Monthly Archives: March, 2018

ኤሪትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡-

ሓደ ካብቲ ዘሕፍር ሃለዋት ህ.ግ.ደ.ፋዊት ኤሪትራ፡ ብሓፈሻ ሕቶ ኤሪትራዊት-ስድሬቤትን ብፍላይ ድማ ሕቶ ደቂ ኣንስትዮ’ዩ። ደቂ- ኣንስትዮ ማዕረ ኣሕዋተን ደቂ-ተባዕትዮ ኤሪትራዊያን፡  ኣብ ሰላማዊ-ፖሎቲካዊን ዕጥቃዊ ቃልሲ ብንጡፍ ተሳቲፌን፡ ብተግባር ማዕርነተን ብተሳታፍነተን ዘራጋገጻ ከንስን፡ ነዚ ዓጽመንን ደመንን ከስኪሰን ዘራጋገጽኦ፡ ጸወታዊን ሕብረተሰብኣዊ ማዕርነት፡ ዳግም በቶም ትማሊ ምስኣተን ተላፊኖም ዝተቃለሱ ኣሕዋተን፡ ተመንዚዔን ኣብ ሓደጋ ተሳጢሔን ይርክባ ኣለዋ።

ደቂ-ኣንስትዮ ኤሪትራ ብዲሞግራፊያዊ ብዝሔን 57% ዝግምገማ፡ ብተሳትፍኦንን ዲሞግራፊያዊ ጸጋታተን ሙዑሩይን ዑዙዙን ግደ ክህልወን ኣንዳተገበኤ ከንሱ፡ ተራኣን ግን ባይታ ዝዘበጠ ጨፍሉቕ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ከም ሰበን ዘጓንፈን ደርባዉን መግዛእታዊ ጭቆናን ሕሰምን፡ ኣባታዊ ሕብረተሰብኣዊን በጋሚዳዊ ባህርያት ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ንዝኸፍኤ ሓደጋታት ኣቃሊዕወን ይርከብ ኣሎ።

  1. ኤሪትራዊት መንእሰይ ጉብዝንኣን ባህርያዊ ጽባቔን ኣብ ክንዲ ተዉህቦ፡ መከራ ዝዕድም ክብራ ዘግህስ ዕዳ ኮይንዋ ዘላ ጊዚ’ዩ።
  2. ኤሪትራዊት ተጋዳሊት፡ ጎደናታት ኣብ ምጽራይ፡ ፓርኪን-መካይን ቲኬት ኣብ ሙቕራጽ፡ ምልማን፡ ስደት…ወ.ዘ.ተ ተዋፊራ ኣብ ሓሳረ መከራ ትሕልፈሉ ዘላ ጊዚ’ዩ።
  3. ኤሪትራዊት ኣደ፡ ኣደዳ ሕሰም፡ጥምይት፡ ስደት፡ ጓሂን፡ ደቓ ብመከራ ኣዕብያ፡ ደድወለደቶምን ዘዕበየቶሙን ደቃ፡ ንህ.ግ.ደ.ፍ እተረክብ ናይ ሰብኣዊ መፍረ-ፋብሪካ ኮይና ኣላ። ኣቦታቶም ዝተኣስሩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝተጸምዱ፡ ዝተሸርቡ፡ ዝተሰዱ፡ ዝሞቱ….ወ.ዘ.ተ ዘኽታማት በይና ከተዕቢ፡ ተሕልፎ ዘላ መከራ እዚ ኢልካ ክትዛረበሉን ክትጽብጾቦን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይንሉ ዘሎ ህሞት’ዩ።

ዋላ እዉን ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ  ዝተሰለፉ ሓይልታት እንተኾኑ’ዉን፡ ብተግባር ውሑዳት ሓዲካ መብዛሕትኦም፡ ካብቲ ኣባታዊ ኣታሓሳስባ ሓራ ዝወጹ ስለዘይኮኑ፡ ንደቂ-ኣንስትዮ ከምዚ ንዕዳጋ ዝተቀረባ ሃለኽቲ ነገራት ገይሮም ስለዝወስድወን፡ ከም መሳርሒ ንዋት ክጥቀሙለን ዘይፍሕርዎ ጉድጓድን ዘይፍትንዎ ነገራት የሎን።

ጓል-ኣንስተይቲ ዓለባ ሕሰም ክትርብዕ፡ ሞቕሕ ኣባታዊ ኣታሓሳስባ ክትበትኽ፡ ጸወታዊን ደርባዊን ማዕርነታ ከተራጋግጽ….ወ.ዘ.ተ እንተኮይና ሱሉስ ተናጻጺሉ ዘይከይድ ቃልስታት ከተሳላስል ኣለዋ። ንሳተን፡-

  1. ጸወታዊ ኣድልዎን ዓመጽን ከተወግድ ፡
  2. ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርርዕ ክትኣሊ፡
  3. ኣባታዊ ሕብረተሰብ ክትቅይር፡ ተሪር ቃልሲ ከድልያ’ዩ።

መታን ቃልስታታ ብግቡኡ ከተሳልስል፡-

ቀዳማይን ቀንዲን፡ ናጻ ዝኾነ ናይ ገዛእ-ርእሳ ማሕበር ክህልዋ ኣለዎ።

ካልኣይ፡ ድማ ምስ ዜጋታት ትቃለሰሉ ናይ ሓባር-ዋላ ከድልያ’ዩ።

ኮይኑ ግን ናጻ ዝኾነ ናይ ገዛእ-ርእሳ ማሕበር፡ ከም ዋልታን ጭማራን ኮይኑ፡ ዉሑስነት ዝኾና፡ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ናይ ሓባር ስራሓት፡ ጓል-ኣንስተይቲ ነዚ ናይ ገዛእ-ርእሳ ናጻ ማሕበር ኣብ ምዱካን ክትጽመድ ኣለዋ።

ከምኡ ስለዝኾነ ኢና ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤሪትራ “ቀንዲ ሲቪክ መትከላትና ኣብ ፖሎቲካዊ ራእይና፣ ማሕበራዊ ፈልስታት ናይ ሲቪክ ሃገርን ሕብረተሰብን ኤርትራ ካብ ሕጂ ኣትሒዘን ክቦቕላን ክነጥፋን እዩ። እዘን ናጻ ደሞክራስያውያን ሃገራውያን ማሕበራት፣ ማሕበር ሰራሕተኛታት፣ ማሕበር መንእሰያት፣ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ማሕበር ስንኩላን፣ ማሕበር ሓርበኛታት … ወዘተ ይጠቓልል።  ናጻ ሲቪላዊ ትካላትን ኣካላትን፣ ማሕበር ኩሉ ዓይነት ሞያ፣ ማሕበር ጋዜጠኛታት፣ ማሕበር ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማሕበር ሓካይም፣ ማሕበር ናይ ሕጊ ኪኢላታት/ ጠበቓታት/ ማሕበር መማህራን፣ ማሕበር ነጋዶ፣ ፣ ማሕበር ስነ-ጥበባውያን፣ ማሕበር ድሕነት/ኣንጻር/ ብከላን ልምዓትን፣ ማሕበር ተጣበቕቲ ህጻናት፣ ማሕበር ረድኤትን ምትሕግጋዝን….ወዘተ ናጻን ርእሰን ኪኢለን ክነጥፋን ክዕንብባን ካብቲ ቀንዲ ዕላማና እዩ። ናጽነተን ንምሕላዉ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕቲ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ፣ ዉድብን ሰልፍን ተቆሪነን ዝሰርሓ ወይ መሳሪሒ ፖሎቲካዊ ምንቅስቃስ፣ ዉድብን ሰልፍን ዝኾና፣ ርእስን ኪኢለን ብነጻ ብዉሽጣዊ መደብ ዕዮን ሕግታተን መሪሒነታተን ክግዝኣ ስለዝግባእ ኣብ ክንዲ ቱኹላዊ ዝምድናታት ጋድማዊ ዝምድናታት ክህልወና ብመትከል ንኣምን”። እንብል።

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

m.zerut@gmail.com

17/03/2018

http://snitna.com/ECDM%20Dialogue%20papers%20for%20our%20common%20strategy%20and%20future.pdf

 

Advertisements

“ናጻ” ካብ ምንታይ: ከመይ ዝኣመሰለ “ናጽነት”:

ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታታት ኤርትራ፡ ቡዙሕ ጊዚየ ንሕና “ናጻ” ኢና ተባሂሉ ክዝረብን ክጽዓድን ይሰምዕ’የ፡ የግዳስ ከም ዑቱብ-ሓቂነት ዘለዎ  ጽዕዶ ወሲደዮ ኣይፈልጥን። እቲ ምንታይስ “ናጻ” ካብ ምንታይ ሙኻኖም፡ ንጹር መግለጺ ስለዘይህቡሉን፡ ብተግባር እዉን “ናጻ” ሙኻኖም ብርግጽ ከእሙኑ ስለዘይኽእሉ ብሙኻኖም እዮ። “ናጻ” ኢና ክብሉ ይጸንሑ እሞ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ድማ ኣእዳዉ ናይ ህቡኣን (ghost)፡ ብሩኡይ ኣጻብዕቶም ከንቃሳቑሱ ስለዝርኣዩን ሓሳባቶም ከንሂ  ስለዝስሙዑን’ዩ።

ካብዚ ቀጻሊ ዝዳጋገም ተርእዮታትን ዳይነሚክስን ብምንቃል፡ “ናጻ” የ ወይ “ናጽነት” ኣሎኒ ኢልካ ክትጽዕድ እንተኼንካ፡ ብቀዳምነት ምጣኔ-ሃብቲ ንፖሎቲካ ስለዝመርሕ፡ ንጹርን ጽኑዑን መትከላትን ፖሊሲታት ኣብ ምጣኔ-ሃብታዊ ኣካናዉናኻ  ክህልወካ ኣለዎ። ብዝኾነ ኣምር ናጻ ን ናጽነት ኣብ ገብረ-ገብነት፡ ሰብኣዉነትን ጉቡኣት ዝቶሞርኮሰ ኮይኑ ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?  እንታይ’ዩ ኸ እቲ  ቁኑዕ ክኸዉን ዝግብኦ? ንዝብል ሕቶታት ኣቀዲሙ ብምልኣት ብሓሳብን ተግባራትን ዝመለሰ ምስ ዝኸዉን’ዩ። ናጻን ናጽነት ካብ ጽቡቕ ድሌታትካን መርትዖ ዘለዎ ምኽንያት ነቂሉ፡ ብዘይ ግዳማዊ ጸቕጥታት፡ ጽልዋታት፡ ምወላታት፡ ሓሳባት …ወ.ዘ.ተ፡ ብናይ ገዛእ-ርእስኻ ሰናይ ድሌታትካን ዉሳኔታትካን ትሓስቦምን ተተግብሮሙን ነገራት ፡ በቶም ባዕልኻ ንነብስኻ ዝገበርካላ-መግቲኢታት ተቀይድካን ሓሲብካ ተትግብሮም ወይ ትብሎም (conscious free will )እዮም።

ኣብ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ንጥፈታት ሙሉእ ብሙሉኡ “ናጻን ናጽነትን” ዝብሃል ጉዳይ ብተግባር ኣሎ ድዩ (does free will exist) ዝብሉ ሕቶ ብገለ ግራቜናት፡ ዉልቃዊ ናጽነቶም ንካልኦት ዝመጠዉ: ነቲ ሓቂ ንምዝንባዕ ተባሂሉ ይልዓል’ዩ። እወ “ናጻን ናጽነትን” ካብ ገዛእ ርእስኻን ካብቲ ትነብረሉ ማሕበረ-ኮም ስለዝሙንጩ ህሉዉ’ዩ። ኣብ ዓለም ደቂ ሰባት ተሓጋጊዞም ስለዝነብሩ፡ ሓገዝ ምንዳይን ሓገዝ ምርካብን ነዉሪ ኣይኮነን። ከምኡ እዉን እቲ ዛዕባን ዕላማ ጽሑፈይን ኣይትታሓገዝ ወይ ኣይትሓግዝ  ንምባል ኣይኮነን።  እንታይድኣ መን ይሕግዘካ፡ ስለምንታይ ይሕግዘካ፡ ካብ መን ትቕበል፡ ንመን ሓገዝ ትሓትት…ወ.ዘ.ተ ብንጹር ዝፈለጥካን “ንናጻ”ን ናጽነትካን” ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘየሳጣሕካ ክትከዉን ኣሎካ፡ ናብ ዝብል ምኽሪ ዝዛዘወ እዩ።

“ናጻ”ን ናጽነትን” ክህልወካ ከም ቀዳማይ ምርጫኻ ምስትወስዶ ፡ ብተኻእለ መጠን፡  ኣብ ምጣኔ-ሃብታዊ ዓቕምታትካን ሃልክታትካን፡ ብቀጥታ ካብ ኣባላትካ፡ ዘካየድካዮም ወፍሪታት፡ ዝተወፈየልካ-ዉርስታት፡ ምእካብ ወፈያታት ገንዘብ (fund raising)…ወ.ዘ.ተ ብዝተረኽበ ኣብ ርእሰ-ምኽኣል (self-reliance) ዝተሞርኮሰ ወይ ድማ ምስ ንስኻ ትነጥፈሉን ዕላማታት ቀጥታዊ (ቱኹላዊ) ርኽክብን ናይ ረብሓታትር-ግርጭት (conflict of interest) ዘይብሎም፡ ኣካላት ዉሽጣዊን ግዳማዊ ሓይልታት፡ ተማጻደቕቲ ናይ ቃልስታትካን ሽግራትካን  ዝኾኑ፡ መወልቲ ኣናዲኻ ክትረክብ ኣሎካ። ካብዚ ወጻኢ ጉሉጽነት ዝጎደሎን ኣብ ኣዝዩ ረቂቕ-ስልቲ ዝተሞርኮሰ ምወላ ምስ ዝኸዉን “ናጻ”ን ናጽነትን” ዘሎካ ዘይኮንካ፡ መሳሪሒ ናይቶም ዝምዉልኻ ኢኻ። እቲ ምንታይስ እቶም ዝሙዉሉኻ፡ ከምዚ ሓለይትን ደገፍትን ኮይኖም ይቐርቡኻ፡ ብተግባር ግን ንምጽላዉካን ንሙቑጽጻርካን ዝዓለሙ እዮም። ብርግጽ ንስኻ እዉን እንተኾነ ትፈልጦ ሓቂ ‘ዩ ፖሎቲካዊ ዉድባት፡ ምንቅስቓሳት፡ ግንባራት…ወ.ዘ.ተ ናይ “ግብረ-ሰናይ ማሕበራት” ከምዘይኮና ኩሉ ዝገብርኦ ወፈያታት ፖሎቲካዊ ሕሳባት ከምዘለዎ’ዩ።

