Monthly Archives: May, 2014

Secretary Kerry on Eritrean National Day

Secretary Kerry on Eritrean National Day

27 May 2014

U.S. DEPARTMENT OF STATE
Office of the Spokesperson
May 27, 2014

STATEMENT BY SECRETARY KERRY

Eritrean National Day

On behalf of the American people, I welcome the opportunity to send my warmest wishes to the people of Eritrea on the 23rd anniversary of your independence which took place May 24. Know that the government and people of the United States stand beside you in your continued search for the promise of a free, prosperous, and democratic Eritrea.

Read more: http://iipdigital.usembassy.gov/st/english/texttrans/2014/05/20140527299753.html#ixzz32wS75vrr

Advertisements

ንቅዋም ኣመልኪቱ ዝተዘርበ እኩብ ዶኮሜንተርይ

“ኣብ መቓን ናይ ሃገራዊ ህንጸት ዕማማትና፡ ፖለቲካዊ ህንጸት ከም መብጽሒ (ወሲላ) ኣገዳሲ እጃም ስለዘለዎ፡ ምስናይ’ቲ ጉዕዞና ንምስንኻል ኪካየድ ዝጸንሐን ዘሎን
ተጻባኢ ግዳማዊ ሓንካሪ ህቀናታት፣ ብዙሕ ተማሂርናን ተመኲርናን ስለዘለና፣ ንመጻኢ መንግስታዊ ስርዓት መርሓ ፖለቲካዊ ጐደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር
ምዃኑ፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከፍልጥ እፈቱ።”

ንዋዕላ ስዊዝ ምትእኽኻብ ኤርትራዊ ሓይሊታት ዝቀረበ ሌላ ምስ ምንቅስቓስናን ሓሳባትና፡

ንዋዕላ ስዊዝ ምትእኽኻብ ኤርትራዊ ሓይሊታት ዝቀረበ ሌላ ምስ ምንቅስቓስናን ሓሳባትና፡

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኣስታት 150 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ ትሕዝቶ መጽናዕትታት ዘለዎ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ እኳ እንተኾነ፡ ብቁርጡዉ ኣጋባብ ጽማቕ ከምዚ ዝስዕብ ብልክዕ ዝመስል እዩ፡-

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ንናይ ሃገረ ኤርትራ ጥንታዊ ውርሻታት፣ ዘመናዊ መለለይታት፣ ጅግንነታዊ ተጋድሎ ሙርኩስ ብምግባር ናይ ሃገረ ኤርትራ መሰረታዊ መለለይታት እዞም ዝስዕቡ ምኻኖም ይኣምን፣-

1. ብናይ መላእ ህዝባ፣ ብዘይ ኤትኒካዊን ዓሌታዊን ሃይማኖታውን ኣፈላላይ፣ ብሓባራዊ መስዋእቲን ኣበርክቶን ኣብ መሪርን ነዊሕን ተጋድሎ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዝተወልደት፣ ንእናተባራረየ ዝመጸ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምስዓር ህልውናኣ ጋህዲ ዝገበረት፣ ልዑላውነታን ነጻነታን ዘረጋገጸት ሲቪክ ሃገር እያ።
2. ብሓባራዊ ሓርበይናዊ ሃገራዊ ክብርታት ዝተኣሳሰረት ሲቪክ ሃገር እያ።
3. ንዘበናት ኣብ ትሕቲ ስርዓተ-ሕጊን ስልጡን ባህልን ዝተናበረ ህዝቢ ዘለዋ ሲቪክ ሃገር እያ።
4. ዝተፈላለዩ ኤትኒካዊን ሃይማኖታዊን ክፍልታተ ሕብረተሰብ ንዘመናት ኣብ ሓደ ቁሸት ብምክብባር ዝቕመጡላ ሲቪክ ሃገር እያ።
5. ኣብ ሓደ ጎሎጎል ሓሪሶም ኣብ ሓደ ሩብ ጥሪቶም ማይ ዘስትዩላን ብሰላምን ፍቕርን ምክብባርን ዝነብሩላ ሲቪክ ሃገር እያ።
6. ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ፍትሒን ሰላምን ምክብባርን ዝኣምንን ዝነብርን ህዝቢ ዘለዋ ሲቪክ ሃገር እያ።

