቕል እዩ። ገሊኡ እዉን ንመንነቱ (Identity-Based Needs) ንምንዳይ ዝነቕል ኣሎ። እቲ ኮይኑ እዚ ምንጪ ናይ ግርጭት (sources of conflict) ብግቡኡ እንተፈሊጥካ፣ ኣብ መርሓ-ገበይ ግርጭታት ብምስፋር ነቲ መስርሕ ክትቓጻጸሮን ክትፈትሖ ይክኣል እዩ።
ስለዚ ኣብ ቀጻሊ መግለጺታተይ ንግርጭታት ብቅድመ ተከተል እኳ ክሰርዖም እንተኾንኩ፣ ቀዳማይ ብጎነጽ ክፍታሕ ኣለዎ፣ ካልኣይ ድማ ብሰላም ዝብል ክኸዉን ከምዘይኮነ ምግንዛብ ከድሊ እዩ። እንታይ ድኣ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታት ጥራይ ምስራዕ ምኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግርጭታት፣-
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግርጭታት ቅድሚ ምትንታነይ፣ ኣብቲ ግርጭታት እትዋት ዝኾና ሓይልታት ኣብ ሽዱሽተ ጉጂለታት ክምደባ ይክኣል፣-
ሰብ ኣንጻር ሰብ፣-
1. ፖሎቲካዊ ስልጣን ዓቲሩ ዘሎ ሕሉፍ ሃገራዊ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ።
2. ከም ዉጽኢት ዉሽጣዊ ግርጭታትን ኪናት-ሕድሕድ፣ ኣብ ጊዝያት ሃገራዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ፣ ዝፈረዩ ፖሎቲካዊ ዉድባትን ሰልፍታትን።
3. ጂኦ-ፖሎቲክስ ከባቢና ዝፈጠሮም ናይ ኤትኒክን ሃይማኖትን ሕብረ-ብሄራዊ ዝመስላ ምንቅስቓሳት።
4. ህሉዉ ኩነታት ኤርትራ ዝፈጠሮም ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት
5. ሲቪክን ሲቪል ምንቅስቓሳት።
6. ካብ ኩለን እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጣሕመሳ ጉጂለታት ወጻኢ ዝኾነ ኣጽቂጡ ዝዕዘብ ዘሎ ዝበዝሔ ክፋል ህዝቢ (silenty majority) እዩ።
7. ኣብ መንጎ ስርዓት ኣስመራን ስርዓት ኣዲስ ኣበባን፣ ኣብ መንጎ ስርዓት ኣስመራን ስርዓት ጅቡቲን፣ ኣብ መንጎ ስርዓት ኣስመራን ማሕበረሰብ ዓለም ኣይኩናት ኣይሰላምን ዙሑል ዲፕሎማስያዊ ጂኦ-ፖሎቲካዊን ዓለምለኻዊን ግርጭታት ዝካየድ ዘሎ እዩ።
ሰብ ኣንጻር ባህሪ፣-
1. ድሕረት።
2. ድርቂ።
3. ጥምየት።
4. ድኽነትን ብትከት…ወ.ዘ.ተ።
ሰብ ኣንጻር ገዛእ-ርእሱ፣-
1. ኣብዚ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዓቲሩ ሃገር ን ህዝቢ ንቃራና መገዲ ኣሳጢሑ ዘሎ፣ ቀጥታዊ ነገራዊን ሞራላዊን ረብሓ ዘይብሉ የግዳስ ምሳሌዊ ረብሓ (symbolic) ዝዓዘሩ፣ ኣንጻር ረብሕኡ ደዉ ብምባል፣ ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝድግፍ ዘሎ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ።
2. ንክስደድ ኣዝዮም ቡዙሓት ደፋኢን ጎታቲን ረቛሒታት እኳ እንተሃለዉዎ፣ ነቲ ቀንዲ ዝደፍኦ ዘሎ ርቛሒ በቲሪ ኣብ ኢዱ ተመን ኣብ እግሩ ከንሱ፣ ነዚ ራሕሪሑ ዘይተደነ ዓሰርተታት ኣሽሓትን ዶላራትን ኣዝዩ ከቢድን ሓደገኛ መሳናኽላትን ክሓልፍ እንተ ብምትላል፣ ብምርጭኡን ብምግዳድ ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋዉያን ኣሳጋገርቲ ወዲ ሰብ (Human trafficking) ወዲቁ ከምሳዕቤኑ፣- ምንጪ ምፍራይ ሙኡዙዛትን ዘይሙኡዙዛትን ጭዋዳታት(organ harvesting) ኣካላት ወዲሰብ፣ ምንጪ ፋይናንስ፣ ቀለብ ዓሳን ኣሞራን ጊልያ ናይ መርወይ ጾታዊ ስምዒት ወዲሰብ ንክኸዉን ርእሰ-ቅትለት ዝፍጽም ዘሎ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ።
ስለዚ ኣብ እዚ እዋን እዚ ስለስተ ዓበይቲ መሰረታዉያን ግርጭታት ይብድሁና ከምዘለዉን ዝጣራጥር ጉዳይ ኣይኮነን። ብዘለና ዓቕሚ፣ ኣታሃላልዋ፣ ዉዳቤን ፖሎቲካዊ ቦታ(Position) ድማ፣ ንሰለስቲኡ ኣብ ሓደ ግዝየ ንምግጣሙ ተኽእሎ ከምዘየሎ ፍሉጥ እዩ።
ጠንቅታት ናይ ሃገርና ቅልዉላዉ፣ ብኣርባዕተ ማኣዝናት ክግለጽ ይክኣል፣-
እቲ ቀዳማይን ናይ ቀረባ ጠንቂ፣ ግጉይ ኣዕናዊ ግደ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ። ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ገጢምዎ ዘሎ ብድሆታትን ግርጭታትን እኩብ ድሙር ናይ ዝተፈላለዩ ግዳማዊን ዉሽጣዊ ሮቓሒታት ኣኳ እንተኾነ፣ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ብድሆታትን ግርጭታትን እዉን ብሙሉኡ ምንጩ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ እኳ እንተዘይበልኩ፣ መብዛሕትኡ ንብድሆታትን ግርጭታት ንከይንፈትሕ ዕንቅፋት ኮይንና ዘሎ ብርግጽ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ።
1. ቀዳማይ ስለዚ ጽምዶ ቃልስናን መጀመርታ ክፍታሕ ዘለዎ ግርጭት ትኹላዊ (vertical) ኣብ መንጎ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ኩሉ መሰሉን መንነቱን ዝተመንዝዔ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ብባህርያቱ እቲ ግርጭት ድማ ናይ ማሕበራዊ ቀጸላታት ቃልሲ ስለዝኾነ፣ እቲ ዝካየድ ቅልስ ማሕበራዊ ሰዉራ ኮይኑ፣ ስለማዊ ኣጋባብ ቃልሲ ዝተኸተለ ክኸዉን ኣለዎ። ምኽንያቱ ንኹሉ ኤርትራዊ ዓቕምታት ኣብ ሓደ ጽምዶ ማኣዝን ኣትሒዝናን ኣዋህሊልና ነቲ ቀዳማይ ግርጭት ክንፈትሕ እንተወሲና፣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን መስርሕን ታሪኽ ኩነታት ዓቕሚ ህዝቢ፣ ልዕሊ እቲ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘሎ ፖሎቲካዊ ጉጂለ ስለዝኾነ ክዕወት እዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ሓቂ ግን፣ ህዝቢ ባዕሉ ካይተሳተፈን ካይተንቃሳቐሰ ሽግራቱ ብፖሎቲካዊ ዉድባት፣ ሰልፍታት፣ ግንባራትን ምንቅስቓሳትን ጥራይ ክፍታሕ ኣይክኣልን እዩ። ኣብ በኒን፣ ኣብ ዩጉዝላቪያ ነበር፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኣይቮሪኮስት፣ ላይቬርያ…ወ.ዘ.ተ ናይ ዝቀረበ ጽቡቕ ናይ ሕማቕ ኣብነት ክኸዉን ይኽእል እዩ። ዝተፈላለያ ዉድባት ነይረንኦም እቲ ጸገም ክፍታሕ ኣይተኻእለን፣ ህዝቢ ባዕሉ ምትእትታዉን ምንቅስቓስን ምስጀመረ ግን ፍታሓት ክጋሃድ ጀሚሩ። ብግብሪ እዉን ኣባና ክንዕዘቦ ይክኣል እዩ። ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝመርሓ ኤርትራ፣ ንተሳትፎ ህዝቢ ስለዘዋስንን ዝሕርም ዝያዳ ዉግእ፣ ስደት፣ ሓድሕዳዊ ጽልኢ፣ ድኽነትን ብትከት፣ ፋሕ-ጭንጋራሕ…ወ.ዘ.ተ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝፍታሕ ነገር ከምዘየሎ ብርግጽ ክንፈልጥ ኣሎና።
2. ካልኣይ ናይ ተቃዉሞ ኤርትራ ፖሎቲካዊያን ጨለታትን (elite) ፈሊጣን (Scholars) ንዉልቃዊን ጉጂላዊ ረብሓታቶን ንምርግጋጽ፣ ዘናዓዕብዎን ዝኹስኹስዎ ኣዝዩ ጸቢብ ኣብ ትሕተ-ሃገርነትን ኣብ ሕሉፍ ተሞክሮ ዝተሰረተ ምትእስሳራት እዩ። እዚ ሓደገኛ ዘማዊ ሓይሊ እዚ ካብ ቅርሕንትን ሒነ ምፍዳይን ስለዝነቕል፣ ኩሉ ንቅሎታቱ ካብ ታሪኽ ጀብሃን ሻዕብያ ከም መወከሲ ብምጥቃም፣ ሒነ ክፈዲ ኣብ ዝተፋላለየ መድረኻት ሽሙን ፖሎቲካዊ መደብ ዕዩኡ ዝቕይር ብዉሽጡ ግን ሕልምታቱን ዕላማታቱን ፈጺሙ ዘይቅየር እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ካብ ገባቲ ስርዓት ዝፈልዮ ባህርያት የብሉን። ምስ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ባህሪ-ሓደ (homogeneous) ዘለዎም እዮም። ዝፈልዮም ዘይመሰረታዊ ነገር እንተሃልዩ እቲ ሓደ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዓቲሩ ኣሎ፣ እቲ ሓደ ድማ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘይዓተረ ብሙኻኑ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ልክዕ ከም ህ.ግ.ደ.ፍ ጸረ ሲቪክ ሃገራዉነት እዩ። ንሲቪክ ሃገራዉነት ኤርትራ ሃሪሙ ብሃይሞኖታዊ፣ ኤትኒካዊን ክሊ-ጂኦግራፊካዊ ሃገርነት ከራጋግጽ ዝጽዕት ወይ ድማ ንእኧርትራ ከምዚ ዓለባ ብመቀስ ቆራሪጹ ብምምቅቃል ቀጺሉ ክትክባ ዝህቕን እዩ። ልዕላዉነት ህዝቢን ሃገር ድማ ኣይንታዩን እዩ። ምስ ዝኾነ ናይ ግዳም ሓይሊ ተኣሳሲሩ ዕላሙኡ ክወቕዕ እዉን ፈጺሙ ዘእግሞ ኣይኮነን። እዚ ሓይሊ እዚ ዝጻዓረ እንተጽዓረ ኣብ ማሕበራዊ ስነኣእሙራዊ ኣቓዉማ ኤርትራ ቅቡል ስለዘይኮነ፣ መላእ ደገፍ ናይ ህዝቢ ስለዘይረክብ ዕርፍካ እንተኣጽኒዕካ ናብ ዘብሎ ስለዘይብሉ፣ ክናዓቕ ኣኳ እንተዘይተገብኤ ክጽይቕ ስለዝኽእል ብዉሕልነት ቀስ ብቀስ ካብ ህዝቢ ከምዝንጸልን፣ ጥራይ ዕርቓኑ ከምዝወጽእ ምግባር ኣኻሊ እዩ። እዚ ድማ ብሙዕብሉን ቬርገሳዊ ኣጋባብ ጽምዶን ሰላማዊ ኣጋባብ ቃልሲ ክትሓዝ ይክኣል እዩ።
3. ሳልሳይ ኣቃዉማ ሕብረተሰብ ኤርትራ እዩ። ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ርእሲ ቡዙሓዊ ሙኻኑ ኣብ ኣባታዊ ማሕበረ-ምጣኔሃብታዊ ስርርዕ ዝተሰረተ ብምኽኑ፣ ነዚ ኣብ ጥንታዉነት ዝተሰረተ ሕብረተሰብ ንዘለዎ ባህርያዊ ፍልልያት ብምብራዕ ንግርጭታት ክቅይሮ ዝደሊ ጉጂለ ምስ ዝህሉ፣ ግርጭት ክጋሃድ ከምዝኽእል ሩጉጽ እዩ። እቶም ኣብ ላዕሊ ኣብ ቅድመተከተል ቁጽርኡ ክልተ ጣሕሚሰዮም ዘለኹ ጉጂለታት፣ ነዚ ኣቃዉማ ሕብረተሰብ ኤርትራ መዝሚዙ ዝነጥፍ እዩ ። ዋላ እኳ ኣብ ባይታ ከምዚ ዝበልክዎ እንተሃለወ፣ ልዕሊ ኩሉ ግን እዚ ዝተፈላለየ ህዝብታት ኤርትራ ዝተፈላለየ ቅድመሱሩት-ደማዊ ዝምድናታት (primordial) እኳ እንተሃለዎም፣ ኣብ ናይ ነዊሕ ዘመናት ጊዝያት ነንሕድሕዱ ዝተዋሰበን፣ ኣብ ነንሕድሕዱ ጹኑዕ ዝምድናታት ዘለዎን’ዩ።
ንመረዳእታ፣- ካብ ሮራን ሰምሃርን ሳጊሞም ኣብ ዓላ-ባዚት ዝነብሩ ኣለዉ፣ ካብ ሓማሴን ሳጊሞም ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ትግሬ ኮይኖም ዝነብሩ ኣለዉ፣ ገሊኦም ድማ ኣሰራቶም ኣብ ዓድታት ከበሳ ሓዲጎም ናይ መጨረስታ መዕሬፊኦም ኣብ ሰንሒት ሳሕል ባርካ ዝወድኡ ኣለዉ። ዓድ-ተማርያም፡ ቤት-ኣስገደ፡ ሓለንጋ ዝብሃሉ እንዳታት ካብ ህዝቢ ከበሳ ከም ዝመንጨው መዛግብ ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ ንሳቶም ባዕላቶም ዝኣምኑሉ ጉዳይ ኢዩ። ጽኑዕ መረዳእታ መታን ክከዉን እንዳ ሓለንገ መቦቖሎም ካብ ዓዲ ባሪ (ሕጂ ኣብ ሰራየ ዝርከብ ዓዲ እዩ፣ ቀደም ወራራት መሳፍንት ትግራይ ኣብ ዓዶም ዓዲ ባሪ መጽዮም ምስተዋግእዎም ሳጊሞም ንምዕራባዊ ቆላታት ወሪዶም ክሳብ መላእ ምብራቕ ሱዳን እዉን ተዘርጊሖም ኣለዉ። ካብ ዓዶም ዓዲ ባሪ ክድፍኡ እንኮሎዉ ቋንቕኦም ትግርኛ ሃይማኖቶም ክርስትና እዩ ዝነበረ። ኣብ ዝተሰድድሉ ቦታ ብካልእ ቋንቋ ብካልእ ሞሎኮታዊ እምነት ክርዕሙ ኪኢሎም ኣለዉ፣ ካብ ደማዊን ሞቦቆላዉነቶም ዝፈልዮም ጉዳይ ግን ኣይኮነን።
ኣብ ማእከል ቀቢላ ቢን-ዓምር ካብ ድሒሩ ብሓማሴን ዝብሃል ኣዉራጃ ዝልለ ንባርካ ወሪዶም ኣብ ማእከል ቢን -ዓምር ዝነብሩ ቀቢለት(እንዳ) ሓማሴን ዝባሃሉ፣ ዓድ-ቢጄል ዝባሃሉ ካብ ዓዲ-ቢደል ዝወረዱ፣ ካብ ሳሆ ዝመቦቆሎም ናብ ሓማሴን ዝወረዱ ደቂ-ሽሓይ ዝባሃሉ፣…ወ.ዘ.ተ ክርቛሕ ይክኣል። ተወሳኺ መረዳትታት ሓደ ኤትኒክ-ጉጂለ ወይ እንዳ ኮይኖም ብሞሎኮታዊ እምነታቶም ዝፋላለዩ እውን ጦርዓን ጽንዓደግለን: ጠዉቀን ቤት ተርቀ፣ ኤትኒክ-ጉጂለ ትግረ ከንሶም መንሳዕ ክርስትያን …ወ.ዘ.ተ ሃይማኖት ዝፈላለዮም ኣሕዋት ምዃኖም እቲ ህዝቢ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ብታሪኽ፣ ብደም፣ ብመዉስቦ ብቛንቛ ዝተሓናፈጹን (cross-ethnics and cross linguistic hybrid): ብሓባራዊ ሓርበኛዊ ክብርታት፣ ብናይ ሓባር ጸገማት፣ ብናይ ሓባር ቃልስታት…ወ.ዘ.ተ ንዘመናት ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ንዘዛሙዶ ሓያል ሰንሰለታት ክትበታትኽ ብቀሊሉ ዝክኣል ጉዳይ ኣይኮነን። ስለዚ ቡዙሓዉነትና ኣብ ክንዲ ተጋራጫዊ ተማላላኢ ዝኾነሉ ናይ መምኸኺ ሓሳባት ቁራዕ (melting pot) ባይታታትን ዋላታትን ብምፍጣር ክንቃለሶ ዝክኣል እዩ። ኣብዚ ተጎስዩ ክሕለፍ ዘይግብኦ ሕብረተሰብናብ ከም ኣባታዊ ማሕበራዊ-ምጣኔሃብታዊ ስርርዕ መጠን፣ ናይ ተባዕታይ ግደ እንዳምለኸ ስለዝኸይድ፣ንጋል-ኣንስተይቲ ጉብዝንኣን፣ ጽባቔኣን ዕዙዝ ጊዴኣ ክብራ ዝግህስ ዕዳ ኮይንዋ ስለዘሎ፣ ነዚ ንምዉጋድ ግደ ኣንስተይቲ ንቀላዓለም ዘይኮነ፣ ብዕትበት ንምርግጋጽ ብትሪ ክስራሓሉ እለዎ። ላዕለዋይ ኢድ ጋል ኣንስተይቲ ሕጂ ኣብ መስርሕ ማሕበራዊ ሰዉራ እንተዘይተራጋጊጹ ጽባሕ እዉን እቲ ግርጭት ኣይክፍታሕን እዩ።
4. ራብዓይ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ጎራባብቲ ሃገራትን፣ ሃገራት ዓለምለኸ ዝፈጠሮ ናይ ኣይኩናትን ሰላምን ተታፋፋኒ ዲፕሎማስያዊ ግርጭታት እዩ። እዚ ግርጭት እዚ ምስ ጂኦ-ፖሎቲክስን ዓለምለኻዊ ፖሎቲካን ተኣሳሲሩ ስለዝግለጽ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። መታን ኣብ ህዉተታ መታን ካየእትወና ብሕጽር ዝበለ ኣብቲ ቀንዲ ኣቶኪረ ክጥሕምሶ እየ።
እቲ ቀንዲ ግርጭት ኣብ መንጎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሕሉፍ ሃገራዉነትን ፣ስርዓት ወያኔ ኤትኒክ ሃገራዉነት፣ ምንዳይ ኣፍደገ ባሕሪን፣ ሓበሻዊ ናይ ሩሑቕ ሃገርነት ጽንፋዉነት እዩ። ዓለምለኸ ምስ ኢትዮጵያ ምጽጋዕ ጥቕምታቱ ስለዘዉሕሰሉ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ዲፕሎማስያዊ ቓል ኪዳን ብምምስራት ኣንጻር ኤርትራ ደዊ ኢሉ ኣሎ። ነዚ ዘይነጽፍ ምትሕግጋዝ ዓለምለኸ፣ ኢትዮጵያዉያን ብምጥቓም ድማ ነቲ ጉዳይ ካብግቡኡ ንላዕሊ ቀይሕ መስመር ብምጥሓስ፣ ንኤርትራዊ ሃገራዉነት ንምድኻምን ንምፍንጣሕን ሓንቲ ካልኢት ናይ ጊዝየ ብዘይሙቁራጽ ይሰርሑሉ ኣለዉ።
ተግባራት መራሕቲ ኢትዮጲያ ንምጥቃስ፡-
1. ኤርትራ ገና ካብ ቀንዲ ኣጀንዳታት ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኮይና ትቕጽል፡፡ ብፍላይ’ቶም ኢትዮጵያውነቶም ኣብ ዕዳጋ ከረጋግጹ ዚግደዱ ሓይልታት፡ ብዋጋ ነጻነት ኤርትራ፡ “ሓርብኝነት” ክለብሱ የዕለብጡ፡፡ ምንጻግ ነጻነት ኤርትራ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዕዳጋ ኢትዮጵያ፡ ገና ኣገዳሲ ሃላኺ ኣቕሓ ኢዩ።
2. ኢትዮጵያውያን፡ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ዘመናት ሃንቀውተኦምን ሕልሞምን ገና ኣይተጸንቀቐን፡፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ካብ ፍርቂ ዘመን ንላዕሊ ዘርኣይዎ፡ ዘይስልኪ፡ ናይ ባሕሪ መሕለፊ “መሰሎም” ገና፡ ብዋጋ ነጻነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ክበጽሕዎ ይጽዕሩ፡፡ እዚ ዘይተገርሔ ባህጊ፡ ተወሳኺ ናይ ሓድሽ ውግኣት ዕድል ዚሓዘለ’ዩ፡፡
3. ንማሕበራዊ ሓይልታት ኤርትራ ብትሕተ-ሃገራዊ መንነታቱ ብምስራዕ፡ ኣብ ምዕባይ ንዝርከብ፡ እኳ ደኣ፡ ካብ ናይ ብሄራትን ክልላትን ዝሰጎመ፡ ሃገራዊ ኣወዳድባ ኤርትራ ንድሕሪት ብምምላስ፡ ኤርትራ ብውሽጣ ናብ እትፍንጠሓሉ መንገዲ ክጸልዉዋ ብብርቱዕ ይሰርሑ።
4. ኣብ ትሕቲ ሽፋን ምውዳቅ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንኤርትራ ካብ ከባቢናን ዞናናን ዓለምን ንምንጻልን ንምድኻምን ዘይሕለል ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ የካይዱ፡፡ ናይ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዚተወስደ ናይ እገዳ ውሳኔ፡ ሓደ ካብቲ ዝገነየ ውጽኢት ናይ’ዚ ወፈራ’ዚ እዩ።
5. ኢትዮጵያውያን ህዝብና ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና፡ ሃገሮም ገዲፎም ንኽስደዱ ዘተባብዕ ፖሊሲታት የዘውትሩ፡፡ መንእሰያትና ብብዝሒ ኣብ መደበራት ናይ ስደት ኢትዮጵያ እናኣከብካ ንምዕራብ ንምስፋሮም ዚካየድ ዘሎ መደባት ሓደገኛቱ ብሩህ’ዩ
6. ኣህጉራዊ ናይ ዶብ ኮሚሽን ዘሕለፎ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንኸይትርጎም ብምሕንጋድ፡ ኣብ ትሕቲ ሽፋን ናይ ዶብ ምውጣጥ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ንህዝብና፡ ንዓመታት፡ ኣብ ናይ ውግእ ኩነታት ንኽነብር ገዲዶሞ፡፡
7. ግሁድ፡ መንግስቲ ናይ “ምቅያር” ቀጥታዊ ኢድ ኣእታውነት ኣዋጃትን መደረታትን ብምስማዕ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ሻቕሎትን ስግኣትን ቅልውላው ፈጢሮም፡፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክህልው ዝነበሮ ዝምድና በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተቕሰ ኢትዮጵያዊ ወስታታት ጥራሕ ኣይኮነን ንቡር መልክዑ ካብ ምሓዝ ዚበርዓነ፡፡ ካብ ተግባራት ኢትዮጲያ ብዘይንእስ፡ ህግደፋዊ ፖሊስን ተግባራትን እውን ዚዓበየ ተራ ኣለዎ፡፡
ካብዚ 7 መሰረታዉያን ነገራት ብምንቃል፣ ኣብ ቅድሚ’ዚ ኩነታት’ዚ፡ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ፡ ፍሉይ፡ ኩሉ ሸነኻዊ መጥቃዕትታት ኢትዮጲያ ብምምካት፡ ልዕላውነት ኤርትራ ዚዕቀበሉ፡ ሃገርናን ዞናናን ሰላምን ርግኣትን ዚረኽበሉ፡ ኩነታት ንምውሓስ ኣበርቲዖም ኪሰርሑ ከም ዘለዎም ንምርኣይ ኣሸጋሪ ኣይኮነን፡፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምውጣጥ ብቐንዱ ምናልባት፡ ኣብ ዞናና ናይ መን መርሔ፡ መን ዓብለለ፡ ኮይኑ፡ እንተወሓደ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ንምርካብ ንግዝኣታዊ ሓደነት ኤርትራ ዚፈታተን፡ እንተተኻኢሉውን ንኤርትራዊ ነጻነት ናይ ምቕልባሱ ኢትዮጵያዊ ሃንቀውታ ዚተሓዋወሶ ኣዩ፡፡ ክሳብ ህግድፍ ኣብ ኤርትራ፡ ህወሓት ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ስልጣን ዚህልዋ፡ ምናልባት’ውን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት፡ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ክሳብ ዚተኣታቶ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሉእ ፍታሕ ክረክብ፡ ንቡር ናይ ክልተ ነጻ ሃገራት መልክዕ ክሕዝ ኣሸጋሪ ምዃኑ’ውን ተረዲና ኑጹር ስትራተጂን ስልቲን ክህልወና ይግባእ። ንዝኾነ እብ ልዕላዉነት ኤርትራ ዝስንዘር ወትሃደራዊ መጥቓዕቲ ክንኩኑኖን ስግሩ እዉን ምስ ህዝብና ደዉ ክንብል ከምዘሎና ንግምግም።
ብዛዕባ ጅቡቲ እንተኾይኑ ለጠፍን ኣብ ምስሳይ ምጣኔ-ሃብታዊ ረብሓ ዝተሞርኮሰ ንቡር ንጥፈት እዩ። ጅቡቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ግርጭት መዝሚዛ፣ ወደባታ ኣፍደገ 85 ሚልዮን ህዝቢ ብሙኻን 1.4 ቢልዮን ዶላር ንዓመት ተእቱ ኣላ ። እዚ ድማ ኑቡር ሃገራት ዘካይድኦ ምጣኔሃብታዊ ስትራተጂን ስልቲን እዩ። ናይ ካልኦት ሃገራት ግርጭት መዝሚዝካ ረብሓታትካ ምርግጋጽ እንበር፣ ተጻራሪ ኣይኮነን። ከምኡእዉን ምስ ሱዳንን የመን ዘሎ።
ምስ ካባና ወጻኢ ዝኾኑ ኣብ ጋድማዊ ግርጭት ዝስርዕኡ ብኸመይ ክንሰርሕ ንኽእል?፣-
ከምቲ ሉሙድ ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ዝተሰርሓሉ ምሕዝነት፣ ኪዳን፣ ባይቶ-ኣዋሳ፣ ተዳሙን፣ ስሙር ግንባር፣ መድረኻዊ ምዉህሃድ…ወ.ዘ.ተ ሓፈሻዊ ዋላ ጽላል (Umbrella, Platform) ዘይኮነስ፣ መሰረታዊ ቅዲ-ሓሳብ ለዉጢ (paradigm shift) ዘታኣታቱን ንዘሎ ባይታ ዝልዉጥ፣ ተዛማዲ ሓደ ኣታሓሳስባ (maximum programme ) ኣብ ኣዝዮም ዓበይቲ ሃገራዊን ሲቪክ ኣዕኑድ ዝተሰረተ፣ ብዝተፈላለየ ቅርጻ፣ ኣብ ጹኑዕ ሓድነት ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒት ዝተሞርከሰ፣ኣብ ዕቱብ ሓድነታዊ ኣታሓሳስባን ግብሪ ዝተሞርከሰ ዋላዊ ስርሓት ንምስልሳል እዩ። ዝፍጠር ዋላ ብዝተሓተ ነጥቢ ምስምማዕ (ጥራይ ኣብ ናይ ሓባር ጸላኢ ምህላዉ) ዘይኮነ፣ ዓበይቲ ሃገራዊን ሲቪክ ኣዕኑድ ምስምማዕ ክኸዉን ኣለዎ። ናይ ሓባር ጸላኢ ጥራይ ምህላዉ ኣብ ናይ ሓባር ዋላ ክንበጽሕ ኣይክኣልን እዩ። እቲ ምንታይስ ኣብዚ መድረኽ ሰለስተ ጥርዚ ዘለዎ ስትራተጂ እዩ ዝጽበየና ዘሎ። ንሱ ድማ፣-
1.ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምእላይ።
2.ኣብ ዕኑኡ መሳጋገሪ መንግስቲ ምክንዋንን ሃገራዊ ዕርቂ ምክያድ።
3.ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ምትካል ብምኻኑ እዩ።
ናብዚ ናይ ቀረባን ርሑቕ ስትራተጂ ንምብጻሕ ነጥቢ ስምምዕ ዘድልዮም ዓበይቲ ሃገራዊን ሲቪክ ኣዕኑድ፣-
1.ኣብ ኤርትራ ዘሎ ትኹላዊ ግርጭት ኣብ መንጎ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ብዘይ ኣፈላላይ መላእ ጭቑን ህዝቢ ኤርትራ ምኻኑ ምስ ዝርዕሙ።
2.ሕቶ ዲሞክራሲያዊ መሰል፣ ሲቪክ መሰል ምኻኑ ዝርዳእን፣ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ (ሰብኣዊ መሰላት)ሓርነት፣ ማዕርነት፣…ወ.ዘ.ተ ንምርግጋጽ ዝቃለስ ምስኸዉን።
3.ሕቶ ዲሞክርስያዊ መሰል ንሓደ ዉልቀ-ዜጋ ዘማእከለ ምኻኑ ዝርዳእን ዝእመንን፣ ወሳኒ ግደ ዜጋ ንምርግጋጽ ዝቃለስ ምስ ዝኸዉን።
4.ሕቶ ሃገርን ህዝቢ ብሓሳብን ብግብሪ ልዕሊ ጉጂላዊ ረብሓታቱ ዘቀድም።
5.ንሃገራዊ ናጽነትን ህዝባዊ ልዕላዉነት ፈጺሙ ዘይጻባእን ዝዕቕብ ብግብር ምስ ዝኸዉን።
6.ኣቀዲሙን ኣብ እዋን ሓርበኛዊ ቃልሲ ዝሰረጸ ኤርትራዊ ሲቪክ መንነት፣ ሲቪክ ሃገራዉነትን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘዕቁብን ንምትራሩ ብግብሪ ዝሰርሕ ምስዝኸዉን።
7.ብግዝኣት-ሕጊ ዝኣምንን፣ ብዝተሳማማዓሉ ሕግታትን ሕጋጋት ርዒሙ ሙኡዙዝ ንገዛእ ርእሱን ንህዝቡን ምስ ዝኸዉን።
8.ካብ መሳሪሒ ናይ ግዳም ሓይልታት ናጻ ምስ ዝኸዉንን ካብ ጸቢብን ትሕተ-ሃገራዊ ዝንባሌታት ዝተናገፈ፣ ኣብ ኤርትራ ብሰላም ብሓባር ንምንባርን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝቃለስ ምስ ዝኸዉን።
9.ንሃገራዊ ናይ ጸጥታ ስትራተጂ(National Security Strategy) ኣብ ሓደጋታት ዘየሳጥሕ።
10.ኣብ ኤርትራ ሃገራዉነት ብዘይ ዕልማዉነት (secularism) ዝተማልኤ ክኸዉን ስለዘይክእል፣ ፖሎቲካ ካብ ሃይማኖት ፈልዩ ዝቓለስ ምስ ዝኸዉን።
11.ጥዕና ዘለዎ ዞባዉን ዓለምለኻዊ ኣብ ማዕርነትን ምክብባርን ናይ ሓባር ሽርክነት ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ዘሳላስል ምስዝኸዉን እዩ።
12.ካብ ጉጂላዊ ኣታሓሳስባ (Group-think) ዝተናገፈ ምስ ዝኸዉን።
ኣብዘን መሰረታዉያን ጉዳያት ክንራዳዳእ እንተዘይተኻኢሉ፣ ብሓባር ኣብ ሓደ ዋላ ምስራሕ ኣጸጋሚ ክኸዉን እዩ። እቲ ዕላማ ዘተና ኣብ ኩሎም ወሰንቲ ሃገራዊ ሞቖምያታት ብምስምማዕ ናብ ሓደ ዘይምእኩል ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ብሓደ ዓቢ ቻርተር (Grand Charter) ዝምራሕ ናይ ጸቕጥን ለዉጢን ኡግሚ (Potential) ንምፍጣር ስለዝኾነ እዩ።
ኣብዚ ዋላ እዚ ንዝተፈላለየ መልክዕ ዉደባ ዘለወን ብሓባር ከስርሕ ዝኽእል እዩ። ንሱ ድማ ፖሎቲካዊ ዉድባትን ሰልፋዊ ቅርጻ፣ ሲቪል ምንቅስቓሳትን ሲቪክ ናይ መሰረታት ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ ክሳብ ንዉልቀ-ዜጋን እታ መሰረት ሓደ ሕብረተሰብ ዝኾነት ስድራቤት ኣብ ግምት ዘተወ እዩ። እዚ ዝተፈላለየ ቅርጻታት ንመትከላት ሲቪክ ሃገራዉነት ከዕዉት እንተተሳማሚዑ፣ ንካልኦት ኣብ ዚ ዋላ ዚ ዛጊት ዘይኣተዋ እዉን ከፋት ኣፍደገን ዘታባብዕን ኑጹርን ኣሳታፊን ቅርጻ ዘለዎ እዩ።
ኣማቓርሓ ናይ ስራሕ መዝነት፣-
መስራቲ ኮንፈረንስ ዋላ – ብመንግዲ ውክልናን ምርጫን – ባይቶ ዋላ (Parallel voting or mixed voting system) የቕውም። እዚ ማለት ኣብቲ ዋላ ዝኣትዋ ምንቅስቃሳት ሕቶ ተሳታፍነተን፣ ሕቶ ተወካልነትን ሕቶ ብቅዓት ማለት ቡቁዕ ሰብ ናብ ዝሞልኮ ስራሓት (action oriented) መልክዕን ትሕዝቶን ዘለዎ ባይቶ ንምምራጽ መታን ክእኽእለና፣-
1.ነፍስወከፍ ምንቅስቃስ ብዲሞክራስያዊ ኣጋባብ ኣብ ዉሽጣ ዝተመርጸ፣ ብቀጥታ ኣባል ባይቶ ዋላ ዝኸዉን ሓደ ተወካሊ ኣባል ትሰድድ። እዚ ድማ ንሕቶ ተሳቶፍነትን ሕቶ ዉክልና ከራጋግጽ እዩ።
2.ምስ እዚ ኣቀዲምና ዝጣሕመስናዮ፣ ካልኦት ተወከልቲ ኣባላት ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፎም፣ ብኣባላት ዋዕላ ንኣባልት ባይቶ ብዉድድር ዝምረጹ ድማ ይስደዱ ማለት እዩ። እዚ ድማ ንሕቶ ተሳቶፍነት፣ ሕቶ ዉክልናን ሕቶ ብቕዓት ከራጋግጽ እዩ። ፈጻሚ ኣካል ክምረጽ እንኮሎ ቡቁዕ ሰብ ንዝበቕዖ ስራሓት(action oriented) መሰረት ብምግባር ይምረጽ።
3.እቲ ዝቀዉም ባይቶ ሓጋግን ፈጻም ኣካላቱ ዝተማጣጠነ ፖሎቲካዊ ስልጣን (Balance of power) ሃሊዎ፣ ብጥምረት እንዳሰርሔ ነንሕድሕዱ ዝታሓሳሰብን ዝማላላእ (check and balance) ክኸዉን ኣለዎ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ፈጻሚ ኣካል ወይ ዋናጽሓፊ ፈጻሚ ኣካል ነቲ ባይቶ ዘይዕብልለሉ ወይ ብምልኣት ከምዘይጸልዎ ንምግባር ንባይቶ ዝእክብ፣ ክትያን ሙሉእ ስልጣን ዘለዎ ኣካቢ ባይቶ ክህሉ ኣለዎ።
ዋዕላ ንኣባላት ባይቶ ዋላ ይመርጽ። ዝተመርጸ ባይቶ ኣቀዲሙ፣ ንዋና-ጽሓፊ-ልፍንቲ (ኣካያዲ ፈጻሚ አካል)፣ ኣካቢ-ባይቶን ጠቕላል ተቖጻጸርን ይመርጽ፣ ቀጺሉ ድማ ንፈጻሚ ኣካል ይመርጽ። ዋና-ጽሓፊ ልፍንቲ ንሓለፍቲ ክፍልታት ይሮቕሕ፣ ብቅዓቶም፣ ተወፋይነቶም፣ ድልዉነቶም…ወ.ዘ.ተ ብሓጋጊ ኣካል ልፍንቲ ተመዚኑ ይጸድቀሉ። ትሕቲ ምምቕራሕ ስራሕ ጽሓፍት ክፍሊታት ዘሎ ናይ ተሓጋገዝቲ-ጽሓፊቲ እዉን ብጽሓፍቲ ክፍሊታት ይሩቑሑ ንኣቦ ወንበር ይቀርበሉ፣ ኣቦ ወንበር ምስ ሓጋጊ ኣካል ብምርድዳእን ብምትዕግጋብን ይጽድቕ።
መዛዘሚ ኣማላኻኽታና፣-
1.ቀዳማይ ዝዓበየ ጸገምና ባህርያዊ ግርጭት ድርቂ፣ጥሜት፣ድንቁርና…ወ.ዘ.ተ እዩ።
2.ቀዳማይን ትኹላዊ ግርጭት ኣብ መንጎ ጭቛኒን ተጭቛኒን ዘሎ ግርጭት ምስ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ።
3.ምስ ካልኦት ኣዘመዉቲ ናይ ፖሎቲካ ሓይልታት፣ መሰረታዊ ናይ ስልትን ስትራተጂን ፍልልያት እኳ እንተሃለወና፣ ክሳብ ቀጥታዊ ጨቖንቲ ዘይኮኑ፣ እቲ ግርጭት ጋድማዊ እዩ።
4.ምስጎዶቦና ሃገራት ሱዳን፣ኢትዮጵያ፣ ጁቡቲ…ወ.ዘ.ተ ክሳብ ልዕላዉነት ሃገርን ህዝቢ ጥሒሰን ኣካላዊ ወራር ዘይፈጸማ እቲ ግርጭት ጋድማዊ ኮይኑ፣ ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣይኪናት ኣይ ሰላም ስለንርከብን፣ ኣብ ዉሽጢ ልዑላዉነት መሬት ኤርትራ ጎቢጦም ብምህላዎም ምስ ኣቀዲመ ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስክዎ ድንዕታታ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፣ እቲ ግርጭት ንሓንሳብ ትኹላዊ ንሓንሳብ ጋድማዊ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። ከከም ኣማጻጽኡ ድማ መልክዕ እቲ ግርጭት ክሕዝ ይኽእል።
ስለዚ ቀዳማይ ክፍታሕ ዘለዎ ግርጭት ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘሎ ግርጭት ከምዝኾነ ንመዝን። እዚ ግርጭት እዚ እንተድኣ ተፈቲሑን ቅዋማዊት ኤርትራ እንተተራጋጊጹ፣ ኩሉ ጋድማዊ ግርጭታት ብሙሉኡ እኳ እንተዘይኮነ መብዛሕትኡ ክፍታሕን ክማሓደርን ስለዘኽእል እዩ።
20/04/2013

ታሪኽ ወያናይ ኣቶ የማነ ኪዳነ(ጀማይካ) ፥ ምኣስ ናብ ህግሓኤ ከምዝተሰልፈን፥ ከመይሉ ናብ ወየንቲ ከምዝተጸንበረን ተዘንቱ ቪድዮ ምዃና ኢዩ።

ታሪኽ ወያናይ ኣቶ የማነ ኪዳነ(ጀማይካ) ፥ ምኣስ ናብ ህግሓኤ ከምዝተሰልፈን፥ ከመይሉ ናብ ወየንቲ ከምዝተጸንበረን ተዘንቱ ቪድዮ ምዃና ኢዩ።

ቅድሚ ኣብ ቃለ-ምልልስ ጀማይካ ርእይቶ ክህብ ምፍታነይ ኣብ ጉዳይ ኤርትራዉነትን ኤርትራዊ ዜግነትን ርእይቶይን እምነተይን ከነጽር ይደሊ። ኣነ ብዉልቂ ይኹን ብምንቅስቓስ ከምዚ ዝስዕብ ፡-
1. ኤርትራ ናይ ዜጋታት ሃገር (civic nation-state) ሙኻና ይኣምን።
2. ፖሎቲካዊ ዜግነት ምስ ናይ ዜጋታት ሃገርነት ብቀጥታ ስለዝታኣሳሰር፡ ኣብ ኤርትራ ዜግነት ብሕጊ፡ ብ ናይ ሕጋዊ ወይ ርትዓዊ ስልጣን (rational form of legitimacy)ክዉሰን ኣለዎ ይብል።
3. ዜግነት ኣብ ሃይማኖት፡ ደም፡ ሕብሪ…ወ.ዘ.ተ ዝተሞርከሰ ክኸዉን የብሉን ይብል።
4. ኤርትራዊ ሃገርነትን ኤርትራዊ መንነትን ካብ ናይ ዜጋታት ሃገርነት ትሕዝቶን መልክዕን ወጻኢ ቁምነገር ከምዘይብሉ ይመዝን።
ስለዚ ንሓደ ሰብ ብደሙ፡ ብሃይሞኖቱ፡ ብሞቦቆሉ…ወ.ዘ.ተ ዘይኮንኩ ዝመዝኖ፡ ብመርትዖ ዘለዎ ብዝፈጸሞ ገበናቱ ጥራይ እየ ዝኸሶ። እምነተይ ከምዚ ኮይኑ፡ ብኣሕዋትና ተጋሩ ከም ብዓል ስብሓት ነጋ፡ ነፍስሔር መለስ ዜናዊ፡ ካልኦት ኢትዮጵያዉያን ይኹን ኤርትራዉያን ብልጭ ብልጭ ዝብል ክስታት፡ ጥቆማታትን ሓቤሬታትን ዘረባታት ጸኒሑ እዩ። ንሱ ድማ ኣብ ክልቲኡ ስርዓታት ዘለዉ ላዕለዎት ሰበስልጣን ደማዉን መቦቆላዉን ዝምድናታት ከምዘለዎም ዘተንብህ እዩ። ሕጂ ድማ ኣቶ የማነ ኪዳነ(ጀማይካ) ጸቂጡን ኣነጺሩን ገሊጽዎ ኣሎ። ስለዚ እዞም ኣህዛብ ንኣህዛብ ኣብ ሽግር ዘሳጡሑ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓታት ወያኔን ህ.ግ.ደ.ፍን ብደም ቤተሰብ ሙኻኖም ኣነጺርካ ምፍላጥ ከድሊ እዩ። ኩሎም ድዮም እንተተባሂሉ ኩሎም ኣይኮንኩን ግን እቶም ኣብ ወሰንት ቦታን ጽፍሕን ሒዞም ዘለዉ ክብሃል ይክኣል።
ነቲ ኣቀዲሙ ከም ወረታት ዝዝርጋሕ ዝነበረ፡ ሕጂ ንምርግጋጹ እንታይ ስለዝተረኽበ፡ ስለዝተደልየ’ዩ ፡ ኣቶ የማነ ኪዳነ (ጀማይካ) ነቲ ቃለ-ምልልስ ኣካይድዎ? እዚ ናይ ሎሚ ቃለ-ምልልሱ ካብቶም ካልኦት ዉጥም ቅልቅል ዘብሉ ዝነበሩ ብዝተነጸረ ንሙቕራቡ ዝፈጠሮ ቀንዲ ድርኺቱ (motivation) ዕላማን እንታይ ሙኻኑ ብኣእሙሮና ዘይንግምትን ዘይንፈልጥን እንተኼና እቲ ዕላል ወይ ዘረባ እዉን ክርድኣና ኣይክእልን ስለዝኾነ፡ ናይ ገዛእ-ርእስና ግምታት ኣቀዲምና ክህልወና ኣለዎ።
ብዝኾነ ታሪኽ ኣቶ የማነ ኪዳነ (ጀማይካ) ናይ ሓደ ዓቢ ተቃላሳይ ታሪኽ ካብ ዓለምለኻዊ ተቃላሳይ (ካብ ሰፊሕ) ናብ ናይ ብሔራዊ ተቃላሳት (ኣዝዩ ጸቢብ) ዝተሸምቀቀ እኳ እንተኾነ፡ ኣምሳል (ወካሊት) ነቲ ኣብቲ እዋንቲ ታሪኹን ታሪኽ መዘናታቱ ዝነበሩ እትገልጽ እዉን እዩ። መንእስያት 1960 ታት 1970 ታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራዉያን፡ ተጋሩ፡ ኦሮሞ…ወ.ዘ.ተ ልክዕ ከምዚ ናይ ኣቶ የማነ ኣታሓሳስባታትን ተቦግሶታትን ዝነበሮምን ዝነበረናን ኢና። ካብዛ ቃለ ምልልስ እዚ’ኣ ንናይ ምቅላስ መንፈስ ናይቲ ወለዶ’ቲ ኣብሪሃ ትገልጽ። ኣንካይዶ ኣብ ኤርትራ ኢትዮጵያ ናብ ሞዛምቢክ ከይዱ ንክቃለስ እዉን ይሓስብ ከምዝነበረ ብንጹር ገሊጽዎ ዘሎ እዩ።
እቲ ካልኣይ ብንጹር ዘይተባህለ የግዳስ ኣብ መንጎ ክልተ መስመራት ረቂቅ ዘብርሆ ነገር እንተሃሊዩ፡ ኣቀድም ኣቢሉ ኣብ ጊዝየ ቃልሲ፡ ቀጺሉ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ፖሎቲካዊ ስርዓት ወያኔን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘሎ ምትእስሳራትን ግርጭታት፡ ኣብቲ ነንሕድሕዶም ዝነበሮም ምትሕግጋዛትን ናይ ሓባር ጥሙሓትን ዝተሞርከሰ ሙኻኑ እዩ። እቲ ምትሕግጋዛቶም ካብ ናይ ቅርቢ ኣፍልጦን ቅድመሱሩት- ዝምድናታቶም ከምዝኾነ እዉን ብንጹር ኣቀሚጥዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ዉሳኔ፡ ሓርነቱን ናጽነቱን ዘሳላስል ፍትሓዊ ቃልሲ ከም ሃገራዉያንን ዓለምለኻዊ ተቃለስቲ ኮይኖም ብምጽጋዕን ብምስታፍን፡ ከም ቀንዲ ወሰንቲ መራሕትን ናይዘን ክልተ ሃገራት(ናይ ኢትዮጽያን ኤርትራን )፡ ናይ ፖሎቲካ ጨለታ (political elite) ንክኾኑ በቂዖም ኣለዉ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለየ ዛዕባታት ከም፡ ናይ ዶብ ሕቶ፡ ናይ መንነት ሕቶ፡ ናይ ምጣኔ-ሃብቲ ሕቶ …ወ.ዘ.ተ እንዳልዓሉ ብምትፍናንን ኪናት ብምእዋጅን የታሃናኩትዎ ኣለዉ፡፡ ኣብ መንጎ ናይ ተጋሩ መቦቆል ዘለዎም ቤተሰብ ማለት ብቅድመሱሩት-ዝምድናታቶም (primordial relation) ዝተኣስሳሰሩ፡ ኣብ ትግራይ ወይ ኣብ ኤርትራን ዝዓበዩን ናይ ኢትዮጵያ ወይ ናይ ኤርትራ ዜግነት ዘለዎም ኮይኖም፡ መን ዓብለለ ወይ ድማ መን መርሔ ናይ ዝብል ደርባዉን ፖሎቲካዊ ዉድድር ሙኻኑ እዩ። ነዚ ዘራጋግጽ ኣብ ዉሽጢ ወያኔን ህ.ግ.ደ.ፍን ብዙሕ ጭብጥታትን ዝርዝራትን እኳ እንተሃለወ መታን ካይገፍሓኒ ንጊዚኡ ከወንዝፎ እየ።
ሕቡራትን ኣዝዮም ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝፈልጡ በላሕትን ስለዝነበሩ፡ ብመንጽሩ ኣዝዩ ኣማኒን ገርሄኛ ህዝቢ ስለዝረኸቡ ነንሕድሕድና ኣታሃናኪቶም እዮም። ንፖሎቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝተሓላለኽ ብምግባር ኣንፈትና ኣጥፌና ተስፋ ቆሪጽና ናብ ኣላሽ ንብለሉ ክዉንነት ብምዉዳቕን ብምዕንዛርን ሲዒሮሙና እዮም። ሕጂ ስዕረትና ተቀቢልና ነቲ ዘሎ ኩነታት ናብ ንቡር ኩነት ኩነታት (Status Quo) ክንቕይሮ ክንቃለስ እንተድኣ ኼና፡ ብልክዕ ገዛእትና ክንፈልጥ ኣሎና። 99% ዝኣክል ሕብረተሰብ ብ1% ዘይኣኽሉ ጉጂለ ቁንጣሮ-ሰባት ኣይምለኽን ማሃነኑ ጠፊኢዎ ኣይባታተንን እዩ። ነዚ በጺሖሞ ዘለዉ ደረጃ ንክበጽሑ ተቃሊሶም ዝበጽሕዎ ሙኻኑ እዉን ክንፈልጥ ኣሎና። ሕጂ ብስንፍናኻን ብዕንዝርናኻን ዝወረደካ ምዓት “ተጋሩ” ስለዝኾኑ እዮም፡ ከምዚ ዝገብሩና ዘለዉ ኢልካ ምምራርን ነቲ ቃልሲ ደማዊ ወይ ኤትኒካዊን ሕሉፍ ሃገርነታዊ ትሕዝቶ ምትሓዙ’ዉን መፍትሒ ኣይኮነን። እቲ ምንታይስ ከምቲ ተዋድደሎም ንሳቶም እዉን ኣዋዲደሙልና ከምዘለዉ ናብታ ኣዋዲዶሙልና ዘለዉ መጻወድያ ካይንኣቱ ክንጥንቀቅ ኣሎና። ብሓቂ እዉን እምብኣር ከምኡ ስለዝኾኑ እዮም፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣሳጢሖሙና ብምባል ንማራር እንተኼና፡ እቶም 99% ኤርትራዊ ደም ዘለዎም ኣብ ዝላዓለ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘለዉ ከ እንታይ ኮይኖም እዮም ትም ኢሎም ዝዕዘቡ፡ ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ኣዕጋቢ መልሲ ዘይርከቦ እዩ። ስለዚ ስንፍናናን ዕንዝርናናን ኣለሊና፡ ንሳቶም እንታዎት ሙኻኖም ፡ምትእስሳራቶሙን ዝምድናታቶሙን፡ ዝጥቀሙሉ ኣጋባባት ምፍላጦም ኣገዳሲ እዩ። ንገዛእቲኻን ዝጥቀሙሉ ሜላታት ብልክዕ እንተፈሊጥካ ብኸመይ ትስዕሮም እዉን ክትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ናይ ሓሳበይ ብትሪ ክመኽሮ ዝደልዮ ቁምነገር እንተሃሊዩ፡ ቃልስና ካብ ደም፡ ሃይማኖት፡ መቦቆል፡ ዓሌትነት፡ ጽበትን ጸግዕተኛነት ኣርሒቅና ርትዓዉነትን ፍትሓዉነትን ዘለዎ ቃልሲ ክንቃለስ ኣማራጺ ዘይብሉ እዩ። ነዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ብግቡእ ስለዝተረዳእኩን ዝመመኹን እየ ድማ፡ ናይ ዜጋታት ሃገራዉነት ዝኣምንን፡ ኣብ ሲቪክ ዲምክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ተወዲበ ዝቃለስ ዘለኹ።
ወድሓንኩም!!!
መርእድ ዘርኡ
18/02/2017

ሓቤሬታ

ሓቤሬታ ኣብ ሂወትና ወሳኒን ፍርቂ ናይቲ ክንገብሮ ዝግብኣና ጻዕርታት ዝዓምም’ዩ። ሕቡር ህዝቢ ፈጺሞ ደርበስበስ ዝብልን ዝደልዮን ዝገብሮ ብግቡእ ዝፈልጥ እዩ። ሓቤሬታ ኣብ ተኽእሎታት፡ ምናልባትነታት፡ ሓቂን ሓሶትን ተሞርኪሱ ዝዝርጋሕ ስለዝኾነ፡ ነዚ ክነፊ ዝኽእል ጥበብን ኣፍሉጦን ክህሉ ኣለዎ። ብቀንዱ ኣብ መንጎ ሓቤሬታን፡ ወሬን ፍልጠትን ዘሎ ፍልልያትን ምትእስሳራትን እዉን ኣብ ግንዛቤ ክኣቱ ዘለዎ እዩ። እንተኾነ እዚ ኣቀዲሙ ዝተተንብሄ ኣባሃህላ ንኩሉ ወዲሰብ ወይ ኣህዛብ ከም ስኒ-ኣድጊ ብማዕረ ዘገልግል ትዕድልቲን ኣጋጣሚታት ኣይኮነን። እቲ ምንታይስ፡-

1.ኣብ ዓዉላማዊ ምሕደራ ፣ ስነ-ኪነታዊ ሰዉራ ንመራኸቢታትን ሓቤሬታ ንዓለምና ንኑእሽቶ ቁሸት ኣብ ዝቐየረላ ዘመን ፡ ነቲ ብሳጹን ናይ ኢንተርኔት መራኸቢታት (internet modems) ዝዉሕዝ ሓቤሬታ ብእብረን ብብስለትን ክትንትንን ክመዝንን ዘኽእል ባህላዊ ምዕባሊ እንተዘይብልካ፡ እቲ ሓቤሬታ እንተዘይጎሲምካዮ ዘይትሓበርካ ይመስለካ፡ እንተጎሲምካዮ ድማ ዘይከዉን ሓቤሪታ ኣስኒቁ፡ መኣዝን ኣእሙረኻ ይጠዉየካ። ኣብ ከምዚ ክዉንነት ርግኣትን ብሰለትን እንተዘይሃልዩ ሰባት ኣብ ካሊኢታት ናይ ጊዝየ እንዳራኣኻዮም ካብ ኣመና-ጸጋም ንኣመና-የማን፡ ካብ ኣመና-የማን ንኣመና-ጸጋም፡ ካብ ንቡር ናብዘይንቡር፡ ካብ መሎኮታዊ ናብ ሰይጣናዊ…ወ.ዘ.ተ ክቕየሩ ይራኣዩኻ። ንሳቶም ንገዛእ ርእሶም ሓቤሬታ ከምዝቐየሮም ንኣታሓሳስብኦም ክግምቱ እንከለዉ፡ እቲ ሓቂ ግን ግዳያት ናይ መራኸቢን ማሕበራዊን መራኸቢ-ቡዙሓን ሙኻኖም እዮም።
2.ብመንጸር ምዕዋት ስነ-ኪነታዊ ሰዉራ ንመራኸቢታትን ሓቤሬታ፡ እዚ ኣዉንታዊ ምዕብልና ድማ፣ ደቂ ሰባት ብሳጹን ናይ ኢንተርኔት መራኸቢታት (internet modems) ተጨዉዮም፣ ኣካላዊ ማሕበራዊ ርክክብ እንዳማእደደ ስለዝኸይድ ማሕበራዊን ኣካላዊ ተነጽሎታት ፈጢሩ ኣሎ። ኩሉ ሕብረተሰብኣዊን ፖሎቲካዊ ሽግራት ንምፍትሑ፣ ሕቶ እንካን ሃባን ስለዝኾነ፣ ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ብኣካል ተራኺቦም ሽግራቶም ብእንካን ሃባን ዝፈትሑ ድማ፣ ሽዉሃት ድሌታቶም ንምዕጋብን ኣትሓሳስባታት ደቂ ሰባት ንምሙቛሕን ንምቁጽጻሩ ናይ ብማዕዶ ብድምጽን ብጽሕፍ ኪናት ዘካይድሉ ኮይኑ ኣሎ። ዉጽኢት ናይ ከምዚ ንጥፈታት ድማ ንሕብረተሰብ ነንሕድሕዱ ከምዝናጻጸልን ንትኹላዊ ምትፍናን ከምዝድቕደቕ ገይርዎ ኣሎ።
3.እቲ ብሰንኪ ዝንቡዕ ሓቤሬታን “ኢሎሞ ወይ ተባህለ” ተባሂሉ ዝዝረብ ዘረባታት ድማ ናይ ለቃሕን ዝንቡዕን ስለዝኾነ መዓልቲ መጸ ቀዋምነት ዘይብሉ ዝቃያየር መርገጺታትን ኣንፈቱን ደረቱን ዝሳሓቴ ፍጻሜታት ይኸዉን። ሎሚ መዓልትን ለይትን ከም ሓደ ከቦሮ-ሃራማይ ኣብ ጊዝያት ጥሪ ክትሳራሰር ትዉዕልን ትሓድርን ፡ ንጽቢሒቱ ድማ ከምዚ በረድ መኺኻ ትተርፍ። ሕሉፍ ሓሊፉ ነዚ ተሞክሮኻ’ዚ ከምዘይትዝክሮ ስለዝገብረካ ቀጻሊ ንኸምዚ ዓይነት ፍጻሜታት ኣብ ቀጻሊ ዘየቛርጽ ዓንኬል ኣብ ምድግጋም ትነብር።
4.እቶም ግዳያት ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝኾኑ ደቂ ሰባት ብገጸ-ባህርያቶም፡ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊ ክብደታቶም፡ ኣዝዮም ደቀቕትን ጽሙኣት ብብቕዓት-ኣእሙሮ ከንሶም፡ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ልክዕ “ክንዲ ጎቦ ወይ ኣዝዮም ለባማትን ፈላጣትን” ከምዝኾኑ ከምዝስምዖም ስለዝገብሮም፡ ደረቶሙ፡ መሰላቶሙን ግቡኣቶም እዉን ብልክዕ ስለዘይፈልጡ (ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝፈጠሮም ጋኔናት) ስለዝኾኑ፡ ቀጻሊ ክጻረፉ፡ ከሽካዕሉሉ፡ ህዝቢ ከዋሩዱ፡ ታሪኽ ክዘናጥሉ፡ ልዕሊ ዓቕሞም ዛዕባታ ኣልዒሎም ከራኽሱ…ወ.ዘ.ተ ይዉዕሉንብ ይሓድሩን።
5.ንመረዳእታ ማዕረ ክንደይ በተን ቀንዲ-ዓበይቲ ምንጭታት ዜና ዘየሎን ዝተዛናብዔ ሓቤሬታ ከም ማይ ኣሂ ከምዝዘንበልና መርትዖ ከቕርበልኩም፡- ከምትፈልጥዎ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ንምርጫ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ኣመልኪቱ፡ ኣሜሪካ ንሩስያ “ ነቲ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ንምጽላዉ ሩስያ ብቀርሰንት-ኢንተርነት ኣቢላ ስለያዊ ስርሓት ኣካይዳ” ዝብል ክሲን ፖሎቲካዊ ጎስጎሳት ብጽዑቕ ድሕሪ ምክያዱ መንግስቲ ኣሜርካ ገለ ክፋላት ዲፕሎማስያዊ ኣባላት ሩስያ ካብ ኣሜርካ ንሃገሮም ከምዝሱጎጉ ገይራ እያ። እዚ ፍጻሜ እዚ ምስተሰምዔ ብቕጽበት ቢቢሲ ፑቲን ተማሳሰሊ ግብረመልሲ ክወሲድ ሙኻኑ ብድፍረት ኣቓሊሓ። ብመንጹሩ ግን መንግስቲ ሩስያ ተማሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘይኮነ እዩ ሓቢሩን ተማሳሳሊ ስጉምቲ እዉን ኣይወሰደን። ብመንጽር ክሲ ኣሜሪካ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳይኩም ዝኣተዉ እቶም መሻርኽትኹም ጀርመን፡ ዓዲ-እንግሊዝን ፈረንሳን እንበር ኣነ ኣይኮንኩን ትብል። ማዕረ ቢቢሲ ዝኣክል ትካል መራኸቢ ቡዙሓን ከምዚ ዓይነት ሓሶት ክዝርግሕ ዝኾነ ሰብ ዝጽበዮ ኣይኮነን! ዋላ ክሳብ ሕጂ ቢቢሲ ንሰማዕቱን ኣንበብቱን ይቕሬታ ኣይሓተተን ዘሎ። ስለምንታይ ኢልና ንነብስና እንተሓቲትናያ ዝተለምደ መዓልታዊ ዝካየድ ፍጻሜታት ስለዝኾነ እዩ።
6.ብፍላይ ብሃቦ ተረኽቦ፡ ብተባህለ፡ ብተንኮልን ዉዲት…ወ.ዘ.ተ ዝብተን ወሬታት ኣብ ካልኢታት ናይ ጊዚየ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስለዝዝርጋሕን፡ ንክትዝርግሕ ዘታባብዕ ሓለፋታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ስለዘእንግደካ፡ ነዚ ሓለፋ ኣብ ክንዲ ኣብ ሃናጺ ማዓላታት ትጥቀመሉ ንኣሉታ ማዓላ “ብመሰል ናይ ምዝራብን ሓሳባትካ ናይምግላጽን” ተጎልቢቡ ክዝዉተር ከምዝክኣል ኩሉ ነባቢ ዝስሕቶ ኣይኮነን።
7.ብሳጹን ናይ ኢንተርኔት መራኸቢታት (internet modems) ዓበይቲ ገበናት ይፍጽሙ።……………ወ.ዘ.ተ። ኩሉ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝዝርጋሕ ሓቤሬታ ንሽዉሃትና ንምዕጋብ፡ ንዉድቀትና ንምኽዋል፡ ንጽልእታትና ቂምናን ሕነ ንምፍዳይ፡…ወ.ዘ.ተ ተባሂሉ ንምድንጋርን ምምሕዳግ ሓቐኛ ሓቤሪታ (deception & disinformation) ሙኻኑ እንዳተፍልጠ ከንስና፡ ከም መርትዖ ዘለዎ ሓቂ ወሲድና ጊዝየና ንኸንቱ ነባኽነሉ።

መራኸቢ ብዙሓን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ (Mass media & Social Media) ከም ዓቢ ናይ ለውጥን ቊጽጽር ትካል መጠን፡ ንመስላትን ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ምቕላሕ፡ ንዘይሕጋዊ ግህሰታት ዜጋታት ምቅላዕ፡ ንሽርሕን ጉርሕን ሓድነት ህዝቢ ዘይደልዩን ዝጻቡኡን ኣካላት ምቅላዕ፡ ንኣወንታዊ ተበግሶታን ምእንቲ ምዕዋት ማሕበራዊ ፍትሕን ግዝኣተ ሕጊን ሓድነት ሃገርን ህዝብን መስርሑን ምቕላሕን ምቁጽጻርን፡ ንሓቤሬታዊ ትሕዞን ንቕሓትን ህዝቢ ንምሕያልን ምኹስካስን ክሰርሕ እዩ ዝግብኦ። ሓይሊ መራኸቢ ቡዙሓን ካብ ህዝቢ ምድንጋርን ጸለመን ወረታት ምፍብራኽን ጸግዒ መንግስት ወይ ተቃዋሚ ምውፋር ነጻ ክኸውን ኣለዎ። ዜጋታት ናይ መራኸቢ ቡዙሓን ግዳያት ከይኮኑ ክጥንቀቅ ኣለዎ። ኣልዕል ኣቢሉ ንዜጋታት ከም ገበኛታት ካይ ፈርድ ክጥንቀቕ ኣለዎ። ካብ ጠቀነን ምክፋእን ክርሕቕ ኣለዎ። መራኸቢ ቡዙሓን ህዝቢ መሰሉ ንክረክብ ዝጽዕት ካብ ጸጊዕነት ነጻ ዝኾነ እንተዘይኮይኑ መሳርሒ ናይ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት እዩ። መራኸቢ ቡዙሓን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንልሳን ህዝቢ ሎጊሙ ንብሕቱ ዝዕንድረሉ ኣእምሮ ዜጋ ዘዕንዝሮሉ ንዋት ኮይኑ፡ ብኣንጻር እዚ ድማ ብዲስፕሊንን ስነምግባራዊ ሕግታት ዘይተቀየደ ናይ ተጻይን ላንጋላንጋ መራኸቢ ቡዙሓን ምስ ዝኸዉን ኩሉ ንኣእምሮ ኤርትራዊ ዜጋ ንክቓጻጸር (manipulating) ዝህቕን ሰይጣናዊ ንዋት እዩ። እቲ ጸገም ሕጂ እቶም ወነንቲ መራኸቢ ብዙሓን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዘይኮኑ እቶም ተጠቀምቲ እዮም። ተጠቀምቲ መራኸቢ ብዙሓን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ነቲ ንዋት ከም ትሃኖም መዉጽኢ፡ መኸወሊ ዉድቆቶም፡…ወ.ዘ.ተ ብዘይጥዕና ዘይብሉ ዕላማ፡ ገብረ-ገብነትን ስነምግባርን ክጥቀሙሉ ስለዝጀመሩ፡ ኣብ ክንዲ ሃናጺ ግደ ኣዕናዊ ግደ ክጻወት ይርኤ ስለዘሎ እዩ።

ኣብዚ እዋናት’ዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንሰባት ከም ወልፊ ዕጸ-ፋርስ ኣብ ከቢድ ወልፊ-ጽምዶ የእቲዎም ይርከብ፡ 24 ስዓታት ኣብኡ ተጸሚዶም ይዉዕሉን ይሓድሩን። ኣብ ከባቢኦም እንታይ ይኸይድ ኣሎ እዉን ዋላሓንቲ እንዶ ዘለዎም ኣይኮኑን። ብሱሩ ግን መራኸቢ ብዙሓን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ብሕግታቱ ተሞርኪሶም ስለዘይጥቀሙሉ፡ ዘይንስኻ ዘይኮንካዮን ክትኮነ ዘይትኽእል ዝኾንኻ ኮይኑ ከምዝስማዓካ ስልዝገብር፡ ብተፈጥሮኻ ዘይብልካ ዕሽዉ ዝበለ ድፍረት ይፈጥረልካ፡ ብዝንቡዕ ሓቤሬታ ተሸሚምካ ኣብ ዕልቕልቕ ከምትኣቱ….ወ.ዘ.ተ ይገብረካ። ስለዚ እቲ ዘለናሉ ጊዝየ ኣብ ቃራና መገዲ ኣሳጢሑ ፡ ኣበየናይ ዓይነት መብራህቲ ምስተወልዔ (ቀጠልያ ፡ ብጫን ቀይሕ) ነቲ መገዲ ክንሰግሮ ከምንዉስን ክንመርጽ እቲ ምርጫ ተዋሂብና ኣሎ። ነፍሰቅትለት ክፍጽም ዝወሰነ ሰብ እንተሃልዩ ድማ ቀይሕ መብራሂቲ ምስተወልዔት ነታ ቃራና-መገዲ ክስንጥቃ ክህቕን’ይ። እዚ ክብል እንኮለኹ ግን ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢንተርኔት ኣይትጠቀሙ ወይ ምፍርራሕ ካይዉሰደለይ ብትሕትና ይምሕጸን ኣለኹ። ኩሉ ጊዝየ ንዝኾነ ነገር ብርግኣት፡ ብዓቕሊ፡ ብልቦና፡ ብእሩም ገብረ-ገብነትን ስነምግባርን ብኣፍልጦን ክንጥቀመሉ እንተበቂዕና ፍጹም ኣዉንታዊ ጥቕሚታት ክህልዎ እዩ። ቅዉዓዊ ሰዉራ ዓረብ ዋላ እኳ ከዝተሓስበን ከምትዓለመን ዕላማታቱ ኣይትዓወት ነቲ ህዝባዊ ዘይሙእዙዝነት ንምልዓል ማሕበራዊ መራኸቢታት ብኣድማዒ ከምዝሰርሔ ተሞክሮ ዘሎ እዩ።
ወድሓንኩም!
መርእድ ዘርኡ
13/01/2017
መወከሲታት፡-
1} https://www.nytimes.com/2016/12/29/us/politics/russia-election-hacking-sanctions.html?smid=fb-share&_r=2
2} http://www.bbc.com/news/world-us-canada-38464612?SThisFB
3} https://www.rt.com/news/372256-putin-diplomats-expulsion-rejects/#.WGZ3WRSEYgA.facebook
4} https://www.youtube.com/watch?v=JnWZqYkfDzg&feature=youtu.be
5} http://smallbusiness.chron.com/negative-effect-social-media-society-individuals-27617.html
6} http://www.spj.org/pdf/ethicscode.pdf
7} https://www.rt.com/news/374117-lavrov-west-demonized-trump/#.WH-kosI523g.facebook
8} https://support.paltalk.com/hc/en-us/articles/213240408-Code-of-conduct

ኣብ ኤርትራ ሓርበኛነት ብከመይ ክንጻባረቕ ይግባእ?

1.ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ኣምር ሓርበኛነት፡-

ኩሉ ሳዕ ኣብ ሓደ እኩብ ህዝቢን መሬትን (መሬትን ህዝቢ ዓዲ ኣቦ ወይ ኣደ) ንምክልኻል ዝዉፈ፡ ዘፍቕርን ንህዝቢ ተማእዚዙ ዘገልግል ሰብ፡ ኣብ ኩሉ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ማሕበራዊን ባህላዊን ኣቛዉማ (ስርርዓት) ህልዉ እኳ እንተነበረን ዘሎን፡ ሓርበኛነት (Patriotism) ብጉኑን መልክዑ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ክብደታትን ትርጉምን እንዳሓዘ ዝመጸ ግን ድሕሪ 1648 ምስ ምፍጣር ሪፖፕሊክ ኣብ ዓለምና እዩ።

እምባሮጦርያዊ-ስልጣኔታት (an empire) ድሕሪ ዋዕላ ዌስቲ-ፎልያ ዓንየን ምፍጣር ሪፖፕሊክ ክዉን ምስ ኮነ፡ እቲ ልዕላዉነት መሬትን ህዝቢን ንሱ ዝሳሰዮን ዝፈጠሮን ስምዒታት ንሃገራዉነት እንዳዓበያ ስለዝመጸ፡ ኣብ 18 ክፍለዘመን ደቂ ሰባት መሬተይ ህዝበይ (ናተይ) ዝብል ስምዒታት እንዳዓበየ መጸ። እዚ ክዉንነት እዚ ድማ ንሃገራዉነት ብግቡእ ኣብ ዝላዓለ ጥርዙ ከምዝበጽሕ ገበሮ። ብመሰረቱ ሃገርነት ፖሎቲካዊ ስነ-ሓሳብ’ዩ። ከም ሰነ-ሓሳብ፣ ሰባት ምስ ሃገር ዘለዎም ጥቡቕ ዝምድናን ምትእስሳርን ከመልክት እንከሎ፣ ንሃገራዊ  መንነቶምን መለለይኦምን ክኣ ይውስን።  ሃገርነት ቀንዲ ምንጪ ሓባራዊ መንነት ካብ ኮነ፣ ብሓርበኛዊ ተግባራትን ጠባያትን ይትኣሳሰርን ብሓባራዊ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ክብርታት ድማ ዝራጋገጽ እዩ።

ሓርበኛነት ስነሓሳብ፡ ፍልስፍና ሃይማኖት ዋህም (myth) ኣይኮነን፡ እንታይድኣ ሓደ ዜጋ ናይ ሓደ ሃገር ኣብ ልዕሊ እንታዉነቱ ወይ መሬቱን ህዝቡ (ዓዲ ኣቦ ወይ ኣደ) ዘጥርዮ ፍሉይ ስነኣእሙራዊ ተንካፊ ስምዒታዊ ፍቕሪ ን ኩርዓትን ኮይኑ፡ ካብዚ ዝነቀለ ናይ ክትዉፈየላ፡ ክትካላኸለላ፡ ክትሕበነላ፡  ክትኮርዓላ፡ ክትስዉኣላን፡ ከተማዕብሎ፡…ወ.ዘ.ተ ናይ ምድላይን ምግባርን  ጂግንነታዊ ፍጻሜ እዩ። ኣብ መስርሕ’ዚ ጂግንነታዊ ፍጻሜ እዚ መስዋእቲ፡ ስንክልናን ሽምግልና የጋጥም’ዩ። ንኩሉ እቲ ዝተፈላለየ ተረኽቦታት ብተናጸል ስዉእ፡ ናይ ሓርነት ስንኩልን ህልዉን እኳ ቢልና ንገልጾም እንተኾና ንኹሎም ጠሚሩ ንተግባራቶም ዝገልጽ ኣምር ሓርበኛነት እዩ። ካብ’ዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ደረት ሓሊፉ፡ እቲ ሓርበኛነት ናብ ዝላዓለ ጥርዙ ዓሪጉ፡ ብ ሕሉፍ ሃገራዉነት እንተተዓንዚሩ፡ ካብ ሓርበኛነት ሓሊፉ ንሉዑል-ትምክሕታዉነት(chauvinism) ናይ ምቕያር ተኽእሎ ስለዘለዎ፡ ኣብ ክንዲ ሓርበኛነት፡  ሉዑል-ትምክሕታዉነት ተባሂሉ ይግለጽ። ከም ሓደ ፍላስፋ ቮልቴር ዝብሃል ዝመሰሎ “ሓርበኛነት ሕዋስ ነፍሰ ፍቕርን ቅድመ ፍርድን ስለዝኾነ” ደቂ ሰባት ካብ ሓደ ሉዑል-ትምክሕታዉነት ዝንባሌ ክጥንቀቑ ጉቡእ እዩ።

ምትእስሳር ሰብን  መሬትን፡ ሃገርነትን መንነትን፡ ሃገርነትን ሓርበኛነትን፡ ብርቱዕ ምትእስሳራትን ፍልልያትን ስለዘለዎ ንደቂ ሰባት ናሳዕ ካይፈለጡ፡ ኣብ ከቢድ ሕልኽልኽን ዝምቡዕ ምርዳእን የሳጥሖም  እሞ ሃገራዉያን ወይ ድማ ሓርበኛታት ኢና ብምባል ዓስቢ ሃገራዉነቶሙን ሓርበኛነቶምን ብኢደ ወኒኖም ሕጊን ሕብረተሰብን ጥሒሶም ርሒብ ናይ ስልጣን ሽዉሃቶም ከራጋግጹ ስለዝህቕኑ ንሉዕል-ትምክሕታዉነት ብምእታዉ ኣብ ክንዲ ሕጋዉነት (legitimacy) ዘለዎም ሰባት ዝኾኑ፡ ንኣርካናት-ኪናት (war-lords) ይቕየሩ። ብኣርካናት-ኪናት ዝምርሓ ሃገራት ገሊኤን ዝተማረኻ ሃገራት፡ ገሊኤን ዝፈሸላ ሃገራት፡ ገሊኤን ናይ መልኣከ-ሞት ሃገራት፡ ገሊኤን ደም ዋሕዲ ዘጥቕዓን ሃገራትን ናይ ሕንፍሽፍሽ ሃገራት ከም እኒ (ሶማልያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሱርያ፡ ዒራቕ፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ስራልዮን፡ ሃይቲ፡ ኮንጎ…ወ.ዘ.ተ ይኾና። ኣብ ከምዚ ክዉንነታት ዝወደቃ ሃገራት መን’ዩ ሃገራዊ? መን’ዩ ሓርበኛ?  መን’ዩ  ስዉእ? እንታይ’ዩ ሃገራዉነት? እንታይ’ዩ ልዕላዉነት? እንታይ’ዩ ሓርበኛነት? እንታይ’ዩ ድሕነት-ሃገርን ህዝብን? …ወ.ዘ.ት ዝብሉ ሕቶታት ይላዓሉ እሞ ናብ ትርጉም ዘይብሎም ኣምራት ተቀይሮም ሩጉጽ መልስታት ዘይብሎም ይኾኑ።

2.ኤርትራዊ ሓርበኛነትን ሃለዋቱን፡-

ርጉጽ’ዩ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ሓጺር ዓንቀጸይ ንኤርትራዊ ሓርበኛነት ኣመልኪተ ዝጽሕፎ ዘለኹ፡ ብምልኣትን ብዝርዝርን ንምግላጹ ብቀሊል ዘይክኣል እዩ። ካብ መድረኽ ንመድረኽ ካብ ወለዶ ንወለዶ ዝታኻኽኡ ኣዝዮም ዓበይትን ወሰንትን ሓርበኛነታዊ ቃልስታት እብ ኤርትራ ከም ዝተኻየዱ፡ ታሪኻዊ ሓቅታት ብኣፈ-ታሪክ፡ ብጹሑፍን ብቅርሳ-ቅርሲታት (Archaeology) ክራጋገጽ ዝኽእል እዩ። ነዚ ሕጂ ከም ሃገርን ህዝብን ህላዌና ኣራጋጊጹ ብዝልዓለ ደረጃ ንምህናጽ ሃገርን ሃገርነት (Nationhood)፡ ንምህናጽ ሃገራዊ መንነት፡ ንምርግጋጽ ጊዝኣተ ሕጊን ሰላምን ቅሳነትን፡ …ወ.ዘ.ተ ዝሳላሰል ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ፡ መቐጸልታ ናይ ቀዳሞት ሓርበኛታት ኣቦታት ኤርትራ ከም ዝኾነ ድማ ክንግንዘብ ኣሎና። ብኡ መሰረት ድማ ኤርትራዊ ሓርበኛነት  ንምጥሕማሱ ኣብ ሓሙሽተ ገጻትን መድረኻትን ከፊልና ክንርእዮ ንኽእል ኢና፡-

  1. ቅድሚ 1860 ዝነበረ ኩነታት እዚ ሎሚ ብኤርትራ ዝፍለጥ ዘሎ ብምድረ-ባሕሪ ዝስመየሉ ኣብዝነበረሉ እዋናት፡ ምድረባሕሪ ብሽማግሌታት፡ ደግለታት፡ ናይባት፡ ምስሌነታት ፡ ሱልጣናት፡ ካህናት፡ መሻይኻት………ወ.ዘ.ተ ብከባቢታት ተማቃቂላ ትማሓደር ከምዝነበረት ይፍለጥ። ዋላ’ኳ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ብተዛማዲ መዕቀኒን ኣጣማምታ ነንሕድሕድና ክጥርንፈናን ከተኣሳስረናን ብሰላም ከንብረናን ዘኽእል ኮማዊን ከባብያዉን ማይቤታዉን ኣብ ሕጊ እንዳባ ዝተመስረተ ፍትሓዊ ስርርዕን ርክክብን እነዘዉትር እንተነበርና፡ ነዚ ኣባታዊ ማሕበረ ምጣኔ ሃብታዊ ስርርዕ ንምብታኹን ንምቕያሩን ህዝብና ቡዙሕ ኣብ ዉሽጡን ኣንጻር ከፊላዊ ወረራ ቱርኪይ፡ ግብጺን መሳፍንቲ ትግራይን ሓርበኛታት ኣቦታት ንህዝቦምን መሬቶምን ንምክልኻልን ናጻ ንምዉጻእ ከቢድ ዋጋታት ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ኣቦዋት ነይሮም እዮም። ኮይኑ ግን ቀጻሊ ካብ ድሕሪን ቅድሚን 1861-1942 ምፍጣር ኤርትራን ከም ዘመናዊት ሃገር ብመግዛእቲ ጥልያን፡ ኣብዚ መድረኽ እዚ ቀጻሊ ወራራት ካብ መሳፍንቲ ትግራይ ብመንጸሩ ድማ መግዛእቲ ጥልያን ንኤርትራ ከም ጉልቲ-ግዝእቲ ሃገር ዘቆመሉ እዋናት ኮይኑ፡ ኣዝዩ ቡዙሕ ቃልስታት ብኤርትራዉያን  ኣንጻር ጥልያን ተኻይዱ እዩ። ካብቶም ቡዙሓት ዉሑዳት ሓርበኛነታ ከምኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ፡- ራእሲ ወልደሚክኤል ሰለሙን፡ ሹም ኣቡበከር ናስርን ባህታ ሓጎስን፡ መሓመድ ኣሮዳ፡ ቦረምበራስ ካፍል ጎፋር፡ ዘማት ወዲ እኩድ፡ ሹም ዓሊ ኑሪ፡ ሱልጣን ያሲን ሓይሰማ፡ ዓሊ መሓመድ ዑስማን ቡሪ፡ ደግያት መንገሻ ኣስጎዶም፡ ደግያት ማሕራይ፡ ከንቲባይ ሓምድ ሓሰን፡ ከንቲባይ መሓመድ ሓምድ፡ ከንቲባ ሓየሎም ኣርዓዶም…ወ.ዘ.ተ ነይሮም።
  2. ካብ 1945-1956 ምሕራር ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ጥልያን፡ ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት ዓባይ ቢሪጣንያ ምእታዉን ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብዝነበረሉ እዋናት ካብቶም ቡዙሓት ዉሑዳት ሓርበኛነታ ከምኣብነት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ፡- ሸኽ ዓብዱልቓድር ከቢረ፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ራሲ ተሰማ ኣስመሮም፡ ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም…ወ.ዘ.ተ. ነይሮም።
  3. ካብ 1957-1991 ምፍራስ ፈደረሽን፡ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲን ምዕዋት ሰዉራ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ መግዛእትን ምርግጋጽ ልዑላዊት ሃገር ኤርትራ ኮይኑ፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ስዉኣት፡ ልዕሊ 30ሽሕ ስንኩላን ሃለዋቶም ብግቡእ ዘይተፈልጠ ን ዕድል ጌይሮም ካይተተንከፉ ዝድሓኑ ሓርበኛታት ስለዘለዉና ፡ኣብ መዛግብ ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤ ዳርጋ 90% ዝርዝር ሙዙጉባት ኣለዉ። ኣብ ጊዝየ ተጋድሎ ንሃገራዊ ናጽነት፡  ብስርዓት ሃይለስላሴን ደርግን ብመንጽሩ ድማ እቲ ዝነበረ መሪሕነት ዉድባት ዝንባሌታትን ቅጽል ስም እንዳኣጠመቀ ዝቀንጸሎምን ብቃጻ ዘጥፍኦም ኣሽማቶም ኣብ ዝኾነ መዝገብ ዘይርከብን ስድራቤታቶም ኩነታት ደቆም ዘይፈልጡ ሓርበኛታት እዉን ዘለዉና እዮም።
  4. ካብ 1993- 2016 ኣብ ዉሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ-መግዛእቲ ተጋላጊላ፡ ሉዑላዊት ሃገር ካብትኾነሉ ንድሓር ዘሎ ጊዚያት፡ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ጎራባብቲ ሃገራት ዘካዮዶ ረጽማዊ ኩናትን ወፍሪ ዓበይቲ-ቀላያት እዉን እንተኾነ ቡዙሑን ብቀሊሉ ክፍለጥ ዘይክኣል ኤርትራዊ ሓርበኛ ኣብ ኪናትን ሰላምን ተቀቲሉ፡ ሰንኪሉ፡ ሃለዋቱ ጠፊኡ ተኣሲሩን ተሸሪቡን እዩ። ብልክዕ ኩነታቱን ንምዉሳንን ብኣሃዛዊ ጸብጻባ ንምፍላጡ ክሳብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣጸጋሚ ስለዝኸዉን ንመጻኢ ዝሕደግ ጉዳይ እዩ።

ናብ ከርሲ ጉዳይና ክንኣቱ ኤርትራዊ ሓርበኛነት ኣቀዲሙ ቅድሚ ኤርትራ ከም ዘመናዊት ሃገር ሙኻና ዝተጋህደ እኳ እንተኾነ፡ ብልዑል ፖሎቲካዊ መልክዓቱ ግን ምስ ኤርትራዉነት/ኤርትራዊ ሃገርነት ብዝላዓለ መልክዓቱ ዝተነጻበረቐ እዩ። ከም መጎት ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽናን ዝመጽእ ወለዶታትናን  ኤርትራዊ ሓርበኛነት ከምዝነበረን ክቅጽል ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። የግዳስ ነቲ ንቡር ኤርትራዊ ሓርበኛነት፡ ብስንኪ ኣብ ኤርትራ ተመስሪቱ ዘሎ ኣብ ሕሉፍ ሃገራዊነት ስነ-ሓሳብ (ultranationalism) ዝተሰረተ ስርዓት ዝፈጠሮ ሉዑል-ትምክሕታዉነት ተዓብሊሉ ስለ ዘሎ፡ ንኤርትራዊ ሓርበኛነት ንጊዚኡ ብልክዕ ክንገልጾን ከነጻባሩቆን ኣጸጋሚ ክኸዉን እዩ። እቲ ምንታይስ  :-

  1. ቅድሚን ድሕሪ ኤርትራ ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ናጻ ምዉጽኣ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ ንኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኛነትን ብእብረ ብዘይንሕስያ ስለዝሃረሞ።
  2. ኣብ ሓደ ጊዚየን ቦታን ሓርበኛነትን ሉዑል-ትምክሕታዉነት ይባራረ ብምህላዉ፡ ዕዘት ሓርበኛነት ኣብ ጽልግልግ ስለዝሽመም እዩ ።
  3. ዘንባዕን ፖሊሲታ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብክልስሓሳብን ተግባርን ጽምዶ ንጥፈታቱ ኣብ ንኤርትራዊ ሃገራዉነት፡ ሉዑላዉነትን ሓርበኛነትን ኣብ ምድኻምን ዝተጸምደ ብሙኻኑ እዩ።
  4. ብናይ ደገን ዉሽጣዊን ኣዛመዉቲ ሓይልታት ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኛነትን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ጥቕዓት ስለዝርከብ ዘሎ እዩ።
  5. ዓዉላማ (globalization) ምጣኔ ሃብታዉን ፖሎቲካዊን ምሕደራ( world order) ዝፈጥሮ ፡ ንኣምር ስነሓሳብ ህዝብን ሃገርን ልዕላዉነት ጥሒሱ፣ ንሃገራዊ መንነትን ሓርበኛነትን  ኣማህሚኑ፡ ዞናዊ፣ ስግረ-ዞናዊ፣ ዓለምለኻዊ ምጣኔ-ሃብታዊን ፖሎቲካዊን ወትሃደራዊ ምትእስሳር ዝፈጥሮ መዘና ዘይብሉ ጸቕጥታት ንሃገርነትን ሓርበኛነት ስለዘዳኹሞ ዘሎ እዩ።

ሀ. ኣብ ከምዚ ኣዝዩ ብደረጃ ዓለምለኻዊ “ዓዉሎማዉነት”፡

ለ. ብዞባዊ “ሉዑል-ትምክሕታዉነት ትግርኛ ክስበር ኣለዎ ዝብሉን ንኡኡ ዝናጣጠፉን”፡

ሐ. ብዉሽጢ ድማ “ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ንኡኡ ዘገልግሉ ሓይልታት ብእብረን እስትንፋስ ብዘይህብ ብልሓት ንኤርትራዊ ናይ ዜጋታት ሃገራዉነት (Civic nationalism)፡ ሓርበኛነትን “ ኣብ ዝወቑዕሉ ዘለዉ ኩዉንነት፡ ብተናጸል ሓርበኛነት ኣልዒልካ ከተስርሮ ዝክኣል ኣይኮነን።  እንታይድኣ ስሉሳዊ-ሕቶ ማለት ሕቶ ሃገራዉነት፡ ጊዝኣተ-ሕጊን ንቡሩነትን ክልዓል ኣለዎ። ነዘን ሰለስተ መሰረታዉያን ሕቶታት ብተግባር እንተመሊስና ኣብ ባይታ፡ ሕቶ ኤርትራዊ ሓርበኛነት ብግቡእ ክምለስ ሙኻኑ ክግመት ዝክኣል እዩ።

3.ህዝባዊን ሃገራዊ ብዓላት መን እዩ ዘጽድቖን ዝእዉጆን?

ኣብዚ እዋናት ወይ መድረኽ ነካይዶ ዘሎና ማሕበራዊ ሰዉራ፡  ቀንዲ ዕላማና ጊዝኣተ-ሕጊ ዘራጋገጸት ቅዋማዊት ሃገር፡ ሲቪላዊ መንግስትን ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ንምርግጋጽ’ዩ። ቀንዲ ዕላማና እዚ ካብ ኮነ፡ ንሕና እዉን ከምቲ ፋሉል ሕጊ ኣልቦ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ  ንሃገርን ህዝቢ ብመዓልታዊ ኣዋጃትን መግለጺታት ዘማሓድራ ዘሎ፡ ከምኡ ክንከዉን ከምዘይብልና ብመትከል ክንቅቦሎ ዘሎና’ዩ። ኣብ ዝኾነ ሃገር ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ህዝባዊን ሃገራዊ ብዓላት ሓደ ህዝቢን ሃገርን፡ ብፓርላማ (ሓጋጊ-ኣካል) ብህዝቢ ተወኪሉ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ትካል፡ ከምዝዉሰንን ከምዝእወጂን ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ’ዩ። መዓቀኒ ናይቲ ስልጣን ድማ ሓባራዊ ዕግበት (consensus) ሙኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ኣድማሳዊ ሓቕታት እንዳተፈልጠ ከንሱ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ነቲ ኣድማሳዊ ሓቂን ንጹር መትከላትን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ነእቱ እንተኼና፡ ካብ ኣፍራይነቱ ዕንወቱ ክዓዝዝ እዩ። “ናይ መጨረሽታ ጽዕነት ሳዕሪ ንዓንዲ ሕቆ ገመል ትሰብር” ከምዝብሃል ካብ የዋህነትን ሓልዮትን ነቂልካ ሳሕቲ ዝዉሰዱ ስጉምትታት ኣለዉ፡ እዞም ስጉምትታት እዚኣቶም እንዳተኣኻከቡ ምስ ከዱ ንሕቆ ህዝብን ዲሞክራሲን ዝሰብሩ እዮም። ልዕሊ ኹሉ ግን ሓደ ኣብ ሃገረይ ሕጊ የሎን! ጊዝኣተ-ሕጊ ንምርግጋዝ’የ ዝቃለስ! ፍትሒ ጎዲሊኒ ኣሎ! ዝብል ኣካል፡ ባዕሉ ሕጊ ክኸዉን እንተፈቲኑ፡ ብእብረ ነቲ ጥማር ዲሞክራስያዊ መትከላትን  እንዳፍሮሶን እንዳባሕጎጎን ስለዝኸይድ፡ ኣብ ዝነዉሔ ጊዚየ፡ ኣብ ክንዲ ፈታሒ ጸገም፡ ባዕሉ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም ክኸዉን እዩ።

ንኸምዚ ኣቀድም ኣቢለ ዝጣሕመስክዎ ኩነት ሙኹኑይ ንምግባር፡-

  1. ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንኤርትራዊ ሃገርነትን ሓርበኛነትን እስትንፋስ ብዘይህብ መገዲ ይሃርሞ ስለዘሎ፡ ንኤርትራዊ ሓርበኛነት ኣመልኪቱ እዉን ህዝባዊን ሃገራዊን መዓልቲ ወይ ተዘክሮ ስለዘይገበረ፡ ኤርትራዊ ሓርበኛነት ማህሚኑ ካይተርፍ ከነባራቡሮ ኣሎና፡  ካብ ዝብል ንያትን ጽዕዶን ዝነቐለ፡ መዓልቲ ሓርበኛታት ክህሉ ኣለዎ ካብዚብል ኣታሓሳስባ ዝነቀለ ክኸዉን ይኽእል እዩ።
  2. ጊደን ተሳትፎን ሓርበኛታት ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ-ሰዉራ ንምዕዛዝ ዝጠመተ ክኸዉን ይኽእል እዩ።
  3. ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሓርበኛታት ሃለዋቶም ንምፍላጥ፡ ንመሰላቶም ደዉ ክብሉ ንምዉዳቦም፡ ናይ መጻኢ ዕድላቶም ንምንጻር ዝሃቀነ ክኸዉን ይኽእል እዩ።

 

4.መዛዘሚ ሓሳበይ፡-

የግዳስ ኣቀዲምካ ብጊዚያዊ መዓልቲ ሓርበኛታት ምፍላሙ፡ ካሮሳ ኣብ ቅድሚ ፈረስ ምእሳር ኽኸዉን እዩ። እቲ ምንታይስ፡- ኤርትራዊ  ሓርበኛነት ከም መቀጸልታ ናይ ነዊሕ ወለዶታት ዝተራእየ ተርእዮ ን፡ ቀንዲ መለለይ ጠባያት (character) ን ማእዶ ናይ ኤርትራዊ ሃገርነትን ኤርትራዊ መንነት ስለዝኾነ ብቀሊሉ ዝድምሰስን ዝርሳዕን ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ክኸዉን ዘለዎ ጽምዶ ጓል መገዲን ሓደ ጎናዊ ጫሌዳ ሕቶ ኣልዒልካ ዘይኮነ፡ ብኣትኩሮ ነዚ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ምእላይን መተካእትኡ ጊዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽ ክኸዉን ኣለዎ። ኤርትራ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ምስ ኮነት፡ ሕጋዊ ወይ ርትዓዊ መልክዕን ትሕዝቶን ስልጣን (legal or rational form of legitimacy) ስለዝራጋገጽ ፡ ንኩሎም ናይ ዜጋታት ሕቶታት ብግቡእ ዝምልስ ሓጋግ፡ ፈራዲ፡ ፈጻሚ ኣካላት መንግስቲ ንሕቶ ህዝባዊን ሃገራዊን ብዓላትን ተዝካራትን፡ ሕቶ ኤትኒክ፡ ሕቶ ባንዴራ፡ ሕቶ ቛንቛ፡ ሕቶ ዋንነት መሬት…ወ.ዘ.ተ ክምልስን ከራጋግጽን ሙኻኑ ዘጣራጥር ጉዳይ ኣይኮነን።

ስለዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓርበኛታት ኣመልኪቱ ክግበር ዝክኣል ቁምነገር ኣሎ፡ ንሱ ድማ ሓደ ርእሱ ዝኽኣለ ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት ኣብ ዲያስፖራ ምቛም እዩ። እዚ ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት’ዚ፡-

  1. ንኩሎም ሲቪልን ተጋደልትን ሓርበኛታት ኤርትራዊያን ፡ ዝነበርዎ ፖሎቲካዊ ዉድብ፡ ፖሎቲካዊ እምነቶሙን ፖሎቲካዊ ጸግዕነት ብዘየገድስ ብዘይ ገለ መሰናኽላትን ምጉናያት፡ ኣባላት እቲ ሓድሽ ዝምስረት ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት ክኸኑ ኣርሒብካ ምቕባልን ምትብባዕን እዩ።
  2. ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት ዘንቀሎን ዝወቕዖን ዕላማ ብምንጻር፡ ኣብ ዚካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ከም ኡግሚ ናይ ጸቕጢ ሓይሊን ፈልሲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ኮይኑ፡ ኣዝዩ ንጡፍን ኣድማዒን ተራ ከምዝጻወት ዘኽእሎ ቅርጻን ሓሳብን ከምዝህልዎ ጌርካ ከምዝምስረት ምግባር እዩ።
  3. ነቶም ኣቀዲሞም ዝተመስረቱ ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት ብስም “ተጋደልቲ ነበር ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤ” ኣብ ዘተን ጽምዶን ብምእታዉ፡ ነቲ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ መፈላለይ ተጠቂሞምሉ ዘለዎ መንደቕ ዉድባት ብምርዓምን ምዕጋብን ብመንሕራይ ኣፍሪሶም ኣብቲ ንኹሉ ሓርበኛ ዝጥርንፍ ሓዲሽ ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት ክምዝተሓነፈጹ ወይ ድማ ኣይፋልናን እንተኢሎም ድማ ብትኹላዊ ወይ ጋድማዊ ዝምድናታትን ምትእስሳራትን (Solidarity) ፈጢርካ ብሓባር ትሰርሓሉ ህሞት ንምፍጣር ዘኽእለካ መርሓ-ገበይ (roadmap) ምሕንጻጽ እዩ።
  1. ኤርትራዊ ሃገራዉነት፡ ኤርትራዊ መንነትን ኤርትራዊ ሓርበኛነት ልዕሊ ፖሎቲካዊ ዉድብ፡ ኤትኒክ-ጉጂለ፡…ወ.ዘ.ተ ስለዝኾነ፡ ኣብ ከምዚ ዝናጣጠፉ ዜጋታት ቅንዕና፡ ጉሉጽነት፡ ተሓታትነት፡ ብቕዓት…ወ.ዘ.ተ ዘለዎም ዜጋታት ክኾኑ ይግባእ። ልዕሊ ኽሉ ድማ ርእሱ ዝኻኣለ ካብ ጽግዕተኛነት ፖሎቲካዊ ዉድባትን መንግስቲን ሓራ ዝኾነ ክኸዉን ኣለዎ።
  2. እቲ ዝቀዉም ሲቪላዊ/ሲቪካዊ ማሕበር ሓርበኛታት መጀመርታ በብሃገሩ ይቀዉም እሞ፡ ቀጺሉ ድማ ብደረጃ ዓለምለኻዊ ናብ ሓደ መጋባእያ ከምዝጋባእ ምግባር እዩ።

ስለዚ ኣብ ኤርትራ ሓርበኛነት ብሃናጺን ቁኑዑን መልክዕን ትሕዝቶን ክንጻባረቕ ኣለዎ።

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

m.zerut@gmail.com

26/07/2016

http://snitna.com/events_erivets.html

http://www.sbs.com.au/yourlanguage/tigrinya/ti/content/maaaleti-hhaarebanyaataate-eereteraa-kehelu-tabagisenaa-yebelu-aaneqaleti-naayeti-hhaasaabe?language=ti

 

 

 

The silenced spring

Dr Tadios Tesfu – The silenced spring

Dedicated to my father, Frankfurt, 25th of July 2016

This Essay deals with the recent critical evaluation of the future of our youth

The all round talent Lebanese poet and philosopher Kahlil Gibran said on the children,

“Your children are not your children

They are the sons and daughters of life’s longing for itself

They come through you but not from you

And though they are with you yet they belong not to you

You may give them your love but not your thoughts

For they have their own thoughts

You may house their bodies but not their souls

For their souls dwell in the house of tomorrow

Which you can’t visit, not even in your dreams

You may strive to be like them

But seek not to make them like you

For life goes not backward nor tarries with yesterday”

 

The memories of my childhood are beautiful and innocent. How wonderful and caring were my parents to me, despite their poor level of education and meager material possessions.

When I was an infant I have been suffering from bronchitis that has accompanied me almost till the age of 12. Every third day my mother would  carry me on her back and hurry to the local clinic in my village as if that was  the first day to do so and my the last day of my life. My playmates would always burst out of laughing watching me at the age of seven carried by my mother on her back to bring me to the doctor’s. I could bet that I am one of these few children who were lucky enough to spend the most time of their childhood on the hand palms and under the shelter of their parents. Back then I was in need of constantly care and attention. To be brief: my parents’ love has saved my life, despite the harsh living and lack of good medications due to the prolonged civil wars, I must say our medical doctors and our parents were excellent practitioners and outstanding extemporizers, respectively. One day when I was almost 3 years old my health condition has deteriorated within minutes. Although we were living in an area with 45°C temperature in shadow, my body temperature seemed to be higher than the wind-chill factor around. My mother meant that she could facilitate the ironing of her laundry by the irradiated energy of my body. In her perplexity and hope to improve my critical condition, she started to give me overdoses of the anti-fever syrups from her coverage that has led indispensably to a short-term cessation of my cardioplegia. In rural areas of Eritrea such medical case could be roughly assumed as a death. My mother started seeking for help shouting out “Oh my God, my son, I am losing my son”. Thus our neighborhood was alerted and came to help her and they found me in an awkward situation. Hours later my father has arrived in delirious state from his Banana plantation. As time has passed our orthodox-church dignitaries took my parents out of our little African hut to perform the appropriate Coptic Orthodox Church death procession and have started wrapping me in a white shroud. Thanks to God at the very moment suddenly I started to move my little hands and legs and the procession has to be stopped. After a sign of life was observed and established, my parents were asked to stop crying and  to return  to our hut  where the orthodox priest gave me his blessings and prayed that God may  help me  make something useful in my new life which  could  serve and improve the lives of my family and my society. My health started to recover very fast and days later I was playing with my friends again.

 

Well, here I am, I became a scientist, an Eritrean democratic activist, African jazz guitar artist and a black-belt martial artist the least to mention. But what were the inputs like devotion, inspiration and moral that my parents have given me throughout the years in order to function in life the way I do? As Albert Einstein said once we are all the results of the prejudices we have experienced until the age of 18. If this is certain, I want to narrate you some of the anecdotes that I believe have engraved my life.  I hope that these might help us analyze and compare the different results or outputs of young Eritreans of a similar age with the different starting resources. One thing should be taken as given and that is I am a child of war and after all a refugee just as the nowadays youth.

 

We all know that usually children don’t like taking medication and they start screaming whenever their parents intended to give the one. This is the reason why chemists produce anti disease syrups for children that are mostly sweet and pink-colored. Therefore an individually creative art of persuasion of one’s parents is required to make their child pliable.

My father’s method was simple and sustainable. He was saying to me „My son Tadios, you are so courageous and clever so that you are going to close your eyes and swallow the medicine instantly.  If you take this medicine now, tomorrow for sure you will be playing with your mates outside in the field between the Barattolo’s cotton plantations.”  He would continue lecturing me, saying: “My son, this medicine is from Germany and the Germans produce the best medicine in the world. You know, I have given you the name Tadios of an apostle who has cultivated his arable land and collected his harvest in only one day”

Well, with such words of inspiration from my father, I grew up with a consciousness to be able to displace a mountain and the sky was the limit.

My father was very respectful and charismatic religious leader in his community. He loved to discuss on religious issues with his compatriots and especially with the Moslems in his vicinity. His maxim was inspiring and convincing the people to follow God’s way instead of obeying religious dogmatism and fanaticism by simply winning their hearts. His generosity towards poor people was amazing. Whenever people came to us seeking for solutions to their new problems, he used to reach them from the Holy Bible and used to tell them to read loudly the topic or article in simple way. Since then I grew up with the notion that the solution for all our problems is written in the Holy Bible. But to my regret I have never read that book.

One day when I was a PhD-student I came to our home reading a booklet” A brief history of time” written by Steven Hawking. My father was watching me carefully and he asked me: “My son you look very worried reading this book, what this book all about is?”  I said, this book is written by one of the most renowned and handicapped scientist of our time and it is about the “Big Bang Theory”. He asked me” Bigge what?” He asked further, if I could explain to him what this white man was saying? I continued to explain this difficult stuff to a man who has never heard in his life the phrases of physics, such as black holes, thermodynamics, entropy, quantum gravity and singularity. God knows how I wished to be convincing with my explanation like always my father did, and I said “In 1970 Hawking proved mathematically using quantum mechanics by calculating the entropy (physical quantity for disorder) backwards in order to find the origin and nature of our universe. Professor Hawking believes that the whole world before Big Bang was at a state of singularity, this means it was a very tiny grain with a massive density and after the Big Bang the universe has started to expand and cool down at which our galaxies were created. The fact that our universe is still expanding was visualized by Edwin P. Hubble’s telescope in 1929.” While I was explaining this stuff my father, he was looking at me very serious and after I have finished explaining, he asked me by saying, “So you spent d the whole of your life learning this stuff in order to tell us that the creation of our world was not initiated by the all mighty God?” I said to him, “look father, firstly, these are the ideas in the book of professor Hawking, and by the way there are a lot of scientists around the world who disagree with his opinion.” After all, we scientists, we have not created the nature; we rather try to understand how nature functions. My father said, “yes it is okay trying to understand how nature functions but my son why don’t just read the Bible, everything is written there? The all mighty God is the only creator of the sky and earth,” my father has started to argue. I said “dad, the blue sky does not exist at all. The blue sky we see is the scattering of light on tiny molecules of water in  the atmosphere for a simple fact that the short-waved blue color is more deflected than the long-waved red color of the spectrum which penetrate as light direct into our eyes. This fact was already verified by Sir Isaac Newton Prism-experiment in 1672. Therefore due to this physical phenomenon, we see blue skies on a clear sunny day and red skies on a beautiful sun set, when fog does not exist in the atmosphere.” Well my father started to argue further and he started asking me,” and who has created the blue and red colors and the water molecules, you have already mentioned, my son”.  At that moment I was thinking about the laws of optics in physics, long-chained conjugated organic dyes and the Maxwell equations of electrodynamics but unable to explain to a person who has never dealt with this stuff. My father said to me, Tadios you know what, I am sure you have the answers for my questions, but as long as you are unable to explain them in very simple and convincing way to uneducated person as I am , you haven’t internalize your stuff and so that means that they are not part of your ideas. Days later I was reading a book that was a simplified version of the history of political theories which was written by a German professor of political science. The author has said that a politician has to think like a philosopher and speak like a farmer and if the case is a vice versa, his well-intentioned time-anticipated thoughts can’t inspire the people but rather damage them creating a state of an illusion.

After I have finished my PhD-thesis I was celebrating it with my family, my academic success for getting the highest degree in  science and I told my parents that such a scientific degree  have only ca. 1.4 % of German population. This fact catapulted me automatically from a rare species to the so-called “Bildungselite” which means one of the intelligentsia of the German society. My mother screamed Elelelelele and said to me “Oh yes my Son, this is fantastic” she spoke further and said now we should find for you a young girl with at least a master degree in science or economics. My father was shaking his head and said to my mom; “go away, you are confusing my son by telling him nonsense.” He asked my mother, “Do you want to make my son and his bride to be like Major-general and colonel of the army, respectively?” He said to me, “son, your mother doesn’t know anything about life and love, so don’t care much about what she is saying. He said “by the way son, do you have any girlfriend who you can marry soon? I said “no dad; I didn’t still find the right one.” My father asked me further and he said “okay, when do you think to find the right one?” I answered, “I hope soon or one day.” He asked me, “Are you going to wait for Ms Right all your life, if you don’t find her soon?” I asked him to answer his question while I was laughing; if he had better suggestions. He said at ones yes and he requested me to read the holy Bible on the paragraphs such and such. I said “no dad, I am exhausted now, and maybe dad, you can tell me yourself what I should do.” My father said to me “instead of waiting for Ms Right all your life, you have to make your own one”. He went further by saying, “Tadios you have the highest degree in science; just find a little beautiful girl and educate her, the way you want her to be. That was exactly what I have done with your mom,” he said, “Otherwise I am sure one day you are going to marry any woman and not because she is your Ms Right, but because you became older and you don’t have many opportunities.” Back then I was speechless regardless of my highest degree in science.

To narrate you another amazing story regarding my mother: when I was visiting the Eritrean refugees’ secondary school in Kassala Sudan (UNSCO-School Kassala)  in the mid eighties of the last century, I had a dispute  with my classmate girl called Nura who was sitting next to me on a long bench that we had to  share with other five classmates. We were more than 60 students in a very hot and narrow classroom. In such overcrowded classroom of girls and boys at the age of 13 to 20 sitting on a long bench in a single line like hens’ barbecue, daily quarrels between the pupils were unavoidable due to impatience and negligence. The lectures were held in the afternoon where the temperature used to raise to over 40°C.  The lectures were not functioning well so that the students couldn’t concentrate on the stuff they had to cover and the teachers were teaching mostly soliloquizing. As a showcase usually the teacher used to take some of the students who were disturbing the class and tried to punish them by dismissing them from his class. After the teacher of a particular subject left his class, usually the dismissed students were coming back to their classes and continued with another teacher and subject specified on the timetable. On that day my dear classmate and I became a subject of unprecedented disciplinary act:  our teacher had taken us to our late honorable school director Ustaz Saleh Hamde. With a thoughts about the economical consequences that we might suffer if the director dismissed us from his school, my classmate and I started to shiver while we were walking behind our teacher in the corridor in the direction to our director’s room. Our fear was deep because of a simple fact that the grant we had from this school has been sufficient to pay our rent, clothes and much more for our families and us and without this grant life would be a hell. Ustaz Saleh ordered immediately to go to our homes and bring the next day our custodians. The sadness of this imprudent and irresponsible act was written on our faces and we felt sorry to each other what our families might do to us and the fact that many other poor young and much cleverer Eritrean students were exactly in the need and waiting to take our positions. Anyway that day I went back directly to my home and my mom was wondering and looking at me in a peculiar way when I came unusually earlier that day. She asked me what happened and why and wanted to know whether the girl was seriously injured. I said, “No mom I just have pushed her away from me because she has disturbed me while I was writing on the blackboard. Next day I went with my mom to the school and all the students gathered around my mom telling her I was not to blame. My mom made her way to the director’s office and I followed her very quickly. Nura and her uncle were also there. To my imagination the Nura’s uncle was a well educated man from the western part of Eritrea and was having a conversation in Tigre, Arabic and English languages with Ustaz Saleh. When my mom and I arrived there Ustaz Saleh forgot to greet and welcome us and as usual asked us to have a seat. My mom who was very simple but a sharp articulating house woman has felt insulted by the behavior of my director. She took two chairs for me and for herself and attracted the attention of the two gentlemen instantaneously by saying “Aslam-Wealekum”. I could see in their faces that they are not going to have an easy going business meeting with my mom. The director has said to my mom” woman, we ordered you to come here today; because your son has beaten this young lady”.  My mom interrupted him by saying my son has told me a different story than yours and I rather believe my son than you. While the verbal fight between my mom and the two well educated persons were taking place myself and Nura were started to hide our laughter behind our palms and we were amused by the gallantry act of my mother protecting me from the allegations and attacks. Anyway after the hot discussion Ustaz Saleh ordered my mother to put her signature on the agreement. Although my mom couldn’t read and write and Ustaz Saleh has given my mom a stamp duty, she took a pen and started to write her signature on the paper. At that moment Ustaz Saleh and all others who were present in the room started to laugh at my mother. My mom has put her hands on her waist and with a cynical smile on her face asked us “do you think I am an easy woman?”

After we got back home from our school my mom said to me:  “you know today you were really stupid boy and what kind of man you are that you punch a little girl in her chest. She asked me back then “where are all the virtues we have taught you since your childhood? You are an idiot and all what Ustaz Saleh said is true, because I know you bustard.” She said further that she simply protected me in front of my director not to humiliate me because my father was not there. After all she said that I have the best Eritrean teachers accumulated in this one and only place of knowledge and she continued saying it  would be a blessing if I learn to speak many languages as that  gentlemen we met that afternoon.

The day after, Nura and I have started to do a social work by cleaning our school and gathering the trash during the break, when the other children were playing and enjoying their break. Well, from that day on Nura and me started to have deep conversation on  different subjects during  our social work and we fell  in love with each other and we become best friends till Nura left the school suddenly and went to Eritrea to join the struggle for independence and became a martyr.

These were some of the stories and anecdotes from my childhood and the parenting style my parents used to stir me by inspiring and encouraging me to be bold and to be good prepared with inexhaustible consciousness and knowledge for humanity in the world. My parents were acting as benevolent persons and they have tried to be my critical supporters regarding politeness, telling the truth, generosity and self-reliance by respecting my freedom to make my own decisions in life in order to pursue the way I have chosen in life. Their motto was “a stitch in time saves nine” and not indoctrination of their child with a dogmatic doctrine of ultra nationalism and religious fanaticism.

 

On the contrary, the nowadays Eritrean youth are the victims of the devastating vision of DIA and the greedy and abysmal ambitions of their families which are complimented by the act of cowardice and hypocrisy. Here questions over questions can be asked and we can write books of horror stories by telling the anecdotes about the youth. What are the driving force and inspiration of such young people who are fleeing from their beloved country to Europe and elsewhere and leaving behind them what they loved and appreciated in their life? What was the parental role in the life of these young people? What was and is the role of the regime in destroying their dreams, cultivating hatred and loss of national identities of these young people who are supposed to be our future and continuity as a nation? What are the perceptions and misconceptions of the opposition groups regarding the youth’s issue? What are the state of art and their expectations of the Diaspora?

Well as reported 74% of the population in Eritrea is born is born in independence; that’s after 1991. This is splendid for a country which is in the middle of a nation’s building process. Cheap and fresh man power, creative source of innovation in a quest for happiness and possibilities to improve one’s life can be driving factors that lead a country into a quantum leap of a national economy. But education is the key to life as ever before. It is important to have a youth with strong differentiated knowledge and volition to permanent learning in order to stay competitive in a world and time of globalization. But what remains in a country where the only one University of Asmara is closed  and the country is full of military colleges with unmotivated teaching stuff and students who dream of fleeing out the country sooner than later. In a nation building process collaborations with other international universities and participating in professional training programs, international conferences and workshops could help the development of the young people. These can help to create a sustainable and competitive society in a world of globalization. This is crucial in cultivating our human resources as a main national asset. Well, the government doesn’t allow young Eritreans to travel anywhere out of the country. Because government needs to assure via the endless national services its cheap clueless, tamed and amenable taskforce for its war machinery. The government has made bad experience when in the mid-nineties in the last century many young educated people asked for asylum after they left Eritrea with a scholarship. Here the opposition groups have also partially played its role in encouraging and assisted these students or upcoming teacher to seek for asylum in order to weaken the regime in Eritrea. The education system and its impact in Eritrea begin from the times of the revolution till now. It is depicted and discussed in the PhD-thesis of Dr Mussie Habte who is nowadays a parliamentary adviser of education in Germany. How and why an impoverished nation which has made promising strides in medicine began to fail after the government has clamped down on its foreign partnerships as discussed on Nature.com “The science in the developing world: Eritrea’s shattered science”.

Nevertheless, we know that many children of the high rank officials of the regime are getting education outside the country. Beside this the regime in Eritrea invests a lot of USD to cultivate and indoctrinate the Diaspora Young-PFDJ members, while wasting and abandoning the young people in Eritrea as cannon fodder. Though, it is very recommendable to assist and pursue our young new refugees to get higher education in western countries in case one day the country becomes free of the totalitarian regime and we do not have to start from the nil. It is a crime to dissipate such future Eritrean intellectual potential by letting them work in hotel rooms as cleaning stuff and paupers of the western countries.

In the foreign media the most reasons reported why these young people in the age between 5 to 40 years flee the country is in fact the endless national service which is called by its real name as a national slavery. But what these guys don’t understand is how unbearable the pressure imposed by the families and friends on these young people can be, if they stay quite inactive in Eritrea and they could be regarded as losers when they don’t take a risk and  leave the country to improve the life of their families sacrificing  their own lives. This is a remnant of a cultural adaptation of the old patriarchal society in which the man is the supplier of his families. The father of psychoanalytic Sigmund Freud has stated “human beings desire what they see every day” so I believe besides the national slavery stuff, the tremendous cultural pressure on these young guys might force them to leave the country and take all that risk in order  to come to Europe. It is an attractive idea and feeling to leave the hell and come to a paradise where all their old problems vanish at ones. But what if the supposed destination is not paradise but as stated by many young Eritrean a camouflaged hell? And what if one’s old problems are solved but the solutions of his new problems are out of his hands? What if one’s older problems were much easier to fight  back than the new ones; due to the lack of adequate tools or vitamin B to handle the cultural clashes without exact having of a social awareness of your new homeland? These will be the cases if one thinks all western countries are democratic as they seem and its citizens are equally treated by neglecting the power of the unwritten law and lobbies that prevail in the industrial societies.

We all know that knowledge is the passport to the future and the key solution for our many problems. But what if knowledge becomes a problem by itself? Does this disapprove the philosophical content of the critique of pure reason published by Immanuel Kant in 1789, from where many of the European legislation relay on?

It is certain, there is a demographic change in the western society which might let one believe the future of our youth regarding getting employment is guaranteed. On the other hand the unemployment of the young and educated members of this European society is increasing and higher than ever before. In some European countries the number of young job seeker is more than 50%. Parallel to this unhappy situation, in the near future the robotic technology will be even more sophisticated so that many parts of industrial and public workload  which still  could be done by human labour will be done by the machines. In the field of robotic nursing of old people, drivers in public transportation will be substituted by autopilots. In the future cars will go from one place to other without any human intervention. In the bank the service at the counter is and will be reduced to the minimum so that finally the bank director and his secretary will remain alone. In the civil construction field instead of a human an assembly robots will play major roll. In the field of medicine doctors of conservative surgery and even your family doctor will be replaced by intelligent robots that will measure your blood pressure and other chemical and physical measureable value of your body in order to tell you the state of your health in the morning, although you don’t feel ill. The warfare and military logistics is changed if we refer to the latest development and war conduct using drones in fighting against terrorism. The soldiers at the battle fields will be replaced by machines. This is not a scenario from the terminator or predator movies but a reality and state of the research at the universities such as MIT which started with a research program called “the Nano-soldier” funded by millions of dollars early in the nineties of the last century in order to develop strategic materials and equipment for soldiers using nanomaterials and nanotechnologies. All this clarify that the work opportunities and assignments for young refugees are not amazing in the western world but the consequence could be devastating as I will discuss below.

In 1991 J.W. Berry discussing on the acculturation and adaptation in new society, in 1977 R. Taft discussing on the coping with unfamiliar cultures and in 2011 the sociologist Nkechi Madubuko discussing on stress of immigrants based in acculturation have indicated that a new cultural adaptation stress can lead to the feelings of inferiority and alienation. According to them this situation might lead to depression and increasing susceptibility of psychosomatic reactions. Madubuko has found in her research that scholars of colored people in Germany are exposed to strong stress in consequence of acculturation due to confrontation with stereotypes and prejudices. Thus they mostly react with certain behavioral pattern. It is usual that the black scholars have to perform in the area of their expertise much more than the natives in order to experience the same social recognition. Madubuko manifested in her research a relationship between the experience of acculturation and the resulting stress that is also influenced by the migration policy of the host country and the structure of its society. To my mind since the mid eighties the numbers of colored people are increasing constantly in Europe. Despite the great deal of economical and cultural contribution of these former immigrants and nowadays citizens of the European countries, they have not yet arrived in the middle of the European society. The colored people are regarded as citizens only on the paper as long as the Europeans demand assimilation without acceptance of these people as a part of their society. This fact can be easily shown for example by comparing the percentage numbers of the achieved degree of education and their occupation of different highly positions in German society. Namely, nowadays the number we get from educational statistics is that the Bio-Germans that means of European ancestry and German citizens with immigration background have 10% and 12% with university degree, respectively. If we compare their positions for the time being, then 99% are occupied by Bio-Germans and about 1% with German citizens of the immigration backgrounds. This number could be much higher if we do not neglect the other young south European job seekers and workers who come to Germany during and after the world financial crash of 2008.

To improve the work opportunity and unhappy situation for immigrants in Germany on 3rd of June 2014 I wrote an open letter to the government of Germany requesting the launching of an affirmative action for German coloured people and if it is necessary to debate my stand with the members of the assembly in the Bundestag. The answer I have received from the Bundeskanzleramt in Berlin was   weak and floppy.

Well, I want be clear  how grateful I am regarding the generosity and limitless access to high education I have been enjoyed in Germany regardless of the cultural challenges and discomforts I have experienced and still I am experiencing within the German society. I will discuss this issue on a great deal in other publications. My personal experience might be very important to be presented and discussed in accordance to the conclusion of the bestseller author and philosopher Richard David Precht who stated that the equality of opportunities for education in Germany has not been given. He believes that the access to higher education is social class dependent and does not come from ones’ efforts. His conclusion is worrying if we observe that 75% of the new young immigrants in Germany are leaving the school or apprenticeship without a certificate (no graduation).

Nowadays the German society is polarized than ever before. After the summer of 2015 where the number of asylum seekers has towered above 1 million in Germany and the estimated accommodation and the living costs averaged more than 40 Billion Euros only for the last year; the German society has started to rebel against its own government. Although the amazing welcoming culture initiated by the federal chancellor Angela Merkel “Wir schaffen es” and more than 13 million Germans were involved in helping to integrate the new refugees, this unprecedented situation was for many right-wing oriented German nationalists indigestible. In the winter of 2015 there were about 1300 fire attacks on refugee camps and many criminal assaults on refugee by Neo-Nazis as it was stated by many antiracism foundations in Germany. A renowned German government adviser and director of the institute of economical research in Germany Prof Dr Dr Hans-Werner Sinn has said that although the young aged refugees with the age between 18 and 30 could be the blessing for Germany regarding the devastating demographical changes. These people could pay the pension in the upcoming 15 years for the aging German population that was born in the baby boom period in the mid fifties to mid sixties of the last century in Germany. Further he argues that economically the estimated educational costs will be ca. 400,000 Euro for each of these one million new refugees of which almost  many of them have the level of Pisa-I education grade, which means they are illiterate persons who are unable to read and write and solve simple arithmetic. He said that making such a big investment on education of these refugees will not pay off at the end of the day. He states that in order to achieve the education level which is useful in Germany, these people have to pass about 15 years of education which might cost the German taxpayers more the 140 Billion Euros. He believes that many of these people will have to compete for lower paid jobs with other native uneducated Germans. He guesses that this might be good for the capitalists that want to underpay pay their employees but not for many Germans of the same class who relay on the so called “Mindestlohn” which is minimum wage. These people could decrease the German minimum wages and cause an agitation which could result in social clashes. He also said that for 25 years in Germany the wages of the workers has not increased and the industrial productivity has decreased due to the high inflation.

Nowadays many young Eritrean refugees are coming to western countries seeking for a shelter and security from war and starvation. The western countries were not meant to be and shall not mean to be our permanent but rather temporary places to save our souls from atrocities of the war. Peoples’ contentment and coexistence in a world of globalization are always dependent on the political and economical situation of one’s country of origin. So wherever we are and whatever we achieved; it is vital to roll up our sleeves and fight for improvement of the desolating situation in our country and get back to our roots even if it will take us many years which are comparable to the Exodus of Jewish people.

Thank you so much for reading this essay and I am looking forward for your critical comments and questions via Dr.TadiosTesfu@gmx.de

 

“ሓጺር መልእኽቲ ንመራኸቢ ቡዙሓን ኤርትራ፡ ሓሶት ሓጺር እዩ ኣእጋሩ!”

