ካብ ሕሉፍ ቶሞክሮ ክትርኤ-ትኽእል ሓዊ-ለይቶ!

ሳሕቲ ነገራት ይርኣዩኻ እሞ ብዛዕብኡ ክትጽሕፍን ክትዛረብን ኣይትደሊን፡ እቲ ምንታይስ ምናልባሽ ንህዝቢ ኣብ ምጥርጣራት ኣእትዩ፡ ካብ ቃልሲ ከየርሕቖም ስለዘስግእ እዩ። ብመንጽር’ዚ ርእይቶ’ዚ ሕቡር ህዝቢ፡ ሓያልን ንቁሑን ቃልሲ ስለዘካይድ ድማ ዝርኣየካ ነገራት ክትቃደሶ የታባብዓካ’ዩ።
ብዝኾነ ኣብዚ ዓለምና ንእስትራተጂኡ ዘይተገርሔ ኣንፌት ብሕነት ኣብ ትዉርወረሉ ዘላ ክዉንነት፡ ኣንፈቶም ዘይፈልጡ ኣህዛብ፡ ሃገራት፡ መንግስታትትን ተቃዉሞታቶም ምስዝህልዉ፡ ቀዳሞት ግዳይ ናይ ዓለምና ክኸኑ እዮም። ኣንፈትና ስለዝሳሓትና ታሪኽ ብሓሶት፡ ብዋጭዋጭታን ብባጫን ዝቕየር ስለዝመስለና ልዕሊ ደረት ኣእምራዊ ብቕዓትና፡ ልዕሊ ማሕበራዊን ፖሎቲካዊን ክብደትና፡ ልዕሊ ኣኳዳምያዊ ብቕዓትና፡ ተሞክሮናን መሰልናን ከነንሂ ስለንዉዕልን ንሓድርን ኣንፈት ጽምዶታት ቃልስና ስሒትና ኣብ መስርሕ ኪደት ርእሰ ቅትለት ንርከብ ኣለና።
ንታሪኽ ዝቕይር ህሞት እቲ ንርእዮ ኣንፈቱን ደረቱን ዝሳሓተ ርኡይ ተንቃሳቓሲ ኣግዕዞ ዘይኮነስ፡ እቲ ብቀሊሉ ክትርእዮን ክትድህስሶን ዘይትኽእል (ሙስጡር) ኣግዕዞ ጥራይ እዩ ዝቕይር። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቓለሰሉ ሰዉራ (ካብ1961-1991) ብዉሑዳን ኣብ ዉሽጠና ማዓንጡና ብመልክዕ ሰልፊ (E.P.R.P)ተወዲቦም ዝዓዩ ዝነበሩ፡ ንጉዑዞ ታሪኽን ትሕዝትኡን ከምዝቕየር ገይሮም እዮም። ሕጂ እዉን ብተመሳሳሊ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ነዚ ክዉንነት ፈሊጥና ፡ ህዝቢ ብጥበብ-ምድንጋራቶም ካይ ምእዘን፡ ካይታፋነን፡ ኣብ ዕንክሊሊን ኮንቱ ኮንቱነት ሃዋህዉ …. ወ.ዘ.ተ ከይኣቱ፡ ኣብ ዉዲታቶም ክይንሳፈፍ፡ ሰላል ካይብልን ካይሳራሰርን ናይ ምርድኡ ዓቕምታቱ ዝዓቤሉ ባይታ ክንፈጥር ክንቃለስ ኣሎና። ህዝቢ ብቁኑዕ-ሓቤሬታን ብቁኑዕ ዉደባን እንተተኣሳሲሩ፡ ልክዕ ከምቲ እቲ ብርሃን ንጸልማት ትስዕራ፡ ህዝቢ ነዞም መዳናገርቲ ክስዕሮም’ዩ።
ኣብ ፖሎቲካዊ ባይታ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብኣትኩሮ እንተተዓዚብናዮ፡ ኣብ ዝተፋላለየ ጊዝየ ዝተፈላለየ ሕብሪ፡ መልክዕ፡ ኣስማት….ወ.ዘ.ተ ሒዙ ዝመጽእ ወይ ዝጋሃድ እኳ እንተኾነ፡ ተዳጋጋሚ፡ ጽምዳዉነትን ኣብ ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታትን ፖሎቲካዊ መስመራትን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እዩ። ንሳተን ድማ፡-
1.እቲ ቀዳማይ ሓይሊ (ፖሎቲካዊ መስመር) ብፍላይ ንኤርትራዊ ሉዑላዉነት፡ ንኤርትራዊ ሃገርነት፡ ንኤርትራዊ መንነት፡ ንኤርትራዊ ምህናጽ ሃገርን ሃገርነትን፡ ንናይ ዜጋታት ሓርነትን ናጽነትን….ወ.ዘ.ተ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝጻባእን ንምዕናዉ ዝቃለስ ሓይሊ እዩ።
2.እቲ ካልኣይ ሓይሊ (ፖሎቲካዊ መስመር) ብፍላይ ንኤርትራዊ ሉዑላዉነት፡ ንኤርትራዊ ሃገርነት፡ ንኤርትራዊ መንነት፡ ንኤርትራዊ ምህናጽ ሃገርን ሃገርነትን፡ ንናይ ዜጋታት ሓርነትን ናጽነትን…ወ.ዘ.ተ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ንምርግጋጽ ወይ ክዉን ንምግባር ዝቃለስ ሓይሊ እዩ።
ካብቲ ስርዓት ንኤርትራ ተቃጻጺሩ ዝመርሓ ዘሎ ጀመሪ፡ ክሳብ እቶም ኣንጻሩ ደዉ ኢሎም ዘለዉ ንነብሶም “ደምበ-ፍትሒ” ኢሎም ዝሰምዩን ዝጽዕዱን ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣብ ዉሽጥን ዲያስፖራ፡ ኣብዚ ክልተ ፖሎቲካዊ መስመራት ዝጣቀለሉ (ዝምደቡ) እዮም። ካብዚ ክልተ መስመራት ወጻኢ ሳልሳይ መስመር ዝብሃል ብጭራስ የሎን።
ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብቶም ቀንዲ ዝመልኮም ሜላታትን ጥበባትን፡ ብሙስጡር ተወዲብካ ኣብ ዉሽጢ ሰፊሕ ግንባር መሪሕን ኣማእዛኒን ሰልፊ ፈጢርካ ምምራሕን ጥበብ ምድንጋር(the Art of Deception)ን’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ በቲ ዝመልክዎ ሜላን ጥበብን ተወዲቦም፡ ኣብ ማዓንጣ ህዝቢ ተጸፍዮም፡ ንህዝቢ ኣብ ዕንክሊል ከምዝኣቱ ገይሮም፡ መዓልታዊ ዛዕባታት ብምፍጣር ቁምነገር ንከይገብር ዘማእዝንዎ ዘለዉ። ቀንዲ መማእዘኒ-ዘንጎም ድማ ጸረ ኤርትራዊ ሃገራዉነት፡ መንነት፡ ሓርበኛነት፡ ሰብኣዉነትን ዲሞክራሳዉነትን እየን።
ዓንቀጸይ ንምዝዛሙ ንዝኣክል ሕጂ እዉን ከም ኣመሎም ብፍላይ ነቲ “ህ.ግ.ደ.ፍ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር” ዝመርሕ ሕቡእ ሰልፊ ፡ ብሓፈሻ ድማ ብደረጃ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሚሲጢራዊ ሰልፍታት ማለሊት(MLLT) 1983-1991 ን ህ.ሰ.ሰ.ኤ (EPRP) 1972-1992 ዝተክኤ ናይ ዉሑዳት ሰብ ረብሓ ሚስጢራዊ ሰልፊ ዘሎ ይመስእል! እቲ ምንታይስ ስርዓት ኣዲስ ኣበባን ስርዓት ኣስመራን ፖሊሲታቶም ነንሕድሕዱ ዝተሓጋገዝን ዝባራረን ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሙኻኒ’ዩ። ኣብ ከምዚ ፖሎቲካዊ ድሕሪ-ባይታታት፡ ቅድመ-ደማዊ ምትእስሳራትን ምቅሉፍላፋትን እቲ እንኮ መፍትሒ ካብ ዝንኣሰት ቦታን ካብ ሓደ ዉልቀ ዜጋ ጀሚሩ ንመላእ ዓለም ዝዝርጋሕ ህዝባዊ ሰኪዔትን፡ ኣብ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝዝርጋሕ ዳይነሚክ ህዝባዊ ዉደባን ምስ ህዝባዊን ሰብኣዊን ኑጹር ዕታር-መትከላት ምስ ዝላፈን ጥራይ እዩ።
ወድሓንኩም!
መርእድ ዘርኡ
31/07/2017

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

%d bloggers like this: