ኣግእዞ ቃልሲ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ

ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ 58% ብዝሒ(demography) ናይ ሕብረተሰባት ኤርትራ ዘለዋ እያ። እዚ ዝኣክል ብዝሒ ዘለወን ኣካላት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ፡ ዘሎን ዝመጽእ ቃልስታትና፡ ብዘይ ኣድማዕን ርትዓዊን ተሳትፉን ዝኾነ ይኹን መሰረታዊ ለዉጢ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ከምዘይክኣል ከም ማሕበራዊ ሕጊ ክንቅቦሎ ዝግብኣና ቁጽሪ ሓደ ሓቂ’ዩ። ኮይኑ ግን ደቂ-ኣንስትዮ እዉን ብንጹር ብዘይምትሕዉዋስን ምድንጋራትን ክፈልጥኦ ዝግብኣን መሰረታዊ ዛዕባ ኣሎ።

ንሱ ድማ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ጽምዲ ጭቖና ማለት (ጾታዊ (ሕብረተሰብኣዊ)ን ስርዓታዊን) ከምዘለዋ’ዩ። ነዚ  ጽምዲ ጭቖና ብዘይ ኣፋላላይ ኣብ ሓደ ጊዚየ እቲቃለሰሉን ክትቃለሰሉን ዝግብኣ ሕቶ’ዩ። ብፍጾም ትኣምር መጀመርታ ነቲ ገባቲ ስርዓት ንእለዩ ድሕሪኡ ጉዳይና ከነርክበሉ ዝክኣል’ዩ ወይ ብመንጸሩ መጀመርታ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ንቃለሰሉ ነቲ ገባቲ ሳርዓት ንምእላዩ ካልኣዊ’ዩ ዝብሃል ኣይኮነን። ኣብ ሓደ እዋን ነዚ ድርብ ጭቖና ክልቲኡ ብምጥማር ማለት  (ምእላይ ገባቲ ስርዓትን ምእላይ ጾታዊ (ሕብረተሰብኣዊ) ጭቖና ክቀላሳሉ ዘለወን ሙኻኑ’ዩ።

እቲ ቀዳማይ እቲ ካልኣዊ ተባሂሉ ዝፋላለን፡ ነቲ ሓደ ኣወንዚፍካ ናብቲ ካልኣይ ኣቶኪረን እትቃለሳሉ ጉዳይ ኣይኮነን።  ክቃለሳ እንተኾይነን ድማ ዉደባ ከድልየን’ዩ። ዉደባ ዕላማ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ንዋት’ዩ። እቲ ንዋት ድማ ኣብ ሓደ ጊዚየ ነቲ ኣብ ልዕሌን ተጻዒኑ ዘሎ ጽምዲ ጭቖና ዝኣሊ ንዋት ክኸዉን፡ ኣብ’ዚ ዝልዓል ኣገሳሲ ሕቶ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ናጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዶ ወይስ ኣብ ትሕቲ ፖሎቲካዊ ዉድብ፡ መንግስቲ፡ ምንቅስቓሳት….ወ.ዘ.ተ ዝናበን ዝማሓደርን ማሕበር ክኸዉን ኣለዎ ዝብል ሕቶ’ዩ።

ርእይቶይ ካብ ርእይቶ ተወዲበ ዝንቃለሰሉ ዘለኹ ምንቅስቓስ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ዝፍለ ኣይኮነን። ንሱ ድማ “ናጻ ዝኾነ ርእሱ ዝኻኣለ ማሕበር ናይ ደቂ ኣንስትዮ” ክኸዉን ኣለዎ ዝብል ርእይቶ’ዩ ዘሎኒ። ስለምንታይ ዝብል ሕቶ እንተተላዒሉ ድማ ብንጹር ናይ ጥቕምታት ግርጭት (conflict of interest) ንኣግእዞ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ስለዘእቱ’ዩ። ( ዝሓለፈ ተሞክሮ ብቀሊሉ ከምኣብነት ክዉሰድ ዝክኣል’ዩ)።

እቶም ኣብ ቃልሲ ምስኣተን ኮይኖም ዝቃለሱ፡ ብኣፎም እዮም ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮ ዝብሉ እምበር፡ ብተግባር ኣብ ኣባታዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ስርርዕ (patriarchal society) ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣኽላብ ስለዝኾኑ፡ ኣታሓሳስብኦሙን ባህልታቶሙን ብኡኡ ዝተበከለ (contaminated) ብሙኻኑ’ዩ።

ወድሓንክን!

መርእድ ዘርኡ

m.zerut@gmail.com

02/06/2019

Leave a comment

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.