 

 

ዓለም ብሰንኪ ምዕዋት ናይ ሓቤሬታ-ሰዉራ፡ ን ንእሽቶ ቁሽት ኣብ ዝተቀየረትሉ እዋናት፡ ኤርትራዉያን ነዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ንዋት፡ ከመይ ንጥቀመሉ ከምዘሎና ሓፈሻዊ ዳህሳስ ከድሊዮና እዩ። እቲ ምንታይስ፡ ጥቕምታቱን ጉድኣታቱ ዝተጠቀምናሉ ማዓላታትን ዉጽኢታቱ እንዳገምገምና ዘይንኸይድ እንተኼና ንዕንወት ዝተዓዝረ መገዲታት ክንወስድ ስለንኽእል እዩ። ሓቤሬታ ምህላዉ ፍርቂ ናይቲ ክትዓሞ ትሓስብ ጉዕዞ ምስላጥ እዩ። ሓቤሬታ ዝተዓጥቀን ዝሰነቀ ሕብረተሰብ ፈጺሙ ኣብ ደርበስበስ ዘይኣቱ ሕቡሩን ፈላጥ ሕብረተሰብ እዩ። ሓቤሬታ ኣብ ኣርባዕተ መሰረታዊ ገጽታ ዝምርኮሱ እዮም። ንሳተን ድማ፡-

  1. ኣብ ሓቂ፡
  2. ኣብ ሓሶት፡
  3. ኣብ ምናልባትነትን
  4. ኣብ ተኽእሎታት ተሞርኪሱ ዝቃላሕ እዩ። ሃሰስ ኢልካ ነቲ ዘድልየካን ሓቕን ክትወስድ ድማ ናትካ ናይ ምምማይ ብቕዓትን ተሞክሮ ዝሓትት እዩ። ኩሉ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ዝቃላሕን ዝዝርጋሕ ሓቂ ማለት ኣይኮነን።

መራኸቢ- ቡዙሓን (Mass Media) ዝተፋላለየ መልክዓትን ዓይነታትን ዋላታት መራኸቢታት እኳ እንተሃለዎ፡ ዕላማታቱ ግን ከመይ ጌርካ ናብ ኣእዛን ወይ ኣዒንት ነባሮ (mass audience) መልእኽታትካን ሓቤሬታትካን ተብጽሕ እዩ።ብፍላይ ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ድማ ማሕበረሰብ ዓለምለኸ ከምዝፈልጦ ኣብ ኤርትራ ክልተ ዝተፈላለየ ገጽታታትን ዕላማታት ዘለወን መራኸቢ ቡዙሓን ከምዘለዋ እዩ። ንሳተን ድማ፡-

ቀዳማይ ብዘሎ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እንተ ብቐጥታ ብተዛዋዋሪ ዝዉነናን ንዑኡ ከምናይ ፕሮፖጋንዳ መሽን ዘገልግላ ክኾና እንኮለዋ፡

ካልኣይ ድማ ብናይ ተጻይ ፖሎቲካዊ ጉጂለታትን ዉልቀሰባትን ዝዉነና ኣንጻር እቲ ገባቲ ስርዓት ዝቐንዓን ኣንጻሩ ንጡፍ ፕሮፖጋንዳ ዘካይዳ እየን።

ካብዚ ኣሳላልፋኣን፡ ኣዋዳድብኣን፡ ኣታሃላልዋኣን ፡ ዕላማታተን ንጥፈታተን…ወ.ዘ.ተ ዝነቐለ፡ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ይኹን ኣብ ግዳም ናጻ ዝኾነ መራኸቢ ቡዙሓን ኣሎ ንክትብል ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ወነንት ፈነወ ሬድዮታት፡ ቴለቪዝናት፡ መጽሔታት፡ ወፕሳይታት…ወ.ዘ.ተ ንሕና ካብ ኩሉ ናጻ ዝኾና፡ ንህዝቢ ሓቤሬታታት ንምዕንጋሉን፡ ንቕሓትን ሓቤሬታዊ ዓቕሚ ህዝብና ንምሕያሉ ዝተላዓልና ኢና ቢሎም ክጽዕዱ መዓልታዊ ዝስማዕ ጽዕዶ እዩ። ነዚ ንሳተን ዝጽዕድኦ ጽዕዶ ንምርግጋጽ ንምድህሳሶም ኣብ ትፍትነሉ እዋናት ግን ብዘይ ገለ መሳናኽላት ብድሕሪኦም ዘለዉ ደፋእት ሓይልታትን ዕላማታተንን ንምልላዮም ቡዙሕ ዘእግም ኣይኮነን። ገሊኤን ንኣፍሮ ዓረባዉነት፡ ንጽንፈነት-ሓበሻዉነት፡ ንሃይማኖታዉነት፡ ንብሔራዉነት፡ ንጸቢብ ዉድባዉነት፡ ንዉልቀ ተፈላጥነትን ረብሓ፡ ንዕምሪ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ኤርትራ ንምንዋሕ፡ ንህዝባዊ ሃልክን መሳርሒ ናይ ግዳም ሓይልታት ኮይነን ዝሰርሑ ምኻነን ንምልላየን ዘእግም ኣይኮናን።

መብዛሕትኣን መራኸቢ ቡዙሓን ዝጥቀማሉ ቋንቋታት፡ ዝዝርጋሕን ዝንበብን ጽሑፋት፡ ዘካይድኦ ጎስጋሳት፡ ዘዉርይኦ ወረታት፡ ዘሕልፍኦ መልእኽትታት፡…ወ.ዘ.ተ ክትሰምዕን ክትነብብን እንኮሎኻ፡ ካልእ ኣነ ዘይፈልጣ ኤርትራ ኣላ ድያ ዘብልን፡ ነቲ ከም ዉሑስ እንወስዶ ሃገር ኤርትራ ዝባሃል ነገር ከምዘየሎ ዝእምትን ዝፋታተንን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ምስቲ ከም መተካእታ እዚ ህሉዉ ስርዓት እንሓስቦን እንምናዮን ቃልስታትን ዕላማታትን ዝኸይድ ኣይኮነን። ሃስዉ ኢልካ ሓንቲ ዘመናዊ ሲቪካዊ ሃገራዉነት ኣታሓሳስባን ዕላማን ዝወነነት መራኸቢ ቡዙሓን ክትድህስስ ድማ ኣጸጋሚ እንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ።  ልዕሊ ኹሉ ግን ዓለም ብመራኸቢ ቡዙሓንን ምንጭታት ሓቤሬታን ንሓንቲ ንእሽቶ ቁሸት ኣብተቐየረትሉ እዋናት፡ ከዳናግር እየ ኢሉ ዝሓስብ ዉልቐሰብ ወይ ጉጂለ ናይ መራኸቢ ቡዙሓን እንተድኣ ሃልዩ ዓሻ ምኻኑ እዉን ዘይምፍላጡ ንጥበብ ዕሽነቱ መሊሹ ዘንዕቆ እዩ።

ዜጋታት ንማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን (Social media) ኮምፒቴር ተጠቂሞም ንፌስ-ቡክ፡ ፓልቶክ፡ ዩ-ቲዩብ…ወ.ዘ.ተ ይግልገሉ እዮም የግዳስ ዛጊት ብብቕዓትን ንኣዉንታ መዓላ ይጥቀሙሉ ኣለዉ ክትብል ቡዙሕ ኣየድፍርን። ብመንጽሩ ንኣሉታ መዓላታት ይጥቀሙሉ ኣለዉ ዝብል ግምታት ኣሎኒ።

ካብ ድሮ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት 2009 ጀሚሩ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ኤርትራ ዘይተማጣጠነ ዉድቀትን ትንሳኤን፡ ምርሕራሕን ምዉሻብን፡ ምዕልባጥን ምምናይ (forging) ወሬታትን፡ ምዉድዳርን ምጽራያትን፡…ወ.ዘ.ተ ተራእዩ እዩ። ኩሉ ግን ዘፍረዮ ሃናጺ ቅንጣብ ነገር የሎን። ዝዓበሶ ነገር እንተሃልዩ፡ ንሕልምታይ ኣዕሪጉ፡ ንዱሁላት ኣፍሪሑ፡ ንሓስዉቲ ናይ ሓሶቶም ጽምኣት ኣርዉዩ፡ ንኩዉንን ዘይክዉንን ወረ ዝፈትዋ ኣእዛን ወዲ ሰብ ንካብ ካልኢት ናይ ጊዝየ ዓቀን ዘይትልዕል  ኣሖጊሱ፡…ወ.ዘ.ተ። ሎሚ ኣብ ሎሚ መዓልት ደዉ ትብል ኣይኮነትን። ንጽባሕ ክትቕየር ስለዝኾነት፡ ቀጺላ ድሕሪ-ጽባሕ እንታይ ክባሃልን ክኸዉንን እዩ፡ ጊዝየ ዝምልሶ ሕቶ እዩ።

ብወገነይ ይምስክር ኣሎኹ፡ መራኸቢ ቡዙሓን ኤርትራ ካብ ናይ ጋዜጠኛነት፡ ብሎገር፡ ዌፕማስተር፡ ዌፕሳይት…ወ.ዘ.ተ ስነምግባራዊ-ሕጊ (code of ethics) ወጻኢ ክሰርሓ። እቶም ናይ ጋዘጠኛነት ኪኢላታት ክእሎቶምን ሞዮኦምን ብ ኣዝዮም ድኹማትን ፈጠርት ኣቓናበርት ወረ ትዓብሊሉን ተሰሪዱን ክዕሉቑን ክጽዕዱን፡ ብብርዕን ብወረቐትን መዓልታዊ ሰባት ክቐትሉን ከተሱኡን፡ ክኣስሩን ክፈትሑን፡ ካብ ስልጣን ከዉሩዱን ከደይቡን፡ ከሕሙሙን ከጥዕዩን…ወ.ዘ.ተ ዝዉዕሉን ዝሓድሩን፡ ካብ ዘለዎም ትጽቢታት ዝነቐለ ዘየሎ ነገር ከቛናጅዉ፡ ካብ ኣቀዲሙ ዝተጻሕፈን ዝተወርየን ኣስማትን ሕጥበ-ጽሑፋትን እንዳመንጠሩን እንዳለቆሙን ወረታት ክፍብሩኹን ዳግም-ክምስርሑ (recycling)፡ ንዝጽሕፍዎ ናይ ወሬን ዑሎቓ ድርሳናቶም ሓቂ ምኻኑ ንምርግጋጽ ካብ ኣቀዲሙ ኣብ ዌፕሳይታት ዝተዘርግሔ ሰነዳት ብምልቃብ እነሄልኩም መርትዖኣዊ ሰነድ ቢሎም ክጽዕዱ፡…ወ.ዘ.ተ ክንደይ ኢልካ እሞ ክጽብጸብ እዩ። ዝገርም ነገር እንተሃልዩ ነዚ ኽሉ ክገብሩ ማዕረ ክንደይ ግዝየን ተበግሶን ከምዘለዎ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ከምዘይኮነ እዩ።

ብኣንጻር እዚ ድማ “”ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ከምዝባሃል”” ኣብ ክንዲ ልሳን ህዝቢ ምኻን፡ ከም ሓለይት ጸጥታን ልዕላዉነት ሃገርን ኤርትራ ተመሲሎም ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዑ ዝመስሉ ሎኽመኛታት እንተብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ልሳንን መሳርሕን ናይ ዘሎ ምልካዊ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኾኑ እዮም።

ሓደ ሓደ ግዝያት እቲ ዝጻሓፍን ዝዝርጋሕን ወሬታት ምስ ዉሽጣዊ ሕልምታቶምን ትጽቢታቶምን ዝትኣሳሰረ ብምኻኑ ንሓንሳብ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን፡ ንሓንሳብ ፖሎቲካዊ ምንቕስቓስ፡ ንሓንሳብ ከም ሕቡእን ምስጡርን ሕብረተሰብኣዊ ፖሎቲካዊ ምንቕስቓስ…ወ.ዘ.ተ ምኻኖም ዝእምእት ሒቕታታት ኣሎ። ብስነፍልጠት ሓደ ኣግእዞ ወይ ነገር ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ክልተ ቦታ ክህሉ ስለዘይክእል ጥበራታት ምኻኑ ንምግንዛቡ ቡዙሕ ዘእግም ኣይኮነን።

መራኸቢ ብዙሓን፡ (Mass media) ከም ዓቢ ናይ ለውጥን ቊጽጽር ትካል መጠን፡ ንመስላትን ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ምቕላሕ፡ ንዘይሕጋዊ ግህሰታት ዜጋታት ምቅላዕ፡ ንሽርሕን ጉርሕን ሓድነት ህዝቢ ዘይደልዩን ዝጻቡኡን ኣካላት ምቅላዕ፡ ንኣወንታዊ ተበግሶታን ምእንቲ ምዕዋት ማሕበራዊ ፍትሕን ግዝኣተ ሕጊን ሓድነት ሃገርን ህዝብን መስርሑን ምቕላሕን ምቁጽጻርን፡  ንሓቤሬታዊ ትሕዞን ንቕሓትን ህዝቢ ንምሕያልን ምኹስካስን ክሰርሕ እዩ ዝግብኦ። ሓይሊ መራኸቢ ቡዙሓን  ካብ ህዝቢ ምድንጋርን ጸለመን ወረታት ምፍብራኽን ጸግዒ መንግስት ወይ ተቃዋሚ  ምውፋር ነጻ ክኸውን ኣለዎ። ዜጋታት ናይ መራኸቢ ቡዙሓን ግዳያት ከይኮኑ ክጥንቀቅ ኣለዎ። ኣልዕል ኣቢሉ ንዜጋታት ከም ገበኛታት ካይ ፈርድ ክጥንቀቕ ኣለዎ። ካብ ጠቀነን ምክፋትን ክርሕቕ ኣለዎ። መራኸቢ ቡዙሓን ህዝቢ መሰሉ ንክረክብ ዝጽዕት ካብ ጸጊዕነት ነጻ ዝኾነ እንተዘይኮይኑ መሳርሒ ናይ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት እዩ።።

መራኸቢ ቡዙሓን ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንልሳን ህዝቢ ሎጊሙ ንብሕቱ ዝዕንድረሉ ኣእምሮ ዜጋ ዘዕንዝሮሉ ንዋት ኮይኑ፡ ብኣንጻር እዚ ድማ ብዲስፕሊንን ስነምግባራዊ ሕግታት ዘይተቀየደ ናይ ተጻይን ላንጋላንጋ መራኸቢ ቡዙሓን ምስ ዝኸዉን ኩሉ ንኣእምሮ ኤርትራዊ ዜጋ ንክቓጻጸር (manipulating) ዝህቕን ሰይጣናዊ ንዋት እዩ። ንክልቲኡ ወገናት መራኸቢ ቡዙሓን ድማ ሓሶትን ምንድናጋራትን ሓጺር እዩ ኣእጋሩ ብምባል ሓጺር ኣማቲ መልእኽተይ ይዛዝም።

 

 

መርእድ ዘርኡ

m.zerut@gmail.com

18/02/2009

 

 

 

 

 

ምዝንባዕ ስልቲን ስትራተጂ ንማሕበራዊ ሰዉራ ንሓደጋ ዘሳጥሕ’ዩ፣

ግዳይ ናይ ሕልምታቱ ዝኾነ ህዝቢ፡ ጽምዲ ቃልሲ ዝጽበዮ እዩ።  እዚ ሕጂ ከነካይዶ ዝግብኣና ማሕበራዊ ሰዉራ፡ ኣገዳስነቱ ካብቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣንጻር ባዕዲ ዘካየድናዮኢ ቃልሲ ካብኡ ዝተረረን ዝኸበደን’ዩ። ንሕብረተሰብ ኤርትራ ጉዳይ ምርግጋጽ ሰላም፡ ራህዋ፡ ጽጋብ፡ ርዉየት፡ ስሓ፡ ጥዕና፡ ማዕረ ዕድላት፡ ምርግጋጽ ሰብኣዊን ዲሞክራስያዉን መሰላት፡ ሙሉእ ተሳትፎ ኣብ ምዉሳን ጉዕዞ ሃገሩን ምምሕያሽ ነገራዊ መንፍሳዊ ባህላዉን ድሌታቱን ጠለባቱን ብዝተሓተ ደረጃ ዝራጋገጸሉ ህሞት እንተዘይፈጢርና፡ ኤርትራ ወትሩ ኣብ መስቀላዊ ጎደና ሓደጋታት ዝተሳጥሔት ሃገርን ህዝብን ክትከዉን እያ።

ከም ህዝብን ሃገርን  ዝተነጸረን ነቕ ዘይብል ሓባራዊ ፖሎቲካዉን ሕብረተሰብኣዊ ራእይን ሕልሚ ፡ ነዚ ሓባራዊ ህዝባዊ  ራእይን ሕልሚ ክጸሮ ወይ ክስከሞ ዝኽእልክ ኣዕኑድ-ቅርጻ እንተዘይብልና፡ ነቲ ብሕልናናን ኣካልናን ንሓስቦ ዘሎና ስትራተጂካዊ ዕላማ ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና። ነቕ ዘይብል ሓባራዊ ፖሎቲካዉን ሕብረተሰብኣዉን ራእይን ሕልሚናን፡  ኣብ ወሳኒ ግደ ሰብ  ማእከል ቦታ ዘትሓዘ ስትራተጂካዊ ጽምዶ እንተዘይኮይኑ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ነገራዉን መንፈሳዉን ድሌታቱ ከማልእ ኣይክእልን እዩ። ካብ ጭቆና፡ ኣድልዎ፡ ግዳይነት፡ ስእነትን ድንቁርናን ሓራ ክኸዉን ኣይክእልን እዩ። እዚ ስትራተጂ እዚ ሰብኣዊ ዓቕምታትና ብዘይ ገለ ገደብን መሰናኽላትን ዘምዕብለሉ፡ ኣብ ልዕልና ሰብ ዝተመስረተ ቬርገሳዊ ሕብረተሰብን ሃገራ ንምህናጽ  ዓቢ ድርኺት ክፈጥረልና እዩ።

ከምዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ንምህናጽ ድማ፡ ብዘይ ዝተነጸረን ነቕ ዘይብል ሓባራዊ ፖሎቲካዉን ሕብረተሰብኣዊ ራእይን ሕልሚ  ክዕወት ኣይክኣልን እዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ዝተነጸረን ነቕ ዘይብል ሓባራዊ ፖሎቲካዉን ሕብረተሰብኣዊ ራእይን ሕልሚ ሃሊካ ብዘይ ምዕሩይን ንጥፉን  ሱታፌ ህዝቢ ንክዕወት ክሕሰብ ዘይክኣል እዩ። ምኽንያቱ ተሳተፍነትን ምዕሩይነት እቶም ቀንዲ እምነ መሰረት ናይ ምዕብልናን ዓወትን እዮም። ኣብ ሱታፌ ህዝቢን ህዝቢ ዝተስረተ ዳይነሚክ ቅርጻ እንተዘይሃሊዩ ዝተነጸረን ነቕ ዘይብል ሓባራዊ ፖሎቲካዉን ሕብረተሰብኣዉን ራእይን ሕልሚ  ሃሊካ እዉን ስጋ ዘልብሶ ስለዘይብሉ ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ቅድሚ ኣብ ዝርዝራት ምእታው ፖሎትካዊ ኣምራዊ ትሕዝቶ ስትራተጂን ስልቲ ብቅልል ዝበለ ኣጋላልጻ ምግሩሑ ስለዘድሊ ከምዚ ዝስዕብ ከርሰ ቁምነገር ዘለዎ እዩ፣-

ምትካል-ዋልታ (Strategy)፣ ኣቀዲሙ ክንጸር ዘለዎ ቡዙሓት ናይ ዝተፈላለየ ጽላታት ማለት ወትሃደራዊ፣ ጸጥታዊ፣ ምጣኔ-ሃብታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ስነ-ትምህርታዊ፣ ስነ-ጥዕናዊ…ወ.ዘ.ተ ዓይነት ስትራተጂታት ከምዘለዉ እዩ። ብሓፈሻ ድማ ስትራተጂ ክባሃል እንኮሎ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ፣ ኣብ መጻኢ ዝተፈልየ ቅርጻን ትሕዝቶ ንክህልዎ ፣ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ-ጽልግልግ ዝርከብ ዕላማታት ንምዕዋትን ጋህዲ ንክኾኑ ትሕንጽጾ ዝላዓለ ጽፍሒ ዉጥን እዩ።  ስትራተጂታት ናይ ነዊሕን ሓጺር ጊዝየ ተባሂሎም ክዕየርን ክምደብ ዝክኣል እዉን እዩ።

ሜላ ( tactic) ስልቲ ክባሃል እንኮሎ፡ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዕማም፣ ንዝወጠንካዮም ስትራተጂታት ንምዕዋት፣ ኣብ መስርሕ ጉዕዞኻ ንዝተወሰነ ዕማም ዝተወሰነ ኣምራዊ-ተግባር ምትእትታዉ እዩ፣ ስልትታት ኩሉ ጊዝየ ኣብ ተግባር ምስቲ መዓልታዊ ዝገጥሙኻ ብዶሆታትን ዘለዉኻ ጸጋታት፣ ብኣታቶም ስለዝዉሰኑ ኣዝዮም ተዓጻጸፍትን ተላዋወጥትን (pragmatics) እዮም። ስልትን ስትራተጂን ሞጎታዊ ምትእስሳራት ስለዝህልዎም፣ ጉጉይ ስልቲ እንተሃሊካ ንስትራተጂኻ ብኣሉታ ይጸልዎ፣ ጉጉይ ስትራተጂ እንተሃሊካ ድማ ንስልትኻ ብኣሉታ ስለዝጸልዎ፣ ስልትን ስትራተጂ ዝተጣዓዓሙ ወይ ዝቃደዉ ክኾኑ ኣለዎም። ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዝተሞርኮሰን ብዕታር መትከላት ፖሎቲካዊ ነግሒ-እምነትካ ዝተቛነዩ ክኾኑ ይግብኦም።

ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ጽልግልግ መድረኽ’ዚ፡ ቡዙሓት ተርእዮታትን ዝተጋህዱሉን፡ ዜጋታት ንዝገጥሞም ዘሎ ብድሆታት ምጥማሮሙን ምምሕድዳሮም ኣብዝሳኣኑሉ ወቕቲ፡ ኣንፌት ናይቲ ጽምዶ ንምስሓት ዘይትኣምነሉን ብልክዕ ዘይተረዳእካዮ ሓሳባት ካልኦት ምንቅስቓሳት ብኸፌል ወይ ብሙሉኡ እንዳወሰድካ ምዝንቡዑን ምግዕዛዩን ብቀጻሊ ዝራእየሉ ዘሎ መድረኽ እዩ። እቲ ዝኸፍኤ መልክዓቱ ድማ ነቲ ሓሳባት ሰሪቆም ኣብ ግቡኡ መዓላ እንተዘዉዕልዎ እዉን ሰናይ እኳ እዩ ነይሩ፡ እቲ ምንታይስ ሓስብ ዝፍጠር ደቂ ሰባት በብመውገዶም ኣብ መዓልታዊ መናባብርኦምን ንክጥቀሙሉ ዝምስራሕ ስለዝኾነ እዩ።  ብመንጽሩ ግን ኩሉእንትንኦም ምግዕዛይ ጥራይ ስለዝኾነ ስርሖም ብመትከል ክግጠሙ ኣድላዪ ዝኾነሉ ክዉንነት እዩ።  ሓደ ገበን ምስተፈጸመ፡ ፖሊስ ነቲ ቀንዲ ድርኺት (motive) ነቲ ገበን ንክፍጸም ዝደረኸ እዩ ዝፍትሽ። እዚ ካይተፈልጠ ንፍርዲ ምምርሑ እዉን ስለዘጸግሞ ነቲ ድርኺት ብኸፌል ወይ መላእ ክፈልጦ ይጽዕርን ይግደድ’ዩ። ስለዚ ንምንታይ እዮም ንሓደ ቁኑዕ ሓሳብ ከጋዕዝዩ ዝጽዕሩ ዝብል ሕቶ ኣልዒልካ ድርኺታቶም ክትፍትሽ ኣብ ትህቅነሉ እዋን ብዘይካ ስነ-ኣእሙራዊ ሕማማቶም ንምርካእ ተባሂሉ ዝፍጸም እንበር፡ ዋላ ሓንቲ ካልእ ረብሓታት ንምርካብ ዘካይድዎ ከምዘይኮነ መደምደምታ ትበጽሕ። ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ንመጀመርታ ጊዝየ ኣብ ዕለት 01/08/2011 ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝብል ህዝባዊ ዉደባ፡ ምስ መላእ ዳይነሚካዊ ቅርጹ፡ መግለጺኡን ዝርዝራቱ ነቲ ቅርጻ ዝሳማማዕ ናይ ዜጋታት ሃገራዉነት ስነሓሳብ (civic nationalism ideology) ብምጽማድ ዝኣወጀን ንህዝቢ ጽሑፋቱ ብዝርዝር ዝዘርግሔ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ እዩ። እዚ ማላት ቅድሚኡ ብተናጸል ወስታታት ወይ ሓሳብ ኣይነበረን ንማለት ዘይኮነስ፡ ብሙሉእ ትሕዝትኡ ኣማሊኡ ዝዘርግሔ ንማለት ዝዓለመ እዩ። ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ዝሓንጸጾምን ዝዘርኦሙን ፈልስታት ኣታሓሳስባ ካልኦት ጉጅለታት ከንህይሉን ኣብ ሓንጎሎም ሰሪጹ ክነጥፍሉ እንተጀሚሮም ከም ዓቢ ዓወት ኢና ንወስዶ። ብሱሩ እዉን መጽናዕትታትናን ዕላማናን ንህዝቢ ምዝርግሓና፡ ህዝቢ በብዝጥዕሞ ክነጥፈሉ እንበር፡ ንምብሓቱ ኣይነበረን። እቲ ኮይኑ እዚ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ንጥፉን ንጡፋት ኣባላትን ቻፕተራት ዘለዎ ምንቅስቓስ ሙኻኑ እዉን ክዝንጋዕ የብሉን።

ነቲ ሓሳብ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ንሙቁዳሱ እዉን ኣስታት 150 ዝገጻቱ መጽናዕታት፡ ማነፌስቶ፡ ዳይነሚካዊ ቅርጻ ዘነጽር ዝሓዘ ኣብ ኢንቴርነት ዘርጊሕና፡ ኣብ ፈነወ ሬድዮ ኣብ ፓልቶክ መግለጺ ሂብናን ካብ ህዝቢ ዝመጸና ሕቶታት ብንጹር መሊስና ኢና። ድሕሪ እዚ ዓቕምና ብዝፈቀዶ መጀመርታ እታ ኣዋሃሃዲት ኮሜቴ ኣብ ዘላቶ ሃገርን ክፍለዓለምን ኮይና  ኣብ ጽምዶ ስትራተጂ ሓደ ናጽነቱ ዝኣወጀ ዉልቀ ዜጋን ዝንኣሳት ስፍራ ኮይና ነቲ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ክፍልምዎን ብኡ ኣቢሉ ንመላእ ህዝቢ ንክላባዕ ተኽእሎታት ከምዘሎ ብምንጻር ስራሓቱ ጀሚሩ። ነዚ ብግቡእ ዝተረድኡ ጉራቔናት ሓይልታት ነቲ ሓስብ ብከፊሉ ማለት ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዉደባ ብምባል ክነጥፉሉን ክወዳደብሉን እኳ እንተጀመሩ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘረባ ሓሊፉ ዝተገብረ ኣድማዒ ነገራት የሎን። ንኣብዚ ኣዋናት’ዚ ነቲ መሓዉር ህዝቢ ወሲዶም ነቲ ርእሲ ዝኾነ ስነሓሳብ ብምንጻግ ዘዘንብዑ ድቀተሓሳብን ተግባራትን ይጉሃሃሩ ኣለዉ። እዚ ማለት ሓደ ሰብ ርእሱ እንተተቆሪጹ ማሓዉራቱ ክንቃሳቀስ ኣይክእልን እዩ። ከምኡ እዉን ካብታሕቲ ንላዕሊ (bottom-up) ዉደባ ህዝቢ ዝመርሖ ስነሓሳብ ርእስን ኣዒንቲን እንተዘይብሉ ብጻልጣ ንበይኑ ብስም ኣንጻር ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣይክሰርሕን እዩ። እቲ ምንታይስ ዝበለጸ ዕላማታት፡ መትከላትን ስነ-ሓሳብን ርእስን ዓይኒን ናይቲ ኣብ ህዝቢ ዝስረት ዳይነሚክ ህዝባዊ ቅርጻ ስለዝኾነ እዩ። ገለ ሰባት ነት ለኒን ኣብ ድሮ ሰዉራ ጥቅምቲ 1917 ዝበሎ “ ዉደባ ጥራይ ሃበኒ እንበር ነቲ ሰዉራስ ባዕለይ ኣለኽዎ” ዝበሎ ጥቅሲ ብጌጋ ስለዝተረድእዎ፡ ዉደባ እንተፈጢርና እቲ ማሕበራዊ ሰዉራ ክባራዕ ይኽእል እዩ፡ ካብ ዝብል ሕልናታት እዮም ዝነቕሉ። ሌኒን መራሒ ጥራይ ኣይኮነን ነይሩ፡ ሓሳባይን ተግባራይን እዩ ዝነበረ፡ ስለዚ እኹል ፖሎቲካዊ ራእይን ስትራተጂን ስለዝነበሮ እዩ ከምኡ ቢሉ ዝተዛረበ። ብዓቢኡ ግን ንሰዉራ ጥቅምቲ 1917 ክዕወት ዝገበርዎ፡ ብቀሊሉ ኣብቲ እዋን እቲ ክድህሰሱ ዘይክእሉ ዝነበሩ ዓለምለኻዊ ናይ ጽዮይነት (International Zionist) ምንቅስቕስ ብምንባሩ ካብ ዘይምፍላጦም ዝነቕል ክኸዉን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምታት ኣሎኒ።

ንዳይነሚክ ኣብ ህዝቢ ዝተሰረተ ማሓዉራዊ ቅርጻ  ወይ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኣዋዳድባ ህዝቢ ከም ዕላማ ወሲዶም ይዛረብሉን ይጋሳጎሱሉን ኣለዉ። ኣብዚ እዩ እቲ ፍጹም ምዝንባዕ ፖሎቲካዊ ኣምርን ተግባር ዝርኤ ዘሎ። እቲምንታይስ ህዝባዊ ይኹን ፖሎቲካዊ ቅርጸ-ዉደባ ስትራተጂ ኣይኮነን፣ ቅርጸ-ዉደባ ብመሰረቱ ስልቲ እዩ። ኣብ ዓለምና ቡዙሓት ዓይነት ቅርጸ-ዉደባታት ኣለዉ። ዝኾነ ህዝባዊ፣ ወትሃደራዊ፣ ዉድባዊ፣ ሰልፋዊ ፣መንግስታዊ…ወ.ዘ.ተ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝተፈልየ ራእይ፣ ስትራተጂ፣ ስልቲ፣ ቅርጻን መስርሕን ኣለዎም። ዳይነሚክ ቅርጻ-ዉደባ ንሓፈሻዊ ራእይ፣ ስትራተጂን መትከላትካን ኣብ ግብሪ ንምዉዓል፣ ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ቅርጻ-ዉደባ ስለዘድሊ ዝህነጽ መሓዉር እንበር ዕላማ ኣይኮነን ። እዚማሓዉር’ዚ ብፍጹም  ትኣምር ንበይኑ ብዘይ ንዕኡ ዝሳማማዕ ስነሓሳብ እስትንፋስ ክኸዉን ኣይክእልን እዩ። እስትንፋስ መትከላትካን ዕላማታትካን እዮም።

ቅርጻ-ዉደባ ምስ ኩነታትን ብድሆታት ብቀሊሉ ክቓያየር ዝክኣል እዩ፣ ራእይን ስትራተጂ ግን ናይ ነዊሕን ሓጺር ተባሂሎም ዝዕቀኑ እንበር፣ ብቀሊሉ ዝቓያየሩ ኣይኮነን። ንቅርጻ-ዉደባ ቅድሚ ዕላማ፣ ራእይን ስትራተጂ ምንጻርካ ዝስራሕ ኣይኮነን። እቲ ምንታይስ ማሓዉር ስለዝኾነ እዩ። ካብ ዕላማታት ነጺልካ ንቅርጻ-ዉደባ ከም ስትራተጂ ወሲድካ ክትጓሳጎሰሉ ምስትህቕን፣ ምዝንባዕ ስልትን ስትራተጂ ይግሃድ። ከምዚ ዓይነት ምዝንባዓት ድማ ኮነ ተባሂሉ ወይ ድማ ብዘይፍላጥ ነቲ ጉዕዞን ዕላማ ሲቪክን ናይ መሰረታት-ቃልሲ ኣታሓሳስባ ምዝንባዕን ምግዕዛይ እዩ። ኣብ መንጎ  ዓበይቲ ናይ 19 ክፍሊዘመን ፍላስፋታት ዝኾኑ ማርክስን ሄግል ዝነበረ ፍልልያት “ ነገር ዶ ይቕድም ወይስ ሓሳብ” ዝብል እዩ። በዛ ሓረግ እዚኣ ሚልዮናት መጽሓፍቲ ተጻሒፉን ንሓደ ዘመን ዝኣክል እዋን ንዓለምና ኣብ ክልተ ደንበታት ማቓቂልዋ እዩ። ስትራተጂን ስልቲን ኣማሕዲካ ምርኣይን ምሕሳብን እዉን ልክዕ ከምኡ ክኸዉን እዩ። እቲ ናይ መሰረታት ቅርጻ ንፖሎቲካዊ ዉድባት ክጥቀማሉ ወስታ እንተኾይኑ ድማ ኣይሰርሕን እዩ።

እስከ መታን ኩሉ ሰብ ብቀሊሉ ክርድኦ ብመልክዕ ሩዱኡ ሕቶታት ከነጽሮ፣

  1. ደቂ ሰባት ኣብ ሓሳብ ምስተሳማሙዑ ድዮም ቅርጻ ዘዉጹ፣ ወይስ ቅርጻ ኣዉጺኦም ድሕሪኡ ኣብ ሓሳብ ክሳማምዑ ዝፍትኑ?
  2. ገዛ ክትሃንጽ መጀመርታ ፕላን ዲኻ ተዉጽእ፣ ወይስ ገዛ ምስ ሰራሕካ ፕላን ተዉጽእ?
  3. መጀመርታ መሪሕነት ዉድብ ዲኻ ትመርጽ፣ ወይ ፖሎቲካዊ መደብ-ዕዮ ዉድብ ኢኻ ተዉጽእ?
  4. እቲ ስትራተጂካዊ ጽምዶ ኣብ ናጽነቱ ዝኣወጀ ዉልቀ-ዜጋን ዝንኣሰት ቦታ ዘማእከለ ካብ ኮነ፡ ስለምንታይ ብላዕሊ ተዋዳዲቡ ዝነጥፍ ኣሳሳዪ ሽማግሌ ኣድለየ?
  5. ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ብደረጃ ዝነብረላ ንኡሽቶ ቦታ ክነጥፍን ብደረጃ ዓለም ዝሓስብ ንምፍጣር ይድለ እንተሃልዩ መጀመርታ ኣዋሃሃዲት ሽማግሌ ድያ ክትወጽእ ዘለዋ ወይስ እታ ኣብ ዝንኣሰት ቦታ ክትፍጠር ትጽቢት ዝግበረላ ድቀ-ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ክትፍጠር ዘለዋ እያ?
  6. እቶም ትማሊ ንተበግሶታት ባይቶ ኣዋሳ ብሕልናን ብኣካል ዝድግፉ ዝነበሩ፡ ሕጂ ከመይ ገይሮም 360 ዲግሪ ተጠምዚዞም ፡ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ዝብሉ ዘለዉ? ካብቲ ዝጽንሕዎ ፖሎቲካዊ መስመር ተፋቲሖም ድዮም ወይስ እንታይ…ወ.ዘ.ተ ብዝኾነ ኩሉ ነገር ናይ ገዛእ ርእሱ ቅድመ-ተከተል ሒዙ ዝምዕብልን ዝካየድን እዩ። ብዕቱብ ክምለሱ ዘለዎ ሕቶታት ከምዘሎ ግን ክዝንጋዕ የብሉን።

ኣብ ፖሎቲካ ኤርትራ ንዜጋታት ኣብ ሓሸዉየ ሓሳብን ትግበራን ዘእትዎም ዘሎ ከምዚ ዓይነት ምዝንባዓትን ምግዕዛያትን እዩ። ኣብዚ ክንማሃረሉ ዝግባና ነገር እንተሃልዩ መጀመርታ፡ ብተናጸል ስልቲ ሒዙ ዝመጸና ዉልቀ-ሰብ ወይ ጉጂለ፣ ስትራተጂኻ እንታይ እዩ ኢልና ክንሓቶ ዝግባና እዩ። ከምኡ እዉን ብተናጸል ስትራተጂኡ ሒዙ ንዝመጸና ፣ስልትኻ እንታይ እዩ ንገረና ኢልካ ምሕታት ከድሊ እዩ። ስልቲን ስትራተጂ ፍልልያት የብሉን ዝብል እንተኾይኑ ድማ ኣጽኒዕካ ምጻእ ኤርትራ መመርመሪ (laboratory) ናይ ፖሎቲካዊ ሕልኽላኻትካ ኣይኮነትን ምባሉ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ተጋግዩ እንኮሎ እንዳተፈልጠ ከንሱ፡ ኣብ ክንዲ ጌጋታቱ ብግልጺ ትነግሮ፡ ከምዚ ደጊፍካዮ ዘሎኻ ዘምስል ርእይቶታት ተስምዖን መሊሽካ ሰፍ ዘይብል ጌጋታት ንክፍጽም ተታባብዖ፡ ብድሕሪኡ ኬድካ ድማ ኣንጻሩ ስሬኻ ዓጢቃ ትነጥፍን ንኣዴኻ ማይ ዉረደላ ብምባል ብዘይ ግሉጽ ምኽንያትን መግለጺን ራሕሪሕካዮ ምኻድ እዩ።

ብዝሰፍሔ መልክዓቱ ክርድኣና ዝግብኦ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ ሓደ ህዝቢ ንፖሎቲካዊ ዕላማታት ጥራይ ኣይኮነን ዝዉደብ፣ እንታይ ድኣ ንማሕበራዊ ጥቅምታቱ እዉን ከምዝዉደብ ክርድኣና ይግብኦ።  ሓደ ሕብረተሰብ ናይ ጸቕጢ ኡግሚ (potential of Pressure) ዝኸዉን ድማ ንዝተነጸረ ስትራተጂ፣ ብተማዓዳዊነት ብማሕበራዊ ጥቅምታቱን ፖሎቲካዊ ጥቅምታቱ ክዉደብ እንኮሎ እዩ። እቲ ምንታይስ ኩሎም ቃልስታት ናይ ጥቅሚ ሕቶታት ንምፍታሕ ዝሳላሰሉ ማሕበራዊ ፍሕፋሔ ብምኻኖም እዩ።

ብመንጸር እዚ ንሕና ኤርትራዉያን ኣብ ግምታትና መላእ ህዝቢ ኣንጻር ሓደ ጭቛኒን ገባትን ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብ ፖሎቲካዊ ዉደባን ቃልስን ክኣቱ ኣለዎ ኢልና ስለንሓስብ፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖሎቲካዊ ዉደባ ክኣቱ ቀጻሊ ንጽዉዕን ንደሊ፣ እዚ እዉን ጌጋን ዘይፍታሕ ሕልሚ እዩ። ሓደ ሕብረተሰብ ደራፋይ ብክራሩ፣ ጽሓፋይ ብቡርዑ፣ ሓኪም፣ መምህር፣ ነዳቃይ፣ ጸራባይ ፣ቀብኣይ፣ማሃንድስ ብሞይኡ…ወ.ዘ.ተ ብተዋፊሮምሉ ዝነጥፉሉ ዘለዉ ማሕበራዊ ምክፍፋል-ዕዮ፣ ኣብ ምቅያር ሕብረተሰብን ማሕበራዊ ሰዉራ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዓቢ ግደ ዝጻወት እዩ።

ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰባት ዓለምና ኣብ ፖሎቲካዊ ጽምዶ ተወዲቦም ዝንቃሳቀሱ ኣዝዮም ዉሑዳትን ኣድማዕትን (effective minority) ዝላዓለ ብልሒ ጫፍ ንቕሓት እቲ ሕብረተሰብ ዝዉንኑ እዮም። ነዞም ባእታታት እዚኣቶም እስትንፋስ ዝህቦም ድማ፣ እቲ ብሞዩኡን ብጥቅምታቱን ዝዉደብን ዝነጥፍ ህዝቢ እዩ። ነዚ ዓይነት ንጥፈታት ኢና ድማ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ እንብሎ። ስትራተጂን ስልትን ናይ መሰረታት ምንቅስቓ ብግቡእ ዘየጋናዘበ፣ ነቲ ማእከል ስሕበት (center gravity) ወይ ሕመረት ናይቲ ጽምዶ ስሒቱ ስለዘሎ፣ ነቲ ቃልሲ ኣብ ሓሸዉየ (havoc) የእትዎን የጋዕዝዮ ኣለዉ። ኣብ ፖሎቲካ ኤርትራ ኩሎም ሙሩጻት ፖሎቲካዊ ቃላት ገበቲ ይኹን ኣዛመዉቲ ሓይልታት ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ስለዝጥቀሙሎም ዳርጋ ኣጋዕዝዮሞ እዮም። ነዚ ምግዕዛያት መታን ክንዉግንን ከነነጽርን ብግብራዊ ንጥፈታቶም ክንመዝኖም ድማ ይግብኣና።

ሓደ ዲዕ ዝበለ ጸቢብ ካብ ስምዒታት እንዳ ዘይተናገፈ ዲሞክራሲ፣ ሲቪክ፣ ማሕበርነት፣ ዕልማናዊ፣ ዓዉላማ እንተበለ፣ ሓደ ጭቛኒ ገባቲ ፖሎቲካዊ ጉጂለ ማሕበራዊ ፍትሒ እንተበለ፣ ሓደ ሂወት ዘይብሉ ዉዳቕ ሰብ መላእ ሕብረተሰብ እንተዋረደ፡ ሓደ ግዕዛይ ክርዳድ ሕብረተሰብ ታሪኽ እንተኣካማሻመሸ፡ ሓደ ኤትኒካዊ ብሃገራዊነትን ሃገራዊ መንነት እንተጽዓደ፣ ሓደ ወይጦ ኤርትራዊ መንነት ዝባሃል የሎን እንበር፣ሓበሻዊ መንነት እዩ እንተበለ፣ ሓደ ሃይመኖታዊ ከም ሓላይ ብመንጽሩ ዘሎ ሃይማኖት ኮይኑ ክመስል እንተፈተነ፣….ወ.ዘ.ተ ኩሉ ንምዝንባዕ ጽምዶታትናን ዕላማናን እንበር ካልእ ፋይዳ ዝርከቦ ኣይኮነን። እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ድማ ምዝንባዕ ስልቲን ስትራተጂን ክጋሃድ እንኮሎ እዩ። ዝተነጸረ ስልትን ስትራተጂን እንተዘይሃልዩ ኣብ ዝብጻሕ ቁም-ነገር ኣይህሉን እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ኣብ ጊዝየ ዓዉላማ እቲ እንኮ መፍትሒ ንጸገማትና ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ እዩ ብምባል፡ ንክትግበር ቡዙሕ ጎስጎሳት ተኻይዱ እዩ።  የግዳስ እቲ ዜጋ ንናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ዉደባ ንክፍጠር ጊዝየ ክበልዕ ይኽእል እዩ ፡ “ኩነታት ሃገርናን ህዝብና እስትንፋስ ዝህብ ስለዘይኮነ፡ ዝቀልጠፈን ዝጸንሔን ከም መንቀሊ ወሲድና ንቅድሚት ንኺድ፡ ካብ ዝብል የዋህ ግምታት” ንጻዊዕት ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ብኣዉንታ ኣይመለሰሉን። ብመንጽሩ ነቲ ባይቶ ኣብ ኣዋሳ (ኢትዮጵያ)  ዝሳላሰል ዝነበረ ባህርያቱን ናይ መጻኢ ኣንፈቱን ቀንዲ ደረኽቲ ሓይልታቱ  ብግቡእ ካብዘይምርዳእ ዝነቀለ ዝመስል፡ መላእ ፖሎቲካዊ ዉድባት፡ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳትን ኣገደስቲ ዉልቀ-ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ስለዝኾነ፡ ብቀሊሉ ክዕዉተና ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ግምታት፡ ነዚ ናይ ኣዋሳ ባይቶ ብምስዓብ፡ ነቲ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ብምንጻግ ምስ መንደቕ ተጋጭዮም ምስተረፉ፡ እቲ ብዝተኸተልዎ መገዲታት ዝፍታሕ ዝመስሎም ዝነበረ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኣንካይ ዶ ክፍታሕስ ንገዛእ ርእሱ እቲ ባይቶ ኣዋሳ ኣብ ደዉታ ኣትዩ መሽሙሹ ረማዕ ምስበለ፡ እቶም ትማሊ ብሕልናን ብኣካልን ኣባላት ባይቶ ኣዋሳ ዝነበሩ ሕጂ ድማ ኣዋሃሃድቲ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ኮይኖም መጽዮሙና ኣለዉ። ስለዚ ዝሓለፍካዮ ተሞክሮታት ካይገምገምካ መዓልቲ መጸ ግልብጥብጥ ጣቛ ዘለዎ ዝመስል ጉዳይ ኣይኮነን።  ንሳቶም  ንኣዋሳ ክነግዱ ክኸዱ እንከለዉ ንሕና እዚ ትኸድዎ ዘለኹም መገዲ ቁኑዕ ኣይኮነን ብምባል፡ ነዚ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ከም መፍትሕን መተካእታን ኣብ ምጥያስ ተጸሚድና ከምዝነበርና ንሕና ንፈልጥ ንሶም ድማ ይፈልጡ እዮም። ሕጂ ከምዚ ሓደ ነገር ዘይነበረን ዘይተገብረን ኣምሲልካ ነቲ ቁኑዕ ሓሳባትን ዕላማታትን ምትሩማሱን ንቀንዲ ጽምዶታት ምዝንቡዑን  ብመትከል ንጹግ እዩ። ኣረ ከመይ ገይሮም እዮም እቶም ክሳብ ሕጂ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ (top-down) ዝንግሪራዊ ዉደባን ምሕደራ  ዝኣምኑ ዝነበሩ፡ ሕጂ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ (bottom-up) ዘንቃዕርር ዉደባን ምሕደራ ዝኣመኑ?

ኣብ መዛዘሚ ርእይቶይ፡ ናይ ብሓቂ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ክካየድ ይድለ እንተሃልዩ፡ ሰረገላ ኣብ ቅድሚ ፈረስ ምእሳር ኣየድሊን እዩ። ብዛዕብኡ ኣቀዲሙ ቡዙሕ ተባሂሉን ተጻሒፉን ስለዘሎ፡ ነቲ ዝተባህለን ዝተጻሕፈን ከም መወከሲታት ተወሲዱ፡ ህዝቢ ካብ  ሓርነቱ ዝኣወጀ ዉልቀ ዜጋን ዝንኣሰት ቦታን (free individual citizen and local) ጀሚሩ፡ ድቀ-ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ይፍጠር። እዘን ኣብ ዝንኣሰት ቦታ ዝተፈጥራ ድቅታት ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ኣብ ዝነብራሉ ብደረጃ ዓዲ፡ ከተማ፡ ወረዳ፡ ኣዉራጃን ሃገርን መጋባእያታት ብምጥርናፍ፡ ብደረጃ ዓለምለኻዊ ምስ ጎዶቦታት ሃገራት ዘዋሳስበን ናይ ህዝቢ መጋብእያን መሪሕነትን ስለዝፈጥራ፡ ብዝፈጠርኦምን ዝመዘዝኦም ናይ ህዝቢ ባይቶ ተወኪለን ምስ ጎደቦታት ሃገራት፡ ክፍለዓለማትን ዓለምን ዝጥርንፍ ኣዋሃሃዲ ሽማግሌን ሓይሊ ዕማማት ብምፍጣር ናይ ለዉጢን ጸቕጢ ኡግሚ ዝኾነሉ ብቀሊሉ ክዉንነት ክፍጠር ይክኣል እዩ። ካብ ተሞክሮይ ገለ ዜጋታት ጊዝየ ካይ ወስድ ዝሰግኡ ኣለዉ። እቲ ስግኣት ኣብ ልዓቱ ዘሎ ኣይኮነን። ብዘይ ዉዓል ሕደር ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ቦታታት ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ብምጽዋዕ መጋባእያታት ንፍጠር እሞ ከመይ ኢሉ ከምዝላባዕ  ክዉንነት ከርእየና እዩ።

https://eritreancdm.wordpress.com/2014/08/21/%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A-%E1%89%A3%E1%8B%AD%E1%89%B6%E1%89%B3%E1%89%B5%E1%8D%A1-%E1%8A%95%E1%88%83%E1%8C%88%E1%88%AB%E1%8B%8A%E1%8A%95-%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9B%E1%8B%8A-%E1%88%98-2/

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

8/5/2016

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዉያን ገዛእቲ ዘካየዶ ቃልሲ ፍትሓዊ እዩ ነይሩ፡ ሕጂ እዉን ኣንጻር ገበቲን ኢዲሞክራስያዊያን ዝካየድ ቃልሲ ፍትሓዊ እዩ። ኣቀዲሙ ዝተሳላሰለ ቃልሲ ፍትሓዊ ስለዝነበረ ተዓዊቱ፡ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ድማ ፍትሓዊ ስለዝኾነ ክዕወት ሙኻና ዘጣራጥር ኣይኮነን። ኣብ መስርሕ ዝካየድ ቃልሲ ዝርኤ ገበናት፡ ጉርሕታት፡ ዉዲታት፡ መጻወድያ: …ወ.ዘ.ተ ብኣዝዮም ዉሑዳት ዜጋታት፡ ነቲ ናይ ቡዙሓን ዕላማ ትሕዝቶ እቲ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ናብ ዘይፍትሓዉነት ብፍጹም ኣይቅይሮን እዩ።

ተመክሮ ብዙሓት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ብሓፈሻ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ፡ ከምዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ፡ ኣዝዩ መሪርን ነዊሕን ሰዉራ ኣሳላሲለን፡ ሃገራዊ ናጽነተን ድሕሪ ምርግጋጸን፡ ባዕዳዊ ጨቆንቲ ሰጊገን፡ ብሓደሽት ዉሽጣዉያን ጨቆንት ዝተክኣ ቡዙሓት ሃገራት እየን። እዚ ዘሕዝን ተመክሮ ድማ ኣብ ሃገርና ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ጋህዲ እዚ ካልእ ካብኡ ዝገደደ መጽያዊ-ተረኽቦ (scenario) ካይፈጠረ እንኮሎ ንምዕጋቱን ኤርትራን ህዝባ  ኣብ ንጹር መጽያዊ ማኣዝን ርእሰ-ቀስት ንምስርዓ ናይ ዝሓለፈን ሕጂ ዘሎ ተሞክሮና ምምዛን የድሊ እኳ እንተኾነ፡ ወግሔ ጸብሔ ኣብኡ ዕንክሊል ምባል ግን ንዘይብቕዓትካን ዘይድልዉነትካ ንቃልሲ ምንጻር እዩ። ሓድሽ ወለዶ ብሕምቀት ናይ ዝሓለፉ ወለዶ ኣይነብርን እዩ። እንታይድኣ ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊን ህዝባዊ ግዴታታት ክፍጽም ድሉዉ ምስዝኸዉንን ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ዝፈጸሞ ጌጋታት ብተግባር ምስ ዝእርም ጥራይ እዩ።

ኣቀዲሙ ክንጽርን ክበርህን ዘለዎ መሰረታዊ ጉዳይ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ዕላማን ፖሎቲካዊ ዉደባ በበይኑ ክልተ ዝተፈላለየ ቁም-ነገራትን ሞጎታዊ ምትእስሳራት ዘለዎ ሙኻኑ እዩ። ፖሎቲካዊ ዉደባ ነቲ ዕላማ ንምዕዋት ዝዋደድ መሳርሒ እዩ። ዕላማ ግን እቲ ሎሚ ትሓልሞ ጽባሕ ጋህዲ ክትግብሮ ዝድለ ራእይ እዩ። ንጹሩን ፍትሓዊ ዕላማ እንዳሃለወ ከንሱ ጉጉይ ዉድብ ክፍጠር ይክኣል እዩ። እቲ ዉደባ ጌጋ ስለዝነበረ ወይ በቲ ዉደባ ገበን ስለዝተፈጸመ ግን እቲ ዕላማ ጌጋ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ተሞክሮ ቃልስታት ዓለምና ከምተራእየ፡ ሓንፈጽ ዓመጻዊን ሰላማዊ ቃልሲ ዘሳላስሉ ፖሎቲካዊ ዉድባትን ግንባራት፡ ኣንጻር ጸላኢኦም ዘላዓልዎ ዓመጻዊ ቃልሲ ብተዛማዲ ናብ ህዝቦም ከምዝዛዙን ዝጸሉን እዩ። እቲ ዓመጽ ስለዝገዝኦም ኣንጻር ጸላእቶም ጥራይ ዘይኮነ ኣንጻር ህዝቦም እዉን ዓመጽ የዘውቱሩ እዮም። ኩሉ ዝፍጽምዎ ዓመጻት ድማ ብስም እቲ ዕላማ ህዝቢን ማሕበራዊ ሰዉርኡን ይኸዉን።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ) ናይ መን እያ?

  1. ናይ’ቶም ጀጋኑ ዝተሰዉኡ? ንመን ግዲ እዮም ተሰዊኦም? ንህ.ግ.ሓ.ኤ ዶ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራ?
  2. ናይ’ቶም ኣካላቶም ዝሰንከሉ? ንመን ግዲ እዮም ሰንኪሎም? ንህ.ግ.ሓ.ኤ ዶ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራ?
  3. ናይ’ቶም ህልዋትን ኣካላቶም ዘይተተንከፉ? ንመን ጊዲ እዮም ተጋዲሎም? ንህ.ግ.ሓ.ኤ ዶ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራ?

ነዘን ኣቀዲመ ብቅድመተከተል ዝጣሕመስክወን ሕቶታት ብኣእሙሮኹም ምስ መለስኩመን፡ ብሱሩ ህ.ግ.ሓ.ኤ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ንሓንጎልኩም ክፋራሮቆ ስለዝኾነ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ሓደ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ግንባር እዩ።  ሓደ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ግንባር ከ እንታይ ማላት እዩ? ሓደ ሰፊሕ ፖሎቲካዊ ግንባር፡ ዜጋታት ዝተፈላለየ ፖሎቲካዊ ዝንባሌታት ዝዉንኑ፡ ንኩሎም ብኣድራጋ ዝብድሆም ዳይነሚክስ ክህሉ እንከሎ፡ ነዚ ሓባራዊ ብድሆ ሓቢሮም ዝቃለስሉ፡ ኣብ ናይ ዕላማ-ሓድነት ዝተሞርኮሰ ልፍንታዊ ዉደባ ሰሪሖም ዝነጥፍሉ ሕብረተሰብኣዊ-ንዋት እዩ። ፖሎቲካዊ ዉድብ ንዋት ድዩ ወይስ ዕላማ? ፖሎቲካዊ ዉድብ ንትዉንኖ ዕላማ ወይ ራእይ ንምዕዋት እቲጥቀመሉ ንዋት ጥራይ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝተፈልየ መድረኽ ትሕዝትኡን ቁርጹ እንዳተቃያየረ ዝኸይድ እዩ። ንመረዳእታ ካብ 1970-1977 ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ንዕቦልዩን፡ ሰልፊ ናጽነትን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝጠመረ፡ ኣብ መጀመርታ ናይ 1977 ድሕሪ ቀዳማይ ናይ ሓድነት ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተባሂሉ ሓድሽ ፖሎቲካዊ ፕሮግራም፡ ሓድሽ ቅዋምን ቅርጻን ሒዙ ተቀይሩ። ከም መቀጸልትኡ ድማ ድሕሪ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ-መግዛእቲ ናጻ ምዉጽኣ፡ እቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ብተመሳሰሊ ንህ.ግ.ደ.ፍ ተቀይሩ። እዚ መስርሓት ‘ዚ ዘርእየና ጉዳይ እንተሃልዩ ሓደ ፖሎቲካዊ ዉደባ ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ካልኣይ መድረኽ ዘሳጋግር መኪና ወይ ንዋት ሙኻኑ እዩ። ሓደ ፖሎቲካዊ ዉድብ ዕላማን ተሉኡኸን መላእ ህዝቢ ዝጾረ፡ መላእ ህዝቢ ብኣካል ዘሳተፈ፡ ኣንጻር ባዕዳዉያን ገዛእቲን ዉሽጣዊ ዓመጻት…ወ.ዘ.ተ ደዉ ዝበለ ክኸዉን ይኽእል እዩ፡ ዋንነቱ ግን ናይ ዝተወሰኑ ጉጂለ ወይ  ናይ መላእ ህዝቢ ክኸዉን ይኽእል።

  1. እቲ ዉድብ ብጉጂለ ዝዉነን ምስ ዝኸዉን ዉሳኔታትን መምሪሒታትን በቲ ጉጂለ ይሓልፍን ይዉሰንን፡ ህዝቢ ነቲ ጉጂለ ይምእዘዝንን ነቲ ጉጂለ ይፈርህን።
  2. እቲ ዉድብ ብመላእ ህዝቢ ዝዉነን ምስ ዝኸዉን ዉሳኔታትን መምሪሒታትን በቲ ህዝቢ ይሓልፍን ይዉሰንን፡ ዉድብ ንህዝቢ ኣገልግሎት ይቕርብን ንህዝቢ ይምእዘዝን ይፈርህን። እዚ ኣብ ላዕሊ ኣሕጽር ኣቢለ ጣሕሚሰዮ ዘሎኹ ፖሎቲካዊ ክዉንነት ኣብ መላእ ዓለም ዝተራእየን ዘሎን ክዉንነት እዩ። ካብዚ ክዉንነት እዚ ወጻኢ ክሳብ ሕጂ ከም ተርእዮ ኣይተራእየን።

ኣብ ዉሽጢ ሰዉራ ኤርትራ ክልተ ተማዓደዉቲን ተዋሳሰብትን ሓይልታት ብቢመገደሙን ብሓባር ዝተቃለስሉ ሃገርን ሕብረተሰብን እዩ።

  1. 98% ዝብዝሖም፡ብዘይግብዝና ዝፈትዋን መተካእታን ዘይብላ ሂወቱ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ኤርትራን ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ነብሱ ረሲዑ ንዝኣመነሉ ዕላማ ንምዕዋት ዝተሰዉኤን ክስዋእ ድልዉ ዝነበረ ወገን እዩ።
  2. 2% ዝብዝሖም፡ብዘይግብዝና ዝፈትዋን መተካእታን ዘይብላ ሂወቱ፡ ንሃገራዊ ናጽነት ንፖሎቲካዊ ስልጣኖም ንምርግጋጽ፡ ነብሱ ካይረስዔ ንዝኣመነሉ ዕላማ መስዋእቲ ዝኸፈለን ክስዋእ ድሉዉ ዝነበረ እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣብ ክልተ ምዳቤታት ዝመደብክዎ ወገናት ኣብ 2 ዳይነሚክ ዉደባታ ተሰሊፉ ተጋዲሉ፡-

  1. ኣብቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ”።
  2. ኣብቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ”ን ሙስጡር ሰልፊ “ህዝባዊ ሰዉራዊ ሰልፊ ኤርትራ ቀጺሉ ብማሕበርነታዊ ሰልፊ ኤርትራ ዝፍለጥ ዝነበረ’ዩ።

እዞም ክልተ ወገናት ተማዓደዉቲን ተዋሳሰብትን ሓይልታት ብቢመገደሙን ብሓባር ዝተቃለስሉ ንሃገራዊ ናጽነት ከራጋግጹ እኳ እንተበቕዑ፡ ስርዓት ናይ ቡዙሓት ከራጋግጹ ኣይክኣሉን። ብመንጹሩ እቶም ኣዝዮም ዉሑዳን ኣብ ልዕሊ ቡዙሓን ተዓዊቶም። እቲምንታይስ ኣብ ማዓናጡ ቡዙሓን ተጸፍዮም ብሙስጡር ተወዲቦም ከም ቀላሲ ሓይሊ ኮይኖም መጸወዲያታቶም ስለዝጸመዱ እዮም። ይኹን እንበር ሰዉራ ኤርትራ ንሃገራዊ ናጽነትን ሰብኣዊ ሓርነት፡ ምስቲ ዝነበሮ ንጹር ዕላማ ዝጣዓዓም ኣብ ህዝቢ ዝተሰረተ ናይ ዉደባ ቅርጻ፡ ራእይ፡ ፖሎቲካዊ መደብ-ዕዮ፡ ዝተራቀቀ ስለያዉን ወትሃደራዉ ስትራተጂ፡ ኣዝዩ ተዓጻጻፊ ምስ ጊዝየን ኩነታትን ዝከይድ ስልትን ስትራተጂን ሓያል ናይ ምምዕባል ወሳኒ ግደ ሰብ እንተዘይነብሮ፡ ፈጺሙ ነቲ ቃልሲ ህዝቢ ኣይምስዓሰሎን፡ ብቀንዱ ድማ እቲ ሰዉራ ኣይምስተዓወተን ነይሩ።

ሚስጢር ዓወት ሰዉራና እዚ ካብ ኮነ፡ ነዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ተሪር ብድሆታት ንምብድሁን ማሕበራዊ ሰዉራ ንምስልሳል፡ ሃናጺ ተሳትፎን ምትእትታዉ (participation & intervention) ህዝቢ ወሳኒ ምኻኑ ካብ ፈለጥና፡ ዘድልዩ ቅድመ-ምቅርራባትን ትሕዝቶን እዉን ሉሉያት እዮም። ኣቀዲምና ክንግንዘቦም ዝግብኣና ሓቕታት ኣሎው። ንሱ ድማ ኤርትራዉያን ኣብ ድርኹኺት ምህናጽ ዘመናዊት ሃገረ-ደዉላ፡ ምህናጽ ሃገራዊ ናይ ሓባር ኤርትራዊ መንነት ወይ ኤርትራዊ ሃገራዉነት፡ ምርግጋጽ ምዕቡልን ፍትሓዉን ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ከምንርከብ እየን። ነዚ ንምትግባር ሃገራዉነትን ሓርበይንነት እንዳወቃዕካ ክትግበር ከምዘይክኣል ብግቡእ ክንፈልጥ ኣሎና።

ኩሉ ዝካየድ ቃልስታት ኣህዛብ ንክልተመሰረታዉያን ዕላማታት እዩ፡-

  1. ብሓባር ብሰላም ንምንባርን፡
  2. ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ እዩ።

ሰላም ክህሉ 2 ጫሌዳ ዳይነሚክስ ኣለዎ ንሳተን ድማ፡-

  1. ነባሪ ሰላም ከም ሳዕቤን ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ ኮይኑ፡
  2. ጊዝያዊ ሰላም ድማ ከም ሳዕቤን ፍርሕን ራዕድን ንጊዚኡ ዝርኤ ምትህድዳእ እዩ።

ስለዚ ንሕና ኤርትራዉያን ኣብ ዉሽጥናን ከባቢናን ከነራጋግጾ እንደሊዮ ሰላም ካብ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነቕል ክኸዉን ስለዘለዎ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ዓለባ ሳሬት ፍርሕን ራዕድን ክትርባዕ ኣለዎ። ዓለባ ሳሬት ፍርሕን ራዕድን ምትርባዕ ማለት ካብ ኩቱር ሕሰምን መከራን ዝነቀለ ጭንቀት ዝንቀሎ መንደረግሓት ምስንዳዉ ማለት ኣይኮነነን፡ እንታይድኣ  ብቀዳምነት ዓቕምኻ ምፍላጥ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ትብሎን ትሓስቦን ብኸመይ ትብሎን ተቀምጦን ምፍላጥ እዩ። ምእንቲ ህልኽ ህልኽ፡ ምእንቲ ክብሎ ኣሎኒ ምባል፡…ወ.ዘ.ተ እንተኾይኑ ግን ኣብ ክንዲ ፍታሕ ህዉከት፡ ኣብ ክንዲ ሃናጺ ኣዕናዊ ክከዉን ስለዝኾነ፡ ሓደ ዉልቀ-ዜጋ ወይ ብናጻ ዝቆመ ጉጂለ ማዕረ ክንደይ ክዝርጋሕን ክጭበጥን ከምዝኽእል ከለሊ ጽቡቕ እዩ።

http://www.bbc.com/news/magazine-35667355

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

m.zerut@gmail.com

25/02/2016

 

መንግስት ኣብ ስደት {government in exile}:

ኣብ ፖሎቲካዊ ንጥፈታት ኤርትራ፡ እዚ መንግስት ኣብ ስደት ዝብል ጣቓ ፖሎቲካ ዳርጋ ካብ 1975 ዓ.ም.ፍ ዝዝረበሉ ዝነበረ ምኻኑ ኣቀዲመ ከዛኻኽር ይደሊ። ቅድሚ ምስ ሕሉፉን ህልዉን ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታታት ኤርትራ ምዝማደይ፡ ፖሎቲካዊ ትሕዝትኡ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ክትግበርን ክእወጅን ይኽእል ምስ ዓለምለኻዊ ተቀባሉነቱ ብምዝማድ ክገልጹ ክፍትን እየ።
መንግስት ኣብ ስደት ዝብል ከም ፖሎቲካዊ ኣምርን ትግባሬን ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዝያት ብጻዕቂ ዝተዘዉተረ እኳ እንተኾነ፡ ከም ፖሎቲካዊ ኣምር ሓደ ፖሎቲካዊ ጉጅለ፡ ንጉጅሉኡ ከም ሓደ ሕጋዊ ወኪል ህዝባዊ ስልጣን ሃገሩ፡ ኣብ ስደት ኮይኑ ዝጽዕደሉ እዩ። ሕሉፍ ታሪኽ ከምዝምህረና፡ መንግስት ኣብ ስደት መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ወቕት ኩናት ወራርን ጎበጣን ዝተራእየን ዝተዘዉተረን ምኻኑ እዩ።
መንግስት ኣብ ስደት፡ መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ ብነገስታት ወይ መሳፍንት {monarchs or feudalist} ዝተዘዉተረ እኳ እንተኾነ፡ ብካልኦት እዉን ዝጻዓድ እዩ። መሳፍንት ወይ ነገስታት ጸኒሓዊ (ትዉፊታዊ)ሕጋዉነት ዉናኔ ፖሎቲካዊ ስልጣን {traditional legitimacy} ኣሎና ስለዝብሉ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ብዉሽጣዉያን ዜጋታቶም ወይ ድማ ብናይ ግዳም ጎቦጣ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ክምንዛዕ እንኮሎ፡ ወይ ድማ ሓደ ብሕጋዊ ህዝባዊ ምርጫ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ፖሎቲካዊ ጉጂለ፡ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ወይ ናይ ግዳም ጎበጣ ዝተረከቦ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክምንዛዕ እንኮሎ፡ ወይ ድማ ንሓንቲ ልዕላዊት ሃገር ካልእ ናይ ግዳም ሃገር ብጎቦጣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ከተእትዋ እንኮላ፡ ዜጋታታ ኣንጻር ጎቦጣን መግዛትን ልዕላዉነት ሃገሮምን ሓራ ንምግባር ኣብ ዝናጣጠፍሉ እዋናት፡ መንግስት ኣብ ስደት ተባሂሉ ከምዝእዋጅን ከምዝናጣጠፍን ታሪኽ ብጽኑዕ የዉክኣልና።
እቲ መንግስት ኣብ ስደት ኢሉ ዝእዉጅ ፖሎቲካዊ ጉጅለ፡ ሓንቲ ምዓልቲ እንተኮይንሉ፡ ናብ መቦቆላዊ ዓዱ ተመሊሱ፡ ነቲ ነይሩኒ ወይ ክህልወነ ኣለዎ ዝብሎ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ክመርሕ እየ ኣብ ዝብል ግምታት ዝነብርን ዝናጣጠፍን እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣስታት 11 ፖሎቲካዉያን ጉጅለታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስት ኣብ ስደት ዝኣወጃ ኣለዋ። ኩነታታተን ዝተፈላለየ ዝገብረን እኳ እንተኾነ፡ ኩለን ሓንቲ ምዓልቲ እንተኮይንለን፡ ናብ መቦቆላዊ ሃገረን ተመሊሰን፡ ነቲ ነይሩና ወይ ክህልወነ ኣለዎ ዝብልኦ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ክመርሕ እየ ኣብ ዝብል ግምታት ዝነብራን ዝናጣጠፍን እየን። ዓለምለኻዊ ሕጊ ንግብራዊ ስጉምቲ ኣዋጅን ንጥፈታትን መንግስት ኣብ ስደት ክቕበሎ፡ እቲ መንግስት ኣብ ስደት ዝእዉጅ ፖሎቲካዊ ጉጅለ ከማልኦ ዝግብኦ ሮቛሒታት እኳ እንተሃለወ፡ ነዚ ሮቛሒታት ኣማሊኡ እዉን ተመሊሱ ንሃገሩ፡ እቲ ዝጠልቦ ዝነበረ ዋንነት ፖሎቲካዊ ስልጣን ከም ሕጋዊ ዉሕስነት ዝህቦ ወይ ዝቕበሎ የሎን። ስለዚ ዳግም ንመቦቖላዊ ሃገሩ ብምእታዉ ብሕጋዊ ምርጫታት ፖሎቲካዊ ስልጣን ክዓትር ኣለዎ ማለት እዩ።
እዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ካብ ኮነ እቲ ሓቕታት ትርጉምን ተግባርን ናይ መንግስት ኣብ ስደት፡ እንታዋይ ፖሎቲካዊ ጉጅለ እዩ ሕጅ ኣብ ኤርትራ መንግስት ኣብ ስደት ኢሉ ዝእዉጅ? እንታይ ሕጋዉነት ኣለዎ? መን እዩ ኸ ተዋጋያይን ተካኢን ፖሎቲካዊ ስልጣን ገይርዎ? ኤርትራ ኸ ኣብ ትሕቲ ግዳማዊ መግዛቲ ድያ ትርከብ? እንታይ እዮም እቶም ጭቡጣት ዳይነሚክስ ንመንግስት ኣብ ስደት ከኣዉጁ ዝደራርኹ?….ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ሕቶታት ክምለሱ ኣለዎም።
እቲ ሓቂ ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታን ክዉንነትን ኤርትራ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡–
1. ኤርትራ ሓንቲ ናጻ ልዕላዊት ሃገር እያ።
2. ናጻን ልዕላዊትን ሃገር ኮይና፡ ሓደ ሃገራዊ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዘለዋ እያ።
3. ብኹረት ዘቤታዊ ልዕላዉነት ቅዋምን ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና እያ።
ካብዚ ጭቡጥ ክዉንነት እዚ ብምንቃል እቲ መንግስት ኣብ ስደት ክንምስርት ኣሎና ዝባሃል ሓሳብን ዘረባታትን ንጥፈታትን ጽዉጽዋይ ምኻኑ ክገልጽ ይደሊ።
ድሕሪ ዙሑል ኩናት ዓለም ምዉድኡ፡ ቡዙሓት ዘይንቡራት ፖሎቲካዊ ስጉምትታትን ምዕብልናታትን ኣብ ዓለምና ክምተራእዩ ዝክሓድ ሓቂ ኣይኮነን። የግዳስ ኩሉም ካብ ዉሽጣዊ ኩዉንነትን ማሕበራዊ ጸጋታት ናይተን ዝተፈላለያ ሃገራት ስለዘይነቀሉ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ክፍትሑ ዘለዎም ተወሰኽቲ ሽግራት ኮይኖም ኣለዉ። ድሕሪ 2000 ዓ.ም.ፍ ጥራይ መንግስት ኣፍጋኒስታን ኣብ ጀርመን ተሰሪሑ ንዉሽጥ ኣፍጋኒስታን ኣትዩ፡ መንግስት ዒራቕ ኣብ ኣመሪካ ተሰሪሑ ንዒራቕ ኣትዩ፡ መንግስት ሶማል ኣብ ኬንያ ተሰሪሑ ንሶማል ኣትዩ…ወ.ዘ.ተ ከም ሳዕቤኑ ግን ዛጊት ተዛማዲ ቅሳነት ኣይተረኽበን። ርእሱ ዝኻኣለ ሃገራዊ መንግስት እዉን ዛጊት ኣይተራጋገጸን። ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሰራዊት ናቶ፡ ኣብ ዒራቕ ብሰራዊት ኣመሪካን ኣዉስትራልያን ካልኦት ሃገራትን፡ ኣብ ሶማል ድማ ብሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ ዝሕሎን ዝምራሕን ዘሎ።
ስለዚ ኤርትራዉያን ካብዚ ኣብ ከባቢናን ዓለምናን እንርእዮ ዘሎና ሓደገኛ ተሞክሮታታት ክንጥንቀቕ ኣሎና። ልዕሊ ኹሉ ግን መንግስት ኣብ ስደት ምቓምን ምእዋጅን፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ዘሎና ሽግራት፡ ንገዛ ነብሱ ክፍታሕ ዘለዎ ሽግር ምኻኑ ክንፈልጥ ኣሎና። ንሓንሳብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንሓንሳብ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ንሓንሳብ ልፍንት ወይ ስሙር ግንባር፡ ንሓንሳብ ቀጽርታት፡ ንሓንሳብ ምሕዝነት፡ ንሓንሳብ ኪዳን፡ ንሓንሳብ መንግስት ኣብ ስደት….ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ፖሎቲካዊ ሕዋማትን {formulas} ጣቛታትን፡ በብእዋኑ እኳ ገሊኦም እንተተግበሩ ገሊኦም ድማ ንክትግበሩ ዝዝረበሎም እንተኾነ፡ ንኩሉ ጥዕም ግድፍ ዘዋጽእ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ከዕዉተና ዝኽእል ፖሎቲካዊ ሕዋም ን ብልሓት ንዋት ቃልሲ ክንዓልብ ኣሎና።

ወድሓንኩም!
መርእድ ዘርኡ
08/01/2016
m.zerut@gmail.com