Monthly Archives: February, 2013

ግንዛቤታት ካብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ”

ግንዛቤታት ካብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ”

 

መእተዊ፣– ኣቀዲሙ ብዝተፈላለዩ ጉዱሳት ኤርትራዉያን ለዉጢ ብከመይ መልክዕ ኣብ ኤርትራ ክራጋገጽ ኣለዎ? እንታይ ማለት እዩ ከ መሰረታዊ ለውጢ? ለዉጢ ነቲ በጺሕናዮ ዘሎና ምዕባሌ እንዳዓቀብና፣ ነቲ ዝጎደለና ብደፋእታ እንዳመላእና ማሕበራዊን መንግስታዊ ለዉጢ ከነራጋግጽ ንኽእል ኢና ዝብል ወገናት፣ ብመንጸር እዚ ድማ ለዉጢ ብተራጻሚ ሰዉራ ጥራይ እዩ ኣብ ኤርትራ ክራጋገጽ ዝኽእል ዝብል ወገናት ፣ክትዓት ልሙድ እዩ። ነዚ ኣካታዒ ዛዕባ’ዚ ምስ ኣብ ዓለምና ዝተራእየ ተሞክሮ ብምዝማድ ክድህስሶ ክፍትን እየ። መወከሲታተይ ቡዙሕ ኣኳ እንተኾነ፣ ሓንቲ ካብተን ቡዙሓት  ኣብ ኣልጀዚራ ነዚ ኣመልኪቱ ዝተዋሂበ ትንተና ዘገምታዊ ምዕባሌ ሰዉራ ዓረብ (The evolution of Arab revolutions) ብግብጻዉያን ዝተጻሕፈ ብይኣክል (ክፋያ) ብዝብል ስያሜ ዝተጻሕፈ  እዩ።

 

ድሕረ-ባይታ፣– እቲ ዝርዝር ቡዙሕ እዩ ኣሕጽር ኣቢለ ነቲ ቀንዲ ፍጻሜታትን ዉጽኢታቱ ክጥሕም ክፍትን እየ።  ቅድሚ እቲ ሰዉራ ምብርዑ ኣብ ግብጺ ፕረሲደንት ሑሱኒ ሙባረክ ፖሎቲካዊ ስልጣን ድሕሪኡ ንወዱ ከዉርሶ ምቅርራባት ይገብር ስለዝነበረ፣ ኩሎም ጉዱሳት ግብጻዉያን ብይኣክል ዝፍለጥ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ ፈጢሮም ንመደባት እቲ ስርዓት ብጥርኑፍ ክገጥምዎ ከምዝጀመሩ ኣብ ግምታትና ክስዉኣና ኣለዎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣዕራብን ሴሜን ኣፍሪቃ እዉን ዝተፈላለየ ቃልሲ ኣንጻር መለኽቲ ፖሎቲካዊ ስርዓዓታቶም ከምዝነበረ  ክዝከር ኣለዎ። እኩብ ድምር ናይቲ ዝካየድ ዝነበረ ዘገምታዊ ምዕባሌዊ ቃልስታት ድማ ናብ ዝላዓልው ጥርዚ ዓሪጉ ሰዉራ ከምዝባራዕ ገይሩ።

ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዕለት 18/12/2010 ብሃገር ቱኒዝያ እዩ ጀሚሩ። ነቲ ህዝባዊ ሰዉራ ጠንቂ ዝኾነ ድማ ሽቅለት ኣልቦነት፣ ድኽነት፣ ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሎቲካዊ ብልሽዉናታት፣ ናይ መግቢ ቅልዉላዉን ሕጽረታት፣ ሕርመት ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት፣ ሕርመት ፖሎቲካዊ ናጽነት፣ ትሑት ደርረጃ መናባብሮ፣ ዘይሙዕሩይነትን ዘይፍትሓዉነት ናይ ፕረዚደንት ዚን ኢልዓቢዲኒ ቤን ዓሊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብ ህዝቢ ቱኒዝያ ብዘዉረዶ ሰፍ ዘይብል ሃስያታት እዩ።

ንማሕበራዊ ሰዉራ ቱኒዝያ ንክባራዕ ቃታ(trigger) ዝኾነት ድማ ቱኒዛዊ መንእሰይ ማሓመድ ባዉዚዚ ኣብ ማእከል ህዝቢ ላምባ ከስኪሱ ነንብሱ ሓዊ መሰባርዓ እዩ። እዚ ኣብ ቱኒዝያ ሓድሽ ተረኽቦ ኣይነበረን ኣቀዲሙ እዉን ኣብ ከተማ ሞናስቲር ኣብ ወርሒ 3/2010 ሓደ ቢሮክራስያዊ ጸቕጥታት ዝበዝሖ ዜጋ ዓቡዱሰላም ትሪመች ዝባሃል ተማሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ ነይሩ እዩ። ብመገዲ መራኸቢ ቡዙሓን ንኩሉ ህዝቢ ቱኒዝያን ዓለምን ስለዘይተዘርግሔ ግን ከም ሓደ ሩሱዕ ፍጻሜ ኮይኑ ተሪፉ። ናይ መንእሰይ ማሓመድ ባዉዚዚ ብመገዲ መራኸቢ ቡዙሓን ኣልጀዚራ ቅዳሕ ፊድዮ ናይቲ መስርሕ ነብሰቕትለት ምስተዘርግሔ፣ ቀጺሉ ነቲ ዝነበረ ምዕፋናት ዜናዊ-ሓቤሬታ ሓንቲ ነስማ ቲቪ (Nessma TV) ኣብ ዕለት 29/12/29010 ብሰፊሑ ነቲ ኩነታት መሰቀላዓቶ መላእ ህዝቢ ቱኒዝያን ብሓደ ተላዕለ። ምልዓል ህዝቢ ቱኒዝያ ንስርዓት ፕረዚደንት ዚን ኢልዓቢዲኒ ቤን ዓሊ ን23 ዓመታት ዝገዝኤ ኣብ ዉሽጥ 28 መዓልታት ካብ ዝዓትዓቶ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከምዝወርዱ ኮነ። ሒቕታ ማሕበራዊ ሰዉራ ቱኒዝያ ድማ ንመላእ ኣህዛብን ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃ ግብጺ፣ሊብያ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮ፣ ንማእከላይ ምብራቅ የመን፣ ባሕሬን፣ ሱርያ፣ ዮርዳኖስ፣…ወ.ዘ.ተ ስለዝጸላወ፣ ኣህዛብ ድማ ተላዕለ። ኣብ ቱኒዝያ፣ሊብያ፣ግብጺ፣የመን ማሕበራዊ ሰዉራ ፖሎቲካዊ ስርዓታት ክቕይር እንኮሎ፣ ኣብተን ብንግስነት ዝማሓደራ ዝነበራ ሃገራት ሞሮኮ፣ ዮርዳኖስ፣ ባሕሬን ብምትዕርራያትን ጽገና ለዉጢታት (Restructuring and Reform) ከምዝታሃዳዳእ ተገይሩ። ኣብ ኣልጀርያ ሞሪታንያ ፈዚዙ ተሪፉ። ኣብ ሱርያ ናብ ዲዕ ዝበለ ኪናት ሕድሕድ ተኣትዩ ክሳብ ሕጂ ን ክልተ ዓመታት መመላእታ ወሲድ ይቕጽል ኣሎ።

ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ህዝብ ዝተፈላለየ ክዉንነትን ፖሎቲካዊ ዳይነሚክስ እኳ እንተሃለዎም፣ ንኩሎም ሓደ ዝገብር ሮቛሒ ድማ፣ ኣብዘን ኩላተን ሃገራትን ኣህዛብ ፖሎቲካዊ፣ምጣኔ ሃብታዊን ማሕበራዊን ፍትሕን ማዕርነት ዘይምህላዉ እዩ። ግብትናን ሃብትን ናይ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ሚስሌነታቶም እንዳኻዕበተ ክከይድ እንኮሎ፣ ብመንጽሩ ናይቲ 99% ዝብዙሑ ርሒብ-ገቤል ናይተን ሃገራት ከምቲ ኣብ መእተዊ ድሕረ-ባይታ ዝጣሕመስክዎ መናባቡሩኡን ሂወቱ እንዳንቆልቖለ ብምኻዱ እዩ። ስለዚ ቀንዲ ምልዓል ኣቲ ማሕበራዊ ሰዉራ ፍትሒ ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወት ወድሰብ ንምንዳይ ዝተኻየደ እዩ።

 

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ባህርያቱንዉጺቱን፣

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ብባህርያቱ ህዝባዊ ሰዉራ እዩ። ፣ ብትሕዝትኡ፣ ብኣሳላልፍኡ ዘማእከሎ ህዝባዊ ሕቶታትን፣ ዝወሰደሉ ጊዝየ፣ ዘጥፍኦ ዓቕሚ ጉልበት፣ ዘባኾኖ ፋይናንሳዊ ነገራዉ ትሕዝቶን፣ ዘብረሶ ማሕበራዊ ትሕተ-ቅርጻታት ቀሚርካ ከተስባህለሉ እንተጀሚርካ፣ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ንኣብነት ሊብያ ኣብ ዉሽጥ 7 ኣዋርሕ መስርሕ ጥምጥም 46000 ሂወት ሊባዉያን ለኪሙ፣ ዘይትኣደነ ማሕበራዊ ትሕተ-ቅርጻታት ዓንዩ። ስለዚ እቲ መስርሕ ለዉጢ ኣዝዩ ሰፍ ዘይብል ዋጋታት ዝተኸፍሎ እዩ። ብመንጸር ናይ ሊብያ ናይ ግብጺ እንተተዓዚብና፣ ዳርጋ እቲ ለዉጢ ብዘይ ገለ ክሳራ ተዓዊቱ ክባሃል ይክኣል።

ተዓዊቱ ክብል እንኮሎኹ፣ ነቶም ዝነበሩ ፍጹም ገበትን ሓዉሲ-ገበቲ (totalitarian and authoritarian) መራሕቲ ስርዓታት ፣ ካብ ዓትዒቶሞ ዝነበሩ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምምንዙዑ ኣመልኪተ እየ። ዓወት ሓደ ማሕበራዊ ሰዉራ ቀንዲ መለኪዒታቱ ኣብ ዑና እቲ ኣረጊት ፖሎቲካዊ ስርዓት ብሓድሽን ካብ ኣቀዲሙ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዝማዕበለ ትሕዝቶ፣ ነቲ ህዝቢ ዝተቃለሰሉን ዝተሰለፈሉ ሕቶታት ብቀጥታ ብግብሪ ምስዝምልስ እዩ። ፍጹም ገበትን ሓዉሲ-ገበቲ ስርርዓት ኣሊኻ፣ ተመሳሳሊ ወይ ድማ ሓዉሲ ገበቲ ስርርዓት እንተተኪኡ፣ ብምእላይ እቶም ኣቀዲሞም ዝነበሩ ገዛእቲ ዓወት ዘይኮነ ፍጹም ፍሽለት እዩ።

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ካብ ዝካየድ ኣስታት ሽሞንተ ኣዋርሕ በሊዑ ዘሎ። ኣብ ዉሽጥ ሽሞነተ ኣዋርሕ ድማ ዉጽኢት ናይቲ ዝተኻየደ ማሕበራዊ ሰዉራ ክሕፈስ ዘይክኣልን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ቱኒዝያ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ሰዉራ ዝነበሩ ኣባል ሓጋጊ ኣኳል ብቓጻ ተቀንጺሉ ኣሎ፣ ኣብ ሊብያ እዉን ምዉድዳብን መጥቃዕቲ ኣብ ቢንጋዚ ኣመሪካዊ ኢንባሲ ብጽንፈተኛታት ናይ ቅንጸላ መጥቛዕቲ ተኻይዱ ኣሎ፣ ኣብ ግብጺ እዉን ሰንከልከላት ናይ ፕረሲደንት ሞርሲ ኣሎ። እዚ ክዉንነታት ዘንቀሎ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዘይርጉኡነት ዳግም ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ይናኻኸስ ኣሎ። ዳግም ነዚ ህዝባዊ ምንኽኻሳት ቀንዲ መንቀሊ ኮይኑ ዘሎ፣ ዝጸንሔን ዘሎን ትጽቢታት ህዝቢ፣ ምስ ዘሎ ክዉንነት ደዉላ ስለዝተጋራጨወ እዩ። እዚ ዳግም ዝናኻኸስ ዘሎ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ንህዝቢ ብዘዕግብ ግብራዊ መልሲ እንተዘይረኪቡ ናብ ዓንዳርነት (anarchism) ማዕቢሉ ሃገርን ህዝብን እዉን ክብትን ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ።

ብማሕበራዊ ሰዉራ ኣቢልካ ሓንሳብ ምስተዓዋትከ፣ ዉልቀ ሰባት ወይ ጉጂለ ነቲ ሰዉራ ክጨዉይዎ ስለዝኽእሉ፣ ካይ ጭወ ክትካላኸል ጉቡእ እዩ፣ ነቲ ዝተዓወተ ሰዉራ ኣብ ሓጺር ኣዋርሕ ፍርያቱ ስለዘይሓፈስካ፣ መሊስካ ሰዉራ ምልዓል ግን ሓደገኛ እዩ። እቲ ምንታይስ ነቲ ዝተዓወተ ሰዉራ ዓቂብካ፣ ነቲ እቲተኽሎ ደዉላ ምቅራጽን ምምዕርራይን፣ ግዝኣተ-ሕጊ ፣ ፖሎቲካዊ ስልጣን ህዝቢ ፣ ሓርነት ዜጋታት፣ማሕበራዊን ምጣኔሃብታዊ ፍትሒ ምርግጋጽ ስለዝኾነ፣ ኣብ ዉሽጥ ዉሑዳት ኣዋርሕ ክትግበር ነይርዎ ኢልካ ምጽዓድ ህንጡዩነትን ዘይክዉንነትን እዩ። ኣብ ከምዚ ዘይሩጉእ ስለስተ መሰረታዉያን ዝንባሌታትን ወገናትን ኣብ ቀጻሊ ምትሕንናቕ ኣትዮም ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፣-

  1. እቲ ዝበዝሔ ህዝቢ ዉጽኢት ናይቲ ሰዉራ ካይጭወን ተረባሒ ናይቲ ዘካየዶ ሰዉራ ክኸዉን ዝደሊ፣ ነቲ ኣብ ምክያድ እቲ ሰዉራ ዝነበረ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ብዝሓየለ መልክዕኡ (momentum) ኣብ ዝላዓለ ደረጃ ከም እጉሚ ናይ ጸቕጢ ሓይሊ ኮይኑ፣ ነቲ ተተኺሉ ዘሎ ፖሎቲካዊ ስርዓት ናብ ዝደልዮ ነገራዊ ሓይሊ ክቅየር ዝጽዕት እዩ።
  2. ብፖሎቲካዊ ጨለታትን ፖሎቲካዊ ጉጂለታት እንዳተመርሔ ነቲ ዝተካየደ ሰዉራ ንምጭዋይን፣ ኣብ ፖሎቲካዊ ፕሮግራሙ ዘለዎ ፖሎቲካዊ ራእይታት ንምትግባር ድንዕታታት ዝገብር ዘሎ እዩ።
  3. ሓያላን ሃገራትን ናይ ምዕራብ ሃገራት ምስ ረብሓታተን ዝሳማምናዕ ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓት መታን ክከዉን ዝገብርኦ ስዉሩን ጉሁድ ምቁጽጻራትን ጸቕጥታትን እዩ።

እቲ ቅልስ ብኣካልን ብማሕበራዊ መራኸቢ ቡዙሓን ክቅጽል ምኻኑ ዘጣራጥር ጉዳይ ኣይኮነን፣ ብልክዕ ኣንፈቱ ናበይ ገጹ ክኸይድ እዩ ግን ቀስ ኢልካ ዝርኤ ጉዳይ እዩ።

 

ካብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ኤርትራዉያን እንታይ ክንማሃር ንኽእል?

ካብዚ ማሕበራዊ ሰዉራ እዚ ኤርትራዉያን ቡዙሕ ክንማሃር ይክኣል እዩ; ካብቲ ቡዙሕ መሰረታዉያን ነገራት ክጠቅስ፣-

  1. ካብቶም ቀንዲ ነቲ ናይ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ከም ወሳኒን ቀንዲን ዝተጠቅምሉ መሳርሒ ካላሽን (AK-47)፣ ቦምባ፣ መድፍዕ ኣይነበረን። እንታይ ድኣ ማሕበራዊ ማእከላዊ መራኸቢ  (Social Media) ከም Facebook፣ YouTube: LinkedIn: Twitter: …ወ.ዘ.ተ እንዳተጠቕሙ እዮም ህዝቢ ኣላዒሎምን ወዲቦም ሰዉራ ዘዐወቱ። ካብዚ ተሞክሮ እዚ ኩሉ ኤርትራዊ ነዚ ዓይነት ማሕበራዊ ማእከላዊ መራኸቢ ክንጥቀምን ክንጅምር ከምዘሎና እዩ።
  2. ቀንዲ ዳይነሚክ እቲ ዝተኻየደ ማሕበራዊ ሰዉራ ዝኾነ፣ በቲ ዘጋጠመ ሽቅለት ኣልቦነት፣ ድኽነት፣ ምጣኔ-ሃብታዉን ፖሎቲካዊ ብልሽዉናታት፣ ናይ መግቢ ቅልዉላዉን ሕጽረታት፣ ሕርመት ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት፣ ሕርመት ፖሎቲካዊ ናጽነት፣ ትሑት ደረጃ መናባብሮ፣ ዕንደራ፣ ዘይሙዕሩይነትን ዘይፍትሓዉነት እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ግን እዚ ኣቀዲመ ዝጣሕመስክዎን ልዕሊኡ  ሰብ ዝሽየጠሉን ዝልወጠሉ፣ ስድራቤት እቲባታተነሉን፣ ዜጋታት ንባሮት ኣብ እተቀየርሉ፣…ወ.ዘ.ተ ከንሱ፣ ማሕበራዊ ሰዉራ ኣብ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ እዩ ክጅምር ምስተገብኦ፣ ኣብዚ መደምደምታ ዘብጻሓኒ ክልተ መሰረታዉያን ሓቅታት እየን፣ ንሳተን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሰዉራ ኣካይዱ ዝተዓወተ ህዝቢ ብሙኻኑን፣ እቲ ጭቆና ፈጺሙ መዳርግቲ ስለዘይብሉ እየ። ስለዚ እቲ ኩቱር ፍርሒ፣ መሰረት ዘይብሉ-ዘይምትእምማን፣ ዉልቀ-ስስዔ (egocentric)፣ ዘየሎ-ቂም፣ ሕልክስክስ ምባል…ወ.ዘ.ተ ሓዲግና ትማሊ ዝገበርናዮ ሎሚ ድማ እወ ንኽእሎ ኢና ክንደግሞ ክንብል ክንበቕዕ ከምዞሎና ንማሃረሉ ኢና።
  3. ኣብ ሰብኣዉነትን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ክንዲ ኣፍረይቲ ፍትሕን ሰላም ንኸዉን፣ ኣፍረይቲ ስደተኛታትን ቀረብ ኣካላት ሙእዙዛትን ዘይምእዙዛት ጭዋዳታትወዲ-ሰብ ኬና ከምዝተረፍናን፣ ኣንካይዶ ኣዉንታ ከነበርክት ዉልቀ-ዜጋ ሓርነትና ክንእዉጅ ከምዘይበቓዕና ተማሂርና። እቲ ምንታይስ  እዚ ኩሉ ህዝቢ ኣብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ዝተሳተፈ ህዝቢ ዉልቃዊ-ሓርነቱ ኣዊጁ ዝተሳተፈ ህዝቢ ብምንባሩ እዩ።
  4. ኤርትራዉያን ተቃለስት ንሒዝናዮ ዘሎና ስልቲ ኣጋባብ ኣቓላልሳና ክንቅይር ከምዞሎና ሚሂሩና እዩ።
  5. ብሰላማ ኣጋባብ ቃልሲ (ብህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት) ኣነ እየ ዝብል ገባቲ ስርዓት ካብ ሱሩ ተቦርቒካ ክእለ ከምዝኽእል ሚሂሩና፣
  6. ህዝቢ ዘልዓሎ ቃልሲ፣ ብዘይ ገለ ጸገም ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ጎኒ ህዝቢ ከምዝስለፍን፣ ዉሕስነት ሰላማዊ ኣጋባብ ስግግር ፖሎቲካዊ ስልጣን ክራጋገጽ ከምዝኽእል ተማሂርና።
  7. ህዝቢ ብሰላማዊ ኣጋባብ ዝጀመሮ ቃልሲ ፣ ብምሕንጋድ ናይቲ ገባቲ ስርዓት ከመይ ኢሉ ንደማዊ ምፍሳስ ዘለዎ ቃልሲ ከምዝቅየር ካብ ሊብያን ሶርያን ተማሂርና…ወ.ዘ.ተ።
  8. ለዉጢ ብዉሽጣዊ ማሕበራዊ ጸጋታትናን ዉሳኔና እንተዘየራጋጊጽናዮ፣ እቶም ዝሓገዙና ወይ ዝወሰኑልና ናብ ድላዮም ክወስድዎ ከምዝኽእሉ እዩ።

 

ትንስኤ ማሕበራዊ ሰዉራ ኤርትራ፣ በዮኖት ኣታሓሳስባታት ይትሓላለኽ ኣሎ?

“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ኣብ ኤርትራ ጋህዲ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ጋህዲ መታን ክኸዉን፣ ክዉገዱ ዝግብኦም ሰብ ዝፈጠሮም ጸገማት ክንኣሊ ይግባኣና። ንኤርትራዊ ፖሎቲካዊ ክዉንነት ዝሓላልኾ ዘሎ ቀንዲ ጉዳያት እንተሃሊዩ፣ገለ ንምጥቃስ፣-

  1. ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንህዝቢ ኤርትራ ሓቤሬታ ከምዘይረክብ ብምግባሩ እዩ።
  2. ኤርትራዊ ጉዳይ ካብ ኤርትራዊ ጉዳይ ምኻኑ ሓሊፉ ዓለምለኻዊ ጉዳይ ከምዝኸዉን ስለዝኾነ፣ ኣብ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ንጥፈታትን ዉሳኔታትን ናይ ቡዙሓት ስዉሩን ጉሁድን ኣእዳዉ ምህላዉ እዩ።
  3. ናይ ኤርትራ ፖሎቲካ-ጨሌታት (Elites)  ብዓቢኡ ንዘካይድዎ ቃልስታት፣ ካብ ዝኻሓነ ጽልእን ሕርቃን (ressentiment) ስለ ዝነቅሉ፣ ከምቲ ኣድጊ ዝበለቶ ኣነ “ዘይበልዓላ ሳዕሪ ኣይብቆላ” ቢላ ዝተራገሞቶ፣ ንሳቶም እዉን ልክዕ ንሶም ዘይመርሕዋ ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝቢ ዋላ ብትን እንተበለት ኣይንታዮምን እዩ። ሒነ ክፈድዩ ድማ ምስ ዝኾነ ሰይጣን ተሓባቢሮም ሽዉሃቶም ከዕግቡ ዝወሰኑ እዮም። ሕቶኦሙን ባህግታቶም ብዛዕባ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ዲሞክራሲን ንቡር ሂወት ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘይኮነ፣ ሕኔ ንምፍዳይ  ንትኹላዊ ምትፍናን ንምእታዉ ኣንቃዕሪሩ ዝጠመተ እዩ።
  4. ንፖሎቲካዊ፣ምጣኔ-ሃብታዊን ማሕበዊ ኩዉንንት ኤርትራ፣ ካብ መሰረታዊ ጠንቕታቱ ዘይኮነ፣ ካብ ሳዕቤናቱ ነቂልና ስለ ነንብቦን፣ ብኡ መሰረት ድማ ጽምዶ-መደባትና ስለንስእልን ንነጥፍ እዩ።
  5. ጉጉይ ኣታሓሕዛን ኣፋታትሓ ግርጭት ስለንዉንን።
  6. ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ብኣዛመዉቲ-ሓይልታት ስለዝተባሕተ፣ እቲ ሲቪክ ሃገራዊን ዲሞክሮስያዉን ባእታታ ከም ዝነቀጸ-ዕፉን ርእሱ ኣድኒኑን፣ ብኣድማዕነት ከነጥፍ ዘይምብቕዑ’ዩ።
  7. ኣብ ኣኣሙሮና ብባዕልና ዘሕደርናዮ ጭንቀትን ራዕድን ዘንቆሎ፣ ዜጋ ነንሕድሕዱ ከምዘይታኣማመን ስለንገብር እዩ።
  8. ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ዲሞክራሲ፣ ብዝሓለፈ ንካሰስ እንቴኼና፣ ብኡ መሰረት ክንማቓቀል ስለዝኾና ዓቢ ዕንቕፋት ንሓደ ኬንካ ምቅላስ የጋጥም ስለዘሎ እዩ።
  9. ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ታሪኽ ኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኛነት ተሓቢኡ ስለዝነብር፣ ካይተረዳና ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክንወቕዕ ተባሂሉ፣ ንሃገራዉነትን ሓርበኛነት ኤርትራዉነት ስለ ንወቕዕ፣ ሃገራዉነትና ኣብ ምልክት ሕቶ ስለነእትዎ ህዝቢ ሰኸኽ ይብል ብምህላዉ እዩ።
  10. ጉዳይ ህዝቢን ጉዳይ ልዑላዉነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ ክስራዕ ዘይምብቅዑ እዩ።
  11. ዝበዝሔን ዘሕብን ኣዉንታ  ኤርትራዊ ሃገራዉን ሓርበኛዉ ታሪኽ ጎሲካ፣ ኣብ መእሰሪን መጨበጥን ዘለዎን ዘይብሉ ኣሉታ ታሪኻት ኣቲኻ፣ ዜጋ ሃገራዉነቱን መንነቱን ከምዝጸልኦ ብምግባር፣ ንክቓለስ ድሉዉነቱ ከምዘጥፍእ ይግበር ስለዘሎ እዩ።
  12. ሃገራዊ ሓላፍነት ዘይምቅባልን ገዛእ-ርእሲ ጽኑዕ ዲስፕሊን ዘይምህላዉ እዩ።
  13. ኣብ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘጻወዶም መጻወድያታት ኣቲኻ ኣብኡ ምኽዳድ ስለዘሎ እዩ።
  14. ናይ መንነት ቅልዉላዋት ስለዘጋጠመ እዩ…ወ.ዘ.ተ።

ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ ሰዉራ ከካይድ ድልዉ ዶ ኣሎ?

ዝተፈላለየ ንፍትሒ ዘንሂ ምንቅስቓሳት እኳ እንተሃለወ፣ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ ሰዉራ ከካይድ ዛጊት ድሉዉ ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ምንታይስ ካብዘይብሉ ማዓንጥኡ ሽጥ ኣቢሉ ዘዓወቶ ሰዉራ፣ ብገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተመንጢሉ፣ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ ንኤርትራዊ ሃገራዉነትን ሓርበኛተ ስለዝወቕዔ፣ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ንገጢምዎ ዘሎ ብዶሆታት ብሓባር ዝገጥሞ በብዉልቁ ከፈትሖ እዩ ዝህቕን ዘሎ። እቲ ወሲድዎ ዘሎ መፍትሒ ድማ፣ ኩሉ ዝኽኣለ ንኤርትራ ሓዲካ ንስደት ምጽኣት እዩ። ማሕበራዊ ሰዉራ ከሳላስል ዝኽእል ሓንጎልን ሰብን በብሓደ እንተድኣ ጺሁ፣ ማሕበራዊ ሰዉራ ብዓዲ ዉዒል ኣረጋዉያን ህጻናትን ክካየድ ስለዘይክኣል እዩ።

የግዳስ እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ኣይኮነን። እቲ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘዘዉትሮ ኣሉታ ፖሊሲታት እንዳቀጸለ ኣብዝኸደሉ እዋናት፣ እቲ ምረት ጭቆና እንዳላዓለ ስለዝኸይድ፣ ብዘገምታዊ ምዕባሌኡ (evolution) ሓልዩ ናብ ዝላዓለ ሕርቃንን ቅብጸት ስለዝዓርግ፣ ስለዝመረጽናዮን ዝደለናዮ ዘይኮነስ፣ ክዉንነት ብዝገዝኡ ዝተቀየዱ፣ ህዝባዊ ዘይሙኡዙዙነት ከጋጥም ማሕበራዊ ሕጊ እዩ። እዚ ፈጺሙ ዘይተርፍ ማሕበራዊ ሕጊ፣ ብኸመይ ነማሓድሮ? ንገጥሞ? ንመርሖ? ከመይ ዝኣመሰለ ዳይነሚካዊ ቅርጻን ስትራተጂ ነዋድደሉ ግን ባዕላዊ ሮቛሒ ወይ ጉዳይ ይኸዉን። ስለዚ እቲ ቡኹረት ባዕላዊ ኩዉንነት እዩ።

እዚ ቡኹረት እዚ ኣብ ታራ-ህዝቢ ጥራይ ኣይኮነን። ዋላ እዉን እቲ ዕላማ ሓንጺጹ ተወዲቡ ዝሰርሕ ዘሎ፣ ዝላዓለ ብልሒ ጫፍ ንቅሓት ሕብረተሰብ ክኸዉን ኣይበቕዕን ዘሎ። ቡቁዕን ሶጋሚን መራሒ ዘይብሉ ህዝቢ ድማ፣ ንጊዚኡ ደንበርበር ከምዝብል ዘታሓታትት ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ደንበርበራት እዚ ጊዝያዊ እዩ። ኣብ መስርሕ ማሕበራዊ ሰዉራ መሪሒነት ኣብ መስርሕ ክፍጠር ስለዝኽእል እዩ።

ማሕበራዊ ሰዉራ ክነቕል ህዝቢ ክነቕሕ ኣለዎ፣ ፍልጠትን ሓቤሬታ ዝተመገበ ሓንጎል ህዝቢ፣ ዝተመጎቦ ፍልጠት ንልቡ ምስኣንበድቦዶን ኣሳራሰሮ ማሓዉራቱ ክንቃሳቀሳ እየን። ቀጺሉህዝቢ ኣብ ዘለዎ ቦታ መጀመርታ ዉልቃዊ ሓርነቱ ክእዉጅ ኣለዎ። ቀጺሉ ኣብታ ዝነብረላ ከባቢ ኣብ ጥቕምታቱ ዝተምኖርኮሰ ምትእስሳራት ክፈጥር ኣለዎ። ምትእስሳራቱ ናብ ጽኑዕ ናይ መሰረታታት መጋባእያ ብምስግጋር ብደረጃ ሃገርን ክፍለዓለማትን ክትኣሳሰር ኣለዎ።

 

ህዝቢ ኤርትራን ፖሎቲካዊ ዉድባቱ ናይ ለዉጢ ትጽቢታቱ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ድዩ?

ብሓፈሻ ኣብ ዝኾነ ሃገርን ህዝብን ኣማጻጽኣ ለዉጢ ብዝተፈላለየ መልክዓት ክኸዉን ከምዝኽእል ዘጣራጥር ኣይኮነን፣ ብፍላይ ድማ ኣብዘይ ማዕበላ ሃገራትን ኣብ ትሕቲ ገባታዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ዝርከባ ሃገራት፣ ወትሃደራት ጥርኑፋትን ብረት ዝሓዙ ብምኻኖም፣ ህዝቢ ሓንቲ ክገብር ኣብዘይክኣለሉ እዋን፣ ወትሃደራት እዉን ኣካል እቲ ጭቁን ህዝቢ ስለዝኾኑ ምትእትታዉ ይገብሩ እዮም። ከምዚ ዓይነት ወትሃደራዊ ምትእትታዉ ዕልዋ መንግስቲ እዩ። ብሰራዊት ዝካየድ ዕልዋ መንግስቲ መብዛሕትኡ ፖሎቲካዊ ስልጣን በቶም ዕልዋ ዘካየዱ ወትሃደራትይትሓዝ፣ ስሕት ኢሉ ድማ እቶም ዕልዋ ዝገበሩ ኣባላት ሰራዊት ፖሎቲካዊ ስልጣን ንህዝቢ የረክቡ እዮም።

ብዕለት 21 ጥሪ 2013 ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዘተራእየ ናይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትር  ምንቅስቓስ፣ ቡዙሕ ነገራት እዩ ሚሂሩና። ካብቲ ቀንዲ ዝተማሃርናዮ ጉዳያት ንምጥቃስ።-

  1. ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዉሽጡ ብገዛእ ርእሱን ዉሳኒኡ፣ ብመን ብዘየገድስ ለዉጢ ይደሊ ከምዘሎ ።
  2. ዝኾነ ናይ ተቃዉሞ ምንቅስቓስ ኣብ ዉሽጢ ተላዒሉ፣ ነታ ዝተፈጥረት ጫፍ ፈትሊ ማሕበራዊ ሰዉራ ሒዙ ናይ ምቅጻሉ ትግባሬ ማእዳድ ምኻኑ።
  3. ምብትታኽን ሕጽረታት ሓቤሬታ ዝዓበየ ብድሆታትና ምኻኑ።
  4. ዝኾነ ይኹን ኩነታት ተፈጢሩ ብብቅዓት ንህዝቢ ከራጋግእን ክመርሕ ዝኽእል ፊተዉራሪ ዉደባን መሪሒነት ሃጓፍ-ቡኽረት ምህላዉ።
  5. ርክባት ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብናን ምንቅስቓሳትና ምስ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ዝነብር ህዝብን ምንቅስቓሳትን ዝተበትከ ምትእስሳራት ምኻኑን፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ዘሎ እዉን ካይተፈለጦ ሚስጢራዊ ከም ዝኸዉን ከምተገብረ ምኻኑ….ወ.ዘ.ተ።

ህዝብና ለዉጢ ምድላዩ ንቡሩን ጽቡቕ እንድዩ፣ የግዳስ ለዉጢ ምድላይ ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። ለዉጢ ክትደሊ እንኮሎኻ ኣቀዲሞም ዝላዓሉን ክምለሱን ዝግብኦም ሕቶታት ኣለዉ። ንሳቶም ድማ፣-

  1. ለዉጢ ብኸመይ ኣጋባብን ስለምንታይን?
  2. ኣየናይ ኣጋባብ ኣማጻጽኣ ለዉጢ እዩ፣  ዉሕስነት ዘለዎ ነቲ ንሓልሞ ሕልሚ ጋህዲ ክተግብር ዝኽእል?
  3. ኩሉ ህዝባዊ ጠለብ ኣልዒሉ ዝነቅል ምንቅስቓስ፣ ብዘልዓሎ ህዝባዊ ሕቶ ዝቅየድን ክምልስ ወይ ድማ ከተግብር ይኽእል ድዩ? ብኸመይ መርትዖ ተራጋግፆ?
  4. ህዝቢ ተላዒሉ ሰራዊት ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ክስለፍ እንኮሎ ዶ ይምረጽ ወይስ ሰራዊት ተላዒሉ ህዝቢ ክስዕቦ? ህዝቢ ዘይተሳተፎ ቃልሲ ከ እንታይ ዉሕስነት ኣሎ? ህዝቢ ተመጻዊ ድዩ ክኸዉን ወይስ መጻዊ ፖሎቲካዊ ስልጣንን መሰላት ዜጋታት?
  5. ኣብ ወቕቲ መስርሕ ለዉጢ ሓደጋታት ከምዘሎ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ንምዉሓዱ፣ ከነትግብሮም ዘሎና ቅድመ-ምቅርራባት ከ ኣለዉዶ? እንታይ እዮም…ወ.ዘ.ተ?

እዚ ኣብ “ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ዘዕወተ ህዝብን ሃገራት ሕጂ ገጢሙዎ ንርእዮ ዘሎና ሓርጎጽጎጻት፣ ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስክዎም ሕቶታት ኣቀዲሞም ብምልኣት ስለዘይመለሱን ምቅርራባት ስለዘይገበሩሎም እዩ። ማሕበራዊ ሰዉራ ተዓዊቱ ክባሃል፣ ፖሎቲካዊ ስርዓት ምቅያር ጥራይ ኣይኮነን፣ እንታይድኣ  ካብ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ናብ ዲሞክራስያዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ምቅያር፣ ዘይትካላዊ ኣሳራርሓ ብትካላዊ ኣሳራርሓ ምቅያር፣ ንህዝቢ ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ምጉንጻፍ፣ ካብ መሰል-ኣልቡ ናብ ዝተራጋገጸ ሰቪካዊ መሰላት ምስግጋር፣ ካብ ዝዳሓረ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዉን ማሕበራዊን ስርዓት ናብ ካብኡ ዝማዕበለ ስርርዕ ምስግጋር….ወ.ዘ.ተ እዩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ጊዝየ ዝቕየርን ዝራጋገጽ ነገር ኣይኮነን፣ መስርሕ እዩ፣ እቲ መስርሕ ድማ ብብቕዓት ማሕበራዊ ጸጋታት ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ዝነዉሔ ወይ ዝሓጸረ ጊዝያት ዝራጋገጽ ጉዳይ እዩ።

ዋላ እኳ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጣሕመሰ ሓቕታት ይኹን፣ ተቦጉሶን ፍጻሜ ዕለት 21/01/2013 ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ መዲብዎ ዝነበረ ዕላሙኡ ይህረም ኣይህረም ዕዉት እዩ። ዕዉት ዘብሎ መርትዖ እዚ ዝስዕብ ሮቛሒታት እዩ፣-

1. ነቲ ዘይቅህም ማሕታ-ቁልዒ ቃልሲ ወሊዖሞ ኣለዉ።
2. ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለም ዕዙዝ ግንዛቤታት ኣሕዲሩ ኣሎ።
3. ነቶም ዓሎቕቲ ጸረ ሃገር ኤርትራ ሕልሞም በታቲኽዎን ኣፋራሪቕዎ ኣሎ።
4. መሰረታዊ ህዝባዊ ሕቶ ኣላዒሉን ኣናኺሱ ኣሎ።
5. ጽቡቕ ኣብነት ንብድሕሪ ሕጂ ዝቃለሱ ንዲሞክራስያዊያን ሃገራዉያ ባእታታት ኣብ ዉሽጥ ህዝብናን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢ ኤርትራ ዘለዉ ዜጋታት ኮይኑ ኣሎ።
6. ንኤርትራ ኤርትራዉነት ከምቲ ቀደም በጃ ዝሓለፉ፣ ሕጂ እዉን በጃ ክሓልፉላ ዝደልዩ ዉፍያት ከምዘለዉ ኣራጋጊጹ ኣሎ።
7. ነቲ ኣብ ዉሽጥ ላዕሎዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ለዉጢ ፖሊሲታት ዘተታት ብድሕሪ ማዕጾ ንሰጣሕ-ደገን ንህዝብ ከምዝወርድ ኣተግቢሮም ኣሎዉ።
8. ለዉጢ ብዉሽጣዊ ዓቕምታት ማሕበራዊ ጸጋ ኤርትራዉያን ክመጽእ ከምዝኽእል ድሙቕ ጮራ ብርሃን ኣብሪሁ ኣሎ።
9. ኤርትራዉያን ኣንፈት ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ጽምዶታትና ከነነጽር ከምዞሎና ገዲድና ኣሎ።

እዚ ዓወታት እዚ ዉጽኢት ናይቲ ብዘገምታ ክእከብ ዝጸንሔ ዉሽጣዊ ቃልስታት ኮይኑ፣ ንመጻኢ ድማ ከም ሓደ መንጠሪ-ሰደቓ ንዝላዓለ ቃልሲ እዩ።

ብመንጸር እዚ፣ ፍጻሜ ዕለት 21/01/2013 ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ፎርቶ ኣስመራ መዲብዎ ዝነበረ ዕላማ ሙሉእ ብሙሉእ ተዓዊቱ ነይሩ እንተዝኸዉን ኤርትራ ናበይ ገጻ ምስከደት? እዚ ሕቶ እዚ ዛጊት ዘይተመለሰ ሕቶ እኳ እንተ ኾነ፣ ብሓፈሻ ካብ ቶሞክሮታት ዓለምናን፣ ብፍላይ ድማ ካብ ተሞክሮ“ቀዉዓዊ ሰዉራ ሃገራት ሴሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕ” ክግመት ዝክኣል እዩ። ሓቂ ከዳምጽ ዝኽእል ኣእዛንን ኣእምሮ ዜጋታት ዉሑድ ኣብ ዝኾነሉ እዋናት፣ ንቁኑዕ ገምጋማት ምቕማጥ ናብ ዘይተደልየ ሳሓቦ-ጓቱቶ ሓሸዉየ ናይክትዓት ከእትወና ስለዝኽእል ንጊዚኡ ከምዘለዎ ከፋት ክሓድጎ ወሲነ ኣሎኹ።

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

19/2/2013

 

Advertisements

ጭግራፊስ ሃሪማ ተእዊ!

http://www.tesfanews.net/archives/11739

ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራዉያን  ዜጋታት ግዳይ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብ ምስግጋር ኮይኖም እንከለዉ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣጽቂጥካ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሕጂ ንማንኪ ሙን ደብዳቤ ምጽሓፍ ሓልዮት ድዩ ወይስ ካብ ሓላፍነት ምህዳም እዩ?

ሓድሽ ጠባያቱን ተግባራቱ እኳ እንተዘይኮነ፣ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ኩቱር ዓቅሊጽበትን ንድየትን ዝነቀለ፣ ኣብዚ እዋናት እዚ ብናህሪን ጻዕቒ ዝወስዶ ዘሎ ሰብኣዊ ቅትለት፣ ኣካላዊ-ጥልፈት፣ ሽርበትን ምእሳራት ደዉ ከብሎ እግዝዝ።

ኣብ ዉሽጢ ከርሲ እቲ ስርዓት ኮይኖም ከም ወትሃደራዊ ሞኮንናት፣ ወትሃደራት፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ሚኒስቲሪታት ተመዲቦም ዝዓዩ ዘለዉ ዜጋታት፣ኣዝዮም ቡዙሓት ዲሞክራስያዉያንን ሃገራዉያን ኣዝዮም ለባማትን ሓላፍነት ዝስምዖም ዜጋታት ከምዘለዉ ኣዳዕዲዒና ስለ ንፈልጥ ፣ ሕጂ ጊዚኡ ስለዝኣኸለን ልዕሊ ዓቐኑን ዓይነቱ ኣብ ዝላዓለ ጥርዚ ምብትታን ኤርትራዊት ስድራቤት ጋህዲ ስለዝኾነ፣ ንጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ሕጂ ይኣክል ክብሉ ብትሕትና ንጽዉዕ። እትምንታይስ እታ ዝደቐቐት ባእታ ስድራቤት እንተተባታቲና ኤርትራ ከም ሃገር ክትህሉ ስለዘይትኽእል’ዩ።

ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስሩዕ-ስርዓተ ዶሞዝን ማሕበራዊ ዉሕስነት ስለዘይብሉ፣ ብዘይካ ዉሕዳት ሱሱዓትን ብተፈጥርኦምን ዉጽኢት ናይቲ ፋሉልን ብልሽዉ ስርዓት ዝኾኑ ምጣኔ-ሃብታዉን ሞራላዉን ቡልሽዋትዝኾኑ ሰብመዝታትን ተሓባበርቶም፣ ብሃዉሪ ዜጋታ መብዛሕትኦም መዓልታዊ ድራር-ዕለቶም ክምእሩሩ፣ ኩነታት ገዲድዎም ኣብዘይተደልየ ምጣኔ-ሃብታዉን ሞራላዉን ብልሽዉናታት ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዉሽጥ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብቀሊሉ ክሓዊ ዘይክእል ናይ ብልሽዉና ነባሪ-ሕማም (corruption) ፈጢሩ ስለዘሎ፣ ኣብቲ ሕብረተሰብ ሕጊ ዓሳ-ባሕሪ (ዝፈርዘነ ንዝናኣሰ፣ መዝነት ዘለዎ ንመዝነት ዘይብሉ፣ ገንዘብ ዘይብሉ ንገንዘብ ዘለዉ፣ ሓያል ንድኹም፣ ኣሳላጢ ህዝባዊ ጉዳያት ንኣገልግሎት ዝደሊ ዜጋ፣ ነንሕድሕዱ ብዘይ ገለ ንሕስያ ይባላዕ ስለዘሎ፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክሓስበሉን፣ ነዚ ከምዚ ተግባራት ክኹኑኖን ክነጽጎን ንጽዉዕ።

እቲ ጽቡቕ ኢሰያስ ኣፍወርቂ እንታይ ክገብር ምኻኑ ኣብ ዝገብሮ ቃለ-ምምልልስ ይእንፍት እዩ። ትዝ ካብዝብለና ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትት ምስ ኢሰያስ ኣብ ኤሪ ትቪ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጠኛ “ጉዳይ ዋሕዚ መንእሰያት ጽኣት-ንስደት (Exodus) ኣብ ዝሓተተሉ እዋናት መልሱ ደርሆስ ኣንዊሕካ እንተኣሰርካያ ዝፈታሕካያ ይመስለ ድሕሪ ምባሉ፣ ከምቲ ልሙድ ዘመኽንዮ፣ መንእሰይ ንስደት ዝጽእተሉ ዘሎ ምኽንያት ብድርኺት ሽርሕታት ማእከላይ ስለያ ኣሜሪካን ካልኦት ጸላእትን ኣብ ዘጻወድዎ ዉዲታት ጽንፈት-ኣእምሮ (brain drain) ስለዝወደቀ እዩ ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ዝኸዶ ከይዱ ሃገሩ ስለዘይርስዕ ግን ንሃገሩ ደዉ ክብል ምኻኑ ብምሽሓጥ ዛዚምዋ”።

እዛ “ደርሆስ ኣንዊሕካ እንተኣሰርካያ ዝፈታሕካያ ይመስላ” ዝብል ዘረባ፣ተሪር እማቴ እዩ። ናብ ዝኸድ እንተኸዱ፣ ካብ ምቁጽጻርና ወጻኢ ኣይኮኑን ብጻልጣ የስምዕ። ኢሰያስ ካብ ምንታይ ነቂሉ? እንታይ ዘታኣማምን ነገራት ስለዘለዎ እዩ? ዝብል ሕቶታት ክልዓል ስለዝኽእል፣ ኢሰያስ ካብ ኣሲሩሎም ዘሎ ሰኪዔት መጻወድያታትን መደባትን ነቂሉ፣ ብርእሰ ተኣማምነት ነዚ ዘረባ እዚ ተዛሪብዎ። ከም ዉጽኢት ናይዚ ኣማቲ ዘረባ፣ መጀመርታ ሰብ ክሓልፈሉ ይኽእል እዩ ዝተባህለ ስፍራታት ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራ ፈንጂታት ተኺሉሉን ጸሚዱሉን።

ቀጺሉ ብግብሪ ኤርትራዉያን ዜጋታት ካብ  ጎራባብቲ ሃገራት ሓሊፉ፣ ካብ ዉሽጥ ከታማታትን ዓድታት ኤርትራ ገሊኦም ተሓቢሎም ገሊኦም ተጨዉዮም ንሲናይ ብምልኣኽ ክሳብ 40 ሽሕ ዶላር ወይ ድማ ዉሽጣዊ ንዋት ኣካላቶም ከም ሃላኺ ኣቕሓ ክሽየጡን ክልወጥን ንርኢ ንሰምዕ ዘሎና። ኣሰልካይን ደረት-ጊዝየ ዘይብሉ ጉዱድ-ዕዮ ከይኣክል፣ እቲ መንግስት ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕምጣቱ እንዳተሸምረረ ኣብ ዝኸደሉ እዋናት፣ ከም ቀንዲ ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንዜጋታቱ ክሸይጥ ክልዉጥ ወሲኑ፣ ን4 ዓመታት ድማ እስትንፋስ ብዘይህብ መገዲ ሰሪሕሉ።

እንታይ ጭብጢ ኣሎ? ብኸመይ ሙኹኑይ ትገብርዎ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶታት መርትዖ ዘሰነዮ መልሲ ክህሉ ኣለዎ እንበር፣ ኣልዕል ኣቢልካ ጠቀነ እዉን ጽቡቕ ኣይኮነን። ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣራጋጊጹ ዝፈልጦ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ብትካላዊ ኣስራርሓ ከምዘይሰርሕ እዩ። ስለዚ ዝኾነ ይኹን ምጣኔ-ሃብታዊ ካልእ ስዉር ወፍሪታት ከካይድ እንኮሉ፣ ብስም ዉልቀ ሰባት ዘዋፍር እዩ። ነቶም ዉልቀሰባት ኣካላት-ብርኪ ናይቲ ምጣኔ-ሃብታዊን ካልእ ስዉር  ወፍሪ ጌይሩ፣ ዝነበሮምን ዘለዎምን ገንዘብ ኣራማሚሱ ወይ ይኣስሮም፣ የጸልሞም፣ ካብኡ ሓልፉ እዉን ይቀትሎም።

ኣብዚ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ድማ ብልክዕ ከምቲ ኣቀዲምና ዝጣሕመስናዮ ብደረጃ ዉልቀ-ሰባት፣ ወትሃደራዉያን ሞኮንናትን ናይ ስለያ መኮንናት ምትእትታዉ ኣለዎ።

 

ቀዳማይ መርትዖ፣ ዜጋታት ብናይ መንግስት ኤርትራ መካይን ካብ ዉሽጥ ሃገር ንጎራባብቲ ሃገራት ብዘይ ገለ ጸገም ይኣትዉ ኣሎዉ። ብዘይ ኣፍልጦ ሴኪዔት መንግስት ኤርትራ ንሲናይ ዝተጨዉዩ ዜጋታት፣ ስድራቤታቶም ናይ ቅርቢ ምትእስሳር ምስ መንግስት ኤርትራ ዘለዎም፣ ካብ ሲናይ ብዘይ ገለ ጸገም ንተሰነይ ብፍልይቲ ቶዮታ ላንዲ-ክሩዘር ዝተመልሱ እዉን ኣለዉ (ንኣብነት ጓሉ ንወዲለገሰ)

 

ካልኣይ መርትዖ፣ ዜጋታት ካብቲ መንግስታዊ መጻወድያ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ወጻኢ ዜጋታት ብዉልቂ ወይ ብዕስለ ክወጹ እንተተረኺቦም ድማ ብጥይት ይሳሃሎም፣ ከም ዉጽኢት እዚ ስጉምቲ መንግስት ኤርትራ ሓያሎ ዜጋታት ኣብ ዶባት ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተቀቲሎም እዮም። ርጉጽ እዩ፣ ኣለዉ ብዉልቂ ኤርትራዉያን ዜጋታት ኣብ ገበናዊ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት፣ ገንዘብ ከካዕቡቱ ዝተዋፈሩ፣ መንግስት ኤርትራ ኣብ ክዑቡት ምንጭ  እቶቱ ስለዝተጫረትዎ ኩሉ ጊዝየ እዩ ዝሃድኖም። ገሊኦም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተረሺኖም እዮም፣ ገሊኦም ተሰዊሮም እዮም፣ ገሊኦም ካብ ሱዳን ተጨዉዮም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስት ኤርትራ ኣትዮም እዮም።

እዚ ስጉምትታት እዚ ንመንግስት ኤርትራ ካብ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ስርሓት ናጻ ምኻኑ ንምርኣይ ዝጥቀመሉ ሜላ እኳ እንተኾነ፣ ምስሉይ ስጉምትታት እዩ። ኣብ መጨረስታ ካይጠቀስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ፣ብስም ድነ ተቃዉሞ መንግስት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሱዳን ዝነጥፉ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ዝነጥፉ ከምዘለዉ እዩ።

ንኣብነት ሓንቲ ብዉልቀ ዜጋታት እትነጥፍ ሰኪዔት ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ካብ ኣስመራ (ሰንበል ነቂላ ንዓዲ-ተከለዛን ድንበዛን- ቀጺላ ንዓዲ-ንኣምን ዓንሰባ- ቀጺላ ብመንሱራ ባርካ ኣቢላ ንከሰላ ተእቱ ቀሌቤት ነይራ። ኣብ ሓጺር ጊዝያት ቡዙሓት ሰባት ስለዘሳጋገሩ ዘይተደነ ካሻታት ዝመልኤ ገንዘብ እዮም ወኒኖም። መንግስት ኤርትራ ንዕዳጋ ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ሰኪዔት ዝዋዳደሮ ስለዝረኸበ፣ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ገንዘባዊ እቶት ምስተሸምረረ፣ ነዛ ተዋዳዳሪት ብዉልቀ ዜጋታት ትነጥፍ ሰኪዔት ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ክረኽብዋ ጊዝየ ኣይወዳኣሎምን፣ ኣብ ሓጺር መዓልታት ረኺቦም ኣብ ኣስመራ ሰንበልን ኣብ ዓዲተከለዛን ኣብ ክሻታት ተዓሺጉ ዝነበረ ገንዝብ ብመንግስት ኤርትራ ተሃጊሩን ገለ ኣባላት እታ ቀሌቤት ድማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ወዲቆም።

 

ሳልሳይ መርትዖ፣ መንግስት ኤርትራ ንኤርትራዉያን ዜጋታት ኣብ ዉሽጥ ሃገር ይኹን ኣብ ደገ ዝነብሩ ብቀጻሊ ይስልል እዩ። ንኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ኮይኖም ዝስልዩ ሃሱሳት፣ ሓደ ሃሱስ ንኣብ ከባቢኡ ዝነብሩ ወይ ምስኡ ዝሰርሑ ን25 ዜጋታት ይጻናጸን ንወርሒ ድማ 500 ናቕፋ ይኸፍሎም፣ ንኣብ ኤዉሮጳ ኮይኖም ንዜጋታቶም ዝስልዩ ብመሰረት ዘምጽዎ ሓቤሬታታት ካብ 300 ክሳብ 500 ኤሮ ፣ ንኣብ ካናዳን ሴሜን ኣሜሪካን ኮይኖም ንዜጋታቶም ዝስልዩ ብመሰረት ዘምጽዎ ሓቤሬታታት ካብ 400 ክሳብ 700 ዶላር ይኸፍሎም። እቶም ሃሱሳት ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዘካይድዎ ንጥፈታት ንዜጋታት ምጽንጻን ጥራይ ዘይኮነ፣ ገሊኦም ኣብ ሓዋላ ገንዘብ፣ ገሊኦም ኣብ ምሳዳድ ጽዕነት ኣቕሑ ዜጋታት ንኤርትራ፣ ገሊኦም መራሕቲ ናይቲ ኤርትራዊ ማሕበረሰባት…ወ.ዘ.ተ ኮይኖም እዉን ይነጥፉ እዮም። ኣብ ዉሽጢ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እዉን እንተኾነ፣ ነቶም ብጊዝየ-ደረት ዘይብሉ ጉዱድ-ዕዮ ዝስልከዩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ፍሉይ-ሓለፋታትን መብጻዓታትን እንዳገበረ፣ ከም ንገሊኦም ንዉሕ-ዝበለ ጊዝያት ዕርፍቲ ንገዝኦም ከምዝፍቀደሎም ብምግባር፣ ንገሊኦም  ዉልቃዊ ስራሓቶም ከካይዱ ብምፍቃድ፣ ንገሊኦም ተወሳኺ 500 ናቕፋ ብምሃብ…ወ.ዘ.ተ ንሰራዊት ከምዝስልዩ ዝገብር ፖሎቲካዎ ስርዓት እዩ። ርክብ ቴለፎናት ዜጋታት ካብ ናብን እዉን ይጻናጸ እዩ። ካብዚ ኣቀዲምና ዝጣሕመስናዮ መርትዖታት ብምንቃል፣ መንግስት ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ኣዝዩ ሱጡምን ንጡፉን ናይ ጸጥትኡ ናይ ምሕላዉ ዓቕምታት ዝወነነ ጭፍራ እዩ። ከምዚ ዓይነት ስለያዊ ዉዳቤን ንጥፈታትን ዘሳላስል ስርዓት፣ ኣንካይዶ ንኣብ ሲናይ ዝተጨዉየ ዜጋ ንምድሓን ስድራቤቱ፣ ካብ ደገ ብመገዲ ዌስትሬን ዩኔን ንባንክ ኤርትራ ብምልኣኽ ኣብ ኣስመራ፣ ደቀምሓሬ፣ ከረን፣ መንደፈራ እንዳተኸፍለ ገንዘብ ንወኪላት ናይ ዘይሕጋዊ ሰብኣዊ ምስግጋር ስግረ-ዶብ ስለዘይፈልጦ ዘይኮነስ፣ ናቱ ሰኪዔት ስለዝኾነ ጥራይ እዩ፣ እንዳራኣየ ከምዘይራኣየ ዕሽሽ ኢሉ ዝሓልፎ። ንታሪኽ ተባሂሉ እንበር፣ እዚ ክንዝርዝሮ ዝጸናሕና መርትዖታት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፣ ማሕበረሰብ ዓለምና ካይተረፈ እዉን ዝፈልጦ ሓቂታት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኢሰብኣዊ ተግባራት ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ብትሪ ክኹኑኖ ንጽዉዕ ኣሎና።

ገባቲ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሕጂ እዉን ነቲ ሓሊቡ ዘይጸንቀቆ ህዝብና ፋይናንሳዊ ዓቕምታቱ ንምሕላብ ናጻ ወፍሪ ብምባል 2 ዋዕላታት ኣካይዱ ኣሎ። እዚ ዝተካየደ ዋዕላታት ብተሳተፍቱ በዳህቲ ሕቶታት እኳ እንተቀረበ ጭቡጥ መልስታት ኣይረኸበን፣ ኣብ ቀጺሉ ዝተገብረ ቃለምልልስ ግን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ መሰረታዊ ናይ ፖሊሲታት ምቅይያር ክገብር ከምዘይኮነ ኣነጺሩ እዩ። ሓራ ዝኾነ ምጣኔ-ሃብታዊ ወፍሪታት ክካየድ ክራጋገጻ ዝግብኤን መሰረታዉያን ሮቛሒታት ኣለዋ፣ ንሳተን ድማ፣-

1.ግዝኣተ-ሕጊ ክራጋገጽ ኣለዎ። 2.ዉሕስነት ጸጥታ ዜጋታትን ብሕታዊ ክፋል ምጣኔ-ሃብቲ ክህሉ ኣለዎ። 3. ሰላምን ምርግጋእን ክራጋገጽ ኣለዎ። 4.ቅርዕዉ መንግስታዊ ትካላዊ ምሕደራ ክህሉ ኣለዎ። 5.ተዛማዲ ናይ ዜጋታት ዉልቃዊ ሓርነት ክራጋገጽ ኣለዎ። 5.መንግስቲ ብዝኣወጆ ሕግታትን ፖሊሲታትን ዝቅየድን ዘተግብርን ክኸዉን ኣለዎ…ወ.ዘ.ተ.። እዚ ብተዛማዲ ካይተራጋገጸ ዝካየድ ምጣኔ-ሃብታዊ ወፍሪታት ብፍጹም ንሓደጋ ዝተቃልዔ ምኻኑ፣ ተሞክሮና ሚሂሪና እዩ።

ብዝኣወጆ ሕጊታት ዘይቕየድ ስርዓትን ንዜጋታቱ ከም ጨዉ-በርበረ ዝሸይጥ-ዝልዉጥ ስርዓት፣ ብዝኾነ ትኣምር ወይ ምኽንያታት ክነብር ዘይኮነ፣ ህዝቢ ፎኦ ኢሉ ፍጹም ዘይምእዙዙነት ከጋጥም ዝግባእ እዩ።

ጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ፖሎቲካዊ ስርርዕ ፍጹም ወዲቁ ኣብ ግብኣት ሕሉም-ሕሉም ንክድበን ተዋዲዱ ኣብ ዝሃለወሉ ጊዝያት፣ ኣብ ሓመድ-ድቤኡ ኩሉ ኤርትራዊ ንፋይ ሓመድ ክዘርዉ ንጽዉዕ። እዚ ጭፍራ’ዚ ካብ ኩቱር ሽዉሃት ቂም ምስ ህዝቢ ኤርትራ “ኣነ ዘይመርሓ ኤርትራ ኣብ ማዓሙቅ ቀይሕ ባሕሪ ትስጠም” ዝብል ናይ ህልኽን ቂምን መንፍስ ኣሕዲሩ፣ ምስ ምጥፍኡ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራ ምስኡ ክጠፍእ እኹል ምቅርራባትን፣ ነቲ ክዉንነት ጋህዲ ንክኸዉን ዘጣዓዕም ኩነታት ኣብ ምፍጣር ብዝላዓለ ዓቅሙ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝነብር፣ ንሃገራዊ መንነቱ፣ ንማሕበራዊ ክብርታቱ፣ ንመሬትን ክብሪን ዓዲ-ኣብኡ፣ ንምዕዋት ሰብኣዊ መሰሉ፣ ንምርግጋጽ ጊዝኣተ-ሕጊ ብሓደ-ድምጺ ኣብ ዝኣምነሉ ዉደባ ትሰሊፉ ክልዓል ኩዉንነት ሃገርና ይጽዉዖ ኣሎ።

ህዝቢ ንምንታይ ክዉደብ ኣለዎ? በብመገዱ በብዉልቁ ዘይቃለሶ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ክልዓል ይኽእል እዩ። ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ብጾትኡ፣ ብርኪ-ዕድሚኡ፣ ሞዩኡ፣…ወ.ዘ.ተ እንተዘይተወዲቡ፣ እቲ በብጉጅልኡ ዝተወደበ ብደረጃ ሓደ ሃገራዊ መንነትን ሃገርን እንተዘይተላፊኑ፣ ኣንካይዶ ንጥቅሙ ሃገሩ፣ ንጥቅሚ ዉልቁ እዉን ክኻላኸልን ከራጋግጽ ኣይክእልን እዩ። ብኣንጻሩ ዘይተወደበ ህዝቢ ንክጭቆን፣ ንክግዛእ፣ መሳሪሒ ናይ ፖሎቲካ ጨለታት፣ መሳርሒ ናይ መለኽቲ፣ መሳሪሒ ናይ ኣርካናት-ኪናት(Lords of war)፣ ቡቱን ህዝቢ…ወ.ዘ.ተ ክኸዉን ዝተዋደደ ወይ ዝተቀረበ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ሎሚ እዉን ከምትማሊ ህዝቢ ክነቕሕን ክዉደብ ከምዘለዎ እጽዉዕ ኣሎኹ።

እዚ ናይ ሕጂ ብኢሰያስ ተጻሒፉ ዘሎ ደብዳቤ ንባንክ ሙን ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ዝተዋደደ ሑሱር ሜላ እዩ።

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

5/2/2013

 

ተራ መንእሰይ ኣብ ህልዊ ማሕበራዊ ሰዉራ ኤርትራ ብዝምልከት

መፍለጢ መንእሰይነት ብቁጽሪ-ዕድመ ጥራይ ምስ ዝውሰድ ካብ ዓቕመ ኣዳም/ሄዋን ክሳብ ምፍጣር ስድራቤትነት ዘሎ ግዜ ይዉሰን። እዚ ድሩት-ጊዜ መንእሰይነት ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይኹን ዓለም ካብ 18 ክሳብ 30 ዘሎ ዕድመ  ምኻኑ ዓለምለኻዊ መዕቐኒ እዩ። ብቁጽሪ ዕድሜ ኣየናይ ዕድሜ መንእሰይ ምኻኑ ካብ ተራዳዳእና፣-

 

ቀዳማይ፣ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ኤርትራ ማሕበራዊ ክብርታቱ፣ ባህልታቱ፣ ሃገርነታዊ መንነቱ ገብረ-ገብነቱን ስነምግባሩ፣ ብፍላይ ድማ መንእሰይ በቲ “ፈንጢሕካ ሓድሽ ስራሕ ዝብል ማሕበራዊ ህንደሳ (social engineering) ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተፈግረን ዝተበከለን እዩ። እዚ ኣዕናዊ ማሕበራዊ ህንደሳ ዝሓድጎ ሓድግታት ኣሎ፣ ንሱ ድማ ጽልዉኡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ኣስሪጹ ልክዕ ከም ሓደ ሕማቕ ኣብነት (model) ልክዕ ባህርያትን ጠባያትን ናይቲ ማሃንድስ ዝቅለቡ፣ ንኡኡ ክመስሉ ዝወሰኑ ንኡሳን ጋኒናት ተምሳል ናይቲ ዓቢ ጋኒን ዝፍጠሩ ምኻኖም እዩ። መረዳእታ ኣንካይዶ ኣብቲ መንእሰይ ወለዶ፣ ኣብቲ ኣረጊት ወለዶ እዉን ቅዳሕ ናይ ኢሰያስ ክኾኑ ዝህቕኑ ኣብ ኣዛራርብኦም፣ ኣብ ኣታሓሳስብኦም፣ ኣብ ኣካዳድንኦም ኣዝዮም ቡዙሓት እዮም። ስግር እዚ “ንሕና ንሱ፣ ንሱ ንሕና” እንዳበለ ዝጭርሕ ናይዚ ኣዕናዊ ማሕበራዊ ህንደሳ ሙሩኽ-ሓይሊ እዉን ዘሎ እዩ። ስለዚ ግዳይ ናይዚ ሓደገኛ ማሕበራዊ ህንደሳ ከም ዘለዉ ምግንዛብ ከድልየና እዩ። ብሓፈሻ ንመንእሰይ ሞተር ሕብረተስብ፣ ለዉጢ ዝቕበል፣ ኣካላዊ ብቕዓት ዘለዎ…ወ.ዘተ ኢልና እኳ ነለልዮ እንተኾና፣ ብፍላይ ኣብ ዉሽጥ መንእስያት እዉን በቲ ኣብ ሕብረተሰቦም ዝጋሃድ ኣሉታዊ ዝንባሌታት ዝተለኽፉን ዝልከፉን የለዉን ማለት ኣይኮነን። እዞም ሕጂ ንመንግስት ኤርትራ ይኹን ተቃዉሞ ዝመርሑ ዘለዉ ቅድሚ 40 ዓመታት ነቲ ሰዉራ ክስለፍዎ እንኮሎዉ፣ ካብ ደቂ 19-27 ዓመታት ዝዕድሜኦም እዮም ዝነበሩ። ቀደም ሶጎምቲ፣ ሕጂ ኣድሓርሓርቲ ኮይኖም ማለት ኣይኮነን። ኣብ ባህርያቶም ዘይነበረ ሓድሽ ባህርያት ኣብ እርጋኖም ክጥርዩ ዝክኣል ኣይኮነን።

 

ካልኣይ፣ብሓፈሻ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትር፣ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ፣ብናይ ኪናት-ስንብራት (war trauma) ከም ሳዕቤኑ ኣብ ዝተፈላለየ ስነ-ኣእሙራዊ ጸገማት ዝኣተወ ከምዘሎ ምስትብሃል ከድሊየና እዩ።

 

ሳልሳይ፣ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንመንእሰያት ከምዘይሓልፍ መንፈሳዊን ኣካላዉን ሃስያታት ስለ ዘዉረደሎም ናቱ ኣሉታ ሓድግታት ከምዘለዎ ክንፈልጥ ይግባእ።

 

ራብዓይ፣ ሃገር ሓዲጎም ስግር-ዶብ ክሰግሩ እንኮሎዉ ዘጋጠሞም ኢሰብኣዊ መንፈሳዊን ኣካላዊ ምጉስቓልን ባህደላን (abuse) ኣሎ።

 

ሓሙሻይ፣ ከም ዉጽኢት ናይቲ ኣርባዕተ ኣቀዲሙ ዝተጣሕመሰ ፍጻሜታት ሓያል ስነኣእሙራዊን ብድሆታት እንዳሃለወ ከንሱ፣ ብተወሳኺ ካብ ሃገሮምን ስድራቤቶም ምስተፈልዩ ናፍቆት፣ ተነጽሎ፣ ሻቅሎት፣ ራዕዲ፣ ነብሰ-ምትሓት፣ ሕርቃን፣ ኩቱር ጽልኢ፣ሓዲሽ ሂወት ምጅማርን ብክልተ እግርኻ ደው ክትብል ምቅላስ፣ ስድራኻ ነብስኻን ክትሕግዝ ምህቃን…ወ.ዘ.ተ እዉን ኣሎ።

ኣብዚ ዘለናሉ እዋናት ኩሉ ወሎዶታት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ እኳ እንተሃለወ፣ ብፍላይ ኤርትራዊ መንእሰይ ቀንዲ ብቀሊሉ-ተጠቓዒ ዕላማ (soft target) ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኮይኑ ከምዘሎ ቡዙሕ ዘታሓታትን ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ካብ ወዱ/ጓሉ ካብ 1 ዓመት ክሳብ 42 ዓመት ዝዕድሚኡ 73% ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዝግምገም ብተዛማዲ መንእሰይ ኮይኑ፣ ብዉሽጢ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብደገ ድማ ዝተፈላለዩ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ክሃድንዎን ንማዓልኦም ከዉዕልዎ ዘይፈንቀልዎ ጎቦ ዘይፋሓርዎ ጉዳጉድ የሎን።

ኣብ-ኮንቱ መዓላታት መታን ከዉዕልዎ ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ቡዙሓን ተጠቂሞም፣ ኣብ ክንዲ ቁኑዑን ሃናጽን ፍልጠትን ተሞክሮ ዘቕስምዎ፣ ብዘንባዕ ዝኾነ ጎስጋሳት ብምልካፍ፣ ልዕሊ ህሉዉ ዓቕሙን ልዕሊ ትጽቢቱን ስለዘንበድበድዎ፣ ዋላካ ክልዓል እንተጀመረ፣ ኣንፈቱ ግን ኣብ ነዉጺ እዩ ዝርከብ ዘሎ።

  • ንሓንሳብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ናይ መንእሰያት ማሕበር ክምስርት እየ ይብል፣ ብዝተፋላለየን ተመስሳሊ ኣስማት የቕዉምን ይእዉጅ።
  • ንሓንሳብ ኤርትራዊ ጉዳይ ብኣና ጥራይ ብኤርትራዉያን ክፍታሕ ስለዘለዎ፣ብዉሽጣዊ ዓቕምታትና ክብገስን ክቅጽል ኣለዎ ይብል። ንመረዳእታ ኣብ ኮንፈረንስ  መንእሰያት ዋሽንግተን ዲሲ ካብ ዝነበር ንዕላማታቶምን ድርኺታቶምን ዘናጻጸረ-መደረ ክጥቀስ እንተ ኮይነ፣-

ሀ/ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ፡

ለ/ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ደው ክብል፡

ሓ/ ህግደፍ ምእላይን ፡

መ/ ብሰላማዊ መንገዲ ህዝብዊ መንግስቲ ምቛም።

ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ነጥብታት ንምትግባር ከኣ ፡-

ሀ/ ብምጣኔ-ሃብታዊ መዳይ ነቲ ስርዓት ካብ ዓለም-ለካውያን ማሕበራት ዝልገሰሉ ሓገዛትን እቲ 2% ካብ ኤርትራውያን ዝምንጥሎ ንምንቓጽ ምቅላስ ።

ለ/ ብፖለቲካዊ መዳይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ህዝብና ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ዓርቢ ሓርነት ርክብን ካልእ መደባት ምውጻእ/ ምስራዕ።

ሓ/ ብተሃደራዊ መዳይ ነቲ ስርዓት ንምእላይ ግብራውንት ከምዘይብሉ ተጠቂሱ ብተወሳኪ ፡ ኣብ ናይ ክትዕ መድርኽ (Debate) እውን ፡ ወኪል (EYSC) ጉዳይና ክንመርሖ ዘሎና ባዕልና ክንከውን ኣሎና ኣብ ዝብል ፍልስፍና  ዘትኮረ መደረ እዩ ዝገበረ። ቀጺሉ ፣ ወኪል EYSC ከምዝበሎ ሃገራዊ ነጻነትና ጉሁድ ክንገብር ዝበቅዓና ሕጂ እውን ከም ትማሊ ብጽፍሪና ክንዕወት ኢና ኢሉ ።

  • ንሓንሳብ ኣብተን ዘለዋ ምንቅስቓሳት ኣቲና ክንቃለስ ኣሎና ይብል።
  • ንሓንሳብ ምስቲ ዉጽኢት ጉባኤ ኣዋሳ ዝኾነ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡  ክሰርሕ ዝወሰነ፣ ድርብ ኣባልናት ማለት ኣባል ባይቶን ኣባል መሪሒነቱ ንክኸዉን ዘፍቀደ፣ ንመረዳእታ ዋዕላ መንእሰያት ደብረ-ዘይቲ፣-ካብ7-17ሓምለ2012 ተኣኻኺቡ፡ ዘተን ልዝብን ዘካየድና፡ ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ዝወሰንዎ ዉሳኔ ኣሎ።
  • ንሓንሳብ ኔዉ በሉወን እዘን ኣቀዲመን ዝጸንሓ ዉድባት ይብል።
  • ንሓንሳብ ኔዉ በሉዎም እዞም ገዳይምን ኣሮጉቶት ተጋደልቲ ዝነበሩ ይብል።
  • ብመንጸር እዚ ኣብ ደገ ተወዲቡ ምስ ዉሽጥ ኤርትራዉያን መንእሰያት ዝትኣሳሰር፣ ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝድግፍ ብስም YPFDJ ዝፍለጥ እዉን ኣሎ;  ስግር እዞም ክልተ ተጻረርት ሓይልታት ማለት ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ን ተጻያቱን ኣጽቂጡ ዝዕዘብ (silent majority) እዉን ኣሎ።
  • ንሓንሳብ ናይ ገዛእ ርእስና ግንባር ፈጢርና ብጎነጻዊ መልክዕ ነዚ ግርጭት ክንፈትሖ ኣለና ይብል…ወ.ዘ.ተ ልዕሊኡ እዉን ዝተፈላለየ ዋዕላታት ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ሽወደን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣክሱም፣ መቀለን ደብረዘይቲ ኣካይዱ እዩ። ናይ ብሓቂ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ ምርጫታትን ስጉምታትን ወኒኑ ዘንሂን ዝነጥፍን ዘሎ እዩ።

ስለዚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ብድሆ ይርከብ ኣሎ። ዋላ እኳ ዝተደርደረ ጸገማት እንተሃለዎ፣ ኣብ መጨረሽታ ናይቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ዝኾዶ ዘሎ ጉዕዞ ብርሃን ከምዘሎ (there will be light at the end of the tunnel) ወይ ድማ ናይ ቀረባ ደረት ትርኢት ናይ ጮራ ለዉጢ ከምዘሎ ክፈልጥ ኣለዎ። ነዚ ብርሃን’ዚ ንምርካብ ድማ እቲ ቀንድ መዕቀኒ ከርሰ-ጉዳይ (parameter) ሎሚ ጽባሕ ዘይብሃሎ ብቀዳምነት ዉልቓዊ ሓርነቱ፣ ቀጺሉ ናጻን ሓራን ናይ መንእሰያት ማሕበራት ብደረጃ ዝነብረሉ ዘሎ ከባቢ (Local) ፈጢሩ ክእዉጅ ኣለዎ። እዘን ብደረጃ ከባቢኡ ዝተፈጥራ ናጻን ሓራን ናይ መንእሰያ ማሕበራት፣ ቀጺሉ ብደረጃ ሃገርን ክፍለዓለምን መጋባእያታት ብምፍጣር፣ መጀመርታ ነቲ ገጢምዎ ዘሎ ብድሆ ከፋኽስ የኽእሎ፣ ቀጺሉ ሃናጺ ጊደ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ማሕበራዊ ሰዉራ ከበርክቱ ይክኣል እዩ።

ብተወሳኺ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኣገዳሲ ቀንዲ ቀላሲ ማእከል (nucleus) ዝኾነ ኣካል ፍንጫሕ-መሰንገለ ሕብረተሰብና ሓደ ፈጺሙ ዘይንዓቕ ኣሎ። ንሱ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ሕብረተስብ ኤርትራ እየን። ደቂ ኣንስትዮ 54%ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዝግምገማ እዉን ከምኡ ክገብራ ግድነታዊን ቀንዲ ወሳኒ እዩ። ብዘይ ናጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን፣ ብዘይ ሙዕሩይን ርትዓዉን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትያ ዝዕወት ማሕበራዊ ሰዉራ ድማ ፈጺሙ የሎን።

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣብ ማንፌስቶ ፖሎቲካዊ ራእይናን ዕላማና ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጣሕሚሱ ዘሎ እምነትናን መርገጺ’ዚ ብንጹር ኣብ ዓንቀጽ.4. መሰረታዊ መትከላት ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ፖለቲካዊ ናጽነትን ደሞክራስያዊ መሰላት ዜጋታትን ፣- ኣብ ዝብል ዓንቀጽ ብኸምዚ ዝስዕብ ንኡስ ዓንቀጻት ብንጹር ኣቀሚጥዎ ኣሎ።

4.10. ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ግብራውነቱ ንምርግጋጽ፣ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውዳቤ ክህልዎ ይግባእ። ህዝቢ በብሞይኡ፣ በብማሕበራዊ ጉጅልኡ፣ ናጻ ህዝባዊ ትካላት ብደሞክራስያዊ ኣትሓሳስባ ዓምቢቡ፣ ናብ ደሞክራስያዊ ትካላት ምህናጽ እንተተሰጋጊሩ፣ ልዕልና ሕጊ ይነግስ፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ይኸብር፣ ይውሓስ ዝብል መትከል ንኣምን።

4.11. ናጻ ደሞክራስያውያን ማሕበራት፣ ወይ ህዝባዊ ትካላት ማለት ድማ፣ ከም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማሕበር ሰራሕተኛታት፣ ማሕበር መንእሰያት፣ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ማሕበር ስንኩላን፣ ማሕበር ሓርበኛታት፣ ማሕበር ኩሉ ዓይነት ሞያ፣ ከም ኣብነት፣ ማሕበር ጋዜጠኛታት፣ ማሕበር ሓካይም፣ ማሕበር ናይ ሕጊ ኪኢላታት/ ጠበቓታት/ ማሕበር መማህራን፣ ማሕበር ነጋዶ፣ ማሕበር መጓዓዝያ፣ ማሕበር ስነ-ቑጠባ፣ ማሕበር ስነ-ጥበባውያን፣ ማሕበር ድሕነት/ኣንጻር/ ብከላን ልምዓትን፣ ማሕበር ተጣበቕቲ ህጻናት፣ ማሕበር ረድኤትን ምትሕግጋዝን፣ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካልትን፣….ወዘተ ከም ናጻ ማሕበራት ምስዝቖማ፣ ደሞክራስያዊ መሰረትን በርጌሳዊ ፈልስታት የንጽፋ፣ ልዕልና ሕጊ የንግሳ የውሕሳ፣ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ኣብ ምኽባር ምውሓስ ንጡፍ ተራ ይጻወታ ዝብል መትከል ንኣምን።

መንእሰይ ኤርትራ ብሓፍሻ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ደገ ዝነብር ዘሎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዘርእዮ ዘሎ ብድሆታትትን  ቃልስታትን  ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝንኣድን ክታባባዕ ዝግብኦ ኮይኑ፣ ጻዕርታቱን ቃልሱታቱ መታን ኣድማዒ ንረብሓ ሃገሩን ህዝቡ ክዉዕል፣ ንጹር ዉዳቤ፣ ንጹር ዕላማ፣ ንጹር ራእይ ክህልዎ ስለዝግባእ ኣብኡ ብሙሉእ ኣቃልቦ ክስርሓሉ ይሕተት።  እቶም ማእኮሎትን ዓበይቲ ሰብ ዕድሜ-ጸጋ ድማ ብዘይ ገለ ተግላባነት ኣዉንታ ተሞክሮታትና ክንምህሮምን፣ ጉጉይ መገዲ ኣብ ዝሕዙሉ ድማ ዓገብ ክንብል ይግባእ። ንዉልቃዊ ሽዉሃታትና ንምዕጋብ ሸንኮለል ነብሎም እንተኼና ታሪኽ ክሓትና እዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ኣብ ሓደገኛ ቃራና-መገዲ ተሳጢሓ ዘላ ሃገርናን ህዝብና ሓንሳብ ንሓዋሩ ንጥፍኣት ንፈርዶ ስለዘሎና ፣ ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰባት፣ ከም ናይ 21 ክፍለዘመን ናይ ዓለምና ገበን ክቑጸር እዩ።

ወድሓንኩም!!!

መርእድ ዘርኡ

5/2/2013