Monthly Archives: November, 2013

ጹቡቕ ድሌታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብተግባር እንታይ እዩ?

ጹቡቕ ድሌታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብተግባር እንታይ እዩ?

መእተዊ፡-
ገለ ሰባት ደዉላ ኤርትራ ወይ ኤርትራ ክባሃል እንኮሎ፡ ብተናጸል ክጥምትዎን ክገልጽዎን ይራኣዩን ይስሞዑን እዮም። ደዉላ ኤርትራ ወይ ኤርትራ ክባሃል እንኮሎ ንሰለስተ መሰራታዉያን ሮቓሒታት ዘጣቓለለ እዩ። ቀዳማይ፡ ንሉዕላዉነት ጂኡግራፊካዊ ክሊ ባሕሪ፡ ጠፈሩን መሬታ እዩ ። ካልኣይ ርሒብ-ጌቢል (ህዝቢ) ኣብ ክሊ እዛ-ልዑላዊት ደዉላ ዝነብር እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ ብዝተፈላለየ ኣጋባብ ይምጻእ ዝተፈላለየ ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርርዕ ይሃልዎ ብዘየገድስ ዝመርሕ መንግስቲ እዩ። ሰለዚ ደዉላ ኤርትራ ክብል እንኮሎኹ ንሰለስቲኡ ሮቓሒታት ኣብ ግምት ኣእትየ ይዛረብ ከምዘለኹ ክፍለጥ ኣለዎ፡
ብሰንኪ ፉሹል ምሕደራን ፖሊሲታት ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ኤርትራዉያን ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ክፍትሑ ዝብድሁና ዘለዉ ግርጭታት ናይ ግዳምን ዉሽጥን እዮም። ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ብእብረ ሰሪዕና ክንቃለሶም ድማ እቲ ምርጫን ዉሳኔ ናትና ኣኳ እንተኾነ፡ እቲ ዘሎ ናይ ዞናናን ዓለምና ክዉንነትን ፖሎቲካዊ ዳይነሚክስ ከምዝገዝኣና እዉን ከነስተብህል ይግብኣና እዩ።
ኣብ መንጎ ኤርትራዉያን ድሌታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደዉላ ኤርትራ ብሓሳብን ብተግባርን ክፋላልየና ጸኒሑን ይቕጽልን ኣሎ። ገሌና ኤርትራዉያን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሰናይ ድሌት ከምዘለዋ ንጣበቕ ኢና፡ ጌሌና ድማ ሓደገኛ ድሌታት ከምዘለዋ ንካታዕ ኢና። እቲ ኮይኑ እቲ፡ ብተዛማዲ ኩሉ ካብ ረብሓታት ንምርግጋጽ ዝነቕል ስለዝኾነ፡ ኣብ ክንዲ ብጽልኢን ፍቕሪን ንርድኦ፡ ብረብሓን ተራባሒነትን ክንርእዮ ይግባእ። ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበር ሽርክነታዊን ዘይሽርክነታዊን ዝምድናታት፡ምትሕግጋዛትን ተጻብኦታታት ረብሓታት ንምርግጋጽ ዝካየድ እዩ።
ገለ ጠቕሞ ፈሊጣዉያን ነዚ ዛዕባ ንምዝንባዕ መታን ካይጥዕሞም ሎሚ ፈልየ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ፡ተግባራት መራሕቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ደዉላ ኤርትራ ንምንጻር ጥራይ ዝዓለመ ብሙኻኑ፡ ምስ ዉሽጣዊ ኩነታትና ብዘይምትሕዉዋስ ነጥቢ ብነጥቢ ክዝርዝሮ እየ። ቅድሚ ኣብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ምእታወይ ግን ጽምዶ ግርጭታትና ከነጽር እየ።
1.ቀዳማይ ዝዓበየ ጸገምና ሰብ ኣንጻር ባህሪ ዘሎ ግርጭት ማለት፡ ድርቂ፣ጥሜት፣ድንቁርና…ወ.ዘ.ተ እዩ።
2.ቀዳማይን ትኹላዊ ሰብ ኣንጻር ሰብ ግርጭት ማለት፡ ኣብ መንጎ ጭቛኒን ተጭቛኒን ዘሎ ግርጭት ምስ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ።
3.ምስ ካልኦት ሰብ ኣንጻር ሰብን ሰብ ኣንጻር ሕብረተሰብን ዘሎ ግርጭታት ማለት፡ ኣዘመዉቲ ናይ ፖሎቲካ ሓይልታት፣ መሰረታዊ ናይ ስልትን ስትራተጂን ፍልልያት እኳ እንተሃለወና፣ ክሳብ ቀጥታዊ ጨቖንቲ ዘይኮኑ፣ እቲ ግርጭት ዉሽጣዊ-ጋድማዊ እዩ።
4.ምስጎዶቦና ሃገራት ሱዳን፣ኢትዮጵያ፣ ጁቡቲ…ወ.ዘ.ተ ክሳብ ልዕላዉነት ሃገርን ህዝቢ ጥሒሰን ኣካላዊ ወራር ዘይፈጸማ። እቲ ሰብ ኣንጻር ሰብ ግርጭት ግዳማዊ-ጋድማዊ ግርጭት ኮይኑ፣ ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣይኪናት ኣይ ሰላም ስለንርከብን፣ ኣብ ዉሽጢ ልዑላዉነት መሬት ኤርትራ ጎቢጦም ብምህላዎም ምስ ቀጺለ ኣብ ታሕቲ ዝጥሕሙሶ ድንዕታታ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፣ እቲ ግርጭት ንሓንሳብ ግዳማዊ-ቱኹላዊ ንሓንሳብ ድማ ግዳማዊ-ጋድማዊ ትሕዝቶ ግርጭት ዘለዎ እዩ። ከከም ኣማጻጽኡ ድማ መልክዕ እቲ ግርጭት ክትሓዝን ክፍታሕ ይኽእል።
ጹቡቕ ድሌታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደዉላ ኤርትራ ብተግባር እንታይ ሙኻኑ ንምልላይ፡ ተግባራት መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደዉላ ኤርትራ ምንጻር ከድሊ እዩ።

ተግባራት መራሕቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ደዉላ ኤርትራ ንምንጻር፡-

1. ኤርትራ ገና ካብ ቀንዲ ኣጀንዳታት ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኮይና ትቕጽል፡፡ ብፍላይ’ቶም ኢትዮጵያውነቶም ኣብ ዕዳጋ ከረጋግጹ ዚግደዱ ሓይልታት፡ ብዋጋ ነጻነት ኤርትራ፡ “ሓርብኛነት” ክለብሱ የዕለብጡ፡፡ ምንጻግ ነጻነት ኤርትራ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዕዳጋ ኢትዮጵያ፡ ገና ኣገዳሲ ሃላኺ ኣቕሓ ኢዩ።
2. ኢትዮጵያውያን፡ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ዘመናት ሃንቀውተኦምን ሕልሞምን ገና ኣይተጸንቀቐን፡፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ካብ ፍርቂ ዘመን ንላዕሊ ዘርኣይዎ፡ ዘይስልኪ፡ ናይ ባሕሪ መሕለፊ “መሰሎም” ገና፡ ብዋጋ ነጻነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ደዉላ ኤርትራ ክበጽሕዎ ይጽዕሩ፡፡ እዚ ዘይተገርሔ ባህጊ፡ ተወሳኺ ናይ ሓድሽ ኪናት ዕድል ዚሓዘለ’ዩ፡፡
3. ንማሕበራዊ ሓይልታት ኤርትራ ብትሕተ-ሃገራዊ መንነታቱ ብምስራዕ፡ ኣብ ምዕባይ ንዝርከብ፡ እኳ ደኣ፡ ካብ ናይ ኤትኒክ-ጉጂለታትን ክልላትን ዝሰጎመ፡ ደዉላዊ ኣወዳድባ ኤርትራ ንድሕሪት ብምምላስ፡ ኤርትራ ብውሽጣ ናብ እትፍንጠሓሉ መንገዲ ክጸልዉዋ ብብርቱዕ ይሰርሑ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራዉያን ዘሎ ጸገም ፖሎቲካዊ ጸገም ዘይኮነስ፡ ናይ ብሔራትን ሃይሞኖትን ጸገም ኢሎም ይኣምኑ። ስለዚ ኤርትራዉያን ከምዚ ጉዚ ብዕራይ ብብሔራትን ብሃይማኖትን መታን ክማቓቐሉ፡ ናይ ብሔራትን ሃይሞኖታትን ዉድባት ክፈርያን ክዓብያን የታባብዕ።
4. ኣብ ትሕቲ ሽፋን ምውዳቅ ስርዓት ኢሳያስ (ህ.ግ.ደ.ፍ)፡ ንኤርትራ ካብ ከባቢናን ዞናናን ዓለምን ንምንጻልን ንምድኻምን ዘይሕለል ዲፕሎማሲያዊ ቃልሲ የካይዱ፡፡ ናይ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዚተወስደ ናይ ማዕቀብ ውሳኔ፡ ሓደ ካብቲ ዝኸፍኤ ውጽኢት ናይ’ዚ ወፈራ’ዚ እዩ።
5. ኢትዮጵያውያን ህዝብና ብፍላይ ከኣ መንእሰያትና፡ ሃገሮም ገዲፎም ንኽስደዱ ዘተባብዕ ፖሊሲታት የዘውትሩ፡፡ መንእሰያትና ብብዝሒ ኣብ መደበራት ናይ ስደት ኢትዮጵያ እናኣከብካ፡ ካብ ቃልሲ ንምንጻሎም ንምዕራብ ንምስፋሮም ዚካየድ ዘሎ መደባት ሓደገኛቱ ብሩህ’ዩ። ኣብ ዉሽጢ መዓስከራት ስደተኛታት መሳርሒ ዝኾንዎም ስደተኛታት እንዳለለኻ ብምኽታብ፡ ናቶም ጸይቂ ዕላማታት ክጎሳጎሱ ንደገ-ብመገዲ ጉዳይ ስደተኛታት ዓለም ከምዝጣየሱ ጌርካ ምስዳድ።
6. ዓለንለኻዊ ናይ ዶብ ሽምግልና ኮሚሽን ዘሕለፎ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንኸይትርጎም ብምሕንጋድ፡ ኣብ ትሕቲ ሽፋን ናይ ዶብ ምውጣጥ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ንህዝብና፡ ን12 ዓመታት፡ ኣብ ናይ ኣይውግእ ኣይሰላም ጅሆ ኮይኑ ንኽነብር ብምግዳድ፡ ንሶም ብደገ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብዉሽጢ፡ ኣብ ናይ ሞደሻን ኢንኮዲኖ (Hammer and Anvil) ኪናት ከምዝጽመድ ዘጣዓዕም ፖሊሲታት ብምዝዉታር ህዝብና ከምዚባታተን ይገብሩ ኣለዎ።
7. ግሁድ፡ መንግስቲ ናይ “ምቅያር” ቀጥታዊ ኢድ ኣእታውነት ኣዋጃትን መደረታትን ብምስማዕ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ሻቕሎትን ስግኣትን ቅልውላው ፈጢሮም፡፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክህልው ዝነበሮ ዝምድና በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኢትዮጵያዊ ወስታታት ጥራሕ ኣይኮነን ንቡር መልክዑ ካብ ምሓዝ ዚበርዓነ፡ ካብ ተግባራት ኢትዮጲያ ብዘይንእስ፡ ህግደፋዊ ፖሊስን ተግባራትን እውን ዚዓበየ ግደ ኣለዎ፡፡
8. ንምህራም ኤርትራዊ መንነትን ሃገራዉነትን፡ኢትዮጵያ ንሓያሎ ኤርትራዉያን ካብ ዝላዓለ ክሳብ ዝተሓተ ዝተማህሩ ኤርትራዉያን ብምዕሳብ ስዉር-ኔት ወርክ ብምፍጣር፡ “ተቃወምቲ ብምምሳል”ኣብ ምብትታን ናይ ኤርትራዉያን ብጽዑቕ እስትንፋስ ብዘይህብ መገዲ ትሰርሕ።
9. ኢትዮጵያ ጉዳይ ኤርትራዉያን፡ ካብ ጉዳይን ሙቁጽጻር ኤርትራዉያን ወጻኢ ኮይኑ፡ እንተታኻኢሉ ብዉክልና ኣብ ትሕቲኣ፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻርን ዉሳኔን ኣእዳዉን ማሕበረሰብ ዓለም ንክወድቕ ትጽዕት።
10. ኢትዮጵያ ብወኪላታ፡ ብዘይ ገለ ስክፍታ ኣብ መጋባእያ ሙሁራት ኤርትራዉያን ዝተኣከብሉ፡ ገዛኢ ቢሔር ትግርኛን ትምክሕቲ ብሔረ ትግርኛ ክስበር ኣለዎ ብምባል፡ ንኤትኒክ-ጉጂለ ትግርኛ ምስ ካልኦት ኣሓቱ ኤርትራዉያን ኤትኒክ-ጉጂለታት ንቱኹላዊ ምትፍናን ብምእታዉ፡ ገረብ ብሓኽላ ንምፍራስ ትዉጅህ።
ዘጣራጥር ኣይኮነን፡ ነዚ ክጥሕምሶ ዝጸናሕኩ ሓቕታት ኣሉ-ቐጣን ብምባል፡ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ድሌት እንበር እከይ ድሌት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ የብላን ቢሉ ኤርትራዊ ከንሱ ኣብ ክንዲ ኢትዮጵያ ልዕሊ ኢትዮጵያዊ ኮይኑዝካታዓ ከምዘይስኣን ይፈልጥ እየ። ከምዚ ከምዘሎ እንዳፈለጥኩ ዝጽሕፎ ከምዘለኹ ኩሉ ሰብ ክፈልጥለይ እደሊ ኣሎኹ። ኣይፋሉን ብኣንጻር እዚ ትብሎ ዘሎኻ እዩ ዝብል ሰብ እንተሃልዩ እኔሄልካ ፈረስ እኔሄልካ ጎልጎል እብሎ።

