Monthly Archives: December, 2013

Putin Ends NATO Missile Pact, Warns Military To “Prepare For War”

http://www.eutimes.net/2013/11/putin-ends-nato-missile-pact-warns-military-to-prepare-for-war/

Ato Tewolde Tesfamariam ( wedi Vacaro) seminar in Stockholm

Memorandum:The five point peace plan of Ethiopia

http://www.usip.org/publications/peace-agreements-eritrea-ethiopia

The five point peace plan of Ethiopia , which was released on November 2004 concern the Ethiopia and Eritrea border dispute states as follows:-

1. Resolve the dispute between Ethiopia and Eritrea only and only through peaceful means

2. Resolve the Root Causes of the Conflict Through Dialogue With the View to Normalizing Relations Between the Two Countries

3. Ethiopia Accepts, in Principle, the Ethiopia-Eritrea Boundary Commission Decision

4. Ethiopia Agrees to Pay Its Dues to The Ethiopia-Eritrea Boundary Commission and to Appoint Field Liaison Officers

5. Start Dialogue Immediately with the view to implementing the Ethiopia-Eritrea Boundary Commission’s decision in a manner consistent with the Promotion or Sustainable Peace and Brotherly Ties between the Two Peoples.

Time to Bring Eritrea in from the Cold – By Hank Cohen

http://africanarguments.org/2013/12/16/time-to-bring-eritrea-in-from-the-cold-by-hank-cohen/

ድሮን ንጽቢሒቱ ዕለተ-ለዉጢ

ድሮ-ልደትን ሓድሽ ዓመት ስለዝኾነ፡ ብፍላይ ንኣመንቲ ክርስትና ቡሩኽ ባዓል ልደት ፡ ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ሓድሽ ዓመት 2014 ይግበረልና ይብል! ኣናብባና ይፈላለ እኳ እንተኾነ: ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ብዘገምታ ዝጋሃድ ሓድሽ ምዕብልናታት ክህሉ ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ዓመተ 2013 ቀላል ዓመት ንኤርትራዉያን ከምዘይነበረት ፍሉጥ እዩ። ካብ ዝተሓጎስናሉ ዝጓሃናሉ መዓልታት ዝበዝሕ እኳ እንተኾነ፡ ናይ ህዝብና ምልዕዓል ምርኣዩ ድማ ምልክት ጹቡቕ መጻኢ ተስፋ እዩ። ኣብ መጨረሽታ እዚ ዓመት’ዚ በዛ ትስዕብ ሓቤሬታዊ-ሙቁዳስ ክሳናበታ መሪጸ ኣሎኩ። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ኣእሙሮ ዘለዎ ይሕሳብ፡ ዓይኒ ዘለዎ ይትዓዘብ፡ ኣፍንጫ ዘለዎ ይሸትትን ማሓዉር ዘለዎ ይዳህስስን ይመርሽ።
በብእዋኑ ብዉሑድ ቁጽሪ እኳ እንተኾነ፡ ካብ 2004 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኤርትራዉያን ሂወቶም ክስእኑ ጽኒሖም እዮም። ቅድሚ ተረኽቦ ላምፓዱሳ ኣብ 2011 ዓ.ም.ፈ ኣስታት 400 ኤርትራዉያን ኣብ ሓንቲ መርከብን ኣብ ሓደ ጊዚየን ሂወቶም ከምዝሳኑ ማሕበረሰብ ዓለምን ኤርትራዉያን እንፈልጦ ጉዳይ እዩ። እኹል ኣቓልቦ መራኸቢ ቡዙሓን ስለዘይረኸበ ግን ብሸለልታ ተሓሊፉ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ዉሑዳት ኤርትራዉያን ኣቓልቦን ግንዛቤታት ህዝብናን ማሕበረሰብ ዓለም ንክህሉ ፈታኒን በዳሂ ንጥፈታት ተኻይዱ እኳ እንተኾነ፡ መላዓዓሊት ማሕበራዊ ሰዉራ ቃታ ክትከዉን ኣይበቕዕትን።
ኣብ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም.ፈ ድሕሪ ህልቂትን ቅዝፈትን ሓደጋ ባሕሪ ላምፓዱሳ ሂወት 366 ኤርትራዉያን ዝለከመ ተረኽቦ፡ እኹል ኣቃልቦ መራኸቢ ቡዙሓን ስለዝረኸበ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንማሕበረሰብ ዓለም ናይ ከዉታ-ወጋሕታ ተባራበር ደወል ኣብ ኣእዛን ወዲሰብ ብዕሙቀት ዘዙረቀ፡ ንፖሎቲካዊ ዳይነሚክስ ኤርትራ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ዉሽጢ መሰረታዊ ምቅይያራት ስለዘስዓበ፡ ቡዙሕ ቅጽበታዊ ተርእዮታት ተጋሂዱ እዩ ። ካብቲ ዝተራእየ ቅጽበታዊ ተርእዮታት ዝተፈላለየ ምጥርናፋትን መግለጺታት ኤርትራዉያን ዜጋታት ኣብ መርበብ ኢንቴርነት-ሓቤሬታ ክዝርጋሕ ተራእዩ፡ ንመረዳእታ መግለጺ ናይ ዲህሳሲ ኣኼባ ኤትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ፤ መድረኽ ፡ ዕዶት ኣቶ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)፡ ምንቅስቓስ ንሓድነትን ድሕነት ኤርትራን፡ ምትእኽኻብ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ነበር ኣብ ዓዲ-እንግሊዝን፡ ሲቪላዊ ማሕበር ኤርትራ ንቡሩህ መጻኢ…ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ጉጂሌታት ተጋህዱ ። ገሊኦም መግለጺታት ብመልክዕ ናይ ምሕጽንታን ምኽርን መልእኽቲ ጽሑፉን ክታማት ብምእካብ ሕጂ ይኣክል ክብሉ ተራእዩ።
ኩሉ ጊዝየ ኣብ ድሮ ለዉጢ እቲ ህሞት ዝፈጥሮም ሓደስቲ፡ ደስኪሎም ዝጸንሑን ኣብ ካልእ ምንቅስቓሳት ንጡፋት ጸኒሖም ናብ ካልእ ሓድሽ ምንቅስቓስ ክሳጋገሩ ክራኣዩ ሕብረተሰብኣዊ መስርሕ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ዉሑስ-ቦታታቶሙን (secure position ) ጥቅምታቶምን ክራጋገጸሎም ስለዝደልዩ እዮም። እዚ ድማ ኑቡር ሰብኣዊን ሕብረተሰብኣዊን ተፈጥራዊ-ጠባያት (character of human nature) ድሌታቱ ምስ ጊዝየ ዝረኤ መስርሕ እዩ። ኩሉ ወዲ ሰብ ዝቃለስ ረብሓታቱ ንምርግጋጽ ስለዝኾነ፡ ነፍስወከፍ ዜጋ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ሲቪክ-መሰሉን ረብሓታቱን ብግዝኣተ-ሕጊ ዝራጋገጸሉን፡ ዉሑስ ቦታን ዉሑስ ጥቅሚ ንክህልዎ እንበር፡ ንጽድቂ ወይ ንዕንደራ ተባሂሉ ዝቃለስ ኣይኮነን።
ብኣሉታ ክግለጽ ዝክኣል፡ ሓደ ዕላማን ራእይ፡ ተልእኮ፡ መልክዕ-ዉደባን ዓይነት ቃልሲን፡ ሓደ ጉዕዞን ታሪኽ፡…ወ.ዘ.ተ ዘለዎም ዜጋታት ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ ዝጣራነፉ፡ ነናይ ገዛእ ርእሶም ዉደባ ብምፍጣር፡ ምርባሕ ጉጂለታትን ጉጂላዊ ኣታሓሳስባትን (group thinking) ከምዘሎ ዘዛርብ ጉዳይ ኣይኮነን፡ እዚ ኣሉታዊ ንጥፈት’ዚ፡ ነቶም ኣንጻር ኤርትራዉነትን ኤርትራን ዝስለፉ ኣዛመዉቲ ሓይልታት ርሒብ-ባይታን ሙኹኑይነት ስለዝፈጥረሎም፡ ብኣሉታ ክግምገም ይክኣል። እቲ ምንታይስ ንስኻ ብጉጂለን ጉጂላዊ ኣታሓሳስባ ክትጥርነፍ እንኮሎኻ፡ ካልኦት ብእንዳን ቀቢላ፡ ብኤትኒክ-ጉጂለን ሞሎኮታዊ እምነቶም…ወ.ዘ.ተ ዝዉደቡን ዝነጥፉን ብምንታይ መዕቀኒ ኢኻ ክትቃወሞም? ንታሪኽናን ቃልስታትና ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሔ ነገር እንተሃልዩ፡ እቲ ቅድመ-ስሩት ዝምድናታትና (primordial) ዝፈጠሮ ቡዙሑነት ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ጉጂላዉነት፡ ብፍላይ ድማ ጉጂላዊ ኣታሓሳስባታትና እዩ። እዚ ክብል እንኮሎኹ ግን ነዞም ነቂሎም ዘለዉ ኣሓትን ኣሕዋት ጉጂላዉያን ኢለ ንምጥቃን ዘይኮነስ፡ እቲ ቀንዲ ጸገምና እንታይ ምኻኑ ከነጽር ስለዝደለኹ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ልዕሊ 70 ኤርትራዊ-ጉጂለታት ኣብ ፖሎቲካ ; ሲቪልን ሲቪክ ማሕበራት ዝነጥፋ ኣብ ዲያስፖራ ፈርየን ከምዘለዋ ዘታሓታትት ጉዳይ ኣይኮነን።
ብዓሚቕ ኣብ ዉሽጢ ነፍሰ-ወከፍ መግለጺታት ትንተና ካይኣተኹ፡ ኣብ ናይ ኩሎም፡ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ዝተራእዩ መግለጺታትን ትንተና ሓድሽ ሓሳብ፡ ዕላማ፡ ስልቲን ስትራተጂ፡ መርሓ-ገበይ…ወ.ዘ.ተ የሎን። ብመንጸር እቲ ተታሒዙ ዝጸንሔ ኣብ ባይታ ንጡፍ ምንቅስቓሳት ሒዝዎ ዝጸንሔ ዕታር መትከላትን ዕላማታት እዩ። እዚ ድሒሩ ዝተጋህደ መግለጺታት፡ ነቲ ኣቀዲሙ ዝጸንሔ ጽዕዶታት ዘትርርን መሊሹ ዝኹልዕ እዩ። ኩሉ ጽሑፋትን መደረታትን እንተመርሚርናዮ፡ ካብ ን ህሉዉ ኩነታትናን ምግላጽን፡ ድሌታት ለዉጢ ኣብ ፖሎቲካ ኤርትራ ምድላይ ሓሊፉ ካልእ ትሕዝቶ ወይ ድማ ናይ ጽብሒቱ-ለዉጢ ዝጡቁም ኣይኮነን። እዚ ድማ ነቲ ብኣቀዲሙ ኣብ ባይታ ዝጸንሔ ንጡፍ ፖሎቲካዊ ጽዕዶታት ተማላላኢ ወይ ተወሳኺ እንበር ብመሰረቱ ተጻራሪ ኣይኮነን።
ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ክፍታሕ ዘለዎ ትኹላዊ ግርጭት ኣብ መንጎ ጨቓኒን ተጨቓኒን ከንሱ፡ ህዝቢ ኣብ ሓደ ዕቱብ-ጽምዶ መታን ካየተኩር ብዓዲ፡ ብኣዉራጃ፡ ብሃይማኖት፡ ብእንዳ፡ ብቛንቛ፡ ብቀቢላ…ወ.ዘ.ተ ንቱኹላዊ ምትፍናን ንምእታዉን ነቲ ዝነቀለ ተበግሶ ንሙቕጻዩን ጽምዶታት ቃልስና ንምዝንባዕ ተባሂሉ ጫሌዳ ዛዕባታት ብምልዓል ንህዝቢ ኤርትራ ሰለል ወይ ገበጣ ንምጽዋቱ ተባሂሉ ብመደብ ዝካየድ ዘሎ እዩ። ገለ ካብቶም ዝዝረበሎሙን ዝጻሓፈሎም ዘሎ ጫሌዳ-ዛዕባታት ንምጥቃሶም፡-
1.“ጽገና ዶ መስረታዊ ለዉጢ”፡
2.“ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝባሃል ነገር የሎን”፡
3.“ብዘገምታዊ ዶ ቅጽበታዊ ለዉጢ”፡
4.“መሰረታዊ ለውጢ፡ብናይ ግዳም ኢድ-ኣእታውነት፡ ኣብ ታንክታት ወያኔ ተወጢሕካ ክመጽእ ዝደለ ዘሎ ለውጢ ዶ ጽገና ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ህግደፋውያን ኣሕዋትናን ኣሕትናን ዝረዓሙዎ፡ ንኹሉ ዘሳተፈ፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝብገስ ሰላማውን ህዱእን ቁዋማዊ ለውጢ”፡
5.“ለዉጢ ብጎነጽ ዶ ብሰላማዊ ኣጋባብ”፡
6.“ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስትራተጂካዊ ማሓዛና እንበር ጸላኢና ኣይኮነን፡ ጽላኢና ህ.ግ.ደ.ፍ ጥራይ እዩ”፡
7.“ላዕለዎት ኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤ ነበር ኣብ ደገ ዝነብሩ፡ ከም ባዓል ዶክቶር ኣሰፋዉ ተኸስተ፡ ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ፡ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደገርግሽ፡ ኣቶ ዓብደላ ኣደም፡ ኣቶ ማሕየዲን ሽንገብ…ወ.ዘ.ተ ኣብ ቡሩሱል (ቤልጂም) ተኣኪቦም፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ህ.ግ.ደ.ፍ ክማቓርሕዎ ወይ ድማ ንበይኖም ክቕጽልዎ ይናጣጠፉ ኣለዉ ዝብል ጥንቆላን ህዉተታን” እዩ፡
8.“ኣዉራጃነት”፡
9.“ብኣልማማ ምዉቃዕ ተጋዳላይን ገድሊን”፡…ወ.ዘ.ተ።
እዚ ዛዕባታት’ዚ ሓድሽ መካቲዒ ንደምበ ተቃዉሞ፡ ከም መፈላለይ-ነጥቢ ሕጂ ጥራይ ዝጓሃድ ዘሎ ኣይኮነን። ወትሩ ስትራተጂካዊ ጽምዶታት ንምስሓት፡ ሓደ ካብቲ ካልእ ነጥበ-ፍልልይ ከምዘሎ ንምምሳል፡ ገበን ንክፍጸም መጎልበቢ ሽፍን ንምግባር፡ ንምንጻልን ምቅንጻል…ወ.ዘ.ተ ኣብ ዝድለየሉ እዋናት፡ ዝላዓል መካቲዒ ከም ጋህሪ-ዛዕባታት ዝላዓሉ እዮም። ክሳብ ሕጂ ብኣፉ ይኹን ብጹሑፍ ጽገና ዝበለ ጉጂለ ኣይሰማዕናን ኣይራኣናን! እንተበለ እዉን መሰሉ እዩ! ከከም እምነትካን ዕግበትካ ክርዓም ወይ ክንጸግ ዝክኣል እዩ። ኣብ ዲሞክራሲ ድርብ መዔየሪ የሎን። ሓደ መሰለይ ተጋሂሱ ኢሉ ዝቃለስ ሰብ፡ መሰል ካልኦት ዜጋታት ክምንዝዕ ድንዕታታት ዘርኢ እንተኾይኑ፡ ንገዛእ ርእሱ ሓራ ዘይወጸን፡ ካብ ምልካዊ ኣታሓሳስባ ሓራ ዝወጸ ኣይኮነን። ወትሩ ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ገለ ጩራ ምዕባሌን ምንዕዓብን (Momentum and Dynamics) ለዉጢታት ክርኤ እንኮሎ፡ ነቲ ዝጋሃድ ምዕብልናታት ዘዳኹሙን ማኣዙኑ ዝጥምዙዙ ህቡኣን-ጉጂለታት (secret society groups) ናይ ተቃዋማይ ወይ ደጋፋይ መንጠሊና (camouflage) ዝተኸድኑ ኣብ ዉሽጥና ኣለዉ።
እዞም ህቡኣን-ጉጂለታት ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ዋልታታት ዝቆሙ እዮም። እቲ ቀዳማይ ብገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዉሽጢ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተጸፍየን ዝተወደበ ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ዉሽጢ ተቃዉሞ ኤርትራ ኣብ 2005 ተሓሲቡ ካብ 2009ኣትሒዙ ክጣራነፍ ዝጸንሔ ሕጂ ቅርጹን ጉልበታዊ ዓቕምታቱ ወዲቡ ዝነጥፍ ዘሎ ብወያኔ ዝሕብሐብ ኣብ ዉሽጢ ተቃዉሞ ዝተጸፍየ እዩ። ሳልሳይ እዉን ኣፍሮ-ዓረባዊ ዝንባሌ ዘጥቕዖ ሕቡሩን ዕላማታቱን እንዳቀያየረ ከም ነፋሒቶ ዝኸይድ እዩ። ዞናዊን ዓለምለኻዊ ፖሎቲካዊ ክዉንነት ስለዘየፍቀደሉ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ኣቀዲመ ዝረቛሕኩዎም ወሰንቲ ክልተ ዋልታታት ዝተቀርቀረ ስለዝኾነ ሕሉቕ ኮይኑ፡ ትንፋስ ክዘርእ ንሓንሳብ ቃል-ኪዳን፡ ዓሊ ሳልም (ኣል-ኢስላም) ዶ ፈደራል እንዳበለ ወሳኒ ንክኸዉን ዝህቕን ዘለ እዩ።
እዞም ወሰንቲ ስለስተ ዋልታታት ህቡኣን-ጉጂለታት ሓድሓዶም ዝተዛራሮቁ (infiltrating) እዮም። ገለ ኣባላቶም ኣብ ክልቲኡ ጉጂለታትን ኣብ ዝተፈላለየ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓሳት ድርብ ወይ ሱሉስ ኣባልነት ዘለዎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኩሉ ንጥፈታቶም ድማ ሚስጢራት ካብቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ምስግጋር፡ ሓድነት ህዝቢ ንትኹላዊ ምትፍናን ኣእቲኻ ምብታን፡ ንኤርትራዊ ሲቪክ መንነትን ሲቪክ ሃገራዉነትን ምድኻም፡ ንዝልዓል ቁኑዕ ሃገራዊን ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሙቁጻይ፡ ንህዝቢ ኢትዮጽያን ኤርትራ ኣብ ኣይኪናት ኣይሰላም ኩነታት ንኽነብር ኣገዲድካ ረብሓታቶም ምርግጋጽ፡…ወ.ዘ.ተ እዩ። እዞም ህቡኣን ጉጂለታት እዚኦም ብትሕዝትኦምን ንጥፈታቶም ሰብ ኣንጻር ሕብረተሰብ (Man against society) ስለዝኾኑ፡ ካብቶም ዘለዉና ክፍትሑ ዝግብኦም ጸገማት እዮም። እዞም ህቡኣን ጉጂለታት ሓይሊ ገንዘብ፡ ሓይሊ ሓቤሬታ፡ ሓይሊ ፍልጠትን ንዋት መካኒዝም ስለዝዉንኑ ድማ፡ ኣብ ኩሉ ቦታን ጊዚየ ህልዋት እዮም። ኣብ መድረኽ ፖሎቲካ ከምተሓለቕቲ ሃገርን ሕብረተሰብ ተመሲሎም “ንብዓት ሓርገጽ ይነብዑን ይምዱሩን”። ብተግባር ግን ኣንጻር ሃገርን ሕብረተሰብን እዮም። ወረ ሓደ ሓደ ጊዚየስ ሰለስቲኦም “ተጻረርቲ ዝመስሉ ዋልታታ ሕቡኣን-ጉጂለታት” ብሓሳብ ሓደ ስሙር ግንባር ብምፍጣር ይገጥሙኻ እዮም። ህዝቢ ብተረኽቦ ላምፓዱሳ ተዳፋፊኡ ሓፍ ኣብዝበለሉ እዋን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ትፈጢሩ ዘሎ ጩራ ምዕባሌን ምንዕዓብን ምሕብሓብን ናብ ቁኑዕ ማኣዝን ምምእዛኑ፡ ህዝቢ ተስፋ ቆሪጹ መታን ሕልኑኡ ረሸሽ ክብል፡ ዘየሎ ነገር ሚሂዝካ ከምዝህዉትት ይገብርዎ ኣለዉ። ስለዚ እዚ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ዝርኤ ዘሎ ኣብ መራኸቢ-ቡዙሓን ፖሎቲካዊ ጥምጥማት፡ ፖሎቲካዊ ምዝንባዓት፡ ምጥምዛዝ ስትራተጂታትን ስልቲ፡ ፖሎቲካዊ-ቅንጸላታት…ወ.ዘ.ተ ነዚ ኣቀዲመ ዘስመርኩሉ ተግባራት ዝዓለመ ስርሓት ናይቶም ሰለስተ ዋልታታት ህቡኣን-ጉጂለታት እዩ። ኣብ መጨረስታ ክልዓል ዝኽእል ሕቶ እንተሃልዩ፡ እሞ ነዚኣቶም ይኹን ብቀንዱ ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብኸመይ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ንገጥሞን ንዕወተሉን? ዝብል ሕቶ እዩ። እቲ ሕዋም ኣዝዩ ቀሊል እዩ፡ ንሱ ድማ ብሓድሽ ቅደ-ሓሳብ (pradagm-shift) ዉደባ ክንዉደብ ኣሎና። እቲ ሓድሽ ዉደባ ካብታ ዝደቀቀት ቦታን ነፍሱ ዝዉክል ዉልቀ-ዜጋ ጀሚሩ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ (grassroots movement) ፈጢርባ ክንቃለስ ኣሎና። እዚ ድማ ብቀንዱ እቶም ኣብታ ዝናኣሰት-ስፍራ ብሓባር ዝነብሩ ሰባት ከምጽፍሪ-ኢዶም ስለዝፋለጡ፡ ዙርቓታት ናይ ከምዚኦም ሓደገኛታት ባእታታት ክዓብስ ስለዘኽእል እዩ፡ ብቀንዱ ግን ወሳንነትን ተሳትፎ ህዝብና ከራጋግጽ ዝኽእል ብሙኻኑ እዩ።
ኣብ ዝኾነ ጉዕዞ ሓደ ሕብረተሰብን ሃገር፡ ብማሕበራዊ ሕግታት፡ ዞናዊ ን ዓለማዊ ፖሎቲካ ተሳሒሉ ሓድሽን ፍሉይ ቅርጻ ሒዙ ለዉጢ ከምዝህሉ ሞጎታዊ እኳ እንተኾነ፡ ንድሮን ንጽብሒቱ ዕለተ-ለዉጢ ምኣስን መንን ከመይን ከምትኸዉን ብርግጽ ክገልጻ ዝኽእል ሰብ የሎን ክብሃል ኣይክኣልን እዩ። ነታ ህሞት ለዉጢ ክትቃላጠፍን ክዉንቲ ንኽትከዉን ዝተፈላለየ ዓይነት ቃልስታት ይካይድ እዩ። ኮይኑ ግን ንጉዕዞ ታሪኽ ዝቕይር፣ እቲ ኣብ ዋላ ብጋህዲ ትርእዮ ነገር ዘይኮነ፣ እቲ ሕቡእ ብጋህዲ ዘይርኤ ግዛዕን ንጥፈታት ስለዝኾነ፡ ነታ ቃታ (Trigger) ማሕበራዊ ሰዉራ ተባርዕ ንምልላያ ኣጸጋሚ እዩ። ዋላእካ ከምኡ እንተኾነ፡ ንትኣምነሎሙን ትቃለሰሎሙ ዕታር መትከላትን ዘይፍትሓዉነት ብመንጸርካ ዘሎ ክትፈትሖ ትህቕን ዘሎኻ ግርጭት ኣብ ቅመራ ኣእቲኻ ለዉጢ ክራጋገጽ ከምዝኽእል ዘኽእሉኻ መሰረታዊያን መወከሲታት ስለዝህልዉኻ፡ ንጽቢሒቱ እንታይ ዓይነት ሩጉጽን ዘይርጉጽ ጋህዲታት (scenario) ክርኣዩ ተኽእሎታት ከምዘሎ ስለዘነጽረልካ፡ ነቶም ክራኣዩ ዝኽእሉ ሩጉጽን ዘይርጉጽ ጋህዲታት ብከመይ ተማሕድሮምን፡ ብከመይ ናብቲ ትደልዮ ማኣዝን ተማእዝኖም ህጡርን ጭቡጥ መርሓ-ገበይን ዉጥናት ክህልዉኻ ኣለዎም።
