Author Archive: ERITREANCDM

Problemen van Eritrese vluchtelingen: angst, alcohol, frustratie, geweld

ሽግርና ንምፍታሕ ህዝባዊ ቆጸራ ንግበር!

ህዝባዊ መጽዋዕታ ንኤርትራውያን አብ ሆላንድ።

ሰላም ንኹላትኩም ኤርትራዉያን ነበርቲ ሆላንድ፡ ሕጂ ንመበል 5 ጊዜኡ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ዑቕባ ሓቲቶም፡ሕትኦም ቁቡል ኮይኑ ንክነብሩ ዝተፈቕደሎም ኣመልኪቱ ዝተኻየደ መጽናዕታት ኣሎ። እዚ መጽናዕትታት’ዚ ጸገማት ከምዘሎ ስለዘመልክት፡ ንጸገማትና ንምፍታሕን ነዛ ናይ መጨረስታ መጽናዕቲ ፖሎቲካዊ ጸግዕታትናን እምነታትናን ብዘየገድስ ብሓባር ኮፍ ብምባልን ከም መወከሲ ብምዉሳድ እንተንዛተየላ ከመይ ይመስለኩም? እቲ ዝሕልኖ ዘለኹ ዘተ ኣብ ፈይስቡክ ዘይኮነ ኣብ ማእከላይ ቦታ ናይ ሃገር ሆላንድ ዕለት ጊዚየ ኣዳራሽ ወሲና ክንራኸብ እሞ ፡ ድሕሪኡ እቲ ኣኼባ ብዝወሶና ዉሳኔ መሰረት ዘሎ ጸገማትና እነወግደሉ ክዉንነት ንምድህሳስን ንምፍጣርን ጥራይ ዝዓለመ’ዩ።

https://www.nrc.nl/nieuws/2018/11/15/eritrese-problemen-angst-alcohol-frustratie-geweld-a2755414

Advertisements

ዑደት ጋዜጠኛ ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ:ባጽዕ: ዓሰብ: ቡሬ:መቐለን ዓዲ ግራትን

Press Statement/Sanctions on Eritrea Lifted

The Security Council today (14 Nov) unanimously adopted a resolution lifting the arms embargoes, travel bans, asset freezes and targeted sanctions on Eritrea, while reaffirming the arms embargo on Somalia.

https://www.un.org/press/en/2009/sc9833.doc.htm?fbclid=IwAR0tFEKafIpnHjHr2epXbb4nBQDRn3WVDeoNks0uV_oScHKg_61Mk6-6MqQ

http://www.shabait.com/news/local-news/27415-press-statement?fbclid=IwAR23fjw2m7jtdwNi-zad3w48CvdfLMkMf-zCAatxBEzqUCo4Wdo3baNK5eg

 

ጻውዒት ንኹሉ ኤሪትራዊ ዜጋ: ኣብ ኩሉ ክርንዓት ዓለም ዘሎኻ!

ኣብ’ዛ ዘመናዊት ዓለምና፡ ብቕጽበት ንመሰል ወዲ ሰብ ከም ሕመረት ናይ ኩሉ ዝግበር ለውጢ ሰሪዓ ኣብ እንዳተቀየረት ትሕንበበሉ ዘላ እዋን፡ ከምዝምሰል  ዘመነ’ያ ግርምቢጥ ማይ ንዓቀብ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ንመዋእል  ንህላውነት ንምርግጋጽ፡ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ከም ዘይኸፈልናን እኹል ተሞክሮ ከምዘይብልናን። ብስንኪ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓትን ሓደገኛ ሜላታቱ፡ ሎሚ ኣብቲ ምብልጻጋ ምህናጽ ሃገርን ሃገራዉነት፡ ምርግጋጽ ሰብኣዊ ሓርነት፡ ምዱካን ቁዋምን ቅዋምነት…ወ.ዘ.ተ  ዓቢ ተራ ከነበርክተሉ ዝግበኣና ወቕቲ፡ ኣብ ቀጻሊ ስደትን ምብትታንን፡ ኣብ ነንሓድሕድና ንቱኹል ብምትፍናን ፡ ኣብ ቃ`ራና-መገዲ ተሳጢሕና ኣንፈትና ኣብ ዘጥፍእናሉ እዋናት። ኣብ ክንዲ ኣብ ሃናጺ ጽምዶታት ንገዛእ-ርእስና ንጸምዳ፡ ኣብ ኣሽካዕላል፡ ኣላጋጭ፡ ኣብ ስሓቦ-ጋቱቶ፡…ወ.ዘ.ተ ተጸሚድና ከምዞሎና ዘይንዝንግዖ ሓቂ’ዩ። ውጽኢት ናይዚ ድማ ዘቤታዊ ዕዮናን ግርጭታትናን ቡጉቡእን ዉርጹጹን ኣጋባብ ስለ ዘየመሓደርናዮ፡ ብቑጽሪ’ን ዝተጋነንና እኳ እንተዘይኮና፡  ኣብ ፈቀዶ ኩርናዕ እዛ ዓለምና ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ፋሕ ብምባል ልብና ብሑዙኑ ንነብር ኣሎና።

ሕጂ ንምጽብጻብ መን ኣብ ቁኑዕ ጎደና ጸኒሑ፡ መን እዩ’ኸ ኣብ መገዲ ጥፍኣት እዛ ሃገር ክሰርሕ ጸነሑ ዘይኮነስ፡ ሎሚ ኩሉ ጸበብቲ-ዛዕባታት ተስንድዩ ወይ ተወጊኑ፡ ንማሕበራዊ  ጸጋታት ሕብረተሰብና ከም ቀንዲ-ቀላሲ ነጥቢ ብምዉሳድ፡ ንኹሉ ፈላላዪ፡ ነፋግ፡ ዓማጺ፡ ጸቢብ ….ወ.ዘ.ተ ዛዕባታት ይኣክል ብምባል፡ ናብ ጎደና ፍትሒ ከነማእዝን ሃገርን ህዝቢን ትጽውዓና ኣላ። ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን፡ ካብ ዝኸፍአ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍኤ ኩናታት፡ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ሃገራዊን ህዝባዊን ጉቡእና (ሓላፍነትና) ከነበርክት ግድነታዊ’ዩ። ሓደ ሕብረተ-ሰብ ንኸዕወትን ከም ሃገርን ሕብረተሰብን ክሰርር ዝድለ እንተኾይኑ፡ ተጠርኒፉ ክውደብ ናይ ግድን እዩ። ናይ ቕድሚ ሕጂ ዝተገብረ ቃልስታትና ምስ ኣዝዩ ገዚፍ ጉድለታቱን ሕጽረታቱን፡ መሬታዊ ናጽነትን ንሉኡላውነት ሃገር ህያው መርኣያ ናይ ዑዉት ናይ ህዝባዊ ውደባና እዩ። ስለዚ ሎሚ ግዚኡ ኣኺሉ፡ ከም ሓደ ነጥቦ መቀይሮ ኣብዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ብሙሙርኳስ ከም ዜጋታት ብዘየገድስ ናይ ዝሓለፈ ዝተኸተልናዮም መገድታት፥ ተሪፉ ዘሎ ግዜና ቡጉቡእ ብምጥቃም ካብ ዝጸናሕናዮ ቀራና መገዲ ናብ ቁኑዕ መስመር ብምሓዝ ሃገራዊ ን ህዝባዊ  ልኡላዉነትን ሓርነትን ንምዕዋት ሓበርና ክንሰርሕ ንኹሉ ዜጋ ንጽዋዕ ኣሎና።

ስለዚ እምበኣር ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤሪትራ (E.C.D.M)  ነዚ ኣብ ዞናና ዝንዓዓብ ዘሎ ኣዝዩ ቁልጡፍ ዝመስል የግዳስ ዘገምታዊ ለዉጢ ከም ሓደ  ዳይነሚክስ ወሲድና ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣኣብ ዝርከቦ ቦታ (local)  በቲ ዝጥዕሞ ኣገባብ ንሃገራዊ ረብሓ ብስኒት ፋቅሪን ምክብባርን ዝመልኦ ኣገባብ ንፍልልያትቱ ከም ጸጋታቱ ብምርዓም ምስ የሕዋቱ ተወዲቡ ክቃለስ ንጽውዕ። ሰቪክ ደሞክራስያዊ ምንቅስቅስ ኤሪትራ ንናይ ህዝቢ ዝግበር ውዳበታት ብምሕያል ኣብ ናይ ዜጋታት ሃገርነት፡ ፖሎቲካዊ ዜግነትን መሰል ዉልቀ ዜጋ ንምሕላው ዝቃለስ ናይ ዜጋታት (civic) ምንቅስቓስ እዩ። ንዝግበሩ ናይ መሰረታት ዉዳበታትን ምንቅስቓሳትን ከኣ እጃሙ ብምብርካት ንምሕያሎም ዝጽዕት እዩ። ስለዚ ኩላትና ኤርትራውያን ዜጋታት ንዝነበሩ ናይ ስሚዐታት ዉዳበታት ኣይፋል ብምባል: ብሱጡም ንሃገራዊ ሉኡላውነት ሰብኣዊ ሓርነትንዳግም ከነውሕስ ፡ ከየባተኸ ንኽሰርሕ ኤርትራና ትጽውዓና ኣላ’ሞ እጃምና ከነበርክት ሎሚ ንበገስ።

https://eritreancdm.wordpress.com/about/

http://snitna.com/ECDM%20Dialogue%20papers%20for%20our%20common%20strategy%20and%20future.pdf

ዓወት ንህዝቢ ኤሪትራ!

ቤትጽሕፈት ዳይሬክተር

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤሪትራ

በርገን(ኖርወይ)

07-10-2018

 

Full text of the Ethio-Eritrea agreement signed in Jeddah

Agreement on Peace, Friendship and Comprehensive Cooperation between the Federal Democratic Republic of Ethiopia and the State of Eritrea

The Federal Democratic Republic of Ethiopia and the State of Eritrea, hereinafter referred to as the Two Parties;

Considering the close bonds of geography, history, culture and religion between the two countries and their peoples;

Respecting each other’s independence, sovereignty and territorial integrity;

Desiring to achieve lasting peace and cement their historical ties to achieve their lofty objectives;

Determined to establish comprehensive cooperation on the basis of complementarity and synergy;

Determined further to contribute actively to regional and global peace and security;

Reaffirming the Joint Declaration on Peace and Friendship that they signed on July 9, 2018 in Asmara;

Reiterating their commitment to the principles and purposes of the Charter of the United Nations;

The Two Parties agree as follows;-

Article One

The state of war between the two countries has ended and a new era of peace, friendship and comprehensive cooperation has started.

Article Two

The two countries will promote comprehensive cooperation in the political, security, defense, economic, trade, investment, cultural and social fields on the basis of complementarity and synergy.

Article Three

The two countries will develop Joint Investment Projects, including the establishment of Joint Special Economic Zones.

Article Four

The two countries will implement the Eritrea-Ethiopia Boundary Commission decision.

Article Five

The two countries will promote regional and global peace, security and cooperation.

Article Six

The two countries will combat terrorism as well as trafficking in people, arms and drugs in accordance with international covenants and conventions.

Article Seven

The two countries will establish a High-Level Joint Committee, as well as Sub-committees as required, to guide and oversee the implementation of this Agreement.
This Agreement is made at Jeddah, Kingdom of Saudi Arabia on this day of September 16, 2018 in two original copies in Amharic, Tigrinya, Arabic and English languages; in case of discrepancy in interpretation, the English version shall prevail.

 

For                                                                                                                     For

The Federal Democratic Republic of Ethiopia                                          The State of Eritrea

Abiy Ahmed Ali                                                                                          Isaias Afwerki
Prime Minister                                                                                                      President

 

ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን  ኵለንትናዊ ምትሕግጋዝን፡ ኣብ  መንጎ ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት  ኢትዮጵያን ሃገረኤርትራን

ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራትን ህዝብታተንን ጥቡቕ ናይ ጂኦግራፍ፡ ታሪኽ፡  ባህልን ሃይማኖትን፡ ምትእስሳር ከምዘሎ መሰረት ብምግባር፣  ናይ ሓድሕዶም ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ብምኽባር፣ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽን ታሪኻዊ ምትእስሳሮም ንምድራዕን ካብ ዘለዎም  ሃረርታ ብምብጋስ፣ ኣብ  ተመላላእነትን  ውህደትን  ዝተመርኰሰ  ኵለንትናዊ  ምትሕብባር  ንምህናጽ ቆሪጾም ብምብጋስ፣ ንዞባዊን ዓለማዊን ሰላምን ጸጥታን ንጡፍ ኣበርክቶ ንምግባር ብምሕላን፣ ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ንዝፈረሙዎ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን  ምሕዝነትን ዳግም ብምርግጋጽ፣ ንመትከላትን ዕላማታትን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም ተኣማንነት  ዳግም ብምርግጋጽ፣  ክልተኦም ወገናት በዚ ዝስዕብ ተሰማሚዖም ኣለዉ:-

ዓንቀጽ ሓደ;-

ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝጸንሐ ኵነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ፡ ሓድሽ  መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ኵለንትናዊ ምትሕብባርን ተራሕዩ ኣሎ።

ዓንቀጽ ክልተ:-

ክልተአን ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ምክልኻላዊ፡ ቍጠባዊ፡ ንግዳዊ፡ ወፍራዊ፡ ባህላዊን ማሕበራዊን ዓውድታት ኣብ ተመላላእነትን ውህደትን  ዝተመርኰሰ ኵለንትናዊ ምትሕብባር ከማዕብላ እየን።

ዓንቀጽ ሰለስተ:-

ክልተአን ሃገራት ሓባራዊ ፕሮጀክትታት ወፍሪ፡ እንተላይ ሓባራዊ ፍሉይ  ቍጠባዊ ዞናታት ከማዕብላ እየን።

ዓንቀጽ ኣርባዕተ:-

ክልተአን ሃገራት ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከተግብራኦ  እየን።

ዓንቀጽ ሓሙሽተ:-

ክልተአን  ሃገራት  ዞባዊን  ኣህጉራዊን  ሰላምን  ጸጥታን  ምትሕብባርን  ንምውሓስ ክጽዕታ እየን።

ዓንቀጽ ሽዱሽተ:-

ክልተአን ሃገራት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ስምምዓትን፣ ግብረ-ሽበራ  ከምኡ’ውን ንግዲ ደቂ-ሰብን ኣጽዋርን ዕጸ-ፋርስን ክምክታ እየን።

ዓንቀጽ ሸውዓተ:-

ክልተአን ሃገራት ንትግባረ እዚ ስምምዕ ዝኣልን ዝከታተልን ላዕለዋይ  ሓባራዊ ኮሚተ፡ ከከም ኣድላዪነቱ ድማ ንኡሳን ኮሚተታት ከቝማ እየን።

እዚ ስምምዕ’ዚ ብ16 መስከረም 2018 ኣብ ጅዳ – ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብኽልተ መበቆላዊ ቅዳሓት፣ ብቛንቋታት ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ፡ ዓረብን  እንግሊዝን ተፈሪሙ። ኣብ ትርጕም ዝኾነ ፍልልይ ምስ ዝህሉ፡ እቲ ናይ  እንግሊዝ ረታዒ ይኸውን።

16 መስከረም 2018 ዓ.ም. ጅዳ – ስዑዲ ዓረ

 

ንፈደራላዊት ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ                  ንሃገረ ኤርትራ

ቀዳማይ ሚኒስተር / ኣቢየ ኣሕመድ ዓሊ                       ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ

 

 

1-https://addisstandard.com/full-text-of-the-ethio-eritrea-agreement-signed-in-jeddah/

2-http://www.shabait.com/news/local-news/27076-agreement-on-peace-friendship-and-comprehensive-cooperation-between-the-federal-democratic-republic-of-ethiopia-and-the-state-of-eritrea-

3-http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_198092018.pdf

 

 

 

 

 

 

 

 

 

“ዶብና ክሕንጸጽ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፖሎቲካዊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ ድዩ?”!

ኣብ መብዛሕትኡ ኣብ ዲያስፖራ ዝነጥፍ ናይ ኤርትራ ተቃዉሞ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሔ ኩነተ-ኲናት፡ ብሰላማዊ ኣጋባብ ንክፍታሕ ምርጫ ዘይብሉ ከም ቀንዲ ፖሎቲካዊ መርገጺና ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ። እዚ መርገጺ’ዚ ገሊኦም ንይምሰል፡ ገሊኦም ድማ ካብ ማሕበራዊ ስነ-ኣእሙራዊ  እምነትናን መትከላትና ዝነቀለ ዝብልዎ ዝነበሩ ስለዝኾነ፡ ሕጂ ነቲ ግርጭት ኩነተ-ኲናት ብሰላማዊ ኣጋባብ ንምፍትሑ መስርሕ- ኣፈፌት ሰላም ኣብ ዝተኸፍተሉ፡ ብፍላይ እቶም ብመትከል ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሔ ኩነተ-ኲናት፡ ብሰላማዊ ኣጋባብ ንክፍታሕ  ዝኣሙኑ ዝነበሩ፡ ዝጸንሖም መትከላዊ እምነት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምፍራኽ ዝቅይረሉ ወይ ዝፋኹሰሉ ምኽንያታት ክህሉ ዶ ምስተገብኤ? እቲ ጉዳይ ግን “ኣነ ዶ ካይሕዛ ነዊት፡ ንስኺ ዶ ካይትበልዒ ሸዊት፡ ሓቢርና መስከረም ንመዉት’ዩ” ዝመስል ዘሎ።

“ዶብና ክሕንጸጽ ወይ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን ዘለዎም ምስሕሓብ ክፍታሕ፡ ከም ቅድመ ኩነት፡ ብህዝቢ ዝተወከለ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ ይብሃል ኣሎ”። ግርም! እዚ ኣባሃህላ’ዚ ንህልኽ ድዩ ወይስ ኣድማሳዊ ሓቕታት ዝሓዘለ’ዩ?

  1. ዶባት ኤርትራ ዶ፡ ንሕና ወይ ብኣና ዝተወከለ ስርዓት ዝተኸለለ ድዩ? ብገዛእቲ ኣብ መንጎ ጥልያን እንግሊዝ ፈረንሳን መነሊክን (ኢትዮጵያ) ብዝተበጽሔ ስምምዓት ዶ ኣይኮነን ተሓንጺጹ? እዞም ሓይልታት እዚኦም ንሕና ዝመረጽናዮም ድዮም ነይሮም?
  2. መላእ ዶባት ሃገራት ዓለም ብህዝቢ ብዝተመርጹን ብዝተወከሉን ስርዓታት ድዩ ተሓንጺጹ?
  3. ብሓፈሻ ዶባት ሃገራት ዓለም ብፍላይ ድማ ዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ኣብ 1960 ብወሳኔ ቁጽሪ 1514 ዝልለ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም/ባይቶ ጸጥታ፡ ጉዙኣት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ገዛእተን ናጻ ክወጻን መግዝእታዊ ዶባት ድማ ከምዝነበሮ ዶባት ሃገራት ንክኸዉን ወሰነ። ብኡ መሰረት ድማ መብዛሕትኣን ሃገራት ኣፍሪቃ ናጽነተንን ልዕላዉነተን (independence and sovereignty) ኣዋጃ። ቀጺሉ ዉድብ ኣፍሪቃዊ ሓድነት (OAU) ድሕሪ ኣብ 25 ግንቦት 1963 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምምስራቱ፡ ኣብ ቀዳማይ ኣኼቡኡ ኣብ ካይሮ ብ 1964 ነቲ ዉሳኔ ባይቶ ጸጥታ ንዶባት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ዝዎሰኖ ዉሳኔ ብምልኣት ኣጽዲቁዎ እዩ። እቲ መግዛእታዊ ዶባት ሃገራት፡ ብዘይ ዝኾነ ለዉጢ፡ ከምዝነበሮ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንከሎ፡ ክቕጽል ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ተኣዊጁ’ዩ። ቡኡ መሰረት ድማ ከም ናጻን ልዕላዉያን ሃገራት ተፈልጣ። እዚ ኣፍልጦ’ዚ ብዓለምለካዊ ሕጊ ኣዛራርባ፡ ኩለን ጉዙኣት ዝነበራ ሃገራት፡ ማዕረ እተን ገዛእተን ብታሪኽ ዝተፈጥራ ሃገራት ሉዑላዉያን ሙኻነን ስለዝተራጋገጸ፡ ምስሕሓብ ዶባት ክህሉ እንኮሎ በዚ መሰረት ጥራይ’ዩ ዝዳኔ።

ሓቂ’ዩ ብህዝቢ ዝተወከለ ስርዓት ድሌታትን ረብሓታትን ህዝቢ ዘቀድምን ነባሪ ሰላም ከራጋግጽ ከምዝኽእል ዘሳሓሕብ ርእይቶ ኣይኮነን። የግዳስ ኤርትራዉያን ባዕልና ነቲ “ብህዝቢ ዘይተመርጸ” ስርዓት ንብሎ ክንቕይሮ ስለዘይክኣልና ግን ህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ናይ ኣይሰላይ ኣይኪናት ክኸዉን ኣለዎ ማለት ድዩ?

ንሕና ክንገብሮ ዝክኣል ጉዳያት ኣሎ። ንሱ ድማ፡-

  1. ዝኾነ ግርጭታት ምስ ጎሮባብትናን ኣብ ዉሽጠናን ዘሎን ዝህሉ ብሰላማዊ ኣጋባብ ንክፍታት ብመትከል ምእማንን፡ ብመትከል ንክትግበር ምቅላስን እዩ።
  2. ብህዝቢ ዘይተመርጸ ስርዓት ንብሎ ሃገራዊን ህዝባዊን ረብሓታትና ንሓደጋ ክየሳጥሕ ምሕላዉን፡ ከምኡ ዓይነት ዝንባሌታት ከም ተርእዮ ኣብ ዝጋሃደሉ ብትሪ ምቕዋም ከዲሊ’ዩ።
  3. ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ኣይዉክለናን ንብሎ ስርዓት ክንቅይር ሓድነት ኣብ ዕላማ ዝተሞርኮሰ ጥምረት ብምፍጣር ነብስናን ህዝብናን ወዲብና ክንቃለስ ኣሎና።

ኣድማሳዊ ፖሎቲካዊ ተቀባልነት ዘይብሉ ማሕበረሰብ ዓለም እዉን ንኽትግበር  ዘፍቕድ ኣይመስለኒን እዩ። ስለዚ ኩቡራት ኤውርትራዉያን ኣሓተይን ኣሕዋተይን፡ እዚ ሕጂ ተጋሂዱ ዘሎ ተርእዮ ክመጽእ ሙኻኑ እኮ፡ ዘይግመት ጉዳይ ኣይነበረን። የግዳስ ቁምነገር ካይንገብር ስለዝሓንገድና ታሪኽ ይድገም ኣሎ። ሕጂ ኸ እንታይ ክንገብር ኢና? ካብዝሓለፈ ተሞክሮና ገምጊምና ንሕጽረታትናን ጉድለታትና ገምጊምና ንቃለስ ዶ ዋላ ንህልኽ ክንቃየቕ ጥራይ ክነብር ኢና? ዳግመ ግምገማ ከድልየና’ዩ።

ስርዓተ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝዘርኦ’ዩ ዝዓጽድ ዘሎ። ዘይዘራእካዮ ምህርቲ ኣይሕፈስን’ዩ።  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብፍላይ ኣንጻር ወያኔ ብሓፈሻ ኣንጻር ኢህወደግ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘይዓጠቕዎ ዕጥቂ ብምዕጣቕ። ዘይተመገብዎ መግቢን መስተን  ብምቕራብን፡ ዘይለበስዎ ልብሲ ብምልባስ፡ ምስ ኩሎም ተቃወምቲ ኢትዮጵያዉያን ክሳብ ናጽነትን ልዕላዉነትን ኤርትራ ዘይኣሙኑ  ሓይልታት እዉን እንተኾነ ምስኣቶም ብምሕባር ክቃለሶም ጸኒሑ’ዩ። ዓስቢ ኣሳላልፍኡን ኣበርክትኡን ድማ ሕጂ ምህርቱ ይሓፍስ ኣሎ።

ኣብ ዉሽጢ እዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ስርዓተ ህ.ግ.ደ.ፍ ብኩቱር ዓለምለኻዊ ተነጽሎ፡ ማዕቀብን ኣግእዞ-ሰብኣዊ መሰላት ጸምሉዩ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ተሰሪሑሉ ዝነበረ ወቕቲ ንሕና ተቃዉሞ ኣብ ዲያስፖራ እንነጥፍ፡ ኣብ ከመይ ናይ ሓሸዉየ ጽምዶታት ከምዝነበርና ረሲዕኩሞ ዲኹም? ስለዚ ዓወታት ክንሓፍስ ይድለ እንተሃልዩ ተኮዲጭካ ብመልሓስካ ሃለዉሎው ክትብል ናይ ዝዉዓልካን ዝሓደርካን ስለዘይኮነ። ብዕትበት ኣብ ዑቱብ ጽምዶታት ክንቃለስ በዚ ኣጋጣሚ ይጽዉዕ ኣለኹ።

ልዕሊ ኩሉ ብሓፈሻ ኣሜሪካ፡ ሱዑድ-ዓረብያን ኢማራት ኣልዓረብ ረብሓታቶም እዮም ዘቀድሙ፡ ከምኡ እዉን  ብፍላይ ድማ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ መራሒ ናይ ሃገር ኢትዮጵያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኮይኑ፡ ረብሓታት ሃገር ኢትዮጵያን ንምርግጋጽ’ዩ ዝጥዓዓሞ ኣብ ኤርትራ እንተሃልዩ፡ ዋላ ምስ ሰይጣን ስምምዕ ክገብር ድሉዉ ክኸዉን ከምዝኽእል ዶ ኣይትግሙቱን ኢኹም? ስለምንታይን እንታይ ስለዘለኩም ንዓኹም ክሰምዓኩም ኣለዎ ኢልኩም ትግምቱ? ንኢልና በልና ላኪን ማኪን እንተኾይኑ ኣምላኽ ይሓግዝ!

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

03/08/2018

  1. http://www.snitna.com/articles/%E1%89%85%E1%88%89%E1%8B%95-%E1%88%98%E1%88%8D%E1%8A%A5%E1%8A%BD%E1%89%B2-%E1%89%80%E1%8B%B3%E1%88%9B%E1%8B%AD-%E1%88%9A%E1%8A%92%E1%88%B5%E1%89%B0%E1%88%AD-%E1%8A%A2%E1%89%B5%E1%8B%AE%E1%8C%B5%E1%8B%AB-25July2018.pdf
  2. http://www.snitna.com/articles/%D8%B1%D8%B3%D8%A7%D9%84%D8%A9%20%D9%85%D9%81%D8%AA%D9%88%D8%AD%D8%A9.pdf
  3. http://www.snitna.com/articles/Open-letter-to-PM-of-Ethiopia-25July2018.pdf

 

ወዲ ድሙ ነይሓድግ ግብረ እሙ!

ኣብ ፖሎቲካ ባህሊ ኤርትራ ጓል-መገዲ እቲ ቀንዲ ፖሎቲካ ስለዝኾነ፡ ኣቀዲመ ነቲ ክምሃዝ ዝክኣል ጓል-መገዲ ክሰብሮ ኣፍቁዱለይ? ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መትከል ካብ ማሕበራዊ ስነ-ኣእሙረይ ዝነቀለ እምነትን መርገጽን’ዩ ጸኒሕኒ። ስለዚ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራ ብሰላማዊ መገዲ ምፍትሑ ኣብኡ ዝኾነ ዋጋ-ዕዳጋ ዘይብለሉ ጉዳይ ሙኻኑ ኣቀዲመ የነጽሮ ኣለኹ።

ኩላህና ክንግምቶ ከም እንኽእል፡ ኣብ ሕምርቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ልዕለይን ልዕሊ ካልኦት ንሕና ኢና “ሃገራዉያን” ዝብሉ ሃገራዉያን ከምዘለዉ ዘካትዕ ኣይኮነን። ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ሃገሮም ኣብ ሓደጋ ካይትወድቆም ካብ ዝብል ጉሩሁን ፍቅሪ-ሃገር ዝደረኾ ሓቦን ንሒን፡ ዉልቃዊ መሰላቶም፡ ሕቶ ጊዝኣተ ሕጊ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ ….ወ.ዘ.ተ ካልኣዊ ብምስራዕ፡ ንዝዓበየ ዕላማ ንምዕዋት፡ ማለት “ናጽነትን ሉዑላዉነትን” ኤርትራ መታን ክዉሓስ ካብ ምባል ዝነቅል ድንግል-ሓልዮት፡ ብሓያል ትዕግስትን ምጽማም መዓንጥኦም ሸጥ ኣቢሎም ክምክቱ ጸኒሖም እዮም፡፡ ኩሉ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብኣቶም ዝጠልቦ ዝነበረ ፋይናንሳዊ ነገራዊን ካብ ኣፎሙን ኣፍ ደቆምን መንጢሎም እንዳመጠዉ ክሳልይዎን ብዘይ ቅድመ-ኩነታት ሞራላዊን ፖሎቲካዊን ደገፍ ክድግፍዎ ከምዝጸንሑ፡ ንሶም ይፈልጡ ንሕና እዉን ንፈልጦ ጉዳይ’ዩ።

ን16 ዓመታት መመላእታ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሉዑላዊ መሬትና ካይወጸ ብፍጹም ኣብ ዘተ ኣይንኣቱን ኢና። ካብ መሬትና እንተወጽዩ ግን ንግሆ ዝወጸ፡ ድሕሪ ቀትሪ ንክንዛተ ድልዎት ኢና” ብምባል ይናጣጠፉ ከምዝነበረ ኩላህና ንፈልጦ ጉዳይ ኮይኑ፡ ካብዚ ዝነቐለ እዉን ስዓብቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ቀጻሊ ይዳጋግምዎ ከምዝነበሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣንካይ ዶ ንሶም ሓደ ሓደ ተቃወምቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ደገ ዝነብሩ እዉን እንተኾኑ፡ነዚ ሓርግ እዚ ከም መጽረዪ ልሳኖም ኣግኣዚ-ኣቦጊዳ ብምዉሳድ ብቀጻልነት ይዳጋገም ከምዝነበረ ኩሉ ዝፍለልጦ’ዩ።

ጥልመትን መራሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍን ሰብን ጽላሎቱን ስለዝኾኑን፡ ከምቲ ወዲ ድሙ ነይሓድግ ግብረ እሙ ዝብሃል፡ ነቲ ን16 ዓመታት መመላእታ ዝዝረበሉ ዝነበረ ፖሊሲን መትከልን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ራሕሪሑ ኣብ ዘተን ስምምዕን ክኣቱ ዝተዓዘቡ ኣባላቱ ደንጽዎም ኣፎም ከምዝዕበሱ ኮይኖም ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ እዉን ብወግዒ ዝተዋህቦም መግለጺን ምምኽኻርን ኣብ ዉሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ደገ የሎን። ምዝንባዕን ምድንጋርን ከም ኣመል ስለዝተወስደ ናይ ኣጉል-ብድዔ ዘረባ “”ሕጂ ንሕና ኢና ንቀርኒ-ኣፍሪቃ ክንመርሓ ” ክብሉ ጀሚሮም ኣለዎ። ን3,200,000 ዝግምገም ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ከማሕዱሩ ዘይክኣሉስ፡ ንቀርኒ-ኣፍሪቃ ክመርሑ?

እዚ ሕልሚ እዚ ነቲ ቀንዲ ሕቶ ዶብን ሕቶ ሉዕላዉነት ካይልዓል ዝመጽእ ዘሎ መሀዉተቲ ዘረባ ስለዝኾነ፡ ኣቱም ኣብ ዉሽጢ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘለኹም ሙዑታት ሃገራዉያንን ዲሞክራስያዉያን ባእታታ፡ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ይኣክል! ይኣክል ይኣክል ማለት’ዩ ብምባል ክትብድህዎ ትጽቢት ይግበረልኩም ኣሎ።

ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮና ክንማሃር ኣሎና። ኣብ ንሃገራዊ ናጽነትን ሰብኣዊ ሓርነትን ንምርግጋጽ ዝሳላሰልናዮ 30 ዓመታት ዕጥቃዊ ሰላማዊን ፖሎቲካዊ ቃልሲ፡ ተጋዳላይ “ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” እንዳበለ፡ እቲ ዝዓበየ ዕላማ መታን ክዕወት እቲ መሳለጢ ንዋት ሰዉራና ኣብ ሓደጋ መታን ካይወድቕ ተባሂሉ፡ ነታ ኣንጭዋ ቀጠልያ ናይ ሕለፍ ፍቃድ ስለዝሃባ’ዩ ኣብ ዚ ኩሉ ዝሓለፍናዮን ዘሎናዮን መከራ ከምንሳጣሕ ኬና ዘሎና። ሕጂ ድማ ከም ቅድሚ ትማሊን ትማሊን ዝሓለፍናዮ ተሞክሮ ንደግም እንቴኼና ሃየንታ ክህሉዎ ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን።

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

02/08/2018

ሕጂ ኸ ናበይ?

ነቶም በዚ ተረኽቦ ተሓጊስኩም ዘለኹም፡ ሓጎስኩም ንምስራቕን ንምፍርራቕ፡ ተስፋታትኩም ንምጽልማት፡ ነቶም በዚ ተረኽቦ ጉሁኺም ዘለኹም ድማ ንምስይጣንኩም  ዝሃቐነ ዘይኮነ፡ ንምዝኽኻር ዝኣክል ዝዉክኦ ዘለኩ’ዩ፡- ሕጂ ሕልክስክስ ጥዉይዉይ የሎን! ብመሰረቱ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብመሰረት ፈጻሚ ኣካል ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ኣብ5 ሰኔ 2018 “ነቲ ዉሳኔ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብዘይ ገለ ቕድመ ኩነት ኣብ ባይታ ከተግብሮ ስለዝተቀበለን ስለዝኣወጀን ብሙኻኑ ስለዝኾነ፡ እታ ጫፍ ፈትሊ ስምምዕ ሞሽለጥ ኢላ ካይትሞሉቕ ክትትሓዝ ስለዘለዋ፡ እቲ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎን ንዓለምለኻዊ ሽምግልና ብምኻድ ዝተፈርደ  ዉሳኔ- ዶብ ኣብ ባይታ ብተግባር ክምልከትን ልዕላዉነት ኤርትራ ብንጹር ክልለን ኣለዎ። ሰላም  ካብ ናይ ክልተ መንግስታት ሙኻን ሓሊፉ ናይ ክልተ ህዝብታትን ሃገራትን ክኸዉን መታን  ዝተበደለ ክካሓስን ይቕሬታ ክሓትትን እንከሎ ስለዝኾነ፡ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ማለት ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ስርዓት ደርጊን ስርዓት መለስ ዜናዊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ዝተፈጸመ ሰፍ ዘይብል ግፍዒታት፡ ቅትለታት፡ ራስያታት፡ ሽርበታት ኣስካሕካሒ ቕትለታት፡ ብርሰት ንብረት…ወ.ዘ.ተ “ዝተለወጠ መንግስቲ  እንተሃልዩ” ይቕሬታ ክሓትትን ንጊዳያቶም ዝኾኑ ኤርትራዉያን ክክሕሱ ኣለዎም። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ን20 ዓመታት መመላእታ፡እቲ ንሓንጎሉን ቀልቡን ዝፋራርቖ ዝነበረ ፖሊሲ ኣይሰላም ኣይኩናት ዝተወድኣሉ ይመስል ስለዘሎ፡ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያቱ ብዘይ ዉዓል ሕደር ኣብ ምፍታሕ ክጽመድ ከምዘለዎ ይጽዉዕ ኣለኹ።

http://www.shabait.com/…/26639-joint-declaration-of-peace-a…

https://www.bbc.com/tigrinya/news-44764851

https://au.int/…/statement-chairperson-commission-relations…

https://igad.int/…/1885-igad-executive-secretary-commends-e…

https://www.reuters.com/…/u-n-chief-says-sanctions-on-eritr…

https://www.state.gov/secretary/remarks/2018/07/283930.htm

https://mereja.com/index/225917

http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_10072018.pdf

http://50.7.16.234/hadas-eritrea/eritrea_alhaditha_10072018.pdf

http://www.xinhuanet.com/english/2018-07/11/c_137315470.htm#0-fbook-1-63199-b182d7286068ff4101843e17368e4b10

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

09/07/2018

ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብጆግራፍ፡ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ዝተጠምሩ፡ መሰረታዊ ሓባራዊ ረብሓታት ዘለዎም ህዝብታት ከምዝኾኑ ብምግንዛብ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብዚ ሓባራዊ ውርሻ ዝተመስረተ ብሩህ መጻኢ ንምህናጽ ዝነበሮም ዕድላት ከምዝተነፍጎም ብምዝካር፡ ነዚ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉሉን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ኣሉታዊ ስንብራት ዝገደፈን ምዕራፍ ዓጽዮም፡ ነቲ ዝኸሰርዎ ዕድላት ከምልሱን ካብኡ ዝዓበየ ወርቃዊ ዕድላት ክፈጥሩን ቆሪጾም ተበጊሶም ከምዘለዉ መሰረት ብምግባር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን፡ ኣብዚ ዝስዕብ፡ ሃንቀውታን ድልየታትን ህዝብታቶም ዝገልጽ ሓባራዊ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ፡

  1. ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ። ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ተራሕዩ ኣሎ።
  2. ክልቲኦም መንግስታት፡ ህያው ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሳጒምን፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ጸጥታዊ ምትሕብባር ክሰርሑ እዮም።
  3. ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ናይ መጓዓዝያን ንግድን ተለኮሚኒኬሽንን ርክብ እንደገና ክጅምር፡ ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ክሕደስ እዩ።
  4. ውሳኔ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኪትግበር እዩ።
  5. ክልቲአን ሃገራት ዞባዊ ሰላምን ልምዓትን ምትሕብባርን ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሓ እየን።

ክልቲኦም መንግስታት፡ ንኹሎም ኣዕሩኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ንኹሎም ደለይቲ ሰላም ምስጋናኦም እናኣቕረቡ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ህሞት ምሕዝነቶምን ደገፎምን ከሐይሉ ይጽውዑ።

 

ኣስመራ 09 ሓምለ 2018

 

ኣብ ክንዲ ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት                                                             ኣብ ክንዲ ሃገረ ኤርትራ

ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ                                                                               ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር. ኣቢይ ኣሕመድ

 

 

Joint Declaration of Peace and Friendship between Eritrea and Ethiopia

 

Conscious that the peoples of Ethiopia  and Eritrea share close bonds of geography, history, culture, language  and religion as well as fundamental common interests;

Recognizing that over the past decades, they were denied the opportunity to build a bright future for their peoples on the basis of their common heritage;

Determined to close this very costly  chapter, which also had a detrimental role in the Horn of Africa, and to  make up for lost opportunities and create even bigger golden  opportunities for their peoples;

The governments of Ethiopia and Eritrea have reached the following joint agreement which reflects the desires and aspirations of their peoples:-

  1. The state of war between Ethiopia and Eritrea has come to an end. A new era of peace and friendship has been opened.
  2. The two governments will endeavour to forge intimate political, economic, social, cultural and security cooperation that serves and advances the vital interests of their peoples;
  3. Transport, trade and communications links between the two countries will resume; diplomatic ties and activities will restart;
  4. The decision on the boundary between the two countries will be implemented.
  5. Both countries will jointly endeavour to ensure regional peace, development and cooperation.

Both governments express their gratitude to all friends of Eritrea and Ethiopia and call on them to redouble their solidarity and support.

 

Done in Asmara, July 9, 2018

 

For the State of Eritrea                  for the Federal Democratic Republic of Ethiopia

President Isaias Afwerki                     Prime Minister Dr. Abiy Ahmed Ali

 

ኤሪትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡-

ሓደ ካብቲ ዘሕፍር ሃለዋት ህ.ግ.ደ.ፋዊት ኤሪትራ፡ ብሓፈሻ ሕቶ ኤሪትራዊት-ስድሬቤትን ብፍላይ ድማ ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ’ዩ። ደቂ- ኣንስትዮ ማዕረ ኣሕዋተን ደቂ-ተባዕትዮ ኤሪትራዊያን፡  ኣብ ሰላማዊ-ፖሎቲካዊን ዕጥቃዊ ቃልሲ ብንጡፍ ተሳቲፌን፡ ብተግባር ማዕርነተን ብተሳታፍነተን ዘራጋገጻ ከንስን፡ ነዚ ዓጽመንን ደመንን ከስኪሰን ዘራጋገጽኦ፡ ጸወታዊን ሕብረተሰብኣዊ ማዕርነት፡ ዳግም በቶም ትማሊ ምስኣተን ተላፊኖም ዝተቃለሱ ኣሕዋተን፡ ተመንዚዔን ኣብ ሓደጋ ተሳጢሔን ይርክባ ኣለዋ።

ደቂ-ኣንስትዮ ኤሪትራ ብዲሞግራፊያዊ ብዝሔን 57% ዝግምገማ፡ ብተሳትፍኦንን ዲሞግራፊያዊ ጸጋታተን ሙዑሩይን ዑዙዙን ግደ ክህልወን ኣንዳተገበኤ ከንሱ፡ ተራኣን ግን ባይታ ዝዘበጠ ጨፍሉቕ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ከም ሰበን ዘጓንፈን ደርባዉን መግዛእታዊ ጭቆናን ሕሰምን፡ ኣባታዊ ሕብረተሰብኣዊን በጋሚዳዊ ባህርያት ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ንዝኸፍኤ ሓደጋታት ኣቃሊዕወን ይርከብ ኣሎ።

  1. ኤሪትራዊት መንእሰይ ጉብዝንኣን ባህርያዊ ጽባቔን ኣብ ክንዲ ተዉህቦ፡ መከራ ዝዕድም ክብራ ዘግህስ ዕዳ ኮይንዋ ዘላ ጊዚ’ዩ።
  2. ኤሪትራዊት ተጋዳሊት፡ ጎደናታት ኣብ ምጽራይ፡ ፓርኪን-መካይን ቲኬት ኣብ ሙቕራጽ፡ ምልማን፡ ስደት…ወ.ዘ.ተ ተዋፊራ ኣብ ሓሳረ መከራ ትሕልፈሉ ዘላ ጊዚ’ዩ።
  3. ኤሪትራዊት ኣደ፡ ኣደዳ ሕሰም፡ጥምይት፡ ስደት፡ ጓሂን፡ ደቓ ብመከራ ኣዕብያ፡ ደድወለደቶምን ዘዕበየቶሙን ደቃ፡ ንህ.ግ.ደ.ፍ እተረክብ ናይ ሰብኣዊ መፍረ-ፋብሪካ ኮይና ኣላ። ኣቦታቶም ዝተኣስሩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝተጸምዱ፡ ዝተሸርቡ፡ ዝተሰዱ፡ ዝሞቱ….ወ.ዘ.ተ ዘኽታማት በይና ከተዕቢ፡ ተሕልፎ ዘላ መከራ እዚ ኢልካ ክትዛረበሉን ክትጽብጾቦን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይንሉ ዘሎ ህሞት’ዩ።

ዋላ እዉን ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ  ዝተሰለፉ ሓይልታት እንተኾኑ’ዉን፡ ብተግባር ውሑዳት ሓዲካ መብዛሕትኦም፡ ካብቲ ኣባታዊ ኣታሓሳስባ ሓራ ዝወጹ ስለዘይኮኑ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ከምዚ ንዕዳጋ ዝተቀረባ ሃለኽቲ ነገራት ገይሮም ስለዝወስድወን፡ ከም መሳርሒ ንዋት ክጥቀሙለን ዘይፍሕርዎ ጉድጓድን ዘይፍትንዎ ነገራት የሎን።

ጓል-ኣንስተይቲ ዓለባ ሕሰም ክትርብዕ፡ ሞቕሕ ኣባታዊ ኣታሓሳስባ ክትበትኽ፡ ጸወታዊን ደርባዊን ማዕርነታ ከተራጋግጽ….ወ.ዘ.ተ እንተኮይና ሱሉስ ተናጻጺሉ ዘይከይድ ቃልስታት ከተሳላስል ኣለዋ። ንሳተን፡-

  1. ጸወታዊ ኣድልዎን ዓመጽን ከተወግድ ፡
  2. ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ክትኣሊ፡
  3. ኣባታዊ ሕብረተሰብ ክትቅይር፡ ተሪር ቃልሲ ከድልያ’ዩ።

መታን ቃልስታታ ብግቡኡ ከተሳልስል፡-

ቀዳማይን ቀንዲን፡ ናጻ ዝኾነ ናይ ገዛእ-ርእሳ ማሕበር ክህልዋ ኣለዎ።

ካልኣይ፡ ድማ ምስ ዜጋታት ትቃለሰሉ ናይ ሓባር-ዋላ ከድልያ’ዩ።

ኮይኑ ግን ናጻ ዝኾነ ናይ ገዛእ-ርእሳ ማሕበር፡ ከም ዋልታን ጭማራን ኮይኑ፡ ዉሑስነት ዝኾና፡ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ናይ ሓባር ስራሓት፡ ጓል-ኣንስተይቲ ነዚ ናይ ገዛእ-ርእሳ ናጻ ማሕበር ኣብ ምዱካን ክትጽመድ ኣለዋ።

ከምኡ ስለዝኾነ ኢና ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤሪትራ “ቀንዲ ሲቪክ መትከላትና ኣብ ፖሎቲካዊ ራእይና፣ ማሕበራዊ ፈልስታት ናይ ሲቪክ ሃገርን ሕብረተሰብን ኤርትራ ካብ ሕጂ ኣትሒዘን ክቦቕላን ክነጥፋን እዩ። እዘን ናጻ ደሞክራስያውያን ሃገራውያን ማሕበራት፣ ማሕበር ሰራሕተኛታት፣ ማሕበር መንእሰያት፣ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ማሕበር ስንኩላን፣ ማሕበር ሓርበኛታት … ወዘተ ይጠቓልል።  ናጻ ሲቪላዊ ትካላትን ኣካላትን፣ ማሕበር ኩሉ ዓይነት ሞያ፣ ማሕበር ጋዜጠኛታት፣ ማሕበር ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማሕበር ሓካይም፣ ማሕበር ናይ ሕጊ ኪኢላታት/ ጠበቓታት/ ማሕበር መማህራን፣ ማሕበር ነጋዶ፣ ፣ ማሕበር ስነ-ጥበባውያን፣ ማሕበር ድሕነት/ኣንጻር/ ብከላን ልምዓትን፣ ማሕበር ተጣበቕቲ ህጻናት፣ ማሕበር ረድኤትን ምትሕግጋዝን….ወዘተ ናጻን ርእሰን ኪኢለን ክነጥፋን ክዕንብባን ካብቲ ቀንዲ ዕላማና እዩ። ናጽነተን ንምሕላዉ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕቲ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ፣ ዉድብን ሰልፍን ተቆሪነን ዝሰርሓ ወይ መሳሪሒ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ፣ ዉድብን ሰልፍን ዝኾና፣ ርእስን ኪኢለን ብነጻ ብዉሽጣዊ መደብ ዕዮን ሕግታተን መሪሒነታተን ክግዝኣ ስለዝግባእ ኣብ ክንዲ ቱኹላዊ ዝምድናታት ጋድማዊ ዝምድናታት ክህልወና ብመትከል ንኣምን”። እንብል።

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

m.zerut@gmail.com

17/03/2018

http://snitna.com/ECDM%20Dialogue%20papers%20for%20our%20common%20strategy%20and%20future.pdf

 

“ናጻ” ካብ ምንታይ: ከመይ ዝኣመሰለ “ናጽነት”:

ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታታት ኤርትራ፡ ቡዙሕ ጊዚየ ንሕና “ናጻ” ኢና ተባሂሉ ክዝረብን ክጽዓድን ይሰምዕ’የ፡ የግዳስ ከም ዑቱብ-ሓቂነት ዘለዎ  ጽዕዶ ወሲደዮ ኣይፈልጥን። እቲ ምንታይስ “ናጻ” ካብ ምንታይ ሙኻኖም፡ ንጹር መግለጺ ስለዘይህቡሉን፡ ብተግባር እዉን “ናጻ” ሙኻኖም ብርግጽ ከእሙኑ ስለዘይኽእሉ ብሙኻኖም እዮ። “ናጻ” ኢና ክብሉ ይጸንሑ እሞ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ድማ ኣእዳዉ ናይ ህቡኣን (ghost)፡ ብሩኡይ ኣጻብዕቶም ከንቃሳቑሱ ስለዝርኣዩን ሓሳባቶም ከንሂ  ስለዝስሙዑን’ዩ።

ካብዚ ቀጻሊ ዝዳጋገም ተርእዮታትን ዳይነሚክስን ብምንቃል፡ “ናጻ” የ ወይ “ናጽነት” ኣሎኒ ኢልካ ክትጽዕድ እንተኼንካ፡ ብቀዳምነት ምጣኔ-ሃብቲ ንፖሎቲካ ስለዝመርሕ፡ ንጹርን ጽኑዑን መትከላትን ፖሊሲታት ኣብ ምጣኔ-ሃብታዊ ኣካናዉናኻ  ክህልወካ ኣለዎ። ብዝኾነ ኣምር ናጻ ን ናጽነት ኣብ ገብረ-ገብነት፡ ሰብኣዉነትን ጉቡኣት ዝቶሞርኮሰ ኮይኑ ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?  እንታይ’ዩ ኸ እቲ  ቁኑዕ ክኸዉን ዝግብኦ? ንዝብል ሕቶታት ኣቀዲሙ ብምልኣት ብሓሳብን ተግባራትን ዝመለሰ ምስ ዝኸዉን’ዩ። ናጻን ናጽነት ካብ ጽቡቕ ድሌታትካን መርትዖ ዘለዎ ምኽንያት ነቂሉ፡ ብዘይ ግዳማዊ ጸቕጥታት፡ ጽልዋታት፡ ምወላታት፡ ሓሳባት …ወ.ዘ.ተ፡ ብናይ ገዛእ-ርእስኻ ሰናይ ድሌታትካን ዉሳኔታትካን ትሓስቦምን ተተግብሮሙን ነገራት ፡ በቶም ባዕልኻ ንነብስኻ ዝገበርካላ-መግቲኢታት ተቀይድካን ሓሲብካ ተትግብሮም ወይ ትብሎም (conscious free will )እዮም።

ኣብ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ንጥፈታት ሙሉእ ብሙሉኡ “ናጻን ናጽነትን” ዝብሃል ጉዳይ ብተግባር ኣሎ ድዩ (does free will exist) ዝብሉ ሕቶ ብገለ ግራቜናት፡ ዉልቃዊ ናጽነቶም ንካልኦት ዝመጠዉ: ነቲ ሓቂ ንምዝንባዕ ተባሂሉ ይልዓል’ዩ። እወ “ናጻን ናጽነትን” ካብ ገዛእ ርእስኻን ካብቲ ትነብረሉ ማሕበረ-ኮም ስለዝሙንጩ ህሉዉ’ዩ። ኣብ ዓለም ደቂ ሰባት ተሓጋጊዞም ስለዝነብሩ፡ ሓገዝ ምንዳይን ሓገዝ ምርካብን ነዉሪ ኣይኮነን። ከምኡ እዉን እቲ ዛዕባን ዕላማ ጽሑፈይን ኣይትታሓገዝ ወይ ኣይትሓግዝ  ንምባል ኣይኮነን።  እንታይድኣ መን ይሕግዘካ፡ ስለምንታይ ይሕግዘካ፡ ካብ መን ትቕበል፡ ንመን ሓገዝ ትሓትት…ወ.ዘ.ተ ብንጹር ዝፈለጥካን “ንናጻ”ን ናጽነትካን” ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘየሳጣሕካ ክትከዉን ኣሎካ፡ ናብ ዝብል ምኽሪ ዝዛዘወ እዩ።

“ናጻ”ን ናጽነትን” ክህልወካ ከም ቀዳማይ ምርጫኻ ምስትወስዶ ፡ ብተኻእለ መጠን፡  ኣብ ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕምታትካን ሃልክታትካን፡ ብቀጥታ ካብ ኣባላትካ፡ ዘካየድካዮም ወፍሪታት፡ ዝተወፈየልካ-ዉርስታት፡ ምእካብ ወፈያታት ገንዘብ (fund raising)…ወ.ዘ.ተ ብዝተረኽበ ኣብ ርእሰ-ምኽኣል (self-reliance) ዝተሞርኮሰ ወይ ድማ ምስ ንስኻ ትነጥፈሉን ዕላማታት ቀጥታዊ (ቱኹላዊ) ርኽክብን ናይ ረብሓታትር-ግርጭት (conflict of interest) ዘይብሎም፡ ኣካላት ዉሽጣዊን ግዳማዊ ሓይልታት፡ ተማጻደቕቲ ናይ ቃልስታትካን ሽግራትካን  ዝኾኑ፡ መወልቲ ኣናዲኻ ክትረክብ ኣሎካ። ካብዚ ወጻኢ ጉሉጽነት ዝጎደሎን ኣብ ኣዝዩ ረቂቕ-ስልቲ ዝተሞርኮሰ ምወላ ምስ ዝኸዉን “ናጻ”ን ናጽነትን” ዘሎካ ዘይኮንካ፡ መሳሪሒ ናይቶም ዝምዉልኻ ኢኻ። እቲ ምንታይስ እቶም ዝሙዉሉኻ፡ ከምዚ ሓለይትን ደገፍትን ኮይኖም ይቐርቡኻ፡ ብተግባር ግን ንምጽላዉካን ንሙቑጽጻርካን ዝዓለሙ እዮም። ብርግጽ ንስኻ እዉን እንተኾነ ትፈልጦ ሓቂ ‘ዩ ፖሎቲካዊ ዉድባት፡ ምንቅስቓሳት፡ ግንባራት…ወ.ዘ.ተ ናይ “ግብረ-ሰናይ ማሕበራት” ከምዘይኮና ኩሉ ዝገብርኦ ወፈያታት ፖሎቲካዊ ሕሳባት ከምዘለዎ’ዩ።

ፈቲኻ-ጸሊእካ፡ ወትርግ መወልቲ ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራዊ ዉሳኔታትካ ኣዝዩ ጽኑዕ ጽልዋ ክህልዎም’ዩ። እቲ ዝብሉኻን ዝደልይዎ እንተዘይጌርካ ድማ ምጣኔ-ሃብታዊ ምወልኦም ደዉ ኣቢሎም፡ ከም ዓጽሚ ኣብ ጎሮሮ ኮይኖም: ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ተሓኒቕካ  ከምትወድቕ ይገብሩኻ።

ፖሎቲካዊን ምጣኔ-ሃብታዊ ዕላማ ዘለዎም፡ ናይ ግዳም ይኹን ናይዉሽጢ መወልቲ ሓይልታት፡ ስለዝደለኻዮም፡ ስለዝዓደምካዮምን ስለዝለመንካዮም ኣይኮኑን ዝሙዉልኻ፡ እንታይ ድኣ፡ ነቲ ዝደልይዎ ፖሎቲካዊ ወይ ምጣኔ-ሃብታዊ ዕላማ ንምዕዋት ኣገዳሲ ንዋት ኴንካ ምስዝረኽቡኻ’ዩ። ኣገዳሲ ንዋት ክትከዉን ባዕሎም ይፈጥሩኻ ወይ ድማ ብግርህና ዝጀመርካዮ ምንቅስቓስ ኣብ ከርስኻ ናቶም ሰባት ይጸፍዩልካ። ብመንገዲ ዝተጸፍዮ ሰባቶሙን፡ በቲ ዝምዉልኻ ገንዘብን ገይሮም ድማ፡ ናብ ዝደለይዎ መዓላታት ወይ ማኣዝን ንምንቅስቓስካ ይመርሕኻ። እቲ ዘንቀልካሉ ድንግል ሓሳብን ዕላማን ድማ ብኸምዚ ብልሓት ተጨዉዩ፡ መኻዕበቲ ፋይናንሳዊ ትሕዝትኦሙን ፖሎቲካዊ ጡማሓቶሙን ኬንካ ትተርፍ።

