ጋዜጣዊ መግለጺ

ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

الحركة المدنية الديمقراطية الارترية

Eritrean Civic Democratic Movement
ዕለት/Date: 17/05/2017

ቁ/መዝገብ/Ref.NO: 012015170501

ጋዜጣዊ መግለጺ

ናይ ሎሚ መዓልቲ ጋዜጣዊት መግለጺና ሓቤሬታ፡ ስምዕታ፡ መጸዋዕታን ምሕጽንታን እያ። ኣብ ዕለት 14/05/2017 ኣባላት ቦርድ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ዕላዊ-ርክብ ኣካይዱ፡ ኣብዚ ርክብ’ዚ 4 መሰረታዉያን ሕቶታት ብምልዓል ብዓሚቕ ዘትዩ። ብኣትኩሮን ብዕሙቖት ዘሻቀለቶ ድማ ዉሽጣዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን መዓልቲ-መጸ ናብ ዝኸፍኣ ኩነታት ብናህሪ እናምረሐ፡ ሃገርን ህዝብን ብኹሉ-እንትንኡ እናበረሰን፡ ኤርትራ ናይ መልኣከ-ሞት ሃገር (phantom state) እንዳኾነት ምኻዳ ምስ መዘነ እዩ። ሚዛና ኣብዞም ዝስዕቡ ሮቓሒታት መሰረት ዝገበረ እዩ፡-

1.ከም ሳዕቤን ኣዝዩ ረቂቕን ጉሁዱን ካብ ሃገርካ ሃጽ  ዘብል፡ ደፋኢ ፖሊሲ ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ኣብ ኤርትራ እቲ ክልዉጥ፡ ክሃንጽ፡ ንዓበይትን ህጻናትን ክእብድ፡ ክኣሊን ክጥዉር፡ ሃገርን ህዝብን ክካላኸልን…ወ.ዘ.ተ ዝኽእል መንእሰይን ማእከላይ ዕድመን ብሓፈሻ ንመላእ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ንሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ተዞቒቁ ከምዝወጸን ብቀጻሊ ይወጽእ ብምህላዉ ጽንፌት-ኣእሙሮ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ብልክዕ ኣብዝተረዳሉ ህሞት እዩ።

2.ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዝነብር ህዝብና ብሕጽረታትን ናይ ዋጋ-ክብሪን ስእነት ጽዓት ኤለክቲክን ነዳድን፡ መግቢ፡ ዝስተ-ጹሩይ ማይ፡ ስሓ፡ ምጣኔ-ሃብታዊ ቅልዉላዉ …ወ.ዘ.ተ መዓልታዊ ይሳቀ ምህላዉ ድሕሪ ብኑጹር ምፍላጥና እዩ።

3.ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጣሕሚሱ ዘሎ ኩነታት፡ ንምቕያሩ ዝኾነ ይኹን ሰናይ ድሌትን መደብን ከምዘይብሉን፡ ብኣንጻሩ ናይ ምብታን ህዝቢ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ፖሊሲታቱ ክቅጽሎ ድሕር ከምዘይብል ኣብዝተገንዘብናሉ እዩ።
4.እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ናይ ተቃዉሞ ኣካላት ኣብ ሃለውሎዋትን ኣብ ኣዝዩ ጉጉይ ጽምዶታት ኣትዩ ከምዘሎ ኣብ ዝዳህሰስናሉ እዩ ።

5.ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘለዉ ወትሃደራዊያን መኮኑናት፡ ሲቪላዊ ሸማምንቲን ካልኦት ዜጋታት ክዉዱቡን፡ ክመርሑን ከንቃሳቑሱን ዝኽእሉ፡ ብሰንኪ ፖሊሲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምትእስሳራቶሙን ዝምድናታቶሙን ተባጣጢሱ፡ ኣብ ተማዕዳዊን ቱኹላዊን ምትፍና ከምዝርከቡ ኣብ ዘለለናሉ እዩ።

በዛ ጋዜጣዊ መግለጺ ገምጋምና ምስ ህዝብና ክንቛደሶ ወሲና ኣሎና። እቲ ተፈጢሩ ዘለ ክዉንነት ኣዝዩ ዘሻቕልን ጊዚየ ዘይህብን እዩ። ከምዚ እንተ ቀጺሉ፡ ኤርትራ ከም ሃገርን ህዝቢ፡ ክቕጽል ዘይክእል ናይ ሙኻን ትኹኡሎታት ተኾሊዑ ዝርኤ እዩ። ካብዚ ኣብ ላዕሊ ብሕጽር ዝበለ ተጣሕሚሱ ዘሎ ኩውንነት ዝልዕሎ ሕቶ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ሃገር ኤርትራ ከም ሃገር፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ናይ ሓደ ሃገር ይቀጽል ዶ ውይስ ኣይቀጽል ዝብል’ዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ብተግባር ክንምልስ እንተዘይበቂዕና። ጽባሕ ንግሆ ከጣዕሰናን ኣብ ከቢድ ዓዘቅቲ ክሸመና ሙኻኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነት-ኩዉንነት “ንደጋፊ” ወይ “ንተቃዋሚ” ዜጋ ብተናጸል ዝምልከት ኣይኮነን ። ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዝምልከት ስለዝኾነ፡ ከምህዝቢ ካብ ህልኽን እንኪሒራዊ_ባህርያት ተናጊፍና፡ ብሓደ ድምጺ ገባቲ ፖሎቲካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ምቅጻል ደዉ ክብል ከምዘለዎ ክንገሮን ብተግባር ክንቃወሞ ኣሎና ብምባል ንጽዉዕ፡ ነሰምዕ፡ ንምሕጸንን ንሕብርን ኣሎና።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!
ቦርድ ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ
17/05/2017
Copyright 2017 Eritrean Civic Democratic Movement. All rights reserved. This material may be published, broadcast, or redistributed with proper citation of the Eritrean Civic Democratic Movement, eritreancdm@gmail.com

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

%d bloggers like this: