Monthly Archives: September, 2013

ዉርዙይ ባህልን እሩም ወይ ነውራም ስነ-ምግባርን።

ባህልን ስነ-ምግባርን ኣዝዩ ሰፊሕ ኣርእስቲ ስለዝኾነ፣ ኣብቶም ኣገደስቲ ጥራይ ኣተኩረ ዓቕመይ ዝፈቕዶ ጆባእ ይብለኩም። ካልኦት ድማ ከምተስፍሕዎ ተስፋይ ወሰን የብሉን።

ኣብ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ዘሎ ደረጃ ምዕባሌ ናይ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ኣቃውማ Socio-Economic Structure ንባህልን ስነ-ምግባርን ህዝቢ ይጸሉ ይውስን። ስለዚ ዝኾነ ህዝቢ ነናቱ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ናይ ባህሊ ልምድን ወኒኑ፣ ስነ-ምግባራዊ ክብርታቱ ሓልዩ ናብ ወሎዶታት እናተሰጋገረ ክኸይድ ግድነት’ዩ። ሓዲሽ ምዕባሌ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ለውጥን ሓዲሽ ወለዶ ናይ ባህሊ ልምዲ ስነ-ምግባር ምቅይያር ክገብር ግድነት’ዩ። እንተኾነ ኩሉ መሰረት ውርሻ ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባሩን ፈጺሙ ይፈርስ ማለት ኣይኮነን። ዝጸንሖ መሰረት ባህሊ መንነቱ ክብሪታቱ፣ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዝሙርኮስ ሕልናዊ ሞራላዊ ግዴታ ደረጅኡ ሓልዩ ይምዕብል ድኣ’ምበር ብመሰረቱ ዝፈርስ ዝቕየር ማለት ኣይኮነን።

ባህሊ፦ ባህሊ ልምድታት ስነ-ምግባርን ከከም መቦቆላዊ ከባቢታቱ ፍልልያትን ተመሳሳልነትን ክህልዎ ግድነት’ዩ። ባህሊ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ ናይ ኣለባብሳ ወግዕታት ይገልጽ። ንሃይማኖታዊ እምነትን ስነ-ምግባሩን ይሓቁፍ። ናይ ኣደ ቓንቓን ክብሪታቱን ይውክል። ኣብ ግዜ ሓጎስ ወይ ኣብ ግዜ ሓዘን ክልተ ናይ ኣከባብራ ወግዕታትን ስነ-ምግባራዊ ባህርያትን ይጠምር። መለልዪ ህዝቢ ድማ ባህላዊ ክብሩን ስነ-ምግባሩን’ዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ዘሎ ናይ ማሕበራዊ ናብራ ንዝምድናታቱ ባህርያቱን ይገልጽ። ንዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ዘለዎ ህዝቢ ዝጠምሮ ልዕሊ ኩሉ ምምሕዳርን ሕግን እዩ። ስለዚ ባህሊ ንማሕበራዊ ዝምድናታትካ ልምድታቱ፣ ንሕግታትካ ንምምሕዳራዊ ኣገባብካ፣ ንመንነትካን ክብሪታቱን ብኣጣቓላሊ ንስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብ የጠቓልል።

ስነ-ምግባር፦ ETHICS ኣብ ትሕቲ ባህሊ ዝሕቆፍ ሓደ ኣካል ኮይኑ፣ ኣብ መዓልታዊ ሂወት ንባህርያትን ስነ-ስርዓትን ደቂ ሰባትን ተግባሮምን ይጠምር። ምኽንያቱ ስነ-ምግባር ሕልናውን መንፈሳውን መዳያት ይሓቁፍ። ስለዚ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ንዝህሉ መዓልታዊ ርክብ፣ ምስ ከባቢኻ ተዘውትሮ ባህርያት፣ ኣኽብሮት ትሕትና ከም ጽቡቕ ስነ-ስርዓት መግለጺኻ’ዩ። ስለዚ እሩም ስነ-ምግባር፣ ወይ ነውራም ስነ-ምግባርካ ብእትስከሞ ሞራላዊ ሓላፍነት ከም መለክዒ ማሕበራዊ ክብሪ ይውሰድ። Social Value ምኽንያቱ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበረ ወድ ሰብ’ዩ፣ ብተፈጥሮ ከማኻ ማዕረ መሰል ናይ ትውልዲ ኣለዎ። ንሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ምሕላው ድማ ሕልናዊ ግዴታን ሞራላዊ ሓላፍነትን ኣለካ። ተኽብሮ’ዶ ወይ ትግህሶ?

ስነ-ምግባር ምስ ሞያዊ ብቕዓት ተዛሚዱ ይግለጽ’ዩ። ግቡእ ኣገልግሎት ምሃብ፣ ወይ ብሞያዊ ሸለልትነት ብሕጊ ዘሕትት ይግለጽ’ዩ። ከም ኣብነት ስነ-ምግባር ሕክምና፣ ስነ-ምግባር ጠበቓ፣ ስነ-ምግባር ጋዜጠኛ፣ ስነ-ምግባር ምምሕዳርን ካልእን ዓውድታትን የጠቓልል። ንሱ ንሰብ ሞያ ክገድፎ ኣብ ባህልን ስነ-ምግባር ሓደ ህዝቢ ዘተኮረ ከሰግር’የ።

ውርዙይ ባህልን፣ እሩም ስነ-ምግባርን ህዝቢ ኤርትራ።
ህዝቢ ኤርትራ ውርዙይ ባህልን እሩም ስነምግባርን ዝዓብለሎ ረዚን ማሕበራዊ ክብሪ ዝውንን ባህልን ስነ-ምግባርን ዝነብሮ ህዝቢ’ዩ። ብኣንጻሩ ገለ ዉሑዳት ሰባት ድማ ስነ-ስሮዓትን ኣኽብሮትን ዝጎድሎም፣ ፈኩስ ባህልን ነውራም ስነ-ምግባርን ዘለዎም ክህልዉ ግድነት’ዩ። መን ኣበይ ይስራዕ ዝምስክሩ መስትያትካ ህዝብኻ’ዩ። ምኽንያቱ ከባቢኽ ዘሎ ኣካል ህዝቢ ንቃላትካ ይሰምዕ ንተግባርካ ይዕዘብ ስለዝኾነ፣ ንባህልኻን ስነ-ምግባርካን ይመዝነካ ይፈርደካ። ሚዛንን ፍርድን ደቂ ሰባት ድማ ክልተ መለክዒ ኣለዎ። ቀዳማይ ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ሚዛኑ ብሱል ሓላፍነታዊ ይገብሮ። ጉድለት ሕልና ዘለዎ ወይ ፍሉይ ረብሓ ንምቕዳም ምስ ዝሰርሕ ሚዛን ፍርዱ ስምዒታዊ ይገብሮ ዘይሓላፍነታዊ ባህርያት ይህልዎ።
ህዝቢ ኤርትራ “ ውርዙይ ባህሊ፣ እሩም ስነ-ምግባር” ከምዝነበሮ ከም መለልዪ ሰለስተ ኣብነት ክጠቅስ፦

1. ዘይጸዓድ ሓያል ናይ ምብዳህ መንፈስ፦

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰለስተ ገዛእቲ ሃገራት፣ ምስ ኩሉ ባህላዊ ወራራትን ካልእ ጸቕጥታት መኪቱ’ዩ ተዓዊቱ።

ምኽንያቱ ህዝብና ብዓብላሊ ቁጽሪ ንመግዛእቲ ኣሜን ኢሉ ኣይተቐበለን። ኤርትራዊ ስነ-ኣእምሮን ክብሪ መንነትን ንምርግጋጽ፣ ንመሰሉ ቅድም ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ፣ ቀጺሉ ድማ ንብረታዊ ቃልሲ ተቐቢሉ ህዝባዊ ተሳታፍነት ኣረጋጊጹ። ሃይማኖታዊ ፍልልዩ ኣኽቢሩ፣ ብሔራዊ ብዙሕነቱ ኣሳቲፉ፣ ናይ ናጽነት ዕላማ ብሓድነት ኣስሚሩ፣ ዘይጸዓድ በዳሂ መንፈስ ሓያል ናይ ተጻዋርነት ባህሉ ኣመስኪሩ፣ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ተቓሊሱ ክቡር ዋጋ ከፊሉ’ዩ ተዓዊቱ።

ስለዚ ንክብርኻ ምቅላስ ዋጋ ምኽፋል ሓደ ካብ መልለዪ ጭዋን ለባም ኣትሓሳስባን ስለዝኾነ፣ “ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባርን ህዝብና” ከም ምንጪ መሰረት ዓወትና’ዩ።
ኣብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ፣ ብገለ ጉጅለ ደቂ ሰባት ዝተፈጸሙ ጉድለትን ገበናዊ ተግባርን ኣይዘንጋዕኩዎን። ምኽንያቱ ብውልቀሰባት ዝፍጸም ጉድለት ንህዝቢ ኣይውክልን’ዩ። ምስ ህዝባዊ ባህሊ ተነጻጺሩ ክግለጽ ድማ ውርዙይ ኣይገብሮን’ዩ።

ብመግዛእቲ ዝዓነወ ባህልን ስነ-ምግባርን ነይሩ ኢልኩም ከምትሓስቡ ድማ ኣይዘንጋዕኩዎን። እወ ባህልና ደረጅኡ ሓልዩ ከይምዕብል ብመግዛእታዊ ባህሊ ተዓጊቱ’ዩ። እወ ኣቦታትና ዋላ ዳሕረዎት መንእሰያትና ወሲኽካ፣ ዝተሰዉኡ ዝሰንከሉ ዜጋታትና ክብርን ሞጎስን ይሃቦም። ዘጋጠማ ስደት ክንደይ’ሞ ክንብሎ። ዝዓነወ ንብረት ኣዲኡ ትቑጸሮ። ብባህሊ መግዛእቲ ዝተበከለ ኣትሓሳስባ ዉሑድ ኣይኮነን። ንኩሉ ደሚርና ኣብ ሞራልን ስነ-ኣእምሮናን ዓቢ ጉድኣት ከምዝወረደና መን ዘይምስክሮ። ኩሉ ሽግር በጺሑና ጥዒምናዮ ንፈልጦ ኢና። ከም ጸበል ንኩልና ለኽዩና ዘይተተንከፈ ስድራ ትከስስ’ዩ ነገሩ። ምስ ኩሉ ሕልኽላኽ ኩነታት ኤርትራ ግና፣ “ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባርን ህዝብና ኣዓዊቱና’ዩ።

ምእዙዝነት ንልዕልና ሕግን ምምሕዳርን’ዩ፦

ካልእ መለልዪ ውርዙይ ባህልናን እሩም ስነ-ምግባርናን “ ምእዙዝነት ንልዕልና ሕግን ምምሕዳርን’ዩ ። ዝኾነ ህዝቢ ዝተፈላለየ ሃይማኖት፣ ዝተፈላልየ መቦቆልን ዝተፈላልየ ባህልታትን ዘለዎ፣ ብሓባር ክነብር ዝጠምሮ ስርዓተ-ሕግን ምምሕዳርን’ዩ። ህዝቢ ብሕጊ ምእዙዝ እንተኾይኑ ውርዙይ ባህሊ ይውንን፣ እሩም ስነ-ምግባር ስለዘለዎ ድማ ተኸባቢሩ ክነብር ኣየጽግሞን። በደላት ወይ ገበናት ክፍጸም ኮሎ ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ይህልዎ። ምኽንያቱ ብሕልና ይኹን ብሃይማኖታዊ ስነ-ምግባሩ ሕማቕ ስለዘይቅበል ንዝበደሉ ወይ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ምቕራብ ሕልናውን ሞራላውን ግዴትኡ ይስከም።

ህዝቢ ኤርትራ ዋላ’ኻ ባህሉ ስነ-ምግባሩ ደረጅኡ ሓልዩ Classical ክምዕብል ሙሉእ ዕድል እንተዘይነብሮ፣ ዝተፈላልየ መጸውዒ ይወሃቦ ብዘየገድስ፣ / ዓዲ ወረዳ ኣውራጃ ዝሰማማዕሉ ሕግታት ነይርዎ።/ ሕግታት እንዳባ ብህዝባዊ ውክልና’ዩ ጸዲቑ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ወረዳ ኣውራጃ፣ ለባማት ውርዙያት መሪጻ’ያ ወኪላ። ህዝቢ ቆጽሊ ከውድቐልካ ድማ ሓደ ካብ ቀንዲ መለልዪኻ ባህርያትካ ተግባርካ’ዩ። ብባህልኻ ውርዙይ፣ ብስነ-ምግባርካ እሩም ክትከውን ኣለካ። ምኽንያቱ ብህዝቢ ዝውከሉ ለባማትን ወራዙትን፣ ብእምነቶም ቅንዕንኦም ዝምስከረሎም እዮም። ሰላምን ዕርቅን ንምንጋስ ይጽዕሩ። ኣብ ግዜ ሽምግልና ጸግዒ ዘይወስዱ ዓገብ ዝብሉ፣ ብፍትሓዊ ባርያቶም ዝልለዩ እዮም። ንሳቶም ኣብ ዝነብርሉ ህዝቢ ሚዛኖም ረዚን፣ ብሓላፍነታዊ ባህርያቶም ተግባሮም ዝተመስከረሎም ተቐባልነቶም ማሕበራዊ ክብሪ ዘለዎም እዮም።

ብህዝቦም ምስተወከሉ ብጀካቲ ቅኑዕ ሕልንኦም፣ ውርዙይ ባህሎም፣ ብመንፈሳዊ እምነቶም እሩም ስነ-ምግባር ደሚርካ፣ ሕጊ እንዳባ ክነድፉ ኮሎዉ ነዊሕ ግዜ ጾይሞም ንኣምላኾም ጸሎቶም ኣዕሪጎም፣ ብምክብባርን ምርድዳእን እዮም ነዲፎሙዎ ኣጽዲቖሙዎ ሕጊ እንዳባ። ህዝቢ ድማ ንዝወከሎም ለባማትን ወራዙትን ኣቦታቱ ዘጽደቑዎ ሕጊ እንዳባ፣ ከም መቐየዲ ናብራ የናብረና’ዩ ኢሉ እምነት ኣሕዲሩ ተቐቢሉዎ። ስለዚ ህዝቢ ንልዕልና ሕግን ምምሕዳርን ተማእዚኡ ምኻድ ረዚንን ውርዙይ ባህሊ ወኒኑ እሩም ስነ-ምግባርን ሒዙ ተኸባቢሩ ማሕበራዊ ሂወቱ ይመርሕ ምንባሩ ርዱእ’ዩ።

ሕጊ እንዳባ ኣብ ኣፈጻጽምኡ ድማ ኣብ ባይቶ ብቕሉዕ ተዘትይሉ ባይቶ ዓዲ ዝውሰን ስርዓተ ምምሕዳር ተቐይዱ ይጎዓዝ ነይሩ። ንዝርኣዩ ሽግራት ብዕርቅን ሽምግልናን ባይቶ ዓዲ ይፈትሕ። ሓሓሊፉ ዘጋጥም ነብሰ ቕትለት ሕነ ምፍዳይ ከይቅጽል ንምዕጋት፣ ካብ ስድራ-ቤት መዋትን ቀታልን ናይ መውስቦ ዝምድና ይፈጥሩ። “ ጋልን ጋርን” ደንጊጎም ደም ምፍሳስ ብመውስቦ፣ ብይቕሬታን ሕድገትን ይፈትሕዎ ነይሮም። ስለዚ ህዝብና ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባርን ነይርዎ።

ካብ ባህልታትና ድማ ገለ-ገለ ክመሓየሽ ዝግብኦ ከምዝነበረ ዘካትዕ ኣይኮነን። ከም ኣብነት ሕቶ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ። ብሞያዊ ስልጠና፣ ናይ ስራሕ ዕድልን ማዕረ ክፍሊትን፣ ካልእ ንጾታዊ ማዕርነት ዘረጋግጹ ረቓሒታት ካብቲ ዝነብሮ ንላዕሊ ምምሕያሽ፣ ግዜ ጻዕርን ዘድልዮ፣ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ዝመሓደር ትምህርቲ፣ ፕሮጀክትን ፋይናንስን ከምዝሓትት ርግጽ’ዩ።

ካልኦት ውርዙይ ባህልን ስነ- ምግባርን ህዝብና፦

ቃልካ ምኽባር መብጽዓኻ ምፍጻም ባህሊ’ዩ። ዝኣተኻዮ ወይ ዝተዋህበካ ሕድሪ ምኽባር። ጽኑዕ እምነትካ ምርግጋጽ ዘይምጥላም። ቅንዕናን ትሕትናን ምዝውታር። ክብሪ ሰብ ምሕላው ዘይምድፋር፣ ምስ ጎረባብትኻ ህዝብኻ ብፍቕርን ሰላምን ምንባር። እሩም ባህርያት ስነ-ስርዓትን ኣኽብሮትን ምዝውታር። ብጽቡቕ ሕልና ንማንም ጽቡቕ ምግባር፣ ሕማቕ ከይትገብር ምጥንቃቕ። ንሕማቕ ተግባር ዓገብ ምባል ባህርያት ብሕልና ጥራይ ዘይኮነ፣ ብመንፈሳዊ ስነ-ምግባር ድማ ሓጥያት’ዩ ኢልካ ምእማን ካብ ሕማቕ ምቑታብ። ሃይማኖታዊ ፍልልያትን ስነ- ምግባሩን ብሓድሕዳዊ ምክብባር ይጎዓዙ ነይሮም።

2. ፈኩስ ባህልን ነውራም ስነ-ምግባርን ዝበሃሉ

ብታሪኻዊ ኣመዓባብላ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ምዕባሌ ዝጽሎ ባህሊ ወለድና፣ ውርሻ ኣትዓባብያና ቀዳማይ ቦታ ዝሕዝ ሰብኣዊ ሕልና’ዩ። ናይ ኣከባቢ ውርሻን ሃይማኖታዊ ስነ-ምግባሩን የጠቓልል። ስለዚ ዘይሓላፍነታዊ ባህርያት፣ ስነ-ስርዓት ዝጎደሎ ሕማቕ ተግባራት ከም መለክዒ ናይ ማሕበራዊ ክብሪ ስለዝውሰድ ወለድና ድማ ኣትሪሮም ስለዝቃወምዎ፣ ከም “ ፈኩስ ባህልን ነውራም ስነ-ምግባርን” ይገልጹዎ።

ሓደ ካብ መምዘኒ ድማ “ ክብረትን ስነ-ስርዓትን” ደቂ-ሰባት’ዩ። ስለዚ ብሕማቕ ቃላት ዝጻረፍ ክብሪ ሰብ ዝደፍር፣ ብጉድለት ስነ-ስርዓቱ ሚዛኑ ፈኩስ ይገብሮ። ናይ ሓሶትን ምትላልን ባህርያት ዘለዎ ሰብ እምነት ብምጉዳል ከም ነውራም ባህርያት ስለዝቑጸር ይገንሕዎ ዓገብ ይብሉዎ። ምኽንያቱ መልሓሱ ዘይእዱብ ደፋር፣ ባህርያቱ ስዲ ስለዝኾነ ኣትዓባብያ ዝበደሎ ነውራም ስነ-ምግባር ዘለዎ ሰብ’ዩ ተባሂሉ ይግለጽ። ብሕማቕ ሕልና ዝፍጸም ጉጉይ ተግባር ከም ሰይጣናዊ ተግባር ይገልጽዎ። ብድሑርን ጸቢብን ኣትሓሳስባ ዝፍጸሙ ፈላላዪ ባህርያት ይነጽጉዎ። ትሕትና ዘይብሉ ብኣጉል ትዕቢት ዝጀሃር፣ ንካልኦት ዘናሹ መን ከማይ ኢሉ ዝፍክር ሰብ ክምስሉ ኮለዉ፣ “ ትዕቢት ኣደ ውድቀት’ያ” ይብሉዋ። ነብስኻ ዘይምፍላጥ ካልእ መሲልካ ምቕራብ ንምስሉይ ባህርያት ሰባት ክገልጹ ኮለዉ፣ ርግእ በል ቅድም ነብስኻ ፍለጥ ይብሉ። ስምን ተግባርን ካልኦት ሰባት ብድሕሪት ዘጸልም ዝሓሚ ሰብ ክገልጽዎ ኮለዉ “ ጸላኢ ጸሎሎ ቀባኢ ” በትሪ ሃቂ ትቐጥን’ምበር ኣይስበርንያ። ንኩሉ ግዜ ኣለዎ …. ወዘተ ዝብሉ ዘይሃስስ ምስ ግዜ ዘይወድቕ ምሳሌታት ወለድና ክትሰምዕ ኮለኻ፣ ክሳብ ክንደይ ብሱላትን ለባማትን ከምዝነበሩ ተደንቖም። ምስ መግዛእቲ ብምትእስሳር ዕድል ናይ ትምህርቲ ዘይምርካቦም ኣገናዚብካ፣ ካብ ምህሮሲ ኣእምሮ ይብሉ። ብኻልእ ኣገላልጻ ናይ ሂወት ተሞኩሮ ባዕሉ ትምህርቲ’ዩ የስምዕ ኢለ ይግምት።

ኣብ ፖለቲካ ድማ ንዝቃወሙካ ስለዘይትጻወር፣ ፍልልይ ናይ ሓሳብ ብሃናጺ ሓሳብ ናይ ምቕያር ዓቕሚ ምስዝጎድለካ፣ ነብሰ-ተኣማንነት Self Confidence ተጥፍ’ሞ ኣብ ምውንጃል ተምርሕ። ንዝቃወሙኻ ንምጥቃዕ ተቐባልነቶም ንምህሳስ፣ ኮነ ኢልካ Intentional ንስሞም ታሪኾም ንምብልሻው ሰፊሕ ናይ ፕሮፖጋንዳ መጥቃዕቲ ተካይድ።

ስለዚ ብጉድለት ሕልና፣ ብድፍረትን ምግሃስ ሰብኣዊ ክብሪን ፣ ብድሑር ባህሊ ጉድለት ስነ- ምግባር ዝረኣዩ ባህርያትን ዝፍጸም ኣዕናዊ ተግባር ከም ፎኩስ ባህሊ፣ ነውራም ስነምግባር ይውሰዱ። ከምዝተጠቕሱ ባህርያት ዝውንኑ ሰባት ድማ ሕልናውን ሞራላዊ ሓላፍነት ኣይስከሙን። ስለዚ እምነት ስለዝጎድሎም ኣብ መዓልታዊ ሂወትን ዝምድናታት ከባቢኦም ተቐባልነቶም ይሃስስ። ፈኩስ ባህልን ነውራም ስነ-ምግባር ስለዘለዎም ሚዛኖም ይፈኩስ ማሕበራዊ ክብሪ ይስእኑ።

ባህሊ ህዝብናን ኣብ ግዜ ምልካዊ ስርዓት?

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ድማ ብመግዛእቲ ዝዓነወ ባህሊ ኣብ ክንዲ ዝትክእ፣ ኤርትራዊ ባህልን መንነትን ዘማዕብል ዘስፍሕ፣ ንክቡር ውርዙይ ባህልና እሩም ስነ-ምግባር ህዝብና ኮነ ኢሉ ብመደብ የዕንዎ የፍርሶ ኣሎ። ብኣንጻሩ ንሓድሕዳዊ

እምነት ዝጠምር ጽቡቕ ስነ-ምግባር ኣፍሪሱ፣ ናይ ሓሶትን ምትላልን ባህርያት ኣማዕቢሉ። ሓድሕዳዊ እምነት ባህሊ ብምፍራስ፣ ምጽልላምን ምውንጃልን ባህርያት ዓብዩ። ንምስሊ ኤርትራዊ ክብሪ መንነት ዝድምስስ፣ ምስ ጎረባብታን ዓለምናን ዘባእስ፣ ኣዕናዊ ባህልን ነውራም ስነ-ምግባርን ከስፍሕ ይጽዕር ኣሎ። እንተ ምእዙዝነት ልዕልና ሕግን ፍትሓዊ ምምሕዳርን ውርዙይ ባህልና ክዕቅብ’ሞ ዘይሕሰብ’ዩ። ጉቦን ምጥፍፋእን’ዩ ነጊሱ ኣሎ። እቲ ዝኸበደ ዕንወት ህዝብና ድማ ኣፍራዪ ዜጋ መንእሰይን ቀጻሊ ወለዶታት ምብራስ ኩላትና ንዕዘቦ ጉዳይ’ዩ።

ናይ ሓደ ህዝቢ መምዘኒ ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባርን’ዩ። ወይ ድማ ገለ-ገለ ዉሑዳት ሰባት፣ ካብ ጉድለት ስነ- ምግባር ተበጊሶም ንክብሪ ሰብ ዝዝልፉ፣ ብትዕቢቶም ዝደፍሩ ዝጻረፉ ውልቀሰባት ድማ፣ ዘይእሩም ባህልን ነውራም ስነ- ምግባርን ኣለዎ ኢልካ ንጉጉይ ባህርያቱን ኣትሓሳሳብኡን ንምግላጽ ይከኣል።

ኣብ መደምደምታ፦ ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባር ህዝብና ፈሪሱ ብኻልእ ኣዕናዊ ነውራም ባህሊ ይትካእ ኣሎ ካብ በልና፣ ንሕና ከም ደለይቲ ለውጢ ድርብ ሓላፍነት ኣለና። መጀመርያ ነብስና ኣብ ደሞክራስያዊ መንግስታት ስለንቕመጥ ነብስይ ብጸጋ ዝነብረላ ሃገር ምቕያር ከምዘድልየኒ ፈሊጠ ክመሃር ዱሉው ዲየ ኢለ ነብሰይ ክሓትት ይግብኣኒ። እንታይ’ዩ ክብሪ ሰብኣዊ መሰል ከም ባህርያትን ኣትሓሳስባን እንተዘየማዕቢለዮ፣ ብፖለቲካ ጥራይ ለ…ለ….ለ.. ኢልካ ምዝማር ሃናጺ ኣይኮነን። ስለዚ ነብስና ንህነጽ ቅድሚ ንኻልኦት ምፍራድና ምዝራብና።

ካልኣይ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ከነውድቕ ንብል። ነንሕድሕድና ድማ ክንወናጀል ንውዕል። ናጻ ናይ ምዝራብ መሰል እወ ደሞክራስያዊ ኣዩ። ካብ ናተይ ዝፍለ ናይ ካልእ ናጻ ሓሳብ መሰልከ ስለምንታይ ዘይከብር? ኣነ ብዝደልዮ ኣነ ብዝኣምነሉ ግድነት ተቐበል ወይ ኣንተዘይተቐበልካ ድማ ትቕንጸል ምባል’ከ ይጠቕመና ዲዩ ክፈላልየና እንተዘይኮይኑ። ኣነ ናይ ካልእ እምነት ክውስን ይኽእል ዲየ? ንፍልልይ ሓሳብ ኣኽቢረ ኣብ ዘተ ኣሚነ ንሃሳብ ብሓሳብ ክቕይር ከእምን’ዶ ኣይኮነን ደሞክራስያዊ ዘቑጽሮ። ስለዚ እቶም ንጋገ ዘለና ነብስና (ሕልናና) ንመርምር። እቶም ዘይእሩም ዘረባ ነውራም ባህርያት ንሰምዕ ንዕዘብ ዘለና ድማ ዓገብ ምብል ሕልናውን ሞራላውን ግዴታ ስለዝዘለና፣ ጸግዒ ምውሳድ ቲፎዞ ምኻን ገዲፍና ኣይፋልካን ዓገብ ንበል። ሓቢርና ንክንቃለስ ክሳብ ዘይበቓዕና ህዝቢ ይመውት ኣሎ መንእሰይ ኩሊቱ ይሕርድ ይሽየጥ ኣሎ ጥራይ ኢልና ካብ ምዝራብ፣ ከመይ ከነድሕኖ ከመይ ነዚ ጠንቂ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ሓቢርና ንቃለሶ ብሓቅነት ክንምልስ የማዕርገልና።

ኣጆኩም ኣጆና ኢደይ ኢድና ንበል!

ንቃልስን ማዕበልን ህዝቢ ዝዓግት ሓይሊ ኣይተፈጥረን!

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንሰማእታትና!

የቐንየለይ

ይቕጽል

የሴፍ መንግስተኣብ ስዊዘርላንድ

መድረኽ ምምኽኻር ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ

Last Updated on Friday, 20 September 2013 09:46 Written by ናይ ምምኽኻር መድረኽ ውድባት ኤርትራ Friday, 20 September 2013 09:44
ካብ ዕለት 23 – 27 ነሓሰ 2013 መራሕትን ወከልትን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ቤት ጽሕፈት ዘለዎም ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብዕድመ ናይቲ ኣብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ተራኺቦም ዘትዮም። እቲ ዕላማ ናይቲ ርኽክብ ድማ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብርእይቶን ኣካልን ምቅርራብን ከምኡውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘራኽቦም ነጥብታት ምዝታይን እዩ ኔሩ። በዚ ኣቢሎም ድማ ኣብ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሓባራዊ ገምጋም ንምሓዝ ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ ሕዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓፈሽኡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ዘሎ ናይ ሓባር ጉዳያት ንምዝታይ እዩ ኔሩ።
እቲ ኣኼባ ናይ ምምኽኻርን ገምጋምን ባህርን ዝነበሮ ኮይኑ፡ ናይ ዘተ ባህሊ ዘማዕበለ ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራ ብዙሕነት ዘኽብርን ፍልልያት ዘጻብብን ኣገባብ ዝተኸተለ እዩ ኔሩ። እቲ ኣኼበኛ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ኣስገዳድ ሰፈራ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንገለ ክፍልታት ሕብረተሰብና ድማ ባህርያዊ ክብርታቶም ንሓደጋ ዘሳጠሔ ኮይኑ ንማሕብራዊ ምትእስሳር ህዝቢ ኤርትራ ዝብትን ዘሎ ሓደገኛ ኣካይዳ ምዃኑ ርእዩ። ስለዝኾነ ድማ ወድዓዊ ሽግራት ተቓውሞ ኣብ ክሊ ሃገራዊ መቖሚታት ግቡእ መጽናዕቲ ክግበረሉን ዝጸንሔ ቅርሕንትን ኣሉታዊ መልሰ-ተግባርን ካብቲ ቀንዲ ክተሓዝ ዝግበኦ ቀዳምነታና ኣዘንቢዑ መንገዱ ዘስሕቶ ከይከውን፡ ንጸገማቱ ክሰግር ንድኽመታቱን ሓያል ጎድንታቱን ብህዱእ መንፈስ ገምጊሙ።
እቲ ናይ ምምኽኻር መድረኽ ብጉዳይ ዝምድናታት ክልቲኡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን ድሕሪ ምዝታይ ዝምድናታት ክልቲኡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መንጎ ክልተ ጎረባብትን ኣሕዋት ህዝብታትን ዘሎ ዝምድና ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ታሪኻውን ጆግራፊካውን ከምኡውን ሓባራዊ ረብሓ ዝተሰረተ ዝምድና ምዃኑ ኣነጺሩ። ብሸነኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ዘሎ ዝምድና እቲ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ዝነበረ ሕጽረታት ገዲፍካ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ እዋን ሃገራዊ ቃልሲ ጀሚሩ ነቕ ዘይብል ቅኑዕ መርገጽ ከም ዝነበሮ ኣረጋጊጾም።
እቲ ናይ ምምኽኻር መድረኽ ብሸነኹ ኣብ መንጎ ክልተ ስትራተጂካውያን ልዑላውያን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ከም ጎረባብትን ኣሕዋት ሃገራትን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተሰረተ ናይ ሰላም ናይ ምርግጋእ ከምኡውን ናይ ምዕባሌ ዝምድና ምኻኑ ኣስሚሩሉ። እዚ ኩሉ መታን ክረጋገጽ ድማ ዝኾነት ናይ ዞባና ሃገር በይና ክትኸዶ ትኽእል ርሕቀት ከምዘየለን ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሔን ዘሎን ጥቡቕ ዝምድናታትን ማሕበራዊ ምትእትታውን ኣዝዩ ዝጸልዎ ምዃኑ ርእዩ።
ክጥቀስ ዝግበኦ እንተልዩ፡ እዚ ናይ ምምኽኻር መድረኽ ንሓድሽ ትካል ንምምስራት ይኹን ናይቶም ድሮ ቆይሞም ዘለዉ ፖለቲካዊ ትካላትን ጽላላትን ንምፍራስ ወይ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ውሳኔታቶም ንምግሃስ ዝዓለመ ኣይኮነን።
ኣብ መጨረሽታ ድማ ናይ ምምኽኻር መድረኽ፡
1.ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ምምኽኻር መድረኽ ኣብ መንጎ ውድባት ኤርትራ ዘሎ ፍልልያት ካብ ናይ ሜድያ ኲናት ወጺእና ብህዱእን ቀጥታውን ዘተታት ቀጻልነቱ ምርግጋጽ፡
2.ብሓባራዊ ምንቅስቓስ ምቹእ ኩነታት ብምፍጣር ነቲ ንቓልስታትና ዝዕንቅፍ ነገራት ሰጊርና፡ ቀዳምነታትና ብግቡእ ሰሪዕና ኣብ ቐንዲ ዋኒንና ብምትኳር፡ ንስርዓት ህግደፍ ብምውዳቕ ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ዘለዋ ሃገር ምህናጽ።
3.ኣቦ መንበራት ውድባት እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ቀጻልነት ረኺቡ ሸትኡ ክወቅዕ ክወቅዕ ክገብሩ ሓላፍነት ተሰኪሞም።
ናይ ምምኽኻር መድረኽ ውድባት ኤርትራ

31 / 08 / 2013
ኣዲስ ኣበባ – ኢትዮጵያ

ምንጪ እዚ ጽሑፍ፣ http://www.harnnet.org/articles-corner/tigrinia-articles/5600-2013-09-20-09-45-50

ጉጉይ ተረድኦ ደረት-መሰል ዘይምምዝዛንን፣ ኣጣቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን ዝስዕቦ ሓደገኛ ሃስያታት

ኣብዚ ሰሙን’ዚ መፋርቕ መስከረም 2013 ኣብ መጋባእያታት ፓል-ቶክ፣ ካብ መሰረታዊ ንኩሉና ኤርትራዉያን ክጥርንፈናን ከካታዕናን ዝግብኦ ዛዕባ ወጺኡ፣ ነቲ ዓዉላማ ናይ መራኸቢትት ጸጋ ዝፈጠረልና ዕድላት ንጸለመ፣ ምክፋእ፣ ፍልልያትና መጋፊሒ፣ምንጻል ዉልቀ-ዜጋታትን ጉጂለታት ገለ ዉልቀ-ዜጋታት ክጥቀምሉ ከምዝጀመሩ ኩሉ ሰብ ተጠቃሚ ፓል-ቶክ ተኻታታሊ ኣገልግሎት ኢንቴርነት ዝግንዘቦ እዩ። ብሕጊ ጠቀነ፣ ጸለመ፣ ምፍርራሕ…,ወ.ዘ.ተ ገበን ምኻኑ እንዳተፈልጠ ከንሱ፣ ጸለመታት (defamation) ብቁልዕ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ዓዉ ኢልካ ምዝራብ ካብ ትብዓት፣ ቡቁዕ ኣፍሉጦ፣ ጽንዓት ፖሎቲካዊ መስመር፣ …ወ.ዘ.ተ ዝነቕል ድዩ ንምልላዩ፣ ኣብ ኣእሙሮና ክልተ መሰረታዉያን ሕቶታት ክንምልስ ይግብኣና፣-
1.ስነ-ኣእሙራዊ ሮቛሒታት (psychological factors) ንጡፋት ዜጋታትናን።
2.መሰረታዊ-ድርኺት (Motivation) እዩ።
ዝኾነ ወዲ ሰብ መሲሉኒ ወይ ይባሃል ኢሊ ኣይዛረብን እዩ። ንዘርቡኡን ስጉሙቱ ደራኺ ዝኾነ ስነ-ኣእሙራዊ መንዓዓቢ (Psychodynamic)ን ጸሊምን ጻዕዳን መርትዖታትክህልዎ ኣለዎ። እቲ ደራኺ ዝኾነ ስነ-ኣእሙራዊ መነዓዓቢ ካብ ሙሉእ ኣፍልጦ ወይ ዘይቡቑዕ ኣፍሉጦ ክነቕል ዝኽእል እኳ እንተኾነ፣ ብዘይ መሰረታዊ-ድርኺት ክነቅል ስለዘይክእል፣ ነቲ መሰረታዊ-ድርኺት ምዕዛብ ከድሊ እዩ። እቲ ድርኺት ዛጊት “ዘይተለለየ ኣጀንዳ” ወይ ድማ ብዝብልዎ “ሳሜት ቦሎኛ 2013” ክኸዉን ይኽእል። ስለምንታይ እዩ “ሳሜት ቦሎኛ” ማዕረ ክንድዚ ኣዛራቢን ኣናሃሃሪ ዝኸዉን? እንታይ ዝተፈልየ ሕቶ ስለዘልዓለ እዩ? “ሳሜት ቦሎኛ 2013” ሓድሽ ቴማ ወይ ፖሎቲካዊ ኣምር ኣልዒሉ ድዩ? ዝብል ሕቶታት ብልክዕ ክምለስ ኣለዎ፣ ብወገነይ ዋላሓንቲ ሓድሽ ነገር የሎን ባሃላይ እየ። “ሽግር ኤርትራ ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ሓድሽ መትከል፣ ፖሎቲካዊ ኣምርን ጭርሖን ሕጂ ኣብ 2013 ብ EYSC ዝተላዕለ ኣይኮነን። ኣቀዲሞም ኣብዚ ፖሎቲካዊ ኣምር’ዚ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉን፣ ዝኸፍሉ ዘለዉ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት፣ ምንቅስቓሳትን ዉልቀ-ጉዱሳት ዜጋታት ከምዝነበሩን ከምዘለዉ ክፍለጥ ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ን30 ዓመታት መመላእታ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ኣዝዩ ከቢድን መሪር ፖሎቲካዉን ጎነጻዊ ቃልሲ ኣንጻር እምባሮጦርያዊት ኢትዮጵያ ሕቶ ልዕላዉነት ህዝብን ሃገርን እዩ። ከምዚ ከንሱ ስለምንታይ ድኣ ሕጂ ኣኳታዒ ኮይኑ ኣሎ? ብዘይ ገለ መርትዖታት መሲልኒ ኢልካ ስለዘይጽሓፍ ንጊዝየ ክምልሶ ንጊዚኡ ክሓድጎ እየ።
ብመሰረቱ “ሽግር ኤርትራ ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ዝብል ቴማ ጭርሖ ድዩ ፖሎቲካዊ ኣምር ? እዚ ቴማ’ዚ ፖሎቲካዊ ኣምር እዩ።“ሽግር ኤርትራ ፡ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ብቀጥታ ንልዕላዉነት (Sovereignty) ዘመልከተን ዘናጻጸረ ኣምር እዩ። ልዕላዉነት፣ ምስ ብቕዓት፣ ዲሞክራስያዉነት፣ ህዝባዊ ተቐባልነት፣ ወትሃደራዊ ን ምጣኔሃብታዊ ብቕዓት፣ ዲሞግራፊን ዓይነት መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ምትእስሳራትን ዕየራ የብሉን። ልዕላዉነት ዕዘቱ ውሽጣዊ ውሳኔ፣ ብዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘራጋግጽ ዓለምለኻዊ ሓለፋዊ-መሰል ኩለን ልዕላዉያን ሃገራት ኣብ ዓለምና እዩ። እዚ ካብ ኮነ ትሕዞ ፖሎቲካዊ ኣምር ልዕላዉነት፣ ነዚ ዝቓወም ሰብ እንታይ ስለዝኾነ እዩ? እንታይ ዕላማ ስለዘለዎም እዩ? እዚ ካይኣክል ኣንፈት ክትዕ መታን ክስሓትን መሰረታዊ ስትራተጂካዊ ፍልልያት ከምዘሎ ንምርኣይ ተባሂሉ፣ ጎኒ ጎኒ ልዕላዉነት ዝኸይድ ጫሌዳ ክትዕ ኣሎ። ኣብ ፖሎቲካዊ ንጥፈታት ኤርትራ ብረት ዝዓጠቀን ብሰላም ዝብል ዘሎ ወገናት ዝበጽሖ ስጓሜ ዘየሎ ከንሱ፣ ኣጋባብ ቃልሲ ብጎነጽ ዶ ብሰላም ዝብል እዩ። እቲ ክትዕ ሰረገላ ኣብ ቅድሚ ፈረስ ኣሲርካ ክትጎትት ምፍታን እዩ። ኣብ መሰረታዊ ፖሎቲካዊ ኣምር ልዕላዉነት ካይተሰማማዕካ ኣብ ኣጋባብ ቃልሲ ክትሳማማዕ ወይ ክትዝቲ ኣይክኣልን እዩ። ኣይፋሉን ዝብል ሰብ እንተሃሊዩ ድማ ከምዚ ስትራተጂ ብዘይ ራእይ (A Strategy without a Vision) እዩ።
ዳርጋ ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ዝግመት ግዝያት ኣብ ዚ መጋባእያ ክትዕ ፖል-ቶክ ብኣካል ተሳቲፈ ኣለኹ፡ ኣሉታዉን ኣዉንታዉን ገጻት ዘለዎ ከርሲ ፍርያት እዉን ተሓፊሱ ከምዘሎ ግምታት ኣሎኒ። እቲ ዝኸይድ ዝነበረ ምይይጣት፣ ኣብ እንካን ሃባን ዝተሞርኮሰን ንፍልልያት ዘጽብብ ዘይኮነ፣ መሊሱ ንትኹላዊ ምትፍናን ዘእቱን፣ ፍልልያት ዘጋፍሕን እዩ ዝነበረ። ዝካየድ ዝነበረ ክትዓት 6 ዓይነት ዝተፈላለየ ገጻትን ባህርያት ዝነበሮ እዩ። ንሳተን ድማ፡-
1.ኣብ መዓልታዊ ፍጻሜታትን ዉጽኢት ፉቡሩኽ መራኼቢ ቡዙሓን ዝወጸ ዜናታት፡ እዚ እንታይ ይመስለኩም ? ከምዚ ተባሂሉ፣እንዳበልካ ምሕታትን ኣብ ልዕሊኡ ክዉንን ዘይክዉንን ግምታትካ ምስፋርን ብእኡ ምዝንጋዕን።

2.ንመንግስት ኤርትራ ዝድግፉ ወገናት፡ መንግስት ኤርትራ ዝኽተሎም ፖሊሲታት ዘካይዶም ስራሓት ምቕላሕን፡ ብኣንጻሩ ደዉ ኢሎም ዝርከቡ ናይ ተቃዉሞ ሓይልታት፣ ካብ ህዝቢ ከም ዝንጸሉ ምግባር። ብኣንጻር እዚ ድማ እቲ ተቃዋሚ ሓይሊ ልክዕ ከምቲ ደጋፊ ሓይሊ ከካይዶ ዝጸንሔ ንጥፈታት ከካይድ ጸኒሑ።

3.ነዞም ኣብ ኣብ ቁጽሪ ክልተ ተጠቂሶም ዘለዉ ክልተ ተራጸምቲ ሓይልታት፡ ክልቲኦም ፈታሕቲ ጸገም ኤርትራ ከምዘይኮኑ፡ እንታይ ድኣ ተደረብትን ጠንቂ ናይቲ ንኤርትራዉያን ዝብድሃና ዘሎ ጸገማት ምኻኖም ክገልጽ ዝጸንሓኤ መንፈስ ሳልሳይ ሓይሊ(third wave) እዉን ነይሩ።

4.ኮነ ተባሂሉ ሰባት ንንሕድሕዶም ከዋቁዑን ክታፈነኑን፣ ህዝቢ ዝንቡዕ ኣፍሉጦ ንክህልዎ ዝጽዕቱ፣ ንትኹላዊ ምትፍናን ንክፍጠር ዝጽዕቱ ሙሱሉያትን ኣረሰንትን ሰባት እዉን ነይሮም።

5.ንተሞክሮታቶም፣ ኣፍልጥኦም፣ ግንዛቤታቶም፣…ወ.ዘ.ተ ምስ ህዝቦም ዝካፈሉ፣ ኣስትረምህሮታት ዝህቡ ዜጋታት እዉን ነይሮም።

6.ኣብ ፍጹም ጠቀነ፡ ምንእኣስ፡ ምክፋእ፣ ሙሱልይነት፣ ኣንነት፣ዓሎቕ……….ወ.ዘ.ተ ዝተሞርከሰ ዉልቃዊ ዓቕምታቶምን ታሪኾም ብሉጻት ምኻኖም ንህዝቢ ንምሕባር (A cult of personality) ነብሶም ምስ ህዝቢ ንምልላይ፣ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዜጋታት ጸብለል ኢልካ ናይ ክትርኤ ዘመተ ዘካይዱ እዉን ኣይተሳኑን…ወ.ዘ.ተ።

ልዕሊ ኹሉ ግን እቲ ናይ ክትዕ መጋባእያ ኣብ መዓልታዊ ፍጻሜታትን ዉጽኢት ፉቡሩኽ መራኼቢ ቡዙሓን ዝወጸ ዜናታት፡ እዚ እንታይ ይመስለኩም እንዳበልካ ምሕታትን ኣብ ልዕሊኡ ግምታትካ ምስፋርን ብእኡ ምዝንጋዕን ዝተጸምደ እዩ ዝነበረ። ኣብዚ ካብተጸምደ ኣእሙራዊ ዓቕሚ እቲ ናይ ክትዕ መጋባእያ፡ ማእከላይ ትሕዝቶ ሚዛን ሓንጎል ናይ ዘለዎም እኩባት ሰባት ነይሩ ክባሃል ይክኣል ። ምክንያቱ ላዕለዋይ ሓንጎል ኣብ ዝላዓለ ነገራት ምሕሳብን ምፍታሕን ዝተጸምደ እዩ። ማእከላይ ሓንጎል ኣብ ፍጻሜታትን መዓልታዊ በለካ ለኽዓካ ዝተጸምደ እዩ። ታሕተዋይ ሓንጎል ደቂ ሰባት ድማ ኣብ ዉልቀ ሰባት ምሕማይ ዝተጸምደ ብምኻኑ እዩ።
እቲ ዘሎ መድረኽ ወትሩ ሓሊፍና ከምዘሎ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ነቲ ኣጋጢምና ዘሎ ብድሆታት እዉን ክንፈትሖ ዛጊት ተቦግሶታትን ድሉዉነታትን ከምዘየሎ ፍሉጥ እዩ።
ብጋህዲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓቕታት፣ እቲ መንግስት ይኹን፣ እቶም ተቃወምት እዉን ነቲ ንኤርትራን ህዝባን ገጢምዎ ዘሎ ብድሆታት ክፈትሕ ብቕዓት ከምዘየለ መድረኽ ኣነጺርዎ ኣሎ። ኣብ ክንዲ ፈታሕቲ ሽግራትና፡ ክልቲኡ ወገናት ተወሳኺ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገማትና ምኻኖም እዉን ርድኡ እዩ። ካብዚ ህሉዉ ሓቕታት ብምንቃል እዚ ናይ ክትዕ መጋባእያ ነቲ ሓኒቑ ሒዝዎ ዘሎ ማሕለኻ በቲኹ ንዝላዓለ ኣታሓሳስባን ክትዕን ክድይብን ኣብ ክንዲ ጸገም፡ ፈታሒ ጸገም ክኸዉን ብትሕትና ይጽዉዕ ኣለኩ። ኣብ ማሕበራዊ ሰዉራ፣ ምስ ዝወደቁ ሓይልታት ኣይትላዋወስን ኢኻ። ምስ መድረኽ ዝደርበዮም ሓይልታት ኣይትድርበን ኢኻ። ካብ ኩሉ ጊዝያት ተዛናግዓይን ጸገም ምኻን፡ ሓንቲ መዓልቲ ቁምነገረኛ ፈታሕ ጸገም ምኻን ናይ ሓደ ዜጋ ግቡኡ እዩ።
ካብዚ ናይዉድቀት ማሕለኻታት ከነምልጥ፣ ከነልዕሎም ዝግብኣና ኣግኣዝቲ ሕቶታት ኣለዉ፡-ንኣብነት
1.ኤርትራዉነትን ኤርትራዊ ሃገራዉነት።
2.ሕቶ ግዝኣተ ሕጊን ልዕላዉነት ሃገርን ህዝብን።
3.ሕቶ ሃገራዊ ዕርቕን ነባርን ማዕባልን ሰላም ኣብ ዉሽጥናን ጎሮባብትናን።
4.ሕቶ ዲሞክራሲን ትካላዊ ምሕደራን።
5.ሕቶ ተቃዉሞን ህዝብን፡ ሕቶ ህዝብን መንግስትን።
6.ሕቶ ናጻ ናይ ተጻይ መራኸቢ-ቡዙሓን።
7.ሕቶ ብከመይ ንኤርትራ ንባብ ኑቡር ማኣዝን መጽያዊ ጉዕዝኣ ነትሕዛ።
8.ሕቶ ናይ ሓባር ናይ ተቃዉሞ ዋላ (platform)
9.ሕቶ ሓድነት ሃገርን ህዝብን…………….ወ.ዘ.ተ ኣብ ዞም ዛዕባታ እዚኦም ክንዝቲ እንተበቂዕና ሓባራዊ ሃገራዉን ዲሞክራስያዉን ኣራኣእያታት ክጥረ ስለዝኽእል፡ መንፈስ ሓድነትን ቡሩህ መጽያዊ ሓባራዊ ቃልሲ ግብራዊ ክኸዉን ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ኣሎኒ።
ከም ህዝብን ሃገርን ወትሩ ሂወትናን ግዝየናን ኣብ ምዝንጓዕን ላግጽታትን ከነሕልፎ እንተወሲና፡ ንደቕናን ደቂ ደቕናን ጽኑዕ ናይ መጻኢ ኩሉእንትናዊ ባይታ ኣይክንፈጥርን ኢና። እዚ ፍጻሜ’ዚ ድማ ዘይሓላፍነታዊ፣ ሸለልትነትን ዘይቡቑዕነትን( Negligence and Incompetence)እዩ። ብዝወሓደ ነዚ 30 ዓመታት መመላእታ ተቃልሲና ከቢድ ዋጋ ከፊልና ዘራጋግጽናዮ ናይ መሬት ናጽነት፡ መሰረት ናይ ሰላምን ሓድነትን ፍትሕን ሃኒጽና ንሕለፎ። ነዚ ክንገብር ድማ ይኣክል ኣሽካዕላልን ግዝየኻን ንያትካን ኣብ ኮንቱ ምሕላፍ ዝብል ርእሰ ዉሳኔ ክንወስድ ክንበቕዕ ኣሎና።

ወድሓንኩም!
መርእድ ዘርኡ
18/09/2013


https://www.eff.org/issues/bloggers/legal/liability/defamation
http://en.wikipedia.org/wiki/Defamation

Voice of Eritrea speaks to Ato Kidane Hagos and Ato Merid Zeru 15/09/2013

A Knight fencing against backwardness and injustice

Dr. Tadios Tesfu: A Knight fencing against backwardness and injustice

Bad stories have been always told not to be repeated again. An author of a political science fiction or theoretical political ideas usually can be characterized as a highly intellectual personality or an idiot master of confusion. Nowadays in the Eritrean political arena and media outlets, we are the eyewitnesses of both cases. Unfortunately, there are many of the latter.
I heard the exceptionally gifted founder of the homepage of Awate.com Mr. Saleh Gadi Johar explaining to his audience the reason, why he publishes his articles and books in English, but not in Tigrinya. He said” because the problems come from the elite of our society”. Hmmm…. well, if this is the solely reason, although I am a German native speaker, but rather influent in English in comparison to the crème a la crème writers, we have around us, I will continue to write in English to reach out the pseudo intellectuals and the genuine with a beautiful mind outside there. To distinguish myself from both leagues mentioned above, my article figures out the natural and vital instrumental ideas, in order to yield a basic change in a political, cultural and socio-economical disoriented society, as ours. You are requested to consider my objectives rather as brainstorming and intellectual approach of guidelines, but not as an ultimate solution of the substantial devastating acute problems, we have. Therefore, please don’t regard the outlined objectives as the four J. C. Maxwell’s main equations of electrodynamics in physics. I am not a historian to summarize for you the state of art of the Eritrean political history of our struggle for independence and democracy, which might help to understand the core idea of my thesis. My intellectual approach has come up extempore. To get the best suggestions for improvement that have been made about the status quo of the Eritrean opposition parties and the analysis of the problems in the Eritrean society, you are recommended to hear and read the work of Mr. Amanuel Eyasu (Eritrea, no government & no opposition) at Assenna.com and the manifesto of the “Eritrean Civic Democratic Movement” by Mr. Merid Zeru, Kidane Hagos, Dawit Geberemesekel et al. Nevertheless, I made my choice to disclose my visions of goodwill, hope and deliverance for a better tomorrow of the Eritrean people. In addition, as the Germans use to say „Glueck ist, wenn Vorbereitung auf Gelegenheit trifft” (Luck is when preparation meets opportunity). Therefore, it is reasonable to draft a future roadmap, which depends on complimentary globally thinking and a conceptual locally acting philosophy, to transform the nation from the present state to a developed nation of peace and prosperity.
Here are my four main objectives:
1.Gender equity by occupying political key positions by women to end up the paternalistic and patriarchal orientation of our society.
2.Abrogation of the Military as at constitutional ratification in democratic Eritrea.
3.Creating sustainable national assets of Eritrea by cultivating its human resources.
4.The Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC) should be restructured and amended to an action oriented one. A parallel vote system should be launched to form its executive body too.

Objective No.1
Recently gender equity is worldwide subject of controversial discussion. In India a mass protest of women has come about due to repeatedly sexual harassment of underage girls in public places. The shocking and insupportable facet of the situation is the acceptance of the misdeeds by the majority of the India population and their casualness for the destiny of the victims. Additionally, there is the defensive attitude of the sexual offenders. They justify their evil deeds by assuming themselves as the victims of the young girls’ seduction. The police men watch deedless, when a female begs them to help her. Sometimes, they tried even to discredit and unmask the complainer to protect the honor of the accused man. Damn! What is next to come?
India is recognized by the western world as world’s biggest democratic nation. Surely gender equity is a topic in the Indian national constitution. Nevertheless, here we have observed disobeying of law by the tributaries as well as by the police. To find the reason of the contempt of law, we don’t need to dig deeper in general psycho of the Indian population or the structure of the Indian society. It is obvious in paternalistic and patriarchal orientated underdeveloped society; males are favored and protected in comparison to the weak sex by unwritten law.
Well in Eritrea, as a war torn country, we have to assume sexual harassment as a daily business. Although Eritrean women have fought bravely beside their brothers against the occupation of Ethiopian soldiers, the regime in Eritrea failed to realize gender equity in its real sense. We just observe some fistful female puppets shaped to serve the dictator at high official positions. If gender equity was ratified and verified during the revolution in Eritrea by ELF/EPLF and to my imagination at the wildest times and places of the nation, then I would like to ask, what is the reason, why Eritrean women are disrespected and their human rights have been violated by their male colleagues aftermath to our independence? I assume a profound domination of the unwritten law of a paternalistic and patriarchal orientated society in Eritrea, which still exists in our brains, is the answer. One of my suggestions to overthrow the paternalistic and patriarchal thoughts and practices from our society, in order to avoid their side effects, is by launching a 50% of Women’s quota at any of the upcoming national elections in the future. This percentage should not have to be compromised in ratifying it in our national constitution by carrying it immediately afterwards to the issue of human dignity. Disregarding the ambitions of men to own political power to satisfy their chauvinism, their genetically disposition towards aggression, matters. A sustainable peaceful coexistence with our neighbor countries could only be based on a diplomatic mutual support and respect. We have to create an environment to maintain this by involving many of the weak sex in every national decision to be conducted in the future. The last but not least, the first democratic Eritrean president should be a female. From practical point of view; we Eritreans admire beauty, eloquence, strength in taking decision. These are some of the properties that every Eritrean woman owns. After all Eritrean men appreciate the love, respect, security feeling and the devotion of our mothers. We are seeking for a political mother figure, which is able to bring the quarreled brothers together anticipating national reconciliation by creating a sense of equality and justice in the Eritrean population. Such personality with good sense for governance will make visible differences in comparison to the atrocity and ugliness of the tyrant. I am calling for more audacity and civil-courage for matriarchal and less paternalistic and patriarchal forms of policies in Eritrea. I am aware of the principles of western direct and indirect democracy of the political philosophers Jean-Jacques Rousseau and C. de S. Baron de Montesquieu are based on the nature of human beings but not on gender. They use to argument whether human beings are naturally good or evil that they have to be free or monitored, respectively. Thomas Hobbes had more radical attitude towards human beings in natural state (homo homini lupus). I like to remind you that these political philosophers did not consider the ability and capability of women when they have written their theoretical masterpiece. At that time women were not allowed to vote. I could give you a lot of examples to convince you. One short example should be enough not to overflow the scope of this topic. There is a female president of a civil war torn country Liberia, Mrs. Dr. Ellen Johnson Sirleaf. Look how this woman managed to bring the quarrelling parties, warlords, bandits and war veterans together at a round table. She is sometimes annoyed and roars of rage due to misdeeds of the warlords in her country. The men always try to calm her down and they bring their concerns respectfully by calling her with a mellow voice” Ma” for Mother.

Objective No. 2
The abrogation of the Eritrean military force as a constitutional ratification in democratic Eritrea will be a hazard. In this case audacity of hope is the slogan. I am aware of the achievement of our independence through a hard bitter prolonged armed struggle. We paid high dues of martyrdom with lives of thousands innocent young people. No question that was the right decision made by suppressed people longing for freedom against the archaic invaders. Few years after our independence we continued to solve emerged conflicts with our neighbors with guns. A disposition for peaceful conflict management using international laws or diplomatic tools has never existed. This comes to state due to our learned mechanism to solve conflicts with elbow and guns. The territorial sovereignty of our country is accredited since 1993 by the United Nations. The regime in Eritrea abused the idea of self-protection from pretending foes to launch a lifetime military service. We know that, first the regime wants to extend its lifetime by starting war against pretending foes. Second, the regime wants to keep the youth out of the cities to prevent agitations initiated by students. Third, the regime wanted to keep the education level of the country very low. Because high education level of population provides a fertile soil for implementation of democratization process. Thus, lifetime military service has resulted into a slavery of the conscripts, decomposition of the social interacts, decay of the education level, damage of the economic and health sectors of the country, et cetera. The consequences are mass refugees (displacement), degradation of our good reputation and loss of our national identity.
The cure-all for these problems:
•Reduction and limitation of quantity and time of military service to the lowest level.
•Ratification of abrogation of the military as at constitution in democratic Eritrea.
Well, I am sure, you are asking yourself, from where the hell and why after all this mad idea comes to state. In 2012 there was a scientific survey in many different parts of the world; about whether people are happy and satisfied with their lives in their countries? The answer depends on many factors, like health, freedom, social relationship, security and prosperity after all.
According to the survey, the people of Scandinavian countries were the happiest and most satisfied with their lives, followed by Costa Rica. What? Excuse me; Costa Rica the poorest country of the world has the second happiest and most satisfied population of the World: before Germany and Switzerland.
Now open the page of Wikipedia and inform yourself about Costa Rica.
To your information since 1949 Costa Rica has no military force. President José F. Ferrer of Costa Rica ratified the abrogation of the military as at constitution to joining the TIAR-treaty with USA. Since 2010 Costa Rica has a female President. Costa Rica has a population with a high education level compared to the most Latin American countries. Costa Rica has a peaceful and democratic presidential system, where the elections of the president take place once every four years without repetition.

Objective No. 3
Today education is the key to an adequate life as ever before. It is important to have a society with strong knowledge and volition of permanent learning to stay competitive in a world and time of globalization.
My suggestion: we have to create a sustainable society by cultivating and educating our human resources as the solely national asset of Eritrea. Do you think I am coming up with a bad idea at a time of bonanza of the natural resources in Eritrea? I think it is time to confront ourselves with reality, before things go wrong / bad. Natural resources can be used temporarily to generate hard currency to run a country. Disregarding thereof to provoke a devastating environmental pollution, corruption, exploitation of men power, civil wars and border strike due to jealousy, natural resources are simply limited and not forever. The populations of third world countries, who are dependent of their natural resources, are amongst the poorest and war torn in the world. Natural resources can be regarded as curse. For example the natural resources of Democratic Republic of Congo are estimated to ca. 24 Trillion USD. Yet Congo is the country where poverty of the population flourishes and civil wars rage. Hereby you can assume an international intervention due to the vital mineral Coltan (Columbit-Tantalit) in Congo provoked by mobile phones producer multinational companies. The estimated natural resources of democratic republic of Congo are much higher compared to that of our country. Since 2010 the Eritrean national income from Becha gold mines was more than one billion USD. If we regard the economic development index in Eritrea, life is becoming harsh and no improvement of life style and infrastructure or civil constructions can be depicted, despite gold production and sellout. This happens in Eritrea for the same reasons, I mentioned above. Second example is Ghana. It is the second largest gold producer in the world after South Africa. Ghana is to a certain degree democratic and peaceful, but not rich. You will assume for guaranteed other national assets in Eritrea like crude oil, fishery, tourism and seaports’ or marine’s business too. But such businesses and natural resources have also many African countries, e.g. Kenya, Angola Sierra-Leone, etc. Let us focus on the future sustainable energy technique, the sun technology or photovoltaic in Eritrea. About two decades ago western engineers found out the rate of yield of photovoltaic electric energy at the Denkalia regions in Eritrea was the highest of the world. This has to do with the period and quantity of sun radiation as well as the angle of incidence of sun radiation (Earth’s axis of rotation is tilted 23.4° away from the perpendicular of its orbital plane). This will enable us to produce more than enough electric energy for us and the region. To develop such sustainable energy technique requires a high level of interdisciplinary knowledge of mathematics, physics and chemistry, electro technology, geology, meteorology, metrology, mechanical engineering, Informatics and so on of our nationals. Do you understand now why we have to regard and take our human resources as the only national assets of our country? Here are some of the successful countries, which regard and developed their human resources as the only national assets: Japan, Germany, Switzerland, South Korea, Malaysia etc.
Do you have any knowledge, why the regime in Eritrea invests a lot of USD to cultivate and indoctrinate the Diaspora Young-PFDJ members, while wasting and abandoning the young people in Eritrea? Herewith I am requesting from you to persuade and to assist our young new refugees to get higher education, in case one day the country becomes free of the totalitarian regime and we do not have to start from the nil. It is a crime to dissipate such Eritrean future intellectual potential, by letting them work in hotel rooms and pedestrians of the western countries.

Objective No. 4
The Eritrean National Council for Democratic Change should be restructured amended to an action oriented one immediately. A parallel vote system should be launched to form its executive body too. I said these words on a Smerr-Paltalk presentation, when I came there to give a speech to address the Eritrean Diaspora (Deleyti-Fetihi) regarding the Hizbawi-Festival 2013 in Kassel/Germany on the 4th of January 2013. The ENCDC delegations have failed to manage the tasks and objectives, which have been given by the Eritrean People to them. I believe this comes to state beside, not confidential voting system, lack of checks and balances, lack of its judicative institution, mainly due to the personal incompetence of the leadership and generally the members of the assembly too. The ENCDC leadership is not exceptionally gifted by nature with soft skills to lead the nation and solve its problems with diplomatic tools of conflict management. Eritreans were not good head hunters during the formation of ENCDC in Awasa/Ethiopia, I’m afraid. We have to form an action oriented National Council, that means to bring the right man or woman in to the right position. It is very important in this case to ignore involving all kind of political parties, ethnical groups and civic societies in to the leadership for the sake of democratization. We have to make our choice to take the best of the best into the leadership position. What we need is a knight fencing against backwardness and injustice to save our souls from the totalitarian regime in Eritrea as soon as possible. I still believe in restructured and amended ENCDC will be able to get rid of the dictator and be an umbrella organization of all of the opposition camp as an alternative until the democratic transformation of the nation is done. Participation of the people should be guaranteed by making a parallel vote of the leadership of the executive body of the Council. By now I do not see any reason to dissolve the ENCDC to create another umbrella organization. As I have explained on the date above, you don’t destroy and rebuild your palace, when your palace’s leaser damaged it……You have to dismiss the leaser and amend the palace. And before given your palace to another leaser, you have to ensure the next leaser is the best of his category. In case the ENCDC leadership repeated the violation of law as we have observed twice in their legislation, the Eritrean People should be bold enough to impose resolution of no confidence against ENCDC leadership to dissolve them.

International Crisis Group : Syria Statement

Assuming the U.S. Congress authorises them, Washington together with some allies soon will launch military strikes against Syrian regime targets. If so, it will have taken such action for reasons largely divorced from the interests of the Syrian people.  The administration has cited the need to punish, deter and prevent use of chemical weapons – a defensible goal, though Syrians have suffered from far deadlier mass atrocities during the course of the conflict without this prompting much collective action in their defence. The administration also refers to the need, given President Obama’s asserted “redline” against use of chemical weapons, to protect Washington’s credibility – again an understandable objective though unlikely to resonate much with Syrians. Quite apart from talk of outrage, deterrence and restoring U.S. credibility, the priority must be the welfare of the Syrian people. Whether or not military strikes are ordered, this only can be achieved through imposition of a sustained ceasefire and widely accepted political transition.  

To precisely gauge in advance the impact of a U.S. military attack, regardless of its scope and of efforts to carefully

via International Crisis Group : Syria Statement.

ኣብ ፌስቲቫል ቦሎኛ 31/08/2013 ዝቀረበ ቃል ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

ኩቡራት ኣዳለዉቲ ፈስቲቫል ቦሎኛ!
ኩቡራት መላእ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል!

ንሕና ኣብ ቅድሜኹም ኬና ክንምድር ተቀሪብና ዘሎና፣ ወከልትን ኣባላት ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኢና፣ ብስም ኩሎም ኣባላትና ድማ ዮሃና እንቛዕ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ክፍጠር ኣብቅዓኩሙን ኣብቃዓና ንብል። ሎሚ ኣብ ቅድሚ ህዝብና ቀሪብና ንምንቅስቓስና ከነላሊ ናይ ደስደስ ሕቶ ኣይኮነን፣ ናይ ሃንደበት ሕቶ እዉን ኣይኮነን፣ እንታይድ ካብቲ ወትሩ ነዘዉትሮ ግብራዊ ስራሓትና እዩ። ጊዝያት መታን ካይንበልዕ ኣብ ቀንዲ መትከላት ምንቅስቓስና ኣቲና ብሕጽር ዝበለ ከነላልየኩም ከታዳሙጹና ብትሕትና
ኣቃልበኹም ንሓትት።

ኩቡራት ኣሓትን ኣሕዋት!
ንፖሎቲካዊ ራኢናን ዕላማናን ኣመልኪቱ ኣብ መራኸቢ-ቡዙሓን ዝተዘርግሔ ማኒፍስቶን፣ ነዚ ማንፌስቶ መሰረት ዝኾነ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ኣመልኪቱ ዝተካየደ መጽናዕትታት ስለዘሎ፣ ህዝቢ ከንቡቦ ኣስታት 120 ዝገጽ ጹሑፍ ተዘርጊሑ ስለዘሎ፣ ኣብ ኢንተርኔት ኣናዲኩም ከተንቡብዎ ብትሕትና ንዕድመኩም፣ ሕጂ ጊን ኣብ ኣገዳስን ቀንዲ ዛዕባታት መትከላትና ኣትየ ክዝርዝር ስለዝኾንኩ ካይስልክየኩም ብትሕትና ይምሕጸነኩም ኣለኹ፣-

ኩቡራት ኣሓትን ኣሕዋት!

1.ምንጭን ዋና ፖሎቲካዊ ስልጣን ህዝቢ እዩ ዝብል እምነት ስለዘሎና፣ ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ዓትዒቱ ጭቢጥዎ ዘለ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምምንዝዑ፣ ብዋናን ምንጪ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝኾነ ህዝቢ፣ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘራጋገጸ ቃልሲ ክኸዉን ኣለዎ ኢልና ስለንኣምን፣-

1.ህዝባዊ ጽምዶን ተሳታፍነት ዝራጋገጸሉ፣ ሩጉጽ ባይታ ንምፍጣር ንቃለስ።
2.ህዝባዊ ማሕበራት (ቀንዲ ፈልስታት ሲቪላዊ ሕብረተሰብ) ንክፍጠራ ንጽዕት።
3.ዝቆማ ህዝባዊ ማሕበራት ኡግሚ ለዉጢ፣ ቀንዲ በዳህቲን ናይ ጸቕጢ ሓይሊ ንገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኮይነን ንክበቕዓ ብሓሳብን ተግባር ንምሕያለን ዝዓለመ ጻዕርታት ነካይድ።
4.ዝቆማ ህዝባዊ ማሕበራት ብደረጃ ከባቢ፣ ክፍሊሃገር፣ ሃገር፣ ክፍሊዓለምን ዓለም ንክጋባኣን ንክጥርነፋ ንምግባር እዩ። በዚ ቅድመተከተላዊ ሕዋም ኣቢልካ ድማ ሓያል ዉዳቤ ህዝቢ ንምፍጣር ንቃለስ። ዝተወደበ ህዝቢ ተሰማዕነት፣ ሓይሊ፣ ኣኻሊነገራዊን መንፈሳዉ ምንጭታት…ወ.ዘ.ተ ስለዝዉንን፣ ኣንካይዶ ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንማሕበረሰብ ዓለም እዉን እንተኾነ ከስምዕን ከድምዕ ስለዝኽእል፣ እቲ ሎሚ እንሓልሞ ጽባሕ ክትግበር እንደልዮ ራእይና ብዘይ ገለ ሓደጋ፣ ብዘይ ከቢድ ክሳራን ሓጺር ጊዝየን ከነተግብሮ ብቕዓት ክህልወና እዩ።

ኩቡራት ኣሓትን ኣሕዋት!
2.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ዕላማን ራእይ፣ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምሕኻር፣ ቅልጽም ዘለዎ ሓደ ሓያል ዓብላሊ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ ንምፍጣር ዘይኮነ፣ ንፖሎቲካዊ ክዉንነት ኤርትራ ናብ ንቡር ምምላስን ኣብ ልክዕ መስመርን ማኣዝን ንምትሓዝ ዝቃለስ እዩ፣-

1.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ስነሓሳብ ሲቪክ ሃገርነት ዝኽተል፣ ናይ ዝተወሰነ ኤትኒክ-ጉጂለ፣ ሃይማኖት፣ ጾታ፣ ዕድሜ፣ ዞባ፣ ዝተወሰነ ፖሎቲካዊ ዉድብ ማለት ጀብሃ/ሻዕብያ ዕላማን ተሞክሮ፣ ማሕበራዊ ቀጸላን/ጉጂለን፣ ተጣባቅትን ረብሓታት ኣራጋገጽትን ዘይኮና፣ ጽምዶ ስትራተጂ-ከባቢ ዝመለለይና፣ ብደረጃ መላእ ሃገርን ህዝቢ እንነጥፍ፣ ጉዳይ ሃገር ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራ፣ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ገዛእ ርእሱ ዉሳኔን ዕግበት ንኽዉሰን መታን ክበቕዕ፣ እንቃለስ ምንቅስቓስ ኢና።
2.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ንኣሉታዊ ፖሎቲካዊ ባህሊ ኤርትራ ንኣዉንታዊን ርትዓዊ ፖሎቲካዊ ባህሊ ንምቅያር ዝነጥፍ ፖሎቲካዊ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ እዩ።
3.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ካብ ሙሱይሉነት ዝተናገፈ፣ ብዝኣምነሉ መትከላትን ዕላማታት ዝቅየድ ምንቅስቓስ እዩ።
4.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ብስነሓሳብ ሲቪክ ሃገራዉነት ተዓጢቁ፣ ንህልው ኣዝዩ ጸቢብ ኣዋዳድባን ፖሎቲካዊ እምነታት ( ኣብ ቀቢላ፣ ኤትኒክን ሞሎኮታዊ-እምነት) ተሞርኪሱ ዝነጥፍ ዘሎ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት ንማእከል ህዝብናን ሃገርና ዘርብሕ ጽምዶታት ንክኣቱ ዘታባብዕን ዝድርኽ ምንቅስቓስ እዩ።
5.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ብሓሳብን ተግባር ፖሎቲካዊ ስልጣን ክጭብጥን ክጫረት ዝተወደብ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ ዘይኮነ፣ ንፖሎቲካ ኤርትራ ኣብቁኑዕ ማኣዝን ንምስርዑ ዝተወደበ፣ ናይ መሰረታት (ህዝቢ) ምንቅስቓስ እዩ።
6.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ናይ ኩሎም ዜጋታት ምእንቲ ብሰላም ብሓባር ንምንባር፣ ማሕበራዊ ፍትሒን ምህናጽ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ሃገርነት ሪዒሞም ዝቃለሱ፣ ዉልቃዊ ሓርነቶም ዝኣወጁ ዜጋታት መቃለሲን መራኸቢን ዋላ (ፕላት-ፎርም) እዩ።
7.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ብባህርያቱ ናይ መሰረታት ቃልሲ ስለዝኾነ፣ ንጭቆናን ሕሰም ህዝብና ዘቓልሕ ልሳን ብኣፎም ዝተዓብሱ ህዝብና እዩ።
8.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ኣብ ህዝቢ ዝተሰረተን ብህዝቢ ዝግዛእ ልፍንታዊ ቀንዲ ናይ ቃልሲ ፈለግ ንክምስረት ይቃለስ።

ኩቡራት ኣሓትን ኣሕዋት!
3.ቀንዲ መለለይ ሕላገት ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ብሓጺሩ እንታይ እዩ?

1.ሲቪክ ሃገራዉነት ስነሓሳብ ዝዓጠቀ ናይ መሰረታት ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ እዩ።
2.ሙሉእ ተሳትፎን ጽምዶ ህዝቢ ክዉን ንምግባር ዝነጥፍ ምንቅስቓስ እዩ።
3.ሃገራዊ-ዕርቂ ቀንዲ መምለሲ ኣብ ንቡር ማኣዝን ህዝቢን ሃገርን ኢሉ ዝኣምንን ነዚ ክዉን ንምግባር ከም ቀንዲ ዕላምኡ ዝነጥፍ እዩ።
4.ኣብ መጋባእያታት ህዝብን ዉሳኔ ህዝቢ ዝኣምን እዩ።
5.ጉዳይ ሉዕላዉነት ሃገርን ህዝብን ቀዳምነታትና እዩ።
6.ቀንዲ መቃለሲ ስትራተጂና፣ ስትራተጂ ዉደባ ከባቢ እዩ።

ኩቡራት ኣሓትን ኣሕዋት!
4.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ንዝህልወና ዜቤታዉን ግዳማዉን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብዝምልከት፣-

1.ዘቤታዊ፣-ብሓፈሻ ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ፣ ሰላም፣ ማዕርነት፣ ሓርነት፣ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕጊ ብፍላይ ድማ ምስ ህዝባዊን ናጻ ዝኾና ናይ ህዝቢ ፈልስታት ማሕበራት ሓቢርና ክንቃለስ መትከላዊ እምነትናን ዉሳኔና እዩ።
2.ግዳማዊ፣-ምስ ኩሎም ኣብ ጎራባብትናን ስግረ-ጎሮባብትና ኣብ ሲቪክ ሃገርነት ዝኣምኑ መንግስታትን ምንቅስቓሳት ኣብ ማዕርነት ዝተሞርኮሰ፣ፖሎቲካዊ ሽርክነት ክንፈጥር ንቃለስ፣ ኣብ ፖሎቲካዊ ዉሳኔናን ፖሎቲካዊ ምኣዝና ጸቕጢ ዝፈጥሩልናን ኣእዳዎም ዘታኣታትዉን መሳርሒ ናይ ኢድ-ኣዙር ኩናት ክጥቀሙልና ዝደልዩ ብትሪ ንነጽግ።

5.ኣብ መዛዘሚ መልእኽትና ዝኾነ ሰብ ከስተብህለሎም ዝግብኡ መሰረታዊ ሓሳባት ነዚ ሳሜት ብዝምልከት፣-

1. ኣብላጭላጪ ጭርሖ ስለዘልዓልካ፣ ህቡባት መደርቲ ስለዝቀረብካ፣ ነቲ ዝሓሰብካዮ መልክዕ-ቅልስ ተዕኹኾን ናይ መላእ ህዝቢ ተሳትፍ ተራጋግጽ ማለት ኣይኮነን፣ ንቃልሲ ህዝቢ ክጽንበሮ መሰረታዊ ኤርትራዊ ሕቶታት ክንደልን ክንጸር ኣለዎ፣ ገለ ካብቶም ኣገደስቲ ሕቶታት፣ ሀ. ሕቶ ኤርትራዊ ሃገራዉነት ለ. ሕቶ ስምረት ሓ. ሕቶ ሃገራዊ ዕርቂ መ. ሕቶ ኢትዮ-ኤርትራ ግርጭት ሰ. ሕቶ ኣጋባብ ቃልሲ…ወ.ዘ.ተ ቡሱል ርእይቶ እንተዘይሃልዩ፣ ኣብዝብጻሕ ነገር ወይ ዝትግበር ነገር የሎን ኢልና ንኣምን።
2. እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ሳሜት መዋህለሊ ዝተፈላለየ ኣጀንዳ ክኸዉን ይኽእል ፣ ኩሎም ኣብዚ ሳሜት ዝቀርቡ ወረቓቕትን ሓሳባትን ተኣኪቦም ተሰኒዶም ክትሓዙን ንዝመጽእ ጊዝየ መሰረት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣሎና።
3. ናይ ሃገራዊ ሓይልታት ምትእስሳር ብዘይ ዉዓል ሕደር እዚ ሳሜት ክጽዉዕ ኣለዎ።
4. ኩሉ ጊዝየ ኣብ ኣታሓሳስባናን ኣኼባታትና ሓባራዉነትን ኩሉእንትናዊነት; ኣካላዉን መንፈሳዉን ህላዌ ኩሎም ኤርትራዉያን ዜጋታት ክራጋገጽ ክጽዓት ኣለዎ።

ብጣዕሚ የቀኔልና!
ዘላኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

Copyright 2013 Eritrean Civic Democratic Movement. All rights reserved. This material may be published, broadcast, or redistributed with proper citation of the Eritrean Civic Democratic Movement, eritreancdm@gmail.com https://eritreancdm.wordpress.com/