ስነሓሳባዊ ፖሎቲካዊ ፍልስፍናን ፖሎቲካዊ ራእይናን፣-

1. ኣብ ትሕቲ ብጹእ ሓራ ፖለቲካዊ መስመር፣ ሰላምን ብሓባር ምንባር፣ ነጻነትን ሰብኣዊ ሓርነት፣ ደሞክራስን ፍትሕን፣ ማዕርነትን ሓድነት፣ ተጻዉርነትን ጉሉጽነት፣ ማዕረ ዕድላትን ተሳተፍነት፣ ስኒትን ዕርቅን ካብቶም ቡዙሓት ቀንዲ መትከላት ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ኢዮም። ካብዚ መሰረታዊን ጹኑዕን መትከላት ብምንቃል፣-ናይ ብዙሓት ጠለብ ኣብ ግምት ዘእቱ ደሞክራሲ፣ ደሞክራስያዊትን ቅዋማዊት ሲቪክ ዘመናዊት ሃገር፣ ምርግጋጽ ግዝኣተ ሕጊን ጥዑይ ምሕደራ፣ ኣብ ኤርትራ ብናጻ ተሳትፎን ዕግበትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝረግእ ሕብረተሰብ፣ ሃገር፣ መንግስትን ዜጋን ዝራጋገጸሉ ባይታታት ምምድማድ’ዩ። ህዝባዊ ልዑላዊ ፖሎቲካዊ ስልጣን፣ ብሕጊ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝላዓለ ወናኒ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብግብሪ ምኻኑ። መሰሉ ንኣምን። ኣብ ፖሎቲካዊ ምጣኔ-ሃብታዉን ማሕበራዉን ምሕደራን ዉሳኔታት ሂወቱን፣ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ንጡፍ ተራ ከምዝህልዎ ምቅላስን ምስሳይን’ዩ።
2. ሃገራዊ ስኒትን ሰላም ክራጋገጽ፣ ንሕሉፍ ብሓርጎጽጎጻት ዝሓለፍናዮ መድረኻት መዛዘሚ ክግበረሉ፣ ንመጻኢ ንኩላትና ኤርትራዉያን ብሓባር ዘርባሓና ብሰላም ከንብረና ዝኽእል ሃገራዊ ዋዕላን ዋላን ከም ቀንዲ ሕዋም ተሓድሶ ከምዘድልየና ንኣምን። ሃገራዊ ስኒት መሰረት ናይ ሰላም ስለዝኾነ። ካብ ፖሎቲካዊ ፍጹምነት ርሒቅና፣ ኣብ እንካን-ሃባን ዝተመርኮሰ፣ ሓድ-ሕድ ምስ ኩሎም ዜጋታት ኢሂን-ሚሂን ብምባል፣ ንሓድ-ሕድ ምቅብባልን፣ ንሓድ-ሕድ ምክብባርን፣ ምጽዉዋርን መሰል ኤርትራዊ ዜጋ፣ መሰል ሲቪክ ሕብረተ-ሰብ፣ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰልን ዝተነጸረ ግቡእን መሰል ዜጋ ተደንጊጉ ዝትግበረሉ፣ ብዘይ ገለ ኣፈላላይ ኣድልዎን ሓለፈታትን፣ ኤርትራዊ ብኤርትራዉነቱ ኩሩዕ ዜጋ ኮይኑ ዝነብረሉ ክዉንነት ንምርግጋጽ ንቃለስ።
3. ኣብ ምጣኔ-ሃብታዊ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት፣ ማሕበራዉን ባህላዉን ዘየቋርጽ ዋሕዚ ቀጻልነት ዕብየት ዘለዎ፣ ምዕሩይ ኣገልግሎትን ማዕረ ብጽሒት ዝሰርዕ ኣታዓዳድላ ብሓደ ሚዛን ዝጥምት ዝያዳ ድማ ንኣዝዮም ህሱያትን ቡዱላት ቆላሕታ ዝልግስ ማሕበራዊ፣ ምጣኔ-ሃብታዊ፣ ፍትሒ፣ ሰላምን ምዕባለን ዝረጋገጸሉ ኩዉንነት ንምፍጣርን ንምስሳይን ንቃለስ። ብመሰረቱ ፖሎቲካዊ ፍልስፍና ሲቪክ ሃገርነት፣ ምርግጋጽ ናይ ዜጋ ሓርነት ስለዝኾነ፣ ሰብኣዊ ሓርነት ክራጋገጽ ምጣኔ-ሃብታዊ ሓርነት ክራጋገጽ ስለዝግብኦ፣ ነዚ ንምርግጋጽ ዕዳጋ ዝዉስኖ ስርዓተ ምሕደራ ምጣኔ-ሃብቲ ክራጋገጽ ስለዝግብኦ ኣብ ኤርትራ ናጻ-ዕዳጋ ምጣኔ-ሃብታዊ ስርዓት ክራጋገጽ ንቃለስ።
4. ከም’ቲ ኣብ መትከላት ራኢናን ዕላማታትናን ዝገለጽናዮ። ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ብጹእን ካብ ጽግዕተኛነት ሓራ ዝኾነ ፖሎቲካዊ መስመር ስለ ዝኽተል፣ ዝምድናታትናን ምትእስስራትናን፣ ምስ ሃገራትን ኣህዛብ ዓለም ዝህልወና ዝምድና፣ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ንምዕዋት ዝዓለመ ኢዩ። ብፍላይ ድማ፣ ምስ ጐረባብትና ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ጅቡትን የመንን ዝህልወና ዝምድና፣ ንናይ ሓባር ዕብየትናን፣ ሓባራዊ ናይ ጸጥታ ምትካል-ዋልታና ኣገዳሲ ግደ ክጻወት ስለ ዝኽእል፣ ምስ ኩለን ሃገራት ካብ ሻርነት ነጻ ዝኾነ፣ ፖለቲካዉን ምጣኔ-ሃብታዉን ስርርዓተን፣ ወይ ዓይነት መንግስታተን ብዘየገድስ፣ ካብ’ዚ ዘይዕጸፍ መትከላት ዲፕሎማስያዊ ሜላታትና ብምንቃል፣ ምስ ጎረባብትና ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ረብሓታትን ምትሕግጋዛትን ዝሙርኮስ፣ ውሑስን ቀጻልነት ዘለዎ፣ ንሰላምን ቅሳነትን ዝመርሕ ዝምድናታት ፍሉይነት ሂብና ንክንሰርሓሉን፣ ልዑላውነትና ሕድ-ሕድ ኣኽቢርና፣ ኣብ ናይ ሓድ-ሕድ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ከይተኣታተና፣ ንቐጻሊ ሰላምን ምጣኔ-ሃብታዊ ምዕባሌን ብሓባር ክንስርሕ ንቃለስ።

1.ምንጭን ዋና ፖሎቲካዊ ስልጣን ህዝቢ እዩ፡ ዝብል እምነት ስለዘሎና፣ ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ዓትዒቱ ጭቢጥዎ ዘለ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምምንዝዑ፣ ብዋናን ምንጪ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝኾነ ህዝቢ፣ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘራጋገጸ ቃልሲ ክኸዉን ኣለዎ ኢልና ስለንኣምን፣

1. ህዝባዊ ጽምዶን ተሳታፍነት ዝራጋገጸሉ፣ ሩጉጽ ባይታ ንምፍጣር ንቃለስ።
2. ህዝባዊ ማሕበራት (ቀንዲ ፈልስታት ሲቪላዊ ሕብረተሰብ) ንክፍጠራ ንጽዕት።
3. ዝቆማ ህዝባዊ ማሕበራት ኡግሚ ለዉጢ፣ ቀንዲ በዳህቲን ናይ ጸቕጢ ሓይሊ ንገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኮይነን ንክበቕዓ ብሓሳብን ተግባር ንምሕያለን ዝዓለመ ጻዕርታት ነካይድ።
4. ዝቆማ ህዝባዊ ማሕበራት፡ ብደረጃ ከባቢ፣ ክፍሊሃገር፣ ሃገር፣ ክፍሊዓለምን ዓለም ንክጋባኣን ንክጥርነፋ ንምግባር እዩ። በዚ ቅድመተከተላዊ ሕዋም ኣቢልካ ድማ ሓያል ዉዳቤ ህዝቢ ንምፍጣር ንቃለስ። ዝተወደበ ህዝቢ ተሰማዕነት፣ ሓይሊ፣ ኣኻሊነገራዊን መንፈሳዉ ምንጭታት…ወ.ዘ.ተ ስለዝዉንን፣ ኣንካይዶ ንገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንማሕበረሰብ ዓለም እዉን እንተኾነ ከስምዕን ከድምዕ ስለዝኽእል፣ እቲ ሎሚ እንሓልሞ ጽባሕ ክትግበር እንደልዮ ራእይና ብዘይ ገለ ሓደጋ፣ ብዘይ ከቢድ ክሳራን፡ ሓጺር ጊዝየን ከነተግብሮ ብቕዓት ክህልወና እዩ።

2.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ዕላማን ራእዩን፣ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምሕኻር፣ ቅልጽም ዘለዎ ሓደ ሓያል ዓብላሊ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ ንምፍጣር ዘይኮነ፣ ንፖሎቲካዊ ክዉንነት ኤርትራ ናብ ንቡር ማኣዝን ንምትሓዝ ዝቃለስ እዩ፣-

1. ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ስነሓሳብ ሲቪክ ሃገርነት ዝኽተል፣ ናይ ዝተወሰነ ኤትኒክ-ጉጂለ፣ ሃይማኖት፣ ጾታ፣ ዕድሜ፣ ዞባ፣ ዝተወሰነ ፖሎቲካዊ ዉድብ ማለት ጀብሃ/ሻዕብያ ዕላማን ተሞክሮ፣ ማሕበራዊ ቀጸላን/ጉጂለን፣ ተጣባቅትን ረብሓታት ኣራጋገጽትን ዘይኮና፣ ጽምዶ ስትራተጂ-ከባቢ ዝመለለይና፣ ብደረጃ መላእ ሃገርን ህዝቢ እንነጥፍ፣ ጉዳይ ሃገር ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራ፣ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ገዛእ ርእሱ ዉሳኔን ዕግበት ንኽዉሰን መታን ክበቕዕ፣ እንቃለስ ምንቅስቓስ ኢና።
2. ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ንኣሉታዊ ፖሎቲካዊ ባህሊ ኤርትራ ንኣዉንታዊን ርትዓዊ ፖሎቲካዊ ባህሊ ንምቅያር ዝነጥፍ ፖሎቲካዊ ናይ መሰረታት ምንቅስቓስ እዩ።
3. ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ካብ ሙሱይሉነት ዝተናገፈ፣ ብዝኣምነሉ መትከላትን ዕላማታት ዝቅየድ ምንቅስቓስ እዩ።
4. ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ብስነሓሳብ ሲቪክ ሃገራዉነት ተዓጢቁ፣ ንህልው ኣዝዩ ጸቢብ ኣዋዳድባን ፖሎቲካዊ እምነታት ( ኣብ ቀቢላ፣ ኤትኒክን ሞሎኮታዊ-እምነት) ተሞርኪሱ ዝነጥፍ ዘሎ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት ንማእከል ህዝብናን ሃገርና ዘርብሕ ጽምዶታት ንክኣቱ ዘታባብዕን ዝድርኽ ምንቅስቓስ እዩ።
5. ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ብሓሳብን ተግባር ፖሎቲካዊ ስልጣን ክጭብጥን ክጫረት ዝተወደብ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ ዘይኮነ፣ ንፖሎቲካ ኤርትራ ኣብቁኑዕ ማኣዝን ንምስርዑ ዝተወደበ፣ ናይ መሰረታት (ህዝቢ) ምንቅስቓስ እዩ።
6. ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ናይ ኩሎም ዜጋታት ምእንቲ ብሰላም ብሓባር ንምንባር፣ ማሕበራዊ ፍትሒን ምህናጽ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ሃገርነት ሪዒሞም ዝቃለሱ፣ ዉልቃዊ ሓርነቶም ዝኣወጁ ዜጋታት መቃለሲን መራኸቢን ዋላ (ፕላት-ፎርም) እዩ።
7. ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ብባህርያቱ ናይ መሰረታት ቃልሲ ስለዝኾነ፣ ንጭቆናን ሕሰም ህዝብና ዘቓልሕ ልሳን ብኣፎም ዝተዓብሱ ህዝብና እዩ።
8. ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ኣብ ህዝቢ ዝተሰረተን ብህዝቢ ዝግዛእ ልፍንታዊ ቀንዲ ናይ ቃልሲ ፈለግ ንክምስረት ይቃለስ።
9. ሲቪክ መሰላትን ሓላፍነታት ዜጋታ የስተምህር፡ ንህዝቢ ንምሕያል ይጽዕት።

3.ቀንዲ መለለይ ሕላገት ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ብሓጺሩ እንታይ እዩ?

1. ስነሓሳብ ሲቪክ ሃገራዉነት ዝዓጠቀ ናይ መሰረታት ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ እዩ።
2. ሙሉእ ተሳትፎን ጽምዶ ህዝቢ ክዉን ንምግባር ዝነጥፍ ምንቅስቓስ እዩ።
3. ሃገራዊ-ዕርቂ፡ ቀንዲ መምለሲ ኣብ ንቡር ማኣዝን ህዝቢን ሃገርን ኢሉ ዝኣምንን፡ ነዚ ክዉን ንምግባር ከም ቀንዲ ዕላምኡ ዝነጥፍ እዩ።
4. ኣብ መጋባእያታት ህዝብን ዉሳኔ ህዝቢ ዝኣምን እዩ።
5. ጉዳይ ሉዕላዉነት ሃገርን ህዝብን ቀዳምነታትና እዩ።
6. ቀንዲ መቃለሲ ስትራተጂና፣ ስትራተጂ ዉደባ ከባቢን ንነብሱ ዝዉክል ናጻ ዉልቀ-ዜጋ እዩ።

4.ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ንዝህልወና ዜቤታዉን ግዳማዉን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብዝምልከት፣-

1. ዘቤታዊ፣-ብሓፈሻ ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ፣ ሰላም፣ ማዕርነት፣ ሓርነት፣ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕጊ ብፍላይ ድማ ምስ ህዝባዊን ናጻ ዝኾና ናይ ህዝቢ ፈልስታት ማሕበራት ሓቢርና ክንቃለስ መትከላዊ እምነትናን ዉሳኔና እዩ።
2. ግዳማዊ፣-ምስ ኩሎም ኣብ ጎራባብትናን ስግረ-ጎሮባብትና ኣብ ሲቪክ ሃገርነት ዝኣምኑ መንግስታትን ምንቅስቓሳት ኣብ ማዕርነት ዝተሞርኮሰ፣ፖሎቲካዊ ሽርክነት ክንፈጥር ንቃለስ፣ ኣብ ፖሎቲካዊ ዉሳኔናን ፖሎቲካዊ ምኣዝና ጸቕጢ ዝፈጥሩልናን ኣእዳዎም ዘታኣታትዉን መሳርሒ ናይ ኢድ-ኣዙር ኩናት ክጥቀሙልና ዝደልዩ ብትሪ ንነጽግ።

5.ኣብ መዛዘሚ መልእኽትና ዝኾነ ሰብ ከስተብህለሎም ዝግብኡ መሰረታዊ ሓሳባት ብዝምልከት፣-

1. ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ቀዳማይ ዋዕላ-ቤትገርጊሽ ኣብ 17-18 ሕዳር 1946 ዓ.ም.ፈ ዝተኻየደ ጀሚሩ፡ ንሓድነት ኤርትራዉያን ክራጋገጽ ምሰናደያ እዩ፡ ዛጊት ግን ክረኽባ ኣይክኣለን ዘሎ። እቲ ሚስጢር ዘይመርከቢኡ ድማ፡ ንሓድነት ቀንዲ መራጋገጺ ዓንዲ ዝኾነት፡ ሓርነት ዉልቀ-ዜጋ ብዘይምርግጋጹ እዩ። ዜጋታት ሙሉእ ሓርነት ምስወነኑ፡ ብመን-ሕራይ ብሓባር ኣብ ሓደ ሃገራዊ መንነት፡ሰንደቕ፡ ቅዋም። ሓባራዊ ረብሓን ዕግበታት…ወ.ዘ.ተ ሓድነቶም ከራጋጉጹ ይኽእሉ። ብጸቕጢ፡ ብምግዳድ፡ ብምድንጋር፡ ብናይ-ሓባር ጨቓኒ ምህላዉ፡ ብምሕላም…ወ.ዘ.ተ ሓድነት ሃገርን ህዝቢ ክራጋገጽ ፍጹም ኣይክኣልን እዩ። ስለዚ ሕቶ ሓድነት ክልዓል እንኮሎ፡ ሕቶ ሲቪክ ሓርነት ዉልቀ-ዜጋ ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋናት ብስምዒት ንዳናገር ኣይኮናን። ኣብዚ እዋናት እዚ ክግበር ዝክኣል ናይ ሓባር ግራንድ ቻርተር ናይ ሓባር መቃለሲ ፎርም ምፍጣር ጥራይ ዝክኣል ሙኻኑ ንኣምን። እዚ ድማ በቲ ኣብ ላዕሊ ብቅድመ-ተከተል ዝጣሕመስናዮ ሕዋምን ዕታር መትከላት ክራጋገጽ ይክኣል እዩ።
2. ንህሉዉ ኣታሓሳስባናን ህሉዉ ፖሎቲካዊ ባይታ ካይቀየርና፡ ሕብረተሰብን ፖሎቲካዊ ስርዓትን ክንቕይር ንሓስብ እንተሃሊና፡ ግዳይ ናይ ቃልስታትናን ሕልምታትና ዳግም ክንከዉን ሙኻና ፍሉጥ እዩ። ነዚ ሩጉጽ ሓደጋ ተኽእሎ እዚ ንምዉጋድ ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ንነብሱ ንምቕያር ክቃለስ ኣለዎ። ነብሱ ዘይቀየረን ሓራ ዘየዉጸ ዜጋ ንሕብረተሰብ ሓርነት ከልብስ ኣይክእልን እዩ። ኤርትራዉያን ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ዝነፈሰ ንፋስ ንነፍስ፡ ኣብ ዝዋሓጀ ዉሕጅ ድማ ንሳራሰር ከምዘሎና ኣራጋጊጽና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። ፍላን መጽዩ ይብሃል ንጊዚኡ ዕጉግ ንብል ድሕሪ ድማ ኣብ ሳልስቲ ንጭበጥ ወይ ንፍንጣሕ። እዚ ድማ ወነንቲ ናይ ገዛእ ርእስና ብዘይሙኻና፡ ክንቃለስ ድሉዋት ስለዘየሎና፡ ተወፋይነትን ዕቱቡነት ብዘይምህላዉ እዩ።
3. ኤርትራ ናጻን ሉዕላዊት ሃገር ኮይና፡ ብገባቲ ፖሎቲካዊ ጉጂለ ህ.ግ.,ደ.ፍ ትምራሕ ዘላ ሃገር እያ። ስለዚ እቲ ዝካየድ ቃልሳዊ-ጽምዶ፡ ብባህሪኡ ማሕበራዊ ሰዉራ ስለዝኾነ፡ ሲቪላዊን ሲቪክ ባህርያት ዘለዎ እዩ። እቲ ቅልስ ድማ ኣብ መንጎ ጨቓኒን ተጮቓኒ ስለዝኾነ፡ ኩሎም ጭቁናት ኣካል ናይዚ ቃልሲ እዮም። እዚ ቃልሲ’ዚ ክዕወት እንተተደልዩ፡ ኣብ ሕቕፎ ጨቓኒ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘለዉ ዜጋታትና፡ ኣብ ጎኒ ጭቑናት ምስ ዝስለፉ ጥራይ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ብቅዓት፡ ጉሉጽነት፡ ኣሳሰይነት፡ ንቕሓት፡ ኣድማዕነት፡ ሃገራዉነትን ዕልማዉነት፡ ዲሞክራስያዊነትን ፍትሓዉነት፡ ተዓጻጸፍነት፡ ድሉዉነትን ተወፋይነት ምስ ዝህልወና እዩ። ብዓዲ፡ ብእንዳ፡ ብቀቢላ፡ ብኣዉራጃ፡ብጉጂለን ጉጂላዊ ኣታሓሳስባ፡ ብሃይማኖት፡ ብዕስበት፡ ንዉደብን ንነጥፍ እንተኼና፡ ካብቲ ዘሎ ስርዓት ስለዘይንሓይሽ ክሳብ ሓንቲ ጥይት ሓደ ሰብ ዝተርፍ ምስቲ ገባቲ ስርዓት ደዉ ክብሉ እዮም። እዚ ድማ ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ክልተ ጽንግሊላት ኣብ ኢድና ክትሓዉየና እያ።
4. ናይ ብሓቂ ንሕና እዞም ኣብ ዲያስፖራ እንነብር ብሓባር ክንሰርሕ ይድለ እንተሃልዩ፡ መጀመርታ ኣብታ ንነብረላ ከተማ ወይ ቁሸት ድልዱል ማሕበረ-ኮምን ምትእስሳራትን ንፍጠር። እዘን ኣብ እንነብረሉ ከተማ ወይ ቁሸት ዝተመስረታ ማሕበረ-ኮማት ብቀጥታ ብወከልተን ኣቢለን ናይ መላእ ዓለምለኻዊ መጋባእያ ወይ ዋዕላ ብምክያድ ብደረጃ ሃገርን ክፍለዓለምን ዓለም ንጥርነፍ እሞ፡ ጽኑዕ ኤርትራዊ ምትእስሳራት ብምፍጣር ብስጡም ክንቃለስ ይክኣል እዩ።

