መንዕብ ፖሎቲካዊ ምትፍናን (Dynamics of Political Polarization)!

  1. ብሓፈሻ  ምትፍናንን ከም ርድኢትን ተግባርን:-

ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ጾታዊ፡ ባህርያዊ፡ ባህላዊን ምጣኔሃብታዊን ሂወት ወዲ ሰብ ዘሎ ነገር’ዩ።  ምትፍናንን ኣብ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ኣብ መንጎ  ኣጸቢቆም ዚፈላለዩ ጕጅለታት ፡ ኣብ እተፈላለየ ፖሎቲካዊ ርእይቶታት ወይ እምነታት ተመቃቂሎም፡ ኣብ ነንሕድሕዶም መብዛሕትኡ ጊዚያት ብተጻይነትን ተማላላእነትንን ዝጣማመቱ ብቀጻሊዝታፈነኑ ዋልታታት እዮም።

ሕጂ ከም ዛዕባ ኣትኪረ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ፡  ብተናጸል ምትፍናንን ምስ ፖሎቲካ ሂወትን ንጥፈታትን ዝትኣሳሰር  እዩ።   ምትፍናንን ዝጋሃደሉ ኩነታት፡ ፖሎቲካዊ ኣታሓሳስባታት ካብ ማእከል ወጽዮም፡ ናብ  ኣመና ርሑቕ የማን ወይ ጸጋም ጽንፈኛ ስነ-ሓሳብ ዝመርሑ ምፍልልያት ምስ ዝፍጠሩ እዮም። መብዛሕትኡ ኣብ ፖሎቲካዊ ስነ-ፍልጠት፡ ብዛዕባ ፖሎቲካዊ  ምትፍናታትን ዝግበር ዘተታት፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ መንግስትን ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ።

ኣብ ክልተ ሰልፋዊ  ስርዓት፡ ፖሎቲካዊ ምክፍፋልን ምትፍናንን መብዛሕትኡ ጊዚያት፡ ንዉጥረት ክልትኣዊ ፖሎቲካዊ ስነ-ሓሳባቱን ወገናዊ መንነቱን ዘንጸባርቕ ማሕበራዊ ተርእዮ’ዩ።

ናይ ፖሎቲካ ፈሊጣን ንእዋናዊ ምትፍናንን፡ ብዝዉሓደ ኣብ ናይ  ፖሊሲ ፍልልያቱትን የማናይ ጸጋማይ ደረጃ ዝጋሃድ ኮይኑ፡ ብመንጽሩ ፍልልያቶም ኣብ ካልኦት ማለት ሃይሞኖታዊ X ኣንጻር ዕልማናዊ፡ ሃገርነት X ኣንጻር ዓዉሎማነት፡  ትዉፊታዊነት X ኣንጻር ዘመናዉነት፡  ገጠር X ኣንጻር ከተማ…ወ.ዘ.ተ  እንዳዓበየ ከም ዝኸይድ የነጽሩ። ወትሩ ምትፍናን ምስ መስርሕ ምምስራሕ ፖሎቲካ ዝትኣሳሰር ኣምርን ተግባርን’ዩ።

ሊቃዉንትን  ንፖሎቲካዊ  ምትፍናንን ኣብ ክልተ ይመቕልዎ። ንሳተን ድማ፡-

  1.  ስነ-ሓሳባዊ   ምትፍናን፡ ማለት ፍልልይ ኣብ መንጎ ፖሊሲን መርገጺታት ዝተኮረ ኮይኑ፡
  2. ስምዒታዊ ምትፍናን፡ ማለት ምጽላእን ዘይምትእምማንን ንብመንጽርካ ዘሎ ፖሎቲካዊ ጉጂለታት’ዩ።

ናይ ፖሎቲካ ተማራመርቲ ን ምትፍናንን ብተለምደ ኣብ ክልተ ይምድብዎ። ንሳተን ድማ፡-

  1. ኣብ ፖሎቲካዊ ጨለታት።
  2. ኣብ ሓፋሽ (እቲ ዝመርጽን ዝስዕብን ህዝቢ)እየን።

ፖሎቲካዊ ምትፍናናት እዉን እንተኾነ ድርብ መልክዓት ኣለዎም፡-

  1. ኣዕናዊ ምትፍናን፡ካብ ካልኦት መልክዓት ፖለቲካዊ ምትፍናናት ብዝዓሞቐ ሕብረተሰባዊ ምእታውን ምፍልላይን ዝልለ ምዃኑን፡ እዚ ድማ ንፍታሕ ዝወሓደ ተቐባሊ ይገብሮ። ይኹን እምበር፡ ኣዕናዊ ምትፍናን ንርእሱ ከም ዘደልድልን ሱር  ተኺሉ፡ ነታ ሃገር ናብቲ ቀሊል መድሃኒት ዘይርከቦ፡ ንታሕቲ ዝወርድ ናይ ቁጥዐን ምፍልላይን ሸንኮለል ከም ዝጎትት ዝፍለጥ’ዩ።
  2. ንቡር ምትፍናን ብጻልጥኡ፡ ኣብ ህዝቢን ዘድልዮን መሰረት ብምግባር፡ ፖሊሲታቱ ብምሕዳስ ክዋሳእ ዝህቕን’ዩ።

2. መሰረታዊ ጠንቂ ናይ  ምትፍናንን፡-

  1. ኣብ ልዕልና ሕጊ ዘይተራጋገጸሉ ቀንዲ ጠንቅን መንሃሪን ይኸዉን፡ ኣብ ልዕልና ሕጊ ተራጋገጸሉ ድማ እቲ ጠንቂ ብርሰት ሕጊን ፍትሕን ካልኦት ጸይቕታትን ይኾኑ።
  2. ኩሎም ዜጋታት ዉሑስ ቦታን፡ ዉሑስ ረብሓን፡ ኣብቲ ዝመርሖም ዘሎ መንግስቲ (ሰልፊ)ከምዘይብሎም ኣብ ዝስምዖም እዋናት ዝጋሃድ’ዩ።
  3. ምልዕዓላት ናይ መንነት ፖሎቲካ ጉጂለታት ኣብ ዝጋሃደሉ እዋናት’ዩ።
  4. ዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ሃይማኖታት እንዳታኣታተዉን ብዝሖም እንዳወሰኹን ኣብ ዝኸድሉ እዋናት’ዩ።
  5. ዓሌታውን ቀቢላዉን ፍልልይ እናንሃረ ኣብ ዝኸደሉ ህሞት’ዩ።
  6. እቲ ዝዓበየ ህርኩት-ወለዶ፡ እንዳሓለፈ ኣብ ዝኸደሉን ናይ ሞራል-መሪሕነት ኣብ ዝቦኽረሉ ጊዚያት’ዩ።
  7. ኣብ ጂኦግራፊካዊ…ወ.ዘ.ተ) ዝቶሞርከሰ ምፍልልያት ኣብ ዝጋሃደሉ ኩዉንነት’ዩ።
  8. ኣብ መንጎ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓሳት፡ሰልፍታት…ወ.ዘ.ተ ዘሎ ፍልልያት ኣዝዩ ኣብ ዝዓብየሉን ዝገፍሓሉን ተረኽቦ’ዩ።
  9. ብሞያ፡ ብጋዜጣዊ ስነምግባር፡ ብሓላፍነት…ወ.ዘ.ተ ዝሰርሕ መራኸቢ ቡዙሓን ኣብዝመኽነሉን፡ ጋዜጠኛታት ሓላፍነቶም ኣብ ዘየኽብሩሉን  ብተልሜደናትን ተንኮለኛታት ሰባትመራኸቢ ቡዙሓንን ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ዝዕብለል’ዩ።….ወ.ዘ.ተ እዩ። (Published on: May 16, 2018 David Blankenhorn is president of Better Angels, an organization uniting red and blue Americans in a working alliance to depolarize America. Follow him on Twitter @Blankenhorn3).

3. ኣብ ፖሎቲካ ኤርትራ፡ ፖሎቲካዊ ምትፍናን ምኣስ ጀሚሩ?

ቅድሚ ፍጹም ስዕረት ጥልያን ብዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ኤርትራ ብፍጹም ዝተወደበ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራዊን ብጂኦግራፊያዉን ማሕበራት ዉዳቤ ኣይነበረን። እቲ ዝነበረ ዉዳቤ ንዓድን ወረዳን ኣዉራጃ ዘማእከለ ምምሕዳራዊ ቅርጻ’ዩ።

ብቀዳም 4 ግንቦት 1941 ፖሊስ ናይ 3 ወርሒ ዶሞዞም ስለዘይተኸፍሉ፡ ንምምሕዳር እንግሊዝ ወኪሎም ሰዲዶም ዶሞዞም ክሓቱ ይጅምሩ እሞ ሓደ ጥልያናዊ ሻምበል ናይ ካራቢኔሪ ንሓደ ወትሃደር ጥቕኡ ዝነበረ፡ ነቶም ተወኪሎም ዝመጸ ክቀትሎም ትእዛዝ ሃበ፡ እቲ ወትሃደር ድማ ከምተኣዘዞ ፈጸመ። ሓደ ተስፋስላሴ ሃብተ ዝተባህለ ኣባል ዛብጥያ ድማ ሞተ።

እዚ ሓደጋ’ዚ ዝደረኾ፡ ኣብ 5ግንቦት 1941 ንመጀመርታ ጊዚየ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ተመስረተት። ነታ ማሕበር ዘካይዱ ሽማግሌ 12 ተመርጹ። እቶም ዝተመርጹ 6 ኣመንቲ እስልምና 6 ድማ ኣመንት ክርስትና ነበሩ። ኣብ መንጎ እዞም 12 ዝተመርጹ ካብቶም ፍሉጣት፡- ፊተዉራሪ ገብረመስቀል ወልዱ፡ ደግያት ሓሰን ዓሊ፡ ሸኽ ዓብዱልቃድር ከቢረ፡ ብላታ ደምሳስ ወልደሚካኤል፡ ሓጂ ኢማም ሙሳ፡ ቀነዝማጅ ብርሃኑ ኣሕመዲን፡ ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ነበሩ።

ኣብ ካልኣይ ክፋል 1944 ኣብ መንጎ ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ናብ ኣዝዩ ምክፍፋልን ምትፍናንን ዝመርሕ ኣካታዒ ጉዳይ ተረኽበ። ንሱ ድማ፡ መንቀሊ እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ዝተፈጥረ ክትዕ። ኣብ ናይ 3 ነሓሴ 1944 ሕታም “ሰሙናዊ ጋዜጣ”” ብስም “ሓደ”ኤርትራዊ ዝተጻሕፈት፡ “ብዛዕባ’ቲ ዝመጽእ ኩነታት ኤርትራ ዚትንኪ ገለ ሓሳባት” እትብል ዓንቀጽ ነበረት። ደራሲኣ ስሙ’ኳ እንተዘየስፈረላ፡ ሽዑ ናይ ኤርትራ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ብርጋይደር ስቲቪን ሎንግሪግ ምንባሩን፡ ካብ ቛንቛ እንግሊዝ ናብ ትግርይና ድማ ባዕሎም፡ ከም ዝተርጎሙዋ ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ደጋጊሞም ገሊጾም እዮም።

ደራሲ ናይታ ሽዑ ዝተጻሕፈት ዓንቐጽ (ብርጋይደር ስቲቪን ሎንግሪግ) መጻኢ ዕድል ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ካልኣይ ኩናት ዓለም ምስ ኣብቕዕ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ዋዕላ ሰላም ከም ዝዉሰን’ኳ እንተ ኣራጋገጸ፡ ኣብ ኤርትራ “እተመደበን እርኑቡን ፖሎቲካ” ዝስዕብ ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ ሓሳቡ ከካፍል (ክቃደስ) ከም ዝተበገሰ ይገልጽ። ብንሱ ዝሓስቦ፡ ኣብ ቅድሚ ኤርትራ ዝነበረ ኣማራጺታት፡ ማለት፡ –

  1. ናብ ግዝኣተ ጥልያን ምምላስ።
  2. ናብ ኢትዮጵያ ምሕዋስ።
  3. ንኣሜሪካ ከምትዉሃብ ምግባር።
  4. ብዓባይ ብሪጣንያ….ወ.ዘ.ተ ከም ዝነበረን ድሕሪ ምዝርዛር፡ ናይ’ዚ ኩሉ ሳዕቤናት እዉን ይዝርዝር። ብድሕሪ’ዚ እዩ ናቱ ሓሳባት ዝገልጽ።

ቀጺሉ ንዝስዕብ ፖሎቲካ ኤርትራ ኣንፌት ዝሃበን፡ ማኣዝን ዘትሓዘን ሓሳባት ስለዝኾነ ድማ፡ ብዝርዝር ምጥቃሱ ከድሊ’ዩ። ደራሲ ናይታ ሰባብን ቀንዲ ምክፍፋልን ምትፍናንን ዝኾነት ዓንቀጽ ከምዚ ትስዕብ’ያ፡-

“ኤርትራ ብዓሌታትን ቛንቛታትን ብወገናትን ብሃይሞኖታትን ድብልቅልቅ ዝበለት ሃገር እያ። ብሓደ ቅልል ዝበለ መገዲ እንተኸድናዮ፡ ነዛ ሃገር እዚኣ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍሊ ክንከፍላ ምስ ክኣልና፡ ንሱ ድማ ቆላን ከበሳን’ዩ።

እቶም ኣብ ቆላ (መታሕት) ዚቕመጡ ወገናት ኣስላም እዮም። መብዛሕትኦም ድማ ቛንቛ ትግረይት ወይ ዓረብ ዚዛረቡ ኢዮም።

እቶም ኣብ ከበሳታት ተማሓዲሮም (ሰብ-ሳግም ዘይኮኑ ንማለት’ዩ) ዝቕመጡ ሕዝቢ ግና ክርስትያን ኢዮም፡ ቛንቖኦም ክኣ ትግርይና ኢዩ።

እቶም ኣብ መታሕት ዚቕመጡ ወገናት (ህዝቢ) ብገለ መገዲ፡ ምስቲ ብትምህርትን ብንግድን ብሃይማኖትን ንኦኦም ዚመስሉ፡ ምስ ሕዝቢ ሱዳን ኪሓብሩ ከም ዝደልዩ ርግጽ’ዩ። ድሮ’ኳ ሎሚ፡ ነቶም ናይ መታሕት ወገናት፡ ምስ ሕዝቢ ሱዳን ዘተሓባብሮም ሓያሎ ነገራት ኣሎ።”

