Category Archives: Documentary

ታሪኽ ወያናይ ኣቶ የማነ ኪዳነ(ጀማይካ) ፥ ምኣስ ናብ ህግሓኤ ከምዝተሰልፈን፥ ከመይሉ ናብ ወየንቲ ከምዝተጸንበረን ተዘንቱ ቪድዮ ምዃና ኢዩ።

ታሪኽ ወያናይ ኣቶ የማነ ኪዳነ(ጀማይካ) ፥ ምኣስ ናብ ህግሓኤ ከምዝተሰልፈን፥ ከመይሉ ናብ ወየንቲ ከምዝተጸንበረን ተዘንቱ ቪድዮ ምዃና ኢዩ።

ቅድሚ ኣብ ቃለ-ምልልስ ጀማይካ ርእይቶ ክህብ ምፍታነይ ኣብ ጉዳይ ኤርትራዉነትን ኤርትራዊ ዜግነትን ርእይቶይን እምነተይን ከነጽር ይደሊ። ኣነ ብዉልቂ ይኹን ብምንቅስቓስ ከምዚ ዝስዕብ ፡-
1. ኤርትራ ናይ ዜጋታት ሃገር (civic nation-state) ሙኻና ይኣምን።
2. ፖሎቲካዊ ዜግነት ምስ ናይ ዜጋታት ሃገርነት ብቀጥታ ስለዝታኣሳሰር፡ ኣብ ኤርትራ ዜግነት ብሕጊ፡ ብ ናይ ሕጋዊ ወይ ርትዓዊ ስልጣን (rational form of legitimacy)ክዉሰን ኣለዎ ይብል።
3. ዜግነት ኣብ ሃይማኖት፡ ደም፡ ሕብሪ…ወ.ዘ.ተ ዝተሞርከሰ ክኸዉን የብሉን ይብል።
4. ኤርትራዊ ሃገርነትን ኤርትራዊ መንነትን ካብ ናይ ዜጋታት ሃገርነት ትሕዝቶን መልክዕን ወጻኢ ቁምነገር ከምዘይብሉ ይመዝን።
ስለዚ ንሓደ ሰብ ብደሙ፡ ብሃይሞኖቱ፡ ብሞቦቆሉ…ወ.ዘ.ተ ዘይኮንኩ ዝመዝኖ፡ ብመርትዖ ዘለዎ ብዝፈጸሞ ገበናቱ ጥራይ እየ ዝኸሶ። እምነተይ ከምዚ ኮይኑ፡ ብኣሕዋትና ተጋሩ ከም ብዓል ስብሓት ነጋ፡ ነፍስሔር መለስ ዜናዊ፡ ካልኦት ኢትዮጵያዉያን ይኹን ኤርትራዉያን ብልጭ ብልጭ ዝብል ክስታት፡ ጥቆማታትን ሓቤሬታትን ዘረባታት ጸኒሑ እዩ። ንሱ ድማ ኣብ ክልቲኡ ስርዓታት ዘለዉ ላዕለዎት ሰበስልጣን ደማዉን መቦቆላዉን ዝምድናታት ከምዘለዎም ዘተንብህ እዩ። ሕጂ ድማ ኣቶ የማነ ኪዳነ(ጀማይካ) ጸቂጡን ኣነጺሩን ገሊጽዎ ኣሎ። ስለዚ እዞም ኣህዛብ ንኣህዛብ ኣብ ሽግር ዘሳጡሑ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓታት ወያኔን ህ.ግ.ደ.ፍን ብደም ቤተሰብ ሙኻኖም ኣነጺርካ ምፍላጥ ከድሊ እዩ። ኩሎም ድዮም እንተተባሂሉ ኩሎም ኣይኮንኩን ግን እቶም ኣብ ወሰንት ቦታን ጽፍሕን ሒዞም ዘለዉ ክብሃል ይክኣል።
ነቲ ኣቀዲሙ ከም ወረታት ዝዝርጋሕ ዝነበረ፡ ሕጂ ንምርግጋጹ እንታይ ስለዝተረኽበ፡ ስለዝተደልየ’ዩ ፡ ኣቶ የማነ ኪዳነ (ጀማይካ) ነቲ ቃለ-ምልልስ ኣካይድዎ? እዚ ናይ ሎሚ ቃለ-ምልልሱ ካብቶም ካልኦት ዉጥም ቅልቅል ዘብሉ ዝነበሩ ብዝተነጸረ ንሙቕራቡ ዝፈጠሮ ቀንዲ ድርኺቱ (motivation) ዕላማን እንታይ ሙኻኑ ብኣእሙሮና ዘይንግምትን ዘይንፈልጥን እንተኼና እቲ ዕላል ወይ ዘረባ እዉን ክርድኣና ኣይክእልን ስለዝኾነ፡ ናይ ገዛእ-ርእስና ግምታት ኣቀዲምና ክህልወና ኣለዎ።
ብዝኾነ ታሪኽ ኣቶ የማነ ኪዳነ (ጀማይካ) ናይ ሓደ ዓቢ ተቃላሳይ ታሪኽ ካብ ዓለምለኻዊ ተቃላሳይ (ካብ ሰፊሕ) ናብ ናይ ብሔራዊ ተቃላሳት (ኣዝዩ ጸቢብ) ዝተሸምቀቀ እኳ እንተኾነ፡ ኣምሳል (ወካሊት) ነቲ ኣብቲ እዋንቲ ታሪኹን ታሪኽ መዘናታቱ ዝነበሩ እትገልጽ እዉን እዩ። መንእስያት 1960 ታት 1970 ታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራዉያን፡ ተጋሩ፡ ኦሮሞ…ወ.ዘ.ተ ልክዕ ከምዚ ናይ ኣቶ የማነ ኣታሓሳስባታትን ተቦግሶታትን ዝነበሮምን ዝነበረናን ኢና። ካብዛ ቃለ ምልልስ እዚ’ኣ ንናይ ምቅላስ መንፈስ ናይቲ ወለዶ’ቲ ኣብሪሃ ትገልጽ። ኣንካይዶ ኣብ ኤርትራ ኢትዮጵያ ናብ ሞዛምቢክ ከይዱ ንክቃለስ እዉን ይሓስብ ከምዝነበረ ብንጹር ገሊጽዎ ዘሎ እዩ።
እቲ ካልኣይ ብንጹር ዘይተባህለ የግዳስ ኣብ መንጎ ክልተ መስመራት ረቂቅ ዘብርሆ ነገር እንተሃሊዩ፡ ኣቀድም ኣቢሉ ኣብ ጊዝየ ቃልሲ፡ ቀጺሉ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ፖሎቲካዊ ስርዓት ወያኔን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘሎ ምትእስሳራትን ግርጭታት፡ ኣብቲ ነንሕድሕዶም ዝነበሮም ምትሕግጋዛትን ናይ ሓባር ጥሙሓትን ዝተሞርከሰ ሙኻኑ እዩ። እቲ ምትሕግጋዛቶም ካብ ናይ ቅርቢ ኣፍልጦን ቅድመሱሩት- ዝምድናታቶም ከምዝኾነ እዉን ብንጹር ኣቀሚጥዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ዉሳኔ፡ ሓርነቱን ናጽነቱን ዘሳላስል ፍትሓዊ ቃልሲ ከም ሃገራዉያንን ዓለምለኻዊ ተቃለስቲ ኮይኖም ብምጽጋዕን ብምስታፍን፡ ከም ቀንዲ ወሰንቲ መራሕትን ናይዘን ክልተ ሃገራት(ናይ ኢትዮጽያን ኤርትራን )፡ ናይ ፖሎቲካ ጨለታ (political elite) ንክኾኑ በቂዖም ኣለዉ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለየ ዛዕባታት ከም፡ ናይ ዶብ ሕቶ፡ ናይ መንነት ሕቶ፡ ናይ ምጣኔ-ሃብቲ ሕቶ …ወ.ዘ.ተ እንዳልዓሉ ብምትፍናንን ኪናት ብምእዋጅን የታሃናኩትዎ ኣለዉ፡፡ ኣብ መንጎ ናይ ተጋሩ መቦቆል ዘለዎም ቤተሰብ ማለት ብቅድመሱሩት-ዝምድናታቶም (primordial relation) ዝተኣስሳሰሩ፡ ኣብ ትግራይ ወይ ኣብ ኤርትራን ዝዓበዩን ናይ ኢትዮጵያ ወይ ናይ ኤርትራ ዜግነት ዘለዎም ኮይኖም፡ መን ዓብለለ ወይ ድማ መን መርሔ ናይ ዝብል ደርባዉን ፖሎቲካዊ ዉድድር ሙኻኑ እዩ። ነዚ ዘራጋግጽ ኣብ ዉሽጢ ወያኔን ህ.ግ.ደ.ፍን ብዙሕ ጭብጥታትን ዝርዝራትን እኳ እንተሃለወ መታን ካይገፍሓኒ ንጊዚኡ ከወንዝፎ እየ።
ሕቡራትን ኣዝዮም ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝፈልጡ በላሕትን ስለዝነበሩ፡ ብመንጽሩ ኣዝዩ ኣማኒን ገርሄኛ ህዝቢ ስለዝረኸቡ ነንሕድሕድና ኣታሃናኪቶም እዮም። ንፖሎቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዝተሓላለኽ ብምግባር ኣንፈትና ኣጥፌና ተስፋ ቆሪጽና ናብ ኣላሽ ንብለሉ ክዉንነት ብምዉዳቕን ብምዕንዛርን ሲዒሮሙና እዮም። ሕጂ ስዕረትና ተቀቢልና ነቲ ዘሎ ኩነታት ናብ ንቡር ኩነት ኩነታት (Status Quo) ክንቕይሮ ክንቃለስ እንተድኣ ኼና፡ ብልክዕ ገዛእትና ክንፈልጥ ኣሎና። 99% ዝኣክል ሕብረተሰብ ብ1% ዘይኣኽሉ ጉጂለ ቁንጣሮ-ሰባት ኣይምለኽን ማሃነኑ ጠፊኢዎ ኣይባታተንን እዩ። ነዚ በጺሖሞ ዘለዉ ደረጃ ንክበጽሑ ተቃሊሶም ዝበጽሕዎ ሙኻኑ እዉን ክንፈልጥ ኣሎና። ሕጂ ብስንፍናኻን ብዕንዝርናኻን ዝወረደካ ምዓት “ተጋሩ” ስለዝኾኑ እዮም፡ ከምዚ ዝገብሩና ዘለዉ ኢልካ ምምራርን ነቲ ቃልሲ ደማዊ ወይ ኤትኒካዊን ሕሉፍ ሃገርነታዊ ትሕዝቶ ምትሓዙ’ዉን መፍትሒ ኣይኮነን። እቲ ምንታይስ ከምቲ ተዋድደሎም ንሳቶም እዉን ኣዋዲደሙልና ከምዘለዉ ናብታ ኣዋዲዶሙልና ዘለዉ መጻወድያ ካይንኣቱ ክንጥንቀቅ ኣሎና። ብሓቂ እዉን እምብኣር ከምኡ ስለዝኾኑ እዮም፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣሳጢሖሙና ብምባል ንማራር እንተኼና፡ እቶም 99% ኤርትራዊ ደም ዘለዎም ኣብ ዝላዓለ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዘለዉ ከ እንታይ ኮይኖም እዮም ትም ኢሎም ዝዕዘቡ፡ ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ኣዕጋቢ መልሲ ዘይርከቦ እዩ። ስለዚ ስንፍናናን ዕንዝርናናን ኣለሊና፡ ንሳቶም እንታዎት ሙኻኖም ፡ምትእስሳራቶሙን ዝምድናታቶሙን፡ ዝጥቀሙሉ ኣጋባባት ምፍላጦም ኣገዳሲ እዩ። ንገዛእቲኻን ዝጥቀሙሉ ሜላታት ብልክዕ እንተፈሊጥካ ብኸመይ ትስዕሮም እዉን ክትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ናይ ሓሳበይ ብትሪ ክመኽሮ ዝደልዮ ቁምነገር እንተሃሊዩ፡ ቃልስና ካብ ደም፡ ሃይማኖት፡ መቦቆል፡ ዓሌትነት፡ ጽበትን ጸግዕተኛነት ኣርሒቅና ርትዓዉነትን ፍትሓዉነትን ዘለዎ ቃልሲ ክንቃለስ ኣማራጺ ዘይብሉ እዩ። ነዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ብግቡእ ስለዝተረዳእኩን ዝመመኹን እየ ድማ፡ ናይ ዜጋታት ሃገራዉነት ዝኣምንን፡ ኣብ ሲቪክ ዲምክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ተወዲበ ዝቃለስ ዘለኹ።
ወድሓንኩም!!!
መርእድ ዘርኡ
18/02/2017

Open Aid Data

  1. State of Eritrea http://www.openaiddata.org/purpose/271/121/top/
  2. RELEASE ERITREA http://opencharities.org/charities/1136627
  3. Freedom Friday Project & Human Rights Program http://www.ned.org/region/africa/eritrea-2016/

The Eritrean Exodus Documentary

EPDP Recording of EFND DC Conference, 23-25 October 2014

ናይ ሕመቕ ጹቡቕ ኣብነት!

Documentary the Tragedy of The Eritrean Refugees In Sudan & human trafficking

1. https://www.youtube.com/watch?list=PLZdT7tXpX_-qyjsYFjvQUqTfs47H40Nbw&v=phvTE0gIBLQ

2. https://www.youtube.com/watch?v=pg8en3TAF74&index=2&list=PLZdT7tXpX_-qyjsYFjvQUqTfs47H40Nbw

3. https://www.youtube.com/watch?v=4idLrgaMgmk&index=1&list=PLZdT7tXpX_-qyjsYFjvQUqTfs47H40Nbw

4. https://www.youtube.com/watch?v=B-Mpbvjho9g#t=107

I CREATED AIDS to DELIBERATELY DEPOPULATE HUMANITY

Zwart geld: De toekomst komt uit Afrika

http://embed.vpro.nl/popout/?id=VPWON_1169289&profile=tegenlicht&paused=0&volume=0.9&muted=0&
streaming=0&currenttime=34.08

ንቅዋም ኣመልኪቱ ዝተዘርበ እኩብ ዶኮሜንተርይ

“ኣብ መቓን ናይ ሃገራዊ ህንጸት ዕማማትና፡ ፖለቲካዊ ህንጸት ከም መብጽሒ (ወሲላ) ኣገዳሲ እጃም ስለዘለዎ፡ ምስናይ’ቲ ጉዕዞና ንምስንኻል ኪካየድ ዝጸንሐን ዘሎን
ተጻባኢ ግዳማዊ ሓንካሪ ህቀናታት፣ ብዙሕ ተማሂርናን ተመኲርናን ስለዘለና፣ ንመጻኢ መንግስታዊ ስርዓት መርሓ ፖለቲካዊ ጐደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር
ምዃኑ፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከፍልጥ እፈቱ።”

ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዞሪቁ ዝተረኽበ ተባሂሉ፡ውጥን ዲፕሎማሲ ምትላል ውሽጣዊ ሰነዳት ወያነ እንታይ ይብሉ? ተባሂሉ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ተዘርጊሑ ዘሎ ሰነድ፡

መዛኻኸሪ ንኩሉ ኣንባቢ፡-እዚ ሰነድ እዚ ብመንግስት ኤርትራ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዞረቐ ሰነድ ተባሂሉ ብኩሉ መራኸቢታት ቡዙሓቱ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዘርግሔ ሰነድ እዩ። መቦቆል እቲ ጽሑፍ ብቛንቛ ኣምሓርኛ ዝተጻሕፈ እዩ፡ ብመን ከምተተርጎመ ዝገልጽ መግለጺ የብሉን። እዚ ሰነድ እዚ ዝተመየነ ድዩ ወይስ ሓቐኛ ምኻኑ እዉን ንምርግጋጹ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ክራጋገጽ ዝክኣል የግዳስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እወ ሓቂ እዩ፡ እዚ ሰነድ እዚ ሓቐኛ ናትና እዩ ክብሉ እዉን ቡዙሕ ትጽቢት ዝግበሮ ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ “እገዳ” ንምውሳን ብወያነን ኣሳሰይቱን ዝተፈጸመ ዓሎቕ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዕርቃኑ እናወጸን እናተበለለን ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ርእይቶ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ “እገዳ” ናይ ምልዓል ቃና እናለዓለ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ምዕባለታት’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ብዲፕሎማሲ ሓሶትን ምትላልን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ዘይፍትሓዊን ዘይቅኑዕን ውሳነ ኬሕልፍ ዝደረኹ ወያነን ኣሳሰይቱን ክፈጥሮ ዝኽእል ሻቕሎት ርዱእ እዩ። ኣብ ክፍላ ለካቲት፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ዲኤታ ኣህጉራዊ ጉዳያት ወያነ፡ ናብ ኩሎም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሚሺናት ዝተላእከ ዘዋሪ መልእኽቲን ናይ ስራሕ መምርሒን፡ ነዚ ተርባጽ’ዚ፡ ከምኡ’ውን ወያነ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊን ዜናዊን ዘመተ ዝኽተሎ ናይ ምትላል ጸወታ ኣጉሊሑ ዜርኢ እዩ።

ሚኒስትሪ ዜና፡ ተዓዘብቲ ምሉእ ስእሊ ምእንቲ ክወስዱ፡ ቀጥታዊ ትርጉም ናይቲ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተጻሕፈ ውሽጣዊ ሰነዳት ወያነ እንሆ ከምዘለዎ የቕርቦ፦

ሰነድ 1.

ለካቲት 13 – 2006

መዘኻኸሪ

ናብ፡-   ኤምባሲ ኢፌድሪ/ቀዋሚ ልኡኽ/ ኣብያተ ጽሕፈት ቆንስላ፡ ኩሎም ጀነራል ዳይሬክተራት፡ ኣብያተ

ጽሕፈት፡ ማእከል፡

ካብ፡-   ቤትጽሕፈት ክቡር ሚኒስተር ዲኤታ

(ኣህጉራዊ መዳይ)

ርእሰነገር፦ ኤርትራ ካብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተመሓላለፈላ ውሳነታት እገዳ ንኽልዓለላ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ንምብርዓንን እገዳታት ብዝግባእ ኩነታት ተፈጸምቲ ንክኾኑ ኪግበር ዘለዎ ምንቅስቓስ ብዝምልከት ካብ ላዕለዋይ መሪሕነት ዝተውሃበ መምርሒ

ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተበየነሉ ውሳነታት እገዳ ከምዝልዓሉ ንምግባር ዝተፈላለየ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ኣብ ምክያድ ይርከብ። ኤርትራ ውሳነታት እገዳ ኣብ ልዕሊኣ ካብ ዝሓልፍ ጀሚራ፡ ኣብ ክልልና ኣብ ዘለዋ ሃገራት ንዝንቀሳቐሱ ጸረ-ሰላም ግብረ-ሽበራውያንን ዘይሕጋውያን ውድባትን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ደገፍ ብምሃብ፡ ነቲ ተነቢሩላ ዘሎ እገዳ ትጥሕስ ኣብ ርእሲ ምህላዋ፡ ካብዚ ተግባራታ’ዚ ከይተቘጠበት፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተመሓላለፈ እገዳ ንኽልዓለላ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምንቅስቓስ፡ እቲ እገዳ ቅኑዕ ከምዘይኮነ ከተእምን ትፍትን ከምዘላ ሓበሬታታት ይእምቱ። እዚ ምንቅስቓሳት’ዚ ብቐጻሊ እናሓየለ ከምዝኸይድ ይግመት።

በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ዘለዉ ክፍልታት ስራሕን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤምባሲታትናን ብውጥን ዝተደገፈ ዲፕሎማስያዊ ስርሓት ብምክያድ፡ ንዕላማታት ኤርትራ ከበርዕኑ ስለዝግባእ፡ ነዚ ክሕግዝ ዝኽእል ዝተፈላለየ ምድላዋት ክካየዱ ጸኒሖም ኣለው። ኩሎም ዳይረክተር ጀነራላትን ኣምባሳደራትን ዕላማ ዲፕሎማስያዊ ዘመተታትና ንምዕዋት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ውጥን መሰረት ብምግባር፡ ዳይሬክተር ጀነራላት ንዝምልከቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ኤምባሲታት ወጻኢን ኣህጉራዊ ዉድባትን፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤምባሲታትና ድማ ኣብ ዝርከብሉ ሃገር፡ ብፍሉይ ንቤትጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢን ካልኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላትን ብምልላይ፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወስዱ ውሳነታት እገዳ ንኸይልዓሉን ብዝግባእ ተፈጸምቲ ዝኾንሉ ኩነታት ንምፍጣርን ናይ ምእማን ስራሕ ከካይዱ ትጽቢት ይግበር።

ንግብራውነት ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ዝሕግዙ ሰነዳት፡-

1. Concept Note

2. Aide Memorie

3. Action Plan

4. Talking Points

5. ናይ Un monitoring Group July 2013 ጸብጻብ Excerpt ምስቶም ማዕቀባት ዝተኣሳሰሩ ውሳነታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን፣

ብኢመይል ዝተላእከልኩም ክኸውን እንከሎ፡ ዳይሬክተር ጀነራላትን ኤምባሲታትን ምስዚ ጽሑፍ’ዚ ከም ጥብቆ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን መበገሲ ብምግባር፡ ናይ ነፍሲ-ወከፎም ዝርዝር ውጥንን መደብን ብምውጻእ፡ ብመሰረት’ቲ ውጥን ናይ ዝተሰላሰሉ ተግባራት ቅዳሕ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ክልተ ቕነ (ኣብ መፋርቕን መወዳእታን ወርሒ) ናብ ቤት ጽሕፈት ክቡር ሚኒስትር ዲኤታ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ናብ ዝምልከቶም ዳይሬክተር ጀነራላትን፡ ኤምባሲታት ድማ ናብ ዝምልከቶም ዳይሬክተር ጀነራላት፡ ናብ ቤትጽሕፈት ክቡር ሚኒስትር ዲኤታን ዳይሬክተር ጀነራል ኣህጉራዊ ውድባትን ክልእኩ፡ ብክቡር ሚኒስትር ዲኤታ መምርሒ ተዋሂቡ ከምዘሎ ነፍልጥ።

ጥብቆታት፡- ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ

ቅዳሕ፡-    ንቤትጽሕፈት ክቡር ሚኒስተር

ንክቡራን ሚኒስትራት ዲኤታታት

 

ሰነድ 2

ንኣተገባብራን ቀጻልነትን ናይቶም ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎም ብይናት እገዳ ብዝምልከት፣ ምስ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ንምዝርራብ ክሕግዝ ዝተዳለወ መበገሲ ጽሑፍ (Concept Note)

መእተዊ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎም ናይ እገዳ ብይናት (ውሳኔታት) ብዝግባእ ኣብ ግብሪ ክውዕሉን፣ ንመጻኢ ዝያዳ ጸኒዖም ክቕጽሉን ምእንቲ፣ ንቀወምትን ተተካእትን ኣባላት ናይቲ ባይቶ ብሓድሽ ኣቀራርባ (New Approach) ብምቕራብ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ምክያድ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ባይቶ ጸጥታ ዘሕለፎም ውሳኔታት ብትኽክል ንምትግባሮም ኣባል ሃገራት ወሳኒ ተራ ከምዘለወን ይፍለጥ። ኣባላት ባይቶ ጸጥታ እውን ነቶም ውሳኔታት ካብ ምትግባር ሓሊፎም፡ ተጠናኺሮም ከምዝቕጽሉ ኣብ ምግባር፡ መተካእታ ዘይብሉ ኣስተዋጽኦ’ዩ ዘለዎም።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብሩ እገዳታት ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ዝኸኣሉ ብኣውራኡ ኤርትራ ብእትኽተሎ ዝነበረት ዕላዊ ጽልኢ ናይ ምጽሕታር ኣካይዳ – ኣብ ኢጋድ ብዝተፈጥረ ውሽጣዊ ሓድነት ምንባሩ ኣይርሳዕን። ኣብ መስርሕ ምድላውን ምጽዳቕን ብይን (Resolution) ቁጽሪ 1907፣ ኡጋንዳ፣ ጂቡትን ሶማልን ዝተጻወትኦ ተራ፡ ኣብ ብይን (Resolution) ቁጽሪ 2023 እውን ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጂቡትን ኬንያን ተሳትፎ ጉሉሕ እዩ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ ናይ ኢጋድ ሓድነት፣ ተቛጻጻሪ ጉጅለ (ሞኒተሪንግ ግሩፕ) በብግዜኡ ዘቕርቦም ዝነበሩ’ሞ፣ ብብዙሓት ተቐባልነት ዝረኸቡ፣ ኣብ ጭቡጥ መርትዖ ዝተመርኮሱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተወሳኺ እገዳ ክትግበር ዝጠልቡ ጸብጻባት ዝተጻወትዎ ተራ’ውን ቁልፊ ምንባሩ ኣይዝንጋዕን። ውሳኔ ቁጽሪ 2023 (2011) ድሕሪ ምሕላፉ’ውን፣ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ናይ ምቁጽጻር ስርሑ ዝቐጸለ ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ሓምለ 2012ን ሓምለ 2013ን ዝርዝራዊ ጸብጻብ ምቕራቡ ይዝከር።

ኣብ ሓምለ 2013 ዓ.ም. ዝወጸ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣልሸባብ ዝህቦ ዝነበረ ቅሉዕ ደገፍ እኳ እንተነከዮ፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ከምዝቐጸሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ኣዕነውቲ ሓይልታት ዝህቦ ኩሉ መዳያዊ ሓገዝ ከምዘየቋረጸ ዘንጽር’ዩ ዝነበረ። እቲ ጸብጻብ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝጥቀመሉ ሜላ ኮንትሮባንድ ኣቃሊዑ እዩ። እዚ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ታክቲክ ለውጢ እምበር ናይ ስትራተጂ ለውጢ ከምዘይገበረ ዘርኢ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ በሪሁ። ይኹን’ምበር፣ ካብ ፈደረሽን ሩስያ (እንተላይ ካብ ፓኪስታን) “እቲ ጸብጻብ ሚዛናዊ ኣይኮነን” ዝብል ነቐፌታ ከምዝቐረበሉ፣ ካልኦት ኣብቲ ሪፖርት ኣስማትና ብዘይ ኣገባብ ተጠቒሱ ኣሎ ዝበላ ሃገራት ኢጣልያ፣ ኖርወይ፣ ኬንያን ሶማልን እውን ቅሬታአን ምግላጸን ይዝከር።

ስለዝኾነ፣ ብወገን ኤርትራ ዝኾነ ናይ ፖሊሲን ባህርይን ለውጢ ኣብ ዘይመጻሉ ኩነታት፣ እገዳ ንምዝላቕ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት ንምዕጋትን፣ ነቲ እገዳ ተፈጻሚ ንምግባርን ውሁድ ምንቅስቓስ ምክያድ ልዑል ትዅረት ዘድልዮ ዕማም እዩ።

 1. ብወገን ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ

ኣብዚ ግዜ’ዚ ብገለ ወገናት፣ መንግስቲ ኤርትራ ደኺሙ እዩ – ናይ ምልምላም ኩነታት እውን የርኢ ኣሎ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ንኤርትራ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ምግላል ንህዝቢ ይጎድእ ስለዘሎ – ባይቶ ጸጥታ ኣተሓሕዛኡ ልስልስ እንተዝብል ዝብል ሓሳብ ይመጽእ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ፡ ናይ ኣመሪካ ናይ ጉዳያት ኣፍሪቃ ተሓጋጋዚ ሚኒስተር ብዝነበረ ሚስተር ሄርማን ኮሀን ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳያት ኣፍሪቃ ካብ ዝከታተሉ ኣካላት እውን፣ ኤርትራ ብቑጠባውን ፖለቲካውን ምኽንያታት መርገጺኣ እና’ልዘበት ስለዝኾነት፣ ምስኡ ዝዳረግ ምላሽ የድሊ ኣሎ ዝብሉ ርእይቶታት ከስምዑ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ከባቢ ኮንግረስን ባይቶ ዝምድናታት ወጻእን ኣመሪካ ኣብ ዝኣመሰሉ ትካላት’ውን ነዚ ዝመስል ርእይቶ ይቀላቐል ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ንትግባረ ናይቲ እገዳ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ (ኣቐድም ኣቢለን – ኡጋንዳ ብይን 1907፡ ጋቦን ድማ ብይን 2023 ኣብ ምጽዳቕ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ሞሮኮ ንኣተገባብራኡ ብዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ) ምሉእ ደገፍ ዝሃባና ሃገራት ምዃነን ኣይርሳዕን። ካልእ ኣተኩሮ ዘድልዮ ጉዳይ፣ ኤርትራ ብእተርእዮ መታለሊ ዲፕሎማስያዊ መጥቃዕቲ (Deceptive Charm Offensive) እቲ ኣብ ውሽጢ ኢጋድ ንኤርትራ ብዝምልከት ዝነበረ ሓድነት፡ ናብ ኬንያን ሱዳንን ብዝተኻየዱ ምብጽጻሓት፡ (ኣብ ናይሮቢ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኬርን ናይ ታንዛንያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ፕረዚደንታትን ብዝተገብረ ምዝርራብ) ከይጉዳእ ስግኣት ኣሕዲሩ ምህላዉ እዩ።

ብወገን ኤርትራ – ካብቲ ዘሎ ተነጽሎ ንምውጻእ ልዑል ምንቅስቓስ ይገበር ምህላው ብግልጺ ዝረአ ዘሎ እዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኬንያን ሱዳንን ዝገበርዎ ምብጻሕ፡ ንሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNDP፣ OCHA) ኣስመራ ከምዝበጽሑ’ሞ – ኤርትራ ተለዊጣ እያ ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝግበር ምንቅስቓሳት፡ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ኣብ ፓሪስ ዝፈጸምዎ ምብጻሕ ብኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ሰበስልጣን ኤርትራ ምስ ተቖጻጻሪ ጉጅለን ምስ ኣቦ-መንበር ኮሜቴ እገዳ (ኣምባሳደር ኮርያ)ን ኣብ ታሕሳስ 6/7 ኣብ ፓሪስ ዝገበርዎ ዝርርብ ኣካል ናይዚ ይመስል። እዚ ምንቅስቓሳት’ዚ፣ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ዘለዎም ርክብ ዝዓለመ እኳ እንተኾነ፣ ቀንዲ ዕላማኡ ግን ናይ እገዳ ጉዳይ ምዃኑስ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብወገን ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈልየ መልክዕ – ብወገን ኤርትራ (እንተላይ ኣብ ፖለቲካ) ናይ ምትሕግጋዝ ድሌት ከምእተራእየ ዝገልጹ ሓበሬታታት ኣለዉ።

ብኣጠቓላሊ፣ ንእገዳ ብዝምልከት ዘሎ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ – ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ’ተን ኣብ ምልማዕ ዝርከባ ሃገራት፣ ምቹእ ሃዋሁው ከይፈጠረ ከምዘይተርፍ ምግማት ይከኣል። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝተገብረ ናይ ኤርትራ UPR፣ እታ ሃገር ዝረኸበቶ ደገፍ ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። ሽዑ ከም ኡጋንዳ ዝኣመሰሉ፡ ንኤርትራ ብምድጋፍ ዘስምዕዎ መደረ ኣተኩሮ ክወሃቦ ዝግባእ’ዩ።

2. ንኢጋድ ብዝምልከት

ኣቐዲሙ ከምእተጠቕሰ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣብ ምውሳንን ምጥንኻርን (ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክሳብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝነበረ መስርሕ) ኣብ ውሽጢ ኢጋድ ዝነበረ ሓድነት ወሳኒ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። እዚ ተፋሒቑ – እንተደኣ እቲ ጉዳይ ከም ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጉዳይ ጥራይ ጌርካ ተወሲዱ፣ ሃገራት ናብቲ ናይ ኤርትራ – “ምንጪ ኩሎም ሽግራት ናይ ዶብ ሽግር እዩ” ዝብል ኣሰልቻዊ (Narrative) ዝኾነ ኣበሃህላ ገጾም ክኸዱ ዝገብር ዕድል ሰፊሕ እዩ። ስለዚ፣ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ሓድነት ኢጋድ ንምድልዳል ብሕልፊ ምስ ጂቡትን ኬንያን ብቐረባ ምስራሕ ኣማራጺ የብሉን። ሓድነት ኢጋድ ምድልዳል – ነዚ ድማ ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ኣዕናዊ ምንቅስቓሳት ቅኑዕ መረዳእታ ከምዝህሉ ኣብ ምግባር፡ ትካላት ጸጥታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ብሓባር ክሰርሑ ጽቡቕ እዩ።