ሃገራዊ ሞቆምያታት ወይ ኣዕኑድ ምትእኽኻብ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራዉያን ኣብ’ዚ ዝስዕብ ሓሳባት ክስረት ኣለዎ፡ ኢልና ንኣምን እኳ እንተኾና፡ ኣብ እንኳን ሃባን ክንኣቱ ድሉዋት ኢና።

1. ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ቀዳማይ ክፍታሕ ዘለዎ ግርጭት ምኻኑ ምቅባልን፡ ኣንጻሩ ክትቃለስ ምኻንካ ብሓሳብን ብግብሪ ምቅባል።
2. ፖሎቲካዊ ዉሳኔታትናን መስመርናን፡ ሓራ ካብ ካልኦት ናይ ግዳም ሓይልታትን ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ጽልዋታት ምኻኑ ብሓሳብን ግብሪን ምቅባል።
3. ኣብ ፖሎቲካዊ ቡዙሑነት ዝተሰረተ፡ ዲሞካራስያዊ ስርርዕ ንኤርትራ ዝሳማማዕ ዓይነት ፖሎቲካዊ ስርዓት ምኻኑ ተቀቢልካ፡ ቅዋማዊት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንክትፍጠር ብሓሳብን ግብሪን ምቕባል።
4. ኣብ ሓደ ኤርትራዊ መንነት ምርዓምን፡ ነዚ ሃገራዊ መንነት ንምድልዳልን ንምህናጽ ብሓሳብን ብግብሪ ምቅባል።
5. ኣብ እዋናት ሃገራዊ ተጋድሎና ዝሰረጸ ሃገራዊ ሓድነት፡ ልዕላዉነት ሓድነት መሬትን ህዝቢ ኤርትራ ምዕቃብን ምክልኻልን፡፡
6. ናይ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ መሰል፡ ማዕርነትን ፍትሕን ሙሉእ ብሙሉእ ምቕባል።
7. ኩሉ ቃልስታትና ኣብ ኤርትራ ናይ ነፍስወከፍ ዜጋ ሰብኣዊ ሓርነት ንምርግጋጽ ዝካየድ ቃልሲ ምኻኑ ምእማን።
8. ምስ ጎሮባብትናን ዓለምናን ኣብ ሓድሕድ ምክብባር፡ ኣብ ማዕርነታዊ ሽርክነት፡ ኣብ ናይ ሓባር ጥቕሚ…ወ.ዘ.ተ ዝተሞርኮሰ ጥዕና ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምክያድን ከምዝፍጠር ምግባር።
9. ፖሎቲካዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምኻኑ ብዘይ ተግላባነት ምርዓም። ልዕላዉነት ህዝቢን ሃገርን ቀዳምነታትና ምኻኖምብሓሳብን ብግብሪ ምቅባል።
10. ካልኣዊ ግርጭታት ማለት ኣብ ዉሽጥና ተቃዉሞ ዝፍጠሩ ግርጭታት ብዘተ፡ ነቀፌታን ነፍሰ-ነቀፌታ ምፍታሕ።
11. ኩሉ ሰብኣዊ፡ ነገራዊን ፋይናንሳዊን ዓቕምታትና ጠርኒፍና፡ ኣብ ዝኾነ ኩርንዓት ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከምዝዉዕል ምግባር።
12. ብዝተሰማማዕናሎም ዉሳኔታት ሕግታት ምቅያድን ጉሉጽነት፡ ተሓታትነት፡ ሓላፍነት፡ ዲስፕሊን ዲሞካራስያዉነትን ፍትሓዉነት ኣብ ባህልታትና ምኹስኻስ።

ንናይ ሓባር ጽላል ኣብ ስዊዝ፡ ስርዓተ ምርጫ፡ መራሕነትን ጉዳይ ተሳተፍነት ብዝምልከት፡ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ሓሳብ ንኣምን እኳ እንተኾና፡ ኣብ እንኳን ሃባን ክንኣቱ ድሉዋት ኢና።

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡ ክልተ ጹኑዓት ስርዓተ ምልክታት ከምዘለዉ ነለሊ። ንሳቶም ድማ፡-
1. ቡዙሓት ዝመልክዎ ምልኪ(tyranny of the majority)፡ መሰል ዉሑዳት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዝኣትወሉ ስርዓት።
2. ዉሑዳት ዝመልክዎ ምልኪ(tyranny of the mainority)፡ መሰል ቡዙሓት ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ዝኣትወሉ ስርዓት።
ካብዞም ክልተ ሕሉፋት ንምንጋፍን መሰልን ተሳትፎን ዉሑዳት ንምክልኻል፡ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ክስርሓሉን ከም ባህሊ ክትኣታቶ ስለ እንቃለስ፡ ኣብ ልፍንታዊ ወይ ናይ ሓባር ጥርናፌታት በዚ ዝስዕብ ኣጋባብ እንተኸደ ዝሓሸ እዩ፡ ዝብል ሓሳብ ኣሎና፡-
መስራቲ ኮንፈረንስ – ብመንግዲ ውክልናን ምርጫን – ባይቶ ኮንፍረንስ (Parallel voting or mixed voting system) የቕውም። እዚ ማለት ኣብቲ ልፍንቲ ወይ ኣብዚ ናይ ሓባር ጽላል ስዊዝ፡ ዝኣትዋ ምንቅስቃሳት ሕቶ ተሳታፍነተን፣ ሕቶ ተወካልነትን ሕቶ ብቅዓት ማለት ቡቁዕ ሰብ ናብ ዝሞልኮ ስራሓት (action oriented) መልክዕን ትሕዝቶን ዘለዎ ባይቶ ንምምራጽ መታን ክኽእለና፣-
1.ነፍስወከፍ ምንቅስቃስ ብዲሞክራስያዊ ኣጋባብ ኣብ ዉሽጣ ዝተመርጸ፣ ብቀጥታ ኣባል ባይቶ ዋላ ዝኸዉን ሓደ ተወካሊ ኣባል ትሰድድ። እዚ ድማ ንሕቶ ተሳቶፍነትን ሕቶ ዉክልና ከራጋግጽ እዩ።
2.ምስ እዚ ኣቀዲምና ዝጣሕመስናዮ፣ ካልኦት ተወከልቲ ኣባላት ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፎም፣ ብኣባላት ዋዕላ ንኣባልት ባይቶ ብዉድድር ዝምረጹ ድማ ይስደዱ ማለት እዩ። እዚ ድማ ንሕቶ ተሳቶፍነት፣ ሕቶ ዉክልናን ሕቶ ብቕዓት ከራጋግጽ እዩ። ፈጻሚ ኣካል ክምረጽ እንኮሎ ቡቁዕ ሰብ ንዝበቕዖ ስራሓት (action oriented) መሰረት ብምግባር ይምረጽ።
3.እቲ ዝቀዉም ባይቶ ሓጋግን ፈጻም ኣካላቱ ዝተማጣጠነ ፖሎቲካዊ ስልጣን (Balance of power) ሃሊዎ፣ ብጥምረት እንዳሰርሔ ነንሕድሕዱ ዝታሓሳሰብን ዝማላላእ (check and balance) ክኸዉን ኣለዎ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ፈጻሚ ኣካል ወይ ዋናጽሓፊ ፈጻሚ ኣካል ነቲ ባይቶ ዘይዕብልለሉ ወይ ብምልኣት ከምዘይጸልዎ ንምግባር ንባይቶ ዝእክብ ክትያን ሙሉእ ስልጣን ዘለዎ ኣካቢ ባይቶ ክህሉ ኣለዎ።
ኮንፍረንስ ንኣባላት ባይቶይመርጽ። ዝተመርጸ ባይቶ ኣቀዲሙ፣ ንዋና-ጽሓፊ-ልፍንቲ (ኣካያዲ ፈጻሚ አካል)፣ ኣካቢ-ባይቶን ጠቕላል ተቖጻጸርን ይመርጽ፣ ቀጺሉ ድማ ንፈጻሚ ኣካል ይመርጽ። ዋናጽሓፊ ልፍንቲ ንሓለፍቲ ክፍልታት ይሮቕሕ፣ ብቅዓቶም፣ ተወፋይነቶም፣ ድልዉነቶም…ወ.ዘ.ተ ብሓጋጊ ኣካል ልፍንቲ ተመዚኑ ይጸድቀሉ። ትሕቲ ምምቕራሕ ስራሕ ጽሓፍት ክፍሊታት ዘሎ ናይ ተሓጋገዝቲ-ጽሓፊቲ እዉን ብጽሓፍቲ ክፍሊታት ይሩቑሑ ንኣቦ ወንበር ይቀርበሉ፣ ኣቦ ወንበር ምስ ሓጋጊ ኣካል ብምርድዳእን ብምትዕግጋብን ይጽድቕ።

በዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትራኸቡና ይክኣል እዩ፡- eritreancdm@gmail.com
http://nfthi.com/wp-content/uploads/2013/02/ECDM-DIALOGUE’S-PAPERS-FOR-OUR-COMMON-STRATEGY-AND-FUTURE.pdf
ዘላኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!
ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ
04/05/2014

መዛኻኸሪ፡ እንታይ ፖሎቲካዊ ሚስጢር ወይ ትሕዝቶ ስለዘለዎ እዩ? ሲቪክ ሃገራዉነት እንብል ዘሎና፡-
ሲቪክ ሃገርነት፣ መሰረታዊ መለለዪ ሲቪክ ሃገርነት በዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ረቛሒታት ይፍለጥ፣-
1. ፖለቲካዊ ቅቡልነት (legitmacy) ናይ ደውላ ካብ ንጡፍ ተሰትፎ መላእ ዜጋታት ናይ እታ ሃገር ይምንጩ።
2. ሲቪክ ሃገር – ኤትኒካዊ ሃይማኖታዊ ወይ ዓሌታዊ መብቆሎም ብዘየገድስ ንኩሎም ዜጋታት ሃገር የጠቓልል።
3. ሲቪክ ሃገር – ብሓርበይናዊ ክብርታት ዝተጠምረ ማሕበረ-ሰብ ናይ ማዕረ ዜጋታት እዩ።
4. ሲቪክ ሃገር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘለዎ ሃገር ኮይኑ ንኩሎም ዜጋታቱ ልዑላውነት የልብስ።
5. ሲቪክ ሃገር ናይ ሕግን ፖለቲካዊ ተሳትፎን መስርሕ ምሕጋግን መሳርዕ-ስራሕ ብምፍጣር፣ ኣብ ሃገር ንዘጋጥሙ ፍልልይትን ጸገማትን ንምፍታሕ ዘኽእል መሓውራት ኣለዎ።
6. ሲቪክ ሃገር ንዉልቃዊ ዜጋ መሰል መሰረታዊ ሓርነት’ዩ፣ ንብነጻ ዝፍጠር ጉጅለታትን ኣካላትን መሰል ናይ ምስስይ ሕቶ ስለዝኾነ እዩ።