ፈቲኻ-ጸሊእካ፡ ወትርግ መወልቲ ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራዊ ዉሳኔታትካ ኣዝዩ ጽኑዕ ጽልዋ ክህልዎም’ዩ። እቲ ዝብሉኻን ዝደልይዎ እንተዘይጌርካ ድማ ምጣኔ-ሃብታዊ ምወልኦም ደዉ ኣቢሎም፡ ከም ዓጽሚ ኣብ ጎሮሮ ኮይኖም: ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ተሓኒቕካ  ከምትወድቕ ይገብሩኻ።

ፖሎቲካዊን ምጣኔ-ሃብታዊ ዕላማ ዘለዎም፡ ናይ ግዳም ይኹን ናይዉሽጢ መወልቲ ሓይልታት፡ ስለዝደለኻዮም፡ ስለዝዓደምካዮምን ስለዝለመንካዮም ኣይኮኑን ዝሙዉልኻ፡ እንታይ ድኣ፡ ነቲ ዝደልይዎ ፖሎቲካዊ ወይ ምጣኔ-ሃብታዊ ዕላማ ንምዕዋት ኣገዳሲ ንዋት ኴንካ ምስዝረኽቡኻ’ዩ። ኣገዳሲ ንዋት ክትከዉን ባዕሎም ይፈጥሩኻ ወይ ድማ ብግርህና ዝጀመርካዮ ምንቅስቓስ ኣብ ከርስኻ ናቶም ሰባት ይጸፍዩልካ። ብመንገዲ ዝተጸፍዮ ሰባቶሙን፡ በቲ ዝምዉልኻ ገንዘብን ገይሮም ድማ፡ ናብ ዝደለይዎ መዓላታት ወይ ማኣዝን ንምንቅስቓስካ ይመርሕኻ። እቲ ዘንቀልካሉ ድንግል ሓሳብን ዕላማን ድማ ብኸምዚ ብልሓት ተጨዉዩ፡ መኻዕበቲ ፋይናንሳዊ ትሕዝትኦሙን ፖሎቲካዊ ጡማሓቶሙን ኬንካ ትተርፍ።

ብኸመይ ብልሓታት እዮም፡ እቶም ተመወልቲ ከንሶም፡ ንካልኦት ዝሙዉሉ ገንዘብ ዝረኽቡ? ኣብ ዘመነ ዓዉላማን (globalization) ኣብ ናይ ምዕራብ ሃገራት፡ ኣንካይዶ ዝተወደቡ ጉጂለ ሰባት’ሲ፡ ሓደ ዉልቀ-ሰብ እዉን እንተኾነ፡ ሕጋዊ ሲቪላዊ ማሕበር፡ ዘይመንግስታዊ ዉድብ፡…ወዘ.ተ ብምምስራት ኣብ ሰብኣዉነታዊ ሓገዛት፡ ኣብ ምምዕባል ትምህርቲ፡ ኣብ ክንክን-ጥዕና፡ ኣብ ህዝባዊ-ሜላ፡ ሕብረተሰብኣዊ-ጉዳይ፡ ተጣባቂ ንሰብኣዊ መሰል፡ ተጣባቂ ጸረ-ግርዘት፡ ተጣባቂ መሰል ደቂኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ሃይማኖት፡ ማሕበረኮም፡  …ወ.ዘ.ተ ብምምስራት፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር፡ ብዘፍቕዶ ሕጊ መሰረት ተመዝጊቡ፡ ክንቃሳቐስ ዉሑስ መሰላት ዘለዎ’ዩ። ንኸምዚ ዓይነት ንጥፈታት ተባሂሉ፡ ካብቲ መንግስቲ ዝኣከቦ ቀረጻት ዝሕዛእ፡ ህዝባዊን መንግስታዊን ገንዘብ ስለዝህሉ፡ ቀጥታ ተጠቃሚ ናይ’ዚ ገንዘብ ንክትከዉን ንስኻ፡ ንጥፈታትካን ምትእስሳራትካን ወሳኒ’ዩ ።

ብሕጋዊ ብልሓት ማሕበርካ ምስ ኣመዝገብካ፡  ከም መወከሲ (reference) ዝጥቀሙልካን ትጥቐመሎሙን  ፍርዝን ዝበሉ ዓለምለኻዊ ዉድባት፡ ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ክብደታትን ተሳማዕነት ዘለዎም ዉልቀሰባትን ናይ ገበላ ምምኻር ጉጂለታት(Lobby group) ክትረክብ ንዕብየትካን ምንቅስቓስካን ወሳኒ’ዩ። እዚ ክልተ ረቛሒታት ምሰተማልእ፡ ማሕበርካ ርዝነትን ተሰማዕነት (Leverage) ይህልወካ እሞ፡ ድሕሪኡ ሻምቡቆ መስመር ገንዘብ ከም ዋሓዚ ማይ ቦሽቦሽ ይብልን ኣብ ሕጋዊ መጋባእያታት ናይ ዞናዊን ዓለምለኻዊ ዉድባት ድማ ቀጻሊተሳታፊ ትኸዉን።

ድሕሪ ሙሉእ ተቃባልነት ምርካብካ (recognition) መወልቲ ሓይልታት ዘድልየካ ገንዘብ ትም ኢሎም ኣይኮኑን ዝህቡኻ። እንታይድኣ!