ብኸመይ ብልሓታት እዮም፡ እቶም ተመወልቲ ከንሶም፡ ንካልኦት ዝሙዉሉ ገንዘብ ዝረኽቡ? ኣብ ዘመነ ዓዉላማን (globalization) ኣብ ናይ ምዕራብ ሃገራት፡ ኣንካይዶ ዝተወደቡ ጉጂለ ሰባት’ሲ፡ ሓደ ዉልቀ-ሰብ እዉን እንተኾነ፡ ሕጋዊ ሲቪላዊ ማሕበር፡ ዘይመንግስታዊ ዉድብ፡…ወዘ.ተ ብምምስራት ኣብ ሰብኣዉነታዊ ሓገዛት፡ ኣብ ምምዕባል ትምህርቲ፡ ኣብ ክንክን-ጥዕና፡ ኣብ ህዝባዊ-ሜላ፡ ሕብረተሰብኣዊ-ጉዳይ፡ ተጣባቂ ንሰብኣዊ መሰል፡ ተጣባቂ ጸረ-ግርዘት፡ ተጣባቂ መሰል ደቂኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ሃይማኖት፡ ማሕበረኮም፡  …ወ.ዘ.ተ ብምምስራት፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር፡ ብዘፍቕዶ ሕጊ መሰረት ተመዝጊቡ፡ ክንቃሳቐስ ዉሑስ መሰላት ዘለዎ’ዩ። ንኸምዚ ዓይነት ንጥፈታት ተባሂሉ፡ ካብቲ መንግስቲ ዝኣከቦ ቀረጻት ዝሕዛእ፡ ህዝባዊን መንግስታዊን ገንዘብ ስለዝህሉ፡ ቀጥታ ተጠቃሚ ናይ’ዚ ገንዘብ ንክትከዉን ንስኻ፡ ንጥፈታትካን ምትእስሳራትካን ወሳኒ’ዩ ።

ብሕጋዊ ብልሓት ማሕበርካ ምስ ኣመዝገብካ፡  ከም መወከሲ (reference) ዝጥቀሙልካን ትጥቐመሎሙን  ፍርዝን ዝበሉ ዓለምለኻዊ ዉድባት፡ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ክብደታትን ተሳማዕነት ዘለዎም ዉልቀሰባትን ናይ ገበላ ምምኻር ጉጂለታት(Lobby group) ክትረክብ ንዕብየትካን ምንቅስቓስካን ወሳኒ’ዩ። እዚ ክልተ ረቛሒታት ምሰተማልእ፡ ማሕበርካ ርዝነትን ተሰማዕነት (Leverage) ይህልወካ እሞ፡ ድሕሪኡ ሻምቡቆ መስመር ገንዘብ ከም ዋሓዚ ማይ ቦሽቦሽ ይብልን ኣብ ሕጋዊ መጋባእያታት ናይ ዞናዊን ዓለምለኻዊ ዉድባት ድማ ቀጻሊተሳታፊ ትኸዉን።

ድሕሪ ሙሉእ ተቃባልነት ምርካብካ (recognition) መወልቲ ሓይልታት ዘድልየካ ገንዘብ ትም ኢሎም ኣይኮኑን ዝህቡኻ። እንታይድኣ!

  1. እቲ ዝኸፍኤ መልክዑ፡- መወልትኻ ኣብ ናቶም መርበብ ብቀጥታ ንዝወጠንዎ ዉጥናት ንምትግባርን፡ ንሶም ብድሕሪ-መጋረጃ ኮይኖም፡ ኣብ ቅድሜ ዓለምለኻዊ መጋባእያታት ከም ተጣባቂ፡ ኣቕራቢ ክሲ፡መዳሪ….ወ.ዘ.ተ (speaker, presenter …etc) ኬንካ ንክትቀርብ ከም መጉሉሒ ድምጺ ይጥቀሙልካ (ንመረዳእታ ንስርዓት ሱዳን ኣብ ዓለምለኻዊ መጋባእያታት ከጥቕዑ እንተ ደልዮም፡ ነቲ ክብልዎ ዝደለዩ፡ ኣብ ክንዲ ባዕሎም፡  ብሱዳናዊ ዜጋ ጌሮም ይብልዎ) ።
  2. እቲ ዝሓሸ መልክዑ ድማ፡ በቲ ዕላማታትካን ንጥፈታት ንስኻ ተካይዶ፡ ከሕጉዙ እንተወሲኖም፡ ኣቀዲምካ ናይቲ ከተካይዶ እትደሊ ንጥፈታት ዉጥን ሓንጺጽካ፡ ነቲ ዉጥን ንምትግባሩ ዘድሊ ሃላኺታት፡ንዋትን መሳለጥያታት፡ ክንድዚ ዝግመት ገንዘብ ባጄት የድሊ ዝብል እማሜ ብጹሑፍ መሰቕረብካ፡ ንከተካይዶ ኣጽዲቆም ኣዉንታ መልሲ (green light) ይህቡኻ እሞ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዝተወጠነ ዉጥን ብተግባር ተካይዶ።

ዝምዉልኻ ገንዘብ፡  መብዛሕትኡ ጊዚያት ድሕሪ እቲ ንጥፈታት ምክያዱካ’ዩ።  የግዳስ፡ ንኣጣቃቕማ ገንዘብ ኣብ ዝተሓስቦ ማዓላ ዉዒሉ ዶ ኣይዉዓለን ንምፍላጥ፡ ዘካየድካዮ ንጥፈታትን ዘዉጻካዮ ወጻኢታት ብዝምልከት ወይ ዝሕብር፡ ብደረቕን ተንቃሳቓሲ ስእልታትን ቪድዮታትን፡ ጽሑፋትን ናይ ዝተኸፍለሉ ገንዘባዊ ቅብሊታት ከተቕርቦሎም ትሕተት ኢኻ። ከምዚ ኢሉ ድማ፡ እቲ ናይ ምድንጋርን ምሕጋዝን ጉዕዞ ዕንክሊል ይቕጽል። ኣብዚ ሕጂ ክልዓል ዝግብኦ ኣገዳሲ ሕቶ ኣሎ። ንሱ ድማ እንተድኣ ካልኦት ክገብርዎ ዝኽእሉ ኾይኖም፡ ኣብ ክንዲ ንስኻ ብቀጥታ ነታ ሻምብቆ ዋሓዚት ገንዘብ ባዕልኻ ትሓልባ፡ ስለምንታይ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ኣካል፡ ሓሊቡ ዘምጻልካ ትቕለብ ከምዘሎኻ ክትሓስበሉ ዝግባእ ቀንዲ ጉዳይ’ዩ። እንታይ ዝብል ምስላ ኣሎ “ለማናይ’ሲ ንካልእ ለማናይ እንተቶኾበ፡ ዝሓሰቦ ድኣ ኣለዎ እንበር፡ ዝትኮበሉ ዶ ምስ ቶኾበ” ዝባሃል ምስላ’ዩ። ከመይ ገይሩ’ዩ ሓደ ለማናይ ካብተን ዝለመነን ቁሩብቁራቦ ንካልኣይ ለማናይ ዝቶኩብ?  ኣብ ክንዲ መሳሪሒ ን ጊዳይ ናይ’ቶም በብቑሩብ ዕላማኻ፡ ዲሞክራሳዉነትካ፡ ሃገራዊ ኒሕካ ዝቐተሉ “መወልቲ” ኰንካ ዕንዝራ ምቕያር፡ ኣስተብህሎን ጽሬትን ዘለዎ ጉዕዞ ምምራጽ ከድልየካ’ዩ።

ኣይፋለይን! ዝሃበ! እጊዚኣብሔር ይሃቦ! እንተኸፈሉልና እሞ እንታይ ኣለዎ፡ ደይ ብሽምናን ዝተማእረረ ገንዘብ’ዩ! በሊዑ ዘብላዓካ እንታይ እሞ ኣለዎ! ዉድብ ፍላን ሰልፊ ፍላን ምንቅስቓስ ፍላን ዶ ኣይሓገዙናን!…ወ.ዘ.ተ እንዳተባህለ ዝኸየድ ጉዑዞ፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ጸገም:  ባዕሉ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም ኮይኑ፡ ነቲ ኩሉ ሃልክታትካ ንኮንቱ ዘባኽንን፡ ኣብ ተካይዶ ቃልስታት፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝቀየስካዮ ዕላማታት ዘዕዉት፡ እንኮ መመንጨዊ ፖሎቲካዊ ስልጣንን ፋይናንሳዊ ዓቕምታት መወልትኻ  ዘራጋግጽን ዘኻዕብትን ጥራይ ኮይኑ ከገልግል’ዩ።

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

m.zerut@gmail.com

15/03/2018