ነዚ ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ደራሲ፡ ኤርትራዊ ወዲ ከበሳ ምንባሩ ይሕብር እሞ፡ ኣዉራ ዘገድሶ እቲ ቛንቛ ትግርና ንዝዛረቡ ብዙሓት ክርስትያን ዝትንኪ ምንባሩ ድሕሪ ምርግጋጽ ጽሓፊ ይቕጽል። ህዝቢ ከበሳ ኻ ይብል፡-

“ምስቲ ኣብ ሴሜናዊት ኢትዮጵያ ዚቕመጥ ሕዝቢ፡ ብዓሌት፡ብሃይማኖት፡ ብያታን ብዛንታን ብትምህርትን ብልምድን ሓደ ወገን ከም ዝኾነ ኣጸቢቑ እተፈልጠ’ዩ። እቲ ትግራዋይ (ትግሬ) ዝብሃል ሕዝቢ፡ እቲ ንምልእቲ ኢትዮጵያ ስልጣኔን ጭዉነትን ዕብየትን ስርዓትን ዝሃበ ሕዝቢ፡ ኣብ ክልተ ክማቃቀል ክኣ ኮቶ ዘይግባእ’ዩ”

በዚ ደዉ ካይበለ እቲ ደራሲ፡ ኣኽሱም ናይ’ቲ ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ “መንፈሳዊት መደበር ወይ ብልጽቲ መዝገብ እያ። ናይ ምሉእ ሕዝቢ ትግርኛ ሃይማኖታዉን ፖሎቲካዊን ሃረርታን ናፍቕትን ክኣ ኣብ’ኣ ኢዩ፡ ተዓቂቡን ዚነብር ዘሎ”፡ ይብል እሞ፡ ነቲ መስረታዊ እማመኡ በዚ ዝስዕብ የቕርቦ (ኣለምስገድ ተስፋይ፡ ኣይንፋላለ ገጽ120)፡-

“እቲ ደጋን ወይነደጋን ዝብሃል ክፍልታት ሃገር ኤርትራ፡ምስ’ቲ ኣብ ሴሜናዊት ኢትዮጵያ ዚቕመጥ፡ ቛንቛ ትግርኛ ዚዛረብ ዘበለ ሕዝቢ ተጸንቢሩስ፡ ሓደ ሕዝብን ሓንቲ መንግስቲን ኪኸዉን’ሞ፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ሓገዝን ረድኤትን ክቕበል። ህዝቢ መታሕት ክኣ፡ ምስ ሕዝቢ ሱዳን ብምጽንባሮም፡ ከይትሓጎሱን ከየማሰዉን ኣምበይምትረፋን”።

ንቕጽበት፡ “ሰሙናዊ ጋዜጣ፡ ብክትዕ ተጓሃረ። መጀመርታ መልሲ ዝሃቡ ድማ ፕረዚደንት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ፊተዉራሪ ገብረመስቀል ወልዱ ነበሩ። “ኢታብኣነ እግዚኦ ወስታ መንሱት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ድማ ነታ ናይ ሎንግሪግ ጽሕፍቲ ነቐፉዋ። ንኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ  ምፍላይ ንሓደ ጡብ እኖኡ ዚጠቡ ቆልዓ ፈሊኻ ምንባር መሲሉ ይርእ” ብምባል ጸግዖም ምስ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ኣነጸሩ። ስዒቦም እዉን ደግያት ኣብርሃ ተሰማ ናይ ደገፌታ ጽሓፉ። ነዚ ዝቃወም ግራዝማች ተኽለሃይማኖት ቦኽሩብምግሃዱ መሰረታዊ ፍልልያ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ተጋህደ። ብከምዚ ፍልልያት ኣብ መጀመርታ 1945 ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ቂሂማ ተረፈት።(ኣለምስገድ ተስፋይ፡ ኣይንፋላለ129)

ብርጋይደር ስቲቪን ሎንግሪግ ኣብ ሓንቲ ኣዝያ ሓጻርን ኣድማዒትን ዓንቀጽ፡ ኣብ ኣእምሮ እቶም ዝነበሩ ናይ ፖሎቲካ ጨለታት ኤርትራዉያን ሰለስተ ሰራማት ፈልስታት’ዩ ተኺሉ። ንሳተን ድማ፡-

1. ኤርትራ ብክልተ ሃይማኖታት (ክርስትናን እስልምናን)

2. ብክልተ ቛንቛታት (ትግርኛን ዓረብን)

3. ብክልተ ኣብ ክሊማን ብራኸ ዝተሞርኮሰ ስነ-ምድራዊ ኣቓማምጣ (ከበሳን ቆላን) ዝማቃቅልን ዝዉከልን ሙኻኑ ከም ህያዉ ቁቡል ተወሲዱ ክም ዚእመን ገበረ።

ኤርትራዉያን ነዚ ሰለስተ ፈልሲ ክርዳድ ራብዓይ ባዕልና ወሲኽናሉ ንሱ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቃልስና ዕንቕፋት ኮይንና ዘሎ፡ ኣዉራጃነት’ዩ።

በዚ መሰረት ድማ እተን ድሕሪ 1946 ቀጺለን ዝተወደባ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓሳት፡ ማሕበራት፡ ሰልፍታት…ወ.ዘ.ተ ማለት (ማሕበር ኣንድነት፣ ኣል ራቢጣ ኣል ኢስላምያ፣ ኤርትራ ንኤርትራውያን ፕሮ-ኢታሊያ …ወ.ዘ.ተ ኣብ ዘን ፈልስታት መሰረት ገይረን ዝቆማ ነበራ። ብተወሳኺ እቲ ኣብ ሃገራት ኣዕራብን ካብ 1950ታት ጀሚሩ ብብዓል ጆርጅ ኣልሓበሺ (ፍሊስጤናዊ) ዝመርሕዋ ዝነበሩ፡ ድሕሪኡ ንማሕበርነትን ዕልማዉነትን ወሲኹ ዝተጸንበሮ ጀማል ዓብደል ናስር (ግብጻዊ)፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃን መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝጉሃሃር ዝነበረ ምንቅስቓስ ዓረባዊ ጽንፋዊ ሃገራዉነትን ኣብ እምባሮጦራዊይ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ሓበሻዊ ጽንፋዊ ሃገርነት፡ ከም መንነትን ከም ስልጣኔን ዓቢ ጽልዋን ምትርማሳትን ፈጢሩ’ዩ። ንረብሓ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብመንገዲ እምባሮጦራዊት ኢትዮጵያ ንምርግጋጽ ተባሂሉ ድማ፡ እታ ከም ኩለን ጉዙኣት ጥልያን ዝነበራ ሃገራት ሊብያን ሶማልያን ናጻ ክትወጽእ ዝግብኣ ዝነበረት ኤርትራ፡ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ከምትጽመድ ተገብረ።

ዋላ እኳ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረላዊ-ሕብረት እንተተጸምደት፡ ነቲ  ዝተጣየሰ ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ፡  ኣብ’ቲ ብርጋይደር ስቲቪን ሎንግሪግ  ዝተኸሎ፡ ሰለስተ ሰራማት ፈልስታት መሰረት ኣታሓሳስባታት ስለዝነበረ፡ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝነበረ ዓንቀጻት ቁዋም ንምጥቃሱ ዝኣክል፡ ኣብ ኣማራርጻ ብዝሒን ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ኤርትራ ብክልተ ሃይማኖታት፡ ጆግራፊካዊ ኣቛማምጣ ቆላን ከበሳን፡  ከምኡ’ዉን እቶም ክልተ ሃይማኖታት ኤርትራዉያን፡ ብክልተ ቛንቛታት (ትግርናን ዓረብን) ይውከላ ኣብ ዝብል ድቀተ-ሓሳባዊ ፖሎቲካዊ ንዛዜ ዝተሞርኮሰ እዩ።

ካብ 1952 ጀሚሩ ዝተመስረተ ፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብእብረ ሓላፍነታቱን መሰላቱን ብሃጸይ ሃይለስላሴ ክምንዛዕ ምስ ጀመረ፡ ገሊኦም ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ወዲቆም፡ ገሊኦም ተሰዲዶም፡ ገሊኦም ተኣሲሮም፡ ገሊኦም ድማ ብጥይት ክህደኑ ጀሚሮም። እዚ ተረኽቦታት’ዚ ንሰራሕተኛታትን ተማሃሮን ኤርትራ ከም ቀንዲ መንዕብ-ተቃዉሞ ስለዝኾነ፡ ነዚ ዝተዓዘቡ ጉዱሳት ኤርትራዉያን ስጡም-ሚስጢራዊ ዉደባ ክገብሩ ወሰኑ።

ከም ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ ወይ ማሕበር ሸዉዓተ) ምእንቲ ሓርነት ኤርትራ ንምቅላስ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ሕዳር 1958 ኣብ (ፖርት-ሱዳን)  ኢዩ ተመስሪቱ። ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ምብራቃዊ-ሱዳንን ኤርትራን ንፕሮግራሙ ሰፊሕ ደገፍ ክረኽበሉ ክኢሉ። ኣብ ምስጢራውያን ዋህዮታትን መሪሕነታት ጨንፈርን እናወደበ ኣባላቱ የስፍሕን ብዕላማታት ሓርነት የጎሳጉስን ነይሩ። ጎኒ ጎኒ’ዚ ኣብ ሓምለ 1960 ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ፖለቲካዊ ውድብ  ንኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ኣገባብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንኽኸተል ዝመስራትዎ ምትእኽኻብ  ተማሃሮ ካይሮ ነይሮም። ምምስራት ተ.ሓ.ኤ ኣብቲ እዋን’ቲ ውጽኢት ቀጥታዊ ፍሸለት ናይቲ ኣብ መንጎ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካን) ምትእኽኻብ ተማሃሮ ካይሮን ዝተካየደ ዘተ ከምቲ ዝድለን ተስፋ ዝተነብረሉን ጽቡቕ ስለዘይከደ’ዩ ።

ተማሃሮ ካይሮ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝኸተል ዝመስረትዎ ውድብ እቶም ሰለስተ መራሕቲ ኣብ ካይሮ ናይ ፖለቲካዊ ዕቑባ መሰል ዝነበሮም እድሪስ ሙሓመድ ኣደም፣ ወልድኣብ ወልደማርያምን ኢብራሂም ሱልጣንን ክኾኑ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም። ምእንቲ’ዚ ዕላማ’ዚ ከኣ ንዓታቶም ረኺቦም ሓሳባቶም ገሊጸምሎም። እንተኾነ ግን ብዘይካ እድሪስ ሙሓመድ ኣደም ኣብ ጎኖም ደው ዝብል ኣይረኸቡን።

ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፈ ጣሃ ሙሓመድ ኑር ነቲ ሽዑ ብቃላቶም ዝተዘረብዎ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቅሪቡዎ።

  1. እድሪስ ሙሓመድ ኣድም፣ “ብዘይካ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካልእ ኣማራጺ የለን፣ ስለዚ ግንባር ንምምስራት ክንስርሕ ኣሎና። ልክዕ’ዩ ዓቅሚታት ይሓጽረና ኢዩ። ናይ ግድን ግን ተስፋ ክህልወና ኣለዎ። ዋላ’ኳ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብርቱዕ እንተኾነን ዝሕግዘናን ዝፈልጠናን እንተዘይብልናን ናይ ግድን ግን ክንእውጆ ኣሎና።
  2. ኢብራሂም ሱልጣን፣ “ኣነ ውድብ ኣሎኒ። ንሱ ከኣ ራቢጣ ኢስላሚያ ኢዩ። እዚ ውድብ እዚ ከኣ ኣሎ። ንምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ፖለቲካዊ ስራሕ ዝመርሕ ዝነበረ ከኣ ንሱ ኢዩ። ኣነ ከኣ ኣቦ መንበር ናይዚ ውድቡ’ዚ እየ። ሰለዚ ከኣ ናብ ካልእ ውድብ ክጽንበር ኣይኮንኩን። ኣነ ዝኾነ ነገር ክትገብሩ ኣይክልክለኩምን እየ፣ ይኹን እምበር ኣብቲ ውድብ ክጽንበር ኣይከንኩን።
  3. ወልድኣብ ወልደማርያም፣ “ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣገባብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክንጥቐም ዘኽእለና እኹል ሓይሊ ሰለዘይብልና ኣነ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣይድግፎን እየ። ኢትዮጵያ ሓያል ሰራዊት ትውንን ኢያ። ከምኡውን ከም በዓል ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ናይ ወጻኢ ደገፍቲ ኣለዎ። ሰለዚ ከኣ በዚ ኣገባብ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ሓራ ነውጽኦ፣ ዓቢ ጉድኣት ከነምጽኣሉ ኢና።

ብድሕሪ’ዚ ተማሃሮ፣ እድሪስ ሙሓመድ ኣደም ኣብ ዝተረኸበሉ ተኸታታሊ ኣኬባታት ብምክያድ ጉዳይ ቅዋምን ፕሮግራም ውድብን ኣብ ኩሉ መዳያት ብኸመይ ይንቐሳቐሱን ብሰፊሑ ተመያይጦም። ኣብ መጨረሽታ ከኣ ብእድሪስ ሙሓመድ ኣደም ዝምራሕ፣ እድሪስ ዑስማን ገላውዴዎስ፣ ሙሓመድ ሳልሕ ሑመድ፣ ስዒድ ሑሴን፣ ዑስማን ኢብራሂም በሺር፣ ኣደም ሙሓመድ ዓሊ ኣከተ፣ ሙሓመድ ስዒድ ዑመር (ዓንጠጣ)፣ ኢብራሂም ኣሕመድን ስሌማን ሙሓመድ ኣሕመድን ዝኣባላቱ ማእከላይ ሽማግለ ኣቑሞም። ከምዚ ኢሎም ከኣ ምትእኽኻብ ተማሃሮ ካይሮ ነዚ ዓቢ ስራሕ ኣብ ምምራሕ ቅድሚት ተሰሊፎም። እዚ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ምጽባይን ብናይ ኣህጉራዊ ምትእትታው ምስ ቀበጹን ደድሕሪ ጉባኤታትን ዋዕላታትን ካይሮ ምካድ ውጽኢት ከምዘይብሉ ምስተረድኡን ከምቲ ጣሃ ሙሓመድ ኑር ዝበሎ ነቲ “ንጹር ዕላማ ፕሮግራምን” ዘይነበሮ ውድብ ም.ሓ.ኤ. ተስፋ ምስ ቆረጹን ዝወሰድዎ ምርጫ’ዚ ክሳብ ክንደይ ከቢድን ሓደገኛን ምዃኑ ኣይፈልጥዎን ኢዮም ነይሮም ክባሃል ኣይካኣልን’ዩ። ነዚ ሓድሽ ውድቦም ምስ መሰረቱ፣ ኣብቲ ም.ሓ.ኤ. ዝነጥፈሉ ሜዳ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ክነጥፋ ምዃኖም፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ንዓወት ሰውራ ክሰምር ዝነበሮ ሓይሊ ሰውራ ምፍንጫል ከም ዘስዕብ ይርድኡ ምንባሮም ዘጠራጥር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ኣብቲ እዋን’ቲ ምርጫ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ኣእምሮን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተቐረጸ ምዃኑ ጽኑዕ እምነት ነይሩዎም። እዚ ድማ ንሳቶም ንኩውንነት ናይቲ እዋን’ቲ ካብ መሪሕነት ሓረካ ንላዕሊ ኣስተማቂሮሞ ከምዝነበሩ የረዳእና። ንምዃኑ መርገጺታት ናይቶም ሰለስተ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣብ ተበግሶ ናይቶም ተማሃሮ ስለምንታይ ተፈላልዩ? ስለምንታይ ከ ብፍላይ ወልድኣብ ወልደማርያምን ኢብራሂም ሱልጣንን ኣብቲ ዕቱብ ተበግሶ ናይ ደቆም ተማሃሮ ዕቃበ ኣርእዮም? ወልድኣብ ወልደማርያም ተ.ሓ.ኤ. ኣብ እትምሰረተሉ ዝነበረት እዋን፣ ኣባል ም.ሓ.ኤ. ወይ ከኣ ኣባልነታ ንምቅባል ምስ መሪሕነት ናይቲ ውድብ ኣብ ዘተ ከምዝነበረ ድሒሩ ዝተረጋገጸ ጉዳይ ኢዩ። ካብዚ ተበጊሱ ከኣ ናብ ካልእ ገና ኣብ ምምስራት ዝርከብ ውድብ ክቅይር ኣይደለየን።

እንተ ኢብራሂም ሱልጣን ግን፡ ዋላ ክሳብ መጨረሽታ ስውራ ማዕቢልሉ ዝንበረ እዋን ከይተረፈ ብህላወ ኣራቢጣ ኣልእስላማያን ንሱ መራሒኡ ምኳኑን ጽኑዕ እምነት ኢዩ ነይሩዎ፣ ንሱ ከኣ ናቱ ልኡኽ ምዃኑን ይገልጽ ነይሩ። ንኣብነት ኣብቲ ድሒሩ ብ2/2/1969 ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላለፎ ኣዋጅ “ብህዝብን ሰልፊ ራቢጣ ኣልእስላሚያን ተመዚዘ ካብ ሃገረይ ከም ዝወጻእኩ ትፈልጡ ኢኹም።” ይብል። ከምዝመሰለና ኢብራሂም ሱልጣን ካብቲ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ብትብዓት ዝተቃለሰን ዝለዓለ ናይ ተወፋይነትን ስኒትን ኣብነት ዝኾነን ሰልፊ ናብ ካልእ ሰልፊ ወይ ውድብ ክቅይር ኣይደለየን። ምናልባት’ውን ናብ ካልእ ውድብ ምኻድ ምስ ደረጃኡ ዘይሳነ ንዕላማታት ሰልፊ ኣራቢጣ ኣልእስላሚያ ከም ምኽሓድ ይቆጽሮ ነይሩ ክኽውን ይኽእል ኢዩ። (ታሪኽ ሰዉራ ኤርትራ ብኢብራሂም እድሪስ ቶቲል ኣብ ገጽ 17፡18፡19ን20)

ማሕበር ምሕዝነት ኤርትራን ስማልን፣ ኣቦ መንበር ፓርላማ ኤርትራ ነበር ኣቶ እድሪስ ሙሓመድ ኣደም ናብ ሪፓብሊክ ሶማል ብምኻድ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድሕረ ምርካቡ ኢዩ ኣብ ለካቲት 1961 ተመሰሩቱ። ኣቶ እድሪስ ሙሓመድ ኣደም ምስ ወኪል ናይቲ ማሕበር ኣብ መቓድሾ ዝነበረ ዑስማን ሳልሕ ሳበ በቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻኢን ንዝተሰልበ መሰሎም ንምምላስ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተወኪሎም ኢዮም ናብታ ብሃይማኖት፣ ገርብትናን ሓባራዊ ጸላኢን ምሳና እትትኣሳሰር ሶማል ንጉዳይ ኤርትራ ነገራውን ምራላውን ሓገዝ ካብ መንግስቲ ሶማል ንምርካብ መጺኦም። ከም ውጽኢቱ ከኣ መንግስቲ ሶማል ብመሰረት’ቲ ማሕበራት ናይ ምቛምን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ንኩሉ ዜጋታት እንከላይ ንናይ ፖለቲካ ሰደተኛታት መሰል ዝህብ ቅዋም ሶማል፣ ማሕበር ምሕዝነት ኤርትራን ሶማልን ንኽምስረት ኣፍቂዱ።

ዑስማን ሳልሕ ሳበ ንነብሱ ንቃልሲ ናይቶም ኣብ ክልቲኣን ሃገራት ዝርከቡ እስላም ዝጽውዕን ብኦኦም ከም ዝተወከለን ገይሩ የቅርባ ነይሩ። ዑስማን በዚ ኣጋባብ እዚ ቅድሚ ምቛም ማሕበር ምሕዝነት ኤርትራን ሶማልን፣ ከምኡ ከኣ ናብ ተ.ሓ.ኤ. ቅድሚ ምጽንባሩን ኣብ ክኸተሎ ዝጸንሐ መገዲ ቀጺሉ ማለት ኢዩ።

ኣብቲ ናብ ዓረባውን እስላማውን ኣካላት ዝጽሕፎ ዝነበረ መዘክራት ድማ ብዛዕባ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራን ናይቶም 10 ሚልዮን ዝበጽሑ እስላም ሓበሻን (ኢትዮጵያ) ከም ዝተኣሳሰረ ሓደ ጉዳይ ገይሩ የቅርቦ ነይሩ። ኣብቲ ናብ ዓረባውን እስላማዊ ኣካላት ኣብ ከም መንግስቲ ሶማል፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ እስላማዊ ጉባኤን ካልእን ዝጽሕፎ ዝነበረ ብርክት ዝበለ መዘክራት ከኣ፣ ከም “ብስም’ዚ ንባህጊታት ኤርትራውያንን ንኩሎም ምስልምና ኣብ ሓበሻን ዝውክል ማሕበር ምሕዝነት ኤርትራን ሶማልን” “ብናይ ሓበሻ መሰቀላውያን ዝሕረዱን ዝግፍዑን ዘለው ናይ ዓሰርተ ሚልዮን እስላም ዝኾነ ፍትሓዊ ጉዳይና” ዝብል ሓረጋት ይደጋገም ነይሩ።

ጉዳይ ኤርትራ ምስ ሽግር ምስልምና ሓበሻ ኣብ ምትእስሳር መርገጺ እድሪስ ሙሓመድ ኣደም እንታይ ነይሩ? እድሪስ ሙሓመድ ኣደም ኣብ ርያድ ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ምስ ተረኸበ፣ ዑስማን ኩነታት ምስልምና ኤርትራን ሓበሻን ንምምሕያሽ ዝሰርሕ “ኣልዕርዋ ኣልውስቓ” (ጽኑዕ ጥመረት) ዝተሰምየ ውድብ ከም ዘለዎን ንምሕጋዙን ንምድጋፋን ክሰርሕ ከምዝሓተቶን ይገልጽ። ቀጺሉ እድሪስ “ኣነ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ኣይኣቱን እየ። ጉዳይ ኢትዮጵያውያን እስላም ከኣ ንዕኦም ጥራይ ኢዩ ዝምልከት። እስላም ኢትዮጵያ ሽግር ከምዘጋጥሞምን ሕማቕ ኩነታት የሕልፋ ከምዘለውን እፈልጥ እየ። እንተኾነ ግን ነዚ ጉዳይ’ዚ ምስ ጉዳይ ኤርትራ ከነተኣሳስሮ ኣይንደልን ኢና። ሕቶ ኤርትራ ንዓና ዝምልከት ኣህጉራዊ ሕቶ ኢዩ። እንተ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን እስላም ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዩ። ነዚ ክልተ ጉዳያት’ዚ ምድዋስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ጉዳይና ዓቢ ጉድኣት ዝውርድ ኢዩ። (ታሪኽ ሰዉራ ኤርትራ ብኢብራሂም እድሪስ ቶቲል ኣብ ገጽ 27ን28)

“ኣባላት ላዕላዋይ ባይቶ፣ ኤርትራውያን  ክርስትያን ኣብ ሃገራዊ ናጽነት እምነት ሰለዘይብሎም ኣብቲ ዝተኣወጀ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከሳተፋ ኣይክኣሉን ኢዮም ዝብል ጽኑዕ እምነት ነይሩዎም። ንኣብነት ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብ7 ሕዳር 1961 ዓ.ም ናብ እድሪስ ሙሓመድ ኣደም ኣብ ዝጻሓፎ መልእኽቲ፣ “ኣነ ባዕለይ ክርስትያን ንምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ይቃለሱ ኢዮም ኢለ ኣይኣምንን እየ። እቲ ኩሉ ምስኦም እንገበሮ ናይ ቀልዓለም ርክብ ከኣ ሸራ ዘይወሰድ መርገጺ ከምዝህሉዎም ንምግባር ኢዩ” ክብል ገሊጹ። እዚ ብናይ ሕሉፍ ተመኩሮ ዝተገዝእ ዘረባ’ዚ ምስቲ እታ ደብዳበ ከትጽሓፍ ከላ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝሳነ ኣይነበረን። (ታሪኽ ሰዉራ ኤርትራ ብኢብራሂም እድሪስ ቶቲል ኣብ ገጽ 74ን75)

መንዕቡ ፍሉጥ ኮይኑ፡ እዚ ኩሉ ኣቀዲሙ ዝተጣሕመሰ ቅንጩብ-ቅማሶታት ነቲ ቀጺሉ ዝስዓበ ገድላዊ ተሞክሮታት ኣብ ሓርጎጽጎጽ ዘእተወ ዝንባሌታት’ዩ። ብኸምዚ ሓርጎጽጎጻት ዝሓለፈ ሰዉራ፡ ኣብ መስርሕጝ ዓበይቲ ጌጋታትን ገበንኣትን እኳ እንተፈጸመ፡ ካብ ምፍሻል ድሒኑ፡ ንስክላ ሃገራዊ ልዑላዉነት ምርግጋጹን ሉዑላዊት ሃገረ ኤርትራ ምምስራቱን ክንኣድ ዝግብኦ ሓቂ’ዩ።

ሕጂ እዉን እንተኾነ እቲ መንዕብ ጸገማትና፡ እታ ኣብ ናይ 3 ነሓሴ 1944 ሕታም “ሰሙናዊ ጋዜጣ”” ብስም “ሓደ” ኤርትራዊ ዝተጻሕፈት፡ “ብዛዕባቲ ዝመጽእ ኩነታት ኤርትራ ዚትንኪ ገለ ሓሳባት” እትብል ዓንቀጽ ዝዘርኣቶ መርዚ እያ። እዚ ኩሉ ብሃይማኖት፡ ብኣዉራጃ፡ ብኤትኒክ፡ ብቆላን ከበሳን፡ ብትግራይ ትግርኜ፡ ኣግኣዝያን፡ ኣንድነት፡ ዓረባዉነትን ሓበሻዉነትን….ወ.ዘ.ተ ዝነጥፍ ሕሙም ሓንጎላትን ጉጂለታትን ዉጽኢት መግዛእታዊ መጻወድያ’ዩ። ከምኡ ሙኻኑ እንዳ ፈለጠን እንዳተረድኦን እንኮሎ’ዩ፡ ኣብ ምትፍናን ኣትዩ ዝነጥፍ ዘሎ። እዚ ዓይነት ምትፍናን፡ ኣዕናዊ ምትፍናን ንርእሱ ከም ዘደልድልን ሱር ከም ዝተክልን፡ ነታ ሃገርን ህዝብን ናብቲ ቀሊል መድሃኒት ዘይርከቦ፡ ንታሕቲ ቁልቁል-ኣፉ ዝወርድ ናብ ቁጥዐን ምፍልላይን ሸንኮለል ጎቲቱ ከምዘእቱ ዘጣራጥር ኣይኮነን።

4. መፍትሒን መዛዘምን፡-

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ማለት ኣብ 4 ሕዳር 2020 ንዝተራእየ ኢትዮጵያዊ ግርጭታት ንዝጸንሓና ኤርትራዊ ምትፍናናት ንሰማይ ኣዕሪግዎ’ዩ። ኣብ ርእሲ ዝጸንሓና  ምትፍናናት፡ ን24 ዓመታት መመላእታ ብህ.ግ.ደ.ፍን ህ.ወ.ሓ.ት፡ ብእብረ ኣብ ምድኻም ኤርትራዊ ሃገርነትን ሓርበኛነትን እስትንፋስ ብዘይህብ መገዲ ስለዝተሰርሓሉ፡ እቶም ኣንጻር ኤርትራዊ ሃገርነትን መንነትን ብጋህዲ ዉደባ፡ ምንቅስቃሳት፡ ሲቪልን ሲቪክ ማሕበራት፡ ዘይመንግስታዊ ማሕበራት…ወ.ዚተ መስሪቶም ብዘይ ገለ ምዉልዋልን ስክፍታን “ትግራይ ትዕወት” ክብሉ ጀመሩ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያዊ ግርጭት ተሓቢኡ ነቲ ምትፍናን ዝቅልሶን ዘባራቱዖን ዘሎ ሓይሊ፡ ኣብ ናይ ርሑቕ ሓበሻዊ ጥርኑፉነት ዝተጸፍያ ኮይኑ፡ ንሰብ ንምድንጋር ክልተ ፖሎቲካዊ ካርድታት፡ ማለት ካርድ ፣(1)“ንጸላኢየይ ጸላኢኡ ፈታዊየ’ዩ”ን (2) “ቀዳማይ ጸልኢየይ ህ.ግ.ደ.ፍ ስለዝኾነ፡ ዋላ ምስ ሰይጣን ወጊንካ፡ ሓንሳብ ንሓዋሩ ክጠፍእ ዘለዎ ሓይሊ’ዩ” ብምባል በዘን ክልተ ተማዓደዉቲ ፖሎቲካዊ ካርድታት ዝጻወት ዘሎ ሱሱዑ ሓይሊ’ዩ።

ንጭቆና፡ ጭካኔ፡ ኣዕናዊ ባህርያትን ተግባራትን ህ.ግ.ደ.ፍ እንዳዘርዘረ፡ ካብዚ ሕሰምን መከራን ክትወጽእ እንተመሪጽካ፡ እቲ እንኮ መገዲ ምስ ናይ ትግራይ ሓይልታት ተጥርኒፍካ’ዩ ብምባል ይሰብከካ። ክህረም ዝድለ ዘሎ ዕላማ ግን ሓራ ከዉጻካ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትል ሉዑላዉነትን ንምፍራስ’ዩ።

ከም’ዚ “ዝጨነቆ ሰብኣይ’ሲ ነፍሰ-ጾር የእቱ” ዝብሃል፡ ካብ ሕሰምን መከራን ነቂሎም ዝብልዎ ዘለዉ ካይኮኑ ብምባል ስለትሓስብ፡ ሃቐነን ዕላማን ናይ ሓይልታት ትግራይ፡ እንታይ ሙኻኑ ክትነግሮም እንተደለኻ’ዉን  “እታ ደርፎም ኣይሰምዕን’የ ትብል’ዩ።  ስለዚ ምስቲ ንኤርትራዊ ሉዕላዉነትን መንነትን ዝህድድ፡ ባዕዳዊ ሓይሊ ብምጽማድ ሃገርን ህዝብን ከተራማስስ ዝህቕን፡ ዋላ ብደሙን ዜግነቱ ኤርትራዊ ይኹን፡ ጸረ ሃገርን ህዝብን’ዩ ዘቑጽሮ ብሙኻኑ፡ ምስ’ዚ ሓይሊ’ዚ፡ ን ምትፍናን ንምፍታሕ ኣብ ኩላዊ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽምዶ ወይ ዘተ ኣቲኻ ክትፈትሖ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸዉን’ዩ።

ልዕሊ ኩሉ ግን ከነስምረሉ ዝግብኣና፡ ምስ ሰራዊት ትግራይ ሓቢርካ ማለት፡ እንተ ፖሎቲካዊ፡ ምጣኔ-ሃብታዊን ኣካላዊ ወትሃደራዊን ሓገዝ ብምሃብ፡ ነቲ ብወትሃደራዊ ረጽሚ ንምፍትሑ ዝወሰነ ሓይሊ፡ ኣብ ኣፋታትሓ ግርጭት ክጥቀመሉ ወሲንዎ ዘሎ ቁጡዕ ናይ ደም ምፍሳስ ኣጋባብ ምድጋፍ ብሙኻኑ’ዚ ድማ ብመትከል ቁቡል ዘይገብሮ ዘሎ።

ስለዚ  ብሓፈሻ ኩነታት ዓለምና፡ ብፍላይ ድማ ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ብዉልቂ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዉዱዕ ኩነታት፡ ኣሳላልፋ ሓይልታት፡ ክዉቓዕ ዝህቐን ዘሎ ዕላማታት…ወ.ዘ.ተ ኣብ ግምት ብምእታዉን ነቲ ኣስራት ፖሎቲካ 1940ታት ተኸቲሉ ወይ ካብኡ ነቂሉ ዝቕጽል ዘሎ ፖሎቲካዊን ሕብረተ-ሰብኣዊን ምትፍናን ንሙቕጻይ፡ ሓድነት ኤርትራዉያንን  ንኩሉ ካብ ዉሽጥን ደገን ዝምንጩ ተጻብኦታትን ምትፍንናትን ንምምካት፡ ቱርኑዕ ናይ ምጽዋር ሓይሊን ቱቱዕ ሓድነት ስለዘድልየና፡ እቲ እንኮ ንዋት ናብዚ ከብጽሓና ዝኽእል፡ ኩላዊ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽምዶ ወይ ዘተ’ዩ (Inclusive national dialogue)።

ዝብድሃና ዘሎ ዉሽጣዊን ግዳማዊን ምትፍናናት ንምፍትሑ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ርድኢትና ኣብ ማሕበራዊ ስነ-ልቦና ዝተመርኮሰ ፍታሕ እውን ክንሓስብ ከምዘለና ጎሊሑ ክንርድኦ ዘለና ትርጉም ዘለዎ ነጥቢ እዩ።

ኩላዊ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽምዶ ወይ ዘተ፡ ከም ፖሎቲካዊን ማሕበራዊን ንዋት፡ ነቶም ኣንጻር ኤርትራዊ ሃገራዊን ህዝባዊን ረብሓታት፡ ኤርትራዊ ሉዕላዉነት፡ ሃገራዊ መንነት….ወ.ዘ.ተ ደዉ ዝበሎ፡ ብባህርያቱ ናይ ሙኽርናዕ ባህሪ ኣለዎ። ንኤርትራ ኣማእኪሉ ዝካየድ ጽምዶታትን ዘተን ፈጺሞም ስለ ዝጽይንዎ፡ ባዕሎም ብምርጭኦምን ባህርያቶሙን ክኩርንዑ እዮም። ምስተኮርኑዕ፡ ከምዚ ናይ ጉስጢ ዝተሰገደ ትርንሽዋ መላማመዲ ኮይኖም፡ ኣብ ሓዲግ ሰማይን ምድሪን ጠልጠል ስለዝብሉ፡ ብዝጥዕመካን ኣብ ዝመረጽካዮ ቦታን ስዓትን ንምትብታቦምን ንምዝራጎሙን ኣዝዩ ቀሊል’ዩ።  ልዕሊ ኹሉ ግን ረብሓታቱ ሓድነት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኤርትራዉነትን ኤርትራን ስለዘተርንዑ ኣብ’ዚ መድረኽ ንከነካይዶ ዑዙዝ ኣገዳስነት ዘለዎ ንዋት’ዩ።

ኤርትራ ካባና፡ ብኣናን ንዓናን!

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

09/10/2022

ቅልዕቲ-መልእኽቲ ናብ ኩቡራት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ሎሚ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ ቅልዕቲ-መልእኽቲ፡ ናይ ደስ ደስ ሕቶ ኣይኮነትን፡ ናይ ሃንደበትን ኣጋጣሚ ሕቶ እዉን ኣይኮነትን፡ እንታይድኣ! ካብ መረበትኩሙን ርስትኹሙን ኣርሒቕኩም፡ ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ብምጋሽ፡ ኣብ ዕላምኡ ዘይተነጸረ ኪናት ሕድ-ሕድ ኢትዮጵያዉያን ተጸሚድኩም ስለዝጸናሕኩም፡ እንቛዕ ናብ መረበትኩሙን ርስትኹሙን ተመለስኩም ንምባልን፡ ብተወሳኺ ኣዝየን ዉሑዳት  ሓሳባትኩም ክትገብሩ፡ ምኽርታት ከዉክኣልኩም ስለዝወሰንኩ እየ።

ኩቡራት ደቐይን መዛኖይን ዝኾንኩም፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡-

ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ብተናጸል ተቃሊስካ፡ ተድምዖን ተስምዖን ስለዘየሎ፡ ምስ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ተወዲበ ዝነጥፍ ዜጋ’የ። ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡ ናይ ናጽነቶም ዝኣወጅን ዝዓተሩን ዜጋታት ምትእስሳር ኮይኑ፡ ዜግነታዊ ፖሎቲካ ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ተወዲቡ ዝነጥፍ ምንቅስቓስ ’ዩ። እዚ ምንቅስቓስ’ዚ ኣባላቱ ምስ ህዝቦሙን ሃገረምን ቀጥታዊ (ትኹላዊ) ዝምድናን ርኽክባትን ክህልዎም ዘታባብዕ መትከላት ዝዓተረ ብሙኻኑ፡  መትከላቱ ስለዘታባብዓኒ፡ ብዉልቀይ ከም ኤርትራዊ ኣቦን ተቃላሳይን፡ መልእኽተይ ከማሓላልፍ ኣቃልቦኹም ክትህቡኒን፡ ኣእዛንኩም ብጽምዎ ከዳምጻኒ ብትሕትና ይሓተኩም ኣለኹ።

ኩቡራት ደቐይን መዛኖይን ዝኾንኩም፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡-

98% እትግመቱ ብዝሒ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብዕድመ ደቐይ ብሙኻንኩም፡ ከም ኣቦ ዝጾሮ ሓላፍነታትን ክብሎ ዝግብኣኒ ጉዳያት ከምዘሎ፡ ትዝንግዑ ኣይብልን እየ። ኣብ ብዕለት 04 ሕዳር 2020 ዓ.ም.ፈ ኣብ መንጎ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ወትሃደራዊ ጎንጺ፡ ብሓፈሻ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንኤርትራ ጸሊና’ዩ።

ቀንዲ ዝጸለወና ምኽንያታት፡ ስርዓት ኣስመራ ምስ ብቐረባ ዝጎራበታና ሃገራት ዝምዱኑኡ ናይ ጽልእን ምትንዃልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ወያኔ ብዓብላልነት ዝመርሕዎ ዝጸንሑ ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ካብ 1998-2000 ዓ.ም.ፈ ኣብ ደማዊ ኪናት ቀጺሉ ካብ 2003-2018 ዓ.ም.ፈ ኣብ ኣይኪናት ኣይሰላም ተጸሚዱ ስለዝጸንሔ’ዩ።

ኣብ ብዕለት 04 ሕዳር 2020 ዓ.ም.ፈ፡ ወያኔ ነቲ ሰሜናዊ ወትሃደራዊ እዚ ኢትዮጵያ ብዓመጽ ሃሪሞም፡ ዝቅተል ሰራዊት ቀቲሎም፡ ዝማረኽ ማሪኾም፡ ዝምንዛዕ ኣጽዋር ምስ መንዝዑ፡ ገለ ክፋል ናይቲ ሰራዊት ሃዲሙ ንኤርትራ ክዑቐብ ኣትዩ። ስርዓት ኣስመራ፡ ነዚ ዝኣተወ ሰራዊት ዝዕንገል ዓንጊሉ፡ ዝዓረቐ ኣልቢሱ፡ ዝሓመመን ዝቆሰለን ሓኪሙ…ወ.ዘ.ተ እስትንፋስ ከምዝሰኹዑ ምግባር፡ ነብሶም ዳግም ወዲቦም ንትግራይ ንክኣትዉ ከምዝተሓጋገዞም ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ’ዩ።

ወያኔ ኣብ ግምታቶምን ትዕዝብታቶም ነዚ ምትሕግጋ’ዚን፡ ምስ ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ብምትሕግጋዝ ኤርትራ ብሴሜን ክትወቅዓና’ያ ዝብል ግምታትን ትጽቢታትን ስለዝጸንሖም፡ ብቅጽበት ስርዓት ኣስመራ ኣብቲ ኪናት ሕድ-ሕድ ኢትዮጵያ ኣካላዊ-ምትእትታዉ ከምዝገበረ ብምሕባርን ምጽዓድን፡ ብቀጥታ ንነዊሕ ርሕቀት-ዝዉንጨፍ ሚሳይል ብምጥቃም ንኤርትራ ከጥቕዑ ስለዝጀመሩን፡ ስርዓት ኣስመራ ድማ ምስቲ ዝጸንሖ ቅርሕንቲ  “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተባእስሉ መኣዲ” ስለዝረኸበ፡ ኣብ ዝሓጸረ ምዓልታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ’ቲ ኪናት ከምትድቅደቁ’ዩ ዝገበረ።

ኩቡራት ደቐይን መዛኖይን ዝኾንኩም፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡-

ንሓንጎልኩም ዘፋራርቆ ጉዳይ ሉዕላዉነትን፡ መጥቃዕቲ ንነዊሕ ርሕቀት-ዝዉንጨፍ ሚሳይል ከምዘለኩም ዘጣራጥር ጉዳይ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን፡-

  1. ጉዳይ ሉዕላዉነት መሬትና እንተኮይኑ፡ ሰሚዕክሞ ኢኩም ኣብ ቲቪ-ኤረ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ “ቀዳምነታትና ምምልካት ዶብ ዘይኮነ፡ ምርግጋእ ኢትዮጵያ’ዩ ከምዝበለ። ከምእዉን ገለ ክስተታት እንተተጋሂዱ ድማ ኣእዳዉና ኣጣሚርና ኣይክንርኢን ኢና” ከምዝበለ።
  2. ጉዳይ መጥቃዕቲ ንነዊሕ ርሕቀት -ዝዉንጨፍ ሚሳይል፡ ወያኔ ብፉጹም ክትኩሱን ከጥቁዕን ኣይነበሮሙን። ካብ ገበርዎ፡ ምስቲ ንሳቶም ዘዉረድዎ ሓደጋታት ዝማዛዘን፡ ግብረ-መልሲ ክዉሃብ ናይ ርእሰ-ምክልኻል መሰል ኤርትራ ኣለዋ (ዓንቀጽ 51 ናይ ሕ.ሃ ርኤ)። ኮይኑ ግን ስግሩ ኣብ ሕምብርቲ እቲ ኪናት-ሕድሕድ ብሙሉእ ሓይልኻ ኣቲኻ ን8 ወርሓት ምዉጋእ፡ ነቲ ብዓለምለኻዊ-ሕጊ ዘለዋ ናይ መሰል-ርእሰ ምክልኻል ዉሑስን ቁቡሉን ኣይገብሮን’ዩ።

ኩቡራት ደቐይን መዛኖይን ዝኾንኩም፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡-

ኣብ ዉግእ ምስ ኣተኻ፡ ዝጀመርካሉ ዕለት ጥራይ ኢኻ፡ ብልክዕ ትፈልጦ እምበር፡ ምኣስ ከምትዛዙሞ፡ ንስኻ ዘይኮንካስ፡እቲ ኣባይታ ዘሎ ኩነታት’ዩ ዝዉስኖ። ኣንኳይ ዶ ናይ 8 ወርሓት ዉግ’ስ፡ ናይ ሓንቲ ጊዚየ እተጋጥም ዉግእ እዉን እንተኾነት፡ ሙሩጽ ሰብን፡ ዘይተደነ ነገራዊን ፋይናንሳዉን ክሳራታት እንዳበልዔት’ያ ትካየድ። ትፈልጥዎ ነገር ክነግረኩም ዘይግባእ እኳ እንተኾነ፡ ንታሪኽ ግን ርግጸኛ’የ፡ ኣዝዮም ቡሉጻትን ቡዙሓት ኣሓትናን ኣሕዋትና ኣብ መሬት ትግራይ ተሪፎምን ሰንኪሎሙን ከምዘለዉ። ሕጂ ንምንታይ ዕላማ ንምርግጋጽ’ዩ፡ እዚ ሰፍ ዘይብል ክሳራታት ኣጋጢሙ ዝብል ሕቶ ብኑጹር ተላዒሉ ነባሪ መዕልቦ-መልሲ ክረከቦ ኣለዎ።

ዉግእ ብጎነጻዊ ብልሓት ዝቕጽል ፖሎቲካ እዩ። ስለዚ ዉግእ ንፖሎቲካዊ ዕላማታት ንምዕዋት ዝካየድ ጎነጻዊ ግርጭት ማለት’ዩ። እቲ ከተዕዉቶ እትደልዮ ፖሎቲካዊ ዕላማ ድማ፡ ነቲ ናይ ዉግእ ቅዲ-ኪናት፡ ሜላን ስትራተጂን ብተዛማዲ ይገዝኦ’ዩ። ስለ’ዚ ን8 ወርሓት ኣብ መሬት ትግራይ ዝተካየደ ኪናት፡ ነየናይ ፖሎቲካዊ ዕላማ ንምዕዋት ዝተኻየደ ሙኻኑ፡ ንጹር መልስታት ዝዉሃቦ ስለዘይኮነ፡ ወትሃደራዊ ዕንደራ ጥራይ’ዩ ነይሩ፡ ንክብሃል ዝንቡዕ መደምደምታ ኣይመስለንን።

ኩቡራት ደቐይን መዛኖይን ዝኾንኩም፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡-

ዝኾነ ሓይልታት ምክልኻል  ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ነዘን ዝስዕባ ሓሙሽተ ዕላማታት ዘተግብር’ዩ፡-

  1. ንሉዕላዉነት መሬት፡ ህዋን ባሕሪን ሃገሩ፡ካብ ወረርቲ ሓይልታት ዝካላኸልን ዝሑሉን’ዩ።
  2. ንቅዋምን፡ ብቅዋም መስረት ንዚቐዉም መንግስቲ እሙን ዝኸዉን’ዩ።
  3. ካብ ሕብረተሰብ ዘይተነጸሉ፡ ኣኽባሪ ህዝብን ኣፍረይን ዝኾነ’ዩ።
  4. ብወትሃደራዊ ኣካዳሚ ዝሰልጠነ፡ ብወትሃደራዊ ሞራል፡ ስነግባርን ሕጊን ዝግዛእ፡ ቡቁዕን ተሓታቲን’ዩ።
  5. ኣብ ባህርያዊ ሓደጋ ዕልቕልቕ ዝናብ፡ ቡርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ፡ ምንቅጥቃጥ መሬት…ወ.ዘ.ተ ዝፈጠሮ ሰብኣዊን ነገራዊን ዕንወታት ቀዳማይ ረዳኢ ዝኸዉን’ዩ።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝጣሕመስክዎ ወጻኢ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ዓለምና፡ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር፡ መራሒ ሃገሩ ኣዝዩ ዓማጺን ንብህዝቢ ዝጸደቀ ቅዋም ረጊጹ፡ ዊንታታቱ ክፈጽም እንተጀሚሩ፡ ወትሃደራዊ ምትእትታዉ ይገብሩ እዮም። ንመረዳእታ ኣብ ሱዳን ጀነራል ስዋር ኣዝሃብ ንፕረሲደንት ኑሜሪ፡ ኣብ ዚምባብወ እዉን ሓይልታት ምክልኻል ዚምባብወ ንፕረሲደንት ሮቤርት ሞጋበ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ኣልዮም፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንህዝቢ ኣረኪቦም እዮም። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ከምኡ ከምዝግበር ትፈልጥዎ ዶ ትኾኑ? ብፍላይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነዚ ብዘይ ምርጫን ብዘይ ቅዋምን ፖሎቲካዊ ስልጣን ን30 ዓመታት ዓቲሩ ንህዝቢ ዘድመየን፡ ንሃገር ዘዕነወ ካብ ስልጣኑ ኣዉሪድኩም ፡ ስልጣን ንዋኑኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ እንተ ትመልስሉ፡  ኣብ ታሪኽ ዓለም ፉሉይ ዝናን ክብሪን ምስ ረኸብኩም ኮይኑ ይስምዓኒ።

ከምኡ እዉን ሓደ ወትሃደር፡ ኩሉ ዝተኣዘዞ ትእዛዝ፡ ክፍጽሞ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን! ክትፍጽሞ ዝተኣዘዝካዮ መምሪሒታት፡ ኣንጻር ሉዕላዉነት ህዝቢን ሃገርን እንተኮይኑ፡ ሕቶ እዉን ከተልዕል ሓላፍነት ኣሎካ። ስለዚ ኣንጻር ረብሓታት ህዝቢን ሃገርን ዝኾነ መምሪሒታትን ትእዛዛትን ክትነጽጎን፡ ኣንጻሩ ደዉ ብምባል ረብሓ ህዝብኻን ሃገርካን ከተራጋግጽ ሓንቲ ካብ እትሕተቱሉ ጉቡኣት’ያ።

ኩቡራት ደቐይን መዛኖይን ዝኾንኩም፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡-

ብዛዕባኹም ኣሉታን ምኽርን ጥራሕ ኣይኮነን ዝብሃል ዘሎኒ! ኣዉንታ እዉን ኣለኒ! ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዚ ኹሉ ኣዳራዕ ኣብ ዝባንኩም እንዳጽሓየ እንከሎ፡  ምስ ዘለኩም ጸቕጥታት ናይ ስድራቤታዊ ሓላፍነታት፡  ብዘይ ገለ ዓስቢን ብሩህ መጻኢን፡ ብዘይ እኹል ዕጥቅን ስንቅን፡ ብዘይ እኹል ልብስን ሳእኒን፡ ግህሰት ሰብኣዊን ዜጋዊ ክብርታት….ወ.ዘ.ተ ቅያ ዝሰራሕኩም’ሲ፡ እቲ ኩሉ መሰላትኩሙን ክብርታትኩሙን እንተ ዝማልኣልኩም፡ ፍናንኩም በሪኹን ጸቕጥታት ጎዲሉ፡ ዓቢ-ቁምነገር ከተፈጽሙ ከምትኽእሉ ብፍጹም ኣይጣራጠርን’የ።

ናይ ብሓቂ ሕጹባት ምዓንጣ፡ ዉግእን ጥበብ ዉግእን ዘይሕርብተኩም፡ ድምብርጽን ድንብርብርን ዘይብለኩም ሰላሊዓታት ኢኹም። ናይ መን ድኣ ክትወስዱ? እቲ ስረ ስረ ኣቦታትኩም እቲ ማዓንጣ ቅናት ኣዴታትኩምን’ዩ! ብቅዓትኩም፡ ስሬኹም፡ ማዓንጣኹም…ወ.ዘ.ተ ኣብ ክንዲ ኣብ ዕንወትን ንጉጉይ መዓላታት ዝዉዕል፡ ኣብ ጡዑይን ህዝባዊን ሃገራዊን ዕላማ እንተዝዉዕሉ፡ ሃኒጽኩም ኣድማዕቲ፡ ሓሪስኩም ኣፍረይቲ፡ ተዋጊእኩም ስዓርቲ፡…ወ.ዘ.ተ ከምትኾኑ ብፍጹም ኣይጣራጠርን’የ። ሕጂ ህድእ ኢልኩም ምሕሳብን ምስትንታንን ከድልየኩም’ዩ። ብዝኾነ ዘረባ እንተ በዝሔ፡ ዳስ እንተ ገፍሔ ዋጋ ስለዘይብሉ፡ ንሎሚ ቅልዕቲ-መልእኽተይ ኣብ’ዚ ይዛዝማ ኣለኹ።

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

05/07/2021

ህዝባዊ ባይቶታት፡ ንሃገራዊን ዓለማዊ መጋባእያ ዘብቕዓ ይቑማ፡

ኣስተብህሎ፡-

ነዚ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተሰሊፉ ዘሎ ዝተፈላለየ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብነቀፌታዊ-ሕልና ኣእሙሮ ብምምዛን፡ ጸገሙ እንታይ ሙኻኑ ንምፍላጥ ብተገዳስነት ፈቲንና። ጸገሙ ድማ ብኹረት ቡቁዕ ናይ ፖሎቲካ ጨሌታት (መሪሕነት) ሙኻኑ ፈሊጥና።  ስለዚ ሕቶ መሪሕነትን ኣማጻጽኡኡን ዓይነቱን ክንምልስ ስለዝነበረና፡ ብኸመይ ከምዝመጽእን ዓይነትን ክንምልስ ወሰና።

ከም ንቡር፡ መሰልን ፖሎቲካዊ ስልጣን መንዚዕካን ተቃሊስካን ተራጋግጾ እምበር፡ ጉንዖ ከም ማና ኣብ ጻዕዳ መብልዒ-ቁርሲ ዝዉሃብ ከምዘይኮነ፡ እንዳፈለጥና ከንስና፡ ነዚ ስንጊንጢር-ስንክሳር’ዚ ዘይንሰብሮ፡ ካብ ዝብል ሓያል ሰብኣዊ መንፈስ ብምንቃልል፡ ኣብ ክልተ መሰረታዉያን ሕቶታት ተገቲርና ኣብ ደዉታ ኣተና።

  1. ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ንቡቁዕ ሰብ፡ ንዝበቕዖ ቦታን ስራሓትን ዶ?
  2. ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ንብጥበቡ ስዓብትን ደገፍትን ኣጥርዩ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ሰብ? ንክልቲኡ ብምዉጋን፡ ሳልሳይ መገዲ ክንወስድ መረጽና።

እቲ ምንታይስ፡  ብሓርፋፍ-ግምት፡ ካብ 40 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሚኦም  80%  ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠመረ’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳስን ብሉጽን ንኡስን ሓድሽን መንኮርኮር ቃልሲ ዝኾነ ወለዶ፡ ክርድኦን ብቛንቑኡ ዝዛረብ፡ ካብ ማእከሉ ዝቦቆለ ናይ ፖሎቲካ ጨሌታት (መሪሕነት) ክትፈጥርን ክትምልምልን፡ ቀንዲ መፍትሒ ሙኻኑ ተገንዘብና። እዚ ግንዛቤ’ዚ ብዝኾነ ትኣምር ዘይስገር ስለዝኾነ፡ ኣብ ሰረተ–እምነትና “ካብ ስዓቢ ህዝቢ ንምጥራይ ምቅላስ፡ሓድሽ ወለዶ መራሒ ምጥራይ’ሞ፡ ሻቡ ህዝቢ ክስዕቦን ክቃለስን’ዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ብምዉዳቕ፡ ነቲ ብዘይተደነ ጊዝየን ጻዕሪን፡ መንፈሳዊን ነገራዊን ምንጭታትን ተሞክሮን ፍልጠትን ፈሲሱሉ ዝተሃንጸ ናይ ዜጋታት ሃገርነት ምንቅስቓስና፡ ብዘይ ገለ ዕቀባታትን ስኽኽታትን ንሓድሽ ወለዶ ክመርሕዎ ኣረከብናዮም።

ኮይኑ ግን እቶም ዝተረከቡ ዉልቀ-ሰባት ሓድሽ ወለዶን መላግቦ ወለዶ፡ ነቲ ዝተገብረሉ ጉንዖታት ዛጊት ክንርድኣ ብዘይክኣልና ምኽንያታት፡ ክጻወርዎ ስለዘይክኣሉ፡ ገለ ናብ ዘይጭበጥ ህዉተታ ኣትዩም፡ ገለ ድማ ከምዚ ካብ “ሰበይቱ ዝፈርሔ ሰብኣይ መብራህቲ ምስጠፍኤ ርእሱ ዝንቕንቕ፡ ንሳቶም ድማ ዝገበርዎ ነገር ዘይብሎም ከንሶም፡ ኣስናኖም ክሕርቑሙን ርእሶም ክንቅንቁ ጀመሩ። ብዝኾነ ሃቐነና ቁኑዕ’ዩ፡ ኮይኑ ግን ንሃቕነና ዝዑቁብን ዘዉሕስን” ጥዑይ ቅኒተ-ሕልና ኣእምሮ ዝዉንን ሰብ ብዘይምርካብና፡ ዛጊት ነቲ ንሓስቦ ክነዕዉቶ ኣይክኣልናን ዝብል ጽኑዕ እምነትን ገምጋምን ኣሎና።

ቃልሲ ናሳዕ ምዉራድን ምድያብን፡ ምዉዳቅን ምትእሳእን ፡ ምዕዋትን ምፍሻልን…መስርሕ ስለዝኾነ፡ ቁኑዕ ሓሳብ ድማ ናይ ጊዚየ ሕቶ ጥራይ’ዩ እምበር፡ ከምዝዕወት ስለንፈልጥ፡ ሃቀነናን ሓሳብናን ብዘይምስልካይን ተስፋ ሙቕራጽን ክንቅጽሎ ሙኻና ደጋጊምና ነራጋግጽ።

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

22/10/2020

ናይ ሓጺር ዕላማታት ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

ዘመናዊት ሃገር ኤርትራ ኣብ ጽልኢ ጎሮባብታ ሃገራትን ኣህዛብን መሰረት ብምግባር ዝቆመት ሃገር ኣይኮነትን።  ከምኡ’ዉን ብቀጻሊን ተባራራይን ጸላኢ (Perpetual Enemy) እትነብርን ሃገር ኣይኮነትን። ኤርትራዊ ናጽነት፡ ሓርነት ፡ ልዑላዉነትን ሃገራዉነትን ሃገራዊ መንነትን ንክሰርርን ክጥጥዕን፡ ከምቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ኣዛመዉቲ ሓይልታት ዝእሙትዎን ዘማእዝንዎን፡ ኤርትራን ኤርትራዉያን ቀጻሊን ተባራራይ ጸላኢን ፈታዊን ክህልዎ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። እቲ ምንታይስ ከም ዘመናዊት ሃገር ብዘመናዊ ናይ ዜግነታዊ ሃገራዉነትን (ፖሎቲካ) ዝተወሰነ ሃገራዊ መንነትን ብምርዓም፡ ኣብ ዉሽጢ ገዛእ ርእሳን ምስ ጎሮባብታን ብሰላምን ምዕባሌን ክትነብር ትኽእል ሃገር ስለዝኾነት፡ ብተረድኦን ብመንሕራይን ንስነ-ሓሳብ ዜግነታዊ ሃገራዉነት (Civic Nationalism) ኣብ ኣእሙሮና ተመጊብና ክንኩስኩሶ መድረኽ ዝሓተና ሕቶ’ዩ።

ብዘመናዊ ናይ ዜግነታዊ ሃገራዉነትን (ፖሎቲካ) ምቅላስ፡ ጊዜ ዘይስዕሮ ብሉጽ ሃገራዊ፡ ህዝባዊ፡ ዲሞክራስያዊን መስመር ምዕብልናን መንግስታዊን ማሕበራዊን ስርርዓት’ዩ።

መዛኻኸሪ፡ እንታይ ፖሎቲካዊ ሚስጢር ወይ ትሕዝቶ ስለዘለዎ እዩ?  ዜግነታዊ ሃገራዉነትን (ፖሎቲካ) እንብል ዘሎና? ዜግነታዊ ሃገራዉነትን (ፖሎቲካ) ብቐጥታ ምስ ሓርነት ዉልቀ-ዜጋ ፡ ኩሉ ዜጋ ማዕረ ኣብ ቅድሚ ጊዚኣተ-ሕጊ፡ ርትዓዊ ቁቡሉነት ስልጣን፡ፖሎቲካዊ ዜግነት (ኣብ ዓሌት፡ ደም፡ ኤትኒክ-ጉጂለ፡ ኣብ ሃይማኖት…ወ.ዘ.ተ ዝቶሞርከሰ ዜግነት ዘይኮነ፡ ኣብ ሕጊ ዝተሞርኮሰ ዜግነት ንክህሉ ዝገርሕ ኮይኑ)፡ እዚ ዝስዕብ ባህረ-ትሕዞ ስለዘለዎ’ዩ፡-

መሰረታዊ መለለዪ ዜግነታዊ ሃገራዉነትን (ፖሎቲካ)  በዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ረቛሒታት ይፍለጥ፣-

  1. ፖለቲካዊ ቅቡልነት (legitimacy) ናይ ሃገረመንግስቲ ካብ ንጡፍ ተሰትፎ መላእ ዜጋታት ናይ እታ ሃገር  ይምንጩ።
  2. ዜግነታዊ ሃገር (civic nation-state)- ኤትኒካዊ ሃይማኖታዊ ወይ ዓሌታዊ መብቆሎም ብዘየገድስ ንኩሎም ዜጋታት ሃገር የጠቓልል።
  3. ዜግነታዊ ሃገር- ብሓርበይናዊ ክብርታት ዝተጠምረ ማሕበረ-ሰብ ናይ ማዕረ ዜጋታት እዩ።
  4. ዜግነታዊ ሃገር-  ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘለዎ ሃገር ኮይኑ፡ ንኩሎም ዜጋታቱ ልዑላውነት የልብስ።
  5. ዜግነታዊ ሃገር- ናይ ሕግን ፖለቲካዊ ተሳትፎን መስርሕ ምሕጋግን መሳርዕ-ስራሕ ብምፍጣር፣ ኣብ ሃገር ንዘጋጥሙ ፍልልይትን ጸገማትን ንምፍታሕ ዘኽእል መሓውራት ኣለዎ።
  6. ዜግነታዊ ሃገር-ንዉልቃዊ ዜጋ መሰል መሰረታዊ ሓርነት’ዩ፣ ንብነጻ ዝፍጠር ጉጅለታትን ኣካላትን መሰል ናይ ምስስይ ሕቶ ስለዝኾነ እዩ።

ናይ ሓጺር ዕላማታት ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፡ ኣብ ዜግነታዊ ሃገርነት(ፖሎቲካ) ዝሙርከስ፡-ብሰላማዊ ኣጋባብ (ህዝባዊ ናዕቢ ወይ ምልዕዓል)ካብ ምልካዉነት ናብ ዲሞክራሲያዉነት ምስግጋር ኮይኑ፡ ነዘን ዝስዕባ ብቅድመ-ተከተል ንክትግበራ ይቃለስ።

1. ገባቲ ስርዓት ብህዝባዊ ጸቕጢ ካብ ስልጣኑ ከምዚወርድ ምግዳዱ፡ ጸጥታ ሃገርን ህዝብን ከምዝዉሓስ ድሕሪ ምግባር፡ ኩሎም ናይ ሕልናን ፖሎቲካ እሱራት ካብ ታሓይሮሙሉ ዝርከቡ ናጻ ምፍታሕ።

2. ብቅጽበት ንኩሎም ኤርትራዉያን፡ ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝነብሩ ዜጋታት፡ብወከልቶም ኣቢሎም ሃገራዊ ዋዕላ ንሃገራዊ ዕርቂ ምስታፍን ምስልሳልን፡ ካብ ተሳተፍቲ ዋዕላ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ንመሳጋገሪ መንግስቲ ን2 ዓመት ዝመርሑ ሽማግሌ ምምራጽ።

3. መሳጋገሪ መንግስቲ፡ ኩሉ ዘድሊ ነገራት ከም ቅዋም፡ ስርዓተ መረጻ፡ ሕጊን ስርዓትን ኣቛዉማ ሰልፊታት…ወ.ዘ.ተ ኣዳልዩ ድሕሪ ምእዋጅ፡ መረጻን ዉድድራት ሰልፍታት ከምዝካየድ ድሕሪ ምግባር፡ ዝተመርጸ ሰልፊ ወይ ልፍንቲ ሰልፍታት ነቲ ቅዋማዊን ዲሞክራስያዊን ስርዓት ከምዝመርሓ ምግባር’ዩ።

ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ብህዝቢ!

01/08/2011   

 eritreancdm@gmail.com

https://eritreancdm.wordpress.com/

ጭቆና ጭቆና’ዩ!

ካብ ባዕዳዊ ጭቆና፡ ናይ ወገንካ ጭቆና ይመርር! ካብ ኣብ ትሕቲ ራሕማን ይሉንታን ዘይብሉ ገባቲ (tyranny) ምንባር፤ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዕሉል-ሽፍታ (bandit) ምንባር ኣዝዩ ዝሓሸ’ዩ! ጭቆና ጭቆና ስለዝኾነ፡ ናይ ጓና ወይ ናይ ወገንካ ይሓይሽ ዝባሃል ኣይኮነን! ከምዚ ምብላዕ ምብልዑ ዘብኢ ዓድና ይብላዓዮ” ተባሂሉ ዝምሰል፡ ምጭቛን ምጭቛኑ ወዲ ዓደይ ይሕሸኒ ተባሂሉ፡ ካብቲ ናይ ጓና ጭቆና ዝምረጽ እዉን ኣይኮነን!

እቲምንታይስ፡ በቲ ኩሉእንትናዊ ተግባራቱ፡ ንረብሓኻ ምዃኑ ንገዛእ-ርእሱ ዘእመነ ብውልቀ-ገባቲ ዝወርደካ ጭቆና፡ እቲ ዝመረረን ዝኸፍኤን ብሙኻኑ’ዩ። ገበቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ጭቆንኦም ብምጽማደ፡ “ንረብሓኻን ረብሓ ሃገርን’ዩ” እንዳበሉ፡ ብዘይንሕስያ ዝቡቱንኻ፡ ዘሳቑዩኻ፡ ዝሞቅሑኻ፡ ዝሸርቡኻ፡ ዝገርፉኻ….ወ.ዘ.ተ ራሕማን ይሉንታን ዘይብሎም ስለዝኾኑ፤ ኣብ ትሕቲ ሓደ ዕሉል-ሽፍታ ምንባር ኣዝዩ ዝሓሸን ንዝተወሰነ ጊዚየን’ዩ።

እቲምንታይስ፡ እቲ ሽፍታ ዘድልዮ ምስ ዘመተ፡ ነቲ ተታሒዝዎ ዝጸንሔ ሽፍትነት ብምርሕራሕ፡ ናብ ካልእ ሂወቱ ዘምርሕ ብሙኻኑ’ዩ።እቶም ራሕማን ይሉንታን ዘይብሎም ገበቲ ግን፡ “ንረብሓኻ ንምርግጋጽ’የ ዝገብሮ ዘለኹ እንዳበሉ”፡ ከም ሰብን ሕብረተሰብን ዘርሞ-ዞርሞ ከምትኸዉን ዝገብሩኻ፡ ክፋኣቶም ደረትን ክትያን ዘይብሉ ኮይኑ፡ ዋላ ንሶም ምስ ኣረጉ ወይ ምስ ሞቱ፡ ብደቖም ተኪኦም ሕለትካ ከዉጽኻ፡ ብምሉእ ፍቓድ ሕልንኦም’ዮም ዝህቕንዎን ከተግብርዎ ዝላዓለ ዋጋ ዝኸፍሉሉ። ኣብ መንፈሶሙን ሕልንኦሙን ዋላሓንቲ ሰኸኽ ዝብሎም ስክፍታታት ስለዘይብሎም፡ ሓደገኛታቶም ኣዝዩ ሉዑል: ጭቆንኦም ድማ ኣዝዩ መሪር’ዩ።

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

08/11/2020

ካብ መዛኻኸሪ ደብተረይ (diary) 4ይ፡

ወልቆቶት (ወልቛይት) ኣብ መራኸቢ ቡዙሓን፡ ንሕና ተጋሩ ኣይኮናን ክብሉ እንከለዉ ኣብ 1971 ዝሰማዕክዎ ሕቶ ተዛኻኽረኒ! እታ ሕቶ ሓደ ወልቐታይ ንሓደ ወልቐታይ ሰብ ከምዚሞተ የዉክኣሉ እሞ፡ እቲ ዝተሓበረ ወልቐታይት ተመሊሱ “መዋቲ ሰብ ድዩ ወይ ትግራዋይ ቢሉ ክሓቶ” እዝጊ ብእዝነይ ኣስማዓኒ። እታ ሕቶ ስለዝሓርበተትኒ፡ ኣሰፋዉ ዝብሃል ስኣላይ ኣብ ጥቃይ ስለዝነበረ፡ ኣሰፋዉ ሰሚዕካዮ ዶ ነዚ ሰብኣይ ክብል ሓተትክዎ።

ኣሰፋዉ ቀጺሉ “መርእድ ወልቆቶት እኮ ንተጋሩ፡ ከም ሰብ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ኣይቆጽርዎምን እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ብኣኣታሓሳስብኦም ወልቆቶት ሰብ’ዮም፡ ትግራዋይ ግን ሰብ ኣይኮነን ክብል ኣብራህራሃለይ። ተመሊሰ ንዓና ከ ከመይ ይቆጽሩና ክብል ሓተትክዎም። ማዕሪኦም እኳ ዝርእዩና ኣይመስለኒን፡ ኮይኑ ግን ከም ተጋሩ፡ ኣዝዮም ኣትሒቶም ኣይሪኡናን እዮም ክብል መለሰለይ።

ኣብ 1975 ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምስተጀመረ፡ ናይ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ ብሙሉእ ቀልበይን ልበይን’የ ተቀቢለዮ።እቲ ምንታይስ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ከም ሰብ ዘይሕሰብሉ ህሞት ስለዝሰማዕኩ ነይሩ። ኮይኑ ግን ነቲ ኣብ 1975 ዝተቀበልክዎ ቃልሲ ዉጽዓት ተጋሩ ኣብ መጀመርታ 1978 ኣብ ጥርጥር ከእትወኒ ጀሚሩ። መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ እዋን’ቲ ፈነወ ሬድዮ ንሰዉራ ኤርትራ ኣፍቂዶሙልና ስለዝነበሩ፡ ብዓል ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደገርግሽ ቃለ መሕትት ንመራሕቶ ወያኔ ዝነበሩ፡ ንኣቶ ስብሓት ነጋን ኣቶ ግደይ ዘራጽዮን ከካይድሎም እንከለዉ ኣብ ሜዳ ብሬድዮ ተኻታቲለዮ ነይረ።

ካብቲ ሽዑ ዝበልዎ ጸቐጥቶምን ንዓቕቶሙን ካልኦት እንከለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝንዑቆም ንንዕቐቱ ክገልጽ እንኮሎ ድማ ንዕባራ ደርሆ እንተርእዩ “”ደርሆ-ዓጋመ” ብምባል ከምዚሰምያ ክዛረቡ ምስ ሰማዕኩ፡ እምባእ እዞም ሰባት፡ ኣብ ስነ-ኣእሙራዊ ቅኒቶም ጸገም ኣለዎም ክብል ምስተዛረብኩ። ሽዑ መራሕያይ ዝነበረ ማሓሪ ኪዳን (ራሻይዳ) ዝብሃል ተጋዳላይ ብትሪ ከምተቃወመኒ ይዝከረኒ። ዘቕረቦ ነጥቢ ግን ኣይነበሮን ብወገነይ ግን ወልቆቶት እንታይ ከምዝብልዎም ኣዉኬሉ ነይረ።

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

15-10-2020

‘’ኩርዕቲ ኤርትራዊት ስድራቤት ኣብ ኤዉሮጳ”

ሓንቲ ‘’ኩርዕቲ ኤርትራዊት ስድራቤት ” ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ኤዉርጳ ትነብር ኣላ። እዛ ስድራቤት’ዚኣ ከም ሰባ: ብሓያል ድፌት ናይ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ካብ ኤርትራ ተቀሲባ ንስደት ዘምርሔት ኮይና፡ ጉዕዞ ስደታ ድማ ብከቢድ ሓርጎጽጎጻትን ጸበባብ ብሱዳን: ሊብያን ማእከላይ ባሕሪ ኣቢላ ን ኤዉሮጳ ኣትያ ዑቕባ ዝሓተተትን፡ ሕቶ ዑቕቡኣ ተቀባልነት ረኺቡ፡ ንክትነብር መንበሪ ፍቃድ ዝተዋህባ ስድራቤት እያ።

ከምቲ ኩሉና ስደተኛታት እንፈልጦን ዝሓለፍናዮን፡ መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ፡ ካብቲ መዓስከር ስደተኛ ወጺኻ መንበሪ ገዛ ረኺብካ ትጣየስ እሞ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክትዉሃሃድን ርእስኻ ኪኢልካ መታን ክትነብር  ከም ቛንቛ፡ ታሪኽ፡ ማሕበራዊ ኣናባብራ እቲ ሕብረተሰብ፡ ዝተፈላለየ ኣካዳሚካዊን ተግባረ-ኢዳዊ ኣስተምህሮታት ንክዉሃበካ ባይታ ይኽፈተልካን ግቡኡካን መሰልካን ንክትፈልጥ ክኣ ሲቪክ ኣስተምህሮታት ዝዉሃበካ እኹልን ዉሱንን ጊዚያት ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ጽልግልግን ወገግታ-ብርሃን ጊዚያት’ዚ፡ ካብቲ ዜጋታት እታ ሃገር በረድ፡ ቁሪ፡ ንፋስ፡…ወ.ዘ.ተ እንዳተወቕዑ ሰሪሖም ዝኸፈልዎ ቀረጽ፡ ተቆርሚሙ ዝዉሃበካ ዝተሓተ ሓገዝ ገንዘባዊ መልዕሎ ማሕበራዊ ሓልዮት (social assistance benefit) እንዳተዋህበካ ይጸንሕ እሞ፡ ድሕሪኡ ከም ነፍስ-ወከፍ ነባሪ እታ ዘለኻያ ሃገር ስራሕ ደሊኻ ስድራቤትካን ነፍስኻን ክትሕግዝ፡ ሓደ ካብቲ ንቡር ሓላፍነታትካ(commitment) ኮይኑ፡ እዚ ማለት ከተካይዶ ዝግብኣ ጉቡኣት ብመንጸሩ ድማ መሰላት ኣለዉኻ።

ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ብልሒ፡ ኩነታት፡ ተበግሶ፡ብቕዓት…ወ.ዘ.ተ ስለዘይብሉ ግን፡ ገለ ሰብ ቀልጢፉ ምስቲ ሕብረተሰብ ተዋሃሂዱን (integrated) ርእሱ-ኺኢሉን ዝነብር ክኸዉን እንከሎ፡ ገለ ሰብ ግን ነቲ ዝገጠም ብድሆታት ክስዕሮ ስለዘይክእልን ስለዘይዕወትን፡ ርእሱ-ክኽእል ስለዘይክእልን ምንጭታት ስራሕን ፋይናንስን ስለዝዕጸዎ፡ እንተ ብጥበቡ እንተ ተገዲዱ ብሓገዝ ገንዘባዊ መልዕሎ ማሕበራዊ ሓልዮት ቀጻሊ ከምዝናበ ይኸዉን። ዕድል እዛ “ኩርዕቲ ኤርትራዊት ስድራቤት ኣብ ኤዉሮጳ” እዉን ካብዚ ዳሕረዋይ ዕድል ዘጋጠማ ስድራቤት’ያ።

ኮይኑ ግን ንጽብቁ’ዛ ‘’ኩርዕቲ ኤርትራዊት ስድራቤት ” ከምቲ ንቡር ሰብ ዝፈልጦ ፍልጠትን ሓሳብን ኣይኮነን ዘለዋ። እቲ ንሳ ትሓስቦ “እቲ ዝተሓተ ሓገዝ ገንዘባዊ መልዕሎ ብማሕበራዊ ሓልዮት ዝዉሃባ መሰላን ዶሞዛን ሙኻኑ’ዩ ዝመስላ”። እቲ ዝዉሃባ ዘሎ “ዶሞዝ” ድማ ብሕቡራት ሃገራት ዓለም ጉዳያት ስደተኛታት (UNHCR) ተሰሊዑ ዝዉሃባን፡ እቶም ዘንቡርዋ ዘለዉ ሃገረ-መንግስቲ ድማ ካብቲ ሑቡራት ሃገራት ዓለም ጉዳያት ስደተኛታት ዝሰድዎ ዶሞዛ ቆርሚሞም ከምዝወስዱላን ተጠቐሚትን  ዝመስሎም እዮም።

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ስለዝሓስቡ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብእብረ ናብቲ ምምሕዳር ዝነብሩሉ ከተማ ቤት-ጽሕፈት ሕብረተስብኣዊ ጉዳያት ብምምልላስ ዳርጋ መገዲ’ዮም ኣዉጺኦምሉ። መዓልታዊ ሕጽረተት ገንዘብ፡ ልብሲን መግብን ይጎድሎም ከምዘሎ ስለዝጠርዑ፡ እታ ንእኦም ትካታተል ዝነበረት ጽሓፊት ሕብረተስብኣዊ ጉዳያት፡ ብመሰረት ናይቲ ሃገር ሕግታት ዝግብኦም እንዳሃበት፡ ዘይግብኦም ድማ እዚ የሎን እንዳበለት ብክብረት ከተናባብሮም ፈተነት። ‘’ኩርዕቲ ኤርትራዊት ስድራቤት ”ብዝሒ ዝዓብዩ ቆልዑ ስለዘለዉዋን ኣናባብርኣ ድማ ከምቲ ናይ ዓድና ጸብሒ መታን ክሓፍሰላ ዘይተደነ ሽጉርቲ ጊዒታ ጣይታ ፊኖን ዕፉንን ጠቢታ፡ እንዳተመገበት ስለትነብር፡ ዘይተደነ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ኣብ ኣረጊት-ካልሲ ዘቀመጠት ስለዝኾነት፡ ንኣብ ከባቢኣ ዝነብር ሰብ ፈራዕ ፈራዕ እንዳበለት እትነብር ስድራቤት እያ።

የግዳስ፡ ብዘየሎ ዋህም  ዝተበከለ ሓንጎል ሰብኣይ፡ ካብ ኩቱር ስስዔን ህርፋንን ወይ ድማ ካብ እቲ ወርሓዊ ዝዉሃቦም ገንዘብ ቀልጢፎም ይዉድእዎ ጊዲ ነይሮም ኮይኖም “ዶሞዘይ ዘይተዉርድለይ” እንዳበለ ከሸግራ ጀመረ።  ንሱ ይኹን ሰበይቱ ተማሂሮም ቛንቛ ናይቲ ዝነብሩሉ ሃገር ክሰምዑ፡ ክጽሕፉን ክዛረቡን ስለዘይክእሉ፡ ብመንጎኝነት  ቶርጋማይ እዮም ምስቲ ምምሕዳሮም ዝዛራረቡ። ስለዚ እቲ ምምሕዳር ንመናባብርኦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸገማቶም ንምርዳእ እዉን ንቶርጋማይ ዘይተደነ ገንዘብ የዉጽኣሎም ነበረ።

ሓንቲ ምዓልቲ  ሰብኣይ’ታ ‘’ኩርዕቲ ኤርትራዊት ስድራቤት ” ተቖጢዑ ነቲ ቶርጋማይ ንክትርጉሞሉ ዘረባ ይነግሮ  ስለዝነበረ፡ እታ ጽሓፊት ሕብረተስብኣዊ ጉዳያት፡ ሓያል ነድርን ቁጥዔን እቲ ሰብኣይ ስለዝተዓዘበት፡ ነቲ ቶርጋማይ፡ እታይ ኮይኑ’ዩ ዝሓርቕ ዘሎ? እንታይ’ዩ ኸ ዝብል ዘሎ? ብምባል  ሓተተቶ። ቶርጋማይ ድማ “ዶሞዘይ ዘይተዉርድለይ” ይብለኪ ኣሎ በላ። እታ ጽሓፊት ሕብረተስብኣዊ ጉዳያት፡ እንታይ ዶሞዝ ኣለዎ ብምባል “እዚ ንህቦ ዘሎና ገንዘብ ዶሞዝ ከምዘይኮነን፡ ካብቲ ዜጋታት እታ ሃገር በረድ፡ ቁሪ፡ ንፋስ፡…ወ.ዘ.ተ እንዳተወቕዑ ሰሪሖም ዝኸፈልዎ ቀረጽ፡ ተቆርሚሙ ዝዉሃበካ ዝተሓተ ሓገዝ ገንዘባዊ መልዕሎ ማሕበራዊ ሓልዮት ሙኻኑ ግለጸሉ ክትብል ንቶርጋማይ ነገረቶ። ብተወሳኺ ኣብ ብርክት ዝበሉ ህጻናት ደቆም ምዕባይ ተጸሚዶም ስለዘለው ብምባል፡ ሸለል ኢልናዮም እንበር እዚ ዝዉሃቦም ናይ ሓገዝ ገንዘብ ክፍቀደሎም እዉን እንተኾነ፡ ከማልእዎ ዝግብኦም ግቡኣት ከምዘሎ ክፈልጥ ከምዘለዎ ንገሮ ኢኻ በለቶ።

ቶርጋማይ ከምዝተባህሉ፡ ከምዚ ትብለካ ኣሎ እንተበሎ፡ ወዲያቱ ድማ መን ፍለጢ ኢልዎ! ብሑቡራት ሃገራት ዓለም ጉዳያት ስደተኛታት ንዓይ ተባሂሉ ንመንግስታ ዝተሰደ ገንዘብ’ያ ትህበኒ ዘላ። ብኣንጻሩ ካብቲ ዝስደደለይ ገንዘብ መንግስታ ቆርሚሙ ከምዝወሱድ (ዝሰርቕ) ከምዝፈልጥ ንገራ ክብል መለሰ። ቶርጋማይ እዉን ነገራ። ብዝኾነ ክራዳድኡ ስለዘይክኣሉ ብዕግርግር ተፈላላዩ።

መሸም ‘’ኩርዕቲ ኤርትራዊት ስድራቤት ” ከም ቅጽል ስማ ኩሩዕትን ኣምላኽ ዝባረኻን ዝሃባ ስለዝኾነት፡ ዓመት ዓመት ቆልዓ ኣብ ርእሲ ቆልዓ ስለትወልድ፡ ኣብቲ እዋናት’ቲ ኣጋጣሚ መደብ ናይ ጥምቀት ቆልዓ ስለዝነበሮም። ነታ ጽሓፊት ሕብረተስብኣዊ ጉዳያት ናይታ ከተማ፡ ኣብቲ ጥምቀቶም ምስኦም ንክትዉዕል ዓደምዎ። ዕላማ እቲ ዕድመ ስለዝፈተዉዋ ኣይኮኑን እንታይድኣ፡ መታን ንቀጻሊ ነቲ ምምሕዳር ከተማ ክምዝምዝዎ ክጥዕሞም፡ ብቀዳምነት ምስታ ጻዕዳ ሰበይቲ ክዕረቁን  ካልኣይ ድማ መሰላታን ጉቡኣታት ከምኦም ዘይትፈልጥ ሰብ ጊዲ መሲልዎም፡ ጉቦ ብምብላዕ ብዘይሓርጎጽጎጻትን መሰናኽላትን ክምዝምዝዎ ስለዝሓሰቡ ነበሩ።

ሕሉፋትን ደፋራትን ስለዝኾኑ ድማ፡ ነቲ መዓልቲ ጥምቀት ዝኸዉን ጥልፊ ክዳን ፡ ልክዕ ከምቲ ናይታ ትጥመቅ ሓራስ ሰበይቲ ጀለብያ ጥልፊ ምስ ነጸልኡ፡ ዲግዲጊት መዕጠቂኡ ዓዲጎም፡ ንኡ ተኸዲና ኣብቲ ጥምቀቶም ምስኦም ክትዉዕል ማዓድዎ።

ዝተዓደመት ጻዕዳ ጥልፋ ተኸዲና ኣብ ተዓደመትሉ ስዓትን ቦታን ተረኽበት። ኣየ እባ ከጸብቀላ!  ክሳብ ኩርናዕ-ኩርኒዕታ ዘረር ዝበለ ብገፊሕ እድያት ዝተቀነተሉ ስለዝነበረ፡ ጽባቀ ናይቲ ጥልፊ ነታ ጻዕዳ ሰበይቲ ከምዚ ዱሙቕ መብራህቲ ተኾሊዓ ከምትጥመት ገበራ።  ኩሎም ዕዱማት እዉን ተረኽበ፡ ኣብቲ ዳስ ብልዕን መስተን ተኸስከሰ፡ ከበሮ ተሃርመ፡ ሞዚቛ ብዓዉታ መቃልሕ ተዋግሔ፡ ሰብኣይ እታ ኩርዕቲ ስድራቤት ጻዕዳ ክዳን ሓበሻ ተኸዲኑ ሰበይቱ ድማ ጥልፋ ተኸዲና፡ ሰተታ ዝመስል ኩቱሻ፡ ገዚፍ ሰንሰለት ዘንጠልጠሎ ወርቂ መስቀልን ንኩሉ ኣጻብዕታ  ዘማዕረገ ዝተፈላለየ ዝብጦታትን ካትማትን በናጅራት ወድያ ከምዛ ሓዊ-ለይቶ ብልጭ ብልጭ እንዳበለት፡ ንዑዱማት ቡልዕልና ስተይልና እንዳበሉ ንመላእ ዳስ ዘወርዋ።

ብዝርኣየቶ ምእማኑ ኣሸጊርዎ ዝተደነቐት ጻዕዳ፡ ንክንዲዚ ዝብዝሑ ሰብ ዓዲሞም ዘብሉዑን ዘስቱዩን፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ስልማት ዝተሰለመት ሰበይቲ ምስራኣየትን ንዕኦም ኪኢሎም ንዕዓ እዉን ካይተረፈ ጥልፊ ዝኸድኑ ኣዝዮም ሃብታማት እምበር ድኻታት ከምዘይኮኑ ክስማዓ ጀመረ።

በሊዓ ሰትያ፡ ኩሉ ተዓዚባ፡ ዘድልያ ስእሊታት ወሲዳ ድማ ከደት። ንሳልስቱ ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን ናይታ ‘’ኩርዕቲ ኤርትራዊት ስድራቤት ” ዓዲማ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝዉሃበኩም ዝነበረ ሓገዝ ገንዘባዊ መልዕሎ ማሕበራዊ ሓልዮት ደዉ ክብል’ዩ፡ ምኽንያት ደዉ መበሊኡ ድማ ኣዚኹም ሃባትምን ቀዋሚ ንብረት ወርቂ ዘለኩም ብሙኻንኩም’ዩ በለቶም።

ትጽቢታቶሙን ክዉንነትን ከምዚ ብርጭቆ ኣብ እምኒ ወዲቁ ዝሳባበር ፍርትት ምስ በለ፡ እቲ ሓሶትን ምድንጋራትን ክቅጽል ስለዝነበሮ፡ እቲ ወርቂ ንሹዑ ክትራየሉ ካብ ሰብ ዝተለቅሕዎ ሙኻኖም ከመኽንዩ ጀመሩ። ጋልያቱ ድማ ኣለቃሒትን ነቲ ወርቂ ዝዓደገትሉ ክፍሊት ሒዛ፡ ኣብዚ ቤትጽሕፈት መጽያ ሓላፍነት ትስከም እንተኾይና ጸገም የሎን ዉሳኔና ከነልዕሎ ንኽእል ኢና ክትብል መለሰትሎም።

ነዚ’ኣ ዝረስዔ፡ ሞት ትረስዓዮ!

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

17/10/2020

ሓተታ፡ ቃሉን መርገጺኡን ክዓጽፍ ዘይእግሞ ጃንዳ!

ሓተታ፡ ቃሉን መርገጺኡን ክዓጽፍ ዘይእግሞ ጃንዳ!

ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ቅድሚ 5 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ ፈጻሚ ሽማግሊ ኢህወደግ (ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ) ነቲ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ዓ.ም.ፈ ዝወሶኖ፡ ብዘይቕድመ ኩነት ከተግብሮ ምኻኑ ቅድሚ ምእዋጁ፡ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ብዝርዝር ከምዚ ብምባል ጽሒፉ ነይሩ፡-

መበል 27 ዓመት .188

7 ሚያዝያ 2018 – ገጽ 2

ሓዳስ ኤርትራ

ርግጸት ልዕልና ሕጊ ይኣክል!

13 ማዝያ 2002 ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ዚቘመ ዳናዪ ኮምሽን፡ ናይ መወዳእታን ቀያዲን ብይኑ ዚሃበሉ ዕለት እዩ። እቲ ብይን ካብ ዚወሃብ ዝመጽእ ዓርቢ 16 ዓመቱ ክመልእ እዩ።

ካብ ግንቦት 1998 ክሳብ ሰነ 2000 ዓ.ም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝተኻየደ ቅሉዕን ዘይምኽኑይን ወራር፡ ብሓያል መኸተን ጅግንነትን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተረዂመሸ፣ ኣብ ወርሓት ስነን ታሕሳስን ናይ 2000 ዓ.ም.፡ ነቲ ብዶብ ዝተመኽነየ ኲናት ንምዕራፍ፡ ኣብ ኣልጀርስ ክልተ ስምምዓት ሰላም (ኣፈናዊን ኣጠቓላልን) ከምእተኸተሙ ይዝከር። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኮፊ ኣናን፡ ዋና ጸሓፊ ው.ሓ.ኣ. ሳልም ኣሕመድ ሳልም፡ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማድሊን ኦልብራይት፡ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ዓብደልዓዚዝ ቡተፈሊቃ፡ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሚስተር ሪኖ ሰሪ ድማ፡ ኣውሓስቲ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ብምዃን ክታሞም ኣንቢሮምሉ።

ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቘፈ ዘይሻራዊ ዳናዪ ኮምሽን ክምስረት ዝእዝዝ ኮይኑ፣ እቲ ዝቐውም ኮምሽን፡ ንዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝምልከት መግዛእታዊ ውዕላት (Pertinent Colonial Treaties) 1900፤ 1902፤ 1908፤ ከምኡ’ውን ምስ ጉዳይ ዶባት ተዛማድነት ዘለዎ ኣህጉራዊ ሕጊ (Applicable International Law) ምርኩስ ብምግባር ብይኑ ድሕሪ ምሃብ፤ ዶባት ሓንጺጹ ኣብ ባይታ ከመልክት ስልጣን ዘሰክሞ እዩ።

በዚ ውዕል’ዚ ዝቘመ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ዝቐጸለ ልዕሊ ሓደ ዓመት፣-

– ክልቲኦም ወገናት ሕጋዊ ጭብጢታቶም ከቕርቡ ዕድል ብምሃብ፤

– ብክልቲኦም ወገናት ዝቐረቡ ብዙሓት ሰነዳትን ዝተፈላለዩ መርትዖታት ብምምርማር፤

– ስምምዕ ኣልጀርስ ብዘሰከሞ ሓላፍነት መሰረት፣ ዝምልከቶም መግዛእታዊ ውዕላትን ተዛማዲ ኣህጉራዊ ሕጊታትን ምርኩስ ብምግባር፣ ብ13 ማዝያ 2002 ውሳነኡ ሂቡ።

ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስን ዳናዪ ኮምሽን ዜውጽኦ ዝርዝራት ኣፈጽጻማን፡ እቲ ብይን ክሳብ ሕዳር 2003 ኣብ ዚነበረ ግዜ ኣብ ባይታ ተተግቢሩ፡ ክድምደም ዚነበሮ እዩ። እንተኾነ ወያነ፡ ብኣይዞነት ኣሳሰይቱ፡ ልዕልና ሕጊ ስለእተሓሰመ፡ ኣህጉራዊ ሕጊን መትከላትን ተረጊጹ፡ እቲ ብይን ክሳብ ሎሚ ካብ ፈጽሚ ተዓጊቱ ኣሎ። በቲ ዝተፈጥረ ዕንቅፋት ዕማሙ ብምልኣት ኪፍጽም ዘይከኣለ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ዶባት ብማንዛ ሕንጻጻት (virtual demarcation) ኣብ ካርታ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ሕዳር 2007 ስርሑ ብወግዒ ከምዚዛዘመ ኣፍሊጡ። ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዚነበረ ኣብያተ-ጽሕፈቱ ኣብ ዚዓጸወሉ እዋን፡ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዚጸሓፎ ደብዳበ ከምዚ ይብል፦

“ኢትዮጵያ፡ እቲ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ኪኸውን ዝተሰማማዓትሉ ብይን፡ ኣብ ባይታ ኪትግበር ድልየትን ቅሩብነትን ኣየርኣየትን። እቲ መስርሕ ኪቕጽል ተስፋ ስለዝተሳእኖ ከኣ፡ ኮምሽን ኣብያተ-ጽሕፈቱ ኪዓጹ ተገዲዱ ኣሎ። ኣብ መደምደምታ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ እቲ ብ13 ማዝያ 2002 ብዝተዋህበ ውሳነ ዝተሓንጸጸ፡ ኣብ ሕዳር 2007 ድማ ብቨርቺዋል ምምልካት ተነጺሩ ዘሎ ዶብ፡ ንክልቲኦም ወገናት ቀያዲ ምዃኑ የፍልጥ። ነዚ ዶብ’ዚ ዝጻረር ወይ ዝጥሕስ ዝኾነ ተግባር ከኣ ዘይሕጋዊ እዩ።”

እዚ ዕንቅፋት’ዚ፡ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮነ ኣብ ሰላምን ጸጥታን ዞባና ብዜስዓቦ ናይ ግዜን ዕድላትን ክሳራ፡ ቀንዲ ተሓታቲ፡ እቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሱ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ጎቢጡ ዚርከብ፡ ወራሪ ስርዓት ወያነ እኳ እንተኾነ፡ ክብረት ስምምዓትን ውሳነ ኮምሽንን ኬተግብር ሓላፍነት ዝተሰከመ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኮነ፡ ኣውሓስቲ ናይቲ ስምምዕ እውን ግዴታኦም ብዘይምልዓሎም ተወቀስቲ እዮም። ልዕሊ ዚኾነ ወገን ከኣ፡ ትግባረ ናይቲ ብይን ሓኒቑ ኪሕዞ ዚወሰነ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረምምሕዳር ኣመሪካ ተጠያቒ እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ካብ ጽሑፍ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዚነበረ ጆን ቦልተን ምርግጋጹ ይከኣል።

ጆን ቦልቶን፡ ኣብታ ኢድካ ምሃብ ምርጫ ኣይኮነን “Surrender is not an option” እትብል መጽሓፉ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ንምፍራስ፡ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ዝተዋህቦ መምርሒ ከምዚ ኪብል ኣስፊርዎ ኣሎ፦

“ኣነ ብዘይተረድኣኒ ምኽንያት፡ ናይ ሽዑ ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ጃንዳየ ፍሬዘር፡ እቲ ‘ጌጋ’ዩ ነይሩ’ ኢላ ዝደምደመቶ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን 2002፡ ዳግማይ ክርአን ዚበዝሕ ክፋል ናይቲ ዜሰሓሕብ ግዝኣት ንኢትዮጵያ ዚወሃበሉ ኩነት ኪፍጠርን፡ ኣብ ለካቲት (2005) ሓሳብ ኣቕሪባተለይ ነይራ። እቲ ጉዳይ ንባይቶ ጸጥታ ብኸመይ ከምዝገልጸሉ ስለዝሓርበተኒ ግን ኣየቕረብክዎን።”

ብዊኪሊክስ ዚለሓዀ ሓበሬታ እውን፡ ኣብ ሕዳር 2009፡ ወከልቲ ኣመሪካ፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጣልያንን ሽወደንን ኣብ ዝተራኸብሉ ኣጋጣሚ፡ ወኪል ኣመሪካ፡ “ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ መተካእታ ዘይብላ መሓዛ ኣመሪካ” ምዃና ብምግላጽ፡ “ኣመሪካ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘለዎ ደስኪሉ ኪጸንሕ” ከምእትደልዮ ምዝራቡ ይጠቅስ።

ባይቶ ጸጥታ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ድርብ መለክዒታት ርሒቑ፡ ዝተፈጸመ ግህሰት ልኡላውነትን ጎበጣን ብትሪ ብምቅዋም፡ ብመሰረት ምዕራፍ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ዝጠሓሰ ወገን ስጉምቲ ዝወስድ፡ ኮር ተገልበጥ ኣብ ልዕሊ’ታ “ግዝኣተ-ሕጊን ኣህጉራዊ መትከላትን ይከበር” ኢላ ዚሞጎተት፡ መሬታ ዝተወረ ኤርትራ ዘይምኹኑይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕ.ሃ. ሰፊሩ ንዝርከብ፡ ናይ ርእሰ ምክልኻል መስላ ዝግህስ እገዳ ኣብ ምውሳን መጋበርያ ኮይኑ እዩ።

ናይዚ ዚሓለፈ 16 ዓመታት ዛንታ እምበኣር፡ ንስለ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት፡ ርግጸት ግዝኣተ ሕጊ ብምስሳይ፡ ኣህጉራዊ ሕጊን መትከላትን ንፍዂሰት ዝተቓልዕሉ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዞባናን ከኣ፡ ግዜን ብዙሕ ዕድላትን ዝኸሰርሉ ዘሕዝን ዛንታ እዩ። ዝተፈጸመ ዓመጽ ንምኽዋል ምዕልባጥ፡ ብዕድል ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እናተጻወትካ ህድማ ንቕድሚት ግን ክሳብ መዓስ?

ብኣጋጣሚ መበል 16 ዓመት ውሳነ ኮምሽን ዶብ እምበኣር፡ እቲ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ተፈጺሙ ዘሎ ግህሰትን ዚወርድ ዘሎ ዕንወትን ብዘይውዓል ሕደር ኬብቅዕ፡ ከምቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ ዝተኸተመሉ እዋን “ናይ ኲናትን ጽልኢን ምዕራፍ ብናይ ምትሕግጋዝን ብሓባር ምንባርን መድረኽ ክዕጾ ኣለዎ። ጉርብትና ህዝብታት ምርቓ እምበር መርገም ኣይኮነን” ዝበሎ፡ እዚ ሰላም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን መላእ ዞባናን ዘሪጉ ዝርከብ ሃዋህው ኣኽቲሙ ናይ ልምዓትን ምትሕብባርን ሓድሽ መድረኽ ክፍጠር፣ ርግጸት-ሕጊ ንምኽዋል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተስገዲዱ ዝጸንሐ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ዓማጺ እገዳ ብቕጽበት ተሰሪዙ፡ ክብረት ልዕልና ሕጊ ኪሕሎ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ብፍላይ ግዴታኦም ኪፍጽሙ ኤርትራ ደጊማ ትጽውዕ። ዝብል’ዩ።

ኣብ 5 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ ፈጻሚ ሽማግሊ ኢህወደግ (ፈደራላዊ ስርዓት ኢትዮጵያ) ነቲ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ  ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ዓ.ም.ፈ ዝወሶኖ፡ ብዘይቕድመ ኩነት ከተግብሮ ምኻኑ ድሕሪ ምእዋጁ ግን መራሒ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ  (ኣቶ ኢስያስ ኣፍወርቂ) ፡ ሓያል ስምብራትን ማህሰይቲን ኣብ ስነ-ኣኣሙሮ ህዝብና ሓዲጉ፡ ነቲ ኣብ  ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ሕሉፍ ኣሰቓቂን ኣሉታዊን፡ ቶምክሮ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያዉያ ኣዛኻኺሩ፡ ንነድሩ ዘላዓለ ዘረባታቱ ከመ-ቅጽበት ከምዚ ዝስዕብ ክብል ጀመረ፡-

1.ንሕና ኣይከሰርናን!

2.ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ክልተ ህዝቢ’ዩ ኢሉ ዝኣምን፡ ነቲ ሓቐኛ ታሪኽ ዘይፈልጥ ሰብ’ዩ!

3.ምሕንጻጽ ዶብ ኣብ መንጎ እቶም ቡዙሓት ዘለዉ ሽግራት፡ እቲ ዝደቐቐ ሕቶ’ዩ፡ ልዕሊኡ ካልእ ዓበይቲ ጉዳያት፡ ከም ምርግጋእ ኢትዮጵያ ናይ ዞናና ቁጠባዊ ዉህደት ስለዘሎ፡ ኣብቲ ዝዓበየ ጉዳያት ኣቶኪርና ክንሰርሕ ኢና!

4.ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ሽግር ናይ ዶብ ግርጭት ኣይነበረን ኣይኮነን፡ ዶብና ድማ ልዕሊ ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ብዝተነጸረ ዝተሓንጸጸ’ዩ!

5.ድሕሪ ሕጂ ዶክተር ኣቢ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ ንቐልዓለም ኣይኮነን! ሙሉእ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ!

6.ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ታሪኻዊ ኪዳኖም ኣሓዲሶም!?

7.ነዚ ኣብ መንጎ “ክልቴና” ዝግበር ዘሎ ዝምድናታት ንምዕንቃፍ ዝፍትን ወይልኡ! …ወ.ዘ.ተ ብምባል ነቲ 16 ዓመታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ  ኣብ 7 ሚያዝያ 2018 ዝወሰድዎ መርገጺ ከመ-ቅጽበት ዝቀየሩ።

ከምዚ ዓይነት ቃሉን መርገጺኡን ክዓጽፍ ዘይእግሞ ጃንዳ፡ ጽባሕ-ንግሆ እዉን ካልእ ክገብር ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። እቲ ካልእ ካይመጸ እንኮሎ ነዚ ጃንዳ’ዚ ደዉ ከነብሎ፡ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሞራላዊን ሃገራዊን ሓላፍነት’ዩ።

ወድሓንኩም!

ዝኽሪ ንመተካእታ ዘይብላ ሂወቶም ዝበጀዉን ዝብጅዉን ዘለዉ ስዉኣትና!

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ናይ ህዝቢ፡ ብህዝቢ ካብ ህዝቢ’ዩ!

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

08/03/2020