  1. እቲ ዝኸፍኤ መልክዑ፡- መወልትኻ ኣብ ናቶም መርበብ ብቀጥታ ንዝወጠንዎ ዉጥናት ንምትግባርን፡ ንሶም ብድሕሪ-መጋረጃ ኮይኖም፡ ኣብ ቅድሜ ዓለምለኻዊ መጋባእያታት ከም ተጣባቂ፡ ኣቕራቢ ክሲ፡መዳሪ….ወ.ዘ.ተ (speaker, presenter …etc) ኬንካ ንክትቀርብ ከም መጉሉሒ ድምጺ ይጥቀሙልካ (ንመረዳእታ ንስርዓት ሱዳን ኣብ ዓለምለኻዊ መጋባእያታት ከጥቕዑ እንተ ደልዮም፡ ነቲ ክብልዎ ዝደለዩ፡ ኣብ ክንዲ ባዕሎም፡  ብሱዳናዊ ዜጋ ጌሮም ይብልዎ) ።
  2. እቲ ዝሓሸ መልክዑ ድማ፡ በቲ ዕላማታትካን ንጥፈታት ንስኻ ተካይዶ፡ ከሕጉዙ እንተወሲኖም፡ ኣቀዲምካ ናይቲ ከተካይዶ እትደሊ ንጥፈታት ዉጥን ሓንጺጽካ፡ ነቲ ዉጥን ንምትግባሩ ዘድሊ ሃላኺታት፡ንዋትን መሳለጥያታት፡ ክንድዚ ዝግመት ገንዘብ ባጄት የድሊ ዝብል እማሜ ብጹሑፍ መሰቕረብካ፡ ንከተካይዶ ኣጽዲቆም ኣዉንታ መልሲ (green light) ይህቡኻ እሞ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዝተወጠነ ዉጥን ብተግባር ተካይዶ።

ዝምዉልኻ ገንዘብ፡  መብዛሕትኡ ጊዚያት ድሕሪ እቲ ንጥፈታት ምክያዱካ’ዩ።  የግዳስ፡ ንኣጣቃቕማ ገንዘብ ኣብ ዝተሓስቦ ማዓላ ዉዒሉ ዶ ኣይዉዓለን ንምፍላጥ፡ ዘካየድካዮ ንጥፈታትን ዘዉጻካዮ ወጻኢታት ብዝምልከት ወይ ዝሕብር፡ ብደረቕን ተንቃሳቓሲ ስእልታትን ቪድዮታትን፡ ጽሑፋትን ናይ ዝተኸፍለሉ ገንዘባዊ ቅብሊታት ከተቕርቦሎም ትሕተት ኢኻ። ከምዚ ኢሉ ድማ፡ እቲ ናይ ምድንጋርን ምሕጋዝን ጉዕዞ ዕንክሊል ይቕጽል። ኣብዚ ሕጂ ክልዓል ዝግብኦ ኣገዳሲ ሕቶ ኣሎ። ንሱ ድማ እንተድኣ ካልኦት ክገብርዎ ዝኽእሉ ኾይኖም፡ ኣብ ክንዲ ንስኻ ብቀጥታ ነታ ሻምብቆ ዋሓዚት ገንዘብ ባዕልኻ ትሓልባ፡ ስለምንታይ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ኣካል፡ ሓሊቡ ዘምጻልካ ትቕለብ ከምዘሎኻ ክትሓስበሉ ዝግባእ ቀንዲ ጉዳይ’ዩ። እንታይ ዝብል ምስላ ኣሎ “ለማናይ’ሲ ንካልእ ለማናይ እንተቶኾበ፡ ዝሓሰቦ ድኣ ኣለዎ እንበር፡ ዝትኮበሉ ዶ ምስ ቶኾበ” ዝባሃል ምስላ’ዩ። ከመይ ገይሩ’ዩ ሓደ ለማናይ ካብተን ዝለመነን ቁሩብቁራቦ ንካልኣይ ለማናይ ዝቶኩብ?  ኣብ ክንዲ መሳሪሒ ን ጊዳይ ናይ’ቶም በብቑሩብ ዕላማኻ፡ ዲሞክራሳዉነትካ፡ ሃገራዊ ኒሕካ ዝቐተሉ “መወልቲ” ኰንካ ዕንዝራ ምቕያር፡ ኣስተብህሎን ጽሬትን ዘለዎ ጉዕዞ ምምራጽ ከድልየካ’ዩ።

ኣይፋለይን! ዝሃበ! እጊዚኣብሔር ይሃቦ! እንተኸፈሉልና እሞ እንታይ ኣለዎ፡ ደይ ብሽምናን ዝተማእረረ ገንዘብ’ዩ! በሊዑ ዘብላዓካ እንታይ እሞ ኣለዎ! ዉድብ ፍላን ሰልፊ ፍላን ምንቅስቓስ ፍላን ዶ ኣይሓገዙናን!…ወ.ዘ.ተ እንዳተባህለ ዝኸየድ ጉዑዞ፡ ኣብ ክንዲ መፍትሒ ጸገም:  ባዕሉ ክፍታሕ ዘለዎ ጸገም ኮይኑ፡ ነቲ ኩሉ ሃልክታትካ ንኮንቱ ዘባኽንን፡ ኣብ ተካይዶ ቃልስታት፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝቀየስካዮ ዕላማታት ዘዕዉት፡ እንኮ መመንጨዊ ፖሎቲካዊ ስልጣንን ፋይናንሳዊ ዓቕምታት መወልትኻ  ዘራጋግጽን ዘኻዕብትን ጥራይ ኮይኑ ከገልግል’ዩ።

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

m.zerut@gmail.com

15/03/2018

 

 

ስድራቤት ሚራባል (ተርጓሚት ወይዘሮ ዘውዲ ተስፋማሪያም)

ኣብ ዶመኒካን ረፑብሊክ ሓደ ኤንሪኮ ሚራባል ፌርናንደዝ ዝብሃል ማእከላይ መነባብሮ ዝነበሮ ሰብ ምስ በዓልቲቤቱን ምስ ኣርባዕተ ኣዋልድ ደቁን ይነብር ነበረ። እታ በዅሪ ጓሉ ፓትሪያ ኣብ 1924 ክትውለድ ከላ፡ ካልአይቲ ኣዴላ፡ ሳልሰይቲ ሚኔርቫ እታ ሕሳስልደ ድማ ማርያ ተሬዛ ይብሃላ ነበራ። እዘን ኣርባዕተ ኣሕዋት ርኹባትን ፈቃራትን ስድራ ስለ ዝነበሩወን ኣብ ሓደ ጽቡቕ ናይ ካቶሊክ ቤትምህርቲ ክመሃራ ዕድል ረኺበን። ብትምህርተን ኣመና ንፉዓት መልክዐን’ውን ውቁባት ነይረን። ሽዑ አብ ዶመኒካን ረፑቡሊክ ራፋኤል ሌዮኒታስ ትሩሲሆ ኣብ 1930 ንክልተ እብረ ፕረሲደንት ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብ 1952 ቅዋም ብምጥሓስ ንዕድመኡ ምሉእ ፕረሲደንት ከም ዝኾነ ኣወጀ። እዚ (ኤል ሴፈ) ወይ ድማ እቲ ሓለቓ ኢሉ ንርእሱ ዘጠመቐ ውልቀመላኺ እምብዛ ርጉም፡ ዓመጸኛን ህልኸኛን ኮይኑ ኣዝዩ ግፍዐኛ ሰብ’ዩ ነይሩ። ንህዝቢ ናይታ ሃገር ድማ በቲ ጨካን ምሕደራኡ ፈጥፈጥ ኣበሎ። ንተቓወምቱ ክኣስርን ክቐትልን ከሎ፡ ንዘስግኡዎ በብሓደ ኣብ ርእሲ ምሕቃቕ፡ ብኣባላት ጸጥታኡ ንምሉእ ህዝቢ አርዓዶ። ኣብ ግዜ ምሕደራ ኤል ሴፈ እተን ኣርባዕተ ደቂ ሚራቫል ንኣሽቱ እየን ነይረን። እታ ሳልሰይቲ ሚኔርቫ ጓል 15 ዓመት ምስ ኣኸለት ነቦአ ትምህርታ ክትቅጽል ለመነቶ። ኣብቲ እዋን’ቲ ደቂአንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ልዑል ግስጋሰ ከርእያ ዘተባባዕ ሃዋህዉ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ወላዲኣ ንሕቶኣ ብሕጕስ መንፈስ ተቐቢሉ ትምህርታ ክትቅጽል ኣፍቀደላ።