3. ንተቖጻጻሪ ጉጅለ ብዝምልከት

ኣቐዲሙ ከምእተጠቕሰ፣ እቶም ብተቖጻጻሪ ጉጅለ ዝቐርቡ ዝነበሩ ጸብጻባት፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብሩ እገዳታት ከሪሮም ንክቕጽሉ ወሳኒ ተራ ነይሩዎም እዩ። ኮይኑ ግን፣ ናይ ሓምለ 2013 ጸብጻብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኣብ ዝቐረበሉ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት – ብሕልፊ ካብ ኤርትራ ተሪር ተቓውሞ ገጢምዎ እዩ። እቲ ጉጅለ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝዘርግሖም ጸብጻባት፣ መንግስቲ ሶማል ኣብ ብልሽውና ከምእተሸመን ኣባላት ሰራዊት ኬንያ ኣብ ኪስማዮ ኣብ ንግዲ ፍሓም ብሰፊሑ ከምእተዋፈሩን ምግላጹ ይዝከር። በዚ ድማ፡ መንግስቲ ሶማል፡ መራሒ ናይቲ ጉጅለ ክእለ (ክለዓል) ዝሓትት ደብዳበ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልኢኹ እዩ። ብወገን ኬንያ እውን ተመሳሳሊ ተቓውሞን ደብዳበን ናይ (Persona non Grata) መፈራርሒ ምቕራቡ ይፍለጥ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር፣ ሓደ ብዜግነት እንግሊዛዊ – ብትውልዲ ድማ ናይጀርያዊ ዝኾነ ኣባል ናይቲ ጉጅለ ናብ ናይሮቢ ከይኣቱ ዝተኸልከለ ክኸውን ከሎ፣ መንግስቲ ኬንያ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበሉ ናይ ቪዛ ሕቶ እምቢታ ሂብሉ እዩ።

እዚ ኩነታት’ዚ፣ ምስቲ ኤርትራ – እቲ ጉጅለ ካብ ሻርነት ሓራ (Neutral) ኣይኮነን እናበለት እትጉስጉሰሉ ኩነታት ተደሚሩ፣ ንተኣማንነት ናይቲ ጉጅለ ከይጎድኦ ስግኣት ኣሎ። እገዳ በቲ ባይቶ ዝህልዎ ደገፍ (ብሕልፊ ብተን ቀወምቲ ዘይኮና ኣባላት) ኣብ ጸብጻብ ናይቲ ጉጅለ ዝምርኮስ ብምዃኑ፣ ተኣማንነት ናይቲ ጉጀለ እንተደኣ ተተንኪፉ ኣብ ልዕሊ እገዳ ዘሎ ደገፍ ብኡ መጠን ከይጉዳእ ዘስግእ እዩ።

ከምዝፍለጥ – ናይቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውህደትን (Integrity) ተኣማንነት ንሱ ዘቕርቦም ጸብጻባትን ነቲ እገዳ ዓንዲ ሕቖኡ እዮም። ኣብዚ ግዜ’ዚ (ንሶማልን ኬንያን ሓዊስካ) ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉጅለ ዝውርወር ዘሎ ወቐሳታት፡ ምስቲ ኤርትራ – እቲ ጉጅለ ናይ ኣመሪካን ኢትዮጵያን መሳርሒ እዩ

እናበለት እተካይዶ ወፍሪ ተደሚሩ ንተኣማንነቱ ኣብ ሓደጋ ከየእትዎ ዘየስግእ ኣይኮነን። ናይቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ክብሪ ከይጉዳእ እምበኣር፣ ምስቲ ጉጅለ ተቐራሪብካ ምስራሕ፡ እቲ ጉጅለ ምስ መንግስታት ኬንያን ሶማልን ንዘለዎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ናይ ምርድዳእ ስርሓት ምክያድ ከድሊ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኢጋድ እንፈጥሮ ምቅርራብን ናይ ሓባር ኣመለኻኽታን እውን፣ ነቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ዝህቦ ደገፍ ከትርሮ ይኽእል እዩ።

 

 4. ንኣባላት ባይቶ ጸጥታ ብዝምልከት

I. ንሓሙሽቲአን ቀወምቲ ኣባላት ብዝምልከት፣-

ኣመሪካ

ኣመሪካ – ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብሩ ውሳኔታት እገዳ ቁጽሪ (1907/2009) ከምኡ’ውን (2023/2011) ብተኸታታሊ ክሓልፉ ሓያል ምንቅስቓስ ገይራ እያ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ እዋኑ ቀዋሚ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረት ኣምባሳደር ሱዛን ራይስ – ነቶም ውሳኔታት ኣብ ምሕላፍን ባህርያቱ ኣጸቢቓ እትፈልጦ መንግስቲ ሻዕብያ ኣብ ከባቢና ዝፍጽሞ ሕማቕ ተግባራት ኣብ ምቅላዕን ዝፈጸመቶ ኣስተዋጽኦ ኣዝዩ ልዑል’ዩ ክበሃል ይከኣል። መንግስቲ ኣመሪካ፣ ንኤርትራ ብዝምልከት ብዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ብተቖጻጻሪ ጉጅለ ጸብጻባት ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፣ ኤርትራ፡ ኣብ ሶማልን ኣብዚ ከባቢን ንእትፍጽሞ ኣዕናዊ ስርሓት ብምኹናን – ካብዚ እከይ ተግባራት’ዚ ክትቁጠብ ብተደጋጋሚ ኣተሓሳሲቡ እዩ። ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ካብ ምልምላምን ብስልቲ ደረጅ ካብ ምልዋጥን ሓሊፋ፣ ሓቀኛ (Genuine) ከምኡ’ውን ዝጭበጥ ለውጢ ከምዘየምጽአት ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝፍለጥ ምዃኑ፣ ካብ ሓደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ዲፕሎማት ብተዘዋዋሪ ንምርዳእ ክኢልና ኣለና።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ልኡኽ ኣመሪካ ኮይኖም ዘለዉ ኣምባሳደር ሳማንታ ፓወር፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ልክዕ ከም ኣምባሳደር ሱዛን ራይስ ተሪር መርገጺ ዘይክህልዎም ይኽእል እዩ ኢልካ ክግመት ዝከኣል እኳ እንተኾነ፣ ከም ወኪል መንግስቲ ኣመሪካ መጠን፡ ነታ ሃገር ብዝምልከት ዝተፈልየ ወይ ዝለዘበ መርገጺ ከሕዙ ይኽእሉ እዮም ክበሃል ግን ኣይክእልን። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ከም ሓደ እወታዊ ጎድኒ ዝረአ – ኣምባሳደር ሱዛን ራይስ ናይ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ስለዝኾነት፣ ኣመሪካ ከም ሃገር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እትኽተሎ ፖሊሲ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ክልወጥ ኢልካ ምሕሳብ የጸግም እዩ።

ኮይኑ ግን – ኤርትራ ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚራ እትኽተሎ ዘላ ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ምኽሳብ ኣካዪዳ ብዕቱብ እንተደኣ ቀጺሉን ናይ ሓደ ሓደ ሃገራት (ቻይናን ሩስያን) ቀልቢ እንተደኣ ስሒቡን ንቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ናይ ምግምማዕ ዕድል ክትረክብ ትኽእል እያ። ስለዝኾነ፣ ኣመሪካ በቲ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ንኽትቅጽልን – ነቲ ውሳኔታት ግብራዊ ክትገብርን ምእንቲ – ኤርትራ ጭቡጥ ናይ ባህርይ ለውጢ

ከምዘየምጽአት ስርሐይ ኢልካ ምርዳእ፣ ካብ ጽላት ዕደና (Mine Sector) እትረኽቦ ኣታዊ ምቁጽጻር ምእንቲ ክከኣል፣ ክዳሎ ዝግብኦ መርሓ ሕንጻጻት (Due Diligence Guidelines) ተጻፊፉ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምእማን ከድሊ እዩ።

እንግሊዝ

እንግሊዝ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዘሕለፎም ክልተ ብይናት እገዳ ዝደገፈት ኮይና፣ ነታ ሃገር ኣብ ዝምልከት ምስ ኣመሪካ ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለዋ ፍሉጥ እዩ። እንግሊዝ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎ ናይ ኣጽዋር እገዳ ተኸቲላ – The Export Control Order 2011 (S1 2011/1296) ዝበሃል ሕጊ ዘውጽአት ክትከውን ከላ፣ በቲ ሕጊ’ቲ – ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎ ናይ ኣጽዋር እገዳ ብመገዲ እንግሊዝ ከምዝፈጽሞ ንምግባር ምእንቲ ክከኣል እዩ።

ስለዝኾነ፣ እንግሊዝ ንውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ይኹን ንተቖጻጻሪ ጉጅለ እትህቦ ደገፍ ኣብ ሓጺር ግዜ ክቕየር’ዩ ኢልካ ምግማት ከምዘይከኣል፣ ኣብ ኒዮርክ ምስ ናይ እንግሊዝ ቀዋሚ ልኡኽ ዝተገብረ ዝርርብ ይሕብር። ብተወሳኺ፣ እቶም እገዳታት ጸኒዖም ክቕጽሉን ብኸምቲ ዝድለ ግብራውያን ክኾኑን፣ ከምኡ’ውን እቲ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ ዘሎ ምጽፋፍ ናይ መርሓ ሕንጻጻት (Due Diligence Guidelines) ተወዲኡ ኣብ ስራሕ ከምዝውዕል ንምግባርን ኤርትራ ሓቀኛ ናይ ባህርይ ለውጢ ከምዘየምጽአት ንምርዳእን፣ ምስ እንግሊዝ ሓቢርካ ምስራሕ ከገድስ እዩ።

ፈረንሳ

ፈረንሳ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎም ክልተ ብይናት እገዳ ክጸድቁ ከለዉ፣ ምሉእ ደገፋ ከምዝሃበትሉ ይዝከር። ነዚ ናይ ፈረንሳ መርገጺ ቀንዲ ምኽንያቱ፣ እቲ ኤርትራ ኣብቲ ከባቢ እተካይዶ ዘላ ጸረ ሰላም ምንቅስቓሳትን ንጸረ ሰላም ሓይልታት እትህቦ ደገፍን እኳ እንተኾነ፣ እታ ሃገር ኣብ 2008 ዶብ ጂቡቲ ጥሒሳ ወራር ምፍጻማን ክሳብ ሕጂ ምሩኻት ወተሃደራት ዘይምምላሳን፣ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ጽቡቕ ከምዘይከይድ ገይርዎ እዩ።

ብመሰረት’ቲ ኣብ መንጎ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዘሎ ኣሰላልፋ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ናይ ጸጥታን ሰላምን ጉዳያት (እንተላይ ናይ ኤርትራ)፣ ኣመሪካ፣ እንግሊዝን ፈረንሳን ኣብ መብዛሕትኡ ተመሳሳሊ መርገጺ ከምዘለወን ይፍለጥ። ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ኩነታት እውን ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝተነብሩ እገዳታትን ነቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለን ደገፋ ትህብ ከምዘላን ኣብ መጻኢ እውን ከምእትቕጽሎን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ቀዋሚ ልኡኽ ፈረንሳ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ ዝርርብ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ። ምድላው መርሓ ሕንጻጻት (Due Diligence Guidelines) ተጻፊፉ ኣብ ስራሕ ምእንቲ ክውዕል እምበኣር፡ ናይ ፈረንሳ ደገፍ ንምርካብ ምንቅስቓስ ኣገዳሲ እዩ።

ፈደረሽን ሩስያ

ሩስያ – ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብይን 1907/2009 ኣብ ዘሕለፈሉ እዋን ደገፋ ዝሃበት ሃገር እኳ እንተኾነት፣ ኣብቲ ካልኣይ ብይን ናይ 2023/2011 ግን ናይ ድምጺ ዕቃበ ገይራ እያ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሩስያ፣ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃን ቻይናን ብምዃን ንትሕዝቶ ናይቲ ውሳኔ ብምጅላሕ ሓይሊ ከምዘይህልዎ  (water down ) ገይራቶ እያ። እዚ መርገጺ’ዚ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ዝብገስ ኣይኮነን፣ እንተላይ ካልኦት ኣባል ሃገራት ናይቲ ባይቶ (ኣይቮሪኮስትን ሊብያን) ፍሉይ መርገጺ ወሲደን እየን። ኢትዮጵያ ብመንጽር’ቲ ምስ ሩስያ (ቀደም’ውን ምስ ሕብረት ሶቭየት) ዘለዋ ንዘበናት ዝቐጸለ ዝምድና፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮም እገዳታት ክለዓሉ ከምዘይትድግፍ ይግመት። ኮይኑ ግን፣ በቲ ሕጂ ኣብ መንጎ ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዘሎ ናይ መን ልዕልና ሓዘ ውድድር፣ ብወገን P3 (ኣመሪካ፣ እንግሊዝን ፈረንሳን) ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተሪር መርገጺ ምስዝተሓዝ’ሞ፣ እታ ሃገር እገዳታት ክለዓለላ ጀሚራቶ ብዘላ ጎስጓስ ናይ ሩስያ እወታዊ ምላሽ እንተረኺባ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብሩ እገዳታት ብትኽክል ክትግበሩን ዝያዳ ክኸሩን ሓሲባቶ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ፈተነ ክገጥሞ ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግን፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኒዮርክ ዝርከብ ልኡኽና ኣብኡ ንዝርከብ ናይ ሩስያ ኣምባሳደር ረኺቡ ኣብ ዘዘራረበሉ ኣጋጣሚ፣ ሃገሩ ንኢትዮጵያ ክትድግፍ ድሉውቲ ምዃና፣ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ከምዘየወዳድርዋ፣ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝሓየለ መልክዑ ንምቕጻል፡ ሩስያ ኩሉ ግዜ ድሉውቲ ምዃና ገሊጽሉ ኣሎ። ስለዝኾነ፣ ነዚ ዝያዳ ንምድራዕ፣ ኤርትራ ሓቀኛ ናይ ባህርይ ለውጢ ከምዘየምጸአት ምጉስጓስ – ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳታት ከምቲ ዝድለ ክትግበርን ዝያዳ ከሪሩ ክቕጽልን ኣብ ምግባር፣ ከምኡ’ውን እቲ ግዜ ወሲዱ ዘሎ Due Diligence Guidelines ኣብ ዝቐልጠፈ ተጻፊፉ ኣብ ስራሕ ክውዕል ምእንቲ፣ ሩስያ ደገፋ ክትህብ ኣጥቢቕካ ምዝኽኻር ኣገዳሲ እዩ።

ቻይና

ቻይና፡ ብመትከል፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዝኾነ ዓይነት እገዳ ክመሓላለፍ የብሉን ዝብል መርገጺ ከም እትኽተል ዝፍለጥ’ዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ምስ ቻርተራት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይሳነን ካብ ሓንቲ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ዝኾነት ሃገር ዘይትጽበዮን መርገጺ፡ ንኤርትራ ጠቒምዋ’ዩ። ነዚ ዘረጋግጽ ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ  ክልተ ውሳነታት እገዳ (1907 ን 2023) ክመሓላለፍ ከሎ ቻይና ዕቃበታት ምርኣያን ምስ ሩስያ ብምዃን እቲ ካልኣይ ውሳነ ንክጅላሕ (water down ንክኸውን) ተሪር መርገጺ ምሓዛን’ዩ።

እዚ መርገጺ ቻይና ብመንጽር መትከል (principle) ጥራይ ክርአ የብሉን። ከም ዝፍለጥ ቻይና ምስ ኤርትራ ቁጠባውን ካልእን ርክባት ዘለዋ ብምዃና ንኤርትራ ከተቐይማ ኣይትደልን’ያ። ብኻልእ መዳይ፡ ኣብ መንጎ  ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዘሎ ምክፍፋልን ላዕለዋይ ኢድ ንምሓዝ ዝግበር ጻዕርን ከም በዓል ኤርትራ ንዝኣመሰላ ዘይሕጋውያን ሃገራት ጠቒምወን’ዩ። ነዚ መረጋገጺ ዝኸውን ድማ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጭብጢታት፡ ምንቅስቓስ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ኤርትራ ምእጋድን፡ ኣብታ ሃገር ወፍሪ ንዘካይዳ ኩባንያታት ብዝምልከት ፋይናንሳዊ ምቁጽጻርን ምክትታልን ምግባርን ኣብ ዝብል ሓሳብ፡ ቻይና ብተደጋጋሚ ተቓውሞ ምርኣያ’ዩ። ዋላ’ኳ ቻይና እዚ ኣካይዳ’ዚ ነቲ ህዝቢ ዝጎድእ’ዩ ዝብል ምኽንያት እንተሃበት ነቲ ጉዳይ ክንዮ’ዚ ምርኣዩ ግቡእን ጠቓምን’ዩ።

ክንዲ ዝኾነ፡ ኤርትራ እቲ እገዳታት ንኽለዓል ዝጀመረቶ ጻዕሪ ብወገን ቻይና ተቐባልነት ንኸይረክብ፡ ኤርትራ ከምዘይተለወጠት፡ ከምኡ’ውን ጉዳይ እገዳ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራይ ከምዘይኮነ፡ ኣዕናዊ ፖሊሲ ኤርትራ ምስ ጉዳይ ዶብ ፈጺሙ ዘራኽብ ከምዘይብሉ  ጸቒጥካ ምርዳእ ከድሊ እዩ።

II. ኣብ 2014 ኣባል ባይቶ ጸጥታ ንዝኾና ሃገራት ብዝምልከት

ናይጀርያ

ናይጀርያ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰላም ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዝራግ ብዝኽተሎ ፖሊሲ ምኽንያት፡ ባይቶ ጸጥታ ንካልኣይ ግዜ ውሳነ ቁጠባዊ እገዳ (2023/2011) ኣብ ዘመሓላለፎ እዋን ምስ ጋቦን ብምዃን co-sponsor ብምግባር ከም ኣባል ናይቲ ባይቶ መጠን ልዑል ተራ ተጻዊታ’ያ። ከምዝዝከር ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ከመሓላልፍ ከሎ ሊብያ ነቲ ናይ መጀመርታ ውሳነ ክትቃወም ከላ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ካልኣይ ውሳነ ክመሓላለፍ ከሎ ዋላ’ኳ ኣብ መወዳእታ እንተደገፈት ጸገም ፈጢራ ነይራ እያ።

ሃገርና ምስ ናይጀርያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ተቐራሪባ ኣብ ምስራሕ ትርከብ። እታ ሃገር ብመገዲ ሪጂናል መካኒዝም ምዕራብ ኣፍሪቃ (ECOMOG) ብሓፈሻ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምርግጋጽ ድማ ብፍላይ፡ መሪሕ ተራ ሒዛ ትነጥፍ ዘላ ኮይና፡ ኣብ ዳርፉር ዓቃብ ሰላም፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሶማል ዉሑድ ቁጽሪ ዘለዎ ሓይሊ ፖሊስ ኣዋፊራ ዘላ እያ።

ሃገርና፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተመሓላለፉ ብይናት እገዳ፡ ግብራውነቶም ንምርግጋጽን ዝያዳ ከሪሮም ንኽቕጽሉን ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ናይጀርያ ብዝሓሸ ኩነታት ክትተሓባበርን መርገጺና ክትድግፍን እንጽበዮ ኮይኑ፡ ምስታ ሃገር ብመገዲ’ቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ኤምባሲና ዝያዳ ተቐራሪብካ ምስራሕ ኣገዳሲ’ዩ።

ጫድ

ጫድ ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ጀሚራ፡ ኣብ ማሊን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ጉሉሕ ተራ ትጻወት ዘላ ሃገር’ያ። ብእትጻወቶ ዘላ ጉሉሕ ተራ ድማ፡ ክትፍለጥ ጀሚራ ኣላ። እታ ሃገር ንኣባልነት ባይቶ ጸጥታ ካብ እትምረጽ ንደሓር፡ ነቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ልኡኻ ብሓይሊ ሰብ ናይ ምድልዳልን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዘገልገለ ኣምባሳደራ ናይ ምምዳብ ስራሓትን ስለዝዓመመት፡ ምስ ናይጀርያን ርዋንዳን ብምዃን ኣብቲ ባይቶ ዝሓሸ ምንቅስቓስ ከተርኢ ትጽቢት ይግበረላ።

 

ጫድ ንተቐናቐንቲ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ (Seleka) ደገፍ ከምእትህብ ብማዕከናት ዜና ዓለም ብተደጋጋሚ ዝተነግረ ክኸውን ከሎ፡ እቶም ተቐናቀንቲ ኣብ ማዝያ 2013 ኣብ ቤተ-መንግስቲ እንጃሜና ኣብ ዘካየድዎ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ካብ ኤርትራ ዝተዓደገ ኣጽዋር ከምእተጠቕሙ ተገሊጹ ነይሩ። ኣቐድም ኣቢሉ እውን፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ብ12 ጥሪ 2011 ኣብ ዝተጸንበለ በዓል ነጻነት ጫድ ተሳቲፉ ነይሩ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ጫድ ካብዚ ተበጊሳ፡ ኤርትራ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊኣ ዘንበሮ እገዳ ንኽልዓለላ እተካይዶ ጻዕሪ ምሉእ ደገፋ ክትህብ’ያ ምባል ኣጸጋሚ’ዩ። ብወገንና ንሪኮመንዴሽናት ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን መሰረት ብምግባር፡ ንጫድ ጭቡጥ ባህርያት ኤርትራ ናይ ምግላጽ፡ ከምኡ ድማ እቲ እገዳታት ዝያዳ ሓዪሉ ክቕጽል ከምዘለዎ ናይ ምእማና ስራሓት ከነሰላስል ኣለና።

ኣብ ባይቶ ጸጥታ ናይ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ደገፍ ምርካብ ንኤርትራ ዓቢ ዕድል ክኸውን ከሎ፡  ንመስርሕ’ቲ እገዳ ዓቢ ሃስያ’ዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብቲ ቀንዲ ቤትጽሕፈት’ውን ብመንገዲ ናይ ኒዮርክ ኣምባሳደርና ኣብ ልዕሊ ጫድ ኣድህቦ ጌርካ ምንቅስቓስ ኣገዳሲ’ዩ።

ልትዌንያ

ልትዌንያ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ክትከውን ፋልማያ’ዩ። ልትዌንያ ምስ ኣመሪካ ጽቡቕ ርክብ ዘለዋ ሃገር ክትከውን ከላ፡ ከም ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ መጠን ንመትከላት ናይቲ ሕብረት ክትክተል ትርአ’ያ። እዚ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ኣብ ኤርትራ ዝተመሓላለፈ እገዳታት ብዝግባእ ግብራዊ ንኽኸውንን ብዝያዳ ሓዪሉ ንኽቕጽልን ኣብ እነካይዶ ጻዕሪ ሓጋዚ ክኸውን ከምዝኽእል ይእመት።

ብ26 ሕዳር 2013 ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ልትዌንያ ምስ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ተራኺቦም ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ልትዌንያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ንምሕያል ጽኑዕ ድሌት ከምዘለዋ ገሊጾም’ዮም። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተመሓላለፈ እገዳታት ንኽትግበርን ዝያዳ ሓዪሉ ንኽቕጽልን ኣብ እነካይዶ ጻዕሪ፡ እታ ሃገር ዋላ’ኳ ኣዝያ ሓያል ደጋፊት እንተዘይኮነት ንሃገርና ዝሃሲ ተግባር ክትፍጽም ትኽእል’ያ ኢልካ ምሕሳብ ኣይክኣልን።

ስለዝኾነ ኣብ ቀጻሊ፡ ንልትዌንያ ብምቕራብን ንሓቀኛ ባህርይ ኤርትራ ብምርዳእን እቲ እገዳታት ብዝግባእ ንኽትግበርን ንመጻኢ ድማ ዝያዳ ሓዪሉ ንኽቕጽልን ኣብቲ ጉዳይ ዝግባእ መረዳእታ ከምትጭብጥ ምግባር ኣገዳሲ’ዩ።

ቺለ 

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተራእየ ኣንፈት (trend)፡ ካብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዝነበራ ሃገራት መብዛሕትአን ምስ ሃገራት ምዕራብ ተገራጫዊ ክበሃል ዝኽእል መርገጺ’የን ክኽተላ ተራእየን። ብካልእ መዳይ ካብቲ ዞባ ናብ ባይቶ ጸጥታ ዝተጸንበራ ሃገራት ማለት (ጓቲማላ፡ ኮሎምቢያን ኣርጀንቲናን) ንኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ንጡፍ ሱታፌ ኣይጸንሐንን። ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብኣባልነት ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ፡ ኣድህቦአን ዝያዳ ኣብ ጉዳያት ናይቲ ዝውክልኦ ዞባ ከምዝኾነ ምርዳእ ተኻኢሉ’ሎ።

ቺለ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት፡  ካብ 2002 ክሳብ 2004 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣባል ባይቶ ጸጥታ ነይራ እያ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ጉዳያት ናይቲ ባይቶ ብፍላይ ድማ ንኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ነይርዋ ክበሃል ኣይከኣልን። ይኹን’ምበር፡ ኣብቲ ባይቶ ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋናት፡ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣጀንዳ ዘተ ኪካየድ እንከሎ፡ እቲ ኩነታት ብመንጽር ዓለምለኻዊ ሕጊ ክርአ ከሎ፡ ኤርትራ ዝሓሸ ምኽንያት (cause) ከምዘለዋ ዝገለጸትሉ እዋን ነይሩ። ብኻልእ ወገን ካብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ንደሓር ቺለ ምስ ኢትዮጵያ ንምቅርራብ ድልየት ዘርኣየት ክትከውን ከላ፡ እዚ ከኣ፡ ሃገርና ቤትጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከበላ ሃገር ስለዝኾነትን ቺለ ድማ ቤትጽሕፈት ውድብ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ኣብ ርእሰ-ከተማኣ ስለዝርከብ፡ እዚ ምምስሳል’ዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝሓሸ ርክብ ንኽህሉ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕሳብ እዩ።