ኩሉ ኣቓልቦኻን ጻዕርኻ ጥራይ ናብ ምቕያር ፖሎቲካዊ-ስርዓት ዝተጸምደ ስትራተጂ እንተ ሃሊካ፡ ናይ ድሕሪኡ መደባት ስለዘይብልካ፡ እቲ ዝተራጋገጸ ለዉጢ ኣብ ክንዲ ንስኻ ተማሓድሮ ንሱ ስለዘማሓድረካ፡ እቲ ዝተራጋገጸ ለዉጢ ሓደገኛን ንስኻ እዉን ግዳይ ናይ ሕልምታትካ ክትኸዉን ትኽእል ኢኻ። ነዚ ዝብሎ ዘለኹ መወከሲ ታሪኽ ዝኸዉን ብቀረባ ሰዉራ ኢትዮጵያ ኣብ 1994፡ ሰዉራ ሱዳን 1989፡ ኣብ ዒራቕ 2003 ከምኡ እዉን ኣብ ቀዉዓዊ ሰዉራ ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ 2010 ኣብ ቱኒዝያ፡ ሊብያ፡ ግብጺን የመንን ; ከምኡ እዉን ኣብ ሱርያ ዝኸይድ ዘሎን ዘጓነፈ ኩነታት ክንዕዘቦ ይክኣል እዩ። እዚ ታሪኻዊ መወኪሲታት እዚ ብቀጥታ ናብ ዘገምታዊ ዶ ቅጽበታዊ ምስግጋር (evolutionary or revolutionary transformation) ሕብረተሰብን ፖሎቲካዊ ስርዓት ንዝብል ሕቶ እዩ ዘእትወና። ናይ ሎሚ ዛዕባይ ንሱ ስለዘይኮነ ግን ጎሴየዮ ክሓልፎ እየ።
ኣብ መዛዛሚ ዛዕባይ ከስምረሉ ዝደሊ ነጥቢ እንተሃልዩ፡ ኣብ ኤርትራ ፖሎቲካዊ ባይታ ዝካየድ ዘሎ ቅልስ፡ ኣብ መንጎ ተኻላኸልቲ ሲቪክ ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሲቪክ ሃገራዊ መንነትን፡ ኣብ መንጎ ኣፍረስቲ ሲቪክ ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሲቪክ መንነትን ዓሰብቶም ናይ ዉሽጥን ደገ ሓይልታት እዩ። ንሲቪክ ኤርትራ ኣፋራሪስካ ወይ ድማ ከም ጉዚ-ብዕራይ መቃቂልካ ንምድኻማን ንምብታናን፡ ዘይተኻዕተ ጉድጋድ፡ ዘይተኻየደ ጎስጋስን ምስራድን (deception) የሎን ክባሃል ይክኣል። እዞም ንሲቪክ ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሲቪክ ሃገራዊ መንነትን ንምፍርራስ ዓይኖም ሰም ካየበሉ ዝሓድሩ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢ ኤርትራ ይርከቡ። ስለዚ ህዝቢ ክነቀሕ ክዉደብን ክቃለስን እንተኺኢሉ፡ ንድሕሪ ሕጂ ሚስጢር፡ ሚስጢራዊ ጉጂለ: ጉጂላዊ ኣታሓሳስባን ሓሶትን ኣብ ኤርትራ ከምዘይሰርሕ ክግበር ይኽእል እዩ። ጣቛ ተረኺብለይ፡ “ኣብ ዉሽጢ ፖሎቲካዊ ግንባር ሕቡኡ ሰልፊ ፈጢሮም እዮም ስልጣን ተቛጻጺሮም ብምባል”፡ ዳግም ኣብ ሓርነታዊ ማሕበራዊ ሰዉራ ክትጥቀመሉ ምህቃን፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ንጊዚኡ ምትዕንቃፋት ምፍጣር እንበር፡ ኣብዚበጽሖ የብሉን። ካብቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ማሕበረዊ ሰዉራ ጉሉጹነት እዩ። ጉሉጽነት ዘይብሉ ምትእኽኻባት ዝድግፍን ዝሕብሕብ ህዝቢ እንተሃልዩ፡ ጥፍኣቱ ዝተበርሆ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ኣብ ድሮን ንጽቢሒቱ ዕለተ-ለዉጢ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብድሆታትን ሓደጋታት ፈሊጥና፡ ክንቃለሶም ዝግብኣና ጉዳያት ካብ ሕጂ ጀሚርና ብትሪ ክንቃለሶም ኣሎና።
ዳግም ርሑስ ባዓል-ልደትን ሓድሽ ዓመት ይግበረልና!
ንኩሉ ምድንጋራትን ስርዳታት ይኣክል! ይኣክል! ይኣክል ማለት ይኣክል እዩ!
ዓወት ንህዝቢ ኤትራ! ወድሓንኩም!
መርዕድ ዘርኡ
14/12/2013
m.zerut@gmail.com