ወድሓንኩም!
መርዕድ ዘርኡ
m.zerut@gmail.com
27/11/2013

Advertisements

5 steps to tyranny





Letter of Appeal to Mr. José Manuel Barroso

To: Mr. José Manuel Barroso
European Commission President
November 9th,2013

Subject: Eritrean Refugees in Ethiopia

We the undersigned Eritrean civil society organizations, together with various civil society and human rights organizations have been working to draw the attention of the international community to the plight of and protect the rights of thousands of Eritreans who are facing dire conditions after having been forced to flee their country, Eritrea to escape political repression and human rights violations in general and the continued compulsory military service in Eritrea that has been made open ended since the year 2002 in particular.
As you are fully aware, the flagrant human rights violations in Eritrea and the total absence of the rule of law added to the unresolved border dispute with Ethiopia have made our country one of the largest refugee producing countries in the world. As the result, all Eritreans, especially those of young age have been leaving Eritrea in their thousands to seek refuge in the neighbouring countries such as Sudan and Ethiopia where they live in refugee camps in extremely dire living conditions. Worse again, they have become the primary target of human traffickers who continue to kidnap refugees for ransom and/or organ harvesting in the Egyptian Sinai and elsewhere in the region. Those who out of desperation have decided to take the dangerous route across the Sahara desert with the hope of making it to safety in Europe have been victims of organised smuggling and trafficking, with many of them perishing in the Sahara, in various detention centres in Libya and in the Mediterranean. The recent tragedy in Lampedusa shows the gravity of the problem Eritrean and other African refugees have been facing over the last decade.
While the world was shocked with the Lampedusa tragedy where over three hundred and sixty asylum seekers, mainly Eritreans who have fled Eritrea escaping political repression, Human rights violations and open ended compulsory military service in Eritrea, have perished in a single day, Eritreans received yet another disturbing news from refugee camps in Northern Ethiopia, thousands of refugees who had gathered in a peaceful demonstration to mourn the death of over three hundred of their compatriots in Lampedusa and also to protest against the ill treatment at the hands of the Ethiopian security forces as well as the widespread corruption by local officers in processing resettlement programmes. Sadly, the largely peaceful demonstration was confronted by armed security officers whose use of excessive force and live ammunition has resulted in several deaths, many more injuries as well as hundreds of arrests whose whereabouts remain unknown to this date. According to information coming from the refugee camps, the situation remains still tense with more arrests reportedly taking place.
During the past few weeks, several Human Rights organizations have appealed both to the Ethiopian Federal authorities and the UNHCR to make a thorough investigation and shed some light into the circumstances that led to the killing and injuring of several refugees demanding the release those who have been detained, explore ways of improving the living conditions in those camps and make sure that refugees are given the protection they deserve under international law.
Considering the facts that between 800 and 100 refugees continue to arrive in Ethiopia every month, we understand that this may constitute a huge burden on country’s meagre resources. We therefore call on the EU Commission to:
•Facilitate the process through which these refugees be resettled in other countries
•Urge the Ethiopian Federal authorities and the UNHCR to intervene and resolve this matter and
•Take all the necessary measures that would prevent traffickers operating freely from accessing the refugee camps and bring under arrest those disguise as refugees

While we hope that the modest contents of this appeal obtain your kind attention, we would like to assure you that we would be ready to liaise with you and assist in every effort aimed at alleviating the sufferings of our refugees. .

Sincerely yours,

•Eritrean Movement for Justice –EMJ ( mmeng39902@cox.net )
•Eritrean Civic Democratic Movement – ECDM (eritreancdm@gmail.com)
•Citizens for Democratic Rights in Eritrea – CDRiE ( cdrie2012@gmail.com )
1.http://www.unhcr.org.uk/news-and-views/news-list/news-detail/article/young-eritreans-in-ethiopia-face-future-in-limbo.html

CC to:
•Mr. Martin Shultz, President of the European Parliament
•Ms. Caterine Ashton, EU High Representative for Foreign Affairs and Security Policy
•Ms Kristalina Georgieva, EU Commissioner responsible for International Cooperation, Humanitarian Aid and Crisis Response.
•Mr. Antonio Guterres, UN High Commissioner for Refugees

