ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተኣጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ ኣይክተርፍን’ዩ!

ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ ኣይክተርፍን’ዩ!

ሎሚ ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ከጽሕፍ ዘገደደኒ ትዕዝብታተይ ድሕሪ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ከተማ ኣስመራ/ ፎርቶ ብናይ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕልዋ ምብርዓኑ፣ ቀጺሉ ብጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝተወስደን ዝዉሰድ ዘሎ ናይ ምእሳርን ምሽራብ ዜጋታትን ብመንጸሩ ኣብ ህዝብና ኣጋጢሙ ዘሎ ዓሚቕ ስቕታ ብምዕዛበይ እየ።

ንዓሚቕ ስቕታ  ማርቲን ኔምሎር ዝተባህለ ጀርመናዊ ክገልጾ እንኮሎ ከምዚ ይብል፣-

First they came for the communists, መጀመርታ ናብ ዴሳዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a communist. ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ዴሳዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the socialists, ቀጺሎም ናብ ማሕበርነታዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a socialist. ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ማሕበርነታዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the trade unionists, ኣስዒቦም ናብ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበርተኛታት መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a trade unionist. ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ማሕበርተኛ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the Jews, ቀጺሎም ናብ ይሁዳዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a Jew. ከምኡዉን ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ኣይህዳዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for the Catholics, ካብኡ ናብ ካቶሊካዉያን መጽዮም፣
and I didn’t speak out because I wasn’t a Catholic. ሽዑ እዉን ኣይተዛረብኩን እቲምንታይስ ካቶሊካዊ ስለዘይነበርኩ፣

Then they came for me, ኣብ መጨረስታ ናባይ መጺኦምኒ፣
and there was no one left to speak for me ዝተረፈ ሓደ ሰብ ስለዝይነበረ ፣ ዝዛረበለይ ስኣንኩ።

Martin Niemöller

ብሓፈሻ ኣብ ካልኣይ-ኪናት ዓለም ፣ ብፍላይ ድማ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ኣዶልፍ ሂትለር ፖሎቲካዊ ስልጣን ኣብ ሃገር ጀርመን ጭቢጡ ንህዝቢ ጀርመን፣ ህዝቢ ኣይህዱን ህዝቢ ኤዉሮጳን ኣብ ዘህልቀሉ ዝነበረ እዋናት፣ ትዕዝብቱ ኣብቲ ዝነበረ ኩነታት ንምግላጽ ዝሃቦ መግለጺ እዩ። እዚ መግለጺ እዚ ስቕታ ማዕረ ክንደይ ኣህዛብ ከተህልቕ ከምትኽእልን፣ ሰብ ክብደል እንኮሎ እንተድኣ ኣጽቂጥካ፣ ከም ኣታዓድላ ዋንጫ ናባኻ ክበጽሓካ ምኻኑን፣ ሽዑ ድማ ዓገብ ኢሉ ዝዛረበልካ ሰብ ከምዘይርከብ ንምጡቋም ዝሓለነት መግለጺ እያ። ስቕታ ኣዝዩ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም እዩ። ንስቕታ ከም ልቦና ገይሮም ዝገልጽዋ ሰባት ክርከቡ ከምዝኽእሉ ዘጣራጥር ኣይኮነን፣ የግዳስ ስቕታ ክስበርን ክትርባዕ ዘለዎ ሓደገኛ ማሕበራዊ ሕማም እዩ። እዚ ኩሉ ግፍዕን ሓሰረ መከራ ወሪድና ዘሎ ኤርትራዉያን ካብ ስቕታና ዝነቀለ እዩ። ክሳብ ስቕ ክንብል ዝመረጽና ድማ ብእብረ ክንዳሃኽ ምኻና ፍሉጥ እዩ።

21 ጥሪ 2013 ኣብ ከተማ ኣስመራ/ ፎርቶ ብናይ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ፈተነ ወትሃደራዊ ዕልዋ ምስተጋህደ፣ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሒቕታ ጎሲዖም እዮም። እቲ ጉሳዕ ድማ “እስላማዊ ምትእኽኻብን እስላማዊ ስጉምቲ ምኻኑ እዩ”። እዚ ሒቕታ እዚ ኣብ ዉሽጥ ኤርትራ ንኹሉ ዜጋ ኣብ ደዉታ ምፍጣጥ ኣእትዩ ከምዝነበረን፣ ብቅጽበት ህዝቢ እዉን ከምዝነጸጎ ዝራጋገጽ ሓቂ እዩ። ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ከምዘይተዋጽኦም ኣብ ዝገምገምሉ እዋናት፣ ዘረብኦም ኣዲቦም ኣብ ምእሳር  ኣትዮም። መብዛሕትኦም ዝተኣስሩ ላዕለዎት ወትሃደራዊን ሲቪላዉን ሰብ መዝታት ድማ ምእመናን እስልምና ከምዝኾኑ ዘካትዕ ሕቶ ኣይኮነን።  ዝነበሮም ጽፍሕታት፣ ዝነበሮም ኣራኣእያን ተራን፣ ኣቀዲሞም ዝተዛረብዎን ዝበደልዎ….ወ.ዘ.ተ ብዘየገድስ፣ ክሳብ ናጻ ቤት ፍርዲ ንመእሰሪ ጉዳዮም መርሚሩ ገበነኛታት ወይ ንጹሃት ዘይበሎም፣ እዞም ምስ ናይ 21 ጥሪ 2013 ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ናይ ሕልናን ፖሎቲካን እሱራት እዮም። ኩሎም ናይ ሕልናን ፖሎቲካ እሱራት ድማ ብዘይዉዓል ሕደር ክፍትሑ ከምዘለዎም ህዝቢ ኤርትራ ክጠልብን ስቕትኡ ክሰብር ይግባእ።

ድሕሪ ኤርትራ ካብ እምባሮጦራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ናጻ ምዉጽኣ፣ ብጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ፣-

1.      ኣመንቲ ዮሆባ ተባሂሎም ሰብኣዊ መሰሎምን፣ መሰልዜግነቶም ክጋሃስ እንኮሎ ኣጽቒጥና፣

2.     መማህራን ናይ ቛንቛ ዓረብ ብዕስለ ተሃዲኖም ክሽረቡ እንኮሎዉ ኣጽቒጥና፣

3.     ስንኩላን ኣብ ማይሓባር ክቕተሉ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

4.     ኣስታት 48000 ተጋደልቲ ብዘይ ገለ ጻማን መደባትን ክጽልጸሉ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

5.     ኣስታት 5000 ሰራሕተኛታ መንግስት ዝነበሩ ካብኦም 32 መምህራን ዩኒቬርሲቲ ኣስመራ ክጽልጸሉ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

6.     ኣመንቲ ጰንጠ ቆስተ ተሓዱሶን ተባሂሎም ዜሃታት ኣብ ኮንተይነራት ክሙቁሑ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

7.     11 ላዕለዎት ኣባላት ባይቶን ጋዜጠኛታት ክእሰሩ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

8.     ባይቶ መንግስት ኤርትራ ክድስክእል እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

9.     ዜጋ ከም ጨዉን በርበረ ክሽየጥ ክልወጥ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

10.    ዜጋ ብጥይት ክቁለብ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

11.     ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ኩለን ጎሮባብቲ ሃገራት ኣብ መጋርያ-ኪናት ክጠብሰና እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

12.    ጳጳስና፣ ካህናትና፣ ሸኻትና ክእሰሩ ብኣስገዳድ ተገፊፎም ንሳዋ ክወርዱ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

13.    ኣረጋዉያን፣ ማእከላይ ዕድሜ፣ መንእሰያትን ህጻናትን ብኣማኢት ኣሽሓት ክስደዱ እንከለዉ ኣጽቒጥና፣

14.    ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ክእሰሩን ክስወሩን እንከለዉ ኣጽቒጥና፣ ….ወ.ዘ.ተ

ሕጂ ድማ ኣስላም ዶ ክሪስትያን ዝብል ምህዞ መጺና። ሓደ ሃይማኖት፣ ሓደ ኤትኒክ-ጉጂለ፣ ሓደ ዜጋ…ወ.ዘ.ተ ክብደል እንኮሎ፣ ዓገብ ዘይንብል እንተ ኼና ከም ሃገርን ህዝብ ክንቕጽል ኣይኮናን። ምኽንያቱ ከም ኣታዓድላ ዋንጫ ናብ ኩላህና ብእብረ ክበጽሓና ስለዝኾነ፣ ከም ሕብረተሰብ ባዲምና ክንተርፍ ኢና። ስለዚ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ንኩሎም ኣቀዲሞም ድሒሮም  ዝተኣስሩ ናይ ሕልናን ፖሎቲካን እሱራት ብዘይ ገለ ቅድመኩነት ክፈትሕ፣ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ጸቕጢ ክገብር ይጽዉዕ ኣሎኹ።

እዞም ሕጂ 21 ጥሪ 2013 ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ንሙሉእ ዕድሚኦም ከም ሃገራዉያን፣ ዕልመናዊ ፖሎቲካዊ እምነት ዝነበሮሙን፣ ንዕልመናዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝተቓለሱ እዩም። ከምኡ ስለዝነበሩ ድማ ኣብ ዝላዓለ ፖሎቲካዊ ስልጣን ስርርዕ ህ.ግ.ደ.ፍ ተመዲቦም ክነጥፉ ጸኒሖም። ሕጂ ብሃንደበት ኣብ እስላማዊ ሃገራዉነት ክኣምኑን፣ ነዚ ስነሓሳብ ከዕዉቱ ክጥርነፉን ክነጥፉን ኣይክእሉን እዮም። ብምንም ተኣምር ኣብ ሓደ ካልኢት ዝቅየር ፖሎቲካዊ እምነት ድማ የሎን ብሕጂ እዉን ኣይክህሉን እዩ።

ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ከምኣመሉ ብቲሒም-ቲሕም ብዛዕባ እዞም ምስ 21 ጥሪ 2013 ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት፣ ዝነዝሖ ዘሎ ወሬታት ሰሚዔዮ ኣሎኹ፣ ካብ ባሃሊኡ ደጋሚኡ ስለዝኾነ ግን ንጊዚኡ ትም መሪጸ ኣሎኹ። ማዓንጣ፣ ፖሎቲካዊ መትከላትን ሓቂ እንተሃሊዎም ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ሃየ ንህዝቢ ኤርትራ መግለጺ ይሃብሉን፣ ንቅዩዳት ድማ ኣብ ናጻ ቤት ፍርዲ ጠበቅኦም ሒዞም ነብሰም ዝካለኸልሉ ባይታ ይፍጠር። ክፈጥር ዘኽእል ቅርጻ፣ ፖሎቲካዊ ትሕዝቶ፣ ፖሎቲካዊ መትከል….ወ.ዘ.ተ ስለዘይብሉ ግን ፈጺሙ ክገብሮ ኣይኮነን።

ብሕቡኡ ይኹን ብቕሉዕ ኣብ ዉሽጥ ደምበ ተቓዉሞ ይኹን ኣብ ደንበ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ፣ ንገሌና እናንኣደ፣ ንዝተረፍና እንዳካፈኤ ዘዋስን፣ ዘካፍእ፣ዝንጽልን ዘጸልምን ሃይሞኖታዉን ኤትኒካዊን ሓዘል ናይ ታሪኽን ተረኽቦን ጠመተን ኣራኣእያ ዓይነታዊ ኣብነት ኣብ ምፍሓቕ ማሕበራዊ ክብርታትናን፣ ምድኻም ሲቪካዊት ሃገር ኤርትራ ዘናጻጸረ ፍጻሜን ተግባርን እዩ።

ኤርትራ ከምሓንቲ ጽንዕቲ ሲቪካዊት ሃገር ዘብላ ኤትኒካዊ-ጉጂለ፣ ሃይሞኖታዊን ሰብኣዊ ምክብባርን ምጽዉዋር ክብርታት ዝዉንን ሕብረተሰብን ሃገር ብምኻና እዩ። ነዚ ንመዋእላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝወነኖ ማሕበራዊ ክብርታትን ፍሉይ ሕላገታት (መለለይ) ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ክፈግርዎን ክሰብሩዎ ካብዝነቕሉ ክልተ ወሎዶ መመላእታ ወሲዱ ኣሎ። እዚ ማሕበራዊ ክብርታት እዚ እንተተፈጊሩ፣ ኤርትራ ናይ ዝኣሳስራ ዝይብላ እኽብካብ ጂኦግራፊካዊ ቀጽሪ እያ። ሲቪክ ኤርትራን ኤርትራዉነትን ካብ እኩብ ድምር ናይ እስላምን ክርስትያን ንላዕሊ ብማሕበራዊ ክብርታቱ ዝልለ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ንማሕበራዊ ክብርታትና መታን ክንሕሉ ስቕታና ክስበር ኣለዎ። ኣንካይዶ ብዕስለ፣ ሓደ ዉልቀ-ዜጋ ክብደል እዉን እንተሪኢና ዓገብ ክንብል እንተዘይክኢልና ዝለመስና ሕብረተሰብ ኢና።

መዛዘሚ ፣ ሃይለ፣ ተስፋጋብር፣ ቦኽረጼን….ወ.ዘ.ተ ተኣኻኺቦም ለዉጢ ከምጹ ስለዝሃቀኑ መስቀላዊ ጥርኑፉነት ዘብሎም ምኽንያት የሎን። ዓብደላ፣ ሙስጦፋ፣ ሳልሕ…ወ.ዘ.ተ ተኣኻኺቦም ለዉጢ ከምጹ ስለዝሃቀኑ እስላማዊ ጥርኑፉነት ዘብሎም ምኽንያት የሎን። ሓደ ምንቅስቓስ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዳይነሚክስን፣ ዝተሰከሞ ወይ ከዕዉቶ ዘሓሰበ ዕላማታት ዝግለጽን ዝልለን እዩ። ከተግብርዎ ድዮም ካየተግብርዎ ብዘየገድስ፣ ጠለቦም ነቲ ኣብ ኤርትራ ቦኺሩ ዘሎ ግዝኣተ-ሕጊ ንምርግጋጽ ስለዘንሃዩ፣ ብኡኡ ጥራይ ክግለጹን ክልለዩን ዝግባእ። ስለዚህዝቢ ኤርትራ ብሓባር “ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ  ኣይክተርፍን’ዩ!” ዝብል ጭርሖ ብምልዓል፣ ኣንጻር ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍን ተግባራቱን ደዉ ክብል ይጽዉዕ ኣሎኹ።

ሎሚ ስባት ክብደሉ እንኮሎዉ እንተጽቂጥና፣ ጽባሕ ንሕና ክንብደል እንኮሎና ዝዛረበልና ሰብ ኣይክተርፍን’ዩ!!!

ወድሓንኩም!

መርእድ ዘርኡ

8/5/2013

 

 

 

One response

  1. very true observation, thx for your assertive message.

Leave a comment

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.