Monthly Archives: March, 2013

ሓርፋፍ ኣፈና-ዳህሳስ ንቅዋም ብዝምልከት

መእተዊ፣ እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣቀዲማ ዝተጻሕፈት እኳ እንተኾነት፣ ትማሊ ኣብ ዕለት 1 መጋቢት 2013 ኣብ Pal Talk ኣብ ተሻሞ ዝባሃል ገዛ ብዘጋጠመ ናይ ኣራእያ ፍልልይ ብዘጋጠመ ድርኺት ዝዝርጋሓ ዘለኹ እያ። ዳርጋ መብዛሕትኡ ኣብ ደገ ዝነብር ተቃዋማይ፣ ነቲ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ፎርቶ-ኣስመራ ዝተገብረ ምንቅስቓስ ፖሎቲካዊ ጠለብን ተቀቢሉ ደጌፌታቱ ብሰላማዊ ሰልፊን ብጽሑፋት  ገሊጹ እዩ። ሓደ ካብ ጠለባቱ ኣብ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተኻየድ ምንቅስቓስ፣ “ብቅዋማዊ ባይቶ ብ23 ግንቦት 1997 ዝጸደቀ ቅዋም” ንክትግበር ዝሓትት እዩ ዝነበረ። ነዚ ጠለብ እዚ ከም ሓደ ህዝባዊ ጠለብ ወሲድካ ክትድግፎን ብዛዕብኡ እንቕዓ ክትዛረብ ከምዘይጸናሕካ፣ ድሕሪ ወርሒ ተገልቢጥካ እዛ ቅዋም እዚኣ ኣይትዉክለናን እያ ኢልካ ምጽዓድ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓሎቕን ምድንጋራት ተሰሚዑ ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ኣባሃህላን መርገጺ እዚ ዝሕብረና ነገር እንተሃሊዩ፣ ካብ ማዓሙቕ ልቦም ዝነቀለ ደገፌታ  ነቲ ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ፎርቶ-ኣስመራ ዝተገብረ ምንቅስቓስ ከምዘይነበረ የረዳና። ከምዚ ዓይነት ሙሱሉይነትን (Hypocrisy) ተጋላባጢ መርገጽን ኣበይ ከብጽሓና ምኻኑ ዝፍለጥ-ነገር ኣይኮነን።

ዕላማ፣ ነዚ ኣፈና መጽናዕቲ ክንድህስሶ እንኮሎና፣ ንሃልክታትትን ፍልልያት ምስ ካልኦት ፖሎቲካዊ ጉጂላታት ንምንዳይ ዘይኮነ፣ ብንጹር እቲ ተነዲፉ ከም ትሕዝቶን መሰረታዊ ደብቱር ኣደ ሕግታት ጸዲቁ፣ የግዳስ ን14 ዓመታት ዝኣክል ጊዝያት ኣብ ከብሒ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተወሺቡ ዘይተተግበረ ቅዋም ኤርትራን፣ ብኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ተነዲፉ ንኣባላቱ ክካትዕሉ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ተዘርጊሑ ዘሎ፣ ብጭቡጥ እንታይ ትሕዝቶ ኣለዎ፣ ሓያል ጎኑታቱን ድኹም ጎኑታቱን፣ ሕጋዉነቱ ፈሊጥና ዝተነጸረ መርገጺ ምንቅስቃስና ንክህልዎ ተባሂሉ ዝተኻየደ ዳህሳስ እዩ። እዚ ክልተ ሰነዳት’ዚ ፍጹም ክዋዳደር ዘይክእል እኳ እንተኾነ፣ ካብተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ክልተ ቀንዲ ደብተራት ስለዝኾና ብተነጸል ከነጽንዔን ወሲና።

መወከሲታት፣-

  1. ቅዋም ኤርትራ ብቅዋማዊ ባይቶ ብ23 ግንቦት 1997 ዓ.ም.ፈ ዝጸደቀ።
  2. ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሽማግለ ፖለቲካዊ ጉዲያት ዝትነድፈ እየን።
  3. ቃለ-መሕትት ምስ ቀንዲ ኣዳላዊ መራሒ ኮምሽን ቅዋም ኤርትራ ፕሮፈሶር በረኸት ሃብተስላሴ ኣብዚ ቃለ መጠይቕ እዚ ድኻመታታን ብልጫታታ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።

መእተዊ፣- ጥቅምታትን ኣገልግሎታትን ቅዋማ ንነብስወከፍና ርድኡ እኳ እንተኾነ፣ ንመዛኻኸሪ ንዝኣክል፣ ቅዋም ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዝህሉ ዝምድናታት ብጹሑፍ ዝግበር ፖሎቲካዊን ማሕበራዉን ዉዑላት’ዩ ። ኣብዚ ድቡቱር ወይ ዘይድቡቱር ዉዑላት ናይ ሓደ ስርርዕ መሰረታዊ ሕግታትን መትከላትን ባህርያት፣ ንጥፈታትን ክትያታት ናይ ሓደ መንግስት ወይ ድማ ትካል ዘነጽር’ዩ። በዚ ደብቱር ወይ ዘይድብቱር ቅዋም ኣቢሉ ድማ ህዝቢ ንቅዋማዊ መሰላቱ ን መንግስት ደረት ዘይብሉ ፖሎቲካዊ ስልጣን ወኒኑ ንህዝቢ ካይጭፍልቕ መቆጻጸሪ’ዩ። ብቀንዱ ግን ቅዋም ንግዝኣተ-ሕጊ መሰረት-እምነ ኩርናዕ ኮይኑ፣ ኣደ ኩሉ ሕግታት፣ድንጋጌታት፣ ዉሳኔታት፣ መትከላት፣ ፖሎቲካዊ ስርዓት ናይ ሓደ ሃገርን ህዝብ እያ።

ቅዋም ብከመይ ይንደፍን ይዉሰንን፣- ቅዋም ብዉልቀሰብ ወይ ፖሎቲካዊ ጉጂለ ተጻሒፉ ኣብ ሓደ ሃገርን ህዝብን ብቀሊሉ ዝትግበር ኣይኮነን። ቅዋም ንክንደፍ ክሓልፎም ዝግብኦ መስርሓት ቅድ መተከተላት (Principles of constitutional design) ኣሎዎ። እዚ ማለት ግን ዉልቀ ፈሊጣን ዓበይት-ዓዲ ሰባት ኣብ ምንዳፍ ቅዋም ዓቢ ግደ የብሎም ካየስምዕ ንምሕጸን።

ንድፊ ቅዋም ብዉልቀሰባት ተጻሒፉ ድሕሪኡ ክሓልፎ ዝግብኦ መስርሓት ቅዲ መትከላት ቅዋም ብኡኡ ክምስራሕ ይክኣል እዩ። እዚ ብልሓት’ዚ ካብ ቡዙሕ ፉሉይ ክኸዉን ይኽእል’ዩ። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ግን ዝዉቱር ዝኾነ ኣጋባብ ኣናዳድፋ ቅዋም መብዛሕትኡ በዚ ዝስዕብ ኣጋባባት’ዩ፣-

ነቲ ዝንደፍ ቅዋም እትነድፍ ሽማግሌ ብዝተፈላለየ ኣጋባባት ክትምረጽ ትኽእል’ያ።

1.ካብ መላእ ህዝቢ ብዲሞክራስያዊ ኣጋባባት ተመሪጻ ሙሉእ ዉክልና ድምጽን ህዝቢ ወኒና ክትወጽእ ኣለዋ ወይ ድማ፣-

2.ብመላእ ህዝቢ እቲ ሃገርን ህዝብን ማሕበራዉን ፖሎቲካዊ ክብደታት ዘለዎም ፈሊጣን፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ህዝቢን ሃይሞናታት፣ ኣገልገልቲ ህዝቢ ብሓፈሻዊ መምዘኒታት ህዝቢ እታ ሃገር ቁቡላት ቡሉጻትን እሙናትን ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ቀዳምነት ዝሰርዑ ዜጋታት ብሕርያ እዉን ክትምረጽ ይክኣል’ዩ። መን እዩ እሞ ዝሓርዮም ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። ህዝቢ እታ ሃገር ንኣታሓራርይእኦም ቀጥዕን መዕየሪታት ክሳማማዓሉ ኣለዎ ወይ ድማ ነዚ ቀጥዕን መዕየሪታት ዘካተተ ዜጋ ብመን ሕራይ ኣብ ምንዳፍ ቅዋም ክሳተፍ ብምዕዳም ክምረጽ ይክኣል’ዩ።

እዞም ብዝተፈላለየ ኣጋባባት ዝመጹ ሽማግሌ ነደፍቲ ቅዋም፣ ዝተፈላለየ ክብደት ስልጣናት ኣለዎም። ክልቲኦም ነቲ ዝነደፍዎ ቅዋም ኣብ ህዝቢ ኣዉሪዶም ዘካቱዑን ንድሌታትን ባህግታት፣ ንትጽቢታቱ፣ ንመጻኢ ምዕባሌታቱን ምርጫታትን ዕግበታት ህዝቢ ሙሉእ ኣብ ግምታት ዘእተወ ከተግቡሩ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ፣ ሽማግሌ ቅዋም ቁጽሪ ሓደ ግን ብቀጥታ ካብ ህዝቢ ተመሪጹ ዝመጸ ብምኻኑ፣ ብዝተዋህቦ ህዝባዊ ዉክልናን ድምጽን ነቲ ህዝቢ ይጠቕም’ዩ ዝበሎ፣ ህዝቢ ዘየልዓሎ ሕቶታት ኣብ ንድፊ እቲ ቅዋም ከእቱ ይኽእልን ንህዝቢ ድማ ንጹር መግለጺታት ገይሩ ከዕግብ ይኽእል’ዩ። ቅዋም ንህዝቢ ሲቪካዊ ኣስተምህሮታት እንዳተዋህበን፣ ንጸኒሓዊ ልምድታቱ፣ ጸኒሓዊ ሕግታት እንዳቡኡ፣ ዝዉቱር ስነምግባሩን ሞራላዊ ሕግታቱን መጽያኣዊ ራኢይታቱ  መላእ ግምት ዘእተወ ኮይኑ ምስተነድፈ፣ ናይ መጨረስታ መልክዑ ንምትሓዝን ነቲ ዝተነድፈ ቅዋም ከም ኣደ-ሕጊ ሃገር ህዝቢን መንግስት ኮይኑ ክሰርሕ፣ ካብ መላእ ህዝቢ ኣብ ዉሽጥ ሃገርን ወጻኢን ዝርከቡ ዜጋታት ብዲሞክራስያዊ ኣጋባብ ብህዝቢ ዝተወከለን ዝተሓርየን ቅዋማዊ ባይቶ ክቀዉም ኣለዎ። ኣዳለዉቲ ሽማግሌ ቅዋምን ቅዋማዊ ባይቶን ብሓባር ተኣኪቦም ድማ ብዝርዝር ተኻቲዖም ብድምጺ ዲሞክራስያዊ ኣጋባብ የጽድቅዋ ወይ ድማ ነቲ ዘጽደቕዎ መላእ ህዝቢ ዳግም ቡራኼኡ ክህበሉ ብሪፈረንደም መልክዕ ከድምጸሉ ይግበር እሞ፣ ኣብ ግብሪ ዝትግበረሉ ግዚየ መዓልትን ዕለት ይዉሱኑ። ካብዚ ኣቀዲሙ ብሓፈሻ ዝተጣሕመሰ መስርሓትን ሕዋማትን ወጻኢ ዝንደፍ ቅዋም ዘይሕጋዉን ንፖሎቲካዊ ሃልክታት ጥራይዝዓለመ እዩ።

ሕጋዊነት ክንብል እንኮሎና እንታይ ማለትና’ዩ፣-

ሕጋዉነት ክንብል እንኮሎና፣ ኩሎም ዝኸዱ መስርሓት ኣብ መትከላት ሕጋዉነት (principle of legality)ን ሕጊ ዝተመርኮሱ ምስ ዝኸዉን ማለትና እዩ። ካብ ቁቡሉን ጹሑፍ ሕግታት ወጻኢ ዝትግበር ኣብ ህዝብን ሃገር ብተዛማዲ ዘይሕጋዊ ክብሃል ይክኣል።

ፍልልያት ቅዋም፣- ቅዋም እንታይ ምኻኑ ኣብ ኑኡስ-ዛዕባ መእተዊ ተገሊጹ ስለ ዘሎ ኣኻሊ ኮይኑ፣ ዓይነታት ቅዋም ብብዝሒን ጽፍሕታት ተሳተፍቱ፣ ምንጭታት ፖሎቲካዊ ስልጣንን ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓታት’ዩ ዝዉሰን፣-

ምንጭታት ፖሎቲካዊ ስልጣን፣-

1. ትዉፊታዊ ስልጣ፣ መንግስትን ቅዋም (traditional legitimacy)

2.ኣሁዳዊ ወይ ናይ ኤሊት ስልጣ፣ መንግስትን ቅዋም (charismatic legitimacy)

3.ሕጋዊን ርትዓዉ ስልጣ፣ መንግስትን ቅዋም Legal or rational form of legitimacy) እየን። ኣብ እዚ 3 ዓይነታት ስልጣን መንግስታት ዝተፈላለየ ዓይነታት ቅዋማት ክህሉ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ገለ ንምጥቃስ እንተተደልዩ፣- ዱቡቱርን ዘይድብቱሩ ቅዋም (Codified and Uncodified constitution)፣ ምስሉይ ቅዋም ምልካዉያን(Façade constitutions)፣ደረት ንጉሳዊ ስልጣን ዘንበረ ቅዋም (Constitutional monarchy)…ወ.ዘ.ተ.

ኣብዚ ዘለናሉ ዘመን መብዛሕትኡ ሃገራትን ህዝብታት ምርጫታት መንግስታዊ መሳርዓቱን ቅዋማቱን ናብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ስርርዓት ከም ርእሰ-ቀስት ሓባሪ እንዳኾነ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ብኡ መሰረት ድማ እታ ሃገር ብደረጃ ፕረዚደንት ወይ ድማ ብደረጃ ቀዳማይ ሚኒስተር ክትማሓደር ምኻና ድሕሪ ምዉሳኑ፣ ኣሁዳዊ መንግስት (Unitary government) ወይ ድማ ዘይሙእኩል መንግስት (decentralized government) ምኻኑ ይዉስን። ብመሰረት እዚ ዉሳኔ እዚ ሓደ ቅዋም ድዩ ክህሉ ወይስ ኣብ ሕቕፎ ሓደ ኣደ-ቅዋም ካልኦት ናይ ዞባታት ወይ ምምሕዳራት ቅዋም ክህሉ እዩ ይዉስን። ሳልሳይ መገዲ እዉን ኣሎ፣ ንሱ ድማ ንክልቲኡ ኣጋባባት ኣጣሚርካ ፖሎቲካዊ ስርርዓትካ እተካንወሉ ብልሓት ኮይኑ ዘይምኩል ኣሁዳዊ ስርርዕ’ዩ።

ቁልጡፍሰንጠረጃዊመመዛዘኒኣሁዳዊመንግስት (Unitary government) ንዘይሙእኩልመንግስት (Decentralized government)

 

ኣሁዳዊ መንግስት ዘይሙእኩል መንግስት

1

ዝምድናታት ፈጻምን ሓጋግን ኣካላት ብፈጸምት ኣካላት ዝተዓብለለ

 

ፈጻምን ሓጋግን ኣካላት ሚዛናዊ  እዩ።

 

2

ዘይተወደነን ዘይተማጣጠነን ብዙሓዊ ናይ ምርጫ ስርዓት’ዩ።

 

ዝተወደነን ዝተማጣጠነ ዉክልና ኣለዎ።

 

3

ደረቕ ቅዋም ኣለዎ።

 

ተዓጻጻፊ ቅዋም ኣለዎ።

 

4

ጻዕቂ ናይ ሓደ ሰልፊ ኣባላት ኣብ ፈጸምት ኣካላት ኣለዎ።

 

ልፍንታዊ ካቢነን ዝተማቛርሔ ፈጸምት ኣካላት ዘለዉዎዩ።

 

5

ብሓደ ሃገራዊ ባይቶ ይቀዉም (Unicameralism)

 

ብክልተ ሃገራዊ ባይቶታት ይቀዉም (Bicameralism)

 

 

 

ብቀዳምነት ኣብ ኤርትራ ኣየናይ ስርዓተ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ይሕሸና ዝብል ሕቶ እዩ ዝልዓል። እዚ ሕቶ  ብህዝቢ ዝምለስ ሕቶ እኳ እንተኾነ፣ ከምሓሳብ ግን ምስ ክዉንነት ኤርትራ ዝተዛመደ ክኸዉን ይግብኦ። ንሕና ኤርትራዉያን ኣብ መድረኽ ምኻን ሃገር ወይ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዊ መንነት (nation-hood) ወይ ድማ ኣብ ምህናጽ ዘመናዊት ሃገርን ኤርትራዊ መንነት ስለእንርከብ፣ ምስ ኣቓዉማ ብዙሓዉነት ኤትኒክ-ጉጂለታቱን ሞሎኮታዊ እምነታቱ እዚ ሃገረ-ህዝቢ፣ ኣካታዕትን ወሰንትን ዝኾነ ሕቶታት ብመላእ ሃገራዉን ህዝባዉን ዕግበታት ዝዉሰኑሉን ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ መዓልታዊ ሂወቱን ኣብ ዓበይቲ እስትራተጂካዊ ሕቶታት ኣብ ምዉሳን ዝሳተፈሉ ክኸዉን ኣለዎ። ንሙኻን ሃገር ዘቃላጥፍን ሓድነት ሃገርን ህዝብ ዘራጋግጽ ኣጋባብ ፖሎቲካዊ መስርሕ ስለዝኾነ ዘይሙእኩል ኣሁዳዊ ስርዓት (Decentralized Unitary State) እንተንመርጽ ዝሓሸ ምስኾነ ዝብል እምነት ኣሎና።

ስለምንታይ ዘይሙእኩል ኣሁዳዊ ስርዓት ምርጫ ዝብል ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። ሃገራት ዓለምና ብክልተ መልክዓት እየን ዘመናዉያን ሃገራት ንክኾና በቂዔን።

1.ብሓያላት ናይ ኤዉሮጳ ሃገራት ከም ጉልቲ ርስቲ መሬትን ህዝብን ተቓራሪጸን ብዘይ ርትዓዊ ኣካልላ ጂኦግራፊካዊ፣ ስንኩል መንግስታዊ ትካላት፣ ዘይተማጣጠነ ኣዛራጋግሓ መንግስታዉን ህዝባዉን ትካላት፣ ኤትኒካዉን ሞሎኮታዊ እምነት ቡዙሑነት ዝሓዘ ኣቓዉማ፣ ከም ሓደ ተቶካሲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝቅበር ዝተፈላለየ ብገዛእቲ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝተጸምደ ዑቁር ግርጭታት ሒዘን ዝቆማ ሃገረ መንግስታት ኮይነን፣-

2.ንዘለወን ዝተፈላለየ ኤትኒካዊ፣ ብሔራዊ፣ ባህላዊ፣ ስነ-ኣእምራዉን ስምዒታዉን ማሕበራዉን ህያዉ ናይ ሓደ መንነትን ሓደ ሃገር ፍሕሶ ብዘገምታዊ ምዕባሌ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ መምከኺ-ቁራዕ (melting pot) ኣመስርሔን ጥቃ ሓደ ሃገር፣ ሓደ ህዝቢ ን ሓደ መንነትን ዝኾና እየን።

ኣቛዉማ ሃገር መንግስት ኤርትራ ካብተን ኣብ ቅድመትከተል ቁጽሪ ሓደ ስለዝኾነት፣ ኤርትራ ምስ ዕድሎት ኣቃዉማኣ ዝትኣሳሰር ንምኻን ሃገር ሓያል ብዶሆታት ኣለዋ። ነዚ ብዶሆታት’ዚ ንምምካቱ እቲ እንኮ መፍትሒ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ በብጽፍሕታቱ ከሳትፍ ዝኽእል፣ ማዕረ ዕድላት ክፈጥር ዝኽእል፣ ኩሉ ዜጋ ኣብ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዊ ማሕበራዉን ባህላዉን ሂወታቱ ብዕግበት ዉሳኔ ዝዉስነሉን እቲ ሕብረተሰብ ክጻወሮ ዝኽእል ጡዑይ ምሕደራ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘንቃዕርር ኣብ እምነ ኩርናዕ ናይ ምትዕግጋብ ዲሞክራሲ (Consensus democracy) ዝተሰረተ ምፉካስን ዘይምእኩል ስልጣን ካብ ደንበ ጀሚሩ ንዓዲ፣ ካብ ዓዲ ንወረዳ፣ ካብ ወረዳ ንኣዉራጃ፣ ካብ ኣዉራጃ ንሃገር ዝዝርጋሕን ዘዉሕዝን ሰንሰለት ስልጣንን ዉሳኔታትን ምዝርጋሕ ዝሕመረቱ ብምኻኑ፣ ከስራሓናን ሓድነት ሃገርን ህዝብን ክዕቕብን ሙሉእ ምትእምማናት ኣብ መንጎ ኤርትራዉያን ዜጋታት ከፈጥር ዝኽእል ፖሎቲካዊ ስርርዕ ብምኻኑ’ዩ።

ስለምንታይ ኣሁዳዊ ወይ ዘይምእኩል ፖሎቲካዊ ስርርዕ ብምልኣት ዘይከዉን ንዝብል ሕቶ ንምምላሱ ፍጹም ኣሁዳዊ ንሓዉሲ ምልካዉነት ገጹ ስለዘምርሕ፣ ፍጹም ዘይምእኩል ድማ ምስ ክዉንነት ናትና ኣብዚ ጊዝያት ክትግበር ስለዘይክእል እዩ። ሰረት ካየንጸፍካ ገዛ ኣይስራሕን እዩ፣ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ነቲ ሰረት ከነንጽፍ ዝሓተና ጊዝያትን ምዕብልናታትን ኣሎ፣ ነዚ ሰረት ናይ ትህነጽ ሲቪካዊት ሃገር ድሕሪ ምንጻፍና ከም መቀጸልትኡ ኣብ ዝተናዉሔ ምስ ምምዕባል ሕብረተሰብ፣ ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበራዊ ኣካላዊ ትሕተ ቅርጻታትን ማሕበራዊ ጸጋታት ትሕዝቶ ኤርትራ ተኣሳሲሩ ዘይምእኩል ፖሎቲካዊ ስርርዕ ክትግበር ዝክኣል’ዩ።

ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ቅዋም ኤርትራ ብቅዋማዊ ባይቶ ብ23 ግንቦት 1997 ዓ.ም.ፈ ዝጸደቀን ንድፊመሰጋገሪቅዋምሃገረኤርትራ ብኤርትራዊሃገራዊኮምሽንሞክራስያዊለውጢሽማግለፖለቲካዊጉዳያትዝተነድፈ እንታይ እዩ?

ከምቲ ኣቀዲመ ኣብ መእትዊ ዝጣሕመስክዎ ነዚ ክልተ ቀንዲ ሰነዳት’ዚ ንምዉድዳሩ ዘየኽእሎ እቲ ሓደ ቅዋም መስርሓት ሓሊፉ ጸዲቁ ኣብ ከብሒ ዝተወሽበ ክኸዉን እንኮሎ፣ እቲ ሕጂ ተነዲፉ ዘሎ ድማ ኣብ መጨረስታ መልክዓቱ በጺሑ ዘይጸደቀ ብምኻኑ’ዩ። ድሕሪ ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም.ፈ ክርኤ ዝግብኦ እኳ እንተኾነ፣ ድንዕታቱ ሓደገኛ ምኻኑ ምግላጽ ግን ነዉሪ ኣይመስለንን። ኣብ ዝርዝራት ኣቲካ ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ቡዙሕ ክዝርዘርን ክባሃል ዘለዎ ጉዳይ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ዝርዝራት ባዕሉ ሰብ መታን ከለልዮ ብጥብቆ መልክዕ ይሰዶ ስለዘሎኹ ኣብኡ ተዓዘብዎ። ካብ ዘካየድክዎ ዳህሳሳት ብምንቃል ግን ኣብ ክልተ ቁልፊ ትሕዝቶታት ከተኩር እየ፣-

ንሕጋዉነቱ ዝምልከት።-

1.ቅዋም ኤርትራ ብቅዋማዊ ባይቶ ብ23 ግንቦት 1997 ዓ.ም.ፈ ዝጸደቀን፣-

እዚ ቅዋም’ዚ ድሕሪ ምቛም ግዝያዊ መንግስት ኤርትራን ሳልሳይ ዉድባዊ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤ ንክንደፍ ኣብ ትሕቲ ሓደ ግንባር ባሕትነት ፖሎቲካዊ ስልጣንን ጽልዋ ዝተነድፈ ምኻኑ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ቅዋም’ዚ ክንደፍ እንኮሎ ዋላ ብቁጽሮም ዉሑዳት ድኣ ይኹኑ እንበር፣ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ናጽነት ዝተቃለሱ ኤርትራዉያን ዜጋታት ብሰንኪ ዝነበሮም ተጻይነት ፖሎቲካዊ መስመራት ህ.ግ.ሓ.ኤ ድሎ ካይትዕሎ ተባሂሉ ዘዋሰነ ምንባሩ እዉን ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብ ምምዛዝ ነደፍቲ ቅዋም ሽማግሌታት እዉን ብሕርያ ዋና ጽሓፊ ህዝባዊ ግንባር ዝተሓርዩን ዝተመዙን መብዛሕትኦም ጽልዋ ፖሎቲካዊ መስመር ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበሮም ምኽኖም ዘሳሓሕብ ፍጻሜ ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ዘይሙዑሩይን ዘይንጹር ኣማሳርሓ ቅዋም ክትመዝን ኣብ እትህቕነሉ፣ ንሕጋዉነት እታ ቅዋም ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ’ዩ። ብመንጸር’ዚ ብልክዕ ኣሃዛዊ ቁጽሪ ወይ ሕሳእ ከቕርብ እኳ ንጊዚኡ ሕጽረታት ሓቤሬታ እንተሃለወኒ፣ ብኣካል ዝርእዮ ዝነበርኩ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራን ኣብ ደገን ብዝተፈላለየ መልክዓት ዝበዝሖ ህዝቢ ከምዝተሳተፈሉ ኩሉ ሰብ ዝኽሕዶ ኣይመስለንን። ንመረዳእታ ፣- ናይ ሪፈረንደም ኤርትራ ከቅርብ።-

23-25 ሚያዝያ 1993 ሪፈረንዶም ንናጽነት ኤርትራ

ብዝሒ ዝተመዝገቡ 1,173,706
ብዝሒድምርኣድመጽቲ
ብዝሒ ንጹር ድምጺ
1,156,280(98.5%)
1,102,410
ብዝሒ ዘይቡቁዕ ድምጺ           328
ብዝሒ ቡቁዕ ድምጺ 1,102,082

 

ውጽኢት ድምጺ ቁጽሪ ድምጺ % ናይ ድምጺ
“እወ ንናጽነት” ድምጺ 1,100,260 99.83%
“ኣይፋሉን ንናጽነት” ድምጺ 1,822 0.17%

 

ኣብ 1993 ዲሞግራፊካዊ ህዝቢ ኤርትራ ኣስታት 3.5 ሚልዮን እዩ ነይሩ። ካብዚ 3.5 ዝብዝሑ ህዝቢ ንሪፈረንደም ከድምጽ ዝተመዝገበ 1,173,706 ነይሩ ዘድመጸ ድማ 1,156,280 ዝብዝሑ ህዝቢ ነይሩ። እቲ ድምጺ ካብ ዝተመዝገበን ካብ ዘድመጸን ንናጽነት ኤርትራ ወሳኒ ከምዝነበረ ርጉጽ’ዩ። ብቀንዱ ግን ሪፈረንድም ብሓደ ግንባር ዕብላልነትን መሪሕነትን ስለዝተመርሔ፣እቲ ብሪፈረንደም ዝተወሰነ ናጽነት ኤርትራ ሕጋዉነት የብሉን ዘብል ኣይኮነን።ናይ ቅዋም ድማ ልክዕ ከምኡ  ክኸዉን እዩ።

ንናጽነት ሪፈረንደም እንታይ ኣዛሚድዎ ምስ ቅዋም ዝብል ሕቶ ክልዓል ይክኣል’ዩ። ኣብ ሪፈረንደም እዉን ብመንነት ወረቀት ህዝባዊ ግንባር ኣይነድምጽን፣ ሪፈረንደም እንታይ ኣድለየ፣ ከም ፖሎቲካዊ ጉጂለ ተፈሊጥና ብመንነት ፖሎቲካዊ ዉድብና ጥራይ ኢና ነድምጽ…ወ.ዘ.ተ እንዳተባህለ ዝሓንገዱን ነቲ ዝኸይድ ዝነበረ ሕጋዊ መስርሕ ክዓናቁፉ ዝፈተኑ ባእታታት ስለዝነበር እዩ። ኣብ ተሳትፎ ምንዳፍ ቅዋም እዉን ሰላሕታዊ ኣብያ ነይሩ እዩ። ንዝሓንገደ ለሚንካ ወይ ድማ ኣገዲድካ ከተሳትፎ ኣይክኣልን’ዩ። ሓቂ ክንዛረብ እንተተደልዩ ካብ 3.5 ሚልዮን ዝብዝሑ ህዝቢ 1.2 ሚልዮን ህዝቢ ሪፈረንደም ከድምጽ ካብተመዝገበ እቲ ዝተረፈ ብዝሒ 2.3 ሚልዮን ኣበይ ተሸሪቡ? ርድኡ እዩ ካብዚ ብዝሒ ዲሞግራፊ’ዚ ትሕቲ 18 ዓመታት ዝዕድሜኦም ንኡሳን ዜጋታት ብሕጊ ከድምጹ ዘይፍቀደሎም ዘየድመጹ ክህልዉ ከምዝኽእሉ፣ ምስ ምጣኔ-ወሊድ ኣብቲ እዋናት ግን ንብሙሉኡ ሙኹኑይ ዝኸዉን ኣይነበረን።

ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሓደ ግንባር ይነደፍ ኣይነደፍ፣ ንጹር ቀጥዕታት ይሃልዎ ኣይሃልዎ፣ ዲሞክራስያዊ ኢዲሞክራስያዊ ይንበር ኣይንበር፣ ብብዝሒ ተሳተፍቱ’ዩ ዝዉሰን። ብተወሳኺ ነዚ ብዝሒ ተሳታፍነት ዘራጋግጽ ኣብቲ እዋንቲ እቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሮ ህዝባዊ ደገፍ’ዩ። ኣብ ዓመተ 1991-1997 ህ.ግ.ሓ.ኤ ንናጽነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሑ ስለዘዕወተ ትርንዕ ዝበለ ህዝባዊ ደገፍ ከምዝነበሮን ብኣንጻሩ ን ፖሎቲካዊ መስመር ህዝባዊ ግንባር ዝጻረሩ ኣዝዮም ዉሑዳትን ድኹማትን ከምዝነበሩ መላእ ዓለምናን ህዝብና ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ነዚ ኩሉ ክዉንነታት ብምቕማር ኣብ ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዓት ዝበዝሖ ህዝቢ ከምዝተሳተፈሉ ክግምገም ዝክኣል’ዩ። ካብኡ ዝሓሸ ብልሓት ዶ ነይሩ እወ ነይሩ የግዳስ ኣይተገብረን። ዉሃ ዘበለ ንኩሉ ዜጋ ዘሳተፈ ዶ ነይሩ? ኣይነበረን ክኸዉን ይግባእ ነይሩ የግዳስ ኣይተገብረን። እቲ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዝተጥቅመሉ መካኒዝም ኣናዳድፋ ቅዋም ጥዑይ ድዩ ነይሩ? ኣይነበረን ግን እቲ ኤርትራዊ ፖሎቲካዊ ክዉንነት ንሱ ስለዝነበረ ከምኡ ኮይኑ ኣሎ። ኩሉ ነገር ተዛማዲን ብተዛማዳዊነት’ዩ ዝርኤ እዩ።

እዚ ኮይኑ ካልእ ግን፣ ኤርትራ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጸኒሓ ንመጀመርታ ናጻ ልዑላዊት ሃገር ዝኾነት ብምንባራ፣ እቲ ብጽልዋ ሓደ ግንባር ዝተነድፈ ቅዋም ኣብ ግብሪ ተቶርጊሙ ነይር እንተዝኸዉን፣ ዓመታዊ ምስ ክዉንነትና እንዳማዕበለን እንዳተማሓየሸን ክኸይድ ዝኽእል’ዩ ዝነበረ።

ሃገራዊ ቅዋም ምስ ኩሉ ገስራጥ መስርሓታን ኣሉታ ጽልዋኣን፣ ዝተፈላለየ ምልክት ሕቶታት ሕጋዉነታ፣ እቲ ንክትንደፍ ዝገበረ መሪሕነት ግንባር እዉን ካየትግበራ ቡዙሓት ኩነት ቅድሚ ኩነታት’ዩ ፈጢሩላ ዘሎ። ዋላካ ኣብ ትሕቲ ሓያል ጽልዋታቱን ትእዛዛቱን ህ.ግ ትነደፍ፣ ነቲ ስርዓት እዉን ከም ሓደ ዝተተትዕት መሕነቂኡ ገመድ ስለዝርእያን ዝፈልጣ ንከየተግብራ ዕጭታ ሓርጊጡ ኣሎ።

ንሓድነት ህዝብናን ሃገርናን ንምሕላዉ ኤርትራዉያን ኣብ ፍርቂ መገዲ ወይ ድማ ናይ ሓባራዊ ዓወት ዓወት መገዲ ክንራኸብ ወሳኒ ጉዳይ’ዩ። ኣብ ማእከል ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ቅዋም’ዚኣ ብክልተ ዝተፈላለየ ስሕበታዊ ዋልታት ኢና ንርእያ ዞሎና፣-

1.ብፍላይ እቲ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተጋደለን ጽልዋታት ህዝባዊ ግንብር ዝነበሮ ዜጋ፣ብሓፈሻ ድማ ሓርበኛዉን ሃገራዉን ሓይልታት ኤርትራ ነዛ ቅዋም’ዚኣ ከም ዉጽኢት ናይ ቃልሱን ቀንዲ ህዝባዊ ሰነድ ገይሩ ይርእያ።

2.እቲ ንፖሎቲካዊ መስመር ህ.ግ.ሓ.ኤ ክጻረርን ብመንጽሩ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ካልኦት ዉድባት ክቃለስ ዝጸንሔ ዝተፈልየ ርእይቶ ወኒኑ ዝጸንሔ ዜጋ፣ ነዛ ቅዋም’ዚኣ ፈጺማ ከምዘይትዉኩሎን ዘለዋ ትሕዝቶ ብዘይገድስ ክትጋሓፍ ከምዘለዎ ዝጠልብ ወገናት’ዩ።

ወትሩ ዝስማዕ ናህያ ኣሎ ንሱ ድማ ኣብ ኣመሪካ፣ ኤዉርጳ፣ ኣዉስትራልያ፣ ካናዳ፣ ማእከላይ ምብራቕ…ወ.ዘ.ተ ብናይ ካልኦት ሃገራትን ህዝብታትን መንነት እንዳነበርካ፣ ንሓደ ኤርትራዊ መንነት ዘለዎ፣ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነብር ህዝቢ ብትደልዮን ትሓልሞ ክቅየድ ምግዳድ’ዩ። ዋላ እዉን ኣብቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ተሰዲድና እንነብረሉ ዘሎና ሃገራት ዘሎ ቅዋማት ሕግታት ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርርዓት ስለዘድመጽናሉ ተሳትፎና ስለዝተራጋገጸ ኣይኮነን ብኡ ተቀይድና ንኸይድ፣ እንታይ ድኣ ዝበዝሓ ህዝቢ እንነብረሉ ሃገራት ስለዝተሳማማዓሉ እዩ። ሓደ ሰብ ዶ ክርከብ ይኽእል ነቲ ቅዋም ኣመሪካ ክጸድቅ እንኮሎ ዘይነበረ፣ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ቅዋም ኣመሪካ ስለዘይድመጽክሉ ክጋሓፍ ኣሎዎ ኢሉ ክጽዕድ ዝኽእል? ፍሉጥ እዩ ዋላዉን እንተሃለወ ትርጉም ዝዋሃቦ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነብር ዝበዝሓ ህዝቢ ዝወሰኖ ዉሳኔ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከፋኹሶ ወይ ክነጽጎ ትርጉም ዝዋሃቦ ጉዳይ ኣይኮነን።

ኤርትራዉያን ብሰላምን ቅሳነትን መታን ሓቢርና ክንነብር ተባሂሉ ኣብ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ኣበይን ብከመይን ንነብር ብዘይገድስ፣ ኤርትራዊ ሞቦቆል ዘለዎ ኣብ ጉዳይ ህዝቡን ሃገሩ ንክሳተፍ ከም ንያትን ልምዲን ቁቡል ንወስዶ’ዩ። ካብዚ ቁቡሉነት ብምንቃል፣ ነዚ ክልተ ኣዝዩ ተጻራሪ ፈጺሙ ክትዓረቕ ዘይክእል ዝመስል ሕሉፍ መርገጺታት ኣብ ክንዲ ብጻሓፌኣን ኣዳላዊኣን፣ ብትሕዝትኣ፣ ብዝጠፍኣላ ጊዝያት፣ ሰብኣዊ ጉልበትን ቡሉጽ ኣእምሮ፣ ፍይናንሳዉን ነገራዉን ዓቕምታት ኣብ ግምት ኣትዩ፣ ካብኣ ክንረኽቦ እንኽእል ሓያል ጎንታት ብዘይ ገለ ተጉላባነት ርዒምናሉ፣ ነቲ ኣሉታ ጎንታት ብዘይ ገለ ንሕስያ እንነጽገሉን ናይ ምእራም መካኒዝም ነታኣትወሉ ኩዉንነት ንክፍጠር ክንቃለስ ኣሎና።

ምስ ሉሉይ ድኽመታታን ሃጋፋታን፣ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ግብሪ ን 14 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ግብሪ ዘይምትግባሩ። ኣብ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ክትዕ ተካይድሉ ብቅዋማዊ ባይቶ ዝጸደቀት ስለዝኾነት ከም ሕጋዊት ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ክትታሓዝ ዝግብኣ’ዩ።

1.ንድፊመሰጋገሪቅዋምሃገረኤርትራ ብኤርትራዊሃገራዊኮምሽንሞክራስያዊለውጢሽማግለፖለቲካዊጉዳያትዝተነድፈ።-

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሽማግለ ፖለቲካዊ ጉዳያት ንግንባሩ ዝጠምሮ ቻርተር ወይ ፖሎቲካዊ መደብ ዕዮ ክጽሕፍን ብኡ ክነጥፍን መሰሉ እዩ። ቅዋምን መሳጋገሪ ቅዋም ኣብ ስደት ኮይኑ ክጽሕፍን ብዘይ ገለ ሲቪካዊ ኣስተምህሮታት  ጎስጋሳትን ወኸሰ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ብምክያድ ኣመንጊጉ ንህዝቢ ከዉሕጥን መሰል የብሉን። ስርዓት ህግደፍ ንዝተኸተሎ መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም እናነቐፍካ፡ ካብኡ ዘይሓይሽ መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ቅዋም ክትጥቀም ምፍታን፡ ንዕቀት ናይ ህዝቢ ዓሎቕን እንተዘይኰይኑ፣ ካልእ ትርጕም ክውሃቦ ዝከኣል ጉዳይ ኣይኰነን። ቅዋም ምንዳፍን ምጽዳቕን እምበኣር፡ ዘይቍርመም፡ ዘይሽርመም መሰል ህዝቢ ምዃኑ ዝኾነ ዜጋ ክንርዕመሉ፣ ክንምእዘዞን ክንኣምን ይግባእ። ነዚ መሰል’ዚ፡ መሰጋገሪ’ዶ፣ መላግቦዶን ግዝያዊ’ዶ ብዝብሉ ሙቁራት ቃላት እናሸፋፈንካ፡ ወይ ህዝቢ ደሓር ከመሓይሾ ይኽእል’ዩ ዝብል ምድንጋራት እናፈጠርካ፡ ንስልጣን ናይ ህዝቢ ብታሕቲ ታሕቲ ምብሕጓግ ቅቡል ኣይኰነን። ሓቂ እንተሃልዩ ንምንታይ ድኣ ነቲ መብዛሕትኡ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ናይ 1997 ቅዋም ተቀቢሎም፡ ህዝቢ ደሓር ከመሓይሾ ኢዩ ኢሎም  ዘይቅበልዎ? ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብ ዝበዝሔን፣ ኣርዑት ጭቆና ኣብ ክሳዱ ተጸሚድዎ ዘሎ ዘይሳተፎ፣ ኣብ ስደት ካብ ዝርከብ ህዝብና እዉን እንተኾነ ብምልኣት ዘይተሳተፎ፡ ብ ገለ ሰለስተ ኣማእት ዘይሓልፍ ብዝሒ ኣብ ዝተካፈሎ ጕባኤ’ዶ ወይስ ዋዕላ ብምባል፡ ህዝባዊ ቅዋም ክንሕንጽጽ ኢና ቢልካ ምሕሳብን ምትግባርን፡ ክትበልዖ ዝደለኻ ኣባጉንባሕ ዛግራ በሎ እዩ።

ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ብመሰረት እቲ ተዓቂቡ ወይ ተራዒሙሉ ዘሎ ህዝብን ሃገርን ቅዋማት ተቀይዱ እዩ ዝነብር ዘሎ። እቲ ተግባራዊ ሓቂ ከምኡ ካብኮነ፣ስለምንታይ’ዩ ኣብ ስደት ንዝርከብ ህዝብንተቓውሞቱን ጫሌዳ ቅዋም ተደልዩ? ከም’ቲ ብገለገለ መራሕቲ ኮሚሽን ዝተባህለና፡ “ጽባሕ መራሕትና ከይዕብልሉና ካብ ሕጂ ጀሚርና ንኽንቈጻጸሮም ስለ ዝተደልየ እዩ”፣ ጽባሕ ንግሆ ከም ገለ ኢሉ እቲ ስርዓት እንተወደቀ ባዶነሽ ናይ ሕግን ፖሎቲካዊ ስልጣን መታን ካየጋጥም ቅድመ-ምቅርራባት ክግበር ስለዘለዎ’ዩ፣ እንዳተባህለ ምኽኒታት ወይ ድማ ወይስ ጽባሕ ንግሆ መታን ከይንሓቶም ቅድመ-ክፍሊት ናይ ሓላፍነታቶምን ሕጋውነት’ዮም ኣመንጊጎም ክውሕጡና ዝፍትኑ ዘለዉ? ህዝቢ’ዩ መሪጹና፡ ብቕዋም ዝተዋህበና ስልጣን’ዩ እናበሉ፡ ዝደልይዎ ንኽገብሩ ባይታ ክምድምዱ ዝፍትኑ ዘለዉ ናይ ዘየላ ዓለም ሓደሽት ፍላስፋታትኢዮም ። ብኸም’ዚ ኣገባብ ናብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክዓርግ ዝደሊ ሓይሊ፡ መንነቱን፣ ፈተናታቱን መመኽነይታቱ ብዘየገድስ፡ ነቲ ንሱ ከተግብሮ ዝደሊ ፖሎቲካዊ ዕላማታት ዘይቕበል ዉልቀ ዜጋ ይኹን ፖሎቲካዊ ሓይሊ፣ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና፡ ንቕዋም ተጻሪሩ እናበለ ከም ፍጹም-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ክሞቕሕ፣ ክቀትል፣ ከበሳብስን ከጽንትን ዝዋደድ ዘሎ ጎዲም ካራ እዩ።

ቅዋም ወይ መሳጋገሪ ቅዋም ምንዳፍን ምጽዳቕን ፖሎቲካዊ ስልጣን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ብዓመጽ ስልጣን ህዝቢን ካብ መስርሕ፣ ተልእኮን መትከላትን ኣናዳድፋ ቅዋም ወጻኢ ይገብር ስለዘሎን ስለዝገበረን ፈጺሙ ሕጋዊ ኣይኮነን። ሕቶ ሕጋዉነትን ሓላፍነት ብቀዳምነት ክራጋገጽ ዝግብኦ’ዩ።

ንትሕዝትኡ ዝምልከት።-

2.ቅዋም ኤርትራ ብቅዋማዊ ባይቶ ብ23 ግንቦት 1997 ዓ.ም.ፈ ዝጸደቀን፣-

ብዓቢኡ ኤርትራ ብኣሁዳዊ ወይ ሙእኩል ፖሎቲካዊ ስርዓት ክትማሓደር ዝወሰነ ምኻኑ ስክፍታታትን ዘይዕግበታት ዝፈጥር ዓቢ ጉዳይ እኳ እንተሃለወ፣ ብትሕዝትኣ ዲሞክራስያዊት ብቅርጻ ድማ ሃገራዊት እያ። ንኤርትራዊ ሃገራዉነትን ኤርትራዊ መንነት ኣማእኪሉ፣ ንምህናጽ ዘመናዊት ሃገር ጽኑዕ ድርኹኺት ዘኽፍት ትሕዞ ኣለዋ። ድኸመታቱ ድማ ዝትግበረሉ ዕለት ዘይምጽሓፉ፣ ሕቶ ዕላዊ ቋንቋታት ኣዝዩ ኣብ ፖሎቲካ ኤርትራ ተኣፋፊ ጉዳይ ከንሱ ዘይምዉሳኑን ናይ ስራሓት ቋንቋ ኢሉ ምሕላፉ፣ ናይ ዝላዓለ ናይ ሞት መቕጻዕቲ (Capital punishment) ክህሉ ድዩ ካይህሉ ዘይምንጻሩ: ዋንነት ትሕዞ-መሬት ኣብ ትሕቲ መንግስት ንክኸዉን ምዉሳን’ዩ፣ ንፈጻሚ ኣካልን ፕረዝደንትን ዓቢ ዝዛዘወ ጉኑዖ ፖሎቲካዊ ስልጣን ምሃባ’ዩ።

2.ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ሞክራስያዊ ለውጢ ሽማግለ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝተነድፈ።-

 

ቡዙሓት ኣብለጭለጭት ዲሞክራስያዉያንን ሓርነታዊ ሓረጋትን ዓንቀጻትን ዘስፈረ እኳ እንተኾነ፣ ንኤርትራዊ መንነት ብትኹላዊ መልክዓቱ ኣብ ክንዲ ብሓደ መንነት ብክልተ ዝጠመተ’ዩ። ኣጣማምትኡ ኣብ ሃይማኖት እምነ-ኩርናዕ ዝገበረ እዩ። ልዕሊ እዚ ንቅዋምን ኣብ ትሕቲ ቅዋም ዝሕንጸጹ ሕግታትን ፈላልዩ ይሪኢ። ነዚ ብጭብጢ ንምግላጹ ኣብ መእተዊ ቅዋም፡ ከምዚ ኢሉ ኣስፊሩ ኣሎ “

 

ኣህጉራዊ ውዕላትን መለኮታዊ እምነታትን ብዘቐመጦ መሰረት ንኽብሪ ወዱ ሰብን ብሰላም ክነብርን ዘለዎ መሰል ንኣምን።” ቀጺሉ “”ዒንቀጽ (7) ሓጋጊ ምንጭታት ምስ ሃይማኖት ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ መለኮታዊ እምነታት፡ ስሩጽ ባህልታትን ልምዴታትን ከም ምንጪ ሕጊ ኮይኖም፡ ብደረጃ ማእከልን ዝባን ዜወጹ ሕግታት ከኣ ኣብኡ ዜተሞርኮሱ ይኾኑ።” ስለዚ ሕግታት ኣብ ቑርዖንን መጽሓፍ ቁዱስ ዝምርኮሱ እምበር ኣብ ቅዋም ወይ ኣደ-ሕጊ ዝሙርኮስ ስለዘይኮነ ኩሉ እቲ ኣብለጭለጭት ዲሞክራስያዉያንን ሓርነታዊ ሓረጋት ንሃልኪ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ንሃይሞናታዊን ፖሎቲካው ትኹላዊ ምትፍናን (polorization) ዝሸምም ትሕዝቶን ድንዕታትን’ዩ።

 

መደምደምታ፣-

 

ቅዋም ኤርትራ ብቅዋማዊ ባይቶ ብ23 ግንቦት 1997 ዓ.ም.ፈ ዝጸደቀ ብሕጋዉነቱ፣ ብትሕዝትኡን ዋንነቱ ቡዙሕ ዘካትዕ ጉዳያት ኣኳ ኣንተሃለዎ፣ ነዛ ቅዋም እዚኣ ቀንዲ ከም ቅዋም ኤርትራ ንክንቕበላ ዘገዱዱና ሮቛሒታት ክልተ መሰረታዉያን ፖሎቲካዊ ፍልስፍናን ፖሎቲካዊ ማሕበራዊ ክብርታት እየን፣-

 

1.ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ሕጊን ምሽምራር ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ስለዝፈርሆ፣ ነዛ ዋነት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ቅዋም ሃገር ካብ ምትግባር ዘይጠቕም ምስምሳት እንዳፈጠረ ዕጭ ሓርጊጡ ብምህላዉ’ዩ።

 

ብኣንጻሩ ናይ ለዉጢ ሓይልታት ኢና ብሃልቲ፣ ዝተፈላለየ ምስምሳት እንዳፈጠሩ ነዛ ዋንነት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ቅዋም ረጊጾም; ኣብ ስደት ኮይኖም ቅዋማት ክነድፉ ምፍታኖምይ’ዩ። እዞም ክልተ ጉራቄናት ብሕጊ ክቅየዱ ዘይደልዩ ንሶም ዝደልዩዎ ሕግታት እንዳታኣታተዉ (Rule by Law) ህዝቢ ክጭፍሉቁን፣ ንሃገር ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራ ንሓደገኛ መስቀላዊ መገዲ ከሳጥሕዎ ዝወሰኑ ኮይኖም፣ ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ (Rule of Law) ፈጺሙ ረብሓታት ዘይብሎም ብምኻኖም እዮም።

 

ንሕና ግን ብኣንጻር እዞም ክልተ ተጻረርት ዝመስሉ ኣብ ትኹላዊ ግርጭታት ብመንጽር ህዝቢ ኤርትራ ዝስሩዑ ሓይልታት ከም ፖሎቲካዊ ፍልስፍናን ፖሎቲካዊ ክብርታት ተጻይ ናቶም ስለዝሰርዓና፣ ስልጣን ህዝቢ፣ ደረታትና ምፍላጥናን ምሕላዉናን፣ ኣብ ትሕቲ ሕጊን ሕጋዉነት ምስራዕና፣ ልዕሉ ኹሉ ንግዝኣተ-ሕጊ ንምርግጋጽ ንቃለስ ምህላዉናን እዩ።

2.ቅዋም ኤርትራ ብቅዋማዊ ባይቶ ብ23 ግንቦት 1997 ዓ.ም.ፈ ዝጸደቀ ንሕቶ  ዋንነት ብወግዒ ዘነጸረ ቀንዲ ሰነድ ብምኻኑ፣ ነዚ ሰነድ እዚ ከም ቀንዲ መወከሲ ሒዝካ ምቕላስ፣ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ምስላፍን ጫፍ ፈትሊ ማሕበራዉን ህዝባዊ ሰዉራ ምሓዝ ስለዝኾነ እዩ። ኩሉ ቃልስታት ካብ ሕቕፎ ሕግን ህዝብን እንተወጽዩ ሽፍትነት’ዩ ዝስዕርርን ዝነግስን።

 

ኣብዚ ግን ሓደ ክልዓል ዝግብኦ ኣግኣዚ ሕቶ ኣሎ! ኩሉ ሕቶታትና ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ግዝኣተ ሕግን ዘመናዊት ሲቪካዊ ደዉላ ንምህናጽን ንምርግጋጽ ንቃለስ እኳ እንተሃለና፣ እቲ ክንቃለሰሉን ክንጭሩሖን ዝግብኣና ሕቶ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ጨቢጥዎ ዘሎ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክወርድ ብዘሎና ዓቕሚን ሕናን ምቕላስ እዩ። ብዓቢኡ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንቅዋም ከተግብር ርጉጽ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ ዝብል ወሳኒ ሕቶ ክምለስ ዘለዎ’ዩ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ እጀታ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንክቕጽል ክብል ኣብ መዕቀኒ ዘይብሉ ገበናት’ዩ ተደቕዲቁ። በዚ ዝፈጸሞ ገበናት መዕቀኒ ክትርእዮ ኣብ ትህቕነሉ ወቕቲ፣ ቅዋም ምትግባር ማለት ባዕሉ ዝተትዓ ገመድ ኣብ ክሳዱ ምእታዉ ስለዝኾነ ከተግብራ ኣይክእልን’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታን ነቲ ተኹእሎታት ኣዝዩ ረቒቕ ይገብሮ።

 

ብኣንጻሩ ሕቶ ቅዋም ጥራይ እንተልዒልና፣ ብመሰረት ቅዋም ኤርትራ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዉን ንፖሎቲካዊ ስልጣን ክዋዳደርን ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክቅጽል ስለ ዘይትእግዶ፣ ጽባሕ ንግሆ ዓቅሉ ምስ ጸበቦ ከም ኣማራጺ ቅዋም ከትግብር እየ ብምባል፣ ንዕኡ ብመትከልን ትሕዝቶን ዘይጻብእዎ ሓይልታት ኣብ ዉሽጥ ፈጢሩ ወይ ምስ ገለ ኣብ ደገ ዘለዉ ተማሳጢሩ ክቕጽል ክፍትን ምኻኑ ዘጣራጥር ስለዘይኮነ፣ ሕቶታትና ኣብዚ መድረኽ’ዚ ጽምዳዊ ኣግእዞታት ክሕዝ ኣለዎ። ንሳተን ድማ ግዝኣተ-ሕጊ ይተግበርን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብፍጹም ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ይዉረድ ዝብላ ክኾና ኣለወን።

 

ከም ፖሎቲካዊ ኣምር ንግዝኣተ-ሕጊን ቅዋምን ዝፈላልዮን ዘራኽቦን ነገራት እኳ እንተሃለወ ሕቶ ግዝኣተ-ሕጊ ድሕሪ ምፍራስ ምልካዊ ስርዓት ዝራጋገጽ ሕቶ ስለዝኾነ ቀዳማይ ኣቶኩሮና ኣብ ምእላይ እዚ ምልካዊ ስርዓት ክጽመድ ግድነታዊ’ዩ።

ብዛዕባ ቅዋም ኤርትራ ብቅዋማዊ ባይቶ ብ23 ግንቦት 1997 ዓ.ም.ፈ ዝጸደቀ ከም ሃገራዊት ቅዋም ተቀቢልና፣ ን14 ዓመታት ፈጺማ ኣብ ግብሪ ዘይተቶርጎመትን፣ ሕጋዊት ዋንነት ህዝቢ ኤርትራን ስልጣኑን ስለዝኾነት ንዘለዋ ሃጋፋትን ምስ እዚ ዘለናዮ ኩነታት ክትሰርሕ ትኽእል ዶ ኣይትኽእልን እንዳነጸርና ከም ቀንዲ መወከሲት ህዝባዊ ሰነድ (main reference document) እያ።

 

ምንጪ እዚ ሓሳባት’ዚ  ካብ ክልተ-ጫሌዳታት ሓሳባት’ዩ ዝነቅል፣-

  1. ናይ ምእራም ቅዋም መካኒዝም ርእሱ ዝኻኣለ ዓቢ ሕቶ ምኻኑን።
  2. ቅዋም ክትግበር ኣለዎ ፣ ቅዋም ክዕረ ኣለዎ ዝብል እዉን ክልተ ዝተፈላለየ መካኒዝማትን ዝተፈላለየ መስራሓትን ብምኻኑ’ዩ።

 

እዛ ቅዋም እዚኣ ን 14 ዓመታት ኣብ ከብሕታት ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተወሺባ ምምራታ ዝፈጠሮ ዓበይቲ ቀዳዳት ርኡይ እዩ። ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ቅዋም ከተግብር ወይ ድማ ቅዋም ከዕሪ እዉን ድሉዉ ከምዘይኮነ ፉሉጥ’ዩ። ካብዚ ክልተ መሰረታዉያን ክዉንነታት ብምንቃል፣ ጽባሕ ንግሆ ለዉጢ ሩጉጽ ስለዝኾነ፣ እዛ ቅዋም’ዚኣ ክትማሓየሽ ድያ? ወይ ከምዘለታ ክትትግበር? ወይስ ካልእ ሓድሽ ቅዋም ክንደፍ? ንህዝቢ ኤርትራ ዝግደፍ ጉዳይን ስልጣን ስለዝኾነ፣ ንዉሳኔ ህዝብና ንሕደገሉ ኣብ ዝብል መደምደምታ እየ በጺሒ።

ነዚ በጺሔዮ ዘሎኹ መደምደምታ ወይ ድማ ሓሳብ ዘፋኽስ ወይ ዝጻረር ሓሳብ ክመጽእ ከምዝኽእል ዘጣራጥር ሕቶ ኣይኮነን። የግዳስ ንኹሉ ተጻራሪ ሕቶ ተጻራሪ መልሲ ኣለዎ።

ህዝብና ዛጊት እንታይ ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓት ክተክል ከምዝደሊ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ክሳብ ዘይተፈልጠን ዘይወሰነን ብዛዕባ እዛ ቅዋም እዚኣ ወይ ካልእ ቅዋም ክንዛረብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ሰለዝኾነ ነታ ቅዋም ከም ቀንዲ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ሪኢና ንሳ ድያ ካልእ ቅዋም ክትግበር ድማ ንዉሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ይታሓደገሉ ይብል ኣለኹ።

ኣብ ዑና ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝትከል መሳጋገሪ ወይ ጊዝያዊ መንግስት ከም ቀዳማይ ዕማማቱ መጀመርታ ሰላምን ምርግጋእን ኣብቲ ህዝቢን ሃገርን ምርግጋጽ ኮይኑ፣ ጎኒ ጎኑ ድማ ብዛዕባ ቅዋም ምጽዳቕ ወይ ምንዳፍ ስለዝኾነ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ዝቀዉም መሳጋገሪ ወይ ጊዝያዊ መንግስት ብዝግበር ምርድዳኣት ዝኸይድ መካኒዝም ን ዝዉሰን ቀንዲ ዕማም እዩ።

 

ወድሓንኩም!

ብመርእድ ዘርኡ

2/3/2013