ቺለ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብእዋናዊ ኣባልነታ ጸግዒ ኤርትራ ሒዛ ንረብሓ ኢትዮጵያ ዝሃሲ መርገጺ ክትሕዝ ትኽእል’ያ ኢልካ ምሉእ ብምሉእ ምግማት ኣይከኣልን። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ምስ  ቀዋሚ  ልኡኽ  ቺለ ኣብ ኒዮርክ ኣብ ዝተገብረ ዘተ፡ ነዚ ምርግጋጽ ተኻኢሉ ኣሎ። ብወገን ሃገርና ናይ ቀረባ engagement ፈጢርካ ቺለ መርገጺና ከምትፈልጦ ምግባርን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተመሓላለፈ እገዳታት ግብራውነቱ ክረጋገጽን ዝያዳ ከሪሩ ክቕጽልን ከምዘለዎ ከነረድኣ ኣገዳሲ’ዩ።

ዮርዳኖስ

ዮርዳኖስ ቅያር ኣባል ባይቶ ጸጥታ ዝኾነት፡ ስዑዲ-ዓረብ ንኣባልነት ድሕሪ ምምራጻ ስለዘንሰሓበት (wth drew) እዩ። ዮርዳኖስ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ንምድልዳል ብ30 ሕዳር 2013 ኣብ የመን ዝርከብ ኣምባሳደራ ሚስተር ሱሌማን ጉዌይሪ (Mr. Suleiman Ghweiri) ኣብ ኤርትራ ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር (non resident ambassador) ገይራ መዚዛቶ። ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝድልድለሉ መዳያት ድማ ጥዕናን ትምህርትን ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ዮርዳኖስ ናይ ጥሪ 2014፡ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ እያ ነይራ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ወርሒ፡ ኣብ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሶርያን የመንን ክፉት ኣኼባ (open sessions) ኣዳልያ ብኣቦመንበርነት መሪሓ’ያ። እዚ፡ ዮርዳኖስ ኣድህቦ እትገብረሉ ዓለምለኸ ጉዳያት እንታይ ከምዝኾነ ዘመልክት ኮይኑ፡ ንኤርትራ ብዝምልከት ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር  (non resident ambassador)  ምምዛዛ ምስታ ሃገር ዘለዋ ዝምድና ንምድልዳል ከምዝወሰነት ዝእምት’ዩ።

ስለዝኾነ ብወገንና ንዮርዳኖስ ብምቕራብ፡ ነቲ ኤርትራ ኣብ ዞባና እተካይዶ ኣዕናዊ ተልእኾ ከምዘየቋረጸቶ ብምሕባር፡ ብባይቶ ጸጥታ ዝተነብረ ውሳነታት እገዳ ተፈጻምነቱ ብዝግባእ ክረጋገጽን ዝያዳ ሓዪሉ ክቕጽልን መረዳእታ ከምዝህሉ ምግባር ኣገዳሲ ይኸውን።

III. ኣብ ባይቶ ጸጥታ ብኣባልነት ንሓደ ዓመት ዝጸንሓ ሃገራት ብዝምልከት

ርዋንዳ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ኣርጀንቲና፡ ሉክሰምበርግን ኣውስትራልያን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ከም ተወሳኺ ቅያር ኣባላት ኮይነን ንሓደ ዓመት (2014) ክጸንሓ’የን። ኣብ ኒዮርክ ዘሎ ኤምባሲና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንወከልቲ ናይተን ሃገራት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ደቡብ ኮርያን ኣውስትራልያን ምስ ናይ ኣመሪካ ዝመሳሰል መርገጺ ከምዘለወን፡ ብኣንጻሩ ኣርጀንቲናን ሉክሰምበርግን ትርጉም ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ኮነ ተሳትፎ ከምዘይብለን እዩ ገሊጹ። ርዋንዳ’ውን ምስ ልኡኽና፡ ብዝተፈላለየ ደረጃ፡ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ዘተ እንተካየደት’ኳ ንኤርትራ ብዝምልከት ቅርብቲ (forthcoming) ብምዃን ዝረብሕ ሓበሬታ ክትህብ ከምዘይከኣለት እዩ ዝገልጽ። እቲ ጉዳይ ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ናይ ኒዮርክ ኤምባሲና ነተን ሃገራት ኣመልኪቱ ቀዳማይ ኢድ (first-hand) ሓበሬታ ስለዘለዎ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተመሓላለፈ ውሳነታት-እገዳ ብዝግባእ ክትግበርን ዝይዳ ክኸርርን ኣብ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ፡ ምስቲ ኤምባሲ ብምምይያጥ ንጥፈታት ምክያድ ኣገዳሲ ይኸውን።

4 መደምደምታ

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተመሓላለፈ ውሳነታት እገዳ ኣብ ጸገም ወዲቑ ኣሎ ዝበሃል’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ በዳሂ ኩነታት ከምዘሎ ዝሕብሩ ሓያሎ ምልክታት ኣለዉ። ርግጽ እዩ፡ እቲ እገዳ ብቐሊሉ ክልዓል ዝኽእል ኣይኮነን። ዘይሩ ዘይሩ ነቲ ርሳስ (Pen) ሒዛቶ ዘላ ሃገር ኣመሪካ መርገጺኣ ክሳብ ዘይቀየረት፡ እቲ ዝተመሓላለፈ ውሳነ እገዳ ክለዓል ይኽእል’ዩ ኢልካ ኣይሕሰብን። ይኹን’ምበር፡  እቲ ጉዳይ ጓህማም (ስኒ ዘይብሉ) ኪኸውንን በብቑሩብ እናተሸርሸረ ኪኸይድን ዘሎ ዕድል ዕጽው ኣይኮነን። ነዚ ኩነታት’ዚ ንምግታእ ድማ’ዩ፡ ብወገንና ልዑል ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ከነካይድ ዝግብኣና። ናይዚ መዘኻኸሪ ቀንዲ ዕላማ’ውን ንሱ’ዩ። ኣብ ባይታ ብወገን ኤርትራ ዝግበር  ምንቅስቓሳት ከይተቐየረ፡ ኤርትራ ብሸፈጥ ጥራይ

ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተመሓላለፈ ውሳነ እገዳ ጓህማም ንምግባሩ እተካይዶ ዘላ ሓደገኛ ምንቅስቓስ፡ እንተተዓዊታትሉ ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ይኽእል። እቲ እገዳ፡ ብመጠኑ እውን እንተኾነ ንኤርትራ ከምእትጓነ (marginalize) ኣብ ምግባር ከምዝሓገዘ ብዙሕ ሕቶ ዘድልዮ ኣይኮነን። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ’ዩ ድማ ብወገን ኤርትራ ዝለዓለ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ዝካየድ ዘሎ። ናትና ብድሆ (challenge) ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝካየድ ምንቅስቓሳት፡ ናይ ኢትዮጵያ ዘይኮነ ናይ ኢጋድ ከምዝኾነ ጸቒጥካ ኣብ ምግላጽ’ዩ። እዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ ሸቶ ኮይኑ፡ ክንረባረበሉ ይግባእ።

http://www.madote.com/2014/03/secret-ethiopian-government-documents.html

Memorandum:The five point peace plan of Ethiopia

http://www.usip.org/publications/peace-agreements-eritrea-ethiopia

The five point peace plan of Ethiopia , which was released on November 2004 concern the Ethiopia and Eritrea border dispute states as follows:-

1. Resolve the dispute between Ethiopia and Eritrea only and only through peaceful means

2. Resolve the Root Causes of the Conflict Through Dialogue With the View to Normalizing Relations Between the Two Countries

3. Ethiopia Accepts, in Principle, the Ethiopia-Eritrea Boundary Commission Decision

4. Ethiopia Agrees to Pay Its Dues to The Ethiopia-Eritrea Boundary Commission and to Appoint Field Liaison Officers

5. Start Dialogue Immediately with the view to implementing the Ethiopia-Eritrea Boundary Commission’s decision in a manner consistent with the Promotion or Sustainable Peace and Brotherly Ties between the Two Peoples.