Naz of Voice of Eritrea interviews Merid Zeru, Amanuel Habte and Abderuhuman Said

ሰብ ኣንጻር ገዛእ-ርእሱ

ኤርትራውያን ዝለዓለ ናይ አእምሮ ክእለት (intelligence and creativity) ካብ መላእ ኣህዛብ ዓለም ዝላዓለ እኳ እንተዘይብልና፣ ንገዛእ ርእስና ዝኸዉን ግን ኣሎና፣ ንክነብር ጻዕረኛታት ካብ ካልኦት ንላዕሊ እኳ እንተዘይኮነ ኣኻሊትብዓት፣ ጽንዓትን ተጻዋርነትን አለና፣ ንተጻባእትናን ተወዳደርትናን ደአንበር፣ ንፈተውትና፣ ጋሻን ሕያዎትን ለጋሳትን ተቐበልትን ኢና። እዚ አጋጢሙና ዘሎ ከቢድ ጸገምን መከራ ከም ጻዕርናን ድሌትናን አይምተገብአናን ነይሩ፣ ዝባሃል እኳ እንተኾነ፣ ኩሉ ዉጽኢት ካብ እኩብ ድምር ናይዝተፈላለየ ሮቛሒታትን ማሕበራዊ ስነኣእሙራዊ ቅርጻን ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒትና ዝመጽእ እዩ። ነዚ ጠንቂ ዝኾነ ንምትንታኑ ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቕ ስለዝኾነ፣ ካብቶም ኣገደስቲ ሮኦቛሒታት ጠቂሰ ክሓልፎ እየ፣-
1.ሂወትን ቃልሲ ብጊዝየ እዩ ዝዕቀ፣ ከምኡ እዉን ናይ ትማሊ፣ ሎሚን ናይ ጽባሕን ኣብ ግምት ኣእትዩ ዘንብብ ኣታዓቛቅና ጊዝየ ክህልወና እንዳታገብኤ ከንሱ፣ ኤርትራዉያን ብዛዕባ ዝሓለፈን ዘሎ ክንርእን ክንሰምዕን ዝኽእሉ ነገራት ጥራይ ኢና ርግጻኛታት ክንከዉን እንኽእል። ሰለዚ ብዛዕባ ዝመጽእ ብዙሕ ከይተሸገርናን ካይሓሰብናን፣ መብዛሕትኡ ጊዝየ ኣብ ዝሓልፈ ታሪኽ፣ ዝዉሓደ ድማ ኣብ ህልዉ ኩነታት ዕንክሊል ክንብል ጊዝየና ነጥፍእ፣ ንዝመጽእ ዕንወት ፈጺምና ዘይነስተብህል።
2.ፖሎቲካዊ ባህልና ብኣባታዊ (patriarchy) ኣታሓሳስባ ዝተቀየደን ንርኽክብና ብመልክዕ ሰንሰለታዊ ጽምዳዊ ኣረኣእያ(heirarchical dualism) ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝወርድ ስለዝሰርዖን፣ ኣዝዩ ነፋግን ጸቢብን ብምኻኑ እዩ። ብተወሳኺ ንፖሎቲካዊ ዉድድርን ፍልልያትን ብጽልኢ ንርድኦን ንገልጾን።
3.ካብቲ ናይ ጸገምናን ውድቀትናን ቀንዲ ምኽንያት ኣዚና ህልከኛታት ኢና። ንኹላህና ዘዕውት ስልትን ስትራተጂን(win-win strategy) ናይ ምቕባልን ምምሃዝ ዓቕሊ የብልናን።
4.ጉጂላዊ ኣታሓሳስባ ይገዝኣና።
5.ርግእ ኢልካ ንኽትላዘብን ኣብ እንካን ሃባን ኣቲኻ፣ ዘለካ ጸገም ብስትራተጂ አፈታትሐ ግርጭት (conflict resolution strategies) ተጠቂምካ ናይ ምፍታሕ ተሞክሮን ድሉዉነትን የብልናን። “ቢሕም ዝበለ ይታሓጎም እዩ”።
6.ብወረ ወረ ወይ ድማ ብእንታይ ሰሚዕካ እንታይ ርኢኻ ዝብል ዘይተጨበጠን መርትዖ ዘይብሉ ሓቤሬታ ዝምእዘን ጥንታዊ ሕብረተሰብ ስለዝኾና እዩ። እቲምንታይስ “ሓንካስ ዘዉረዮ ፈረሰኛ ነይመልሶ” ከምዝባሃል፣ ኣቀዲሙ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ወረ ከም ቅቡል ተወሲዱ ስለዝዕቁብ እዩ።
