Monthly Archives: December, 2015

መድረኽ መንጎኛ ኣቓራራቢ ክኽውን ይክእልዶ ?

ብዛዕባ ጉዳይ ሓድነት ደምበ ተቓውሞ ንምምክኻርን ናይ ሓባር መረዳእታ ክህሉዎም ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ወርሒ ኣብ ጀርመንን ከንያን ርክባት ፖለቲካውያን ውድባትን ገለ በርገሳውያን ማሕበራትን ምክያዱ ይዝከር ። ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ነዞም ዝተገብሩ ኮንፈረንሳት ከሞጉሱ እንከዉ ፣ ካልኦት ከኣ ከምዘይተሓጎሱ ብልዙብ ቓላት ኣብ ክንዲ ምግላጽ ፣ ናይ ዓመታት ቆጺሮሞ ዝጸንሑ መርትዖ ዘይብሉ ሃበስ ቀደስ ፣ ንሓዲሽ ፕሮፓጋንዳ ኣንጻር ገዳይም ተገደልትን እቲ ኮንፈረንስ ክጥቀሙሉ ቀኒዮም ። ። እንተኮነ እቲ ኣገዳሲ እዞም ብሕጂ ዝካየዱ ኮንፈረንሳት ካብቶም ዝሓለፉ ኮንፈረንሳት ብዘይ ታሕዋኽ ኩሉ ዘድሊ ቅድመ ኹነት ተማሊኡ ብዓወት ክዛዘም ምግባር ናይቶም ኣዳለውቲ ቀዳማይ ዕማም እዩ ። ለውጢ ናይ ኣታሕሳስባ እምበር ፣ ለውጢ ናይ ቦታ ፍልልይ ዘምጽእ ኣይኮነን።

ዝኸበርኹም ተኸታተልቲ መርበብ ሓርነት ፣ ዝኮነ ዘይምርድዳእ ክፍጠር እንከሎ ፣ ኹናት ዘይኮነ ዘተን ሽምግልናን ገርኻ ምፍትሑ መኽሰብ እምበር ክሳራ የብሉን ። መድረኽ ሓቀኛ መንጞኛ ክኸውን እንተ መሪጹ ይርሓሰና ! እንተኾነ መድረኽ ኣብዚ ሕጂ ዝገብሩዎ ዘለዉ ናይ ኤርትራውያን ውድባት ምቅርራብ ክዕወት እንተኾይኑ ሻርነት ክርእዩ የብሎምን ። እዚ ማለት ንሓደ ውድብ ካብቲ ኻልእ የሻርዉ ማለት ጥራሕ ዘይኮነ ንገዛእ ርእሶም ኣካል ናይተን መላግቦ/ቀለቤት ክንኣስረለን ዝበሉውን ውድባት ክኾኑ የብሎምን ።

ኣቓራራቢ (Facilitator )ክብሃል እንከሎ ሓደ ኪኢላ (Expert)ኾይኑ ፣ ንመስሪሕ ናይ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ግርጪት ኣብ ውሽጢ ትካላትን ጉጂለታትን ዝምጭዉ ንምፍታሕ ዝነጥፍ ኣካል እዩ ፣ ዋንነት ናይቲ ጉዳይ ከይወሰደ ፣ እቶም ተሳተፍቲ ብሓባር ተዛቲዮም ብሉጽን ሓናጽን ዝኮነ ውሳኔ ክበጽሑ ይገበር ብኻልእ ኣዛራርባ ሓላፍነት ወይ ስልጣን ናይቲ ዛዕባ (Content) ከይወሰደ ፣ ነቶም ሰብ ጉዳይ ሓላፍነት ተቀቢሎም እቲ መሪሕ ተራ ክህሉዎም ይገበር ።ስለዚ መደረክ ነዚ መደብ ዕዩ እዚ ከሰላስል ካብ ተበገሰ ኣሳልጦ ክረክብ እንተ ኾይኑ፣ብቀዳምነት ንኩሎም ፖለቲካውያን ውድባት ብማዕረ ክዕደሙ ኣለዎም ። ኣይተዓደምናን ኣዋሲኖምና ዝብሃል ከይህሉ ። ካልኣይ ፣ መደረኽ ኣብ ሽማግለ Adhock ብማዕረ ምስተን ውድባት ክስራዕ የብሉን ።እዚ ነቲ ናቱ ዘይሻራነት (Neutrality ) ሓኒቁ ዝቀትል እዩ። ምክንያቱ ናይ ረብሓ ግርጪት ( Conflict of Interest ) ከስዒብ እውን ስለ ዝክእል

ኣብ ጉዳይ ኣሳላጥት (Structure and Process) ዝብሃል ተቛም ኣሎ ። ከም ዝፍለጥ ሓደ ገዛ ክትሰርሕ መሳርሒ ዝኾኑ ኣቅሑት የድሊዩኻ ። ምክንያቱ ብጥራሕ ኢድኻ ገዛ ክትሰርሒ ስለ ዘይኸኣል። እዚ ማለት ማርቴሎ ፣ ማሳ ፤ ምስማር ፣ ወዘተ ክትጥቀም ትግደድ ። እዚ እቲ መስሪሕ(Process )እዩ እዚ ከኣ እዩ መደረኽ መላግቦ ወይ ቀለቤት ኮይኑ ነዘን ኤርትራውያን ውድባት ክወሃህድ ከም ዝተበገሰ ዝገልጽ ።

መደረኽ ግን ኣብቲ (Structure ) ህንጻ ተዋሒጡ ከሰርሕ ይርኤ ኣሎ ። መድረኽ ኣካል ናይቶም ነቲ ገዛ ዝቆሙ ከም መሰረት ፣ ዓንዲ ፣ ገመል ፣ማሕወጽ ፣ ሓርኾም ፣ወዘተ ክኽውን ኣይግብኦን ። እቶም ፖለቲካውያን ውድባትን ተዓደምቲ ወልቀሰባትን ፣ ነዚ ጉዳይ እዚ ብቀሊል ክሰግሩዎ ኣይነበሮምን ሕጂ እውን ክምብል በለ እምበር ኣይፈሰስን ክምዝብሃል ፣ ኣብ ማሕጎማ ከይበጽሓኻ ነቲ ጉዳይ ምእላይ ናይ ለባማት ስራሕ እዩ ። ምኽንያቱ ጽባሕ ሓደ ጸገም ምስ ተፈጥረ ፣ ክስታት ክውሕዙ እዮም ። ርሑቅ ከይኸድና እዚ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ባይቶ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ክድገም የብሉን። ተራ ናይ ህዝብን ኣገደስቲ ውልቀሰባት ርእይቶን ድምጽን ክሕተትን ክስማዕን ይግባእ።

ኣቓራራቢ ዘይሻራዊ ኮይኑ ድምጺ ወይ ድጋፍ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ ክህሉዎ ናይ ግድን ይኽውን ።ብድሕሪዚ ፣ ኣብቲ ዝኻየድ መስሪሒ (Process ) ዓቅሙን ክእለቱን ብዝግባእ ክጥቀመሉን ነቲ በቶም ውድባት ዝቀረበ ኣጀንዳ ተቀቢሉ ንሓሳባት ናይዘን ውድባት ኣጣሚሩ ተግባራዊ ዝኾነ መደብ ከማዕብልን ፣ ድሕሪ ዘተን ልዝብን ኩሎም ተሳተፍቲ ዝርዓምዎ ብሓባር ተግባራዊ ክገብሩዎ ዝግባእ ዝጸደቀ ሰነድ ሒዞም ክወጹ ይጽዕት ። ቀንዲ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዘይሻራዊ ኣቓራራቢ ከትኩሮሎም ዘለዉ ነጥብታት፡ ጉጂለታት ብሓባር እተሰማምዑሎም ሕግታትን መምሪሒታት ምምእዛዝ ፤ መንፍስን ዝምድናታት ምምዛን ፣ ርእይቶታትን ለበዋታትን እናለገሰ ካብቲ ቀንዲ ክፍታሕ ዘለዎ ኣርእስቲ ከይወጸን፣ ዋና ናይቲ ጉዳይ ከይኸነን ንቅድሚት ከምዝስጉሙ ምግባር ይኽውን ።

ብዝኾነ መድረክ ኣብ ዝተፈለለየ መግለጺኦም ምንቅስቓስ እምበር ውድብ ከም ዘይኮኑ እናገለጹ እንከለዉ ፣ ምስኡ ኣታሓሕዞም ግን ንመጻኢ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ምዃን ተክእሎ ክህሉ ከምዝኽእል ኣይሓብኡን ።ነዚ ዘረጋግጾ ከኣ ኣብ ከንያ ተኣኪቦም 27 ዝኣባላቱ ባይቶ ከምዝመረጹ እውን ይፍለጥ ። ሚዛን ናይ ሓቅነት ግብሪ ስለ ዝኮነ ፣ መድረኽ ዝገብርዎ ዘለዉ ምስቲ መግለጺታቶም ዝኸይድ ኣይኮነን ።

ክብሮም ግረነት ።

12/24/15

ናይ መሰረታት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

http://www.gereger.com/data/media/XPGGyPkIC.pdf

ተዳጋጋሚ ዓሎቅን ኣላጋጭ ዘንቀሎ ቅጭታ፡-

ኣብ ኩለን ኣህዛብ ኤርትራ ዘይፈላልዮም ማሕበራዊ ክብሪን ባህሊ ኣሎ። ንሱ ድማ ጥልመት ዉጉዙን ጽያፍን ዝቁጸር ብሙኻኑ እዩ። ኣብ ክሉ ኤትኒክ-ጉጂለታትና ኣብ ክሉ መንፈሳዊ እምነታትና ጥልመትን ክሕደት ብሞራልን ስነምግባርን ዉጉዝ እዩ። ንጠላም ሰብ ድማ ሕብረተሰብ እንተኣለሊዎ ንቤት-ፍርዲ ወሲዱ ከም ገበይነኛ እኳ እንተዘየፍረዶ ብሞራልን ስነምግባርን ተነጽሎ ጸቕጥታት ስለዝገብረሉ፡ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት እቲ ሕብረተሰብ ኣስተራሕዩ ንከይነጥፍ ይገብሮ።
ጣቃ ተረኺብለይ፡ ብናይ ፖሎቲካ ትኽክል ኣዛራርባ ተኻኢሉለይ ተባሂሉ እንድዩ ! ሓደ ሰብ ክሳብ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ቤት ፍርዲ ገበነይኛ ዘይበሎ፡ ጡርጡር እንበር ገበነይኛ ስለዘይኮነ፡ ክሳብ ቤት ፍርዲ ገበነይኛ ኢሉ ዝእዉጀሉ ዋላሓንቲ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና ክባሃል ዝሰምዓት እዝኒ፡ እሞ ከምድላዩ ይግበር ማለት ድዩ? ብምባል ትሓትት ኣላ። ከምኡ እንተኾይኑ መልሓስኩም ክሳብ ደም ቲፍቲፍ ዝብል፡ ጎሮረኹም ክሳብ ዝነቕዕ ወግሔ ጸብሔ ገበይነኛ ትብልዎ ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዉን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ስለ ዘይተፈርደን፡ ቤት ፍርዲ ገበይነኛ ሙኻኑ ስለዘየራጋገጾ፡ ጥርጡር እንበር ገበነይኛ ስለዘይኮነ ክቕጽል ኣለዎ። ንገለ ገበነይኛ ንገለ ጥርጡር ብምባል ድርብ መዕቀኒን፡ ድርብ ፍርድን ናይ ጣቃ ዘይኮነ፡ ቶንኮለኛታትን ንህዝቢ ኤርትራ ንምዕንዛር፡ ዳግም ጥራይ ዕርቛኑ ኣዉጺኡ ኣብ ቅድሜኦም ከምዝስስዕ ክገብርዎ ዝደልዩ ዝጥቀሙሉ ሜላ እዩ።
ኣብ ዝኾነ ሃገርን ህዝቢ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ክወርድ እንኮሎ፡ ብፍላይ እቲ ቀንዲ መራሒ፡ ብሓፈሻ ድማ ከም ኢዱ፡ ኣፉን ኣኣጋሩን ኮይኖም ኣብ ክሉ ዝሰርሑ ዝነበሩ ወይ ዘለዉ መራሕቲ ከምዝሕተቱ፡ ኩሉ ሰብ ዝሳማማዓሉ ጉዳይ ከንሱ፡ ናይ ዘመና ፖሎቲከኛታትን ስዓብቶሙን ግን፡ መን ከምዝጠለሞሙን መን ከምዝበደሎሙን ክሳብ ቤትፍርዲ ዘራጋግጾሎም ዘይፈልጡ እዮም። ንሕና ኤርትራዉያን፡ ብዓል መን ከም ዝጠለሙና፡ ከምዝበደለናን ናብዚ ዘለናዮ መስቀላዊ መገዲ ከምዝሳጣሓና…ወ.ዘ.ተ ኣይንፈልጥን ማለት ድዩ? እዚ ዘይንፈልጥ እንተኼና፡ ነፍስናን ጸላእትና ስለዘይንፈልጥ ቃልስና ካይነቀለ ሱዑር ማለት እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ እሞ፡ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ተቃዉሞ ን24 ዓመታት መመላእታ ብዘይ ሓንቲ ፍረ ዝህዉትት ዘሎ።
ይመስለኩም እቲ ዝላዓለ ኣካድማያዊ ትምህርቲ ወኒኑ ንሰዉራ ዝወጸ፡ ከማይን ከማኹምን ብጻልጥኡ ክጋደል ጥራይ ኢሉ ዝወጸ? ኣይፋሉን! ክጋደልን ክመርሕ ኢሉ ዝወጸ እዩ። የግዳስ ዕዳጋ ኣዴኻ ከምዝላኣኸትካ ዘይኮነስ፡ ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ ስለዝኾነ፡ ኣብ ሰዉራ ኣቀዲሞም ዝተሰለፉን ካብኣቶም ንላዕሊ ወትሃደራዊ ብቕዓትን ህቡቡነት ዘጥረዩ፡ ጨካናትን ሰብ ምቕታል ከምዚ ብርጭቆ ዙሑል ማይ ምጭላጥ ዝወስድዋ ስለዝጸንሕዎም ተለኣኣኽቶም ኮይኖም ክሰርሑ ተገዲዶም እዮም። ብፍላይ ብፍላይ እኳ፡ ካብቶም ዝላዓለ ደረጃ ኣካዳሚያ ትምህርቲን ተሞክሮ ዝዉንኑ ዉሑዳ፡ ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝነበሩ፡ ብሙስጡር ተወዲቦም፡ ህዝብና ሰፍ ዘይብል ዋጓ ዝኸፈለሉ፡ ዕታር ዕላማታትን መትከላ፡ ምእንቲ ዉልቃዊ ስልጣኖም ክብሉ፡ ኣሕሊፎም ዝሃቡ፡ ነብሶም ወዲቦም እንተዝመጽኹም እንታይ ምስ በልኩም ወይ ምስ ገበርኩም? ብቀሊል ኣዛራርባ መሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ ወይ ድማ እቲ ሙሽጡር ሰልፊ ኣብ ክልተ ጉጂለ እንተዝምቀል፡ እቲ ሓደ ጉጂለ ብኣቶ ኢሰያስ ዝምራሕ ፡ እቲ ካልኣይ ጉጂለ ብጀረናል ፊሊጶስ ዝምራሕ ምስ መን ደዉ ምስበልኩም? ፍተዉ ጽልኡ ከምኡ ዓይነት ሕንጊድን ስንጊንጢር ተርእዮ’ዩ ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ተጋሂዱ ዘሎ። ንገዛእ ርእሶም ኩሎም ኣባላት እቲ ሙስጡር ሰልፊ እዉን ኣባላት ናይቲ ሰንጊንጥር ተርእዮ ኣይኮኑን! እንታይድኣ እቲ ሰንጊንጥር ተርእዮ ናይቶም ብኣታሓሳስብኦም ዝበለጹን ኣድማዕቲ ንገዛእ ርእሶም ዝቆጸሩ ጣልማያት እዮም። መን እዩ ኸ እቲ መራጺ? ከምዚ ዓይነት ሰንጊንጥርን ኣላጋጭ ተርእዮ፡ ንቀጻልነት ሃገርን ሃገራዊ መንነት፡ ሓድነትን ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ብመንጽሩ ዝብትን እዩ።
ንቀጻልነት ሃገርን ሃገራዊ መንነት፡ ሓድነትን ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ክረጋገጽ እንተኾይኑ፡ ኤርትራ ንኹሉ ብዓል-ብርኪ ዘሳትፍን ዝውክል ናይ ዜጋታት ሃገርን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከተቕውም ኣለዋ። ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ብዝተፈላለያ ኤትኒክ-ጉጂለታትን ዝተፈላለዩ እምነታትን ዝቖማ ሃገራት፡ ንብዙሕነተን ክቕበልኦ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኪኖኡ ብምኻድ ንዕኡ ኣብ ግምት ዘእተወን ዘማእከለን ፖሎቲካዊ ቃልስን ፖሎቲካዊ ስርዓት ከቑማ እንተ ዘይክኢለን፡ ቀጻልነተን ኣብ ናይ ምብትታን ረጽሚን ሓዳጋ እየን ዝወድቃ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ሰፊሕን ዘይቃርጽ ዘተን ምምኽኻራትን ኣብ መንጎ ኤርትራዉያን ክህሉ ኣድላይ እዩ። ስለዚ ኩሉ ኣብ መንጎ ኤርትራዉያን ዝካየድ ጽምዶታትን ዘተን ክታባባዕ ኣኳ እንተሃለዎ፡ ኣብ ኣታሓሕዝኡ፡ ኣሳታትፍኡ፡ ዉክልናን ዋንነታዊ ሸነኻቱ ከቢድ ምጥንቃቕ ዘድልዮ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ብጉጂላዊ ኣታሓሳስባ ዝተጠላቀዩ ባእታታት ካይ ጨዉይዎ ከም ቀንዲ ቀለስቲ ካይኮኑ ምጥንቃቅ ከድሊ እዩ። ቀጻሊ ዘተን ጽምዶታትን የዲሊ እዩ ስለዝተባህለ፡ ኣብ ኩሉ ዝተጸዋዕካዮ ከምዚ ሃመማ ኣብ ጸባ ጦብሎቕ-ጠብሎቕ ዝብል ክትኸዉን ኣሎካ ማለት እዉን ኣየስምዕን። ገሊኦም ጽምዶታትን ዘተታትን ክብ ጥቕሞም ጉድኣቶም ማለት ንከቢድ ትኹላዊ ምትፍናናት ዘእትዉኻ እንተኾይኖም ስለምንታይ ክትከዶም ኣሎካ? እዉን ብዘዕግብ መርትዖ ክምለስ ኣለዎ።
ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብዝኽተሎ ኣሉታዊ ዉሽጣዊን ግዳማዊ ፖሊሲታት፡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእሱ ሰፊኑ ዝርከብ ጥርዚ ዝዓረገ ምፍሕፋሕ፡ ከም ክሎም ዝወደቁ ፖሎቲካዊ ስርዓታት ፈጠቅ ክብል እዩ። እቲ ሕጂ ክምለስ ዘይክእል ምዓስ እዩ ዝወድቕ ዝብል ሕቶ እዩ? ቅጺሉ ኣብቲ ሽዑ እዋን ከ፡ ሃገር ከነድሕን እኹል ጊዜ፡ ብቅዓትን ዉዳቤን ይህልወና ‘ዶ ወይስ ጊዚኡ ዝሓለፎ ጉዳይ ኮይኑ ኤርትራ መእሰርን መፍትሕን ዘይብላ ናይ መልኣከ-ሞት ሃገር ክትከዉን እያ። ነዚ ክጋሃድ ተኽእሎ ዘለዎ ሰናርዮታት ንምቁጽጻርን ንምምሕዳሩን ተባሂሉ እዩ ቀጻሊ ዘተን ጽምዶ ዘድሊ ዘሎ።
ህላወ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብቂዑ ማለት፡ ሃገርን ህዝቢን ኣብ ፍጹም ብርሰት ከይበጽሔ እንኮሎ፡ ከነድሕን ዝሓሸ ዕድል ይህልወና ማለት ስለዝኾነ፡ ቀዳማይ ኣግእዞ ወይ ናይ ጽምዶናን ዘተና ሕቶ፡ ከመይ ጌርና ነዚ ስርዓት ነዉድቆ ወይ ንኣልዮ እዩ ክኸዉን ዘለዎ። እቲ ተቛወም ኣብ ዲያስፖራ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ሒዞሞ ዝቀርቡ ውጥንን ፖለቲካዊ መደብን፡ ኣብ ድሕሪ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘሎ መድረኽ ተተግቢሩ ከስርሕ ዝኽእል እዩ። ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ በቲ ድዩ በዚ ኣብ መወዳእታኡ ምስ ኣብቅዓ፡ እቲ ብምሉኡ ጨቛኒ መሳርዓቱ ብኡ ንብኡ ፈርከሽከሽ እንዳበለ ከም ዝዓኑ ዝተረድእዎ ኣይመስሉን። ስለዚ ኣተክርኦም “ ናይ መሪሕነት ህጉፈት” ካይፍጠር ብምባል፡ ድሕሪ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምዉዳቁ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዓቲሩ ዘሳጋግር ጉጂለ ኣብ ምክንዋን ዘተኮረ እዩ። እቲ ዝበዝሔን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዝነብር ዜጋ ግን፡ ኣብ እቲ ዝሓስብዎን ዝሓጽዩዎ መሳጋገሪ መሪሕነት ብቀጥታ ወይ ብተዛዋዋሪ ዉኩል ወይ ተሳታፊ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር፡ ለዉጢ ዘድልዮ ዜጋን ኣርዑት ጭቆና ኣብዝባኑ ዝፋጺ ዘሎ፡ ዉኩሉን ተሳታፊ እንተዘይኮይኑ፡ ብሓፈሻ ነቲ ሳንጥኡ ካብ ወጻኢ ተሰኪሙ ንዉሽጢ ሃገር ዝኣቱ ብሓሳብ “ፖሎቲካዊ ስልጣን ዓቲሩ ዘሳጋግር ጉጂለ” ብፍላይ ድማ ነቶም ምስ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዝልዓለ ፖሎቲካዊ ስልጣን ተወጢሖም፡ ምእንቲ ናይ ፖሎቲካዊ ሽዉሃቶም ንምዕጋብ ክብሉ፡ንህዝቢ ኤርትራን ን ሃገር ኤርትራ ናብዚ ዘላቶ ኩነታት ዘሳጥሑ ዉልቀሰባት ወይ ጉጂለታት፡ ከም ናይ መጻኢ መራሕቱ ስለምንታይ ከእትዎም ወይ ክቕበሎም ኣለዎ ኢልና እንተንሓስብ እዉን፡ ዘደንጹ ናይ 21 ክፍሊዘመን ሕንቅልሕንቕሊተይ ክኾነና ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን።
ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ፖሎቲከኛታትን፡ ኣብ ናይ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕ ክትዕን ዘተን ሓዲጎም፡ ኣብ ናይ ሎሚ ጽምዶና ከተኩሩ ኣለዎም። ናይ ሎሚ ጽምዶና ነዚ ገባቲ ስርዓት ከመይ ንኣልዮ እያ። ነዚ ጽምዶ እዚ ብሓሳብን ግብሪ ምስ ጀመርናዮ ጥራይ ኢና፡ ብዛዕባ ጽባሕን ድሕሪጽባሕ ክንዉጥን ክንዛተን እንኽእል። ናይ ሎሚ ሓዲካ ናይ ጽባሕ ምዝታይ ሰረገላ ኣብ ቅድሚ ፈረስ ምእሳር ዝዓይነቱ እዩ።
ንታሪኽ ክኸዉን ምሕዝነት ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ተፈጢሩ፡ ሓሳቡን ብልሓቱ ስለዘየስራሓና፡ ክፈሽል እዩ ተባሂሉ ፈሺሉ እዉን። ቀጺሉ ብዘይካ እቲ ንእስ ንእስ ዝበለ ምጥርናፋትን ስሙር ግንባራትን ፡ንመብዛሕትኡ ክፋላት ተቃዉሞ ዝጠርነፈ ኪዳን ዝባሃል ተመስሪቱ፡ እዚ እዉን ከም ቦኽሪ ሓዉ ምሕዝነት ሓሳቡን ብልሓቱ ስለዘየስራሓና፡ ክፈሽል እዩ ተባሂሉ ፈሺሉ እዉን። ቀጺሉ ሃገራዊ ባይቶ ዝባሃል ን99% ፖሎቲካዊ ዉድባትን ን98% ሲቪላዊን ሲቪካዊ ማሕበራት ዘካተተ ብኣስታት 600 ሰባት ተወከልቲ ዝተሳተፍሉ ዋዕላ ተኻይዱ፡ ከም መቀጸልታኡ ኣስታት 120 ኣባላት ባይቶ ዝተመርጽሉ ባይቶ ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ተፈጢሩ፡ እዚ እዉን ከም ኣባሕጉኡ ምሕዝነትን ኣዩኡ ኪዳን ሓሳቡን ብልሓቱን ስለዘየስራሓና፡ ክፈሽል እዩ ተባሂሉ ፈሺሉ እዉን። ባይቶ ብሰንኪ ባዕሉ ዝፋሓሮ ጉድጋድ ኣብ መቃብሩ ንክቅበር ወይ ተሓዲሱ ንክፍጠር ኣብ ጻዕሪ ዝካየደሉ ዘሎ እዋናት፡ ንመላእ ተቃዉሞ ሰብ-ብርኪ ሓይልታት ዘየካተተ ዋዕላ ምይይጥ ኣብ ፍራንክፈርትን ኣብ ናይሩቢን ተኻይዱ ኣሎ። እቲ ምንታይስ ፖሎቲካዉያን ሓይልታት ኤርትራ 8 ወይ 12 ጥራይ ኣይኮናን። ብሱሩ ግን ኣብዚ ተኣፋፊ ኩነታት፡ ምእካብ ህዝቢ ዶ ወይስ ምእካብ ዉድባት ይምረጽ ዝብል ዕቱብ ሕቶ ኣቀዲሙ ክምለስ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።
ኣብቲ ሓሳብ፡ ዛዕባ፡ ትሕዝቶን ተሳተፍቲ ዋዕላ ዋላ ሓንቲ ፍልልይ የሎን። እቲ፡-
1.ሓስብ፡ ብሓባር ክንሰርሕ እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብል እዩ።
2.ዛዕባ፡ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብከመይ ንቀይሮ ወይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ወደቀ፡ ብከመይ ብሰላማዊ ኣጋባብ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ወይ ግዝኣተ ሕጊ ንሳጋገር ዝብል እዩ።
3.ትሕዝቶ፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር መስሪትካ፡ ሓባራዊ ባይቶ ብኣርካናት ጀብሃ ወይ ሻዕብያ ዝምራሕ ፈጢርካ ህዝቢ ከም ዋና ዘይኮነ፡ ከም ስዓቢ ክስዕበካን ከገልግለካን ክድግፈካን ንምግዳዱእዩ።
4.ተሳተፍቲ፡ ዝዉሓዱን ዘይደልደሉን ሃገራዊን ዲሞክራስያዉን ባእታታ፡ ጉጂላዉያን፡ ናይ ኤትኒክ ሃገራዉያን፡ ናይ እምነት ሃገራዉያን፡ ሕብረ-ብሔራዉያን ዉድባት ኢና ዝብሉ…ወ.ዘ.ተ እዮም።
ሕቶን ተሳታፍነትን መዝነት ህዝቢ፡ ሕቶ ደቂ ኣንስትዩ ን ተሳታፍነትን ፡ ሕቶ እዚ 74% ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፡ ትንፋስ ብዘይህብ ብልሓት ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተቀጥቀጠን ዝተሳደደን መንእሰይ ወለዶ ቡዙሕ ዝዓጦም ኣይኮነን።
ገሌና ኤርትራዉያን ዜጋታት ኣብ ተ.ሓ.ኤ፡ ገሌና ድማ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ተሰሊፍና ተጋዲልና፡ ወነንቲ ተ.ሓ.ኤ ወይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ግን ኣይነበርናን። ነተን ዉድባት ዝመርሕወንን ዝዉንንወን ኣብ ዉሽጠን ብሙሱጡር-ሰልፍታት ዝተወደቡ ሰባት ነይሮመን እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ድማ ነቲ ዉድባት ይዉኑኑወን። ነቶም ኣባላት ሙስጡር ሰልፍታት ድማ ካብ ዉሽጦም ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ጉጂለ ወይ ድማ ሓደ ሰብ ይዉንኖም ነይሩ። ንመረዳእታ ንህ.ግ.ሓ.ኤ ን ኣብ ዉሽጡ ዝነበረት ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኤርትራ ብእእቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝዉነና ኮርፔረሽናት ነይረን። ስለዚ ተራ ህዝቢ ስዓብን ኣገልጋልን ጥራይ ነይሩ። ኣየገልግልን ኣይስዕብን ዝበለ ድማ ዝኾነ ጽዩፍ ቅጽላት እንዳኣጠመቁ ይቀትልዎ፡ ካብ ሃገሩ ኣርሒቁ ከምዝስደድ ይገብርዎ ወይ ድማ ይኣስርዎ ነይሮም።
እወ ምእንቲ ሃገርና፡ ህዝብና፡ ናጽነትናን ሓርነትና፡ ክብርና …ወ.ዘ.ተ ኢልና ተቃሊስና፡ የግዳስ እተን ዉድባት ንሕና ንዉንነንን ብኣን ኣቢልና ኩሉ ትማሊ ዝሓለምናዮ ዘተግበርናለን መሳሪሒታት (ዉደባ) ኣይነበራን ኣይኮናን።ኣብ ተ.ሓ.ኤ ስለዝተጋደለ ተ.ሓ.ኤ ናቱ ትመስሎ፡ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ስለዝተጋደለ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ናቱ ትመስሎ ዜጋ ብቁጽሩ ዉሑድ እኳ እንተኾነ፡ ካብቲ ዉሑድ ዝበዝሔ ሚእታዊት እዩ። ስለዚ እዚ ስምዒት እዚ ሓቀኛን ህያዉ ኣይኮነን። ፖሎቲካዊ ዉድብ ካብ ሓደ መድረኽ ናብ ካልእ መድረኽ ዘሳጋግረካ መሳርሒ እምበር፡ ዕታር መትከላት ወይ ዕላማ ኮይኑ ክሳብ ዕለተ-ሞትካ ኣብ ደምካ ወይ ስምዒታትካ ትሕዞ ነገር ኣይኮነን እዩ። ብኸምዚ እንተተረዲናዮ ካብ ሖሶት ዝኾነ ስምዒት ዲሒና፡ ናይ መጻኢ ጉዕዞና ከነለሊ፡ ፍጽም ኣይክጽግመናን እዩ። ብዓቢኡ ግን እዚ ልዕሊ ኩሉ ዝተበደለን ዝተባህደለ ወለዶ 74% ብዝሒ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኾነ ሓዲሽ ወሎዶ፡ ነዚ ንህ.ግ.ሓ.ኤ ወይ ድማ ተ.ሓ.ኤ ከም ናቱ ወሲዱ ኣብ ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒቱ ከቃናጁን ብኡ መሰረት ክዉድብን ክዉደብ ዝዉዕል ወለዶ ብቡዙሑ ን ሕጊታት ማሕበራዊ ጸባያቱ (Demography & Social norms) ካብዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ዝተፈልያ ብሙኻኑ፡ ነዚ ሓድሽ ወለዶ፡ ክስዕድዎም ወይ ከጋግይዎም ቢልካ ክእመን የጸግም።
ኤርትራዉያን ኩሉ ጸጋማትና ካብ ክልተ መሰረታዊያን ነገራት ዝነቅል እዩ። ንሳተን ድማ፡-
1.ፖሎቲካዊ ባህሊና፡ ካብ ኣንነትን ምብሓትን ስለዝነቕል ኣዝዩ ቁጡዕ፡ ፈንፋኒ፡ ነጻጊ፡ ተራጻሚ…ወ.ዘ.ተ ፖሎቲካዊ ብህሊ እንዉንን ኢና። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ሓሳብ ዘይተፋለለና ኣብ መን መርሔ ንብኣስ።
2.ኣባታዊ (Patriarchy social system)ማሕበራዊ ስርርዕ ሕብረተሰብና እዩ: ኣብ ኣባታዊ ማሕበራዊ ስርርዕ ዝዓበየን ዝተፈጥረን ኣእምሮ ፈጺሙ መሳርሒ ናይ ዘመናዊን ኣብ ለዉጢ ዝኣምንን ዝቕበል ኣይኮነን። እት ምንታይስ ማሕበራዊ ስርርዕ እቲ ሕብረተሰብ ነቲ ሕብረተሰብ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ኣብ ክልተ ከፊሉ እዩ ዘዋግኖ። ብተግባራዊ ኣዛራርባ መራሒ ኢኻ ወይ ተመራሒ፡ ላዕለዋይ ኢኻ ወይ ታሕተዋይ፡ ካብቶም ዝበለጹ ኢካ ወይ ካብቶም ፍንፉናት፡ ….ወ.ዘ.ተ ብምባል ዘይሓቃዊ ክትያታት ወይ ቀይሕ መስመረት ይገብረልካ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣባልነትካ፡ እምነትካ፡ ንመን ትስዕብ ወይ ትቃወም ንስኻ ዘይኮነ ንሶም ይዉሱኑልካ። ንስኻ ጊልያ፡ ኣገልጋሊ፡ ስዓቢ፡ ዘይሓሳቢ፡…ወ.ዘ.ተ ኢኻ።
እዚ’ዩ ድማ ኣብዚ እዋን ተኾሊዑ ዝርኤ ዘሎ። እቶም ትማሊ ትማሊ ብመሰረት ማሕበራዊ ስርርዕ ሕብረተሰብና ቡሉጻት፡ መራሕቲ፡…ወ.ዘ.ተ ተባሂሎም ተመሪጾም ኣብ ሙስጡር ሰልፊ ተወዲቦም ዘራማስስኹም ዝነበሩ፡ ሕጂ እዉን ከራማስስኹም ድሉዋት ከምዘለኹም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝረብን ዝጻሓፍን ዘሎ ነገር እዩ። እቲ ምንታይስ ኣብ ኣባታዊ ማሕበራዊ ስርርዕ ዝዓበየን ዝተፈጥረን ኣእምሮ ፈጺሙ መሳርሒ ናይ ዘመናዊነትን ኣብ ለዉጢ ዝኣምንን ዝቕበል ሰብ ብዘይሙኻኑ እዩ።
ኣብ መጨረስታ ንህዝቢ ከዛኽእኽሮ ዝደሊ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ ኩሉ መፍቲሒታት ጸገምካ ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ፡ ከም ህዝቢ ኣብ ዘለኻዮ ወይ እትነብረሉ ቦታ ናይ ገዛእ ርእስኻ ህዝባዊ ዉዳቤ እንተዘይፈጢርካ፡ ዋላ 5 ሰባት ዝተወደቡ ክጻወቱልካ ሙኻኖም ክትፈልጥ ኣሎካ። ዘይተወደበ ህዝቢ ንክግዝእ ዝተዳለወ ኣድማጺ-ነገር እዩ።ዘይተወደበ ህዝቢ ንገዛእ ርእሱ ነየድሕን፡ ዘይተወቕረ መጥሓን ነየጥሕን ስለዝኾነ። ህዝቢ ንቃሕ! ተወደብ! ተቃለስ!.
ወድሓንኩም!
መርእድ ዘርኡ
12/12/2015

መግለጺ ናይሮቢ 2015 ብዛዕባ ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ

መግለጺ ናይሮቢ 2015 ብዛዕባ ደሞክራሲያዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ

Nairobi Declaration 2015 On democratic transition in Eritrea

1፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዲክታቶርያዊ እዩ። ኣብታ ሃገር ሕገ-መንግስቲ የለን። ብደረጃ ሃገር ኮነ ከባቢ ዝካየድ ፓርላሜንታዊ ምርጫ የለን። ከምዚ ብምዃኑ ህዝቢ ዝውክል ሓጋጊ ኣካል የለን። ስርዓተ-ሕጊ የለን። ሰብኣዊ መሰል ኣይክበርን እዩ። ናይ ምቅዋም መሰል እውን የለን። እቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ይቃወሙኒ ኣብ ልዕሊ ዝብሎም ኣካላት ዘካይዶ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ቅትለትን ቀጻሊ ኣሎ። ኣብ እታ ሃገር ዘሎ ምእኩል ፖሊሲ ቁጠባ ብቀጥዒ ዘየብሉ ስራሕ ኣልቦነትን ድኽነትን ዝግለጽ እዩ። መወዳእታ ብዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና መንእሰያት ነቲ ዲክታቶር ከገልግሉን መወዳእታ ንዘየብሉ ዝኸፍቶ ውግኣቱ ዝተፈርድሉ እዩ። መንእሰያት ካብዚ ንምድሓን ብብዝሒ ሃገሮም ገዲፎም፡ ንህይወቶም ውሕስነት ብዘየብሉ ጉዕዞ፡ ህይወቶም ንምድሓንን ናይ ምንባር ቀጻልነቶም ንምርግጋጽን ይስደዱ ኣለዉ። እዚ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ነተን ዝቅበላ ሃገራት እውን ሰከም ኮይኑወን ዘሎ እዩ።

2፡ ተቓውሞ ኣንጻርዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ይዓቢ ኣሎ። እቲ ንክልቲኡ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ንምውህሃድ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ርዱእ ኮይኑ፡ ነዚ መስርሕ ፈጺምካ ኣብቲ ዘድለ ውጽኢት ንምብጻሕን ውድቀት ናይቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሃጓፍ ብዘይፈጥር ንምዕዋትን ጌና ቀጻሊ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ።

3፡ እቲ ኣብ ናይሮቢ ኣብ 27-29 ሕዳር 2015 ዝተኻየድ ሃገራዊ ምምኽኻራዊ ኮንፈረንስ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ካለኦት ጉዳያትን ዘትዩ እዩ። ማለት
3፡1 ሓያልን ድኹምን ጐድኒ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ተቓውሞን።
3፡2 ስርዓት ኣብ ምቕያር ዘሎ ብደሆታትን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ተኽእሎታትን;
3፡3 ቀጻልን ዝሓየለን ሃገራዊ ሓድነት ምርግጋጽ
3፡4 ሓቢርካ ነቶም ብደሆታት ንምምካት ዘኽእል መስርሕ ምዝርጋሕ

4፡ ተሳተፍቲ እዚ ሃገራዊ ምምኽኻራዊ ኮንፈረንስ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ተቓውሞ ኣብ ሓባራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ንምምጽኡ ዘለዎ ኣድላይነት ብምርዳእ ብሓደ ክሰርሑ ተሰማሚዖም። ማለት
4፡1 ምሕላው ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገረ ኤርትራ
4፡2 ናይ ኩሎም ደገፍቲ ደሞክራሲ ሃገራውያን ሓይልታት ኣስተዋጸኦ ናብ ናይ ሓባር ዕማም ከም ዘተኩር ምግባር።
4፡3 ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብሕገመንግስታዊ ስርዓት ምትክኡ።
4፡4 ስሩዕ ምስግጋር ንምርግጋጽ ኣድላይ ዘበለ ስጉምትታት ምውሳድ
4፡5 ግዝያዊት ናይ ርክብ ኣካል ምቛም

ሀ. ምስ ኵሎም ተቓወምቲ ብምርኻብ መድረኽ ምስግጋር ብልሙጽ ኣገባብ ንምክያድ ዘኽእል ሓባራዊ ራእን ሓባራዊ ናይ ትግባረ መደብን ምቕራጽን ምትግባርን፤
ለ. መስርሕ ዲሞክራሲ ንምቅልጣፍ ኵሎም ተቓወምቲ ውድባት ዝካፈልሉ ኣኼባ ምድላው።

5፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ እተሳተፉ ውድባት፦
1. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
2. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
3. ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ
4. ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
5. ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
6. ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ
7. ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን
8. ሰልፊ ጕባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ)
9. እስላማዊ ህዝባዊ ጕባኤ ( እስላሕ)
10 ኤርትራዊ እስላማዊ ጕባኤ
11. ኤርትራዊ ሃገራዊ መድረኽ ንዘተ
12. ዲሞክራስያዊ ግንባር ንሓደነት ኤርትራ (ሳግም)

ናይሮቢ 29 ሕዳር 2015

Nairobi Declaration 2015 On democratic transition in Eritrea

1. A highly centralized authoritarian dictatorship exists in Eritrea. No constitution exists in the country, and there have never been any parliamentary elections, whether local or national, leaving the country with no legislative body or representative government. Rule of law is absent; basic human rights are denied; and any dissent is crushed. The regime continues to imprison, torture and execute opponents with impunity. The command economy is in shambles, accompanied by mass unemployment and extreme poverty. Compulsory conscription has become the lot of the youth, who are forced to toil for life for the dictatorship and fight its unending wars. The youth are fleeing the country in droves, risking their lives to seek safety and the means to sustain themselves and their families, thus becoming burdens to host countries.

 

2. Opposition to the regime is growing at home and in the Diaspora. However, despite commendable efforts to build a stronger linkage between the two and to forge a more coherent coalition of the diaspora opposition, much more needs to be done to bring these efforts to fruition and ensure that the imminent downfall of the dictatorial regime does not lead to political vacuum and internal implosion.

 

3. The National Consultative Conference (NCC), held in Nairobi on 27-29 November 2015, deliberated on the prevailing situation in the country and, more specifically, discussed:

3.1 The strengths and weaknesses of the Eritrean regime and the opposition;

3.2 The challenges and dilemmas of regime change and possible scenarios of transition;

3.3 Sustaining and further strengthening national unity;

3.4 A framework to address the challenges of working together;

 

4. Convinced of the need for all opposition organizations in the Diaspora and inside the country to coalesce around a common political platform, the participants of the NCC agreed to work together to:

4.1 Safeguard the sovereignty and territorial integrity of the State of Eritrea;

4.2 Channel efforts of all national pro-democracy forces towards the pursuit of the common purpose;

4.3 Replace the dictatorial regime with a constitutional government;

4.4 Draw up the necessary measures to ensure an orderly transition; and

4.5 Establish an Ad-hoc Contact Organ to:

a. Draft a common vision and program of action, in close consultation with political organisations, for a smooth transition to a democratic order.

b. Prepare for the next all-inclusive meeting of opposition organisations to discuss ways and means to accelerate democratic transition.

 

5. List of participating organisations:

1. Eritrean Liberation Front

2. Eritrean National Salvation Front

3. Eritrean Peoples’ Democratic Party

4. Eritrean Democratic Party

5. Eritrean Nahda Party

6. Democratic Front for Eritrean Unity

7. Eritrean Congress Party

8. Eritrean Islamic Islah Movement

9. Eritrean Islamic Congress

10. Eritrean Islamic Party for Justic & Development

11. Eritrean Federal Democratic Movement

12. National Forum for Dialogue

Nairobi, 29 November 2015

  1. http://tigrigna.voanews.com/content/interview-with-dr-asefaw-tekeste-and-mohyedin-shengeb-about-medrek-forum/3083271.html
  2. https://www.youtube.com/watch?v=Dri8O57rwmQ