ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነበር ዓሊ ዓብዱ፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ዘቕረቦ ሰነድ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ንኢሳይያስ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ንምውራድ እማመ ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ገሊጹ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነበር ዓሊ ዓብዱ፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ዘቕረቦ ሰነድ፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ንኢሳይያስ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ንምውራድ እማመ ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ገሊጹ።

By assenna on June 7, 2014

ali-abdu
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነበር ዓሊ ዓብዱ፣ ኣብ 2012 ዓመተ ምህረት ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ድሕሪ ምርሕርሑ፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ዘቕረቦ ሰነድ፣ ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፣ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ፣ ብሪገደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ (ወዲ ልብሱ) ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ንኢሳይያስ ብወተሃደራዊ መንገዲ ካብ ስልጣን ንምውራድ እማመ ኣቕሪቦም ከምዝነበሩን ምስኡ ከምዝተመያየጡሉን ገሊጹ።

ዓሊ ዓብዱ ኣብቲ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ዘሎ ሰነድ ሕቶ ዑቕባ፣ ኢሳይያስ ንሲቪል ህዝቢ ክሳብ ደቂ 75 ዓመት በልማማ ንምዕጣቕ ዝወሰዶ ውሳኔ ንብዙሓት እንተላይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣቖጢዑ ከምዝነበረ የመልክት።

ንሱ ኣብቲ 11 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብብልሽውና ዝተቛማጥዐ ምዃኑ፣ ከም ብዓል ብሪጋደር ተኽለ ማንጁስ ዝኣመሰሉ ነዚ ናይ ህዝቢ ጃምላዊ ምዕጣቕ ዝለዓለ ሓላፍነት ተዋሂቡዎም ዝነበሩ ኣዘዝቲ ዝርከቡዎም ሰበስልጣን ኣብ ምስግጋር ኤርትራውያን (Human Trafficking) ተዋፊሮም ከምዘለዉ ‘ውን ይጠቅስ።

ኣብ 2012 ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ዝሓተተ ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ፣ ብዛዕባ እዚ ዝተጠቕሰ ፍጻሜታት ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን። እዚ ንሕቶ ዑቕባ ኢሉ ናብ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣቕሪቡዎ ተባሂሉ ዝእመነሉ ሰነድ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ‘ሎ። ኣብ ቀጻሊ ሰፊሕ ትርጉሙ ከነቕርበልኩም ክንፍትን ኢና።
http://assenna.com/%e1%88%9a%e1%8a%92%e1%88%b5%e1%89%b0%e1%88%ad-%e1%8b%9c%e1%8a%93-%e1%8a%a4%e1%88%ad%e1%89%b5%e1%88%ab-%e1%8a%90%e1%89%a0%e1%88%ad-%e1%8b%93%e1%88%8a-%e1%8b%93%e1%89%a5%e1%8b%b1%e1%8d%a3-%e1%8b%91/

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s

%d bloggers like this: