Monthly Archives: January, 2016

መንግስት ኣብ ስደት {government in exile}:

ኣብ ፖሎቲካዊ ንጥፈታት ኤርትራ፡ እዚ መንግስት ኣብ ስደት ዝብል ጣቓ ፖሎቲካ ዳርጋ ካብ 1975 ዓ.ም.ፍ ዝዝረበሉ ዝነበረ ምኻኑ ኣቀዲመ ከዛኻኽር ይደሊ። ቅድሚ ምስ ሕሉፉን ህልዉን ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታታት ኤርትራ ምዝማደይ፡ ፖሎቲካዊ ትሕዝትኡ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ክትግበርን ክእወጅን ይኽእል ምስ ዓለምለኻዊ ተቀባሉነቱ ብምዝማድ ክገልጹ ክፍትን እየ።
መንግስት ኣብ ስደት ዝብል ከም ፖሎቲካዊ ኣምርን ትግባሬን ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ግዝያት ብጻዕቂ ዝተዘዉተረ እኳ እንተኾነ፡ ከም ፖሎቲካዊ ኣምር ሓደ ፖሎቲካዊ ጉጅለ፡ ንጉጅሉኡ ከም ሓደ ሕጋዊ ወኪል ህዝባዊ ስልጣን ሃገሩ፡ ኣብ ስደት ኮይኑ ዝጽዕደሉ እዩ። ሕሉፍ ታሪኽ ከምዝምህረና፡ መንግስት ኣብ ስደት መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ወቕት ኩናት ወራርን ጎበጣን ዝተራእየን ዝተዘዉተረን ምኻኑ እዩ።
መንግስት ኣብ ስደት፡ መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ ብነገስታት ወይ መሳፍንት {monarchs or feudalist} ዝተዘዉተረ እኳ እንተኾነ፡ ብካልኦት እዉን ዝጻዓድ እዩ። መሳፍንት ወይ ነገስታት ጸኒሓዊ (ትዉፊታዊ)ሕጋዉነት ዉናኔ ፖሎቲካዊ ስልጣን {traditional legitimacy} ኣሎና ስለዝብሉ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ብዉሽጣዉያን ዜጋታቶም ወይ ድማ ብናይ ግዳም ጎቦጣ ፖሎቲካዊ ስልጣኖም ክምንዛዕ እንኮሎ፡ ወይ ድማ ሓደ ብሕጋዊ ህዝባዊ ምርጫ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ፖሎቲካዊ ጉጂለ፡ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ወይ ናይ ግዳም ጎበጣ ዝተረከቦ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክምንዛዕ እንኮሎ፡ ወይ ድማ ንሓንቲ ልዕላዊት ሃገር ካልእ ናይ ግዳም ሃገር ብጎቦጣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ከተእትዋ እንኮላ፡ ዜጋታታ ኣንጻር ጎቦጣን መግዛትን ልዕላዉነት ሃገሮምን ሓራ ንምግባር ኣብ ዝናጣጠፍሉ እዋናት፡ መንግስት ኣብ ስደት ተባሂሉ ከምዝእዋጅን ከምዝናጣጠፍን ታሪኽ ብጽኑዕ የዉክኣልና።
እቲ መንግስት ኣብ ስደት ኢሉ ዝእዉጅ ፖሎቲካዊ ጉጅለ፡ ሓንቲ ምዓልቲ እንተኮይንሉ፡ ናብ መቦቆላዊ ዓዱ ተመሊሱ፡ ነቲ ነይሩኒ ወይ ክህልወነ ኣለዎ ዝብሎ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ክመርሕ እየ ኣብ ዝብል ግምታት ዝነብርን ዝናጣጠፍን እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣስታት 11 ፖሎቲካዉያን ጉጅለታት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስት ኣብ ስደት ዝኣወጃ ኣለዋ። ኩነታታተን ዝተፈላለየ ዝገብረን እኳ እንተኾነ፡ ኩለን ሓንቲ ምዓልቲ እንተኮይንለን፡ ናብ መቦቆላዊ ሃገረን ተመሊሰን፡ ነቲ ነይሩና ወይ ክህልወነ ኣለዎ ዝብልኦ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ክመርሕ እየ ኣብ ዝብል ግምታት ዝነብራን ዝናጣጠፍን እየን። ዓለምለኻዊ ሕጊ ንግብራዊ ስጉምቲ ኣዋጅን ንጥፈታትን መንግስት ኣብ ስደት ክቕበሎ፡ እቲ መንግስት ኣብ ስደት ዝእዉጅ ፖሎቲካዊ ጉጅለ ከማልኦ ዝግብኦ ሮቛሒታት እኳ እንተሃለወ፡ ነዚ ሮቛሒታት ኣማሊኡ እዉን ተመሊሱ ንሃገሩ፡ እቲ ዝጠልቦ ዝነበረ ዋንነት ፖሎቲካዊ ስልጣን ከም ሕጋዊ ዉሕስነት ዝህቦ ወይ ዝቕበሎ የሎን። ስለዚ ዳግም ንመቦቖላዊ ሃገሩ ብምእታዉ ብሕጋዊ ምርጫታት ፖሎቲካዊ ስልጣን ክዓትር ኣለዎ ማለት እዩ።
እዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎ ካብ ኮነ እቲ ሓቕታት ትርጉምን ተግባርን ናይ መንግስት ኣብ ስደት፡ እንታዋይ ፖሎቲካዊ ጉጅለ እዩ ሕጅ ኣብ ኤርትራ መንግስት ኣብ ስደት ኢሉ ዝእዉጅ? እንታይ ሕጋዉነት ኣለዎ? መን እዩ ኸ ተዋጋያይን ተካኢን ፖሎቲካዊ ስልጣን ገይርዎ? ኤርትራ ኸ ኣብ ትሕቲ ግዳማዊ መግዛቲ ድያ ትርከብ? እንታይ እዮም እቶም ጭቡጣት ዳይነሚክስ ንመንግስት ኣብ ስደት ከኣዉጁ ዝደራርኹ?….ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ሕቶታት ክምለሱ ኣለዎም።
እቲ ሓቂ ፖሎቲካዊ ድሕረ ባይታን ክዉንነትን ኤርትራ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡–
1. ኤርትራ ሓንቲ ናጻ ልዕላዊት ሃገር እያ።
2. ናጻን ልዕላዊትን ሃገር ኮይና፡ ሓደ ሃገራዊ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዘለዋ እያ።
3. ብኹረት ዘቤታዊ ልዕላዉነት ቅዋምን ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና እያ።
ካብዚ ጭቡጥ ክዉንነት እዚ ብምንቃል እቲ መንግስት ኣብ ስደት ክንምስርት ኣሎና ዝባሃል ሓሳብን ዘረባታትን ንጥፈታትን ጽዉጽዋይ ምኻኑ ክገልጽ ይደሊ።
ድሕሪ ዙሑል ኩናት ዓለም ምዉድኡ፡ ቡዙሓት ዘይንቡራት ፖሎቲካዊ ስጉምትታትን ምዕብልናታትን ኣብ ዓለምና ክምተራእዩ ዝክሓድ ሓቂ ኣይኮነን። የግዳስ ኩሉም ካብ ዉሽጣዊ ኩዉንነትን ማሕበራዊ ጸጋታት ናይተን ዝተፈላለያ ሃገራት ስለዘይነቀሉ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ክፍትሑ ዘለዎም ተወሰኽቲ ሽግራት ኮይኖም ኣለዉ። ድሕሪ 2000 ዓ.ም.ፍ ጥራይ መንግስት ኣፍጋኒስታን ኣብ ጀርመን ተሰሪሑ ንዉሽጥ ኣፍጋኒስታን ኣትዩ፡ መንግስት ዒራቕ ኣብ ኣመሪካ ተሰሪሑ ንዒራቕ ኣትዩ፡ መንግስት ሶማል ኣብ ኬንያ ተሰሪሑ ንሶማል ኣትዩ…ወ.ዘ.ተ ከም ሳዕቤኑ ግን ዛጊት ተዛማዲ ቅሳነት ኣይተረኽበን። ርእሱ ዝኻኣለ ሃገራዊ መንግስት እዉን ዛጊት ኣይተራጋገጸን። ኣብ ኣፍጋኒስታን ብሰራዊት ናቶ፡ ኣብ ዒራቕ ብሰራዊት ኣመሪካን ኣዉስትራልያን ካልኦት ሃገራትን፡ ኣብ ሶማል ድማ ብሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ ዝሕሎን ዝምራሕን ዘሎ።
ስለዚ ኤርትራዉያን ካብዚ ኣብ ከባቢናን ዓለምናን እንርእዮ ዘሎና ሓደገኛ ተሞክሮታታት ክንጥንቀቕ ኣሎና። ልዕሊ ኹሉ ግን መንግስት ኣብ ስደት ምቓምን ምእዋጅን፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ዘሎና ሽግራት፡ ንገዛ ነብሱ ክፍታሕ ዘለዎ ሽግር ምኻኑ ክንፈልጥ ኣሎና። ንሓንሳብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንሓንሳብ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ንሓንሳብ ልፍንት ወይ ስሙር ግንባር፡ ንሓንሳብ ቀጽርታት፡ ንሓንሳብ ምሕዝነት፡ ንሓንሳብ ኪዳን፡ ንሓንሳብ መንግስት ኣብ ስደት….ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ፖሎቲካዊ ሕዋማትን {formulas} ጣቛታትን፡ በብእዋኑ እኳ ገሊኦም እንተተግበሩ ገሊኦም ድማ ንክትግበሩ ዝዝረበሎም እንተኾነ፡ ንኩሉ ጥዕም ግድፍ ዘዋጽእ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ከዕዉተና ዝኽእል ፖሎቲካዊ ሕዋም ን ብልሓት ንዋት ቃልሲ ክንዓልብ ኣሎና።

ወድሓንኩም!
መርእድ ዘርኡ
08/01/2016
m.zerut@gmail.com

ዝሓለፈ ተዘክሮታተይ እንክዳጋገም፡-

ሓደ ሰብ ካብ ተጋደልቲ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ: ኣባል እቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ ኣብ ዉሽጢ ተ.ሓ.ኤ ዝነበረ ሰልፊ ዕዮ ነይረ ዘበለ ሰብ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ሰሚዕኩም ዶ ትፈልጡ? ዋላ ሓደ ኣነ ሰሚዔ ዝብል ኣይክርከብን ሙኻኑ ይፈልጥ እየ። ካብ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣባላት እቲ ሚስጢራዊ ሰልፊ ኣብ ዉሽጢ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበረ ህዝባዊ ሰዉራዊ ሰልፊ ኤርትራ (ማ.ሰ.ኤ) ዝነበሩ ግን ብብዝሒ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ወጽዮም ኣባላት ኔርና ክብሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ናይ ምዕራብ ሃገራት ዲፕሎማት ክራኸቡ እንከለዉ፡ ኣነ ኣባል እታ ሚስጢራዊ ሰልፊ ንሰዉራ መሪሑ ናጽነት ዘዐወተት ነይረ ቢሎም ነብሶም ዘላለዩ ብእዝነይ ኣነ ዝነበርክሉ ርክብ ሰሚዔ ኣሎኩ(ተሓቢእክን ትጠንስኦ ሰብ ኣኪብክን ትሓርስኦ እንድዩ)። ክፍኡሲ ኣብ ክንዲ ዝስተር መሊሹ ይግተር እንድዩ! ገና ንዕቆቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕሙሩ ኣይሓጸረን ዘሎ። ንምንታይ እዩ ከምኡ ኮይኑ ዝብል ሕቶ ክልዓል ስለዝኽእል ምሙላሱ ይምረጽ።

ቀዳማይ፡ ክሳብ ሕጂ ዓቢ ገበን ኣብ ልዕሊ ሓፋሽ ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤን ህዝቢኤርትራ ከምዝፈጸሙ ስለዘይተረድኦም ወይ ድማ ስለዘይግድሾም ክኸዉን ይኽእል እዩ።

ካልኣይ፡ ምዕዋት ሰዉራ ኤርትራ ብልዑል መስዋእቲን ጅግንነት ደቃ ዘይኮነ፡ ብዉሕልነት ኣማራርሓን መስዋእቲ ኣባላት እቲ ብሚስጢር ተወዲቦምሉ ዝነጥፍሉ ዝነበሩ ሰልፊ ዝተራጋገጸ ስለዝመስሎም እዩ።

ሳልሳይ፡ ፖሎቲካዉን ማሕበራዊን ክብደት ከምዝነበሮም ክንየቱ ን ብኡ ኣቢሎም ብሕሉፍ ታሪኾም ን ፊያካ ፕሮፋይሎም መሰረት ሰብ ከኽብሮም፡ ክድግፎሙ፡ ክስዕቦምን ክኣምኖም ስለዝደልዩ እዮም።

ራብዓይ፡ ሓደ መሪሕነት፡ ብዘይ ሓደ ንነብሱን መሰላቱን ረሲዑ ንዝኣመነሉ ዕላማ ንምዕዋት ዝስዋእ ኣጋር-ዜጋ (ህዝቢ) ክዕወት ከምዘይክእል እንዳፈለጡ ክንሶም፡ ንታርኦም ከታዓባብዩ ን ክንየቱን ቀዳምነታቶም ስለዝኾነ እዮ።

ስለምንታይ እዮም ልዑል ኣካድምያዊ ፍልጠትን ዘይተኣደነ ተሞክሮ እንዳወነኑ ከንሶም፡ ከምዚ ዓይነት ተራ ዜጋ ከማይ ክርድኦ ዝኽእልን ዝፍንፉኖ ሓሳብን ተግባርን፡ ዝሓስቡ ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። ብወገነይ ኣንነትን ስኽራን ኣእሙራ ጥራይ እዩ ምስበልኩ። እቲ ምንታይስ እታ ሕብእቲ ሰልፊ ከምቲ ሙሴ ተስፋሚክእኤል ኣብ 1973 ዝበሎ “ መንዲል ናይ ኢሰያስ እንተደልዩ ካብ ጅብኡ ኣዉጺኡ ፊጥ ዝብለላ፡ እንተደልዩ ድማ ኣብ ጅብኡ ጠቅሊሉ ዘቀምጣ እያ ዝበላ” ከምኡ ሙኻናን ከምዝነበረት፡ ምስ ዝዉንንዎ ሰፍ ዘይብል ሓንጎሎምን ተሞክሮን ዛጊት ዝተረድኦም ኣይመስሉን ዘለዉ። ወይ ድማ ንታሪኽ እታ ሰልፊን ታሪኽ ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ ኢድ ኢስያስ ምምንጣል ዝተደልየ ድንዕታን ከንቱ ፈተነን ይመስል። እዚ ቡዙሕ ጊዝየ ዝተፈተነ ጉዳይ እንድዩ ፡ ሕጂ ድማ ንሳልሳይ ጊዝየ ክፍተን እዩ። ብዝኾነ ዝበልና ድኣ……!

እዝከረኒ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነት፡ ኣንጻር ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ እንቃለሰሉ ዝነበርና እዋናት ፡ ሳሕቲ ብኣባላት መሪሕነታት ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝዉቱር ሓራግ ኣባሃህላ ነይሩ። ንሱ ድማ “ንዓና ጸላእትና፡ እቶም ስሪኦም ዓጢቆም ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝቡዱሁና ዘይኮኑስ፡ እቶም ንዓና ብግቡእ ካይፈለጡ ዝድጉፉና እዮም ጸላእታና” ይብሉ ነበሩ። ቀንዲ ምንጪ ናይዛ ሓረግ ኣባሃህላ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ከምዝነበረ ይዝንቶ እዩ። ነዚ ሓረግ እዚ መንቀሊ ዝኾነ፡ ኣብ ገለ ሕቡእ ወይ ሙስጡር ኣኼባታቶም ምስቲ ዘዛርቦም ዝነበረ ዛዕባ ብዛዕባ ተጋዳላይን ሓፋሽ ዉድባት ተኣሳሲሩ ዝበላ ከምዝኾነት ይዛረቡ።

ስለዚ መላእ ተጋዳላይን ሓፋሽ ዉድባት ንህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ቀጺሉ ብህዝባዊ ግንባር ዝተጸዉዔ ዉድብ ዝጋደልን ተወዲቡ ዝታሓጋገዝን ዝማጻደቅ ዝነበረ ዜጋ፡ ንመርሕነት ህዝባዊ ግንባርን ሚሲጢራቶሙን ካይፈለጠ ዝድግፍ ዝነበረ ስለዝኾነ፡ ልዕሊ ኣብ ቅድሚኦም ተገቲሩ ዝገጥሞም ዝነበረ ጸላኢ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ቀንዲ ጸላኢኦም ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝነበረ ዘነጽር ሓረግ እዩ።

99% ተጋዳላይን መላእ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዉሽጢ እቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር፡ሕቡእ ሰልፊ መስሪቱ ኣንጻር ተጋዳላይን ህዝቢን ይዉስን ከምዝነበረ ስለዘይፈልጡ፡ ነዚ ካይፈለጡ ይድግፍዎ ከምዘለዉ ስለዝፈልጥ ከም ቀንዲ ጸላእቱ ዝቆጽሮም ዝነበረ። ኣብ ሕቡእ ኣኼባታት እቲ ሕቡእ ሰልፊ ድማ ብቀጻሊ ካብ ተጋዳላይን ህዝቢ ክሕባእ ዘለዎ ቀንዲ ጉዳይ ሕቡእ ሰልፊ ከምዘሎ እንተተፈሊጡ፡ ተጋዳላይ ክስዉኣልና ኣይኮነን፡ ህዝቢ እዉን ክድግፈና ስለዘይኮነ ብ ከቢድ ሚስጢር ክታሓዝ ከምዘለዎን፡ ነዛ ሚስጢር እዚ ዘዉጸ ኣባል እታ ሚስጢራዊት ሰልፊ ሂወቱ ከምዝኸፍለላ ኣብ ዉሽጣዊ ሕግታቶም ዝሰፈረ ነይሩ። ብመንጽሩ ዝገርምን ዘደንቕን ጉዳይ እንተነይሩ፡ እቶም ኣባላት ኣታ ሚስጢራዊት ሰልፊ ካብቲ ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤን ህዝቢ ዝሓሸ መናባብሮን ሓቤሬታ ይዉሃቦም ነይሩ እዩ።

ንመረዳእታ፡-
1. እቲ ዉድብ ዝወስዶም ስጉሙቱታት ብዝርዝር ይግለጸሎም ነይሩ።
2. ኣቀዲሙ ኣብ መናባብሮ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ማዕርነታዊ ዓይነት ማሕበራዊን መንቡራዊን ኣናባብራ (Egalitarian) ስርዓት እዩ ነይሩ፡ ድሕሪ ክፍላ ሰኔ 1979 ግን ብሓፈሻ ሓለፍቲ ብፍላይ ድማ ኣባላት ሰልፊ ንመሳፍንቲ እዮም ተቀይሮም። እዚ እዉን ብፍላጥ ከም ሓለፋ ን6 ዓመታት መመላእታ ዕሽሽ ተባሂሉ ተራእዩ።
3. ኣብ ግንባር ይሃልዉ ኣብ ደጀን ሙሉእ ሓቤሬታ ንጥፈታት ዉድብን ተጋደልቱን ይሕበሮም ነይሩ እዩ።
4. ቀጻሊ ማዕረ ክንደይ መዉጋእቲን መስዋእቲ ካብ ኣባላት ግንባርን ካብ ኣባላት ሚስጢራዊ ሰልፊ ከምዘጋጠመ ብመልክዕ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ተፋላልዩ ይሕበሮም ነይሩ…ወ.ዘ.ተ የግዳስ ዋላ ሓደ ኣባል እታ ሚስጢራዊ ሰልፊ ተጋግዩ እዉን ስለምንታይ ንሓደ ዕላማ ኣብ ሓደ ዉድብ ተቃሊስና ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ናይ ኣባላት ግንባርን ኣባላት ሳልፊ ተባሂሉ ብምፍልላይ ይግለጽ ኢሉ ዝሓተተ ኣብ ታሪኽ የሎን። ከምዚ ዓይነት ፍጻሜታት ኣብ ዝተፈልጠሉ ጊዚያት፡ እዞም ሰባት ተሰርዮም ድዮም ነይሮም ውይስ ኣመና ዓንዚሮም ንምግላጾም ይጠፍኣካ።

እዚ “ንዓና ጸላእትና፡ እቶም ስሪኦም ዓጢቆም ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝቡዱሁና ዘይኮኑስ፡ እቶም ንዓና ብግቡእ ካይፈለጡ ዝድጉፉና እዮም ጸላእታና” ዝብል ሓረግ ኣብ ሜዳ ኣብ ዝተፈላለየ ሰሚናራት ብዝተፈላለዩ ብኣርባዕተ ኣባላት ፖሎቲካዊ ቤትጽሕፈትን ማእከላይ ሽማግለን ህዝባዊ ግንባር ክዳጋገም ሰሜዔዮ፡ ኣነ ኣብዘይነበርክሉ ሰሚናራት ድማ ምናልባሽ 40 ጊዝየ ተዳጋጊሙ ክኸዉን ከምዝኽእል ዘጣራጥር ኣይኮነን። እወ ሓቆም ነዞም ተንክለኛታት ጸረ ህዝቢን ሓርነት ብግቡእ ካይፈለጥናዮም ንድግፎሙን፡ ዘዉጽእዎ መደባት ከም ኣእዳዎምን ኣእጋሮም ኮኔ ነተግብር ስለዝነበርና ብርግጽ ጸላእቶም ኢና። እቲ ምንታይስ ቶንኮላቶሙን ሚስጢራቶሙ፡ እቲ 99% ተጋዳላይን ህዝቢ ኤርትራን ፈሊጡ ነይሩ እንተዝነብር፡ ምናልባሽ ካብ ዝነበርዎ መሪሕ ግደ ክኣልዮም ከምዝኽእል ይፈልጡ ስለዝነበሩ እዮም።

ምስ ስሓትካ ምኽሪ ይርከብ፡ ምስ ጠረጥካ እግሪ ይእከብ እንድዩ፡ ካብ ተሞክሮይ ይነግረኩም ኣለኹ፡ ነዞም “ንዓና ጸላእትና፡ እቶም ስሪኦም ዓጢቆም ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝቡዱሁና ዘይኮኑስ፡ እቶም ንዓና ብግቡእ ካይፈለጡ ዝድጉፉና እዮም ጸላእታና” ብኸምዚ ስነኣእሙራዊ ቅኒት ተቃንዮም ብተንከልን ሚስጢራዉነት እንክስሕሩ ዝኣረጉ፡ ብግብእ ካይፈለጥናዮም ምድጋፍ ከም “ፈተዉቶም” ከምዘይወስድኹም ክርድኣኩም ዘለዎ ጉዳይ እዩ። እቲ ንዓይ ዘሕዝነኒ ጉዳይ ካይፈለጥካ ምድጋፍን ምንጻግን እዩ። ኣነ ሙሉእ ብሙሉእ ካይፈለጥኩ ነዞም ጣልምናያት ደጊፊ፡ ከምሳዕቤኑ ድማ ግዳይ ናይ ሕልምታተይ ኮይነ እየ። ዝተቃለስኩሉ ሕልምታተይ ኣብ ኤርትራ ሰላም፡ ብልጽግና፡ ሓርነትን ናጽነትን፡ ማዕርነት፡…ወ.ዘ.ተ ንኽራጋገጽ ተቃሊሰ፡ ኣንካይ ዶ ሕልምታተይ ከራጋግጽ፡ ኣብ ዝፈትዋ ሃገረይ ክነብር ስለዘይክኣልኩ ኣብ ስደት ተዓቂበ ይነብር ኣሎኹ። ስለዚ ብኣፍልጦ ንደግፍ፡ ብኣፍልጦ ድማ ንንጸግ ብሃላይ እየ።

ኣስተዉዕል ኤርትራዊ! ኣባላት እታ ሚስጢራዊት ሰልፊ ዝነበሩ ኣብዚ እዋናት እዚ፡ ገሊኦም ኣብ ዲያስፖራ ገሊኦም ድማ ነቲ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ይመርሕዎ ከምዘለዉ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ዘየቃርጽን ተማላላኢ ዝምድናታትን ርኽኽባትን ክህልዎም ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ኣንካይ ዶ ነንሕድሕዶም ምስቲ ካልእ ወገናት ተቃዉሞ እዉን ምስ ገለገለ ዓበይቲ ዝብልዎም ቀጻሊ ርኽኽብ ዘሎ እዩ። እዚ ርኽኽብ እዚ ንምንታይ ምዓላ ክዉዕል እዩ ቀስ ኢልካ ዝርኤ ጉዳይ እዩ። ከም ኣሞሎሙን ተሞክርኦሙን ኣብ ትሕቲ ኢስያስ ኮይኖም ዝላኣኣኹ እንተኾይኖም ኢስያስ ንዓዲ ክኣትዉ እዉን ብዘይ ገለ ጸገም ከፍቅደሎም ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ነዞም ኣዘመዉቲ ሓይልታት ክትድግፍ እንተጀሚርካ ከምታ ቅድሚሕጂ ዝገበሩኻ ክገብሩኻ ሙኻኖም ንታሪኽ ይብሎን ይስንዶን ኣሎኹ።

ንሓደ ብዝተኸተሎ ፖሊሲታት ኣብ ትሕቲ ፍጹም-ምክልኻል ዝኣተው ጉጂለ፡ ብመራኸቢ ቡዙሓን ተጠቂምካ ሂወት ክትዘርኣሉ ወይ ድማ ከተድሕኖ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ሓደ ወዲ ሰብ ክርዕም ወይ ክነጽግ መሰሉ እኳ እንተኾነ፡ ንመሰሉ ስኣን ኣፍሉጦን እኹል ሓቤሬታ ወይ ድማ ኣማራጺታት ዘየሎ መሲልዎ ናይ ዓቕሊ-ጽበት ዉሳኔ ብምዉሳድ ኣብ ሓደጋ ዉሳኔ ዝወድቕ ኣዝዩ ቡዙሕ ሰብ እዩ። እቲ ዘጉህየኒ ጉዳይ እንተሃልዩ ግን፡ ምድግፋፎሙን ምንጻጎሙ ኣይኮነን፡ እንታይድኣ ነቲ ዝደገፍዎ ዕላማ ብግብሪ ተወዲቦምን ክስየፍሉ ዘይክእሉ ሙኻኖም እዩ። ንሓደ ዝተራእየ ተርእዮ ተገቲሮም እዚ ቁኑዕ እዩ ክብሉ ከምዘይጸንሑ፡ ኣብ ግብሪ ንዑ በሉ ስርሑ ምስተባህሉ፡ ከምዛ ዝጣበቁ ዘይነበሩ ህጣሞም የጥፍኡ። ከም ኣመሎም ድማ፡ ካልኦት ኩሓልቲ ተመሲሎም ኣዒንቲ ኣንቆርቲ ክልዓሉ እንከለዉ፡ ከምኣመሎም ንህዝቢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኮለል ብምባል፡ ኣንፌት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ማሕበውራዊ ሰዉራ የዘንብዑ። ስለዚ እዚ ሙሱሉይነት እዚ ደዉ ክብል ኣለዎ። ንቁኑዕ ቁኑዕ ዝበልካዮ ብግብሪ ድማ ክትስየፍሉ ኣሎካ። እንተዘይኮይኑ ጌጋ እንዳራኣኻ፡ ቁኑዕ ኢልካ ምክታዕን ነቲ ቁኑዕ ተሰሊፍካ ከምዚዕወት ዘይምግባር፡ ንሰብ ኮነ ኢልካ ከምዝጋገ ምግባር እዩ።

ወድሓንኩም!
28/12/2015
መርእድ ዘርኡ