ሚኔርቫ ትምህርታ ምስ ቀጸለት ብዛዕባ ኵነታት ሃገራ ከተስተውዕል ጀመረት። ፖለቲካ ናይ ሃገራ ክርድኣን ከተሓሳስባን ድማ ጀመረ። ብፍላይ እቲ ብማዕከናት ዜና ወጻኢ ብዛዕባ ኣብ ሃገራ ዘሎ ስርዓት ዝፍኖ ዝነበረ ዜና ይኹን መግለጺ ኣብ ኣእምሮኣ ብዙሕ ሕቶታት አበገሰ። እተን ሬድዮታት “ዲክታተር፡ ውልቀመላኺ፡ ሕጊ አልቦ . . .” ዝብል መግለጽታት’የን ዝህባ ነይረን። አብቲ ሃገር ሰፊኑ ዝነበረ ስርዓት ነቲ ሕብረተሰብ ብምሉኡ ስለ ዝተቘጻጸሮ፡ ናይ ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ምእካብ መሰላት ኣይነበረን። ብሓጺሩ እቲ ህዝቢ ተዓፊኑ እዩ ዝነብር ነይሩ። እዘን ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ዘቃልሖኦ ዝነበራ ፈነወ ንሚኔርቫን መማህርታን ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵነታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ምዃኑ ክበርሃለን ጀመረ። ሽዑ እያ ድማ ሚኔርቫ ሕጊ ክትመሃር ዝወሰነት። ልክዕ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ሓደ ፔሪክሌስ ፍራንኮ ዝተባህለ ከምኣ ብዛዕባ ሃገሩ ዝግደስ፡ ኣብ ሳንቶ ዶሚንጎ ዘሎ ግፍዐኛ ስርዓት ክእለ ኣለዎ ዝብል፡ ተስፋ ዘሎዎ መንእሰይ ተላለየት። ካብዚ ዝተበገሰ ፍራንኮ ድሮ ብኣባላት ጸጥታ ኤል ሴፈ ክእሰርን ክፍታሕን ጀሚሩ’ሎ። እዚ ነገር’ዚ ንባዕሉ ንሚኔርቫ ናይ ቃልሲ መንፈሳ ከለዓዕሎ ጀሚሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነሕዋታ’ውን ብፖለቲካ ሃገረን ከም ዝጽለዋ ገይሩወን። ንውልቀ መላኺ ኤል ሴፌ ድማ ከም ሓደ ደመኛ ጸላኢአን ቈጸሮኦ። ሓደ መዓልቲ፡ ካብ ኤል ሴፈ ነታ ስድራቤት ብምልእታ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ተላእከላ። ሽዑ እተን ኣሕዋት መልኣከ ሞት ዝጽውዐን ዘሎ ኮይኑ ተሰምዐን። እቲ ዕድመ ኣብ አደራሽ ቤተመንግስቲ እዩ ነይሩ። እቶም ወለዲ አማራጺ ስለ ዘይነበሮም ነቲ ዕድመ ክቕበሉዎ ነይሩዎም። ዕላማ ናይ ኤል ሴፈ ንጎራዙ ናይቲ ሃገር ዓዲሙ ባህ ዝበለቶ ንምራጽ’ዩ ነይሩ።

ኣብቲ ዕድመ ምስ ዝተረኽባ ቈናጁ ከዕልልን ቀመጽመጽ ክብልን ድማ ኣምሰየ። ሓንሳብ ምስ ሓንቲ ጸኒሑ ምስ ሓንቲ ካልእ ከዕልልን ክተናኸፍን ድሕሪ ምምሳይ ናይ መወዳእታ ምርጫኡ ሚኔርቫ ኮነት። ንሚኔርቫ ክምስጣ ስለ ዝደለየ፡ “ነፋሪተይ ከርእየኪ ትደልዪዶ?” ክብል ምስ ተወከሳ፡ “ደሓን የቐንየለይ፡” ክትብል መለሰትሉ። ቀዳመይቲ ናይ ዕድመ ምሸት ብሰላም ተዛዚማ እታ ስድራ ብሰላም ኣብ መንበሪ ገዛኣ በጽሐት። ናይ ካልአይ መዓልቲ ናብ ሚኔርቫ ጥራይ ዝተላእከ ደብዳቤ ግን ዕድመ ዘይኮነስ ትእዛዝ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ሚኔርቫ ናብ ቤተመንግስቲ ዘይኮነ ናብቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከብ ናይ ኤል ሴፈ ውልቃዊ መናፈሻ ክትመጽእ ዝጠልብ ነይሩ። ሚኔርቫ ብሕርቃን በግ ኢላ፡ “ኣይከይድን’የ” በለት። አቦአ ግን “እዛ ጓለይ፡ እዚ ርዅስ ሰብኣይ ነገር ከየምጽአልና እንተ ኸድኪ ይሓይሽ” በላ። ወላዲታ ድማ “በቃ ደሓን፡ አነን አቦኽን ምሳኺ ክንከይድ ኢና ኣጆኺ፡” ኢላ ምስ ኣተባብዓታ ግን ቃል ወለዳ ክተኽብር ከይፈተወት ሕራይ በለት። ተተሓሒዞም ድማ ናብቲ ዝተባህሉዎ ዕድመ ተበገሱ። ኤል ሴፈ ነቶም ኣጋይሽ “እንቋዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል ንሚኔርቫ ብኢዳ ሒዙ መሪሑዋ ንውሽጢ ቀጸለ። ሚኔርቫ ነቲ ኣብ መንደቕ ተሰቒሉ ዝነበረ፡ ኤል ሴፈ ዓቢ ጠበንጃ ሒዙ እናሃደነ ከሎ ዘርኢ ዓቢ ስእሊ ትርኢ ነበረት። ኤል ሴፈ ብድሕሪአ ጽግዕ ኢሉ፡ “ገዚፍ መሳርሒ ትፈትዊ ኢኺ” በላ። ሕርቃና ጥርዚ በጺሑ ኣዒንታ በርበረ መሰላ። ድምብርጽ ከይበላ፡ “ሰላም ዘይትህበና! ግደፈና’ስኪ! እንታይ ዝገበርና ሰባት ኢና?” ኸኣ በለቶ ብዓውታ። ነዚ ዝተዓዘቡ አቦን አደን ብራዕዲ ተዋሕጡ። ካልእ ዘረባ ከይወሰኸት ከላ ብኢዳ እናወጠጡ፡ “አኽቢርኩም ዝዓደምኩምና ነመስግን . . .፡” ኢሎም ዘረባኦም ምስ ጀመሩ፡ ሚኔርቫ፡ “ግደፋኒ፡ አይወዳእኩን ዘለኹ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ተኣሲሩ ንዘሎ ኣፍቃሪየይ ፔሪክለስ ፍራንኮ ክትፈትሖ ኣለካ፡” በለቶ ብትብዓት። እቲ ዕድመ ብግቡእ ከይተዛዘመ ድማ ሚኔርቫ ምስ ወለዳ ብሰላም ገዛኦም በጽሑ። ኣሕዋታ ንኤል ሴፈ ዝበለቶ ምስ ሰምዓ ክድግፋኣ ከለዋ፡ ኤል ሴፈ ግን ኣይደቀሰላን።