7.ንፖሎቲካዊ ስልጣ ብብቕዓትን (meritocracy) ብዉክልናን ክማሓደር ከምዘለዎ ኣይነጋዝብን፣ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብዝሓየለ ሰብ ወይ ብዝሓየለ ጉጂለ ንክማሓደር ከም ቁቡል ንወስዶ።…ወ.ዘ.ተ እዩ። ስለዚ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን መራሒኡ ኣብ ኣታሓሳስባና ተጸፍዩ ዝዓበየን ዝቕጽል ዘሎን እዩ።
ግንዛቤታተይ ኣብ ዉሽጢ እዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ማሕበራዊን ፖሎቲካዊን ቃልሲ ቡዙሕ ኣኳ እንተኾነ፣ እቲ ሓደገኛ ኮይኑ ዝረኸብክዎ ግን ሰብ ኣንጻር ገዛእ-ርእሱ ዘካይዶ ጥፍኣት እዩ። ሓደ ሰብ ብገዛእ ፍቃዱ ኣብ ከቢድ ወልፊ እጸ-ፋርስ ምስ ዝጸምዳ፣ እቲ ኣብ ደሙን ማላእ ኣካላቱን ዝተዘርግሔ ቀመማት እጸ-ፋርስ ካብ ኣካላቱን መንፈሱ ክናገፍ ስለዘይክእል ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ ስቓይ ዝሓልፎ እዩ ።
ሓደ ሕብረተሰብ ድማ ብስንኪ ማሕበረ-ምጣኔሃብታዊ ስርርዓቱን ድሕረት ኣታሓሳስባቱን ዝነቕሉ ከበድቲ ወልፍታት ኣለዉዎ። እዞም ከበድቲ ወልፍታት ማሕበራዊ-ሕማማት እዮም። እዞም ማሕበራዊ ሕማማት እዚኣቶም ብሓሳብን ብግብሪ እንዳቀተልዎ ከንሶም ድማ ተዓጢቁ ይቕጽሎም። ሓቂ ከምዘይኮነ እንዳፈለጠ የጣቕዕ፣ ብተስፋን መወዳታ ዘይብሉ መብጽዓ ይነብር።
1.ፍላን ከምዚ ስልጣን ዝነበሮ መጽዩ ይብሃል፣ ደዲሕሪኡ ህዱድ ይብል።
2.ፍላን ታሪኽ ክነግር እዩ ይባሃል፣ ደድሕሪኡ ህዱድ ይብል።
3.ስምረት ጌርና ይብሃል፣ ደድሕሪኦም ህዱድ ይብል።
4.ጸለመን ጠቀነን ይላዓል፣ ደድሕሪኡ ህዱድ ይብል።
5.ባይቶ ጌርና ይብሃል፣ ደድሕሪኡ ህዱድ ይብል።
6.ኩሊት ወዲ ሰብ ዝሸጡን ዝልዉጡን ኣብ ሲናይ ኣለዉ ኣንዳተባህለ ንሲናይ ገጾም ይኸዱ።
7.ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ምጥላቕን ሞቱን ከምዘሎ እንዳተፈልጠ፣ ዘይተደነ ገንዘብ ከፊሎም ርእሰ-ቅትለት ይፍጽሙ….ወ.ዘ.ተ ክንደይ ጸብጺብካ እሞ ክውዳእ እዩ። ኩሉ ዘገርም እኳ እንተኾነ፣ ዘስደምም ድማ ኣሎ። ነዚ ኩሉ ሓደገኛ ወልፍታትን ማሕበራዊ ጽላለን ክገትእ ዝኽእል፣ ምርግጋእ ሕብረትሰብ ክፈጥር ዝኽእል፣ ምርግጋጽ ግዝኣተ-ሕጊ ሙኻኑ እንዳተፈልጠ ከንሱ፣ ኣለዉ ኤርትራዉያን ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝድግፉ፣ ኣብዚ እዋናት’ዚ ኤርትራ ኣብ ኣይኪናትን ኣይሰላም ምስ ኢትዮጵያ ኣብ እትርከበሉ ወቕቲ፣ ግዝኣተ-ሕጊ (ቅዋም) ምትግባር ኣየድልን እዩ ዝብሉ። ረብሓታቶም፣ ሰብኣዊ-ጸጥትኦም፣ንብረቶምን መሰላቶም ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ዝዉሓስ ከንሱ እንዳፈለጡ፣ ጊልያታት ናይ ገበቲ ንክኾኑ ዝወሰኑ እዮም።
ብመንጽር እዞም ዝጠቀስክዎም ጉጂለ ድማ፣ ኣብ ተቓዉሞ ደንበ ዝርከቡ፣ ዝበዝሑ ክፋላቱ ጽዉጽዋይ ታሪኽ ከም ሓቂ፣ ንለኽባት ሰብ ከም ሓቀኛ፣ ንዝተፈብረኸ ወረ ከምዝኾነ፣ ንዘይትግበር መብጽዓ ከምዝትግበር፣ ንዘየሎ ነገር ከምዘሎ፣ ንዘይከዉን ነገር ከምዝኸዉን፣ ንሰለይቲ ባዕዲ ከምተቃለስቲ…ወ.ዘ.ተ ወሲዶም፣ ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ዘይተደልየ ኣብ ናይ ኮንቱ ኮንቶ ጽምዶን ንጥፈታት ዝዉዕሉ እዮም። ብዉሽጢ ሕልንኦም ሓቂ ከምዘይኮነ እንዳፈለጡ ከንሶም፣ ጥራይ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ይኹን እንበር ሓቂ ይኹን ሓሶት ኣገዳሲ ኣይኮነን ዝብሉ እዮም። እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ወልፊ እዚ፣ ካብ ከቢድ ወልፊ እጸ-ፋርስ ዝገደደ እዩ። ንመረዳእታ፣-ሓደ ኣብ 1968፣ 1970፣ 1973፣1977…ወ.ዘ.ተ ኣብ ሰዉራ ኤርትራ ተሰልፊ ዝጋደል ዝነበረ ተጋዳላይ ብሂወቱ እንዳሃለወን ታሪኹ ባዕሉ ዝዉዓሎን ዝነበሮ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ዝፈልጦ ከንሱ፣ ብ ኣብ 1983፣ 1984…ወ.ዘ.ተ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ “ሚስጢራት ታሪኽ” ተጋድሎና ይፈልጥ እዩ ተባሂሉ፣ ንታሪኹ ክሰምዕ ኣብ ድሕሪ ኮምፕይተር ተገቲሩ፣ቁልጭ ኢሉ ዝዉዕልን ዝሓድር፣ ስግሩ ድማ በቲ ሰንኮፍ-ኣፍሉጦ ዝተጸዉየ ስንጊንጢር ታሪኽ ዝጋሳጎስ እንተኾይኑ ምስ ምንታይ ክጽብጸብ እዩ?
ብወገነይ ዉልቀ-ዜጋ ኣብ ዝካየድ ማሕበራዊ ሰዉራ ዓቢ ጊደ ክምዘለዎ ብምፍላጥ፣ ወሳኒ ጊደ ሰብ ክራጋገጽ ካብ ቀንዲ እሙንቶይ እዩ። ሓንጎል፣ ተወፋይነት፣ ብቕዓት፣ ርትዓዉነት…ወ.ዘ.ተ.ዝወነኑ ዉልቀ-ዜጋታ መመንጨዊ ብሉጻት ሓሳባት፣ ስትራተጂ፣ ስልቲን መራሒ ክኸዉን ከምዝኽእሉ እዉን ይፈልጥ። የግዳስ ብዕሙት ዘይኮነ ብነቀፌታዊ-ኣታሓሳስባ (Critical thinking) ብምምዛን ይርዕሞም ወይ ይነጽጎም። ፈጺመ ድማ ብህቡቡነቶም ወይ ብተፈላጥነቶም ዕሙት ደገፌታይ ኣይህብን እየ። ሕብረተሰብ ድማ ከምኡ ክኸዉን ከምዝግባእ ይፈልጥ። ህቡቡነት ብኣዉንታ ኣበርክቶ ጥራይ ኣይኮነን ዝራጋገጽ፣ል ብመንጸሩ እዉን ብኣሉታ ዝጥረ ማሕጝበራዊ ክብደት እዩ። ንመረዳእታ፣- ኣዶሉፍ ሂትለር ኣብ ዓለም ህቡቡን ፍሉጥን መራሒ እዩ፣ ህቡቡናቱ ግን ብጸሊም ድነ ማሕበራዊ ክብደትን ኣሉታ ታሪኽ ዝተደወነ እዩ። ስለዚ ኤርትራዉያን ድማ ከምኡ ዓይነት ህቡባት ሰባት ከምዘለዉና እኮ ኣራጋጊጽና ንፈልጦ ጉዳይ እዩ።
ልዕሊ ኹሉ ግን ባዕልኹም ትፈልጥዎ ጉዳይ ብካልኦት ክንገረኩም፣ ባዕልኹም ትበቕዕዎ ጉዳይ ካልኦት ክገብርልኩም፣ መራሕቲ ከንስኹም ንነብስኹም ተመራሕቲ ትወስድዋ እንተኼንኩምን ተመራሕቲ ከንሱኹም ንነብስኹም ከም መራሕቲ ትጽብጽብዋ እንተኼንኩም….ጊዶ….ጊዶ….ጊዶ! ጥራይ ተባሂሉ ዝሕለፍ ጉዳይ እዩ። እቲ ምንታይስ መድሃኒት ዘይርከቦ ሕማማትን ወልፍታት ስለዝኾኑ እዮም።
ካብዚ ኣቀድም ኣቢለ ዝጣሕመስክዉ ዝተፈልየ እኳ እንተዘይኮነ፣ ክግለጽ ዝግብኦ ካልእ ሕማቕ ባህርያት ወይ ወልፊ እዉን ኣሎ። ንሱ ድማ ሓደ ወትሃደራዊ፣ ሲቪላዊ፣ ኣካድማዊ መዓርግን መዝነት ዝነበሮ ወይ ዘለዎ ፣ ደራፋይን ሓፋሽ ዉድባት ዝነበረ ሰብ ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን ወጽዩ እንተተዛረበ፣ ነቲ ሒዝካዮ ዝጸናሕካ ቃልሳዊ-ጽምዶ ራሕሪሕካ ደድሕሪ እቲ ሰብ ብዕሙት ምድጋፍ፣ ምስዓብን ምጉያይ ከምዘሎ ኩሉ ሰብ ዘራጋግጾ ሓቂ እዩ። እቲ ምጉያይ ጊዝያዊ ሆይሆይታ ኮይኑ ግልብጥ ኢልካ ድማ ምሕማይን ምንጻግን ንቡር ኣብ መዓልታዊ ሂወት ሕብረትሰብና ዝዝዉተር እዩ።
ኣነ ሕጂ ብከቢድ ዘሻቕለኒ ዘሎ ጉዳይ እንተሃልዩ፣ ድሕሪ እዚ ኹሉ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርና ምዉራዱ፣ ገለ ለዉጢ ኣብ ዉሽጢ ሃገርና ተፈጢሩ፣ ኢስያስን ኣብ ክሊ ጠረቤዝኡ ዝርከቡ ሰብ-መዚ፣ ከምዚ ንሕና ተሰዲድናዮ ዘሎና እንተተሰዱ፣ ደድሕሪኦም ዘጣቖዑ፣ ዝጎዪ፣ ዝድግፍ…ወ.ዘ.ተ ቡዙሕ ሰብ ክህሉ ከምዝኽእል ምግንዛበይ እዩ። እቲምንታይስ ማሕበራዊ ሕማማት ከምዚ ርስሓት ሓንቲ ካምሻ ብሕቃቕ ሳሙና ሓጺብካያ እቲ ጸሪ፣ ብቀሊሉ ተሓጺቡን ተገኒሑን ክጸሪ ዘይክኣል ብሙኻኑ እዩ። ስለዚ እቲ ብድሆ ኣብ ኣታሓሳስባና እዩ ዘሎ። ካባይ ጀሚሩ ዝኾነ ሰብ ምስነብሱ ክትዓረቕ፣ ነብሱ ክቕይር፣ ነብሱ ካብ ገዛእትና ዝኾኑ ኣሉታዊ ጥንታዊ ማሕበራዊ ሕማማት ክናግፍ፣ ካብ ንሰብ ንቁኑዕ ሓሳብ ክርዕምን ክድግፍ፣ ካብ ናይ ኣታሓሳሳባ ጊልያነት ተናጊፉ ንገዛእ-ርእሱ ሓራ ከዉጽእ ኣለዎ። ሓራ ዘይወጸ ዉልቀ-ዜጋ ሓራ ንሕብረተሰብ ከዉጽእ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። ብዓቢኡ ግን ሰብ ኣንጻር ገዛእ ርእሱ ደዉ ኣይብልን እዩ።

ወድሓንኩም!
መርዕድ ዘርኡ
8/11/2013

VCITMS OF LAMPEDUSA TRAGEDY DAY OF THE MOURNING November 3, 2013,

Eritrean Civic Democratic Movement joins Africa, AU, and the Eritrean Nation in the Day of Mourning for those who perished in Lampedusa and expresses condolence and support to the bereaved.. We mourn the death of our Eritrean and African brothers and sisters, sons and daughters, grandsons and granddaughters, wives and husbands and friends.. and join AU in calling for all appropriate actions to be taken with a view of finding a lasting solution to this persistent problem.. A copy of the original hand-written list of the Eritreans who perished on the shores of Lampedusa as documented by one of the survivors http://meskerem.net/listofDead.pdf