ድሕሪ ገለ መዓልታት ሕነኡ መታን ክፈዲ ነቦ ሚኔርቫ ኣሰሮ። እታ ስድራቤት ብምልእታ ሽዑ እያ ምሉእ ብምሉእ ኣንጻር ኤል ሴፈ ዝተስአት። ኩላተን ኣሕዋት ብመትከል ኣንጻር ኤል ሴፈ ደው በላ። ናይ ሚኔርቫ ድፍረትን ንዕቀትን ዝገረሞ ኤል ሴፈ፡ “ክርእያ እየ!” ኢሉ ብምፍካር አብ ብርቱዕ ህልኽ አተወ። ናይ አቦኣ ምእሳር ጥራይ ስለ ዘየዕገቦ ድማ ንሚኔርቫን ንመሓዙታን’ውን ኣብ ቀይዲ ኣእተወን። መርመርታ፡ “ምስ ማሕበርነታዊ ሰልፊ (ሶሳሊስት ሰልፊ) እንታይ ርክብ ኣሎኪ?” እናበሉ ብዛዕባ መስራቲ ሰልፊ ዝነበረ ኣፍቃሪኣ ፍራንኮ ብምሕታት ኢሰብኣዊ መርመራ ኣካየዱላ። “ንኤል ሴፈ ናይ ጣዕሳ ፎርም እንተ መሊእኪ ናጻ ክንሰደኪ ኢና፡” ብምባል’ውን ከታልሉዋ ፈቲኖም። ብፍላይ ብዛዕባ መስራቲ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ዝነበረ ፍራንኮ ደጋጊሞም ሓቲቶማ። ንሳ ግን “እንታይ ገደሰኩም? ምስ ዝደለኹዎ ሰብ ክራኸብ ወይ ክመሓዞ መሰለይ እዩ፡” ኢላ ኣቕበጸቶም። ኣብ መወዳእታ ቀቢጾም ምስ ፈነዉዋ ዳግማይ ኣብ ትምህርታ ተመልሰት። ሽዑ እዋን እያ ድማ ማኖሎ ምስ ዝብሃል መንእሰይ ብምልላይ ብዙሕ ከይደንጐየት ዝተመርዓወቶ። ማኖሎ ካብኣ ብዘይፍለ ጸረ ምልካዊ ምሕደራ ኤል ሴፈ ኮነ። ማኖሎ ንሚኔርቫን ንቓልስን ብማዕረ ቃልኪዳን ኣትዩሎም። እተን ክልተ ኣሕዋት ሚኔርቫ ብወገነን ተቓወምቲ ምልካዊ ምሕደራ ስለ ዝነበራ እታ ስድራቤት ብምልእታ ናብ ደጀን ሰውራ ተቐየረት። ሚኔርቫ ናይ ትምህርታ መዛዘሚ ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባትን አድላይነት ለውጢ ኣብ ምሕደራ መንግስቲ (ለውጢ ናይ ዘሎ ስርዓት) ዝብል’ዩ ነይሩ።

ኣብ 1957 ሚኔርቫ ኣብ ሃገራ፡ ናይ መጀመርያ ብሕጊ ናይ ዶክተርነት መዓርግ ዝረኸበት ጓልኣንስተይቲ ክትከውን በቕዐት። ኣብ ግዜ ምምራቓ ካብ ኢድ ኤል ሴፈ ምስክርነታ ክትቅበል ከላ፡ “እንቋዕ ሓጐሰኪ” ክብል ሓጪጩላ። አስዒቡ “ሓንቲ ነገር ክርደአኪ፡ አነ ብህይወተይ ክሳዕ ዘለኹ ፍቓድ ረኺበ ብሞያይ ክሰርሕ’የ ኢልኪ ከይትሓልሚ። ጕዳይኪ ባዕለይ ክከታተሎ ምዃነይ ፍለጢ” ዝብል ቃላት ኣስምዓ። አብቲ እዋን’ቲ አብ ላቲን አሜሪካ ብርክት ዝበሉ በዓል ባቲስታ ናይ ክዩባ ዝርከቡዎም ውልቀ መለኽቲ ካብ ስልጣን ክእለዩ ጀሚሮም ነይሮም። ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ሳንቶ ዶሚንጎን ዓቢ ተስፋ ዘሕደሩሉ ወቕቲ’ዩ ነይሩ። በዓል ሚኔርቫን መቓልስታን ድማ ደገፍ ናይ ተቓለስቲ ክዩባ ክረኽቡ ሃንቀው በሉ። ንመንግስቲ ኤል ሴፈ ንምእላይ ብዕለት 14 ሰነ ምንቅስቓስ 14 ሰነ ዝብል ስም ዝሓዘ ሰልፊ ተመስሪሩ ለውጢ ከምጽእ ተበገሰ። ሚኔርቫ ምስ ብጾታ’ውን ተጸንበረቶ። ንሳን ክልተ ኣሕዋታን ድማ ጽምብላሊዕ ዝብል ምስጢራዊ መጸውዒ ተዋህበን። እቶም ኣባላት ምስጢራዊ ውድብ ናይቲ ሰልፊ ኵሉ ጊዜ’ዮም ዝእሰሩን ዝፍትሑን ነይሮም። ሚኔርቫን ኣሕዋታን ምስ ሰብኡተን ዝበዝሐ ግዜኦም አብ ኣብያተ ማእሰርቲ እየን ዝሕልፎኦ ነይረን።ሚኔርቫ ምስ ክልተ ኣሕዋታ አብ ካራንታ ዝብሃል ውሩይ፡ ዝኸፈአን ዝጸንዐን ቤትማእሰርቲ ብመግረፍቲ ተሳቕየን። ካብዚ ዝተበገሰ እዘን ሰለስተ ኣሕዋት ብህዝቢ ተፈላጥነት ክረኽባ ጀመራ። ብፍላይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓገብ ክትብል ብምጅማር ደገፋ ለገሰትለን። ድሕር’ዚ ኣህጉራዊ አቓልቦ ክረኽባን ተፈላጥነተን ክዓዝዝን ምስ ጀመረ፡ ጸቕጢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝበርትዖ ኤል ሴፈ ክሲ ክምስርተለን ተገደደ። ስለዚ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣስጋእቲ እየን፡ ክድዓት ፈጺመን ብዝብል ክሲ ንሓሙሽተ ዓመታት ከም ዝፍረዳ ገበረ። ንሳተን ፍርደን ወዲኤን ከወጽኣ ከለዋ፡ ሰብኡተን ግን አብ ቤትማእሰርቲ ከም ዝጸንሑ ተገይሩ። ህዝቢ ሳንቶ ዶሚንጎ ነዘን ተቓለስቲ ኣሕዋት ከም ምልክት ተስፋ ናይ ናጽነት ክስእለንን ከለልየንን ጀመረ። እዚ ድማ ንኤል ሴፈ ብሓቂ ዝስግእ ጕዳይ ነይሩ። ሚኔርቫን ኣሕዋታን፡ ናይ ህዝቢ ደገፍ ምርካበን ንኤል ሴፈ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረሉ ስለ ዝፈለጣ ብመጠኑ ስክፍታ ሓደረን። ኣብዚ ዝጥቀስ ዘሎ እዋን ንተቓወምቲ ብሓደጋ መኪና ዝተሃርሙ ኣምሲልካ ምቕንጻልን ምጭዋይን ገኒኑ ስለ ዝነበረ ክጥንቀቓ ግድነት ኮነን። ካብታ ዝፈረሖኦ አይወጽኣን ዕለት 25 ሕዳር 1960 ንሰብኡተን ክበጽሓ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸዳ ከለዋ ተጸናጺኖም፡ አብ ጽምዋ መንገዲ ክጽበዩወን ድሕሪ ምጽናሕ ብሓንቲ መኪና ዓገቱወን። ንሰለስቲአን ብጎዘሞ ጨፍጪፎም ብምቕታል ድማ አብ መኪናአን ኣእትዮም ንገደል አጽዲፎም ቀተሉወን። ኤል ሴፈ ኣቐዲሙ ከም ዝተገልጸ፡ “ካብ ቤተመንግስቲ ብቃሬዛ’ምበር ህይወት ኣይወጽእን’የ፡ ካብ ስልጣነይ ዘውርደኒ የሎን፡” እናበለ ይፍክር ስለ ዝነበረ፡ መዓልቱ ይቃረብ ከም ዘሎ ዝፈለጠ ይመስል ነይሩ። ካብ ዝፈርሖ ኣይወጽአን
ዕለት 30 ግንቦት 1961 ንኤል ሴፈ ሒዛ ዝነበረት መኪና ብዕጡቓት ምስ ተዓግተት ካብ ስሳ ጥይት ንላዕሊ ተተኵሱዋ መንፊት ኮነት። ኤል ሴፈ ድማ ብኡንብኡ ሞተ። ኤል ሴፈ ብድምር ኣብ ናይ ሰላሳን ሓደን ዓመት ናይ ስልጣን ዕድመኡ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ንጹሃት ዜጋታት ቀንጺሉ። ድሕሪ ሞቱ ግን ህዝቢ ዶመኒካን ረፑብሊክ ካብ ናይ ሰላሳ ዓመታት ናይ ጸልማት ዘመን ተገላጊሉ። እቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጀጋኑ ሓርበኛታት ተባህሉን ተሸለሙን። ኣብ ልዕሊ’ዘን ሰለስተ ተቓለስቲ ኣሕዋት ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ግፍዒ ንኸይርሳዕን ከይድገምን ተባሂሉ፡ 25 ሕዳር 1960 ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ንዝተፈጸመ ግፍዒ ብደረጃ ዓለም ዝዝክረላ መዓልቲ ኮይና ክትውዕል ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወሲኑ። ኣብ ዶመኒካን ረፑብሊክ ድማ እዘን ሰለስተ ኣሕዋት ዝተወልዳላ ኣውራጃ፡ ብስመን ማለት ሄርማናስ ሚራባል ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ። ንክብሪ ናይዘን ሰለስተ ኣሕዋት ተባሂሉ፡ ዝፍለጣሉ ዝነበራ ምስጢራዊ መጸውዒ ሮዛ ጽምብላሊዕን ናይ ሰለስቲአን ስእልን አብ ናይቲ ሃገር ገንዘብ 200 ፔዞ ገንዘብ ከም ዝሕተም ተገይሩ።

ደራሲት

( Pénélope Bagieu ፔኖሎፕ ባጂዎ )
ምንጪ ካብ ‘Les culottées’ ሰብ ስረ ወይ ሰብ ዝና ማለት እዩ፡ ዘርእስታ ናይ ፈረንሳይ መጽሓፍ፡
ብ ዘውዲ ተስፋማሪያም፡ ጥሪ 2018 ዝተተርጎመ።

ምስጋና፥-

– ነዛ ንእሽቶይ ዛንታ ክትርጉማ ብሞራልን ብሓሳብን፡ ዘተባባዕኩምኒ፡ ምስጋናይ ይብጻሕኩም።
– ጽሑፈይ ተነባቢ ንክኸውን ተገዲስካ እርማትን ደገፍን ዝገበርካለይ፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ተመልሶ፡ ኣዝየ አመስግነካ።
– ነዛ ሓጻር ዛንታ፡ ንክትንበብን ናብ ሰማዕቲ ንኽትበጽሕን ዝተሓባበርኩምኒ፡ ምስጋናይ ልዑል ኢዩ።

 2018-03-06

ባህልን ልምድን ዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮባንዳ) ኣብ ኤርትራ:-

ኣቀዲመ ክገልጾ ዝደሊ ሓቂታት ኣሎ፡ ንሱ ድማ ካብ መርፍእ ክሳብ መድፍዕ: ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዘይፈልጦ ንጥፈታት ኣብ ዉሽጥን ኣከባቢ ኤርትራን ኣይካየድን’ዩ። ኣንካይዶ ብሚልዮናት ዝግምገም ንግዳዊ ንጥፈታት’ሲ፡ ሓንቲ ደቓቕ ዑፍ ካብ ኤርትራ ዶብ ሱዳን ኤርትራ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ኤርትራን ዶብ ጁቡቲን ኤርትራን ኣቓሪጻ እንተኣትያ’ዉን እንተኾነ፡ ብደቂቑ ከምዝፈልጥ ክትፈልጡ ኣለኩም። ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ካብ ታሕቲ ክሳብ ዝላዓለ ደረጃ እቲ ስርዓትን ህዝብን ብመገዲ ስለያዊ ትካላቱን ብዉልቑን ኣዝዩ ስጡም ጋድማዊን ትኹላዊን ሰንሰለታዊ ርኽክብ ዘለዎ መራሒ’ዩ። ኣንካይዶ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንግድታት፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ዝካየድ፡ ኣብ ገዛኹም ኬንኩም ተዕልሉዎን ተሓምዩዎን ተራ ዕላል እዉን እንተኾነ ዝፈልጥ ሰብ’ዩ። ስለዚ እቲ “ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዘይፈለጦ ኮይኑ ድዩ” ዝብል ኣዝራራርባ፡ ናይ ጉራሃት ዝመስል ተንኮለኛታት ንህዝቢ ንምድንጋር ዝዛረብዎ ዘረባ ሙኻኑ ብቀዳምነት ክግራሕ ዘለዎ ምህዞ-ምድንጋራት’ዩ።

 

ባህሊን ልምድን ከተጥርዮ ኣዝዩ ቀሊል፡ ጨሪስካ ከተጥፍኦ ግን፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ነገር’ዩ። ኣብ ሃገራዊ ተጋድሎ ንናጽነት ኤርትራን ንሓርነት ዜጋታትን እንዳተቃለስና እንኮለና፡ ዉድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ምጣኔ-ሃብታዊ ትሕዝቶታቱ ንምኽዕባትን  ነቲ ዝነበረ ሕጽረታት ጠለባትን ቀረባትን ህዝቢ ንምጽባብን ርእሰ-ምኽኣል ተባሂሉ ዳርጋ ድሕሪ ቀዳማይ ዉድባዊ ጉባኤና (1977) ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ቁጠባ ዝማሓደር ሓደ ጨንፈር ንግድንሸቐጥን ዝብል ብምቛም፡ ኣብ ካብ መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓራ ዝወጸ ቦታታትን ንዝነብር ህዝቢ፡ ካብ ሱዳን ኣድለይትን ሃለኽትን ኣቑሑታት ብምቕራብ ይናጣጥጠፍ ከምዝነበረን፡ ስግሩ እዉን ኣብ ሱዳን ብሸሪከት ኣፍሮ ዝፍለጥ ናይ መጓዓዝያን ጽርበት ሓጺን ትካላት ኣገልግሎት ንሱዳናዉያን እንዳሃባ ርእሰማል ህ.ግ.ሓ.ኤ ንምዕባይን ርእስና እንኽእለሉ ህሞት ንምፍጣር ተባሂሉ ዝተጀመረ ሙኻኑ ኣዳዕዲዔ ይፈልጥ። ብልክዕ ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ነቲ ንዘንቐሎ ዕላማን ስትራተጂን ከምዝወቕዔን፡ ጽቡቕ ዉጽኢት ከም ዘበርከተን ኣብ ተዘክሮታተይ ይጥሕምስ እየ።

 

ካብ ዝተረኽበ ኣድማዒ ዉጽኢታቱ ብምንቃል ድማ፡ ብዉዱቡን ዝላዓለ መልክዓቱ ብ 09 ዝባሃል ኣሃዱ ንግድን ገለ ክፋል ሓይሊ ባሕሪ ነቲ ዘይሕጋዊ ስራሓት ንግዲ ስራሕና ኢሎም ስለዝተታሓዝዎ፡ ኣኻሊ ቀረባት ነቲ ኣብ ሓራ መሬት ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ካብ ምቕራብ ሓሊፎም፡ ን ኣብ ዉሽጢ ኣብ ትሕቲ መስመር ጸላኢ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ፡ ከም ቢራ ሄኒከን፡ ሽኮር፡ ሽጋራ…..ወ.ዘ.ተ ኣስሊኾም ብምእታዉ እዉን ይነግዱ ከምዝነበሩ ይዝክረኒ። ከምዚ ኢሉ እዩ እቲ ናይ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ተኣታትዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ካብ 1977 ጀሚሩ ክሳብ እዛ ካልኢት፡ ደቂቕ፡ ስዓት ናይ ጊዚየ ዝጽሕፈላ ዘለኹ፡ ከም ባህሊን ልምድን  ዉድብ ኮይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ይፈልጥ እየ።

 

ሰባት ብመኽሰብን ክሳራን ክጥምትዎ ከምዝኽእሉ ዘጣራጥር ኣይኮነን፡ የግዳስ እቲ ቀደም ሕራይ ኣብ ቃልሲ ስለዝነበርና ብዘይሕጋዊ ብልሓታት ጸገማትና ክንፈትሕ ንህቕን ኔርና፡ ሕጂ ግን ልዑላዊ ሃገር፡ ህዝቢን መንግስትን እንተሃልዩ ሕጋዊን ትካላዊን ኣሳራርሓ ክስራሕ ግድነታዊ ጉዳይ’ዩ። የግዳስ ዘይሕጋዊ ባህሊን ልምድን፡ ንኣታሓሳስባ መራሕቲ እዚ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ይገዝእዎን ይደግሶምን ስለዘሎ፡ ነዚ ኣብ 50 ዓመታት ዘጥረይዎ ባህሊን ልምድን’ዚ ራሕሪሖም፡ ናብ ሕጋዊ ስርሓት ክኣትዉ ባህልታቶሙን ልምድታቶሙን ኣየፍቕደሎሙን’ዩ። እቲምንታይስ ርስሓት ካምሻ ብሓንቲ ሕቃቅ ሳቡና ሓጺብካያ ክትጸሪ ትኽእል እያ፡ ብመንጹሩ!  ወዲ ሰብ ኣብ ነዊሕ ሂወቱ ዝለመዶ ባህልታትን ልምድታትን ብቀሊሉ ክሓድጎን ከጽሩዮን ኣጸጋሚን ፈጺሙ ዘይክኣልን እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ’ዩ ድማ ኣብ ባህላዊ ምስላና ”ኣመል ምስ መግነዝ” ተባሂሉ ዝምሰል እዩ።

 

ስለዚ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ኤርትራ ናይ ባሕሪ ወደባት፡ ማርሳታት፡ ውሽመጣት….ወ.ዘ.ተ ያሃልዋ ኣይሃልዋ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ክስህር ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ከምዚ ሓደ ብወልፊ ዕጸ-ፋርስ ዝተለኽፈ ሰብ ዕጸ-ፋርስ ካይወሰደ ዘይረግእ፡ መራሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ ዘይሕጋዊ ስርሓት እንተዘይሰሪሖም ቀሲኖም ክድቑሱ ስለዘይክእሉ: ክቕጽልዎ ሙኻኖም ዘጣራጥር ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ፍታሕ ብሱሩ ነዚ ብሕማቕ ባህልታትን ልምድታትን ዝመሽመሸ ስርዓት ካብ ሱሩ ቦርቒካ ምእላዩን ኣብ ዕኑኡ ሕጋዊ ፖሎቲካዊ ስርርዕን ጥዕና ዘለዎ ባህልታትን ልምድናታትን ሙኹስኻስ ጥራ’ዩ።

 

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

27/02/2018